• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

መንግስቲ ትሕተ-ቅርጽታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ሃኒጸ ይብል! ሓቂ’ዲዩ?

February 17, 2017 By AHN

ተወልደብርሃን ገብረ  | February 14, 2017  | asmara-online.com

ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2017 ቃለ-መጠይቕ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ። ከም ዝሓለፉ ቃለ-መጠይቓት ሓንሳብ ዳሓን ዝኾነ ትሕተ-ቅርጽታት ኣንጺፍና ኣሎና ። ኣብ ካልእ ጊዜ ካኣ ዋላ ሓንቲ ዝተሰርሐ ነገር የለን ወይ ዝተሰርሔ ዓኒዩ  ዝብሉ ንሓድ ሕዶም ዝገራጨዉ መልእኽትታት ንህዝቢ ከመሓላልፍ ጸኒሑን ኣሎን። ነዚ ናይ ክቡር ፕረዚደንት መልእኽቲ ህዝቢ ይኹን ውልቀ-ሰባት በብመንገዶም ዝተፈላለየ ትጉም ክህብሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። ከም ዝባሃል “ኣንባባይ ነዘንብቦ ይኹን ንዝባሃሎ ዝደለየ ትርጉም ናይ ምሃብ መሰል ኣለዎ”። ብወገነይ በዚ ኣባሃሃላ’ዚ ብዝተወሰነ ደረጃ  እሰማማዕ ኢየ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ግን ተራ ድርሰት ዘይኮነስ መልእኽቲ ሓደ መራሕ ሃገር ኢዩ። ዝገራጮ መልእኽቲ ንህዝቢ ምምሕላፍ ናይ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተረኽቦ ጥራሕ ኣይኮነን። ኩሎም ፖለቲከኛታት ሃገርና ይኹኑ ካለኦት ሃገራት ዝኽሰስሉ ሕማቅ ባህሪ ኢዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝሰራሕናዮ ነገር የለን ወይ “ኣይሰለጠናን” እንተ በለ ኣይተጋገየን። ጌጋ ዝኸውን ዘሎ ንሱ ነዚ ሓቂ’ዚ ከጋልጽ ከሎ  ማዕከናት ዜና ሃገርና ድማ ብተጋላብጦሽ ረሲዕካዮ እምበር ሃገርን ህዝብን ይለምዑ ኣለዉ ብምባል ንህዝቢ ሓቀኛ ዘይኮነ ሓበሬታ ይህባ ብምህላወን ኢዩ።

እዘን ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ዜና ብኻድራት ዝምራሓን ዝዝርግሐኦ ዜና ይኹን ጸብጻብ ድማ እዞም ካድራት ኣብ ኣፈን ብዝሰኹዑለን መሰረት ኢየን ዝፍንወኦ። ንኣብነት እዘን ማዕከናት ዜና ማለት ራዲዮ፡ ተለቪዥንን ጋዜጣታትን ንተራ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ኣብ ልምዓት ይኹን ኣብ ህጹጽ ረዲኤት ዳርጋ ከም ዘየለ ገይረን ኢየን ዘማሓላልፋ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንተራ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ከም ዘየለ ኣምሲልካ ዜና ይኹን ጸብጻብ ምፍናው ምስቲ ኤርትራ ብዘይ ናይ ግዳም ሓገዝ ብናታ ዓቕሚ ተኣምራት ትሰርሕ ኣላ ዝብል መንግስታዊ ፕሮፖጋንዳ ክሳነ ስለ ዝደልዩዎ  ኢዩ።

ሓቂ’ዩ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት “መሻርኽቲ” ትብል ቃል ኣብ መዝገበ ቃላት ዜናታት ኤርትራ ተኣታቲያ ኣላ። ተራ መሻርኽቲ ግን ቅድሚ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ዝጀመረ ዘይኮነስ ካብ ቅድሚ ነጻነት ጀሚሩ ኢዩ። ንዘየሎ ርእሰ-ምርኮሳ ተነፊሑ ተጋኒኑን ንዓናን ንዓለምን ክንገረና ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ሓቂ ግን ካልእ ኢዩ። ንጹሩይ ዝስተ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝምልከት ዝስራሕ ዜናን ጸብጻባትን ከም ኣብነት እንተ ወሲድና ብዘይ ደገፍ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ሓገዝ ዝተሰርሐ ከም ዘየሎ ክንፈልጥ ግቡእ ኢዩ። ንተራ እዞም ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ኣውጺእና ተሰሪሑ ዝባሃል ኣገልግሎት ማይ ወይ ጥዕና ወይ ትምህርቲ ክንዕዘብ እንተ ኮይና ከኣ ኤርትራ ናብታ ቅድሚ 1991 ዝነበረታ ኩነተ-ህላወ ኢያ ትምለስ።

ብኣብነትን ብጭቡጥን ምዝራብን ምጽሓፍን ንህዝቢ ምሕባርን ተመራጺ ኢዩ። ቅድሚኡ ግን ኤርትራ ደገፍ ለገስቲ ኣየድልያን ኢዩ። ወይ ደገፍ ክትሓትት መሰል የብላን ወይ መንግስቲ’ውን ክሓትት የብሉን ንምባል ኣይኮነን። መንግስቲ ኣይኮነን ብኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ብቐጥታ ንዝስርሑ ትሕተ-ቅርጽታት በጀታዊ ደገፍ ክግበረሉ’ውን ግቡኡ ኢዩ። በጀታዊ ደገፍ ማለት ለገስቲ ሃገራት ንመንግስታት ሳልሳይ ዓለም ብቀጥታ ዝህበኦ ገንዘብ ኢዩ። መንግስታት ሳልሳይ ዓለም ካኣ ነቲ ዝተወሃቦም ሓገዝ ኣብ ቀዳምነታቶምን ብመንገዶምን ዝትግብሩሉ ናይ ምሕጋዝ  ኣገባብ ኢዩ። በጀታዊ ደገፍ ክግበረልካ ግን ፖለቲካ “እንካን ሃባን” የድሊ። ሃባ’ምበር እንካ ንዘይፈልጥ መንግስቲ በጀታዊ ደገፍ ክግበረሉ ግን ዝሕሰብ ኣይኮነን። ፖለቲካ “እንካን ሃባን” ግን ነጊፍካ ትህብን ነጊፎም ይህቡኻን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተ-ሰብና “እንካ ንዘይፈልጥ ሃባ መን ኣልመዶ?” ዝብል ለባም ምስላ ኣሎ።

ብልኽዕ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ፖሊሲ “ሃቡኒ ግን ኣነ ዝህበኩም ነገር ስለ ዘየሎ ኣይትሕተቱኒ” ብሃላይ ኢዩ። በቲ ሓደ እንተ ዘይሰለጦ ካኣ ቀደሙ’ውን ዕረ ኢኹም ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ለመንቲ ኣይኮናን ብምባል ንህዝብን ዓለምን ምድንጋር መሪጹ ዝኸይድ ዘሎ መንግስቲ ኢዩ። ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናይ ብሓቂ ዘደንጹ ኢዩ።

ናብ ኣብነተይ ክምለስ። ብመሰረት አይድ ዳታ (Aid Data) ካብ Organization for Economic Co-operation and Development (OECD) ከምኡ’ውን ካብ International Aid Transparency Initiative ተወኪሱ ብዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት (ማለት ካብ 2000 ክሳብ 2015) ልዕሊ 3,600 ፕሮጀክትታት ብልዕሊ 900 ሚሊዮን ዶላር ብለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ተሰሪሖም ኣለዉ። እዚ በቲ ወግዓዊ ሓገዝ ልምዓት (Official Development Assistance) ዝፍለጥ ኣገባብ ማለት ኢዩ። እዚ ወፍሪ እዚ ዓቢዪ ኣይኮነን ንእሽቶ’ውን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ መንግስት’ኸ ክንደይ ዝኣክል ወፍሪ ኣብ ልምዓት ገይሩ ዝብል ኢዩ። በኻያይ  “ኣይትብከ እንድዩ  ዘብክየኒ ዘሎ ኢሉ” ይባሃል። መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርትን ክንደይ ኣውፊሩ ንህዝቢ ክሕበርን ብልክዕ ክንፈልጥን ዝግባእ ኢዩ ነይሩ። ኣይተረኽበን። ብኣፍደገ እንተ ተኸልኪልካ ብሑጋ ክትኣቱ ስለ ዘለካ ግን ብኻልእ መንገዲ ክርእዮ ተገዲደ። ሳላ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ኩሉ ስኑድ እዩ። ጉዳይ ሑጋ ካብ ኣልዓልና ሑጋ ማለት ኣብ ድሕሪ ህድሞ ብየማናይ ወይ ጸጋማይ ናይቲ ህድሞ እትርከብ ንእሽቶ ኣፍደገ ኢያ። ሓደ ሓደ ጊዜውን ኣብ ድሕሪት ናይቲ ህድሞ ፊት ንፊት እቲ ኣፍደገ ክትስራሕ ትኽእል ኢያ። ግን ልሙድ ኣይኮነን።

ስለዚ መንግስቲ ነቲ ዋና ኣፍደገ እንተ ዓጸዎ  ወይ ወርዲያ እንተ ገይሩሉ ካልእ ኣማራጺ ብሑጋ ዘሊልካ ምእታው ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ከምኡ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ክህበና ዘይከኣለ ሓበሬታ ብመንገዲ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ንዝተወሃሃደ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ክንጥቀም ናይ ግድን ይኸውን ማለት ኢዩ። ኩለን ሃገራት ክባሃል ይከኣል (ማለት ብዘይካ ሃገርናን ደቡብ ኮሪያን) እስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ብመንገዲ ሚኒስትሪታተንን ሃገራዊ እስታቲስቲካል ኢኒስቲቱዩታተንን ኣቢለን ንህዝቢ ይኹን ተመራመርቲ ቅሉዕ ይገብራ ኢየን። ሓበሬታ ቅሉዕ ክትገብር እንተ ዘይደሊኻ ግን ክትሓብኦ ዝደለኻ ነገር ስለ ዘሎ ኢዩ። ልክዕ’ዩ ንጸጥታን ንሃገራዊ ድሕነትን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ክትህብ ልሙድ ኣይኮነን። ንዓናውን ኣየገድሰናን። ንልምዓትን ቁጠባዊ ምንቅስቓስን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ካብ ህዝብን ተመራመርትን ክትክውል ግን ዝግባእ ኣይኮነን። ወይ’ውን የብልካን ማለት ኢዩ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራ መጺእና ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ማለት ከም ማይ፡ ትምህርቲ ይኹን ጥዕና መንግስቲ ዘዋደዶ ትሕተ-ቅርጽታት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይከኣልን ኢዩ። ንኣብነት ትሕተ-ቅርጺ ዝስተ ማይ ኣብ ገጠራት እንተ ሪኢና መንግስቲ ዝሰርሖ ትሕተ-ቅርጺ ጽሩይ ማይ የሎን። ትሕተ-ቅርጺ ማይ ገጠራት ሃገርና ኣብ ክልተ ይኽፈሉ- ማለት መሰረታውያንን ዓበይትን። እቶም ንኣሽቱ ወይ መሰረታውያን ዝባሃሉ ትሕተ-ቅርጺ ማይ ዒላታት (bore holes) ኮይኖም ብኢድ ዝጭንጉዑን እቶም ዝበዝሑን ኢዮም።

እቶም ዓበይቲ ዝባሃሉ ካኣ ኣዚዮም ዉሱናት ኮይኖም ሞቶራውያንን መዕቖሪ ተሰሪሑሎም ናብ ዓዲ ተዘርጊሖም ብምዐደሊ ንቑጣታት ኣገልግሎት ዝህቡ ማለት ኢዮም። ንኣብነት ኣብ ገጠራት ዞባ ማእከል ዘለዉ ትሕተ-ቅርጽታት ማይ ዓበይትን ኩሎም ብማዕከን ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ማለት UNICEF) ዝተሃንጹ ኢዮም። ኣብ ካልእ ዞባታት’ውን እንተ ኾነ ብመሪሕነትን ምወላን UNICEFን ለገስቲ ሃገራትን ዝህነጹ ዘለዉን ዝነበሩን ኢዮም። ስለዚ መንግስቲ ብዘዋህለሎ ዝተሃንጸ ትሕተ-ቅርጺ ጽሩይ ዝስተ ማይ ይኹን ምስኡ ዝኸይድ ናይ ስነ-ጽርየት ኣገልግሎታት የለን። ኣብ ትምህርትን ጥዕናን መጺእና’ውን ተመሳሳሊ ኢዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ አይድ ዳታ (Aid data) ካብ 2000 ክሳብ 2013 ዘሎ እዋን ጥራሕ ኤርትራ ልዕሊ 54 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ንኣገልግሎት ማይን ጽርየትን ረኺባን ኣብዚ ጽላት 139 ፕሮጀክትታት ተሰሪሖምን። ንሓፈሻውን መባእታውን ጥዕና (ማለት ንምክልኻል ዓሶ፡ ንመሰረታዊ ክንክን ጥዕና፡ ሃናጺ መግቢ፡ ዓባይ ሰዓልን ንምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማትን) ብሓፈሻ 198 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ብምርካብ ከባቢ 354 ፕሮጀክትታት ተተግቢሮም። ኣብ ትምህርቲ እንተረኣና እውን ካብ 2000 ክሳብ 2013 ከባቢ 147 ሚሊዮን ዶላር ንመባእታ፡ ንኻላኣይ ደረጃን ልዕሊኡን ብሓገዝ ረኺባን ብድምር 292 ፕርጀክትታት ተተግቢሮም። እዞም ብሓገዝ ዝተሰርሑ ፕርፕጀክትታት ናይ ማይ፡ ትምህርትን ጥዕናን ብሓፈሻ 785 ይኾኑ። ገሊኦም ትሕተ-ቅርጺ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርትን ክኾኑ እንከለዉ ገሊኦም ካኣ ኣብዞም ዓውድታት ንሓፈሻዊ ኣገልግሎትን ቀረብን፡ ምሕያል ትካላውን ሰብ-ኣውን ዓቅሚ የጠቓልሉ።

እቲ ሕቶ ክንደይ ፕሮጀክትታት ተሰሪሖም ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ ካብዞም ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ክንደይ ብመንግስቲ ክንደይ ብለገስቲ ተሰሪሖም ኢዩ። ኩሎም እቶም ተሰሪሖም ዝባሃሉ ፕሮጀክትታት ኣብዞም ዝተጠቅሱ ሰለስተ ጽላታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብሓገዝ ዓለምለኻዊ ትካላት ዝተሰርሑ ኢዮም። ስማዊ ናይ መንግስቲ ዓይነታዊ ኣበርክቶ ኣሎ። እዚ ኣበርክቶ እዚ ግን ጉልበት ደቂ ዓዲ ማለት ኢዩ። ስለዚ ለገስትን ህዝብን ተሓባቢሮም ሰሪሖሞ ክባሃል ምተገበአ። እቲ ብማዕከናት ዜና “መንግስቲ ምስ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ንዓዲ ሓምለ ማይ፡ ንዓዲ ነሓሰ ማእከል ጥዕና፡ ንዓዲ መስከረም ድማ ቤት ትምህርቲ ሰሪሑለን” እንዳ ተባህለ ክፍኖ ዝጸንሐን ዘሎን ዜና ሃገርና ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዜና ኢዩ።

ኣብዚ ንኹሉ ምዝርዛር ኣድላይነት የብሉን። ኣድላዪ እንተ ኾይኑ ግን ኣገልግሎት ማይ ወይ ካልእ ዝረኸበት ዓዲ ብግቡእ ስኑድ ስለዝዀነ መዓስን ብመንን ተሰሪሑ ምዝርዛሩ ይከኣል ኢዩ። እቲ ልገሳ ወይ ሓገዝ ዝባሃል ኣብ ማይ፡ ጥዕናን ትምህርትን ዝተደረተ ኣይኮነን። እቲ ሓበሬታ ኩሉ ኣሎ። ኣብዚ ምዝርዛሩ ጊዜ ንምህላኽ ስለ ዝኸውን ግን በዚ ልዒሉ ዝተጠቅሰ ኣብነታት ምጥቅላሉ ይሓይሽ። ስርዓት ኤርትራ ንህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ክህብ ይግባእ። ኣብ ምስርሑን ምክትታሉን ህዝቢ ዝርእዮምን ዝፈልጦምን ስለዝዀነ ከኣ ነቲ  ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ምድንጋር ኣይከኣልን ኢዩ። ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉን ንኽደናገሩ ፍቓደኛታት ዝኾኑን እንተ ዘይኮይኑ ከኣ ኣብዚ ሎሚ ሓበሬታታት ግሉጽ ዝዀነሉ ዘመን ንማንም ምድንጋር ኣይከኣልን ኢዩ።

እዚ ኣቐዲመ ዝጠቀስኩዎ ሓገዝ ይኹን ፕሮጀክትታት ብዙሕ ኣይኮነን። ግን ካኣ መንግስቲ ካብ ካዝንኡ ወፍሪ ኣብ ዘይገብረሉ ሃገር ኣቃሊልካ ዝረኣ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ብዘይ ዓለምለኻውያን ሓገዝ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኣሎ ክባሃል ኣይካኣልን ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ምኽፋል ካልእ ዝረኣ ትሕተ-ቅርጻዊ ወፍርታት ኣይገብርን ኢዩ እንተ ተባህለ’ውን  ምግናን ኣይኮነን። ምናልባት ለገስቲ ኣብ ዘየገድሶም ዓውድታት ወይ ጽላታት መንግስቲ ብንእሽቶ ደረጃ ኣውፊሩ ክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዓበይቲ ዝባሃሉ ዲጋታት። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ጉልበት ሰብ ነጻ ስለ ዝኾነን ዝጠልቦ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ስለ ዘየልቦን። መድሃኒት’ውን እንተ ኾነ ብሓገዝ ኢዩ ዝሽመት። እቲ ምኽንያት “ዘይብላ ኣዴኻስ ካብ እምኒ ትጸንዕ” ኢዩ ነገሩ።

ብስራሕ ዘወር ኣብ ዝብለሉ ኣጋጣሚ ምሕታት ስለ ዘይገድፍ ብዛዕባ እቲ ኣባይታ ዘሎ ሓቂ ክነግረኩም።

ንዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ኣብ ዞባ ይኹን ኣብ ንኡስ ዞባ ምስ ዝሓቶም መንግስቲ ካብ ባጀቱ ዝሰርሖም ትሕተ-ቅርጽታት ማይ፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምዘይዝክሩ ኢዮም ዝሕብሩኒ። እቲ ዝገርም ግን ብገንዘብን ኣእዳውን ካለኦት ለገስቲ መጎስ ንምርካብ ዝግበር ጸደፍደፍ እንክትርኢ ኢዩ። ከምቲ ‘’ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ዝብሃል’’ መንግስቲ ምግባር እንተተረፎስ ነቶም ለገስትን ገበርቲ ጽቡቕን ንህዝቢ ኤርትራ ክነግረሎምስ ዘይግባእ ኣይኮነን። ነዚ ሓቅታት እዚ ግን ታሕተዎት ሰበ-ስልጣን ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ዝፈልጥዎን ዘረጋግጹዎን ጭብጢ ኢዩ።  ካብ ሕቶታቶም ንምጥቃስ “ንምንታይ ኢዩ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ፕሮጀክትታት ዘይብሉ?” ዝብል ሕቶ ኢዩ። ንነዊሕ ዓመታት ዝተሓተ ግን ከኣ መልሲ ዘይረኸበ ሕቶ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ገለ እዋን  ንሓደ ኣብ ካልኣይ ጽፍሒ ስልጣን ዞባዊ ምምሕዳር  ዝሰርሕ ሰብ ተኣኪቦም ብዛዕባ ዝዝትይሉ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ተወኪሰዮ። “እንታይ ማለትካ ኢዩ?” ብምባል ተሰልቢጡ ድንገታዊ ሕቶ ሓተተኒ። ማለተይሲ ኣብቲ ትገብሩዎ ኣኼባታት ማሕበራውን ቁጠባውን ልምዓት’ዶ ትዝትይሉ ማለተይ ኢየ። ኢለ ብሕቶ መልክዕ መለስኩሉ። ንሱውን ኣይሓመቐን “ ትላግጽ ኣለኻ ሙሽ?” ብምባል ህውኽ ኢሉ ሓተተኒ። ኣነስ ኣላግጽ ኣየለኹን ሕቶይ ደስ እንተ ዘይበለትካ ግን ይቕሬታ ኢለ ድንን በልኩ። ድንገት ብዝመስል መንገዲ “ዝሓወይ ቁጠባ ኣብ ዘይብሉ ሃገር ብዛዕባ ልምዓትን ወፍሪን ሃለውለው ኣይንብልን ኢና።” ክብል ኣሕጽር ኣቢሉ ንሕቶይ መልሲ ሃበኒ። ሕጉስ ከም ዘይኮነ ካብ ገጹ ኣንበብኩ። ቀጺሉ “ንሕና ህዝቢ ካብ ቁጽጽርና ንኸይወጽእ ብኸመይ ንውድቦን ንቆጻጸሮን ክንዝቲ ምውዓል’ምበር ኣብ ልምዓት’ዶ ቁጠባ ኣቲና ክንወጾ ኣብ ዘይንኽእል ዓዘቕቲ ሃለውለው ክንብል ኣይንደልን ኢና” ብምባል ዘይተላቡ መልሲ ሂቡ ካባይ ረሓቐ። ኣነ ካኣ በታ “ዘየሎ ልምዓትን ቁጠባን” ትብል ሓረጉ ብምስንባድ ተፈለኹ።

ካብ 2000-2006 ዝነበረ ጊዜ ኤርትራ ብመጠኑ’ውን እንተ ኾነ ካብ ዓለማዊ ባንክ ብምልቃሕ መወከሲ ሆስፒታላት ሰሪሓ ኢያ። ካብ 2007 ንዳሓር ግን ምስ ዓለማዊ ባንክ ብምባኣሳ ኣብዚ ጽላት ይኹን ኣብ ካልእ ጽላታት ዝውዕል ዝጠቅም ልቃሕ ኣይረኸበትን። ምኽንያቱ ዓለማዊ ባንኪ ከም ዝኾነ ባንኪ ቅድመ ኩነት ኣለውዎ። ነዚ ቅድመ ኩነት ቅርብቲ ዘይኮነት ኤርትራ ተጠቃሚት እዚ ባንኪ ክትከውን ኣይከኣለትን። እዚ ተረኽቦ’ዚ ነቲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ወይ ውህላለ ክትረኽቦ ዘይከኣለት ርእሰ-ማል ካብ ደገ ብልቓሕ ይኹን ብሓገዝ ብዘይ ምርካባ ነታ ሃገር ኣብ ምዕባለኣ ሃስዩዋ ይርከብ። ዓሚል ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ምዃና ግን ይፍለጥ። ብዘይካዚ ካብ ሃገራትውን ልቓሕ ኣለዋ።

መራሒ ኤርትራ ብዛዕባ ዘቤታዊ (household) ውህላለ ይጭነቕ። ብዛዕባ መንግስታዊ ውህላለ ግን ክነግረና ኣይደልን። “ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ” ከም ዝባሃል ዕቤት ኣብ ዘይብሉ ሃገር ብዛዕባ ውህላለ፡ ስርዓተ-መንግስቲ ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ መርሓ-ጎደና (roadmap) እናሳዕ ከደንቁረና ይውዕል። “ናይ ናቱስ ዝኾነ ምኾነ ናይቶም ነዚ ዝደጋግሙ ገረመኒ ኣነ” ኢዩ ነገሩ።

ሰራሕተኛ ኣብ ዝመረጾ ስራሕ ከይሰርሕ፡  ሰብ ርእሰ-ማል ርእሰ-ማሎም ከየውፍሩን ስራሕ ከይፈጥሩን ጂሆ ሒዝካ ሃገር ከተማዕብል ወይ ህዝቢ ናብርኡ ከተማሓይሽ  ኢልካ ምሕሳብ ጽውጽዋይ ኢዩ። ንብድኽነት ዝሳቐያ ዘለዋ ስድራ-ቤታት ብሓሻሽነት ዝኸስስ መንግስቲ “ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ” ዘብል ኢዩ። ኣብ ሃገርና እቲ ቀዳማይ ንመንእሰያት ኣብ ኣፍራዪ ዘይኮነ ጽላታት ዳጒኑ ዋላ ስማዊ ይኹን እምበር ንባክታት ወሒ ወርሒ እና ጓሕጎሐ ደሞዝ ዝኸፍል ዘሎ መንግስቲ ሓሻሺ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባኻኒ እውን ኢዩ። እቲ ሓቂ ንልዕሊ 400,000 መንእሰያትን ማእከላይ ዕድመ ዘለዎም ዜጋታትን ኣብ ኣፍራዪ ነገራት ተዋፊሮም ንገዛእ ርእሶምን ንሃገሮምን ከይኮኑ ዝሓሸሸ መንግስቲ ብዛዕባ ንዘየሎ ሓሻሽነት ስድራ-ቤታትን መንእሰያትን ክሰብከና ንሱ ዘይኮነ ንሕና ኢና እቶም ዓያሹ። እቶም ፈሊጥኩም ዝጸመምኩምን ዝዓወርኩምን ዜጋታት ብፍላይ ኣድ ደገ ዘለኹም ይኣክል ክትብሉ ይግባእ።

ቃለ-መሕትት ብትንተናታት ጎልቢብካ ዝመጽእ ሓዱሽ ነገር የልቦን። ንዘይሰርሕ ካቢኔ ሚኒስተራት ኣኼባ ብምጽዋዕ ኣብ ተለቭጅን ትርጉም ብዘይብሉ ቃላት ኣሰኒኻ ጸብጻብ እንተ ኣቅረብካ ብዘይካ ንገዛእ ርእስኻ ምዕሻው ፋይዳ የብሉን። ኣኼባ ካብኔ ሚኒስተራት ኣብ ድሮ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ከተማ ባጽዕ ተገይሩ ከብቅዕ ትርጉም ኣይነበሮን። እንተ ዝህልዎ ነይሩ ከም ወትሩ ሎሚ ዓመት እውን ብኣጋጣሚ ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ዋላ’ኳ ዝተለምደ መብጻዓ ይኹን ገለ ልሙድ መብጽዓ ምሰማዕና ነይርና።

ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኣይኮነን’ዶ ትሕተ-ቅርጽታት ክሰርሕ ሰሪሖም ንዝሃብዎ እውን ከቐጽል ኣይከኣለን። ነዚ’ዩ ካኣ ዝተሃንጹ ዓንዮም ዝባሃል ዘሎ። ከየዋህለልካ ማዕጾኻ ክትጽግን ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለ ሓሻሺ መንግስቲ እምበር ሓሻሺ ህዝቢ የብልናን።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in