• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

ርእይቶ – ሕሰም ህዝብና ንሓዋሩ ከብቕዕ ዝመርሓና ኣድማዒ ስትራተጂካዊ ውጥን

March 11, 2017 By AHN

ኣርኣያ ደበሳይ | 08 November 2016 | asmarino.com

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

መእተዊ

ብመጀመርታ ናብዚ ዋዕላ ብምዕዳም ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ደለይት ፍትሕን ፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝደናገጹ ወጻእተኛታትን ንክራኸብ ዕድል ዝኸፈተይ ሜሮን ስመርዳር ከመስግን እፈቱ። ብተወሳኺ ከኣ፡ ንዩኒቨርሲቲ ሳንፍራሲስኮ ነዚ ዘተ ኣብ ምስንዳእ ብዝገበሮ ምትሕብባር፡ ንተዛተይቲ ብዘቕረብዎ መሃሪ መደረታት፡ ንካልኦት ተሳተፍቲ ከኣ ግዜኦም ወፍዮም ኣብዚ ብምርካቦም ምስጋናይ የቕርብ።

ኣብ መደረታት ተዛተይቲ ክንሰምዖ ከምዝጸናሕና፡ ኩነታት ህዝብና ኣብ ሕማቕን ዘይጽወረሉን ደረጃ ከምዝርከብ ዘየማትእ ሓቒ’ዩ። ኩነታት ሃገርና ክሳብ ክንደይ ተኻፊኡ ከምዘሎ፡ ሂወትካ ኣብ ሓደጋ ሞት ኣውዲቕካ ዝግበር ቆልዑን ኣንስትን’ውን ከይተረፉ ዝገብርዎ ቀጻሊን ሓደገኛን ስግረ-ዶብ ድሕሪ ምስማዕ ዝኾነ ሰብ ክግምቶ ዝኽእል’ዩ። ሂወትካ ንሞት ወፊኻ ብሰላም ዶብ ኤርትራ ምስ ተሰግረ’ውን ጌና ኣብ ኢድ በደዊንን ወዲቕካ ናውቲ ኣካላትካ ዕዳጋ ናይ ምውራድ ሓደጋ ይተርፍ። ዕድለኛታት ኮይኖም ካብዚ ኩሉ ሓደጋታት ዘምለጡ’ውን ኣብ መንገዲ ሰሃራ ብጽምኢ፡ ወይ’ውን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ይጽበዮም። እቲ ሓቒ እዚ እንከሎ፡ ብዙሓት ጌና ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ናይ ስደት መንገዶም ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪር ሂወት ዝምስክር ብቑዕ ኣብነት እዩ። መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ንዘጋጥም ዘሎ ግሁድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ሰኒዳቶ ኣላ።

በዚ ህልው ኩነታት እዚ ቓንዛ ዘይስምዖ ኤርትራዊ ከምዘየሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ሃገሩ ብኣተሓሕዛ ህዝባ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ክትስመ ከላ (ብዘይ ምፍራይ ኔኩሌራዊ ኣጽዋራት) ፡ ውሑድ ብዝሒ ህዝባ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ስደተኛታት ብምፍራይ ቀዳመይቲ ክትከውን፡ ንሃገሮም ብጅግነት ዝተዋግኡ ደቓ ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ፡ ንጹሃን ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ብዘይ ፍርዲ ክቕየዱ ከለው፡ ማይን ኤለትሪክን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክስእኑ ከለው መን እዩ እሞ ሓዘን ዘይስመዖ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት’ውን ብተዘዋዋሪ ኣገባብ ግዳያት ናይ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኖም እዮም። ንዓመታት ዘዋህለልዎ ነጊፎም ነቶም ኣብ ኢድ ሸፋቱ ወዲቖም ኣብ ሞንጎ ድቃሶም ይቐትሉና ኣለው’ሞ ኣድሕኑና ኢሎም ዝልምንዎም ቤተሰቦም ክረድኡ ንምኽፋል ጸንቂቖም’ዮም። ኣብዚ ንዛተ ካብ ዘለና ተጋባእቲ’ውን ብዙሓት ከምዚ ዓይነት ሽግር ከም ዘጋጠመና ርግጸኛ እየ።

እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ግና ፡ እዞም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንነብር ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንምኽታም እንታይ ንገብር ኣለና እዩ። ናይ ሎሚ ኣርእስተይ እምበኣር “ምንዳይ ንስቓይ ኤርትራ ንምኽታም ዝድለ ኣድማዒ ስትራተጂካዊ ውጥን” ዝብል እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደረይ ብዛዕባ ፖለቲካውያን ውድባት ፡ ተራ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን፡ ኣድላይነት ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያንን መስርሕ ምምራጽ ሕጋዊ ተቐባልነት ዘልዎም ኤርትራውያን ድሕሪ ምዝራበይ ለበዋታተይ ናብ ተሳተፍቲ ብምትሕልላፍ ክዛዝም’የ።

ሀ) ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ

ንእሽቶ ሃገር ከም ምዃንና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብዙሓት ፖለቲካውያን ውድባት ኢና እንውንን። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና እዘን ፖለቲካውያን ውድባት ብሓደ ድምጺ ሓቢረን ክሰርሓን መልእኽተን ከስምዓን ኣይከኣላን። መራሕቲ እዘን ውድባት ብዘይጥርጥር ዕድሚኦም ሰዊኦም ንህዝቢ ዝወፈዩን ክድነቑን ክኸብሩን ዘለዎም ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ሕጂ’ውን ሕብረት እንተዘይኣምጺአን፡ ካብ ዝተፈኛጨላ ውድባት ብዙሕ ምጽባይ ካብ ክውንነት ዝርሓቐ’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ን ዶ/ር ኣሰፋውን ናይ መድረኽ መሳርሕቱን ነዘን ውድባት ንምሕባር ንዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ እናኣመስገንኩ ዓወት እምነየሎም።

ለ) ተራ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንርከብ ኤርትራውያን

ኣብ ኒውዮርክ፡ ጀነቫ፡ እስራኤል፡ ኢትዮጽያን ካልኦት ክፋላት ዓለምን ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ብምድጋፍ ኣብ ዝተኻየዱ ሰለማውያን ሰልፍታት ምስ ድሩት ጸጋታቶም ክሳብ ክፍለዓለማት እናተሳገሩ ዝመጹ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፓልቶክ ክቡር ግዜኦም ሰዊኦም ብዛዕባ ሃገር ዝዛተዩ ብርኩት ቑጽሪ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሓደ ዘየጋጊ መረዳእታ ኢኻ እትበጽሕ። ንሱ ከኣ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ብኩነታት ሃገሮም ኣዝዮም ተሸጊሮም ምህላዎም’ዩ። ከምዚ ዓይነትን ብዝሕን ተገዳስነት ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ነዚ ገዚፍ ሓይሊ ብግቡእ ብምጥቃም ህዝብና ካብ መከራ ዝድሕነሉ ተግባር ንምውዓሉ ዝጠቕም ስትራተጂካዊ ውጥን ክሳብ ሕጂ ክርከብ ኣይተኻእለን።

ሐ) ኣድላይነት ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ መሪሕነት

ኣድላይነት ሕጋዊ ተቐባልነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ርዱእ’ዩ። ብቐንዱ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን ኣብ ሃገርና ዝድለ ኣድማዒ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከነምጽእ ዘይከኣልናሉ ምኽንያት ተፈኛጪልና ንጥፈታትና ዘወሃህድ መሪሕነት ክንፈጥር ዘይምኽኣልና’ዩ። ስለዚ ሓይልን ጸጋን ኣብ ወጻኢ ናይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ኣብ ግቡእ ጥቕሚ ከውዕል ዝኽእል መሪሕነት የድልየና ኣሎ።

 መ) ተራ ዓለምለኻዊ መሪሕነት

ተራ ዓለምለኻውያን መራሕትና ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ምእላይን ናብ ዲምክራሲ ዘሰጋግር ባይታ ንምጥጣሕን ዝሕግዝ ኣድማዒ ስትራተጂካዊ ውጥን ምሕንጻጽን እዩ። ብግብራዊ መለክዒታት ክረአ ከሎ ፡ እቲ ሓቀኛ ለውጢ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ለውጢ ባእታታት ብምትሕብባር ጥራይ እዩ ዝመጽእ ዝኽእል። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ተቓለስቲ ድማ ብሕብረት ናይ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ እዮም ክተባብዑን ክሕይሉን ዝኽእሉ ኢልና ንርዳእ። ብቐንዱ ተራ ዓለምለኻውያን መራሕቲ ንዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኣወሃሂዱ ጥጡሕ ምስግጋር ናብ ዲሞክራሲ ንምክያድ ዘማእዝን ውጥን ምድላው እዩ። ምርካብ ደገፍ ናይ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከቡ ኤርትራውያን’ውን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሓላፍነቱ እዩ። ኣብ ደገ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ንምውካል ብሕጋዊ መንገዲ ዝምረጽ ክሳብ ዝኾነ ንኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ወኪሉ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጻዊ ሕብረትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዑቒበን ዘለዋ ካልኦት ሃገራትን  ክዛረብን ክሰርሕን ሕጋዊ ስልጣን ክህልዎ እዩ። ኣድማዒን ጽዑቕን  ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ብምጥቃም፡ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት  ከቢድ ጸቕጢ ክገብር ድፍኢታት ገይሩ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ናይ ለውጢ ባእታታት ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ምሃብ ብውሑድ ክሳራ ንዝድለ መሰረታዊ ለውጢ ብስምምዕ ይኹን ብካልእ ስርሒታት ንምምጻእ ክጽዕት እዩ።

ብዙሓት ሃገራትን ብሓፈሻ ከኣ ማሕበረ ሰብ ዓለም ንኩነታት ሃገርና ዝግባእ ኣቓልቦ ከይገብረሉ ዝዕንቕጽ ዘሎ ቐንዲ ምኽንያት’ውን እዘን ውድባት ሓቢረን ክሰርሓን ድምጺ ውጹዕ ህዝበን ከስምዓን ዘይምኽኣለን እዩ። ዝኣምናሉን ዝድግፋኦን ናይ ተቓውሞ ውድብ ስለዘይረኸባ ኣብ ቀረባ ግዜ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦትን ሃገራት ምስ ስርዓት ኢሳይያስ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ውዕል ክገብራ ይፍትና ኣለዋ።  ምስ ምምራጽ ብኩሉ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከብ ኤርትራዊ ደላዩ ፍትሒ ሕጋዊ ስልጣን ዝተዋህቦ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፡ ዓለምለኻውያን መራሕትና ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ክረኽቡን ኣብ ክንዲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለናን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድምጾም ተዓፊኑ ዘሎ ዜጋታትን ወከልቲ ኮይኖም ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክዛረቡን ከረድኡን ምቹእ ባይታ ክረኽቡ እዮም።

ሰ) መስርሕ ምምራጽ ዓለምለኻውያን መራሕቲ          

እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ንምውካል ሕጋዊ ተቐባልነትን ስልጣን ንክህልዎ ኩሉ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብ መስርሕ ምርጫ ክሳተፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ከኣ ብካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ኣገባብ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘሳትፍን ናይ መጻኢ ተቐባልነትን ደግፍን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘረጋግጽን ኮይኑ ክትግበር ይከኣል።

እዚ መስርሕ ኣብ ዝተሓተ ደረጃን ኣከባብን ዝጅምር ኮይኑ ፡ መጀመርታ ኣብ ኩለን ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ዝተወዓወዐ ጻውዒታት ንሓፈሻዊ ኣኼባ ክግበር ኣለዎ። እዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ንምርካብን ምውዳብን ድሕርሕር ዘይብሉ ወፍሪ ይሓትት። ንኹሎም ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ንናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሬድዮ መደባት ተጠቓምነት ተኽእሎ ዘይብሎም ዜጋታት ንምዕዳም’ውን ዕቱብ ዝኾነ ጻዕሪ ክካይድ ኣለዎ። ሰሓብን ዘእምንን ጎስጓስ ብትግርኛ፣ ዓረብን እንግሊዝን ተዳልዩ ብ ጽሑፍ፡ ሬድዩ፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ናይ ቴለፎን መልእኽታት፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ክዝርጋሕን ክመሓላለፍ’ውን የድሊ። ንህዝቢ ሓፈሻዊ ኣኼባ ምጽዋዕ ጥራይ ዘይኮነ ኣገዳስነት ተሳታፍነቱ ኣብ ድሕነት ሃገር ክፈልጥ’ውን ኣዝዩ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ።

ህዝቢ በብከተምኡ ዝውክልዎ መራሕቲ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ምስ መረጸ፡  ዝተመረጹ ወከልቲ ከተማታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ተኣኪቦም ናይታ ዝነብሩላ ሃገር መራሕቶምን ወከልቶምን ይመርጹ። እዚ መስርሕ’ዚ ብተማሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ኩለን ሃገራትን ክፍለዓለማትን ይካየድ። ኣብ ሃሃግሮም ዝተመረጹ ወከልቲ ከኣ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝውክልዋ ሃገር ኣብ ዝካየድ ንጥፈታት ኣብ ምውህሃድ ክተሓባበሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ጉባኤ ብብሃገሩ ካብ ኩለን ክፍለዓለማት ኤውርጳ ፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኤስያ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜርካን ዝተመረጹ መራሕቲ ፡ ሃገራዊ ባይቶ ንምምራጽ ይእከብ። ኣብዚ ጉባኤ ዝተመረጸ ሃገራዊ ባይቶ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ወይ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ይመርጽ።

ኣብዚ መስርሕ ምርጫ’ዚ ነቶም ገንዘባውን ሎጂስቲካውን ጠለባት ዝሓቱ ብደረጃ ከባቢ፡ ዞባን ኣህጉርን ዝካየዱ ጉባኤታት ዘሳላስል  ኣካል’ውን ከድሊ እዩ።

ንተውሳኺ ሓበሬታ ክኸውን፡ “ዓለምለኻዊ ምልዕዓል ንምድንፋዕ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን” ተባሂሉ ንምድንፋዕ ዓለምለኻዊ መሪሕትነት ዝድግፍ ነጻ ጉጅለ ካብ ለካቲት 2016 ጀሚሩ ተመስሪቱ ኣሎ።

ዕላማን ተልእኾን እዚ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ኣገባብ ተኸቲሎም ዝውክሎም ዓለምለኻዊ ባይቶን መሪሕነትን ክምስርቱ ንምኽኣሎም እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ግዝያዊ ኮይኑ ናይ ካልኦት ድሮ ዝጀመርዎ መስርሕ ቐዲሕካ ናይ ምድጋምን ዕላማ ዘይብሉ እዩ። ኣባላቱ’ውን ኣብ መጻኢ ኣብ ዝምረጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚን ሓሳብን ዘይብሎም እዮም።

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ድሮ ልዑል ተቐባልነት ካብ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዝርከቡ ኤርትራውያን ይረክብ ከምዘሎ ብሓጎስ ክሕብረኩም እፈቱ። ገለ ገለ ከባቢታት ናይ ኤውሮጳን እስራኤልን ኣመሪካን ውን መስርሕ ምምራጽ ናይ ከባቢታቶም መራሕቲ ኣብ ምጅማር ይርከቡ።  ልዕሊ 200 ሰባት ድሮ ልዑል ድገፎም ብፌርማ ክገልጹ ከለዉ፡ ገና እቲ ቂጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንዝያዳ ዓወት ናይዚ ምንቅስቓስ ግን ዝተርፍ ስራሕን ደገፍን ኣሎ። ስለዚ ከኣ ካብዞም ኣብዚ እንርከብ ተዛተይቲን ካብዞም ዝስዕቡ ቀጸላታት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ደገፍን ምሉእ ተሳታፍነትን ንደሊ ኣለና።

1.     ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት

2.     ኤርትራውያን መንእሰያት – ከም መስራቲን ፕረዚደንትን “Lead Eritrea” ሜሮን ስመርዳርን ካልኦትን ንመንእሰያት ኤርትራ መራሕቲ መጻኢኦም ክኾኑ ዝገብርዎ ዘለዉ ድፍኢታት ኣዝዩ ዘተባብዕ’ዩ።

3.     ኤርትራውያን ደቀንስትዮ – መደረታት ኣድያም ሃይለን ኣልማዝ ይሕደጎን ኣዝዩ ኣተባባዒ’ዩ ኮይኑ’ዩ ረኺበዮ። ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ መንእሰያት ኣብ ምውዳብ ዓቢ ተራ ክጻወታ ከኣ ተስፋይ ምሉእ’ዩ።

4.     ኤርትራውያን ስነጥበባውያንን ሙዚቐኛታትን – ከም በዓል ኪሮስ ኣስፈሃ፡ ፍረሰላም፡ ፉኣድ ኣልኣሚን፡ ምሕረትኣብ ሚካኤል፡ ሚኪኤል እምባየን ካልኦትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ሃገራት ዓለም ኮይኖም ዝገብርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ኣዝዩ ኣድማዒ’ዩ። ኣበርክቶኦም ኣብ ምዕዋት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ዓቢን ወሳንን ክኸውን’ዩ።

5.     ዉሑዳን ብሄራት ኤርትራ (Eritrean Minority Ethnic Groups)

6.     ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት – ኣባ ኣትናትዮስ ኣብ ናይዚ ወርሒ ኣኼባ ኮንግረስ ኣመሪካ ዝገበርዎ መደረን ፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ኣብ ሰለማዊ ሰልፍታት ኒውዮርክን ጀነቫን  ዝተጻወትዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ ኔሩ።   ኣባ መሴ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ክጻወትዎ ዝጸንሑ ተራን “ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ዓንቀጽ ዝጸሓፉ ተባዓት ኣቦታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቦታትን ዝገበርዎ ጽልዋን መራሕቲ ሃይማኖትና ስቓይ ህዝቦም ከኽትም ዝገብርዎ ዘለዉ ንጡፍ ኣበርክቶ ቀሊል ከምዘይኮኑ ምልክት እዩ።

7.     ኣባላት ሲቪካውያን ማሕበራት – ከም በዓል ዓለምለኻዊ ስምረት ኤርትራውያንን መድረኽ ንሃገራዊ ዘተን ዝኣመሰላ ኣብ ኣሜርካ ከምኡ’ውን ኣብ ዜጋታት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከባ ማሕበራት’ውን ልዑል ትጽቢት ናይ ኣበርክቶ ኣሎ።

8.     ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ፡ ፕሮግራማት ሬድዮን ፓልቶልክን – ኩለን ኤርትራውያን ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ነንሕድሕደን ናይ ዘይምድግጋም ፕሊሲ እናሃለወን፡ ወግዓዊ መግለጺታት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ ሸፈነ ሂበን ብግቡእ ከቓልሖኦ ምኽኣለን ምስጋና ዝግበአን እዩ።

9.    ኤርትራውያን ምሁራት ፡ ሞያውያን፡ ነጋዶ ፡ ጠበቓታት፡ ኣካዳሚያውያን፡ ናይ ሕክምና ዶክተራት

10.   ኩሎም ካብ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምንጣፍ ተስፋ ብምቑራጽ ተገሊሎም ዝርከቡ ኤርትራውያን 

መደምደምታ

ኣብ ደገ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስቓይ ህዝቦም ንምኽታም ድሮ ተገዳስነቶም ኣብ ዝተኻየዱ ሰልማዊ ሰልፍታትን ዘተታት ፓልቶክን ጎሊሑ ተራእዩ’ዩ። ዝተርፍ ዘሎ ንንጥፈታትና ዘወሃህድ መሪሕነት እዩ።  እዚ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን ንምውካል ሕጋዊ ተቐባልነትን ስልጣን ንክህልዎ ኩሉ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ ካብ ዝተሓተ ደረጃ ጀሚሩ ኣብ መስርሕ ምርጫ ክሳተፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ማለት ኤርትራውያን ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡሉ ኩሉ ኣከባቢታት ተኣኪቦም ወከልቶምን መራሕቶም ክመርጹ ኣለዎም።

ዝተመርጹ መራሕቲ ምስ ዘለዋና ፖለቲካውያን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ናይ ለውጢ ባእታታን ብምትሕብባር ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዘድሊ ስትራተጂካዊ ውጥን ብምድላው ስቓይ ህዝብናን ዕምሪ ውልቀ-መላኺን ዘኽትመሉ መንገዲ ክፈጥሩ ትጽቢት ይግበረሎም።

ኣብ መደምደምታ፡ ንኩሉኹም ኣብዚ ተኣኪብኩም ዘለኹምን ብርሑቕ ነዚ መድረኽ ዘተ ትከታትሉን ኤርትራውያን ኣኣብ ትርከብዎ ኣከባቢታት ንዝግበር ምርጫ ንጡፍ ተራኹም ክትጻወቱ እዕድም። ከምቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ዕማም “ዓለምለኻዊ ምልዕዓል ንምድንፋዕ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን” ንብደረጃ ከተማታት፡ ዞባታን ኣህጉርን ዝካይድ መስርሕ ምርጫ ምስላጥ እዩ። ናይ ኢመይል ኣድራሻ ናይ ኣባላት እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ታሕቲ ክርክብ ስለዝኽእል ንዘለኩም ኩሉ ሕቶታትን ካልእ ዘድሊ ምትሕብባርን ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም።

ነፍሲወከፍና ብብዘለናዮ ከባቢ ኣብ ዝካየድ ምርጭ መራሕትናን ወከልትናን አእጃምናን ሓላፍነትናን ከነልዕልን ሃገራዊ ግቡእና ክንገብርን ምሉእ ዘይጉዱል ተስፋ ኣሎኒ። እታ ኩዕሶ ኣብ ቀቅሜና ኣላ እሞ ፡ ተስፋ ህዝብና ከይነቕህም ሓደራ እብል። ሃገርና ኣሽሓት ደቓ ንናጽነትን ሓርነትን ዝኸፈለት ከምዝኾነት መጠን ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ኣለና።

“ዓለምለኻዊ ምልዕዓል ንምድንፋዕ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን” ግዚኡ ዝኣኸለ ስቓይ ኤርትራ ዘኽትመሉ ዝሰለጠ ፡ ተግባራውን ንኩሉ ዘሳትፍን መስርሕ ዲሞክራሲ መስርሕ እዩ።

ጽን ኢልኩም ንዝሰማዕክሙኒ ኣዝየ አመስግን። ዘለኩም ሕቶታት ክምልስ ከኣ ቅሩብ ኣለኹ።

ናይ ኢመይል ኣድራሻ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ እዚ ዝስዕብ እዩ – gieegm@googlegroups.com

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in