• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“: ብህይወትካ ምጥላዕ!

March 7, 2016 By Africa Horn Now

ዑቕባይ ገብረመድህን፡ ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ. | መጋቢት 5፡ 2016 | ASSENA

“ግድነት ሽግር ኪህሉ እንተ ድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ግዜይ ይኹን፣ ውላደይ ሰላም ምእንቲ ኪህልዎ።“   (“If there must be trouble, let it be in my day, that my child may have peace.”) –Thomas Paine (***ምስጢር ናይዚ ጥቕሲ ድሕሪ ናጽነት ብወለዲ ፍጹም ስለ ዝተዘንግዐ፡ ወለዲ ቀበርትና ይግበርኩም ዝብሉዎ ዝነበሩ ምርቓ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ፡ ደቂ ንወለዶም ክንዲ ዝቐብሩ፡ ወለዲ ንደቆም ዓው ኢሎም ዝበኽዩሉን ዝቐብሩሉን ዕድል`ኳ ዝተኸልከሉሉ ተካል ዘመን ስዒቡ።)

Ogbai_1
ዑቕባይ ገብረመድህን

ምስ ግዜ ዘይኣርጉ ካብ ጭቡጥ ተመክሮ ህይወት ዝመነጩ፡ ኣብ ዕለታዊ ናብራና መምሃሪ ኪኾኑና ዝግብኦም፡ ሃብታም ባህላዊ ምስላታት ኣለዉና። -“ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“  ሓደ ካብቶም ባህላዊ ምስላታትና ኢዩ። እቲ ንፍረ ሳግላ ዘስምዕ ግሉጹ መልእኽቱ ጌጋ ምዃኑ ብንኣሽቱና ከሎና ከም ዘሎዎ ብምትግባሩ  ብኣሉታ ዝተመኰርኩዎ፡ ማለት ንፍረ ሳግላ ኣብ ውሽጡ ዚርከቦ ጻጸታት ነጊፈ  ብዘይምብለይ ዘስዓበለይ ቅርጸት ከብዲ ኣደይ በርበረ በጽቢጻ ብምስታይ ዝፈወሰትኒ ትዝ እብለኒ፣ ከምኡ`ውን ካልኦት ከማይ ዘጋጠሞም ኔሮም`ዮም።

እቲ ግልጺ ኣበሃህላ ናይቲ ምስላ ጌጋ ከም ምዃኑ ብግብሪ እረዳእ እምበር  ኣብቲ ንኡስ ዕድመ ካልእ ምስጢር ደኾን ይህልዎ ብምባል ክፈልጥ ኣይፈተንኩን። ንኹሉ ግዜ ከም ዘሎዎ መጠን፡  ነቲ ዘይዓገብኩሉ ግሉጽ ኣበሃህላ ንምጽራዩ ንሓደ ናይ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቝ ፍልጠት ዘሎዎም ለባም ኣቦ ሓቲተ ዝረኸብኩዎ ዓሚቝ ምስጢር ከም ዘሎዎ ክርዳእ ክኢለ። እቲ ምስጢራዊ ትርጉሙ ከም ዝነገሩኒ፡ – ንሰብ ዝጐድእ ምስጢር ከይተውጽእ ብማሕላ ንዝግበር ምርድዳእ ዝሕብር ምዃኑ ገሊጾሙለይ። ብቓል ይኹን ብግብሪ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንሰብ ምጕዳእ ጌጋ ምዃኑ ዝሕብር፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ፍጹም ተዘንጊዑ ዘሎ፡ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ሰላም ዘስፍን ምዕሩግ ባህሊ ሓድጊ ቀዳሞት ኣቦታትና ምዃኑ`ዩ። ነቲ ክትዕቅቦ ዝተመሓሓልካሉ ምስጢር ካብ ዘይምዕቃብ ዝስዕብ ጕድኣት ኣብነት ታሪኻዊ  ሓቤሬታ እውን እቶም ኣቦ ብኸምዚ ኣስኒቖሙኒ። ኣብቲ መበቆላዊ ንጉሳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ  ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ  ኤርትራዊ ምሁር ንገለ ዓበይቲ ኤርትራውያን ኣኪቦም ንኤርትራ ኣማሓራ ሓደገኛታት ምዃኖም ናይ ቀረባ ትዕዝቦቶም ምስ መጠንቀቕታ ኣካፈልዎም። ገለ ካብቶም ዝመሓሉ፡ ነቲ ብሓልዮት ዝተዋህቦም ምስጢር ኣብ ክንዲ ንረብሓኦምን ረብሓ ህዝቦም ምዃኑ ተረዲኦም ዝዕቅቡዎ፡ ብጸቢብ ግዜያዊ ረብሓ ዕማኾ ገንዘብን ሽመትን ንምርካብ፡ ከይዶም ናብ ሃይለስላሴ ኣብጽሑሎም። ኣብ ርእሲ`ቶም ለባምን ምሁርን ኣማኒ ኸኣ ሰፍ ሰይብል ጕድኣት ኣውሪዱሎም።“ደርሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት“ ዝብሉኹም ከምዚ`ዩ።  እቲ ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘሕዝንን ኩነታት፡ ሎሚ ናይ ጥልመት ባህሪ ኣብ መላእ ሃገርን ወጻእን ሳዕሪሩ፡ ንሓድነት በኪሉ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን  ፍትሕን   ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ኢዩ።

ብዝኾነ፡ ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ፡ ኣብዚ ከተኵረሉ ዝደለኹ፡ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ዘምጽኦ ሳዕቤን ንምብራህ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝሓበርኩዎ፡ እቲ ምቁር ፍረ ሳግላ ጋሊህካን ኣጽሪኻን ኣብ ክንዲ ምብልዑ ብኽዱኑ ምስ ዝብላዕ ክርጸት ከብዲ ከም ዘኸትል መጠን፡ ውሽጡ  ከይመርመርካ ትቕበሎ ፖለቲካዊ ሳግላ ኸኣ ልዕሊ ክርጸት ከብዲ፡ ጥፍኣትን ዕንወትን ከም ዘኸትል ዝሓለፈ 55 ዓመታት፡ ኣብ ዝባን መሬትን ልቢ ህዝብን መዝጊቡዎ ዘሎ ሓቂ`ዩ። ንውልቀመላኺ ኢሳያስ ፍጹም ስልጣን ኣረኪቡ፡ ኲናት ሓድሕድ ከባርዕ፡ ዝፈርሖም ንጹሃት ጀጋኑ ከጽንትን መስዋእቲ ከብዝሕን ዓወት ከርሕቕን ዝገበረ ምስጢራዊ ኣሰራርሓ ህግሓኤ ምዃኑ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ኣብ ናይ ሃይማኖት ወይ መንፈሳዊ ጉዳይ ብእምነት ኪኽየድ ግድን`ዩ፣ ብምምርማር ከተረጋግጾ ዝከኣል መርትዖታት ስለ ዘየለ። ኣብ ጉዳይ ምድራዊ ህይወት – ማለት ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊ ጉዳያት ግን ድሕነት ህዝቢ ንምርግጋጽ፡ ብእምነት ዘይኮነ ብምምርማር ካብ ምኻድ ካልእ ኣማራጺ የለን። ምጥቃም ኣገባብ ምርምር ርትዓዊ መርትዖታት ንምርግጋጽ ወሳኒ ተራ ኣሎዎ። እንተ ኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ መጠንቀቕታ ስለ ዝሰሓትናዮ፡ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ንጠባያትን ተግባራትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዝሓቘፈ ፖለቲካዊ ሳግላኡ ከይፈተሽና ምስ መርዙ ስለ ዝበላዕናዮ ብህይወትና ተጣሊዕና ብዙሓትና`ውን ገና ንጣላዕ ኣለና። እነሆ ኸኣ ብሰሪ – እንታይ-መዓስ-ኣበይ-ከመይ- ስለምንታይ – ኢልና ብዘይ ምምርማርና በልማማ ንጠፍእ ኣለና።

ፖለቲከይናታት ትኽ  እንተ በሉ ከም ማዕጺድ  ይበሃል፣ ኣብ ጭብጢ ህይወት ዝተመስረተ፡ ሓቅነት ዘሎዎ ብሂል ምዃኑ ኸኣ ዘካትዕ ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ፡ ፖለቲካዊ መብጽዓታትን ትግባሬኦምን ተጻያት ኣንፈታት ሒዞም ስለ ዝጐዓዙ። ቃልን ግብርን ስለ ዘይወሃሃድ ኢዩ ኸኣ እቲ ዝዓበየ ጠንቂ ኩሉ ሽግር ዓለም፤ ብቐረባ ድማ ናይቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሽግር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኩሉ መዳይዊ ጸልማት ኣጐልቢቡ ኣብ ገምገም ፍጹም ጥፍኣት ደፊኡዎ ዘሎ። ኣብ ኣትኵሮ ብሕታዊ ረብሓ ዝተመስረተ ዝምባሌ ስለ ዝኾነ ኸኣ ንምፍትሑ ቀሊል ኣይኮነን፤ ኣይከኣልን ምባል ግን ንስዕረትን ውድቀትን ኢድካ ምሃብ ብምዃኑ ተመራጺ መንገዲ ኣይኸውንን። እቲ ምስጢር ፍታሕ ኣብ ክንዲ ኣብ ጸቢብ ርእሰ ረብሓ ኣብ ሰፊሕ ናይ ሓባር ረብሓ ምትኳር ዓወት ኩሉ ምዃኑ ብሕልና ምቕባልን ምስራሕን`ዩ። ኣነ ክመርሓኩም ኢሉ ንዝምድር ከኣ ብጠርጣርን መርማርን ኣተሓሳስባ፡ ሰንጠረዣዊ ሕቶታት ብምዝውታር ኣዕሚቝካ ምምርማሩ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ፡ ብእምነት ምቕባል፡ ተዓሚትካ ጉያ መወዳእትኡ ኣብ ህጉም ምውዳቕ ምዃኑ መሪር ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝለዓለ ምስክር`ዩ።

ኣብዚ ቅርጺ ኣልቦ ዝኾነ ደምበ ተቓውሞ ዝበሃል፡ ክልተ ጐድኒ ንጐድኒ ዚኸይድ ነቐፌታት ይስማዕ`ዩ። እቲ ሓደ ናብ ውድባት ዝስንዘር ኮይኑ፡ – ናይ ህዝቢ ስቓይ ስለ ዘይዓጅበን፡ ድሕሪ`ዚ ኹሉ ዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዝህብ ጥርኑፍ ኣበርክቶ ኣብ ክንዲ ምግባር ነንሓድሕደን ብዘይተጨበጠ ስልጣን ተነፋፊገን ክማናጨታ ግዜአን የሕልፍኦ ኣለዋ ዝብል`ዩ። እቲ ካልኣይ፡ ካብ ደገፍቲ ውድባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝስንዘር ነቔፌታ ኮይኑ፡ ኣብ ግዳም ኴንካ ካብ ምንቃፍ ኣብ ውሽጠን ኣቲኻ ምስራሕ`ዩ ኔሩ ይብል። እዚ ካልኣይ ነቐፌታ ናይ ህዝቢ ኣንቴና ሓያል ምዃኑ ዝዘንግዐ ይመስል፤ “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቝሎኣ ከላ እፈልጣ“ – ከም ዝበሃል ህዝቢ ተስፋ ዘይርእየሉ ኩነታት ሃንደፍ ኢሉ ኣይስዕብን`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዓለም ዘደንጸወ ዘይጽንቀቕ ተስፋን ዘይዕጸፍ ጽንዓትን ዝውንን ህዝቢ ብምንባሩዶ ከይኮነ፡ ዋጋ ህይወትን ንብረትን ከይበቐቐ ተቓሊሱ  እዚ ምስሉይን ፋሺስትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጨውዪዎ ዘሎ ናጽነቱ ዘምጽአ። ሕጂ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛቢ ኮይኑ ዝጠፍእ ዘሎ ተስፍኡ ዘባራብር፡ ንጹህን ቅኑዕን መሪሕነት ስለ ዝሰኣነ ጥራይ`ዩ።

እስከ ኪኖ`ዚ ኣብ ምዕራቡ ተገምጊሙ ዘሎ መርገም ኤርትራ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ሰጊርና`ሞ ነቶም  ብልቦና ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን፡  ባህሊ ምክብባርን ምትሕልላይን፡ ባህሊ ስኒትን ሓድነትን ዘውረሱና ቀዳሞት ኣቦታትና`ሞ ብጕዞ ታሪኽ ምልስና ኢልና ንዘክሮም፣ ምስጢር ዓወቶም ንዳህስስ! እቲ ምስጢር ልባዊ ትሕትና፡ ካብ ሓሳበይ ናትኩም ይሓይሽ፡ ካብ ኣነ ክመርሕ ንስኻትኩም ትልብሙ ዝብል ምቕሉልነት ይውንኑ ስለ ዝነበሩ`ዩ። ካብ ምዕራባዊ ትምህርቲ ዝውረስ ብሕማም ኣነ እፈልጥ መርገም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣይተለኽፉን ኔሮም። ምዕራባዊ ትምህርቲ ጐዳኢ`ዩ ማለት ኣይኮነን። ምስቲ ኹሉ ኣዕናዊ ምህዞታት፡ ንዓለም ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ምዕባለ ዘብጽሓ ምዕራባዊ ትምህርቲ`ዩ።  እቲ ፍልልይ ኣብቲ ፍልጠት ዘይኮነ ኣብቲ ኣጠቓቕማ ፍልጠት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ኤርትራ ብሰሪ ተኻታተልቲ መግዛእቲታትን ኲናትን ብዝሒ ህዝባኳ ክስስን እንተ ዘይከኣለ፡ ብዓቕማ ብምሁራት ደቂ ካብ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ጀሚራ ዝተዓደለት ኢያ ኔራ ክብል እደፍር። ካብ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት ንምጥቃስ፡- ክቡር ብላታንጌታ ሎሬንሶ ታእዛዝ፡ ቀዳማይ  ሚንስተር ኮይኖም ክሳብ ዝጥለሙ ንስርዓት ንጉስ ሃይለ ስላሴ እግሪ ዘትከሉ፣ ብላታ ኤፍረም ተወልደመድህን (ሓዎም ንመምህር ይስሃቅ ተወልደመድህን) ኣብ መንጽር ኣቦና ዓብደል ቃድር ከቢረ ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ዝመጐቱ፡ ኣብ ምህናጽ ዘመናዊ ህንጻታት፡ ኣብ መካኒካዊ ሞያ ምዕባለ ኣየር፡ ኣብ ኣገልግሎት መጐዓዝያ . . . ወ.ዘ.ተ. ምሁራት ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ምዝጉብ ታሪኽ`ዩ።  ኤርትራ ብጸጋ ፍርያት ምሁራት ደቅን፡ ህርኩትን መሃዝን ህዝቢ ዝተዓደለት ምዃና ኣብ ሕቶ ዝኣቱቶ  ኣይኮነን። እንተ ኾነ፡ እቲ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ፡  እንተ ዝከኣል ካልኣይ ግዜ`ውን ምስ ተሰዋህናላ እናበሉ መተካእታ ዘይብላ ህይወቶም ምእንቲ ሓርነትን ራህዋን መጻኢ ወለዶ ዝኸፈሉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዘይሰኣነት ክነሳ፡ ኣብ ጽኑዕ መትከል ረጊጾም ኣንጻር ኩሉ ብድሆታት ንፍትሒ ደው ዝብሉላ፡ ካብ ርእሰ-ረብሓ ምቕዳም ሓራ ዝኾኑ፡ ብሊቅነታዊ ንጽህና (intellectual integrity) ዝልለዩ ሓይሊ ምሁራን ብምስኣና ኣብ ጸልማት ትነብዕ ምህላዋ`ዩ። እዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ`ዚ ምስ እንፈትሖ ኸኣ፡ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ድሙቕ ብርሃን ሓርነት፡ ቅዋማዊ ድሞክራሲይዊ መንግስቲ  እትምስርተሉ ዕለት ርሑቕ ኣይኪኸውንን`ዩ።

 እምበኣር፡ ንርእሰ ጥፍኣትና ይኣክል ንበሎ! ካብ ናይ ግዳም ጸላእቲ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ከም ዝኸፍኡ ብውሑዱ ንርብዒ ዘመን ተመኲርናዮ ኢና`ሞ፡ ንድሕነትና ንበራበር! ኣብ ፖለቲካ ድሕነትካ ዘውሕስ ጠርጣሪ ምዃንን ምምርማርን ጥራይ ምዃኑ ኣስተውዒልና ብዕቱብ ንስርሓሉ። እቲ ዝኸፍአ መቑሕ ህይወት ፍርሃት ዝፈጥሮ ናይ ኣእምሮ ጸልማት ኢዩ`ሞ፡ –ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ  ኣይሕደረን- ከም ዝበሃል፡ ዕድል ህይወትና ንፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኣረኪብና ትም ብምባልና ሰናይ ዘመን ክመጸና  ከም ዘይኽእል እዚ ዝሓለፈ ናይ ርብዒ ዘመን ጸልማት-ናጽነት እኹል ትሩፍ መምህርና`ዩ።- ኣብ ዕለታዊ ህይወትና “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ“: ብህይወትካ ምጥላዕ! ማለት ምዃኑ ንዘክር።

ዓወት ሓርነትን፡ ራህዋን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ!

ግብራዊ ክቡር ዝኽሪ ንስዉኣትና!

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in