• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

መደብ ሓቂ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ. 9

October 25, 2016 By Africa Horn Now

ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ | Oct 24, 2016 | meskerem.net

መደብ ሓቂ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ. 9 ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ መደብ ሓቂ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ. 9 ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ

ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ቀኒኹም

ሎም ቅነ ፕረሲደንት ኢሳያስ ድሃይ ኣጥፊኡ ኢሎም ዝሻቐሉ ሰባት ንሰምዕ ኣሎና። ሕሉፍ ሓሊፎም ኵነታቱ ንምፍላጥ ኣብ ዓዲ ሃሎን ባርካን ጠያይቖም ድሃዩ ዝሰኣኑ ሰባት ከም ዘለዉ እውን ይነፍስ ኣሎ። ካልኦት ከኣ ኣልዩ ኣይሃልዩስ እንታይ ለውጢ ኣልዩዎ ኵሉ ሓደ’ዩ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን። ህዝቢ ብቕዋም ይኹን ብመምርሒ ዝፈልጦ ኣሰራርሓ መንግስቲ ስለዘይብሉ ፕረሲደንት ኣብ ዝሕብኣሉ ወይ ካብ ህዝቢ ኣብ ዝስወረሉ እዋን ንዕኡ ተኪኡ ዝሰርሕን ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዝወስድን ሰብ መንዩ? ንዝብል ሕቶ ግን ብዙሕ ጊዜ ትሓቲቱ መልሲ ኣይተረኽቦን። እቲ ኵነታት ስለዘሰክፈና ክኣ ኢና ብምድግጋም ንዛረበሉ።

ለባማት ወለዲ ብድሕሪ ሞቶም ደቆም ብውርሻ ከይስሓሓቡን ከይብኣሱን ብሂወቶም ከለዉ የመሓድሩዎም። ይውሓድ ይብዛሕ ንሶም ምስ ሞቱ ንዘለዎም ንብረት ብኸመይ ከም ዝማቐሉዎ እውን ከሎ ጌና ኣብ ጽሑፍ ብምስፋር ለበዋኦም የትሓላልፉሎም። ለባም መንግስቲ እውን ከምኡ ብድሕሪኡ ሃገር ከይትመቓቐልን ህዝቢ ከይፈናጨልን ከይስሓሓብን ከይይብኣስን እታ ሃገር ብኸመይ ንመጻኢ ወለዶ ብሰላም ከም ትመሓላልፍ ብቕዋምን ብሕግን ካብኡ ብዝነኣሰ ከኣ ህዝቢ ብዝፈልጦ መምሓደሪ መምርሒ ንዳሕረዋይ ወለዶ ከም ትሰጋገር መሰረት የንጽፍ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣይኮነንዶ ጽባሕ ንሱ ምስ ከደ ሎሚ መንግስቲ ኣሎ እናተባህለ እውን ክሳብ ክንደይ ተፈላልዩን ተጻሊኡን ተረሓሒቑን ከም ዘሎ ግሉጽ ኢዩ።

ነዚ ኵሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ከኣ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ክዋሳእን እዛ ብዙሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡላ ሃገር ቀጻሊ ሰላምን ፍትሕን ዝነግሰላ ክትከውን ክሰርሓሉን ክጽዕረሉን ተራእዩ ኣይፈልጥን። ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ህዝቢ ህላወ መራሕቱን ንጥፈታቶምን ከም ሓደ ዓቢ ኣገዳሲ ጕዳይ ምዃኑ ተረዲኡ ክስከፈሉን ክግደሰሉን ኣይትርእን እሞ የተሓሳስበካ። እቲ መንግስቲ ድዩ ንሃለዋት ህዝቡ ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እቲ ህዝቢ ኢዩ መራሒኡ ኣሎ ድዩ የሎን ኣብ ከባቢ ዓዲ ሃሎ ኮነ በጽዕን ብርካን ክሓትትን ክፈልጥን ሃለው ክብል ዘለዎ እውን ትዕዘብ እሞ ሞ ስግንጢር ይዀነካ።

ብዝዀነ ኣብቲ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ንምእታው እዞም ኣብ ላኦሊ ኣሳእሎም ንርኢ ዘሎና ብዓል መንዮም ስራሖምከ እንታዩ?ብዙሓት ዘይትፈልጡዎም ክትህልዉ ስለትኽእሉ በቲ ናይ ምልላይ ጕዳይ ክንጅምር። እቲ ብወገን የማን ዘሎ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ይበሃል። ፕረሲደት ሃገረ ኤርትራ ስለዝዀነ እሞ ስራሕን ሓላፍነትን ፕረሲደንት ናይ ሓንቲ ሃገር ከኣ ፍሉጥን ንጹርን ብምዃኑ ብዛዕባ ድሕሪ ባይትኡ ምጥቃስን ብዙሕ ምልላይን ዘድሊ ኣይመስለናን። እቶም ካልኦት ምስኡ ዘለዉ ከኣ ካቤነ ምኒስተራት’ይበሃሉ። ኣብ ሓላፍነት ሃገርናን ህዝብናን ዝነበሩን ዘለዉን ህዝቢ ዘይመረጾምን ንመብዛሕትኦም ዘይፈልጦምን ኢዮም።

ካብዞም ኣብዚ ስእሊ ንርእዮም ዘሎና ግን ገሊኦም ተሰዊኦም፡ ገሊኦም ካብ ሃገር ሃዲሞም ንስደት ከይዶም፡ ገሊኦም እውን ደስኪሎም ኢዮም። እቲ ቀንዲ ንሎሚ ክንዘራረበሉ መዲብና ዘሎና ጕዳይ ግን ናይቶም ዘየለዉስ ድሓን እቶም ዝተረፉኸ ብግቡእዶ ይሰርሑን ንፕረሲደንትና ኣብቲ ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ከምቲ ዝድለ ይሕግዙዎን ድዮም? ዝብል ኢዩ።

እቲ መልሲ እወ እንተዀይኑ ከኣ እሞ ፕረሲደንት ኢሳያስ ድኣ መሳርሕትን መማኽርትን እንድሕሪ ኣልዮሞ ንምንታይ ድኣ ንበይኑ ኰይኑ መሳርሕቲ ስኢኑ ክበሃል ዝስማዕ? መሳርሕቲ ካብ ሃለዉዎ እውን ንምንታዩ ኩሉ ጊዜ ንሱ ጥራሕ ንበይኑ ክምረርን ክውቀስን ንሰምዕ? ብድሕሪኡኸ ነታ ሃገር ብሰላም ከረጋግእን ኣብ ሰላምን ህዝባዊ ምርጫ ከብጽሕን ካብኣቶም ብቕዓት ዘለዎም ኣለዉናዶ? ብዓቢኡ ግን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ካቢነ ምኒስተራትን ካብ ሃለዉናስ ስለምንታይ ሎሚ ንላለዮም? ማለት ስለምንታይ ቅድሚ ሎሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንመሳርሕቱ ባዕሉ ዘየላለየና? ዝብል ሕቶታት ክህቢ ስለ ዝስማዕ እቲ መልሲ ህዝባዊ ግምባር ናይ ከምኡ ናይ መራሕቲ ምልላይ ባህልን ልምድን የብሉን ዝብል ኢዩ፡

ካልእ እውን እቶም ኣባላት ካቢነ ዝበሃሉ መሳርሕቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ እቶም ዝኸዱስ ከይዶም፡ እቶም ዝተረፉኸ ኣበይ ገጽና ንኸይድ ከም ዘሎና ይሓቱን ይፈልጡንዶ ይኾኑ? ወይሲ ከምዛ ናትና ኣብታ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝዝውራ ዘሎ ኣበይ ሃገር ከም ትወስደና ዘይንፈልጣ ኣውቶቡስ ምሳና ተሰቒሎም ከም ህዝቦም ኢዮም ዝጐዓዙ ዘለዉ? ዝብል ሕቶ’ውን ክመጽእ ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን።

ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይኑ ግን ንሕና ኮነ ንሶም ንፍለጥ ኣይንፍለጥ እታ ሃገር ከምቲ ኵላትና ደቂ ሃገር ዝሓለምናዮን ዝተጸበናዮን ዘይኰነትስ ከምቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝደልዮ ጥራሕ ትኸይድ ምህላዋ እንተዘይኰይኑ ንሶም እውን ዝፈልጡዎን ዝንገሮምን ዘሎ ኣይመስለናን። በዚ ኰይኑ በቲ ግን እታ ሃገር ኮነ ህዝባ ዋላ’ኳ ኣብ ክንክሕዶ ዘይግባእ ሕሱም ኵነታት እንተሃለወት ካብዚ ኣብ ደገ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ደምበ ተቓውሞ ዝበሃል መብዛሕትኡ ብጕዳይ ኤርትራ ናይ ስርዓት ወያነ እንደራሴ ኰይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ትካል እሞ ኣብ ውሽጡ ንርእዮን ንሰሞዖን ዘሎና ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣውራጃን ምፍንጫልን ምፍልላይን ድሒና እንተ ብፍቶት እንተብሓይሊ ንጊዜኡ ሓድነታ ዓቂባ ከም ሓንቲ ሃገር ትኸይድ ኣላ። ነዚ ከም ብልጫን መኽሰብን ቆጺሮም ብቕሳነት ተዛንዮም ዝነብሩን ነዚ ዘሎ መንግስቲ ክህሉ ዝምነዩን ዘመስግኑን ብፍታዎም ዘገልግሉን ደቂ ሃገር ከም ዘለዉና ከኣ ንዕዘቦ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።

እቲ ስኽፍታና ግን እዚ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ፕረሲደንት ኢሳያስን ካቢነ ምኒስተራቱን እውን ጽባሕ መዓልቶም ተጸብዮም ክኸዱ ኢዮም። እቲ ሕቶ እቲ መተካእታኦምስ መንዩ? ካበዩኸ ክመጽእ? ዝብል ኢዩ።

ወረ ሎምስ ብኸምዚ ዘሎናዮ ከይተሰማማዕናን ከይተሳነናን ንሕለፎ። ጽባሕከ ብድሕሪኡ ነቲ መንግስቲ ኣረጋጊኡን ነቲ ህዝቢ ኣተሃዳዲኡን ነታ ሃገር ዶባታ ሓልዩን ጸጥታኣ ኣኽቢሩን ንህዝቡ ብሓልዮትን ብቕዋምን ብሕግን ዘካይድስ ይትረፍ ዋላ ከምዚ ናቱ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ እናጸረፈ ድዩ እናገረፈ ዋላ ኣብ መንደቕን ማሕረስን እናውዓለ ድዩ ፈቲኹም ጸሊእኩም ዝበልኩኹም ትገብሩ እናበለ መሪሑን ሓድነታ ሓልዩን ከካይድ ዝኽእል ሎሚ መሰረት ዘይተነጽፎ መራሒ ኮነ ስርዓት በየንዩ ክመጽእ? ብሓይሊ ድዩ ብሰላማዊ ድሌት ህዝቢ ኢዩኸ ክፍጠር?

ብድሕሪኡኸ በየናይ ቅዋምን ኣገባብንዩ ብሓድነት ተጠርኒፍና ክንነብር? እዚ ናይ ብሓቂ ንደገፍቲ ወይ ዘይደገፍቲ መንግስቲ ዘይኰነ ነቶም ብሃገርናን ህዝብናን ንግደስ ኢና ንብል ደቂ ሃገር ብፍላይ ከኣ ነቶም ‘’ካቢነ ምኒስተራት’’ ዝበሃሉ ሰባት ከደቅስ ዘይግባእ ንዅላትና ብማዕረ ከሰክፍን ከሻቕልን ዘለዎ ጕዳይ ኢዩ። ንምዃኑ እዞም ካቢነ ሚኒስተራት ዝጽውዑ መሳርሕቲ ፕረሲደንት ኢሳያስከ ህዝቢ ስለዘይመረጾምን ዘይወከሎምን እቲ ኣብ ሓላፍነት ዘምጽኦም ሓለቓኦም ክጥርዞምን ከባርሮምን ከደስክሎምን እንተተራእየ ንህዝቢ ዝምልከት ድዩ? ክንሕግዞም ንኽእለሉ መንገዲኸ ኣሎናዶ?

ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስቲ መንግስቲ ዝራኸበሉን ዝመያየጠሉን ድምጹን ድሌቱን ዘስምዓሉን መስመር ስለዘይብሉ፡ ኣይኰነንዶ ንናቶም ንናቱ እውን ክፈልጥን ክፈትሕን ኣይከኣለን። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ብህዝቡ ዝምረጽን ኣብ ስልጣን ዝወጽእን መንግስቲ ገዲፍና ዋላ እቲ ብሓይሉን ብቕልጽሙን ብዝገበረ ገሩ ኣብ ስልጣን ዝድይብ እውን እንተዀነ መንግስቲ ኢዩ ዝጽዋዕ። በዚ ይኹን በቲ ከኣ ይንፋዕ ይሕመቕ ይኽፋእ ይጸብቕ ከኣ ነታ ሃገርን ህዝብን ተቘጻጺሩ ክሳብ ዝኸደ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት መንግስቲ ኢዩ። ነዚ እንድሕሪ ኣሚናን ተቐቢልናን ከኣ ፈቲና ጸሊእና እቲ ንኤርትራ ዘካይድን ዘመሓድርን ዘሎ መንግስቲ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ እውን ብዙሓት ደቂ ሃገር እኳ ዝቕበሉዎን ዝሰማምዑሉን እንተዘይኰኑ ንፍተዎ ንጽልኣዮ መንግስቲ ኢዩ።

ሓንቲ ሃገር መንግስቲ እንድሕሪ ዘይብላ ሃገር’ያ ንኽትብላ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። መንግስቲ ክበሃል ከሎ እምበኣር ዲሞክራስያዊ ኮነ ዲክታቶርያዊ ኣብ ሃገር ብጽቡቕ ይኹን ብኽፉእ የመሓድርን ሃገር ይቆጻጸርን ክሳብ ዝሃለወ መንግስቲ ከም ዝጽዋዕ ዘየጠራጥር ጕዳይ ኢዩ። ሓደ መንግስቲ – መንግስቲ ንኽጽዋዕ ከማልኦም ዝግብኦ ነገራት የለዉን ማለት ግን ኣይኰነን። ነቲ መንግስቲ ከጸውዖ ዝኽእል ክራተርያ ስለዘየማልኤ ካብ መንግስቲ ሓሊፉ ካልእ ስም ስለዘይተፈጥረ ግን ነቲ ብዛዕባ ኵነታቱ ኮነ ኵነታት ህዝቡ ከምኡ’ውን ኵነታት ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኮነ ኣብ ደገ ዝርከቡ ዜጋታቱ ብፍትሕን ብግሉጽን ዘይዛረብን ምስ ህዝቡ ዘይሕጐስን ዘይሓዝንን፡ ካብ ምስ ህዝቡ ኣብ በረኻን ኣብ ዘይምልከቶ ስራሕ መናድቕን ማሕረስን ዝውዕል ዘሎ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ከይተረፈ ዘይመረጽናዮን ዘይመረቕናሉን ክነስና ፕረሲደንት ኢልና ክንጽውዖን ክንዛረበሉን ናይ ግድን ኰይኑና ዘሎ።

እቲ ሕቶ ግን ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ክንብል ከሎናኸ እዞም ከምቲ ናቱ ህዝቢ ዘይመረጾምን ዘይወከሎምን እሞ ፕረሲደንት ኢሳያስ እንተደለየ ዝሰቕሎም እንተዘይደለየ ዝሰጎም እንተደለየ ዘደስክሎም እንተጸልኤ እውን ዝኣስሮም፡ ስርሖምን ሓላፍነቶምን እንታይ ምዃኑ ንህዝቢ ዘይተነግሮን ዘይፈልጦምንከ ኣካላት ናይቲ መንግስቲ ድዮም? ጽባሕ ሕግን ፍትሕን ምስ ተረኽበ እሞ እቲ መንግስቲ ብዝገበሮ ጌጋታት ኮነ ምዕባሌኸ ክሕተቱሉ ክንኣዱሉ ኮነ ክኽሰሱሉ ይኽእሉ ድዮም? ኣይግበረሎም እምበር ከምኡ እንተኰይኑ’ሞ ብኽልቲኡ ይውጽዑ ኣለዉ’ሞ ብጣዕሚ የሕዝኑኒ።

ብዛዕባ ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን ግን እቲ ዝኸፍኤ ናይ ሎሚ ዘይኰነ እቲ ናይ ጽባሕ ከይከውን ዘሰክፍ ኢዩ። ምኽንያቱ ሎምስ ዋላ ህዝቢ እናተሰደን እናጸነተን እቲ ዝተረፈ እናጠመየን ብጓሂ ተዀርምዩ እናሓደረን ክንሱ ሃገር ስለዘላትና ሳላ ቲቪ ኤረን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራን በብዓይነቱ ደርፍታትን ጓይላታትን እናተገብረ ብዛዕባ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝተገብረ ጅግንነትን ዓወትን ገድሊ ኤርትራ እናተመገብናን እናተጸናናዕናን እናተጅሃርናን ንነብር ኣሎና። እዚ ግን ታሪኽ ኰይኑ ዝነብር እምበር ንሽግራትና መፍትሒ ኰ`ይኑ ንጽባሕ ኣብ ራህዋን ሰላምን ዘብጽሓና ኣይኮነን።
ኣብዚ ኵሉ ጸገም ወዲቕና ከሎና ግን መንእሰይ ኤርትራ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘምጽኦ ዘሎ ዕቤትን ምዕባሌን ሃገሩ እናተማህረ ኤርትራ ትብሃል ዓዲ ጀጋኑን ዓዲ ይከኣሎን ዋርሳይን ዝዀነት ማንም ክደፍራን ክትንክፋን ዘይክእል ብምንም ትኣምር ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ገጻ ክትምለስ ዘይትኽእል ልዑላዊት ሃገር ከም ዘላትና እናተማህረን እናትሓበነን ነቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግርን መወዳእታ ዘይብሉ ዕስክርና ኮነ ካልእ ጸገማት ክጽመሞን እዚ ሓድሽ መንእሰይ ወለዶ ብሕሉፍ ታሪኽ ጅግንነት ስድራ ቤቱ ተጸናኒዑ ንሃገሩን ንመንግስቱን ንምግልጋል ከይጸልኦ ብሓጐስ ይነብር ከም ዘሎ እውን ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ካብ ምግላጽ ኣየዕረፋን። እዚ ከኣ ሳዕቤናቱ ከቢድ ኢዩ።

እቲ ሕቶ ከኣ ወረ ናይ ሎምስ ድሓን ጽባሕከ? ዝብል ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት እዚ ሎሚ ሒዙና ዘሎ ርጉም ስርዓት እንተኸይዱ ኵነታት ባዕሉ ክቕየር ስለዝዀነን እቶም ሰብ ዓቕምን ክእለትን እውን ካብቲ ትሓቢኦሙሉ ዘለዉ ጕድጓዳት ወጺኦም ኣሎና ክብሉ ስለዝዀኑን ጥራሕ ነዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ንኣልዮ እምበር ኣብ ዓለም ካብዚ ዝኸፍእ ስርዓት ክፍጠር ስለዘይክእል ብዛዕባ ናይ ጽባሕ ብዙሕ ክንስከፍን ክንፈርሕን ኣይግባኣናን ብሃልቲ ኢዮም። ነዚ ብዝያዳ ንኸብርሁዎን ንሰብ ከእምኑሉ ካብ ዝጠቕሱዎም ምኽንያታት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሕሉፍ ዝዀነ ተመክሮን ምስትውዓልን ዘለዎ፡ ብቐሊል ነገራት ክገራጮን ክፈናጨልን ነንሓድሕዱ ክዋጋእን ዘይክእል፡ ለባም ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ከምዚ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም ብዓል ሩዋንዳ፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ዩክሬን ነንሓድሕዱ ብሃይማኖት ይኹን ብዓሌት ክፈላለን ክገራጮን እውን ዘይሕሰብ ኢዩ ብማለት ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝቢ ዓለም ዝተፈልየን ዝማዕበለን ስልጡን ለባም ህዝቢ ምዃኑ የረጋግጹ።

እቲ ሓቂ ግን ንሱ ድዩ? ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን ካብ ካልኦት ህዝቢ ዓለም ዝተፈለናን ዝሰልጠናን ዝለበምናን ህዝቢ ዲና? ነናትና እምነትን ሚዛንን ክህልወና ይኽእል ኢዩ። እቲ ሕቶ ግን ፕረሲደንት ኢሳያስን ካቢነ ምኒስትራቱን ከምቶም ኵሎም ዝሓለፉ ብጾቶም ነዛ ሃገር ኣብ ምንታይ ኵነታት ገዲፎማ ክኸዱ ኢዮም? ዝብል ሕቶ ኢዩ። እሞ ወረ ንሶምሲ ኣይሓሰቡን ንሕናኸ ክሳብ ኣብዛ ጐልጐል ራሕሪሖሙና ዝኸዱ’ሞ ነንሓድሕድና ንባላዕ ዲና ክንጽበ ወይሲ ሎሚ ክበሃልን ክግበርን ዝኽእል ነገራት ኣሎ? ናይ ኤርትራ መጻኢ ኵነታት ከኣ ኣበይ ገጹ ይኸይድ ከም ዘሎ ኣይ ካብቲ መንግስቲ ኣይ ካብቶም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣይ ካብ ህዝቢ ሕድነት ህዝቢ መሰረት ዝገበረ ህጹጽ መፍትሒ ክርከበሉን ጻዕሪ ክካየደሉን ይርኤ ስለዘየሎ ብዙሕ ዘሰክፍን ዘትሓሳስብን ኢዩ። እቲ ተስፋ ዝህብ ግን ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣይትዓወት እምበር ከይትሓለለን ተስፋ ከይቆረጸን ንድሕነት ሃገሩን ህዝቡን ክቃለስ ደው ከም ዘይበለን ሓደ መዓልቲ ክዕወት ምዃኑን ዘይተርፍ ምዃኑን ኢዩ።

ዓወትን ሰላምን ንህዝብና
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ
ሰላም ቅነ

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in