• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

መንግስቲ ለውጢ ክገብርን ብግሉጽነት ክሰርሕን ይሕተት ኣሎ

July 30, 2016 By Africa Horn Now

ቀለታ ኪዳነ (ሎንዶን) | 29/07/2016

  መደብ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ

  መንግስቲ ለውጢ ክገብርን  ብግሉጽነት ክሰርሕን  ይሕተት ኣሎ 
መደብ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ

ቀለታ ኪዳነ (ሎንዶን)  29/07/2016

ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ቀኒኹም?

ኣብ ሓንቲ ብፍትሕን ብዲሞክራስን ትመሓደር ሃገር መንግስቲ ክህሉ ከሎ ተቓወምቲ እውን ይህልዉ ኢዮም። እቲ መንግስቲ ኮነ እቶም ተቓወምቲ ከኣ በቲ ፖሊሲኦምን መደባቶምን  ኣብ ሃገር ከትኣታትዉዎ ዝደልዩ ዓይነት ምሕደራ ድኣ ይፈላለዩ እምበር ክልቲኦም ብማዕረ ኢዮም ነቲ ሃገርን  ነቲ ህዝብን ዝሓልዩሉ። ብኸምዚ ዓይነት ኣሰራርሓን  ኣከያይዳን  ከኣ ነቲ ህዝቢ መኖም ከም ዝሓይሽ ኣየናይ ዓይነት ምሕደራ ከም ዝመርጽ ይሕግዞ። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ደጋጊመ ዝገለጽኩዎ ኣብ ሃገርና እውን እንተዀነ ከምዚ ዝበለ ፍሉጥ  ናይ መንግስትን ተቓወምትን ኣቃውማ መንግስቲ ኣይንበረና እምበር  ህዝቢ ባዕሎም ብዝሕንጽጹዎ ኣብ ሕጊ እንዳቦኦም ዝሰፈረ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ብባይቶ እናትኣከበ  ናይ ዝበዝሑ ድምጺ እናተቐበለ  ነታ ዓዲ ብኸመይ የመሓድራ ስለዝሰማማዕ  ንህዝብና ብሰላምን ብቕሳነትን ዘነባብር ሕግታት ዓዲ ነሩዎ ኢዩ።

ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ነዊሕ ጻዕርን ተመክሮን ናይ ህዝብኻ ንቕሓት ዝሓትትን  ብቐሊል ዘይብጻሕን መስርሕ እምበር መንግስቲ ግምጥል ኣቢልካ ንጽባሒቱ ክትከል ዝኽእል ጕዳይ ኣይኮነን። ስለዝዀነ ከኣ ኣነ ቅድሚ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክንምስርት ምሕላምና  ፍትሓውን ትሓታትነትን ግሉጽነትን ዘለዎ ምምሕዳር ክፈጥር ዋላ ነቲ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ እውን ዝኸብድ ኣይመስለንን’ሞ ንጊዜኡ ኣብኡ ጥራሕ እንተንጸቅጥ ምሓሸ ብሃላይ ኢየ።  ፍትሓውን ብትሓታትነት ዝስከፍን ብግሉጽነት ብትኽክል ዝሰርሕን ጽሩይ ህዝባዊ ምሕደራ እንተንምስርት እሞ ህዝብና ብግቡእ እንተተመሓዲሩን እንተቀሲኑን ደቂሱ እንተ ሓዲሩን ከኣ መንገዲ ዲሞክራስን ናይ ርሑቕ መደባትናን ክንሕንጽጽን ክንትልምን  መንገዲ ክንሕዝ’ውን  ምሓገዘና  ነሩ ብሃላይ ኢየ።

ሎሚ ኣጋጢሙ ዘሎ ነገራት ግን እቲ መንግስቲ ብናቱ ዕላማን መደብን ንበይኑ ጥራሕ ስለዝሰርሕ እንታይ ከም ዝሰርሕን መደባቱ እንታይ ምዃኑን እውን ህዝቢ ዝፈልጦን ርእይቶ ዝህበሉን ደገፋቱ ኮነ ተቓውሞታቱ  ዘቕርበሉ  ዕድል  የብሉን ክብሃል’ዩ ዝስማዕ። መንግስቲ ንበይኑ ምስ ህዝቢ  ከይተማኸረን ከይተሰማምዔን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ስርሓትን  ምምሕዳራትን ከኣ ኣብ  ከምዚ ዘሎናዮ ኵነታት ስደትን ዕንወትን ኣውዲቑናን ፈላልዩናን በቲኑናን ይርከብ ኣሎ። ተፈላሊኻን ነንበይንኻ ሓሲብካን ትምዕብል ሃገር እውን ተራእያ ስለዘይትፈልጥ  መንግስቲ ኮነ ንሕና ህዝቢ ክንቅበሎ ዝግብኣና ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ናይ ኣመሓድራን ኣከያይዳን ለውጢ ብምግባር መንግስትን ህዝብን ብሓደ ዓይነት ዝሓስቡሉን ዝሰርሑሉን ለውጢ ክግበር የድሊ ምህላዉ ኢዩ።

እሞ ናይቶም እዚ መንግስቲ ክወርድ ኣለዎ እዚ መንግስቲ ክእሰር ኣለዎ ዝብሉ ብልማኖ ዝወርድ መንግስቲ ስለዘየልቦ ንግደፎ’ሞ ከምኡ’ውን እቲ ህዝባዊ ምርጫን ሕጋውነት ዘለዎ ብህዝቢ ዝተመርጸ ባይቶ ዝበሃል ብህጹጽ ይገበር ዝብሃል እውን ንጊዜኡ  ነጽንሓዮ’ሞ  መንግስቲ ብቐሊል ክገብሮ ዝኽእል ክነሱ ብፍርሒ ድዩ ብንዕቀት ትሓሲሙዎ ዘሎ ጕዳይ ኣሎ።  ንሱ ከኣ እቲ ሳዕቤን ከምጽእሉ ዘይክእል ትሓታትነትን ፍትሕን ዝሓዘ ፍትሓዊ ህዝባዊ  ምሕደራ  ምምስራት ኢዩ። ብርእይቶይ  ኣብ  ሃገርና ኣብ ምምሕዳር  ዕንቅፋት ኰይኑ  ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ  ብድሌቱን ብዝመረጾን ኣገባብ ምሕደራ ኣብ ክንዲ ዝመሓደር  መንግስቲ ብኸመይ ትመሓደሩ ኣነ ጥራሕየ ዝፈልጠልኩምን ዝመርጸልኩምን ንስኹም ዝተበሃልኩሞ ጥራሕ ግበሩ ብማለት ንድሌቶምን ስልጣኖምን ዓፊኑ ሒዙዎ ስለዝርከብ  ጥራሕ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ልክዕዩ መንግስቲ ዝመልመሎምን ዘዳለዎምን እቲ ህዝቢ ፈትዩ ኮነ  ከይፈተወ ዝቕበሎምን ብህዝቢ ተመሪጾም ዝበሃሉን መንግስቲ ብዓርከይ ዓርክኻ ብዘመደይ ዘመድካ ዝኣኽኸቦም ናይ ምምሕዳር ኮነ ናይ ስራሕ ኢደ እግሪ  ዘይብሎም ኣመሓደርቲ ወይ ሓለፍቲ ዝበሃሉ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝተጸፍዩ ፍሉያት ልኡኻት  ኣለዉ። እዚኦም ግን እቲ ቀንዲ ስርሖም ምምሕዳር  ህዝቢ ዘይኮነ ካልእ ኢዩ። መንግስቲ ዘይደልዮምን ዋላ  ነቲ ዘይቅኑዕ ሕራይ ኢሎም ንኽፍጽሙ ሕጉሳት  ዘይኮኑ ሰባት ኣብ  ሓላፍነት ከይመጹ ከኣ እቲ መንግስቲ ብዙሕ ጥንቃቐን ምክትታልን  ከም ዝገብር ንማንም ዘይሕብኦ ምስጢር ኢዩ።    እዚ  ከኣ ካብ ነዊሕ እዋን ንፈልጦን ዝለመድናዮን ዝላደናሉን ናይ ቀደም ህዝባዊ ግምባርን ናይ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራን  ኣሰራርሓ ኢዩ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ናይ ናጽነት ድሌትን ባህግን ተወፋይነትን ስለዝነበረ እዚ ኣገባብ’ዚ  ሰሪሑን ኣዓዊቱን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።  ሎሚ ትማሊ ስለዘይኮነ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ  ክሰርሕስ ይትረፍ ህዝቢ ንኽሰምዖ እውን ቅጭ መጺኡዎ  ሃገርና ኣብ ከምዚ ንርእያ ዘሎና ትሓሚሳ ህዝብና’ውን ተበታቲኑ ኣብ መዓልቲ ብኣሽሓት ሃገሩ ገዲፉ ክስደድን ኣብ ዝኸፍኤ ኵነታት ክሳጣሕን ኣብ ዓለም መዛረብን መመክሕን ኰንና ንርከብ ኣሎና።

‘’እቲ መንግስቲ ግን እቲ ከልቢ ይነብሕ እታ ገመል ግን ጕዕዞኣ ትቕጽል’’ ብማለት ዋላ ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ብሔራዊ ኮነ ዓለምለኻዊ ዕንቅፋታት ኣብ ግምት ብምእታው ክልወጥን  ምስ ህዝቡ ክመያየጥን  ድሌት ህዝቡ ከተግብርን ምምሕዳሩ ከመሓይሽን ኣይተራእየን።  ንዝበዝሕ  ህዝብኻ  ኣዋሲንካ  ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ሃገርናን  ህዝብናን ከኣ ከም ዋላ ሓንቲ ጸገም ዘየሎ ገሩ ብንቡር ሃገር አመሓድር ኣሎኹ ዝብል እምነት ዘለዎ ይመስል።

ስደትን ህልቀትን ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ። ጸገማትን ናይ ናብራ ሕሰምን ህዝብና እውን ምስዚ ኵሉ ኣብ ሃገር ተረኺቡ ኣሎ ዝበሃል ጸጋታት ወርቅን ፖታሽን ካልእ ማዕድናትን እናኸበደን እናጸንከረን እምበር ክመሓየሽ ኣይተራእየን። እቶም ዝበዝሑ ተቓወምቲ ዝበሃሉ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ( ICC) ክኽሰስን ክፍረድን ክእሰርን  እሞ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራት መፍትሒ ክረክብ ኣብ ትጽቢት ይርከቡ ኣለዉ።

ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ገበን ዝፈጸመ ሰብ ብሕጋዊ መስርሕ ፍርድን ውሳነን ክወሃቦ እምበር ክሕተት ኣይግብኦንዩ ዝብል እምነት የብለይን። ብዛዕባ ገበናትን ፍርድን  ናይቶም ንሃገርናን ህዝብናን በዲሎም ዝበሃሉ ሰበስልጣን  መንግስቲ   ኤርትራ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግደፍ እምበር ንሕና ሎሚ ዝሓዝና ዘይብልና  ክንውስነሎምን ክንፈርዶምን ሓላፍነትና ኣይኮነን ዝብል እምነት ኣሎኒ።  እዚ ማለት ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን  ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራትን ጸገማትን ክንዛረብን  ጌጋታት  ርኢና ዓገብ ክንብል የብልናን ማለት ግን ኣይኮነን።

ብወገነይ ከኣ ከም ዜጋ መጠን  በታ  ዘላትኒ ንእሽቶ  ዓቕሚ ካብቶም   ህዝባዊ ግምባር ትማሊ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ሽፍታ’ዩ  ነሩ።  ሎሚ እውን እቲ ሽፍታ እቲ’ዩ  መንግስቲ ኤርትራ ኰይኑ  ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝቢ ዝዘምትን ዘጥፍእን  ዘሎ  ዝብሉ ተቓወምቲ ዝጽውዑ ፍንትት ኢለ  ብኽስን ወቐሳን  ጸርፍን  ጽልእን ጥራሕ ዝልወጥ መንግስቲ ስለዘየልቦ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ   ጽቡቕ እንተገበረ ኣገናዕ  ክብል፡ እንተበደለን እንተተጋገየን ከኣ  ብቐረባ  ኰይነ ዓገብ ክብልን ለውጢ ንኽገብር ብመንገደይ  ክመክርን ክምሕጸንን ምዃነይ ሓቢረ ነረ። ሕጂ እውን ኣብኡ ኣሎኹ። ንበይነይ ዘይኮንኩ ከኣ ምስ ብዙሓትየ።

ነቲ ንስደት መንእሰያት ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ‘’ገደብ ኣልቦ’’ ሃገራዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ለውጢ ክገብረሉ ብዓቕመይ  ክማጐት ክጕስጕስ  ከእዊ ክልምን ብዘይ ዕረፍቲ ሕቶታት ከቕርብ  ምውሳነይ ብምድግጋም  ዝሓበርክዎ ስለ ዝዀነ ሎሚ ምዝርዛሩ  ዘድሊ ኣይመስለንን።

ዲክታቶርያዊ ይኹን ዲሞክራስያዊ  ነቲ መንግስቲ  ምዝራቡን መልእኽቲ  ኮነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ብዝተፈላለየ መንገዲ ንዓኡ ምትሕልላፍን  ከኣ ነቲ ዝቐርብ  ሕቶ ወይ ርእይቶ ዋላ እቲ መንግስቲ እንተ ዘይተቐበሎ  እቲ ጕዳይ  ኣብ  ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ ደገፍቲ መንግስቲ ዓቢ ጽልዋን ኣተኵሮን ስለዘስፍርን  ትምህርቲ  እናሃበ  ስምዒት ህዝቢ ስለዝቕስቅስን ብጣዕሚ ኣድላዪ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ብዝተፈላልየ መንገዲ ነትሓላልፎ  ምልእኽትታት ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶታትን ጠለባትን  ህዝቡ  ክሰምዕን  ሕቶ ህዝቡ ክምልስን  ኣእዛኑ ከም ዝኽፈታ ንምግባርን ኢዩ። እዚ ከኣ ምእንቲ እቲ ባዕሉ ክዛረብን ተዛሪቡ እውን ክስማዕ  ዘይክእል ኣብ ጸገምን ሓሳረ መከራን ዘሎ ህዝብና  ብፍላይ ከኣ እቲ ዕድሚኡ ብኸንቱ ዝሓልፍን  ካብቲ  ኣብ ሃገር ዘሎ ስቓይ ክሃድም ክብል ኣብ መንገዲ ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ኣብ ዝኸፍኤ ስቓይ ዝወድቕን፡  ኣብ ባሕሪ ዝጠልቕን  ድራር ዓሳ ዝኸውንን ዘሎ መንእሰይ  ንምድሓን ኣቤቱታ ንምቕራብ  ጥራሕ ኢዩ።

ነቶም ሃገር  ነመሓድር ኣሎና ዝብሉ ዘለዉ ደቂ ሃገር ከኣ ቀሪብና   ክንዋስኦምን ኣብ ክንዲ እቲ ባዕሉ ክዛረቦም ዘይክእል ውጹዕ ህዝብና ኰይንና  ‘’ዓገብ’’  ኣይጥዓኹምን እሞ ምሕደራ ቀይሩ  ንምባልን እውን ኢዩ። ክንስማዕን ክንዕወትን ዲና ወይሲ ክንንጸግ ግን ንቕድሚት ዝርኤ ጕዳይ ኰይኑ እዚ ዕማምና ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝቐስንን ደቂሱ ዝሓድርን ክቕጽል ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ናትና ዘቤታዊ ዋዕላኸ ንምዓስ? ኣብ ዝብል ዘቕረብኩዎ ናይ ድምጺ ኮነ ጽሑፍ  መልእኽተይ  ኣብ  ተለቭጅን ኤርትራ ሓደ መደብ ብጋህዲ ዝብል ህዝቢ ብግሉጽነት ዝዛረቡሉን  ብዛዕባ ጕዳዩ ዝዝትዩሉን  ፕሮግራም  ምህላዉ ሓቢረ ነረ።  እዚ መደብ’ዚ ክሳብ ክንደይ ብዘይ ፍርሕን ስኽፍታን ህዝቢ ንዘለዎ ጸገማት ኮነ ጕድለታት መንግስቲ ይዛረበሉን ይትንትኖን  ኣሎ ግን ነናትና መዓቀንን መምዘንን ስለዝህልወና ኣነ ሎሚ ብዛዕባኡ ርእይቶ ክህብ መደብ የብለይን።

እቲ  ሎሚ ከቕርቦ ሓሲበ ዘሎኹ መደብ፡ ናትና ናይዞም  ኣብ ስደት ኣብ ናጻ ሃገራት ዘሎና እሞ  ኣብ ሃገርናን   ህዝብናን  ዘሎና ተገዳስነት ከምቶም ዝቐበጹን ዘላገሱን  መንነቶም ኣደስኪሎም ንጸላኢ ከይተረፈ ዝተምበርከኹ ዘይኮነ መንነትናን ዜግነትናን ሃገራውነትናን ከየጥፋእና መደብ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ  ዝብል ኣዳሊና ኣብ ክንዲ ህዝብና  ክንዛረብን መልእኽትና ነቲ መንግስቲ ኮነ ህዝቢ ከነተሓላልፍን ስለዝደለና  ጥራሕ ኢዩ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ሃገር መንግስቲ ክበሃል ከሎ ቅርጻን በጀትን ናይ ስራሕ መምርሕን ኣለዎ። ኣብ ሃገርና ግን ንፈልጦ ዕላዊ ቅርጻ መንግስቲ ስለዘየልቦ እቲ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ኢልና ንፈልጦን ንኣምነሉን ንሓምዮን ንወቕሶን ዘሎና መንዩ? ሓደ ድዩኸ ብዙሓት ኢዮም? ብኸመይከ ይሰርሑ? ናይ ነፍሲ ወከፎም ስልጣንን ሓላፍነትንከ መን በየናይ ሕጊ ይውሰን? ጕዳይ ሃገርና ከምቲ ናይ ምስጢረ ስላሰ ምእንቲ ሃይማኖትካ ክትኣምኖ እምበር ተመራሚርካ ክትበጽሖ ዘይትኽእል ናይ ሃገርና ኵነታት እውን ኣዝዩ  ዝተሓላለኸ ዘስደምም  ምስጢር ኢዩ።

ከምቲ ገለ ስዓብቱ ዝብሉዎ ንሱ ናትካ ንስኻ እውን ናቱ ምዃንካ እውን ዋላ ሓንቲ ጭብጢ ኣይትረክብን ኢኻ። መንግስቲ ስለምንታይ ሕቶ ህዝቢ ኣይሰምዕን፡ ስለምንታይ ብኽያት ህዝቢ ኣየደንግጾን፡ ጥራሕ ዘይኮነ  ሃገር ተጸዊዕና ከነብቅዕ እታ ሃገርከ ብኸመይ በየናይ ሕጊ ትካየድ ኣላ?  ናይ መጻኢ መደባታትን ዕድላንከ እንታዩ ዝፈልጥ ሰብ  የልቦን።  ዝሰማዕካዮ ክትደግም ዝተኣዘዝካዮ ክትገብር ሎሚ ኣበይ ትውዕል ጽባሕ ከኣ እንታይ ክትገብር ምዃንካ መውዓሊኻን መሕደሪኻን ከይተረፈ ዝውስነልካን ዝፈልጠልካን መንግስቲ ጥራሕ ኢዩ።

ገለ ገለ ሰባት ክዛረቡ ኮነ ነቲ ዝውጻዕን ዝግፋዕን ዘሎ ህዝቦም ክምህሩን ከጸናንዑን ንመንግስቲ እውን ክመኽሩን  ዓገብ ክብሉን ክወቕሱን ዓቕምን ክእለትን ከለዎም እታ ምድሪ ምእንቲ ርእሳ ኢላ ክትወግሕ ኢያ። ክሳብ ዝዀነ ዝኸውን  ከኣ ተጸጊዕካ ትም መሪጽካ ጥራሕ ምጽናሕ እምበር ደጋፊ ኮነ ተቓዋሚ  ኰንካ  መንነካን ዕላማኻን ምቅላዕ ዕሽነት ጥራሕዩ ዝብሉ ኣለዉ።

ገለ ካልኦት ሰባት ግን ኣብ ክንዲ ወጽዓ ካልኦት ክጋደሉን ንወጽዓን ስቓይን መግዛእትን ህዝቦም ምእንቲ ከልግሱ ነታ ክብርቲ ሂወቶም ከይተረፈ ከፊሎም ክነሶም ሎሚ ስሞም  ብኣሉታ ክዝከር ክንሰምዕ ከሎና ግን  ብጣዕሚ ዘሕዝን ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ንሃገርን ህዝብን ሃሳዪ ኰይኑ ንዓለም ኮነ ንዓና ኣገሪሙ ዘሎ ግን እዚ ኣብ ኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ውልቀሰብ ይዛረቦ፡ ጕጅለ ይሕተቶ፡ ዓዲ ምልእቲ ኣቤት ትበል፡  ህዝቢ ሰላማዊ ሰልፊ ገሩ ኡይ ይበል፡  ዜጋታቱ ኣብ ሲናይ ይትሓረዱ፡  ብኣማኢት ኣብ ባሕሪ ይጥሓሉ፡ ብዘየገድስ  ሕቶ  ህዝቢ ክሰምዕ  ዘይክእል ብዛዕባ ኵነታት ሃገር ኮነ ህዝቢ ኣልዒሉ ክዛረብ ዘይደሊ  ከምቶም ቀደም ብዘበን ኦሪት  ህዝቢ  ኣስራኤል ዘምልኹዎም ዝነበሩ ትንፋስ  ዘይነበሮም ባዕላቶም ዝሰርሑዎም ዘይዛረቡ ጣዖታት  ኣማልእኽቲ ኢዩ። እንተበልኩ ዝሓሶኹ ኣይመስለንን።

ህዝቢ እስራኤል ነቲ ባዕላቶም ዝሰርሑዎ ጣዖታቶም  ጸሊኻሉ  ኣይሰምዕ መስዋእቲ ሓሪድካሉ ኣይግደስ፡  ምስ ኰኖም  ጸሎትና ካብ ዘይትሰምዕ ድኣ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ኢኻ ኢሎም  ከም ዝሰባበሩዎን ዝጕሓፉዎን  ነዚ ዘሎ ኣቤቱታ ህዝቢ ዘይሰምዕ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ብዘይካ ምጕሓፉ ጥራሕ ካልእ ኣየዋጻጽእን ኢዩ  ዝብሉ  ኣለዉ።

እቲ ጸገም ግን  ከምቲ ኵሉ ጊዜ ንዛረበሉ መጀመርያ ክጕሕፍ ዝኽእል ዓቕሚ ኣሎና ድዩ? ንዕኡ ጕሒፍናኸ  ዝቐረብናዮ ወይ ዘዳሎናዮ ሕቶና ክሰምዕ  ዝኽእል ካልእ  መተካእታ ኣሎናዶ? እቶም ክንጕሕፍ ንብል ዘሎናኸ ንባዕልና ሃገራውን ህዝባውን ሓልዮትን ንጽሕናን  ስምምዕን ኣሎና ድዩ? ዝብል ኢዩ። ካብኡ ሓሊፍካ ከኣ ናይ ጓና’ኳ ጓና ስለዝዀነ ኣይምገደሰን።  እቲ ሕቶ ግን ንውላድካ  ሓሲሙኒ ኢልካ  ክጕሓፍከ  ይከኣል ድዩ? ዝብል ኢዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ማዕጾ ከፊቱ ንመንእሰያት  ሃገሮም ገዲፎም ንኽስደዱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብምስጢር ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሔ ይሕመ ኢዩ። ነዚ ዝወሃብ ምኽንያት ከኣ እቶም ኣብ ዝዀነት ሃገር ዝያዳ ሕቶ ዘቕርቡን ዝእድሙን ዘዕገርግሩን  እቶም ውዑይ ደም ዘለዎም መንእሰያት ብምዃኖም ከየዕገርግሩዎን ብሰላም ንኽነብር ከየሸግሩዎን ስለዝሰግኤ ኢዩ ይበሃል።

እቲ መንግስቲ ብዛዕባቲ መወዳእታኡ ዘይፍለጥ  ገደብ ኣልቦ ዝዀነ ሃገራዊ ኣገልግሎትን  ብሰንኩ ዘጋጥም ዘሎ ስደት መንእሰያት ኮነ ብዛዕባ ኣብ ሃገር ኣጋጢሙ ንዘሎ ናይ ቍጠባን ካልእን ጸገማት  ንህዝቢና ኮነ ንዓለም ክህቦ  ዝጸንሔ ምኽንያት እውን  እዚ ናይ ባድመ  ዶብ  ዘይምሕንጻጹን ናይ ኣይሰላም ኣይኵናት ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ወያነ ወራር ከየጋጥምን ሃገር ከይትውረርን  ስለ ዝሰግእ ምዃኑ ተደጋጊሙ ክገልጾ ጸኒሑ’ዩ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ ምኽንያት ከም ቅቡል ክኣምኑዎ  ጸኒሖም ኢዮም። ኣነ ብወገነይ ግን እኹል ወትሃደራዊ ዓቕምን ኣፍልጦን’ኳ እንተዘይብለይ በታ ዘላትኒ ንእሽቶ ዓቕሚ ነቲ ኣሰራርሓ  ህዝባዊ  ግንባር ኮነ  ነቲ ናይ ወያነ ኵነታት ብደቂቕ ስለዝከታተሎን ዝፈልጦን ወያነ ንሃገርና ገጹ ንኽወርር ዓቕሚ ኮነ  ሞራል   ከም ዘይነበሮ  ካብ ነዊሕ እዋን ኣዳዕዲዔ እፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነ ደጋጊመ ዝጸሓፍኩዎን  ዘረጋገጽኩዎን እውን ኢዩ።  እሞ እቲ ወራር ከየጋጥም ክብሃል ዝጸንሔ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ብእምነተይ  መተዓሻሸዊ ጥራሕ ኢዩ ነሩ ብሃላይ ኢየ።

እሞ ሎሚኸ ስርዓት ወያነ ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣላ? ኵነታት መንእሰያትናኸ  ተቐይሩዶ?

መንግስቲ  ኤርትራ ንወትሃደራዊ ዓቕሙ ብግቡእ ኣመዓራርዩ  ነቶም  ናይ ብሓቂ ዘድልዩዎ’ሞ  ዘትርፎም ሰራዊት  ብቑዕ  ደሞዝን  ውሑስ ናብራን  ዘተኣማምን ስልጠናን ከም ዝህልዎም  ብምግባር ሓያል ምዱብ ስልጡን ሰራዊት ክህልዉዎ ይግባእ። ነቶም ብምኽንያት ሃገር ከይትውረር ንዓመታት ኣይትምህርቲ ኣይሓዳር ኣይውላድ ገሩዎም ዝጸንሔ መንእሰያት ግን ዘርኢ ክዀኑ ከሰናብቶምን  ናይ መጻኢ ሂወቶምን ዕድሎምን ንኽሓስቡን ንኽውጥኑን  ንኽገብር ዘጸግሞ ዘሎ ኣይመስለንን።  ሃገር ወረራ ከጋጥማ ከሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ካብ ውሽጢ ሃገር ካብ ወጻኢ እውን ከም ዝኸትትን ንሃገሩ ከም ዝከላኸልን ከኣ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ተመክሮ ኵናት ባድመ ተረጋጊጹ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ እታ ክሳብ ሎሚ ምኽንያት ኰይናቶ ዝጸንሔት  ባደመን ሃገር ከይትውረርን  እውን ሓቅነታ ተቓሊዑ ወያነ  ንባዕላ ትጠፍኣሉን  ትበታተነሉን ኣብ ዘላ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ሎሚኸ እንታይ ምኽንያት ከም ዝፈጥር ክንሰምዖ ክንጽበ ኢና። ወረራ ወያነ ኣመኽኒኻ  ህዝብኻ ከም ዝስደድን ሓይልኻ ከም ዝዳኸምን ኣብዚ ኵሉ ሃገራዊ ሕንፍሽፍሽ ምእታውን ግን ንዕኡ’ውን ዝጠቕሞ ኣይመስለንን።

ብዝዀነ ሓቂ ንምዝራብ እቲ መንግስቲ ነዚ ኵሉ ብምኽንያት ሃገር ከይትውረር ሒዙዎን ኣሲሩዎን ዝጸንሔ መንእሰይ  ብኸመይ ከም ዝጣየስን ሂወቱ ዝመርሕን ምድላዋት ከይገበረ ኵነታት ስለዝተለወጠ ንኹሉ በል ኪድ ገዛኻ ኢሉ ከሰናብቶ ከቢድ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። እቲ  ቀንዲ ጸገም ግን እቲ መንግስቲ ንሃገርን ንህዝቢን ኤርትራ ካባይ ንላዕሊ ዝሓልየሉን ዝፈልጠሉን የልቦን ብማለት ስለዝንዕቆ ድዩ ስለዝጸልኦ  ምስ ህዝቡ ስለዘይዛረብን ምኽሪ ኮነ መንገዲ ካብ ህዝቡ ስለዘይቅበልን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈትሖ ሽግርሲ  ብፍጹም ኣይምነበረን። ኤርትራውያን ከኣ ዕድል ድኣ ተኸሊእናምበር ሽግርና ንምፍታሕሲ ኣይምጸገመናን።

እሞ እታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘላ  መደብ ብጋህዲ  ትብል ናይ ተለቭጅን ፕሮግራም ነዚ ንዛረበሉ ዘሎና ዓበይቲ ነገራት ከተልዕሎን  ክትዛረበሉን ስለዝኸብዳስ ኣብዚ ኣብ ዲያስፖራ  ትቕመጥ ዘይትስከፍን ዘይትፈርሕን   ሽግርና  ንዘራረበላን መልእኽትና  ነትሓላልፈላን  መደብ ብጋህዝዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ  ትብል ፕሮግራም ኣዳሊና ክንሰርሓሉ ጀሚርና ስለዘሎና ኵልኹም ኣብዚ ባይታ’ዚ ንምስታፍ ዓቕምን ብቕዓትን ዘሎኩም ደቂ ሃገር ክትሕወሱና ንዕድመኩም።

ንሕና ንእመነሉ ኣይንእመነሉ ኣብ ኤርትራ ይሕመቕ ይጸብቕ ብሰብ  ይመረጽ ብስሪኡ ኮፍ ይበል መንግስቲ ኣሎ። እዚ ከኣ  ነቲ  ኵሉ ቍጠባ ሃገር ኣብ ጅባኡ ኣቐሚጡ  እንተደለየ ዘድርረካ እንተጸልኤ ከኣ ጾምካ ዘሕድረካ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝገብር እንታይ ከም ዝሰርሕ  ዝምድብ  እታ ሃገር ኣብ ውግእ ክትኣቱ ከይተረፈ ንበይኑ ዝውስንን  ሃገርን ህዝብን  ዝቆጻጸርን  መንግስቲ ዝበሃል ኣካል  ኣሎ።

ነዚ መንግስቲ እዚ ዘይፈልጡዎን ዘይኣምኑሉን  ክነሶም  ካልእ ምርጫ ስኢኖም ንትእዛዛቱን ንመምርሒታቱን ተቐቢሎም ዘተግብሩን እናትእዘዙዎ ምስኡ ብሰላም ክነብሩ ዝመረጹን ከኣ   ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዙሓት ኢዮም። እቶም እዚ ስርዓት እዚ ክሳብ ዝኸይድ ንዜግነቶምን ኤርትራውነቶምን ብፍቓዶም ኣደስኪሎም ክጻረፉን ሽፍታ ኢሎም ክኸሱን  ክዅንኑን ነቲ መንግስቲ ከውድቑ ለይትን መዓልትን ዝቃለሱ ዘለዉ ደቂ ሃገር እውን ምስቶም ትም ዝመረጹ ሓዊስካ ካብኣቶም  ደገፍቲ እንተዘይበዚሖም  ኣይውሕዱን ኢዮም።

እቲ መንግስቲ  ግን  ኣብ  ዝበጽሑዎ የብሎምን ስለዝብልን ስለዝንዕቆምን  እንተዘይኰይኑ ከኣ  ነዚ ኵሉ ኣዳዕዲዑ ይፈልጦ ኢዩ። ንወገንካን ንህዝብኻን ዘይምስማዕ  ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ስለዘይኮነ ግን ነቲ መንግስቲ ክሳብ ምዓስ ከምኡ ኢልካ ምስ ህዝብኻ ተፈላሊኻን ተጻሊእካን ክንበር’ዩ ንዓ ድኣ ግደፍ ኣይፋልካን  ግዜ ተለዋጣይ ኢዩ ታሪኽ እውን ኣይምሕርን ኢዩ’ሞ  መንገዲ ለውጢን   ግሉጽነትን ድኣ ሕሰብ ንብሎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ፈትዩ ጸሊኡ እቲ መንግስቲ ስለ ዝቆጻጸሮ ነታ ዝርእያ ጽሓይን ዘተንፍሳ ንፋስን ከምቶም ዝሰኣኑዋ’ሞ ኣብ ጸልማት ዘለዉ  ደቂ ሃገር ንኸይስእና ክጥንቀቕን ክፈርሕን ነብሱ ክሕሉን ናይ ግድን ስለዝኰነ ዋላ ኣብታ መደብ ብጋህዲ ወሰን ወሰኑ እንተዘይኰይኑ ትኽ ኢሉ ሓቂ ንኽዛረብ ከም ዘጸግሞ  ነስተባህለሉን  ንዕዘቦን ኢና።

እዞም ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻን ዲሞክራስያዊን ፍትሓውን ሃገራት ንቕመጥከ  ዝደለናዮን ዝመስለናን ንመንግስቲ ክንሓቶን መንግስቲ እውን ከም ዜጋታቱ ሕቶታትናን ርእይቶታትናን ሰሚዑ ክስከፍን ክምልስን  ዝተሰምዓሉን ዝተራእየሉን እዋን ኣሎዶ? እዚ ብዝያዳ ነቶም ደገፍትን ኣመንትን እቲ መንግስቲ ዝምልከት ኢዩ።

ኣነ ንባዕለይ ኣጸቢቐ ስለዝፈልጦ ግን ኣብ ታሪኽ ህዝባዊ  ግምባር ሓደ ይሕተቶ ብዙሓት ይሕተቱዎ ኣብ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ብይግባይ በጺሑ መልሲ ዝተዋህቦን ፍትሒ ዝተረኽቦን ጕዳይ ሰሚዔ ኣይፈልጥን ኢየ። ኣኳ ድኣ ጕዳይካ ኣብ ላዕለዋይ ኣካል ክስምዓልካ ምሕታትን እግባይ ምባልን  ከጠምተካን ከቕጽዓካን ዝኽእል ገበን ከም ዝዀነዩ ዝፍለጥ። በዚ ጕዳይዚ ከኣ ክንደይ ውልቀሰባት ክንደይ ዓድታት ክንደይ ሕብረተሰባት ክንደይ ኣውራጃታት ከይተረፈ ኣዲምኩም ተባሂሎም ናዅራ  ተወሲዶም  ዝተኣሰሩሉን  ተመክሮ ዝቐሰሙሉን ብምዃኖም ዳርጋ ኵሉ  ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ኢዩ። ኣበሃህላይ ክትሰርሕ ከሎኻ ኵሉ ጊዜ ትጋገ ኢኻ። ኵሉ ጊዜ ኣብ ጌጋኻ ጠጠው ኢልካ ክትነብር ግን ንባዕሉ ጌጋ ኢዩ። ዝነብር መንግስቲ የልቦን’ሞ  መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ እውን ክልብምን ካብዚ ዘሎናዮ መዓት ከውጽኣናን  ከም ቆልዑ መንግስቲ ጥራሕ ክፈልጠልናን ክኣልየናን ዘይኮነ  ህዝቢ  ኤርትራ እውን  ብኸመይ ከም ንነብርን ንመሓደርን ንርእስና ክንፈልጠላ  ከም ንኽእል ክርድኣልናን ንዅላትና ደቂ ሃገር ዝጥርንፍን ዝሓቝፍን ናይ ኣሰራርሓ ለውጢ ክገብርን ከኣ  ንምሕጸኖ።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in