• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Back2kcaB | “ኤርትራ ወደባታን መሬታን ንክራይ ኮነ ንመሸጣ ዘይትፈቅድ ሃገር…”

May 29, 2016 By Africa Horn Now

“ኤርትራ ወደባታን መሬታን ንክራይ ኮነ ንመሸጣ ዘይትፈቅድ ሃገር…” | sallina.com

ዘይትግበር ህግደፋዊ ጭርሖ ብግብሪ…ክቃላዕ እንከሎ

ህግደፋዊት መቓልሕ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ “ሓዳስ ኤርትራ” ብዕለት 02 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዝፈነወቶ መበል 24 ዓመት ቁጽሪ 214 ጋዜጣ ብኢሳይያስን የማነ ማንኪን ተዳሊዩ ብስም ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተፈነወ 11 እማመታት ዘለዎ መግለጺ “መርገጺ ኤርትራ ኣብ ምዕባለታትን ርክባትን” የነጽር፡፡ ብመሰረት”ዚ ኣብ መበል 8ይ ነጥቢ ተጠቒሱ ዘሎ መርገጺ ቃል ብቃል ከም ዝስዕብ እዩ፡፡

“ኤርትራ ደሴታታ፡ ወደባታን መሬታን ንክራይ ኮነ መሸጣ ዘይትፈቅድ ሃገር’ያ፡፡ ኣብዚ ዞባ ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ ዕለት ጀሚራ ንግዳዊ ምትእትታውን መደበራትን ዘየፍቀደት ሃገር እንተላ ኤርትራ ጥራይ ምኻና ደጊማ ተነጽር”ይብል፡፡

እዚ መግለጺ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እዋን ምትእትታው “መንግስቲ ኤርትራ” ኣብ ጉዳይ የመነን ንሓገዝ ዕጡቕ የመናዊ ጉጅለ ሑቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተፈላለያ መዓኽናት ሚዲያ ስሙ ክርቋሕ ምስ ጀመረ ዘውጸኦ ዓቕሊጽበታዊ መግለጺ’ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ 2012 ኣብ መሬት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዕዲ ዝተዓለሙ ኣባላት ጉጅለ ሑቲን ሓለፍቲ መንግስቲ የመንን ብዛዕባ ሓገዝ “መንግስቲ ኤርትራ” ንዕጡቋት ጉጅለታት የመን ብውግዓዊ መገዲ መግለጺ እንዳሃቡ ንሱ ግን “ኣይወዓልኩዎን” ብምባል ኣሉ ክብል ተሰሚዑ፡፡ ኣምሰሉ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ቀጺሉ 11 መርገጺታት ዘለዎ ብክሕደት ተላዕጠ ቃል ብ “ሓዳስ ኤርትራ” ፈንዩ፡፡ ብመንጽር መርገጺ ቁጽሪ 8 ኣብ ዘመነ ህግደፍ “ኤርትራ ወደባታን መሬታን ንክራይ ኮነ መሸጣ ዘይትፈቅድ ንግድዊ ምትእትታው ዘየፍቀደት ሃገር’ያ” ዋላ እንተተብሃለ ካልእ ሓዲግና ኣብ ቀረባ ዓመታት ብግብሪ ተረኣዩ ገለ ጉዳያት እንተተዓዚብና ስጊንጢር መልሓስ ጉጅለ ህግደፍ ከምጸሓይ ንጉሆ ይበርሃልና፡፡ እስከ ብመሬታዊ ምትእትታው ክንጅምር፡፡

ሀ) ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ መሬት ኤርትራ፡

ቅዋም እንተዝህሉ፡ ረብሓ ሃገር ብባዕዳውያን ክዝመት እንከሎ፡ ህዝቢ ብመሰረት ቅዋሙ ዓገብ ምበለ፡፡ ቅዋምና ኣብ ትሕቲ ሳናዱቕ ኢሳይያስ ምስ ተዓሸገ ህግደፋውያን ረብሓ ሃገርን ህዝብን ራሕሪሖም መሬትን መሬታዊ ጸጋታትናን እንዳዘመቱ ጁባታቶምን ጁባ ባዕዳውያንን ኣብ ምህጣር ይርከቡ፡፡ ብምስምስ ምትእትታው ደጋዊ ወፍሪ (FDI- Foreign Direct Investment) ናብ ሃገርና ካብ ዝኣትዋ ብኣማኢት ዝቑጸራ ግዳማውያን ካምፓኒታት እተን 30 ዝኾና ኣብ ዕደና ክነጥፋ ሕቶ ብምቕራብ ምስ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ተፈራሪመን ዝኣተዋ እየን፡፡ ዛጊት ካብተን 30 ዝኾና ኩባንያታት ዕደና፡ ነቲ ቀያድን ዘይቅርዑይን ስርዓተ-ምሕደራ ኢሳይያስ ተረዲአን፡ ቀስብቀስ ማሽነሪታተን ኣግዒዘን ካብ ሃገር ወጺአን እየን፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዕደና ዝነጥፋ 4 ካምፓኒታት ጥራይ ተሪፈን ኣለዋ፡፡ እተን ዝርካበን 4 ከኣ ኔቭሰን ሪሶርስስ ሊሚትድ (ካናዳ)፡ ቻላይስ ጎልድ ማይንስ (ኣውስትራሊያ)፡ ሳንሪጅ  ጎልድ ኮርፐረሽን (ካናዳ)፡ ሳውዝ ቦልደር ማይንስ ሊሚትድ (ኣውስትራሊያ) እየን፡፡ እዘን ኩባንያታት ሰለይ እንዳበላ ጁባ ሐለፍትን ዕሱባት ወጻእተኛታትን እንዳመልኣ ይኹና እምበር ሓደ መዓልቲ መረረ ህዝቢ ማዕበል ኮይኑ ከምዝውሕጠንን ዘዋፈርኦ ንዋትን ማሽነሪታትን ኣብ ኣፍጸድፊ ከምዘሎ ስለዝርደአን ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከባ፡፡

ካልእ ገዲፍና ካብ የካቲት 2011 ጀሚሩ ኣብ ናይ ወርቅን ካልኦት መዓድናትን ክዋፈር ብ60/40 ሚእታዊት ምስ ህግደፍ ውልቃዊ ኪዳን ከቲሙ ኣብ ከባቢ ቢሻ ንኣስታት 5 ዓመታት ኣብ ዕደና ወርቂ፡ ካብ 2014 ንደሓር ድማ ኣብ ምዕዳን ኮፐር (ነሓስ) ዝርከብ ኔቭሰን ካምፓኒ ምስ ሓለፍቲ ህግደፍ ተመሳጢሩ ንዓመታት ዝዘመቶ ጸጋታት ሃገር “ሳላ’ዛ ወርቂ ቢሻ ልበይ ተሓጒሻ” ከምዘይተብሃለ ባህግን ተስፋን ህዝብና ኣማህሚኑ “ኣነ ዝበልኩዎ ወርቂ ቢሻ፡ ንሶም ዝሃቡኒ ክላሽን ራሻ” ተባሂሊሉ እዩ፡፡ እዞም ኣብ ዝምታ መሬታዊ ጸጋታት ሃገርና ዝርከቡ ወጻእተኛታት ሃገር ጓሕጊሖም፡ ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ ኣታዊታት ዘሚቶም፡ ግብሪን ሪዮሊቲን ከይከፈሉ ብዝኸዓውዎ መርዛም ኬሚካላት ተፈጥሮን ሰብኣዊ ጸጋታትና ዘብረሱ ደኣ ምስ ምትእታተው ግዳማዊ ንግዲ ኣይጽብጸቡን ድዮም?

ጎኒ ንጎድኒ እቲ ዝረአ ዘሎ ዝምታ ባህሪያዊ ጸጋታት ንህዝቢ ኤርትራ ከየፍቀዱ ንጸቢብ ጉጅለ ህግደፍ ተኣማሚኖም ንኣስታት 8 ዓመታት ኣብ ራስ ዱሜራ ዝተኾየጡ ወተሃደራት ቀጠር ከ ምስ ምትእትታው ግዳማዊ ወተሃደራዊ መደበራት ኣይጽብጸቡን ድዮም?

ለ) ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ባሕርን ወደባትን ኤርትራ፡

ብጆኦ-ፖለቲካዊ ኣቀማምጠኣ ሃገርና ኤርትራ ልዕሊ 1200 ትብዒት ሜትሮ ገማግም ባሕርን ኣስታት 360 ዴስታት እትውንን ሃብታምን ስትራትጅካዊትን ሃገር’ያ፡፡ ምዕሩይ ምሕደራ እንተዝህሉ፡ ካልእ ተሪፉ 6 ሚሊዮን ዘይመልእ ህዝብና ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ድራር ዕለቱ መረኸበ፡፡ 1,200 ኪ/ሜ ዝርገሐ ዘለዎ ገማግም ባሕርና መውዓሊ ጨራሩን፡ መህጠሪ ጁባ ሰብ ጽሩራ፡ ህግደፋውያንን ግዳማውያንን ካብዝኾውን ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ፡፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪና ዘሎ ሃብቲ፡ ሃብቲ ጽፍሪ፡ ሕርካ፡ ሕድራ፡ ዓሳታትን ቱሪዙማዊ ጸጋታትናን፡ ኣብ “መግዛእቲ ህግደፍ” ዋላ ንጨና ክኾነና ኣይከኣለን፡፡ ወናኒ ዘይተመዝመዘ ባህሪያዊ ጸጋታት ባሕርን ዓሳን ክንሱ ዓሳ ዝተሓረሞ ህዝብና ባሕሪታቱን ወደባቱን ብባዕዳውያን ተባሒቱ ኣሎ፡፡ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተመዘ ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮ/ል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊውቶራሪ) ገባሪ ሓጋዲ ኮይኑ ተፈጥራዊ ጸጋታት  ባሕሪ ይግብት ኣሎ፡፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስን መጋበሪኡ ወዲ ፊውቶራሪን ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ጸጋታት ሃገር ከም ድላዮም ክጉሕጉሑ፡ ንነብሶምን ንገለ ውልቀ ሓለፍቲ ከርብሑ፡ ካብ ዝተፈቕደሎም ግዳማውያን እቶም ቀንዲ ግብጻውያን እዮም፡፡ ጡሃኑር ብዝተብሃለ ኣብ ካይሮን ባጽዕን ዝነብር ወኪል ጻውዒት ተገይርሎም፡ ኣብ ዝምታን ምጉሕጓሕን ጸጋታት ባሕርና ዝርከቡ፡ ልዕሊ 40 ምስራውያን ሃብታማት ወነንቲ መራክብን ጀላቡን ኣለው፡፡ እዞም ምስራውያን ሕግታት ባሕሪ (Maritime laws) ጢሒሶም ኣብ ገማግም ኣብ ውሽጢ 25 ሜትሮ ዘለው ናእሽቱ ዓሳታት ከይተረፉ ይገፉ ኣለው፡፡ ኣልሙዟ ዝተብሃለ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፍ ናይ ምስሪ ኩባንያ’ውን ብህግደፍ ምስ ዝውነና ኩባንያታት (ኤረ ፊሽን ኮርፐረሽን ዓሳን) ተመሓዚዩ ብዓበይቲ መራኽብ (ትራውለርስ) ጸጋታት ባሕርና ይዘምት’ሎ፡፡

ብካልእ ወገን ንቱሪዙማዊ ኣገልግሎታት ምቹኣት ዝኾና ደሴታትና ካብ ምትእትታው ግደማውያን ሓራ ኣይኮናን፡፡ እቲ ዝዓበየ ስትራትጅካዊ ብልጫ ዘለዎ ደሴት ዳህላክ ኣብ 2010 ኢሳይያስ ምስ ዓሚር ቀጠር ታሚም ቢን ሓሚድ ኣልጣኒን ቀ/ሚኒስተር ቢን ከሊፋ ኣልጣኒን ብዝገበሮ ስውር ልዝብ ብ250 ሚሊዮን ዶላር ን25 ዓመት ክጥቀምሉ ፈቒዱሎም’ዩ፡፡ ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝነብሩ ኣባላት ብሄረ ዳህሊክ ኣብ ቀረባ መጻኢ ቀስብቀስ ናብ ካልእ ከባቢታት ናይ ምግዓዝ መደባት ተወጢኑ’ሎ፡፡

ኣብ ዳህላክ ብመንግስቲ ቀጠር ዝተሃንጸ ዘመናዊ ኣባይቲ 2 ዓበይቲ ቪላታት ምስ መሐመበሲኡ፡ 47 ፍሉያት መዘናግዒ ክፍልታት፡ 1 ናይ ኣባላት መንበሪ ምስ ዘመናዊ ክሽነታትን ላውንዲሪን፡ ሕድሕድ ህንጻ ዝራኸበሉ ጽርግያታትን መገብቲ ጎደናታትን፡ መዓርፎ ጄትን ሄሊኮፕተርን፡ ፋብሪካ ዘመናዊ መጻራዬ ማይባሕሪ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ምስ ሙሉእ ስርዓተ መዝሓሊ ኣየርን ‘ዩ፡፡ ነዚ ኩሉ ንምህናጽ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቀጠር QDVC (Qatari diar real Estate Investment Company & VINCI constriction Grand Projects)   ዝተብሃለ ኪኢላታት ፈረንሳን ቀጠርን ዝርከብዎ ኩባንያ ህንጻ ብምምጻእ ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ሳዋን ሙሳዓሊን ብምልኣኽ ብነጻ ጉልበት ክዓዩ ብምግባር ዝተዓመ ፕሮጀክት’ዩ፡፡ ብስም’ዞም ነጻ ጉልበቶም ዘበርከቱ ኣባላት ብሓፈሻ 47 ሚሊዮን ዶላር እቶት ረኺቡ’ዩ፡፡ ቀንዲ ዕላማ ምህናጽ ኣባይቲ ዳህላክ መንግስቲ ቀጠር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰሜን ኣፍሪቃን መትረብ ስዊዝ ዝኽተሎ ፖሊሲ ንምትግባር ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍትን መራሕቲ ሃገራትን ሕቡእ ልዝብን ስምምዕን ንምግባር ዝተዳለወ እዩ፡፡ ልክዕ ከም ናይ ግብጺ መዘናግዒት ማእከል ሻረም ኣልሼክ፡፡

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግዳማዊ ዝምታታት ኣብ ባሕሪን ወደባትን ከ ብመንጽር መርገጺ “መንግስቲ ኤርትራ” ቁጽሪ 8 ምስ ምንታይ ይጽብጸቡ?

ሐ) ግዳማዊ ምትእትታው ኣብ ሉኣላዊ መሬትን ሰማይን (Land & Air Sovereignty)፡

ፕረዚዳንት የመን ዓብደላ ሳልሕ ኣብ 2012 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ምስተቓረበ ስልጣኑ ንምክትሉ ዓብዱራብሕ መንሱርሓዲ ኣረኪብዎ፡፡ ቀጺሉ ኣብ የመን ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ እስላማዊ ጉጅለታት ነንሕድሕዶም ምትፍናንን ምፍጣጥን ተፈጠረ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈላለየ መኣዝናት እቲ ሃገር ዝተኣኻኸቡ ብሑቱ ዝጽውዑ ዕጡቋት ጉጅለታት ሸዓ ንሓዲ ካብ ስልጣኑ ብምእላይ ክሃድም ብምግባር ሰንዓ ተቆጻጺሮም፡፡ ኣብቲ እዋን ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ኩነታትን ህዝባዊ ናዕብታትን ዝተረኣየሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ ምስ ኩሉ ኣብዚ ዞባ ዝነበረ ስክፍታን ምስፍሕፋሕ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣይኤስ ኣይኤስ (ዳዓሽ) ተደማሚሩ ስክፍታ ዘሕደረት ኣሜሪካ ብወኪላ ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ኣቢላ ኣብ የመን ዝነበረ ምንቅስቓስ ንምቁጻይ ደብዳብ ኣየር ጀመረት፡፡ ንኣስታት 25 ዓመታት “ሽርሒታት ዋሽንግተን፡ ተንኮላት ማወስ፡ ታሪኻዊት ጸላኢትና” እንዳበለ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመሪካ ዘለዎ “ክቱር ጽሊኢት” ንመናውሒ ዕምሪ ስልጣኑን ንግዝፈት ተኽለ ስብእንኡን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኢሳይያስ፡ ነዚ ኣብ የመን ዝተረኣየ ፖለቲካዊ ሃጓፍ ብምዝማዝ ምስ ኣሜሪካ ብተዘዋዋሪ ዝዕረቐሉ ባይታ ንምጥጣሕ ሓድሽ ምህዞ ፈሓሰ፡፡

ብስም ዓረባዊ ኪዳን ኣብ ዝጽዋዕ ልፍንቲ ንክሳተፍ ናብ ሪያድ ብምኻድ ምስ ንጉስ ሰልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣልሱድ ተራኺቡ “ኣብ የመን ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ንዞባና ጸላዊ ስለ ዝኾነ ፋናንሳዊ ሓገዝ እንተገይርኩምልና፡ ንዝጀምርኩምዎ ወተሃደራዊ ስርሒት መሬት ኤርትራ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ተሰማምዐ፡፡ በዚ ምስምስ ምስ “እንኮ ጸላኢተይ” ዝብላ ኣሜሪካ ክሸማገል ፈተነ፡፡ ኣብ ግዳማዊ ስርሓት እቲ እንኮ ፖለቲካዊ ልኽብጥና ፖለሲ ስርዓት ህግደፍ መርአያ ኣብ ሱዑዲ ዝኸተሞ ክታም’ዩ፡፡ ትማል፡ ብሓንሽ ኣመኻንዩ፡  ምስ የመን ኩናት ከምዘይወለዐ፡ ንዕጡቋት ጉጅለ ሑቲ ሓገዝ ከምዘይገበረ፡ ሎሚ ከኣ ግምትል ኢሉ ኣንጻር’ዚ ጉጅለ ምስ ጸላእተይ ዝብሎም ክውግን ተራእየ፡፡

ብውጽኢቱ ብንግስነት ሱዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝውነና ወተሃደራዊ ድሩዓት መካይን፡ ነፈርትን መራክብን ናብ ዓሰብ ጊዒዘን፡፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንመጀመሪያ ግዜ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓሰከር ግዳማውያን ሓይልታት ኮነት፡፡ ነፈርቲ ውግእ ሃገራት ኣዕራብ ካብ መሬትና (ዓሰብ) ተበጊሰን ኣብ ደቡባዊን ደቡባዊ ምብራቕ የመን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ዕጡቋት ደብዳባት የካይዳ ኣለዋ፡፡

ብመንጽር መርገጺ ቁጽሪ 8 ጉጅለ ህግደፍ “ኤርትራ ምትእታትታው ግድማዊ መደበራት ዘየፍቀደት ሃገር…”እንተኾይና እዚ ምትእትታው ኪዳን ሃገራት ኣዕራብ ደኣ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ?

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እንዳሳዕረረ ዘሎ እስላማዊ ጥሩፍነት፡ ጠንቁን ሳዕቤኑን ከይተጸንዐ፡ ብጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ጠብሎቕሎቕን ልፍንቲ  ምስ ሃገራት ኣዕራብን ነታ“መንህብ ተኻኣኢልካ ምንባር” ዝኾነት ሃገርና ሓያል ጠንቂ ከስዕበላ’ዩ፡፡ ምትእትታው ንግስነት ሱዑዲ ዓረብ ዝያዳ ዝተረኣየሉ 2011 ‘ዩ፡፡ ኣብ2011 ንግስነት ሱዑድ ዓረብ፡ ካብ ባጽዕ ክሳብ ዓሰብ ኣብ ዘሎ ገማግም ባሕርና ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ብምውፋር ናይ ትራንስ ሽፕመንት ወደብ ክትሰርሕ ምስ ኢሳይያስ ስምምዕ ብምግባራ ኣፈናዊ መጽናዕታት ክጻፈፍ ጸኒሑ፡፡ ድሒሩ ግን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እቲ ውጥን ንመንግስቲ ቀጠር ብምሃብ ን25 ዓመታት ክውንንዎ ኢሳይያስ ከምተሰማምዐ ይፍለጥ፡፡ ከም ኣካል ናይዚ ምስ ቀጠር ዝተገብረ ስምምዕ በመንግስቲ ሊብያ (ኮ/ል መዓመር ቃዛፊ) ክስራሕ ተወጢኑ ዝነበረ ካብ ባጽዕ – ዓሰብ ናይ ቅጥራን ጽርግያ መንግስቲ ቀጠር ንክሰርሖ ቃል ኣትዮ’ሎ፡፡

እምበኣር ከስ ፖለቲካዊ ኣመንዝራ ህግደፍ ብ2 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኤርትራ ወደባታን መሬታን ንክራይ ኮነ ንመሸጣ ዘይትፈቅድ ሃገር…” እንተበለ’ውን፡ ካብ ግብሪ ኣዚዩ ዝረሓቐ ምኻኑ ርዱእ’ዩ፡፡ “ግዳማዊ ምትእትታው”ዝብል ቃል ብኢሳይያስ እንታይ ዓይነት ትርጉም ከምዘለዎ ምናልባት ብሕጂ ኣብ ሓድሽ መዝገበ ቃላት ኢሳይያስ ክንሪኦ ንኸውን፡፡ ብፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ስነ-ሓሳብን ግዳማዊ ምትእትታው ማለት፡ ካብ ፍቓድ ህዝቢ ወጻኢ፡ ኣንጻር ረብሓን ክብርታትን ህዝቢ፡ ብምቋም ሃገር ንባዕዳውያን ኣሕሊፍካ ብምሃብ፡ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሰብ ግዜ፡ ክጥቀሙ ምግባር ማለት’ዩ፡፡ እዚ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ብወግዒ ዘካይዶ ዘሎ መቐጸልታ ታሪኽጥልመትን ክሕደትን’ዩ፡፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ ድርኩኺት ዕርበት ዝርከብ ጉጅለ ኢሳይያስ መናውሒ ስልጣኑ ዝኾኖ ዕለታዊ ግንዖ እንተረኺቡ፡ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ረጊጹ፡ ሉኣላዊነት ነጺጉ፡ ታሪኽ ሕውነታዊ ጉርብትና ምስ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ረሲዑ ዝኾነ ግዳማዊ ኣካል ኣብ መሬት፡ ባሕርን ሰማያትን ሃገርና ከም ድላዩ ክዕንድር ዝፈቅድ ነውራም መራሒ ምኻኑ ተጋሂዱ’ሎ፡፡

ኣብ ቀረባ ‘ውን ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ጅሆ ንምሓዝ፡ከምኡ ውን ኣብ ልዕሊ ዓቢ ዲጋ ኢትዮጵያ ብዝሓዘቶ መርገጺ ገለ ጽዕንቶ ንምሕዳር ብመንግስቲ ምስሪ ዝወጸ ስቱር መደብ ንምትግባር፡ ጉጅለ ህግደፍ ስምምዕ ገይሩ ኣሎ፡፡ እዚ “ልምዓት” ዝብል ጉልባብ ዝተውሃቦ መደብ ብቀንዱ “ኣብ ሕርሻዊ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ጥጡሕ ጉልባብ ፈጢርካ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ንምጽላው” ዝወጸ ኮይኑ ሰበ-ስልጣን ምስሪ ጎኒ ንጎድኒ እቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለው ዲፕሎማሲያዊ ምቅርራብ ብካልኦት መደባት ንምድራዕ ዝተዳለወ ውጥን’ዩ፡፡ ከም ኣካል ናይ’ዚ ውጥን ዝተጠናኸረ ርክባት ምስ “መንግስቲ ኤርትራ” ብምግባር፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ “ልምዓታዊ” መደባት ሱታፌ ክገብር መንግስቲ ምስሪ ወሲኑ’ሎ፡፡ በዚ ምኽንያት ብዘይንቡር መገዲ ሓለፍቲ ህግደፍ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣልሲሲ ክመላለሱ ምስራውያን ፖለቲከኛታት ድማ ናብ ኤርትራ ተኸታታሊ ዑደት ክገብሩ ይረኣዩ ኣለው፡፡

ጉጅለ ህግደፍ ምስ ምስሪ ዝገብሮ ምስምስ ብሕርሻዊ ወፍሪ ዝተጎልበበ ስቱር ግዳማዊ ምትእትታው፡ ካብ ቁጠባዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነትን ዝብገስ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሱዳንን ጸቕጢ ንምፍጣር ኮነ ተባሂሉ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘዋስን መሬት ብምምራጽ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ምኻኑ ሳዕቤኑ ክንደየናይ ከቢድ ከምዝኸውን ንምግማት ኣየጸግምን፡፡

ንሓድሽ ርክባት ጉጅለ ኢሳይያስን ምስርን ዘግህድ ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ ከም ተለቃቢ ምስዚ ጽሑፍ የቕርበልኩም፡፡ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2016 ካብ ዓረባዊት ሪፓብሊክ ምስሪ ሚኒስትሪ ሕርሻን ዕደላ መሬትን፡ ጨንፈር ሕርሻታት ወጻኢ፡ ናብ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ካይሮ፡ ዝተልኣኸ እዋናዊ ደብዳቤ ከምዘነጽሮ፡ 4 ምስራውያን ላዕለዎት ሙሁራትን ሓለፍትን ንምጽፋፍ፡ “ውጥን ሓበራዊ ሕርሻታት ኤርትራን ምስርን” (Joint Egyptian Farm with Eritrea)  ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዑደት ክገብሩ ምኻኖም ይሕብር፡፡ ኣብ ትሕዝትኡ፡ እቲ ውጥን ቀዲሙ ዝተጀመረ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ዶባት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዝርከብ ስሉሳዊ ኩርናዕ መሬት ኣስታት 300 ሄክታር መሬት ንሕርሻዊ ወፍሪ ክጥቀሙ ከምኡ’ውን ኣብ ከባቢታት ኣስመራ ንመፍረ ደርሆን ኣዝርእትን ኣሕምልትን ዝውዕል ናይ 50 ሄክታር መሬት ዝምለከት ምስ “መንግስቲ ኤርትራ” ክላዘቡ ምኻኖም ይሕብር፡፡ ነዚ ውጥን ንምትግባር ብወገን “መንግስቲ ኤርትራ” ነቶም ልኡኻት ኣድላይ ኢምባሲያዊ ኣሳልጦ ክግበረሎም ብስም እቲ ሚኒስትሪ ይሓትት፡፡

(ሙሉእ ትሕዝቶ ደብዳቤን ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝተፈነወ “መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ” ምስዚ ጽሑፍ ብተላቃቢ የቕርበልኩም፡፡)

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ ባዕላዊ፡ ዞባዊ፡ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ጉዳያት ኣድሂበን ይሰማምዓ፡፡ እዚ ንቡር ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ (Diplomatic Solidarity) ‘ዩ፡፡ ዝኾነ ይኹን ልምዓታዊ ጉልባብ ዝተወሃቦ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣንጻር ሃገራዊ ረብሓን ሕውነታዊ ጉርብትናን ምስዝኾውን ግን ሳዕቤኑ ሓደገኛን ንወለዶታት ዝጸለውን’ዩ፡፡ ሕጂ ‘ውን ብጉጅለ ህግደፍ ንቡር ታሪኽ ሃገርናን ህዝብናን ተረሲዑ ዝግበር ዘሎ ዘይቀዳዊና ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ ኣቦታት ከምዝብልዎ “ኣዲኣ ሓዲጋ ሓትንኣ ትናፍቕ” ዝዓይነቱ’ዩ፡፡

  መርገጺ ኤርትራ ኣብ ምዕባለታትን ርክባትን |  Haddas Ertra


 

 

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in