PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
"We don't take sides; we help you see more sides."

Published:
PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
Erimedrek | July 7, 2016
ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ወደብ ዓሰብ ብ500 ሚልዮን ዶላር ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእተኻረየ ብዝተፈላለዩ ምንጭታት ወግዓውነቱ ብዘረጋግጽ መንገዲ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ። ኣብዛ ዝሓለፈ ዓመተ 2015 ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ዘቤትን ዞባን ኣብ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ ማሕበራዊን መዳያት ዝተፈላለዩ ምዕባለታት እኳ እንተተራእዩ፥እቲ ዝዓበየ ግን ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን መዳይ ዝተኸስተ ምዕባለታት እዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ክስተትዚ ምስ ጽምዶ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊን ጸጥታውን ኩነታት የመን ብፍላይ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ድማ ብሰፊሑ፥ ከም ሳዕቤኑ ምናልባት ውን ብቐንዱ ከም ጠንቁ፥ ኣብ መንጎ ብእስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ዝምራሕ ወገንን ብንግስነት ስዑዲ ዓረብያ ዝምራሕ ወገንን ዘሎ ናይ ውክልና ውግእን ምትፍናንን እዩ።ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ዝካየድ ዘሎ ዑደትን ኣመታቱን፥ ኢትዮጲያ ከም ክርስታንያዊ ደሴት ዝርኢ ደግሲ ናይ 40ታት ዛንታታት፥ናይ ግብጺ ሻቕሎት ኣብ ፍሰት ፈለግ ኒልን፥ ናይ ስርዓት ካርቱም ‘ምስኩሉኹም ኣለኹ’ መርገጽን ንዞባታት ሰሜንን ምብራቕን ኣፍሪቃ ናብ ዝተወሳሰበ ማኣዝን ይመርሖ ኣሎ።