• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

BACK2KCAB: ልዕሊ ቃላቱ ተግባሩ… ግርማይ የማነ | ንጐይታ ፈሪሖምስ ንጊልያ ይወግኡ… ቀለታ ኪዳነ

February 14, 2017 By AHN

ግርማይ የማነ | ልዕሊ ቃላቱ ተግባሩ... | Feb 13, 2017 | meskerem.net

ናይ 2017 ቃለ-መሓተት ፕረሲደንት ኢሰያስ ብኩሉ መለኪዒታት ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ተስፋ ዝህብን ግብራዊ መግለጽን መምዘንን ዝሓዘለ ምንባሩ ንኩሉ እቲ ብጽሞናን ልቦናን ዝተኸታተሎ ዘስተባህለሉ ሓቂ እዩ። ሓንጎል ብቅርሕንትን ኣንነትን እንተመሊኡ ግን ንዝኾነ ሓቂ ክቅበልን ክርዳእን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንዲ ንሓሳባት ብሙሉእ ትሕዝትኦምን ኣመታቶምን ሪኢኻን ሰሚዕካን ክትርዳእ ምፍታን; ቃላት ቆሚልካ ካብ ሃመማ ሓኸለ ከተውጽእ ምፍታን ልሙድ  ባህርያት ናይ ተቛመርቲ ወልቀሰባትን ጉጅለታትን ኩይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ገበን ኣብ ምፍጻም ይርከቡ።

ኣብ ዝተኻየደ ቃለ-መሓትት ሚንስትሪ ዜና ዋላዃ ብናቶም መደባት ዝኸዱ እንተኾኑ ካብ’ቲ ብዙሕ ኣብ መስከረም ዶት ቀሪቡ ዝነበረ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ትሕተ-ቅርጻ ነባሪ ኣይኮነን። እንተድኣ ብቀጻሊ ምክትታልን ምትዕርራይን ዘይተገርሉ ካብ’ቲ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣቀዲሙ ይዓኑ። ብዝኾነ ዋላ ሙሉእ ምክትታል ተጌርሉ ከም ኩሉ ሓላፊ ነገራት ጊዚኡ ኣብቂዑ ምጉሓፉ ወይ  ካብ ስራሕ ወጻኢ ሙኻን ኣይተርፎን እዩ። መንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ ሒርጊጎ ዝሓለፈ 15-20 ዓመታት ንህዝብን ሃገርን ዝሃቦ ኣገልግሎት ቀሊል ከምዘይነበረ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። እዚ ሕጂ ብፕረሲደንት ተገሊጹ ዘሎ ጉድለት ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ዝሕተተሉን ዝከታተሎን ኣካል ስለዘሎ ኣንቱም ድያብሎሳት ብዙሕ ኣይትሸገሩ፣ ኩሉ ነገር ኣብ ኢድ ዋናታቱን ሓለይቱን እዩ ዘሎ።

ከም ርዱእ ሃገራት ሱሉስ ዓለም ወይ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ካብ ዝተፈላለያ ኣካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሃገራትን ሓገዛት ይረኽባ እየን። ኤርትራ እታ ዝነእሰ ሓገዝ እትርክብን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ጥቅሚ ህዝባ እተውዕል ብተዛማዲ ነጻ ካብ ብልሽውና ሃገር እያ። ብዙሕ ካብ’ዚ ዝወሃብ ሓገዛት ገለ ሙሉእ ብሙሉእ ነቲ ፕሮጀችት ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ ገለ ድማ ብህዝብን መንግስትን መመላእታ ተጌርሉ ዝስራሕ ኣሎ። ካብ’ዞም ኣብ’ዚ እዋን ካብ ኣስመራ ቦቒሎም ዘለዉ ሓሰውቲ ኩሉ ዝስተ ጽሩይ ማይ ብዩኒሰፍ ክም ዝምወል ተጠሊዑ ሓስዩ ኣሎ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርሓትን ጠለባት ህዝብን ዩኒሰፍ ልዕሊ ህዝብናን መንግስትናን ከምዝፈልጡ ሰይጣናዊ ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ።

ብዝኾነ ኣሃዛዊ ምዕባሌታት ኤርትራ ኩለን ዝምልከተን ሚንስትርታት ብመልክዕ ኣኼባታትን ጹሑፋት ብምዝርጋሕን ናብ ህዝብን ሜድያን ከቅርብኦ ጸኒሓን ስለዘለዋ ብዙሕ ዘሸግር ኣይኮነን። ኤርትራ ሃገርና ምስ’ቲ ኩሉ ዘጓነፋ ተጻብኦታት ሰጒማቶ ዘሎ ጉዕዞ ካብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ ቃለ-መሕተት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ስራሕ ዘጓነፉ ጸገማት ገምጋም ብምግባር ሓዲሽ መደብ ስራሕ ገለ ካብ ዝጠቀሶም ብቃላቱ ጠቂሰዮ ክሓልፍ እደሊ። እቲ ዝውጸ መደብ ዝትግብሩ ኣካላት ሚንስትርታት ሰለዘለዉ ድማ ክትግበሩ ኣለዎም እናተባህለ ተጠቂሱ ኣሎ’ሞ እቶም ክሉ ግዜ ብዝንቡዕ ርዲኢታት ዝርድኡ ባሃማት ከስተውዕሉሉ ይግባእ።

  • … ኣብ 2017 ተታሒዙ ዘሎ ምደብ ክሳብ 120 ሚጋ ዘምንጩ ተደራቢ ወይ ደጋፊ መምንጨዊ ክውሰኽ ከም መደብ ተታሒዚ ኣሎ።

…. ነዚ ናይ ሎሚዓመት እዚ ተደራቢ ዝብሃል ዘሎ እንተድኣ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ከነተግብሮ ኪኢልና ነቲ ዘሎ ሕጽረት ክሽፍኖ ይክኣል እዩ። ዘተእማምን ኣገልግሎት’ውን ክህብ ይኽእል እዩ።… (ድሮ ውጺኢቱ ክርኤ ጀሚሩ ኣሎ) ርእይቶይ

  • …ኣብ 2015-16 ውህለላ ማያትና ኣብዘን ሓደሽቲ ሓጽብታት 250 ሚልዮን ሜተር ኩዩብ እዩ። ከም ዓቢ ፕሮጀችት ተወሲዱ ዝስርሓሉ ዘሎ ናይ ጋሕተላይ ኣብ 2017 እንተተዛዚሙ ክሳብ 300 ሚልዮን ኩዩብ ማይ ክንሕዝ ንኽእል ኢና።….

(ብዓይንካ ከድካ ኣብ ከባቢኡ ዝለምዕ ዘሎ ቦታት ምርእይ ምእማን እዩ።) ርእይቶይ

  • … ናይ ሞጓዓዝያ መሳለጥያታት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣየር መጓዓዝያ ከነዋድድ ክንክእል ኣሎና። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ብቀዳምነት ናይ ባጽዕ ኣየርፖርት ንገያሾን ጽዕነትን ብቁዕን ሙሉእን ኣገልግሎት ዝህብ ብደረጃ ዓለም ክሰርሕ ዝክእል ክኸውን ካብ መደባት 2017 እዩ።
  • … ዝጽገንን ሓዲሽ ዝስራሕ ጽርግያታት ምስ’ቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ናይ ቁጠባን ልምዓትን መደባትና ተኣሳሲሩ ክትግበር መደብ ኣሎ። ናይ ትምህርትን ጥዕናን ትሕተ ቅርጺ ሙሉእ ብሙሉእ ከነዕብዮም ምእንቲ ብቑዕን ዘዕግብን’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ 2017 መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ንምምላእ ዝሓሸ ኣገልግሎት  ጥዕናን ዕድላት ትምህርትን ንምውዳድ ክንሰርሕ ኢና። ንጸዓት፣ ንማይ፣ ንመጓዓዝያ፣ ንመራከብታት ዝምልከቱ መሳለጥያታት እናካየድና እንከለና ኣብቶም መሰረታውያን ማሕበራውያን ኣገልግሎታት ዝኾኑ ትምህርትን ጥዕናን በቲ በጺሖሞ ዘለዉ ብቕዓት ጥራይ ዓጊብና ክንቅጽል ስለዘይብልና፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከነማሓይሾም ስለ ዘለና ኣብ 2017 መደባት ኣሎ። ጎድኒ ጎድኒ መጓዓዝያ፣ ናይ መራከቢታት ፕሮግራም እውን ኣሎ። ብናይ ቻይና ኩባንያታት ዝስራሕ ትሕተ-ቅርጺ መራኸቢታት፣ ምስቶ’ም ካልኦት መድባት ፣ ኣብ 2017 ዝጅመር ካብ ዝጸንሖ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝድይብ ዝገብር ውዱእ ፕሮግራም ኣሎ።….

እቲ ዝርዝር ብዙሕ እዩ። ካብ ቃላት ድማ ተግባራት ይዓብዩ። ንኹሉ ድማ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነስ ትሕዝቶ ይሓትት። ሓደ ጉቡኡ ዘየማልኤ መንግስቲ ከምዚ ዘይገበረ ፕረሲደንት ከምዚ በለ ምባል ትርጉም የብሉን። ሰብ ሂወታን ዕድሚኣን ስድራቤታን ሰዊኣ ሃገር ትሃንጽ ስለ ዘላ ቅድም ቀዳድም ኣነ ንሃገረይ እንታይ ጌረላ ወይ ይገብረላ ኣለኹ ኢልና ነብስና ንሕከኽ።

ዓወት ንሓፋሽ!!

…………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………

ቀለታ ኪዳነ |ንጐይታ ፈሪሖምስ ንጊልያ ይወግኡ… | Feb 14, 2017 | meskerem.net

ኣቐዲመ ዕዙዝ ሰላምታይ ኣቕርበልካ። ቀጺለ ከኣ በቲ ንሃገርናን ህዝብናን ትገብሮ ዘሎኻ ዝሰማምዓሉ ኮነ ዘይሰማምዓሉ ኣገልግሎት ብልቢ ኣመስግነካ። ኣነ ንመርበብ ሓበሬታ መስከረም ሓድሽ ስለዘይኮንኩ ብዝተፈላለየ መንገዲ ብቐጻሊ ከም ንራኸብ ግሉጽ ኢዩ። ብቕሉዕ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ግን ኣንበብትን  ተኸታተልትን እቲ መርበብ እውን ምሳና ክጕዓዙን ኣብ ንገብሮ ናይ ሓሳብ ኮነ ርእይቶ ምልውዋጥ ንሳቶም  እውን መብዛሕትኦም ዘይምልሱን ብጽሑፍ ዘይዋስኡን ይኹኑ እምበር ካብቲ በብዕለቱ ዝግበር ጽሑፋትን ክትዓትን ብዙሕ ከም ዝመሃሩስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክፈልጥ እኽእል ኢየ።

ንሎሚ ምኽንያት መጽሓፊ ዝዀነኒ ከኣ እቲ ኣብ መስከረም ተለጢፉ ዘሎ ቲቪ ኤረ/ሓዳስ ኤርትራ ንምንታይ ብሓደ እግሮም ጠልጠል ዘየብሎም? ሜድያ ሃገር ኤርትራስ ናይ ‘’ከነበስረኩም’’ ሜድያ ጥራሕ ኰይኑ ክተርፍ? ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ ቲቪ ኤረ ወይ ሓዳስ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ዝተፈነወ ወቐሳ ኢዩ።

ከምቲ ንጐይታ ፈሪሖምሲ ንጊልያ ይወግኡ ዝበሃል መስከረም ኣብ ክንዲ ነቶም ስልጣን ወኒኖም እዚ በሉ እዚ ከይትብሉ ኣብዚ ኪዱ ካብዚ ከይትሓልፉ ዝብሉ ሰበስልጣን ነቶም ካብታ ዝተዋህበቶም መምርሒ ገለ ከይትመልቆም እሞ ኣብ ዓቢ ጸገም ከይወድቁ ፈጥ ፈጥ እናበሉ ዝዛረቡ ጋዜጠኛታት ምውቃስ  ብዓቢኡ ብዛዕባ ኣብቲ ሃገር ዘሎ መሰል ሜድያን መሰል ጋዜጠኛታትን ክዛረብ ምተገብኦ ነሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንምዃኑ ኣይኮነንዶ ተዛሪቦምስ ሓሲብኩም ተባሂሎም  ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ዝወረደ ግፍዕታትስ መስከረም ኣይፈልጦን ማለት ድዩ?

ጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር ንሰበስልጣን ኣድላዪ ሕቶታት ብምሕታት ብሓደ እግሮም ጠጠው ክበልዎምሲ ይትረፍ ንባዕሎም ነታ ንኽነብሩ ብሓደ እግሮም ጠጠው ኢሎም ከም ዘለዉኸ ንመስከረም ተሰቲሩዎዶ ይህሉ ይኸውን?  ኣብ ኤርትራ ታሪኽ ጋዜጠኛታትና ካብቶም ህሉዋት ኣብ ስደትን ኣብ ማእሰርትን ዘለዉ ከም ዝበዝሑኸ መስከረም ኣይፈልጥን ማለት ድዩ? እሞ ንሰበስልጣን ብሓደ እግሮም ጠጠው ከብሉ ክብሉ ንባዕሎም ነታ ሓንቲ እግሮም ክስእኑ  ቅኑዕ  ኣይመስለንን።

ኣብ ኤርትራኸ  ኣይኮነንዶ ጋዜጠኛ ምኒስተር ኮነ ስቪል ብዓል ዝዓበየ ስልጣን ዝመስሎ ይዛረብ ወይ ርእይቶ ከቕርብ ይኽእል ድዩ? እቶም ብናይ ቋንቋ ምልክት (Sign Language)  ኣብ ተለቭጅን ክዛረቡ  ዝራኣናዮም ምኒስተራትከ  እቲ ዓቕሞም ኮነ ብቕዓቶም ተገዳስነቶም ኮነ ሓልዮቶም ህዝቢ ንኽፈልጦ ክዛረቡን ክሰርሑን ህዝቢ ክርእዮምን ክሰምዖምን ኣይምተገብኤን ድዩ?

ኣይኮነንዶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብዚ ኣብ ደገ እውን ዝፈርሑን ኣፎም ትዓቢሱ ዘሎን ጥራሕ ዘይኮነ ንክፉእ ጽቡቕ ዝብሉ ንብልቦም ዘይኣምኑሉ ጌጋታት መንግስቲ ኣየ ኢሎም ዝንእዱ ጋዜጠኛታትን መርበብ ሓበሬታታትን ከምኡ’ውን ምሉኻት ውልቀሰባት የለዉን ድዮም? ብርእይቶይ ከኣ መንግስቲ ካብ ነቶም ጽቡቕ ኣሎኻ ዝብሉዎ ዘለዉ ውዒሉ ሓዲሩ  ነቶም ጌጋ ይግበር ኣሎ ንብል ዘሎና ከም ዝፈቱን ዘኽብርን ርግጸኛ ኢየ። እሞ መስከረም ገለ ንኸተዛርበና ዝደለኻዮ ነገር እንተዘየልዩስ  ካብቲ ኩሉ ጊዜ ንብሎን ንጽሕፎን እሞ ህዝብና ዝፈልጦን ዝቕበሎን ሓቂ ሓሊፍና ንውስኸሉ የልቦን።

ቀለታ ኪዳነ

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑ

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in