• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Back2kcaB

April 13, 2016 By Africa Horn Now

Eritrea ERi-TV Editorial | ሓተታ Hateta (April 9, 2016)

=========================================================================================================================

‘ርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን!’ ቴማ ናይ 09 ሚያዝያ 2016 ሓተታ ህግደፍ’ዩ።

መሲናስ | April 12, 2016 | sallina.com

hqdefault
Listen to the poem by going to: http://sallina.com/?p=4733

ኣቤት! ዓጀብ! ወዳጀ ልምዓት ህግደፍ!
ነቲ ርብዒ ዘመን ኲናትን ዕንወትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኸተን ልምዓትን
ነቲ ርብዒ ዘመን’ወ ናይ ግፋን ማእሰርትን
ኣምበኣር ኢልኩሞ ክብርን ሓርነትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን *ዘለማን ውርደትን
እምበኣር ኢልኩሞ መሰልን ክብረትን
ነቲ ርብዒ ዘመን’ወ ስደትን ፍልሰትን
እምበእር ኢልኩሞ ጥርናፈን ውህደትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን ሓዘንን ጸልማትን
እምበኣር ኢልኩሞ ብርሃንን *ሽንሆትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ድሕረትን ልምሰትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምዕባለን ዕብየትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን’ወ ጊላነትን ባርነትን
እምበኣር ኢልኩሞ ባህታን ሓርነትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ጥምየትን ጽምኣትን
ኣምበኣር ኢልኩሞ ጽጋብን ርውየትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን መዝመትትን ርስየትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኽሰብን ሕውየትን
ንብረት ህዝቢ ምዕናው ትካላትን ቤትን
እምበኣር ኢልኩሞ ልምዓትን ህንጸትን!?

ነቲ ርብዒ ዘመን እገዳን ፍሽለትን
እምበኣር ኢልኩሞ ሓበንን ኩርዓትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ዕንደራን ሽፍትነትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምሕደራን ስርዓትን!?

ነቲ ምክልባት ህዝብን ተጋደልትን
እምበኣር ኢልኩሞ መኸተን ዓወትን
ነቲ ርብዒ ዘመን ማሕለኻን *እልበትን
እምበኣር ኢልኩሞ ራህዋን ቅሳነትን!?

እቲ ዚኸዘንኩሞ ማይ ራህያን ዲጋታትን
ፍረ ከይተረኽቦ ምህርትን እቶትን
ብከንቱ በሊዑ ገንዘብን ጉልበትን
ነበረ’ኮ ኮይኑ ብጸሓይን ድበትን!

ነቲ ርብዒ ዘመን ናይ ቅንጸላን ሞትን
እምበኣር ኢልኩሞ ምቾትን ህይወትን
ኣታ የብልኩምንድዩ *ኣስሓኮን ሕፍረትን
ልብና’ኮ ኣዕዊርኩሞ ብጓይላን ሓሶትን!
ቊሩብዶ የብልኩምን’ዩ ሰሃሮን ሓልዮትን
ከምዚ ኣሎድዩ መራሒ ንህዝቡ ዚብትን!?

ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
ሓውኹም መሲናስ 11/04/2016
ትርጉም ዘይዝውቱራት ቃላት፥

*ዘለማን= ጭቆናን መርገጽትን
*ሽንሆትን= ፍሳሃን ሓጐስን
*እልበትን= ሓሳርን መከራን
*ኣስሓኮን= ከይብሉኒን

 

 

 

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in