PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ገንዘባዊ ፖሊሲ፣ ባንካዊ ኣገልግሎትን ጸገማቶምን ኣብ ኤርትራ (ሳልሳይ ክፋል)
ተወልደብርሃን ገብረ | 21 August 2016 | erigazette.org
ገንዘባዊ ፖሊሲ፣ ባንካዊ ኣገልግሎትን ጸገማቶምን ኣብ ኤርትራ – ሳልሳይ ክፋል: ብሕተት ባንካዊ ኣገልግሎታት ብመንግስትን ግንባርን ሳዕቤኑን
ንሎሚ ብተረኽቦ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ክጅምር። ሓደ ዓርከይ ደምበ ቀይርካ ዲኻ? ክብል ድንገተኛ ሕቶ ሓቲቱኒ ይብለኩም። ዋላኳ ክብሎ ዝደለየ እንተ ዘይተሰወረኒ ቅድሚ ምምላሰይ ምሕሳብ ከም ዘድልየኒ ብምግንዛብ እንታይ ማለትካ ኢኻ? ክብል ሓተትኩዎ። እንታይ ማለት ኢዩ እንታይ ማለትካ ኢኻ? ክብል መሊሱ ሓተተኒ። ስለ ዘናቐጸኒ ከኣ ኣባሃህላኻ ኣይተረዳኣንን በልክዎ። ህግደፍ ክጠፍእ ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ ክብል ንዓቐብ ዝኣፋ መልሲ ሂቡኒ። ስለምንታይን ብመንን ክብል ሓተትኩዎ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ሃሰስ ኢሉ መልሲ ክረክብ ኣይተጸገመን። ብመን ንትብል ግን መልሲ ኣይረኸበላን። ከም ናይ መጀመርያ ሕትኡ ግን ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ኮይንካ ኣለኻ ማለቱ ኢዩ። ምኽንያቱ ደምበ ምቕያር ማለት ብኣባሃህልኡ ካብ ጹሑፋተይ ዝተረደኦ ከም ግምተይ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝድግፍ ኮይኑ ኢዩ ረኺቡዎ። ብኸምኡ ምርድኡ ናይ ኣምባባይ መሰል ኢዩ። ብኣንጻሩ ንዝርዳእ ካልእ ኣምባባይ ክህሉውን ዝጽበዮ ነገር ኢዩ። ብወገነይ ተቓዋማይ ንምኳን ክጸርፍን ክዝልፍን ዘለኒ ኮይኑ ኣይስማዓንን። ከምኡ ዓይነት ምኳን ተቓዋማይ ዘብል እንተኾይኑ ግን ንሃገርና ይኹን ንህዝብና ዘርብሕ ነገር የብልናን ማለት ኢዩ።
መንግስቲ ይኹን ውልቀ-ሰብ ፍጹም ጽቡቕ ነገር የብሉን ወይ ጽቡቕ ነገር ኣይወጾን ኢዩ ኢልካ ምክርኻር ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣቦታት/ኣዴታት ክምስሉ/ክምስላ “ዓሻ የሎን ኩሉ ከም ልቡ” ይብሉ/ይብላ። ጾታዊ ማዕርነት ክብሉኹም ከምዚ ኢዩ። እወ ኩሎም ኢዮም ዝምስልዎ። ካልእ ሰብ ክርደኦ ይኽእል ወይ ኣይክእልን ይኸውን እምበር ሰብ ነናቱ ኣረዳድኣ ኣብ ጉዳያት ክህልዎ ዓሻ ወይ ደንቆሮ ዘብል ኣይኮነን ንምባል ይመስለኒ። ልክዕ ኢዩ። ዓርከይውን ካብኦም ሓደ ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ መስርሕ ጌጋ ኣሎ። ተጋጊኻ ምባል፣ ጌጋ ንምእራም ናይ ኩሉ ሓላፍነት ኢዩ። ሓቂ ንምዝራብ ግን እዚ ናይ ሃገርና ፖለቲካ ናይ ቅርሕንቲ ፖለቲካ ኢዩ። ቅርሕንቲ ንኣእምሮ ዘልምስን ካብ ኩውንነት ዘርሕቕን ኢዩ። ብወገነይ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣለዉ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ። ዘንጸርጸሩ ወገናት ወይ ኤርትራውያን ግን ኣለውና። ንመንግስቲ ምንቃፍ ተቓዋምን ደጋፍን ምኳን ኣየድልን ኢዩ። ስልጣን ንምምንዛዕ እንተኾይኑ ንህዝቢ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ኣማራጽን መንገዲ ግስጋሰን ከም ዘለካ ብምርዳእን ብምእማንን ይከኣል ይኸውን እምበር ኣብ ስልጣን ንዘሎ ሓይሊ ወገሐ ጸብሐ ብምጽራፍን ብምዝላፍን ኣይመጽእን ኢዩ።
ብወገነይ ፖሊሲ ምእኹል ቁጠባ (command economy) መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሞትኩውን ኣይቅበሎን ኢየ። ናይ 1994 ማክሮ-ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ዋላ ብግብሪ ኣይስራሓሉ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ሕቶይ
ነቲ ኣብ 1994 ዝሓንጸጾ ማክሮ-ፖሊሲ ብቕንዕና ክትግብሮ ህዝብናውን ካብዚ ሆያ-ሆየ ናይ ቅርሕንቲ ፖለቲካ ተናጊፉ ብሓደ ድምጺ መንግስቲ ቅኑዕ (genuine) ማሕበረ-ቁጠባዊ ፖሊሲ ክኽተልን መሰላት ዜጋታት ኣብ ኩሉ እንተላይ ኣብ ብሕታዊ ወፍሪ ድፊኢት ክገብር ኢዩ። ቁጠባዊ ወፍሪ እንተላይ ኣብ ባንካዊ ኣገልግሎት በዚ ዘለዎ እንተተባሒቱ መባእታዊ መሰላት ዜጋታት ተጣሒሱ ኣሎ ማለት ኢዩ። ሓደ ካብ ጠንቅታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ህዝባዊ ናዕቢ ቁጠባዊ ብሕተት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምኳኑ ዘይምዝንጋዕ። ኣቦታት ክምስሉ “ብጻይካ ጭሕሙ ክላጺ ጭሕምኻ ማይ ልኸ” ይብሉ። ስልጣን ፖለቲካን ብሒትካ ቁጠባ ሃገር ምብሓት ኣማሲይኡ ንህዝብን ሃገርን ዝልምስን ከይዱ ከይዱ ከኣ ሰላም ሃገርውን ዝዘርግ ኢዩ። ኣብ ካላኣይ ክፍል መልእኽተይ ዝደለየ ምኽንያት ይሃልዎ ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ሃገር 50:50 ዝተፈላለዩ እምነታት ዘለዉዎ ሃገር ሓደ ብ84% ክውከል ካልእ ካኣ 16% ስቅ ኢልካ ምዕዛብ ኣማዕዲኻ ንቅድሚት ዘይምርኣይ ኢዩ። ካብ ህልው ኩነታት ጎረቤትና ኢትዮጵያ ክንርዳእ እንተ ዘይኪኢልና ናይ ዓለም ሳይንቲስትስ ተኣኪቦም ከረድኡና ኣይክእሉን ኢዮም። ይቅሬታ እዚ ብቐጥታ ምስ ኣርእስተይ ኣይከይድን ኢዩ ንኣብነት ዝጠቕሶ ዘለኹ ኢዩ። ትም ምባል ጽቡቕ ኣይኮነን ንምባል ኢየ። ስለዚ መሰልካን መሰል ካለኦት ዜጋታት ምስ ዝጣሓስ ዜሩ ዜሩ መሰልካ ምጥሓሱ ኣይተርፍን ኢዩ።
በቲ ካልእ ካኣ ንባህላዊ ዕቤት ብሄራትን ምዕሩይ ዝርገሐ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ንምርግጋጽ ብመንግስቲ ዝግበር ጻዕሪ ካኣ ክነኣድ ይግባእ። እኹል ኣይኮነን ክንዮ እዚ ክግበር ይከኣል ነይሩ እልካ ምክርኻር ይከኣል ኢዩ። ጽቡቕ ዘይርእያ ኣዒንቲ ሕማቕ ክርእያ ከመይ ኣቢሉ ይኾነለን? ኣብዚ ክጸቕጠሉ ዝደሊ ብዘይካ እቲ ኮማዊ ተሳትፎ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበር ንጥፈታት ውልቃዊ ተሳትፎ ኣብ ኩሉ ጽላታት ክተባባዕን ክድገፍን ኣለዎ። ከምቲ ውሩይ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኣዳም ስሚዝ ተራ ውልቃዊ ተበግሶ ንምግላጽ ብስዉራት ኣእዳው (invisible hands) ዝገለጾ ኤርትራ ውልቀ ተባላሕትነት ዜጋታታ የድልያ ኣሎ። ውልቀ-ተሳታፍነት ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ነቲ ኮማዊ ተሳታፍነት ድርዒ ይኾኖ እምበር ኣይጻበኦን ኢዩ። ሕሉፍ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ከም ፍልስፍና ንማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምሉእ ብምሉእ ንምቁጽጻር ዝተኣታተወ ስነ-ሓሳብ ኢዩ። ብዘይ ምግናን ኣብ ኤርትራ እዚ ኣኽራሪ ስነ-ሓሳብ እዚ ኣሎ። ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ብኣተሓሳስባ ኣብቲ ናይ 60ታት ፖለቲካ ዝሑል ኲናት ዝነብሩ ዘለዉ ኮይኑ ይስማዓኒ። ምስ ግዳም እትገብሮ ቁጠባዊ ይኹን ካልእ ዝምድናታትካ ሃገራዊ ረባሓኻ ንምርግጋጽ ክትሰርሕ ህዝቢውን ምስ መሪሕነት ክተሓባበር ኣገዳሲ ኢዩ። ንህዝብኻ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያትስ ይትረፍ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ኣይተፍቅደሉን? ዘሕዝን ኢዩ! ምእንቲ እዚ ዜጋታት መሰላቶም ፈሊጦም ክሓቱን ግብራዊ መልሲ ክረኽቡን ቃልሲ የድልዮም። መሰልካ ንምሕታት ኣብ ጎደናታት ጀነቫ ምኻድ ኣየድልየካን ኢዩ።ብደገፍቲ ይኹን ብተቓወምቲ ኣብ ጀኔቫ ዝሃለኸ ጉልበትን ሃብትን ኣብ ቀጽርታት ኤምባሲታት ኤርትራ እንተዝኾውን ነይሩ ዝያዳ ንመንግስቲ ጸቕጢ ምፈጠረ።
ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክምለስ። ኤርትራ ኣብ ከባቢኣ ተወዳዳሪት ክትከውን ምስሳን ንኣሽቱን ማእከሎትን ትካላት (small and medium enterprises) ብፍላይ ድማ ኣብ ሰንዓ ወይ ምስናዕ ዝተዋፈራ
ትካላት ብብዝሕን ዓይነትን የድልያ። ኣብዚ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት ክህሉ ግድን ኢዩ። እንተላይ ኣገልግሎት ናይ ወጻኢ ሽርፊ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ ንምስናዕ መሽነሪን ጥረ ነገራትን የድሊ። ከም ኣብ ኩሉ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ሕጽረት ናይ ደገ ባጤራ ኣሎ። መፍትሒ ዘይብሉ ሽግር ግን የልቦን። ሓደን ዘላቕን ፍታሕ ዜጋታት ብሕታውያን ባንክታት ክኸፍቱ ምትብባዕ ኢዩ። ኣነ ብውልቀይ ነቲ ባዕልና ክንገብሮ ንኽእል ባዕልና እንተ ሓዝናዮ ወይ እንተ ኣውፈርናሉ ቅኑዕ ኮይኑ ይስማ ዓኒ። ንኣብነት ኣገልግሎታት ሞባይልን ኢንተርነትን። ምኽንያቱ መኽሰባቱ ዓቢዪ ስለ ዝኾነ ናይ ግዳም ኣውፈርቲ እንተ ሒዘነኦ ብብዝሒ ምህዳም ሃብቲ (capital flight) ስለ ዘስዕብ ነቲ ዘለና ሕጽረት ናይ ደገ ባጤራ ዘጋድድን ንሓዋሩ ከኣ ዘልምስን ኢዩ። ብፍላይ ድማ ኤርትራ ንእሽቶ ሃገርን ንእሽቶይ ዕዳጋን ኢያ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ዝኣከበኦ ሃብቲ ናብ ዓበይቲ ሃገራት ብምስግጋር ኢየን ዘዋፍረኦ። ነዚ ኢየ ወፍሪ ዜጋታት ክተባባዕ ኣለዎ ዝብል ዘለኹ። ኤርትራ ውሑድ ዘይኮነ ህዝቢ ኣብ ዲያስፖራ ኣለዋ። እዘን ንብለን ዘለና ብሕታውያን ባንክታት እንተ ተመስሪተን ነዚ ኣብ ፈቐድኡ ባንክታት ዓለም ዘሎ ገንዘብ ዜጋታት ኣብ መጀመርታ ብመልክዕ መሸጣ ብርኪ ክእክበኦ ይኽእላ ዲሒረንውን ዜጋታት ገንዘቦም ኣብ ክንዲ ኣብ ግዳም ኣብ ሃገሮም ከቐምጡ የተባብዕዖም። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ ሕማቕ ሪከርድ ኢዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ሕሉፍ ተመክሮ ዜጋታት ኣብ ባንክታት ኤርትራ ኣወንታዊ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ዘለዎ ሕማቕ ገጽ ንምሕጻብ ኣጃክስ ዘድልዮ ኮይኑ ይስማዓኒ። መንግስቲ ሽግራት ነይሩዎ ይኸውን ግን ሕጂ ንዝተገብረ ጌጋ ብትብዓት ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ንኣውፈርቲ ዳግም ከምኡ ዝኣመሰለ ጌጋ ከም ዘይድገም ውሕስነት ክህብን ንግዳዊ ሕጊ ብቁልጡፍ መንገዲ ተጻፊፉ ክትግበርን ይግባእ። መንግስቲ ባንኪ ልምዓት ክህልዎ ይኽእል ይኸውን ንግዳዊ ባንክታት ክውንን ግን ግቡእ ኣይኮነን።
ንመንግስቲ ዘሰክፉ ነገራት ኣለዉ ኢዮም። ኣብ ካልኣይ ክፋል ጹሑፈይ ከባቢ 70% ካብ ዉህላለ (savings) ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራ መንግስቲ ንደሞዝን ካልእን ባዕሉ ከም ዝልቅሖ ሓቢረ ነይረ። ብዘይካ እቲ ዝፈጥሮ ክፍተት ባጀት መንግስቲ ኣውፈርቲ ናይ ልቓሕ ዕድል ከም ዘይብሎም ኢዩ ዘርእየና። ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሽግር ብሕታዊ ባንክታት እንተ ኣፍቂዱ ከምድላዩ ንብሕታዊ ባንክታት ክጉሕጉሕ ኣይከልን ኢዩ። ክፍተት ባጀት ንምሽፋን ክልቃሕ ምስ ዝፍትን ካኣ ከም ድላዩ ክረክብ ኣይክልን። ምኽንያቱ እቲ ክፍተት ባጀት ሰፊሕ ክኸውን ስለ ዝኽእል። መንግስቲ ኤርትራ ክእክቦ ዝኽእል ግብሪ የለን። እንተ ኣሃሊዩውን ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኮነን። ወፍሪ እንተ ዘይሃሊዩ ግብሪ ካብ ምንታይ ትእክብ? ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ኩሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ኣማራጽታት ምህላውን ዘይምህላውን በቲ ሓደ በቲ ካልእ ካኣ ንህዝቢ ብግዚያዊ ምኽንያታት ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብምሉእ ሓይሉ ከይሳተፍ ምእጋድን ብዛዕባ ዘላቕነት ዘይምሕሳብን ኢዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ግዚኡ ንዝተወስነ ጊዜ ክሰርሕ ይኽእል ይኸውን። ዘላቒ ድዩ ኣይኮነን ኢልካ ምሕሳብን ምምርማርን ግን ኣካልን ሓላፍነትን ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ኢዩ።
ሎሚ ኣብ ሃገርና ብዛይካ ባጤራታት ብምውቓዕ ዝኽዕበት ሃብቲ ኣብ ኣፍራዪ ጽላታት (productive sectors) ተዋፊሩ ዘሎ ሃገራዊ ኣሎ ዝባሃል እንተ ኾይኑ ኣዚዩ ድሩትን ስማውን ጥራሕ ኢዩ። ኣብ
ዓለምውን እንተ ኾነ እቲ ምዝመዛ ብመንገዲ ፊናንሳዊ ገንዘባውን ዕዳጋታት ኣዚዩ ግኑን ኢዩ። እቲ 2008 ዝተኸስተ ፊናንሳዊ ቅልውላው (financial crisis) ምንጩ ምውቓዕ ፊናንሳውን ገንዘባውን ዕዳጋታት ዓለም ብሓፈሻ ዕዳጋታት ሃገራት ምዕራብ ድማ ብፍላይ ኢዩ። ንፊናንሳዊ ትካላት ኣብ ኪንዲ ምቁጽጻርን ግቡእ ግብሪ ከምዝኸፍላን ምግባር ነተን ኣፍራዪ ጽላታት ምልማስ ኣብ ካፒታሊስታዊ ዓለም ዳርጋ ንቡር ተርእዮ ኢዩ። ኣነ ነዚ ሽግር ናይ ኣታውታት (revenues) መንግስቲ ንምፍታሕ ፍልይ ዝበለ ርኢቶ ኣለኒ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሓሳብ እዚ ከተግብሮ እንተ ደሊዩ ከተግብሮ ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ኣገባብ እዚ ቀዳማይ ነቲ ግቡእ ግብሪ ካብ ምኽፋል ብምህዳም ብምውቃዕ ባጤራን ካልእን ዘይተ ኣደነ ሃብቲ ዝድልብ ግቡእ ግብሪ ክኸፍል ንምግባር። ካልኣይ ካኣ መንግስቲ እኹል ኣታውታት (revenues) ንኽገብርን ነቲ ዝሰፍሐ ሕብረተ-ሰብ ግቡእ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክህብ ዘኽእል ኢዩ። ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ እዚ ብምውሳድ ወይ ብምትግባር ናብ ዝላዓለ ብርኪ ክትሳጋገር ከም እትኽ እል ብርግጸኛነት ምዝራብ ይከኣል። ኤርትራ ነዚ ከተተግብር እንተ ኪኢላ ናይ መጀመርታ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ማለት ኢዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ንመንግስትን ሃገርን ማዓልታዊ ብኣማኢት ሚሊዮናት ኣታዊ ዝገብርን ብሕታዊ ወፍሪ ብፍላይ ንዜጋታት ኤርትራ ምስ ዝተባባዕ ድማ ማዓልታዊ ናብ ቢሊዮናት ናቕፋ ክዓቢ ዝኽእል ሓዱሽ ሓሳብ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ሊዒሉ ዝተገልጸ ሓሳብ ነጋዶ ግብሪ ኣብ ዝኸፍልሉ ምንቅስቓስ ዋኒን (turnover) ብምቁጽጻር ካብ ብግምት ዝግበር ምስላዕ ግብሪ ዘናግፍውን ኢዩ።። ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ። ኣብ ሓደ ቃለ-ምልልስ (interview) ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም “ንሕና ንዋጋእ ንኽንንቀሳቐስ ኢና” ክብል ኣገዳሲ ወትሃደራዊ ትንተና ሂቡ ነይሩ። እዛ ቃል ኩቡር ጀነራል ኣብ ምእካብ ግብሪውን ዓቢዪ ትርጉም ዘለዋ ኮይኑ ይስማዓኒ። መንግስቲ ነጋዶ ንምህዳን ዘይኮነስ ዝግባእ ግብሪ ንምእካብ ኢዩ። ምኽንያቱ ግብሪ ምእካብ ንሓንቲ ሃገር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ግብሪ ብዝግባእ እንተ ዘይተኣኪቡ መንግስቲ ወይ ገንዘብ ክሓትም ኣለዎ ወይ ድማ ክልቃሕ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ገንዘብ ምሕታም ዝቕባበ ከስዕብ እንከሎ ልቓሕ ድማ ዋጋ የኽፍል። ልቓሕ ኣብ ዝተናውሐ ንሓደ ሃገር ደቛሲ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዱሽ ሓሳብ ኣብ 4ይ ክፋል ክትንትኖ ክፍትን ኢየ።
ምብሓት ወፍሪ ብሰልፍን መንግስትን ብሓፈሻ ምብሓት ባንክታት ከኣ ብፍላይ ዘላቒ ፍታሕ ንቁጠባዊ ዕቤት ኣየምጽእን ኢዩ። እዚ ዓይነት ቁጠባዊ ፖሊሲ ንሃገር ሙሉእ ዝርምስን ምስቲ ጸጋ ሃገርና ህዝባ ኢዩ ዝብል ብሰንጣቂት ዝገራጮ እውን ኢዩ። ብሕተት (monopoly) ባንክታትን ካልኦት ፊናንሳዊ ትካላትን ሃገርና ብመንግስቲ ብዘይካቲ ዝህብኦ ድሩት ኣገልግሎት ብድሑር ኣገባብ ንኽሰርሓውን ቀንዲ ምኽንያት ኢዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጹሑፈይ ዝተናኸፍኩዎም ኣርእስቲ ምትግባር ገንዘባውን ፊስካላውን (monetary and fiscal) ፖሊስታት ዝከኣል ኣይኮነን። ነቲ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ ፊናንሳዊ ጽገናታትውን ተግባራዊ ኮይኑ ለውጢ ከምጽእ ብወገነይ ንቡዙሕ ምኽንያታት ኣይጽበን። ሓደ ቁጠባ ክምዕብል ተነዝናዚ (vibrant) ብሕታዊ ወፍርን ትካላትን ክህልዋ ይግባእ።
ኣብዚ ተራ ፊንናንሳዊ ትካላት ብሓፈሻ ባንክታት ድማ ብፍላይ ንዕቤት ናእሽቱን ማእከሎትን ኣፍረይቲ ትካላት ወሳኒ ተራ ኣለወን። ንዘድልየን ናይ ደገ ባጤራ መንግስቲ ብዘይካቲ ብውሽጢ ዝገብሮ ኣበርክቶ ብውሕስነት መንግስቲ ካብ ናይ ደገ ባንክታት ክልቃሓውን ክሕግዘንን ከተባብዐንን ይግባእ። እዚ ማለት ሃገራውያን ብሕታውያን ትካላትና ካብ ግዳም ብምልቓሕ ነቲ ኩለን ሃገራት ሃረር ዝብለኦ ቀጥታዊ ናይ ግዳም ወፍሪ (direct foreign investment) ተኪኤን ዉሽጣዊ ዓቕሚ ሃገር የበርኻ ኣለዋ ማለት ኢዩ። መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ንኣብነት ጽቡቕ ኮይኑ ባዕለይ ኣብ ሕርሻ ከውፍር ኢየ ምባል ግና ኣማሲኡ ሃሳዪ ኢዩ። መንግስቲ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናኣሽቱ ነገራት ክዋፈር ምስቲ ድኽነት ንምውጋድ ይጽዕር ኣለኹ ዝብሎ ኣይቃዶን ኢዩ። ናይ ሕርሻ ትሕተ-ቅርጺ ምውዳድ ካልእ ጉዳይ ኢዩ ኣብ ሕርሻ ጭኳሮ ሒዝካ ከም መንግስቲ ተራ ሓረስቶትን ንኣሽቱን ማእከሎትን ኣውፈርቲ ክሰርሑዎ ዝኽእሉ ኣቲኻ ክትጫማለቕ ግን ህዝብን ሃገርን ምጉዳእ ማለት ኢዩ።
ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ጊዜ ከይወሰደ እንተ ሓሰበሉ ይሓይሽ። ብሕታዊ ወፍሪ እንተ ዘይሃሊዩ ዝተገብረ ይገበር ዝመጽእ ኣወንታዊ ለውጢ ክህሉ ኣይኮነን። ንምኳኑ ሓደ ካብቲ ካቢነ ሚኒስተራት ዘቲሉ ዝተባህለ ገንዘባዊ ፖሊሲ፣ ንግድን ኢንዱስትሪያውን ፖሊሲታት (monetary policy, trade and industrial policies) እንታይ ዓይነት ትርጉም ኢዩ ክህልዎ? ኣብዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ኣኼባታት ዝሓሸን ተስፋ ዝህብን ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ብዘይካቶም ዝተላዓሉ ኣርእስትታት እቲ ሃዋህው ጹቡቕ ከምዝነበረ ካብ ወጀሀት ሚኒስተራት ንምግማትውን ይከኣል ኢዩ። ፍሕሹው ገጽ (smiling face) ክዕዘብ ኪኢለ ኣለኹ። ተስፋ ይገብር መረሕቲ ኤርትራ ድሕሪ 25 ዓመት ሎሚ ናብ ልቦም ተመሊሶም ውልቃውን እኩብን ዓቅሚ ኤርትራውያን ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከውዕልዎ።
ሓደ ካብቲ ካቢነ ሚኒስተራት ዘልዓሎ ጉዳይ ምምዕባል ንኣሽቱን ዓበይትን ፈጠራዊ ዓቕምታት ዜጋታት ምስ ፕሮጀክትታት ምምስራት ኣፍረይቲ ትካላት ኢዩ። እዚ ትካላት እዚ ብብሕታዊ ትካላትውን ክስነ እንተ ኪኢሉ ኣዚዩ ተስፋ ዝህብን ንፈጠራዊ ዓቕሚ ህዝብና ብሓፈሻ መንእሰያትና ድማ ብፍላይ ዘጎልብትን ዘሐይልን ኢዩ። መንሰያት ኤርትራ ኣዚዩ ዘደንቕ ምህዞታትን ሰንዓታትን ኣብ ዝገብርሉ ነቲ ምህዞ ወይ ሰንዓ መስሪሐን ናብ ዕዳጋ ዘውርዳ ትካላት ክስስና ዕድላት ፊናንሳዊ ኣገልግሎት ክኽፈተለን ኣሎዎ ማለት ኢዩ። ስለዚ ውሳነታት ካቢነ ሚኒስተራት ክንዮ ውሳነ ትግባረ ብዘይ ምድኑጓይ ክትግበር ብዘይካ ለበዋ ዝባሃል ነገር የለን። እቲ ሓያል ቅዲ-ኲናት ኤርትራውያን ኣብ ቁጠባዊ ግስጋሰውን ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ምኽንያቱ ከምቲ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ብሓፈሻ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ድማ ብፍላይ ብተደጋጋሚ ዝገልጾ ኲናት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ተወሰነ ንኽዕወት ምብልሓት ታሕተዎት ኣሃዱታትን ውልቀ-ተባላሕነት ኣባላተንን ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ኣብዚውን እቲ ስነ-ሞጎት (logic) ሓደ ኢዩ።
ስለዚ መራሕቲ ኤርትራ ምውሳን ናትኩም ኢዩ ምትግባር ግን ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብን ሰብ ርእሰ-ማልን ይሓትት። ንኣብነት ናይ ልዕሊ 25 ዓመታት ናይ ምግራብ (afforestation) መደብ መንግስቲ
ዝጸደቐ ገረብ ከምዘየለ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ሰሪሑ ነይሩ እንተዝኸውን ሎሚ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ብገረብ ምስተሸፈነት ነይራ። እቲ ሓቂ ግን ካብ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዝኽወል ኣይኮነን። እቲ ሽግር ህዝቢ ሓደ ከባቢ ብዘይካ ናይ ተጠቃምነት ናይ ምምሕዳ መሬት መሰል ስለ ዘይብሉ ኢዩ። መሬት ካብ ቀደምውን ናይ ህዝቢ ምብንባሩ ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ህዝቢ ምባል ብዘይካ ናይ ቃላት ለውጢ ካልእ ትርጉም የብሉን። እቲ ሕቶ መንግስቲ ንነፍሲ ወከፍ ቁራጽ መሬት ባዕለይ ከማሓድራ ብምባሉ ገረብ ይኹን ካልእ ዘማሕድሮ የብሉን። መንግስቲ ኣብታሕቲ ወሪዱ መሬት ከማሓድር ብቕዓት ይኹን ዓቕሚ የብሉን። ከም ውጺኢቱ ካኣ ዝነበረ ገረብ ኣይኮነን ዓመት መጸ ተተኺሉ ዝባሃል ገረብ ብሓረስቶት ክሕሎን ክንክን ክግበረሉን ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ነቲ ታሪኻዊ ክንክን ገረብ ህዝቢ ምሕያል ኣብ ባዕልኻ ተማሓድሮ መሬት ህዝቢ ሓላፍነት ክወስድ ኣለዎ ምባል ቅቡል ኣይኮነን።
ኩሉ ባዕልናን ብኣናን ዝባሃል እንተ ድኣ ኾይኑ ሕጂውን ከም ዝሓለፈ ኣብ ኩሉ ጽላታት ዝተረኣየ ፍሽለታት ኣብ ባንካዊ ኣገልግሎታትውን ዕዉት ስራሕ ዝከኣል ኣይመስልን። ስለዚ ንግዳዊ ባንክታት (commercial banking) ንዜጋታት ክፈትዎ። መንግስቲ ነቲ ዝውንኖ ዘሎ ንግዳዊ ባንክታት ናብ ናይ ልምዓት ባንኪ (development bank) ይለውጦ። መንግስቲ ነዚ እንተ ገይሩ ኣብ ዝርገሐን ኣሰራርሓን ባንክታት ቁልጡፍ ለውጢ ክንርኢ ክንጽበ ኢና ማለት ኢዩ።
ንሎሚ ኣብዚ ደው ከብል። ኣብ ቀጻሊ ምስቲ ኣቐዲመ ዘበገስኩዎ ሓሳብ ኣብ 4ይ ክፋል የራኽበና። ክሳብ ሽዑ ዳሓን ቀንዩ።
ይቕጽል…
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!