PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
እቲ “ተቓወምቲ” ዝብል ስም ነዚኣቶም እውን ዘጠቓልል እንተዀይኑ ከኣ ንሕና ተቓወምቲ ኣይኮናን።
ኣወሃሃዲን ኣቕራብን መደብ ቀለታ ኪዳነ | Dec 31, 2016 | meskerem.net
መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 12
መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 12 ኣወሃሃዲን ኣቕራብን መደብ ቀለታ ኪዳነ
ኣቐዲምና እዚ ሎሚ ነቕርቦ ዘሎና መደብ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ዓመተ 2017 ንኣትወሉ ዘሎና እዋን ብምዃኑ ንዅሎም ኣብ ርሑቕን ቀረባን ዘለዉ ደቂ ሃገር ርሑስ ብዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ክገብረልና ከምኡ’ውን ንዅላትና ደቂ ሃገር ፖለቲካዊ ኮነ ሃይማኖታዊ ዝንባሌና ብዘየገድስ እዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት 2016 ነቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምሉእ ዓለም ኣትዩ ዘሎ ጸገማት፡ ፍልልያት፡ ጽልኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ስእነት፡ ስደት፡ ጓሂ፡ ሞት፡ ሒዚዎ ክኸይድን እዚ ንኣትዎ ዘሎና 2017 ዓመት ከኣ ዓመት ሰላም፡ ፍቕሪ ፡ሓድነት፡ ምክብባር፡ ምትሕልላይ፡ ከምኡ’ውን ዓመት ምትሕድዳግን ምርድዳእን ኰይኑ መንግስቲ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ልብን መንፈስን ክሰኵዑ እሞ ዅላትና ኣብቲ ንደልዮን ንረብሓ ኵልና ዝዀነን ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ክንበጽሕ ብልቢ ንምነ።
ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር ከመይ ወሪሕኩም?
ከመይ ወሪሕኩም ምባልና ዳርጋ ብዝተፈላልየ ምኽንያት በቲ ከነቕርቦ ዝጸናሕና መደብ ሓቅን ብጋህድን ከይተራኸብና ብምውራሕና ኢዩ። ብዙሓት ተኸታተልቲ መደብና ብምድንጓዩ ከም ዝተሻቀሉን ብዝተፈላልየ መንገዲ መራኸቢታት ከም ዝረኸቡናን ዝሓተቱናን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብመንገዲ መስከረም ነት ኵነታትና ንምፍላጥ ከም ዝተኸታተሉን ዝሓተቱን ከም ዝበጽሓናን ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት መደንጐዪና ከኣ ብዘይካ ተክኒካዊ ካልእ ከቢድ ዘሰክፍ ኵነታት ከም ዘይነበሮ እናሓበርና ንዅልኹም እቶም ንህላዌናን ኵነታትናን ንምፍላጥ ዝሓተትኩምን ዝተገደስኩምን ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ። ከምኡ’ውን ምኽንያት መደንጐይና ብእዋኑ ዘይምሕባርና ካብ ልቢ እቕሬታ ንሓትት።
መደብና ኣብ ምሉእ ዓለም ብኣሽሓት ሰማዕትን ኣንበብትን ተኸታተልትን ከም ዘለዉዎን ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ምዃኑን ባዕሉ እቲ እዋናዊ ተክኖሎጂ ብግልጺ ስለዝሕብሮ ሎሚ ኣብ ወጻኢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ብዙሓት ሰማዕትን ተኸታተልትን ከም ዘለዉና ማንም ሰብ ኮምፒተሩ ጠዊቑ ክፈልጦን ከረጋግጾን ዝኽእል ሓቂ ስለዝዀነ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክንድዚኦም ተኸታተልቲ ምርካብና መደባትና ንህዝብና ክስዕቦን ክከታተሎን ኣገዲሱዎ ምህላዉ ንዓና ዓቢ ጭብጢን መተባብዕን ኰይኑና ኣሎ። ዝዀነ ይኹን ጸገማት የጋጥመና ከኣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ግዳም ንህዝብና ጨኒቑዎ ዘሎ ናይ ሓቀኛ ሓበሬታ ምርካብን ናይ እቲ ሓቅን ጭብጥን ዘለዎ ኵነታት ብጋህዲ ብዘይ ፍርሕን ስኽፍታን ዝርከበሉን ዝዝረበሉን ኵነታት ክሳብ ዝርከብ ከኣ በታ ዘላትና ንእሽቶ ዓቕሚ ጕልበትናን ዓቕምናን ጊዜናን ካብ ህዝብና ከም ዘይንበቆ ነረጋግጽ።
ከምቲ ኣቐዲምና ብምድግጋም ዝሓበርናዮ ተበግሶ መደብና ነቲ ህዝብና ብቐሊሉ ክደፍሮ ዘይክእል ንመንግስቲ ኮነ ንተቓወምቲ ዝግበር ነቐፌታ ንሕና ዝወረደ ይውረደና ክንደፍሮን ነቲ ሓቂ ንብሎን ሓቂ ምዃኑ ህዝቢ ዝፈልጦን ዘይፈልጦን ብጋህዲ ንምድርጓሕን ንህዝቢ ንምትሕልላፍን ኢዩ።
ብፍላይ ከኣ እቲ ሓላፍነት ወሲዱ ንህገርን ህዝብን ዘመሓድርን ዘካይድን ዘሎ መንግስቲ ብምዃኑ እቲ መንግስቲ ክገብሮ ዝርኤ ንህዝብና ክጐድእ ይኽእልዩ ንብሎ ጌጋታት ግልጺ ብዝዀነ ንምቅላዑን ንኽእረም ጸቕጢ ንምግባርን ኢዩ። እዚ ማለት ሃገርና ብፍትሕን ብቕዋምን ብባይቶን ክትመሓደር እሞ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ቅሳነትን ክሰፍን፡ ስለንደሊ እምበር ካልእ ፍሉይ ዓላማ ወይ ምስቲ ብደቅና ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ብብዙሕ መስዋእቲ ዘምጻእናዮን ዝተኸልናዮን መንግስቲ ጽልኢ ስለዘሎና ኣይኮነን። ዝዀነ ዜጋ ንመንግስቲ ይፍተዎ ይጽልኣዮ ኣብ ሃገሩ ብነጻን ብዘይ ፍርሕን ክመላለስ፡ ከም ንደሊ ኣይንሓብኦን። ሃገር ብሕጊ ትመራሕ እምበር መን ይመርሓ መን የመሓድራ ግን ንዓና ዝምልከት ጕዳይ ከም ዘይኮነ ንኣምን።
እቲ ምስ ገለ ካልኦት ተቓወምቲ ዝፈላልየና ከኣ እዚዩ።
እቲ ንሕና ንገብሮ ጐስጓስ ህዝብና ተሰማሚዑን ተላዚቡን ኵላትና ዜጋታት ኤርትራ ፖለቲካዊ እምነትናን ሃይማኖትናን ብዘየገድስ ብሰላምን ብፍቕርን ብፍትሕን ንነብረላ ዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምምስራት ኣሽንካይዶ ዓቕሚ ዘይብልና ዋላ ዓቕሚ እንተዝህሉ’ውን ካልእ ዝሓዝናዮ መተካእታ ዘይብልና ነቲ ዘሎ መንግስቲ መንቍስካ ነታ ብመስዋእትን ብተወዳዳሪ ዘይነበሮ ቃልስን ህዝቢ ዝመጸት ሃገር ንዋያን ንጸላእትን ኣሕሊፍካ ንምሃብ ስለዘይኮነ ከም ኣበሃህላ እውን ተቐባልነት ዘለዎ ኣይኮነን።
በቲ ካልእ ውገን ከኣ ሎሚ ኣብ ሃገርና ድምጺ ጥይት ስለዘይተሰምዔ ጥራሕ ሃገር ብጣዕሚ ቅስንቲ ህዝቢ እውን ኣዝዩ ሕጉስ ምህላዉ ብልቦም ዘይኮነ ብመልሓሶም ዝልፍልፉ ንሃገር ዝያዳ ህዝቦም ከም ዝሓልዩላ ኣምሲሎም ዝገልጹን ሕልንኦም ዝሸጡን ደቂ ሃገር ከም ዘለዉ ንርእዮምን ንሰምዖምን ኣሎና። እወ ኣብ ሃገርና ናይ ሕድሕድ ምቅትታልን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ምውጣጥን ዘይምህላዉ ዘየሓጕስ ኣይኮነን። እዚ ግን ምስቲ ህዝብና ኣብ ምሉእ ዓለም ዝረኽቦ ዘሎ ጸገማት ኣረኣኢኻ ህዝብና ሕጉስ ኣሎ ንምባል ዘኽእል ኣይመስለናን።
እወ ሰላም ርእዩ ንዘይፈልጥ ህዝቢ እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብጠበንጃ ወይ ብስለያ ዝሕሎ ሰላም ጽቡቕ ክመስሎ ይኽእልዩ። ከምቲ ህዝብና ዝደልዮን ዝተጸበዮን ዝተቓለሰሉን ብመንገዲ ሰላም ሰሪሕናሉ እንተንኸውን ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ናይ ናጽነት ዓመታት ሃገርና ኣብታ ዝተነበናያ ሲንጋፖር ክትበቅዕ ትኽእል ከም ዝነበረት ንምፍላጡ ግን ብዙሕ ናይ ሳይንስ ወይ ታሪኽ መርመራ ዘድልዮ ኣይኮነን።
እቲ ዘሕዝን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግን መንግስቲ ሓሲሙዎስ ካብኡ ዝሓይሽ እጆኹም ኣነ ኣሎኹ ዝብል ኣብ ወጻኢ ንሃገርን ህዝብንሲ ይትረፍ ንባዕሉን ንውድቡን ብቕንዕናን ብፍትሕን ብፍቕርን ክመርሕ ዝኽእል ተቓዋሚ ውድብ ወይ ፓርቲ ዘይምህላዉ ኢዩ። እዚ ማለት ኣብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲድካ ሃገርን ህዝብን ከተመሓድር ይከኣልዩ ንማለት ዘይኮነ ሎሚ ኣብዚ ሕሱም ጽንኩር ኩነታት ነዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ተበቲኑ ዘሎ ህዝቢ ኣሎናካ ብምባል ክጥርንፉን ክእክቡን ዘይከኣሉ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ትሓቢኦም ናይ ቀደም ታሪኾምን ጅግንነቶምን ፍትሓውነቶምን ብምግላጽ ናይ ሎሚ ግስርጥና ምምሕዳር ከዘንትዉ ዝውዕሉ መራሕቲ ወይ ካድራት ሰውራ ነበር ግን ውሑዳት ከም ዘይኮኑ ንሰምዖምን ንዕዘቦምን ከም ዘሎና ዝስሓት ኣይኮነን።
ብወገንና ነቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኣመሓዳድራን ኣከያይዳን ዘይንሰመምዓሉን ዘይንድግፎን ንኹን እምበር ከምቶም መንግስቲ ኤርትራ ክጠፍእ ኣለዎ፡ ሻዕብያ ዝበሃል ፍጥረት ቀደም ሽፍታ ነሩ ሎሚ ሽፍታሎ ክምንቈስ ኣለዎ፡ ኤርትራ ናጻ ኣይወጸትን ገና ኣብ መግዛእቲ ዘላ ሃገር ኢያ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጌጋ ኢዩ ነሩ፡ ተጋደልቲ ሻዕብያ ናይ ሓደ ሰብ ዓሳክር ኢዮም ነሮም። ስዉኣት ሽፍታ ንምግልጋል ዝተሰዉኡ ኢዮም ። ክብረትን ዝኽርን ዝግብኦም ኣይኮነን ምስ ዝብሉ ተቓውምቲ ዘሎና ፍልልይ ከኣ ካብቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዘሎና ፍልልይ ኣዝዩ ዝዓበየ ኢዩ።
እቲ ተቓወምቲ ዝብል ስም ነዚኣቶም እውን ዘጠቓልል እንተዀይኑ ከኣ ንሕና ተቓወምቲ ኣይኮናን። ደገፍቲ ህዝቢ እምበር ደገፍቲ መንግስቲ እውን ስለዘይኮና ግን ንዓና ዝኸውን ስም ንምርካብ ሃሰው ኣብ ምባል ንርከብ ከም ዘሎና ክንሓብኦ ኣይንደልን።
ገለ ካባና ነታ ደለይቲ ፍትሒ ትብል ቃል ዘይንቕበላ ብሃልቲ ኢዮም። እንተዀነ ግን ፍትሒ ዝገብር እምበር ፍትሒ ዘይደሊ ስለዘየልቦን ዋላ እቲ ንሃገርን ንህዝብን ጠሊሙ እከይ ክገብርን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ህውከት ክጽሕትርን ዝውዕል ዘሎ ተቓዋሚ ኢየ ዝብል እውን እንተዀነ ንነብሱ ከም ደላይ ፍትሒ እምበር ከም ካልእ ስለዘይቆጽራን ንነብሱ ደላይ ፍትሒ ክጽውዓ ይውዕል ስለዘሎን እዚኣ’ውን ካብቶም ጠለምትን ፈላለይቲ ወገናውያንን ገበርቲ እከይን ትፈልየና ኰይና ኣይረኸብናያን።
ሎሚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝመርሑ ዘለዉ ስኣን ዓቕሞም ድዩ ብተንኮሎም ህዝቢ ብሕግን ፍትሕን የመሓድሩዎ ከም ዘየለዉ ካብ ቤት ትምህርትን ሆስፒታላትን ቤት ማእሰርትታት ይበዝሕ ከም ዘዀነ ብዙሕ ጊዜ ክዝረብን ክጽሓፍን ንዕዘቦ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ዝተኣስረ ክኣቱ እምበር ከም ‘’ዳስ ሓውያ’’ ክወጽእ ከም ዘይርኤ እውን ንርእዮን ንዕዘቦን ምህላውና ዘይስሓት ኢዩ። ኣብ ሃገር ስርቅን ጉቦን ሳዕሪሩ ጥራሕ ዘይኮነ ግስርጥና ምሕደራ ፈሊሑ ከም ዝገረርን ዝፈሰስን እውን ምስጢር ኣይኮነን። ኣብ ሃገር ዘሎ ምሕደራ ኣይኮነንዶ ንዓና ንሰብ ማዕዶ ነቶም ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ሰበስልጣን እውን እታ ተሲቒሎማ ዘለዉ ኣውቶቡስ ኣበይ ከም ትወስዶም ከም ዘይፈልጡ ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ጕዳይ ኢዩ።
ናይዚ ኵሉ መበገስን ጠንቅን ምኽንያትን ከኣ ፍትሓዊ ምሕደራ ዘይምህላው ኢዩ።
መንግስቲ ኣብ ሃገር ስለምንታይ ፍትሓዊ ምሕደራ ከም ዝህሉ ዘይገብር? ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ክምልሱ ከለዉ ፍትሒ ንኸተተግብር ፍትሓዊ ክትከውን ኣሎካ። ብነብስኻ ዘይትጅምሮ ፍትሓውነት ግን ኣብ ታሕቲ ጥራሕ ክሰርሕ ኣዝዩ ከም ዘጸግም ከኣ ይገልጹ።
እቲ ጸገም ሃገርና እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝተመራመርናሉ ጊዜ ንብዙሓት ገዳይም ተጋደልትን ዓበይቲ ዓድን ሓቲትና ኣብ ባህሊ ህዝባዊ ግምባር ተጋጊና ኢልካ ምእማን ነውሪ ምዃኑ’ዮም ኣዕሊሎምና። ነቲ ዘጋጠመ ጌጋታት ርእዩን ኣስተባሂሉን እዚኣ ተጋጊና ኔርና ኢሉ ምስ ፈላጣትን ክኢላታትን ደቂ ሃገር ተመያይጡን ተማኺሩን ክልወጥን ክመሓየሽን ተጋጊና ምባል ፈውሲ ናይ ሓደ ጌጋ ምዃኑ ዘይኣምንን ዘይቅበልን መንግስቲ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንሃገሩን ህዝቡን ከይለከመ ከም ዘይተርፍ ዝተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ ብማለት ከኣ ስግኣቶም የረጋግጹ።።
መንግስቲ ኤርትራ ንዝሓለፈ ኮነ ንዘሎ ጌጋታት ኣሚኑን ተቐቢሉን ምስ ህዝቡ መፍትሒ እንተዘይረኺቡሎም ከኣ ንኸዶ ዘሎና መንገዲ ኣዝዩ ኣስጋእን ኣሰካፍን ምዃኑ ይኣምኑ። ህዝቢ
ኤርትራ እውን ስቕታ ምምራጹ ጽባሕ እታ ጸገም ከም ዘይትሓልፈሉ ይሕብሩ። መራሕቲ ተጋጊና ነርና ሎሚ ንዑ መፍትሒ ንርከብ ምባል መኽበሪኦም እምበር መዋረዲኦም ከም ዘይኮነ ካብ መራሕቲ ሃገራት ጐረባብቶምን መራሕቲ ሃገራት ዓለምን ክምሃሩ ዘይምኽኣሎም ከኣ ኣዝዩ ይገርም። ሃገር ከምዚ ዘላቶ ምኣዝኑ ዘይፍለጥ ሕንፍሽፍሽ ምምሕዳር ክሳብ ክንደይ ዕድመ ክህልዋዩ ግን ዘሰክፍ ኢዩ።
ሎሚ መንግስቲ ንሃብታማት ሲቪል ኮነ ወትሃደራት እዚ ሃብትኹም ካበይ ኣምጺእኩሞ ምባል ጀሚሩ ኣሎ ንሰምዕ። ምናልባት ንገለ ነገሮም ዝደለየ ከጥቅዖም ይኽእል ይኸውን። ነዚ ኵሉ ናይ ምስራቕ ዕድል ዘለዎን ስርቂ ዝለመደን ብፍላይ ብዓል በትሪ እንተዀይኑ መንግስቲ ተቘጻጺሩ ክእርሞ ዘለዎ ዕድል ግን ብርእይቶና ጸቢብ ኢዩ።
ሰብ ሕግን ትሓታትነትን እንተዘይፈሪሑ ብተፈጥሮኡ ስሱዕ ጉኑፍ ኢዩ። ተቖጻጻርነትን ትሓታትነትን ዘይብሉ ምሕደራ ፈጢርካ ንወዲ ሰብ ክትቆጻጸሮ ከኣ ኣብ ዓለም ፍጹም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን’ዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ወዮ ግዳ ዝስረቕ ቦታ ኣይህቡዎን ኢዮም እምበር ብፍላይ ኣብ ኣገልግሎት ተመዲቡ ዝሰርሕ ሰብ ንሓንቲ መዓልቲ ኣምሲሓ ዘይተድርር ደሞዝ እናተኸፍለ ሰሪቕካ ወይ ጉቦ በሊዕካ ኢልካ ክትውንጅሎ ግፍዒ ኢዩ። ‘’ካብ ክፉእ ዝገብሩኻ ክፉእ ዘልምዱኻ’’ ከም ዝበሃል ሎሚ ኣብ ሃገርና ትኣታትዩ ዘሎ ስርቅን ጉቦን ምህላዉ ዘይኮነ እቲ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘይነበረ ረሳሕ ባህሊ ምትእትታዉ ኢዩ። እቲ ብጽፈቱን ብሕልናኡን ዓመጽን በለጽን ሓጥያትን ዘይፈቱ ዝነበረ ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ወዲቑ ኣሎ ክትሰምዕ ከኣ ብፍላይ ነቶም ናይ ዕድመ ጸጋ ዘሎና ክንቅበሎስ ኣዝዩ ይኸብደና ኢዩ።
ሎምቅነ ሓደ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት መንእሰይ ብሰንኪ ገንዘቡ ካብ ኡጋንዳ ተወሲዱ ኣብ ኬንያ ከም ዝተቐትለ ሰሚዕና። እዚ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ዕድመ ጥራሕ ዝነበሮ ኤርትራዊ መንእሰይ ብሚልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ እሞ ከኣ (ዩሮ) ምዓስ ሰሪሑ ኣከቦ? ሓደ ካብቲ ንህዝብና ከዛርብ ዝስማዕ ዘሎ ወረ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ስልጣን ዘላቶ እውን ሰለስተ ኣንስትን ሰለስተ መካይንን ዘይብሉ ትከሰስ’ዩ ክበሃል ንሰምዕ።
ነዞም ካብ ወጻኢ ንሃገርና በጺሖም ዝምለሱ ሰባት ኣብ ሃገርና ሰብ ብኸመይ ከም ዝነብር ኣዝዩ ይገርሞም ኢዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ኣብ ሃገርና ባኒ ዘይኮነስ ገንዘብዩ ዝብላዕ ይብሉ። እቲ ቀደም ጋር ነብሲ ዝብሃል ዝነበረ ሽሕ (1000.00) ሎሚ ኣብ እንዳ መግቢ ኣጥፊእካዮ ከም ትምለሰ ሰበይቲ እውን ብሓደ ሽሕ ንስድራ ቤታ ዝኸውን መግቢ ዘምቢል ከም ዘይትመልእ ይገልጹ።
እቲ ሓበሬታ ንብዙሓት ሓቲትና ሓቂ እምበር ሓሶት ዝብል ኣይሰማዕናን። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ኣብዛ ሰብ ከም ድላዩ ዘይነግደላን ዘይሰርሓላን ሃገር ብኸመይ ይነብር ኣሎ? ኣዝዩ ኣስደማሚ ኢዩ።
ከም ዝብሉዎ ገንዘብ ንዘለዎ ኣስቤዛ ንምግዛእ ጸገም ከም ዘየልቦ ይዛረቡ። እቲ ጸገም ግን ገንዘብ ካበይ እንታይ ሰሪሕካ ይምጻእ?
መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘሎና እውን ብምኽንያት ሸርፊ ይቐጽዓና ኣሎ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም። 50 ወይ 60 ናቕፋ ትሽረፍ ዝነበረት ዶላር መንግስቲ ስለዝተቖጻጸሮ ሎሚ ኣብ ደገ ብጸሊም ኮነ ቀጠልያ ምሽራፍ ስለዘየልቦ ዶላር ኣብ 20 ናቕፋ ወሪዳላ ይብሉ። እቲ ቀንዲ ጕድኣት ግን ኣብ ዕስራ ምውራዳ ዘይኮነ ኣስቤዛ ስለዘይሓሰረን ብዕስራ ናቕፋ ክትገዝኦ ትኽእል ቍምነገር ዘለዎ ነገር ስለዘየልቦን ኢዩ እውን ይብሉ።
መንግስቲ ኵነታት ፋይናንስን ናይ ወጻኢ ሸርፍታትን ክቈጻጸርን ሕጋዊ መንገዲ ከትሕዞን ግቡእ ምዃኑ ይኣምኑ። ውሳነ መንግስቲ ንዓቕምን እቶትን ህዝቡ ዘይቃዶን ንጕድኣቶም ዘይጥንቀቕን ብመጽናዕቲ ዝካየድ ኣይኮነን ስለዝብሉ ግን ብጣዕሚ ይጕህዩ።
እቲ ዝገርም ግን ይብል ሓደ ሎምቅነ በጺሑ ዝመጸ ሰብ፡ ሰብ ብማይን ብመብራህትን ክሳቐ እንተዘይኰይኑ ካበይ ኣምጺኡ ክበልዕን ክሰትን ከም ዝርኤ ብጣዕሚ ይገርሞ። ከም ኣበሃህላኡ ኵነታቱ ንምርዳእ ክሳብ ዘጸግሞ ኣዝዩ ከም ዝተደናገረ ይሕብር። ንሕና ዶላራት ሒዝና ኣቲና ምኽኣሉ እናስኣንና ንሱ በተን ንሰምዔን ወይ ሰብ ዝፈልጠን እቶቱ ብኸመይ ተደሪሩ ከም ዝሓድር ይገርመኒ ከኣ ይብል። እዛ ሃገረ ኤርትራ ብኸመይ ትነብር ከም ዘላ ኣዝዩ ይገርሞ እሞ እቲ ነዛ ሃገር እዚኣ ኣቡነ ፍሊጶስ ባሪኾማን መሪቖማን ዝብሃል ሓቂ ምዃኑ ኣሚነ ብማለት ይምስክር።
ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት ዓለም ዝነብር ህዝብና ሃገራቶምን መንግስታቶምን ይበርኮ ነቲ ክሰርሕ ዝኽእል ዓቕምን ክእለትን እንተልዩዎ ናይ ስራሕ ዕድል ክፉት ኢዩ። ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ክሰርሕ ንዘይከኣለ ከኣ ንቐለቡን ንመንበሪኡን ንትምህርቲ ደቁን ዝሓሊ መንግስቲ ኣለዎ። እዚ ኰይኑ ዋላ እቲ ኣብ ዝለዓለ ናብራ ዝነብር ህዝብና ካብቲ ጽቡቕ ናብርኦም እታ ድኽነት ሃገሩን ፍቕሪ ህዝቡን ከም ዝናፍቕ ግን ሓሶት ኣይኮነን።
ስለዝዀነ ከኣ ህዝብና ካብዚ ነንሓድሕዱ ብሃይማኖት ብዓሌት ብኣውራጃ ብውድብ ክባላዕ ዝውዕል ዘሎ ናብራ ደምበ ተቓውሞ ምስማዕ ንሃገሩ ገጹ ክሃድም ኣይምጸልኤን። ንዓዱ ገጹ ቍሊሕ ከይብል ግን እቲ መንግስቲ እውን ከምዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ኣይብላዕ ኣይስተ ኰይኑና ኵሉ ወዮ ኰይኑ ብማለት ከኣ መፍትሒ ጸገም ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ደገ ተባዕ ሰላማዊ ፍታሕን ለውጥን ሰላምን ከምጽእ ዝኽእል ምስኣኑ ኣዝዩ ሓርቢቱዎ ይርከብ ኣሎ ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን።
እዚ ኵሉ እናዀነ ግን ከም ህዝቢ ኤርትራ ገሩ ሃገሩ ዝፈቱን ዝናፍቕን ሰብ ከም ዘየልቦ ብዙሓት ክትንትኑ ትሰምዕ። ምኽንያቱ ንኽትፈልጥ ምስ ትመራመር ከኣ እቲ ንኤርትራዊ ሃገሩ ዘፍትዎ ሃገሩ እውን ትፈትዎ ስለዝነበረት ኢዩ። ማንም መንእሰይ ክዓቢ ከሎ ፍቕሪ ናይ ኣቡኡን ኣደኡን ጥራሕ ኣይኮነን ዝረክብ ነሩ። ሓወቦታቱ ኣሞታቱ ሓትኖታቱ ኣኮታቱ ጐረባብቱ ደቂ ዓዱ ደቂ ወረዳኡ ደቂ ኣውራጃኡ ደቂ ሃገሩ እውን ኵሎም ከም ውላዶም ይፈትዉዎን ይከናኸኑዎን። እዚ ፍቕርን ሕውነትን እዚ እናርኣየን እናተመገበን ስለዝዓቢ ከኣ እቲ ሎሚ ኣብ ስደት ክረኽቦ ዘይክእል ፍቕርን ሓልዮትን ሃገሩን ህዝቡን ይናፍቕ እሞ ሃገሩ ይዝክርን ብምስዳዱ ይሓዝንን ከይቀሰነ ይነብርን።
ብፍላይ ብዙሓት ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ንሃገሮም ክገሹን ምስ ህዝቦም ክረኣኣዩን ዘይክእሉ ደቂ ሃገር ከኣ ብጣዕሚ ከስቈርቍሩን ክሓዝኑን ትሰምዕ። ብሂወቶም ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ ሬሳኦም
ከይተረፈ ሓመድ ዓዱ ዝተነፍጎ ከም ዘሎ ክትዝክር ከሎኻ ከኣ የስደምመካ። ብሂወት ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ ገለ ሬሳታት እውን ኣብ ጕድጓድ ተቐሚጡ ለውጢ ይጽበ ምህላዉ ከኣ ስዉር ኣይኮነን።
ንብዓል ናይዝጊ ክፍሉ ዘይኮነት ሃገር ኢልካ ከኣ ትጸናናዕ።
ኣብ ቀብሪ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ብጓሉ ዝተገብረ መደረ ክትሰምዕ ከሎኻ ከኣ ሕሉፍ ታሪኽ ሂወቱ ብዘየገድስ ንምግራም ምግራም ትውስኸሉ ንሓዘን እውን ሓዘን ትድርበሉ።
ንሳ ኣቡኣ ንዓዱ ከይዱ ክቕበር ክሳብ ነስመራ ዝኣክል ገሻ ስለ ዘይሰለጣ ኣብ ቀብሩ ‘’ኣቦይ ኣብ ዝሰለጠና እዋን ንዓዱ ከይዱ ክቕበር ስለዝዀነ ንሎሚ ኣብ መጽንሒ ጕድጓድ ክጸንሕ እምበር ክቕበርን ብሓመድ ክድብደብን ኣይኮነን። ስለምንታይ ንዓደይ ዘይከድኩ ከይብልን ኣብ ዓዱ ከም ዘሎ ክኣምንን ክቐስንን ግን እዘን ኣብ መንዲል ቆጺረ ካብ ዓድና ዘምጻእኩወን ሓመድ ኣብ ትርኣሱ ክጸንሓ ኢየን’’ ብማለት ነተን ካብ ኤርትራ ዝተማልኣተን ሓመድ ኣብ ትርኣሱ ከተቐምጠን ከላ ዋላ ነቶም ጨካናት ዝበሃሉ ብዙሕ መስዋእትን ሞትን ዝረኣዩ እሞ በኽዮም ኣዒንቶም ቅሩብ ንብዓት ጸረር ዘየብሉ እውን ከተብክዮም ትዓዚብና ኢና።
ኣብዛ ክንዲ ሰፍኢ ትኸውን ብዙሕ መስዋእትን ቃልስን ዘሕለፈት ሃገርና ኤርትራ ክንድዚ ዝኣክል ቆጺርካ ዘይውዳእ ሽግርን መከራን ክርከብ ከኣ ንሕልና ዘለዎ ዘብኪ ኢዩ።
እዚ ንሃገሩ ኤርትራኳ ኣጸቢቑ ዘይፈልጣ ዝነበረ ህዝብና ሎሚ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ብትን ኣትዩዎ ጥራሕ ዘይኮነ ፍቕርን ስምምዕን ስኢኑ ነንሓድሕዱ ክካሰስን ክመናጨትን ክውዕል ከሎ ክትዕዘብ ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዘንን ሽግርን ብኽያትን ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ኢዩ ዝበሃል ሓቂ ከይከውንሞ መጻኢ ኵነታት ሃገርና መፍቶ ጸላእቲ ከይትኸውን ዘሰክፍ ኢዩ። ተዛሪቦም ዘስምዑ ሃሪሞም ዘድምዑ ተቓወምቲ ስለዝሰኣነ ጥራሕ መንግስቲ ማንም ከይተቖጻጸሮን ከይሓተቶን ከምሓድር ክብል ኣብ ከምዚ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኵነታት ክትበጽሕ ክንርኢ ግን ነቶም ሃገር ዘመሓድሩ ዝመስሎም ዘለዉ ሰባት ንሂወቶም ኮነ ንታሪኾም ውዒሉ ሓዲሩ ከይተንከፎ ስለዘይተርፍ ዕላማና ደፊርካ ነቲ ሓቂ ምዝራብ’ዩ ካብ በልና ሎሚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ስምዒቱ ብነጻ ክዛረብ እንተዝፍቀደሉ እንታይ ክብሎም ከም ዝኽእል ኣጸቢቖም ስለዝፈልጡዎስ ሎሚ እውን ምኣዝኖም ከተዓራርዩ ከየትሓሳስብናዮም ስቕ ኣይንብልን።
ኣብ መደምደምታ ከኣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ እዛ ትኸይድ ዘላ ዓመት 2016 ሕሰምናን ጸገማትናን ሒዛ ክትከይድ እሞ ዓመተ 2017 ከኣ ናይ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ክገብረልና ንኣምላኽ ዝከኣሎኳ እንተዀነ ድለዩ ክትረኽቡ፡ ኳሕኵሑ ክኽፈተልኩም ከም ዝበለና እውን ክንርስዕ ኣይግብኣናን። ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ከኣ ብብወገንና ንኽሰምዑ ትሰምዕ እዝኒ ይፍጠረሎም ንብል።
ኣብ ሓድሽ ዓመት 2017 ብኻልእ መደብ የራኽበና
ርሑስ ብዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑ