PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መደብ ንሓቂ ብጋህዲ ካብ ስደት ቍ. 18
ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ | Mar 25, 2017
መደብ ንሓቂ ብጋህዲ ካብ ስደት ቍ. 18 ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ
ሕማቕ ብዕራይካ ትሸጦ ሕማቕ ሰብኣይካ ትፈትሖ ሕማቕ ውላድካ ግን ንመን ትህቦ? ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተኸታተልቲ ከመይ ቀኒኹም? መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልቡ እንተዝምለስ እሞ ኣብዚ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘውረዶ በደልን ግፍዕን ኣጕህዩዎን ኣጣዒሱዎን መጥሓን ኣብ ዝባኑ ተሰኪሙ ንህዝቢ ኤርትራ ‘’ህዝበይ በዲለካ ኢየ’ሞ እቕሬታ ግበረለይ፡ እነሆ ካራ መሕረድየይ እነሆ ገመድ መሕነቕየይ’’ ድላይኩም ፍረዱኒ እንተዝብልስ ሕድገት ምተገብረሉዶ? ከምዚ ምባል ከኣ ኣይኮነንዶ ከምዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሃገርን ህዝብን ዘጥፍኤ ማንም ንእሽቶ በደል ዝፈጸመ ዝገብሮ ንስሓ ኢዩ። ኣብ መንግስቲ ኤርትራ እንተመጺእና ግን ፍጥር ብቝል ካብ ዝብል ተጋግየ ትብል ቃል ክትወጾ ማለት ምድርን ሰመይን እንተተላገባ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብዛዕባ ከም ሕቶ ንምምላሱ ግን ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነዶ ንውላዱ ንጓኖት ባዕዳውያን ገዛእቲ እውን ተቐይሙ ሕነ ዝፈዲ ሕሱም ህዝቢ ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ኣብ እዋን ስዕረት ገዛእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓርዱዎን ዝሓንቁዎን ዝነበሩ ወትሃደራት ደርጊ ዘርኣዮ ጭውነትን ሰብኣዊ ርሕራሔን ኣመስኪሩዎ ኢዩ።
ኵነታት ህዝቢ ኤርትራ ‘’ሃህ ኢልካ ዘይብከ ሞት ሕጹይ’’ ኢዩ። ህዝብና ምስ ውላዱን ዘርኡን ምትሕንናቕ ስለ ዘጽልኦ ሎሚ ኣስደሚሙዎ መብዛሕትኡ ትዓዛባይን ሰማዓይን ጥራሕ ኮይኑ ኣብዚ ኵሉ ንርእዮ ዘሎና ውርደት ወዲቑ ስቕ ኢሉ ንኽጠፍእን ክመውትን ይርኤ ኣሎ። ብዛዕባ ናትና ንመንግስቲ ኤርትራ ምውቃስን ምኽሳስን እንተዀይኑ ግን ብዙሕ ጊዜ ዝበልናዮን ዝደጋገምናዮን ስለዝዀነ መመሊስና ክንብሎ ዘይስምዓና ወይ ዘይመረና ኣይኮነን። እቲ መንግስቲ ሕጋውን ፍትሓውን ዝዀነ ለውጢ ክሳብ ዘይገበረን ህዝቢ ክሳብ ዘይሓለፈሉን ዘይቀሰነን ብዜግነቱ ከይተሰከፈ ደቂሱ ክሳብ ዘይሓደረን ግን ዓቕሚ እንተዘይሓጺሩና ካልእ ካብኡ ንላዕሊ ክንገብር’ኳ ክእለት እንተዘይረኸብና ወጽዓ ህዝብና ንምግላጽ ዋላ ንጕሆ ንጕሆ ክንደጋግሞ እውን ኣይክንርብርብን ኢና።
እቲ ኣብ መወዳእታ ዝዕወት ህዝቢ ምዃኑ እውን ምሉእ ብምሉእ ኣይንጠራጠርን ኢና።
እቲ ንሕና ንሓቶን ንጽውዖን ዘሎና ከኣ ሕጋዊ ኣነባብራን ፍትሓዊ ኣመሓዳድራን ሃገርናን ህዝብናን እምበር ብፍላይ ንዓና ንደልዮን ንጽበዮን ንሓቶን ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን። እዞም ኣብቲ ሃገርን ህዝብን ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ጕድኣት እናርኣዩን እናፈለጡን ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝደልዮ ጽቡቕ ነገራት ጥራሕ ዘውርዩን ኣብ ሃገር ንዘየሎ ነገራት ኣብ ኤርትራ መንግስተሰማይ ከም ዘሎ ገሮም ንህዝቢ ንምትላልን ንምድንጋርን ዝሰርሑ ብፍላይ ከኣ ንክፉእ ካብ ጽቡቕ ፈልዮም ክርእዩ ዝግብኦም ትብሎምን ትጽበዮምን ምሁራት ግን ጽባሕ ብመዓልቶም ከሕትቶም ዝኽእል ነገራት ይፍጽሙ ምህላዎም ከየዘኻኸርናዮም ኣይንሓልፍን። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ንቡር ናብራ ወዲ ሰብ ጨኒቑዎ ካብቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ሃገር ገዲፉ ዝተሰደ ዝተረፈ ኣብ ሕሱም ናይ ጥሜትን ፍርሕን ራዕድን ከምኡ’ውን ኣብቲ መቝጸሪ ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ቤት ማእሰርትታት ይነብር ምህላዉ ከኣ ዘትሓትት ኣይኮነን።
ገለ ገለ ሰባት ስለምንታይ ንመንግስቲ ኤርትራ ትጸልኡዎን ተጸልሙዎን ክብሉ ንመደብ ብጋህዲ ኣብ ስደት ይሓቱናን ይውከሱናን ኢዮም። መደብና ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክበሃልን ክግለጽን ዘይክእል ንሃገርናን ህዝብናን ዝጐድእ ዘሎ ጕዳያት ኣግህድ ኣንቍር ኣቢልካ ምግላጽ እንተዘይኮይኑ ከኣ ንሕና ንመንግስቲ ኤርትራ ኣይንጸልኦን ኢና። ካብ ብርክናን ካብ ደምናን ዝወጸ ሃገራዊ ብምዃኑ እቲ ንሕና ንገብሮ ዘሎና ጻዕርን ቃልስን ንዕኡ ንምእራሙን ንምዕራዩን እሞ ሕጋዊን ህዝባውን መንግስቲ ንኽተክል ንምትብባዑ፡ ወይ ድማ ክመርሕን ብሰላም ህዝቢ ከመሓድርን ከም ዘይከኣለ ኣሚኑ ስልጣኑ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸረክብ ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቀደም ባዕዳዊ ገዛኢ መንግስቲ ስለ ዘይኮነ ዋላ ብግብሩ እንተጸልላእናዮ ከም ውላድናን ዘርእናን መጠን ኣብ ንወስዶ የብልናን። ሕማቕ ብዕራይካ ትሸጦ ሕማቕ ሰብኣይካ ትፈትሖ ሕማቕ ወላድካ ግን ገዲፉ ዘይገድፈካ ፈውሲ ዘይትረኽበሉ ዓቢ ሕማም ኢዩ።
ከምዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገሩን ህዝቡን ከቕስንሲ ይትረፎ ንርእሱ እውን ከይትሓጎሰ ዝነብር ዘሎ፡ ሕማቕ ውላድ ከኣ ገዛ ኣቡኡን ስድርኡን ለኪሙ’ዩ ዝወድቕ ወይ ዝጠፍእ።
ነዚ እናርእዩን እናፈለጡን ግን ገለ ገለ ደቂ ሃገር ኣብ ክንዲ ምስ ህዝቦም ምስ መንግስቲ ተሰሪዖም ነቲ ሕሰምን ውርደትን ህዝቢ ኤርትራ ዝምርቑን ዘመስግኑን ዝንእዱን ከም ዘለዉ ዝሕባእ ኣይኮነን። ብርእይቶና ከኣ ዓገብ ኣይፋልኩምን ንብሎም። ብርእይቶና ከምቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዅላትና ሓደ ዝብጽሓና መንግስቲ ኤርትራ እውን ንዅላትና ሓደ ኢዩ ዝብጽሓና። ብፍላይ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ፈታዊኡ ዘሎ ጽባሕ ንኽጸልኦን ክኣስሮን ጊዜ ኣይወስደሉን ኢዩ። ብዓል እዚ መዓልቲ እዚ’ዩ ኢሉ ዝንሕፎ ሰብ እውን የብሉን። ስለዚ ከኣዮም ብዙሓት ምስ ህዝቦም ተባኢሶም ጸሊም ታሪኽ ገዲፎም ዝተኣስሩን ዝጠፍኡን እሞ ክልተ ሞት ዝሞቱ።
ብዙሓት ሰባት እዚ ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ጥራሕ ኣይኰነን ሕማቕ እቲ ህዝብናውን ዘይጠቅም ሕማቕ ህዝቢ’ዩ ብማለት ክገልጹ ጸኒሖም ኢዮም። ካልኦት ግን ንዓና ወሲኽካ ማለትዩ ሕማቕ ሰብ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። ሕማቕ ህዝቢ ክትብል ከሎኻ ግን ሓቂ ኣይኰነን። ኵሉ እቲ ህዝቢ ሕማቕ ክኸውን ኣይክእልንዩ። ነቲ ኵሉ ህዝቢ ሕማቕዩ ምባል ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን ብማለት ክንከላኸል ጸኒሕና ኢና።
ብሓፈሻ ክርኤ ዘለዎ ግን እቲ ግምት በቲ ኣብቲ ሃገርን ህዝብን ዝርኤ ኵነታት ናይቲ ነባሪ ህዝቢ ዝምዘንዩ። እቲ መንፍዓትን ሕመቕን ከኣ ከከም ጕዳዩ ዝፋላለ ኢዩ። ኣብ ስራሕን ኣብ ኵናትን ንፉዕ ዝዀነ ህዝቢ ኣብ ምምሕዳሩን ኣብ ምኽባር መሰላቱ ምክልኻልን ሰነፍ ክኸውን ይኽእልዩ። ስለዚ ንሓደ ህዝቢ ንፉዕን ሕማቕንዩ ቅድሚ ምባል ኣብ ምንታይ ምዃኑ ተትሓሒዙ ክግለጽ ዘለዎ’ዩ ዝብሉውን ሒደት ኣይኮኑን።
ንምዃኑ እቲ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክትመዝኖን ምስ ካልኦት ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ከኣ ምስቶም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣነጻጺርካ ክትርእዮ ከሎኻ እንታይ ዓይነት ህዝቢ ኢዩ ዘሎና? ከም ህዝቢ መጠንከ ንፉዕ ድዩ ክጽዋዕ ሕማቕ?
ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ክትምርምሮ ከሎኻ ኤርትራውያን ንናእዳን ንምስጋናን ዋላ ዘይግብኣና ከሎ ብታሕጓስ ኢና ንቕበሎ። ንሓደ ሕማቕ ንፉዕ መን ከማኻ ኢሎም ክንእዱዎ ከለዉ ከኣ ብጣዕሚ ደስ ይብሎ ገጹ ይበርህ ይፈትወካ ይንእደካ። ንሱ’ውን መን ከማኻ ብማለት ዝግባካን ዘይግብኣካን ዕቤትን ክብርን ይህበካ። እዚ ኮይኑ ግን ሰብና መብዛሕትኡ ንእሽቶይ ወቐሳ እተተጋጢማቶ ክጻወር ኣይትርእን። ዋላ እቲ ወቐሳኻ ኣብ ሓቅን ክውንነትን ዝተመስረተ ይኹን ከኣ እቲ ንጌጋታቱ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል ብጣዕሚ ሒደት ኢዩ። ንሓደ ልቢ ኣዕብዩ በሉ ድሓን ተጋግየ እንተዀይነስ እቕሬታ ዝበለ እውን ብዙሕ ምስጋናን ናእዳን ክወሃቦ ኣይትርእን። እዚ ግን ሕጂ ዝመጸ ሕማቕ ባህሊ እምበር ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ጠባያት ኣይኮነን።
እቲ ካብ ኵሉ ዝኸፍኤ ከኣ ብዙሓት ደቂ ሃገር ነታ ሓንቲ ጊዜ ኣብ ልቦም ዘሕደሩዋ ጽልእን ቅርሕንትን ሒዞም ዝያዳ ጊዜኦም ኣብ ሕነ ምፍዳይን ኣብ ህልኽን ዕድሚኦም ምሉእ ከሕልፉ ክትዕዘብ ከሎኻ ኢዩ።
ኣብቲ ጕዳይ ብዕሙቕ ዝበለ ንምእታው ነዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጽላሎት ከነልግስ ገለ መፍትሒ ክንረክብ ኣሎና ካብ ዝበሃል ኣይወሓደን። መፍትሒ ንምርካብ ግን ኣቐዲምና እቲ ጸገምና እንታዩ ክንፍትሽን ከነጽንዕን ኣድላዪ ምዃኑ ዝኣምኑ ኣይተሳእኑን። ካብቲ ብቐዳምነት ክንፍትሾን ክንምርምሮን ዝግብኣና ከኣ ንሕና ዲና ህዝብና ሕማቕ? ዝብል ክኸውን ዝሓሸ ይመስለና። ንሕና ክንብል ከሎና ንዅላትና ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ኣብ ምምሕዳር ህዝብን ኣብ ፖለቲካን ኣብ ሜድያታትን ንዋሳእ ዘሎና ደቂ ሃገር ማለትና ኢዩ።
ብወገንና ኮነ ብሓደ ሓደ ከማና ዝኣመሰሉ እዚ ሕመቕ ዝበሃል ንኤርትራውያን ዘይምልከት ዘይናቶም ዘይብጽሖም መኽፍኢ ስምዩ እናተባህለ ክክሓድ ጸኒሑ ኢዩ። ከም ንግምቶ እውን እቲ ስርዓት ንሃገርናን ህዝብናን ንምህሳይ ፈሊጡ ዝሓመቐን ብኽፍኣት ዝተረመሰን እምበር ክእለት ዓቕሚ ወይ መንፍዓት ስኢኑ ዝሰነፈዩ ዝብል እምነት የብልናን። ምኽንያቱ ከኣ ዋላ ዓቕሚ እንተስኣነ መንግስቲ ዓቕሚ ንዘለዎም ደቂ ሃገር ክሰርሑን ህዝቢ ከሰልጥኑን ሃገር ከማዕብሉን ብሓጺሩ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ኢሉ ንኽእውጅ መንፍዓት ወይ ሊቅነት ዝሓትት ጕዳይ ኣይነበረን።
ኣብ ሃገር ብሒቝ ከይተረፈ እናተቘጻጸረ ንኻልኦት ንግዲ ፍቓዳቶም ኣሕዲጉ ጣይታን ሽሮን ባንን ማይን እናሸቀጠ ዝምዕብል መንግስቲ ክርከብ ግን ዘይሕለም ኢዩ። ስለዚ ከኣዩ ህዝቢ ከበሳ ካብ መታሕትን ካብ ሱዳንን ዝኣቱ ንብረት ኮነ መግቢ ከይረክብን ጸጊቡ ከይሓድርን ከረው ኣቢልካ ብኸብዱ ተታሒዙ ዘሎ።
ኣብ ሃገርና ቅዋምን መነባበሪ ሕግንሲ ይትረፍ ሓደ ሰብኣይ ዘካይዳ ሃገርን ኣሜን ኢሉ ዝእዘዝ ህዝብን እምበር መንግስቲ ዘጸውዕ ቅርጻን ህዝቢ ዝፈልጦ ኣሰራርሓን የልቦን። መንግስትስ ይትረፍ ስርዓት ንኽትብሎውን ካልእ መጸውዒ ስለዘይረኸብና እምበር ምምሕዳር ሃገረ ኤርትራ ስርዓት እውን ኣይኰነን። መምሓደሪ ሕጊ (ቅዋም) ዘይብሉ ሃገር ጥዑይ መንግስቲ ወይ ስርዓት ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ። እሞ ብዘይ ሕጊ ብዘይ ፍትሒ ብዘይ መሰል ሓደ ሰብኣይ ከም ቃሕ ዝበሎ ዘካይዶን ነዚ ዘስካሕክሕን ዘፈንፍንን ክፉእን ናይ ማእሰርትን ሞትን ናይ ጥሜትን ጭቆናን ምምሕዳር ጥፍኣት ኣሜን ኢሉ እናጣቕዔን እናመስገነን ንዓመታት ትኣዚዙ ዝነብር ብዙሕ ህዝብን’ዩ ዘሎና።
እሞ ነዚ ህዝቢ’ዚስ ንፉዕ ዲና ክንብሎ? ንኣንበብቲ ዝግደፍ ፍርዲ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ስርዓት ኤርትራ ካብ ዘይጥዓየ እቲ ተቓዋሚ ኣካል ዝበሃል እውን ካብ ዘይነፍዔ ሓደ ሳልሳይ ሓይሊ ብህዝቢ ዝልዓልን ዝምራሕን ሓያል ምንቅስቓስ ክፍጠር ኣለዎ ብማለት ብዙሕ ግዒርናን ለፍሊፍናን ነርና ኢና። ህዝብና ግን ኣይኰነንዶ ክንቀሳቐስ ፍኒሕኒሕ እውን ኣይበለን።
ሎሚ እውን ከምኡ ዝኣመሰለ ምንቅስቓሳትን ምልዕዓልታን ህዝቢ ክገብሩ ዝጽዕሩ ደቂ ሃገር ከም ዘለዉ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ህዝብና ግን ኣይኰነንዶ ሓድሽ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ፈጢሩ ኣንጻር ጨቆንቱን ገፋዕቱን ክልዓልሲ ንሰላሳ ዓመት ተቓሊሱ ዘምጽኦ ሰላምን ቅሳነትን ስለዘየልቦ ነቲ ቃልሲ ዝበሃል ንምስምዑ ከም ዝጸልኦ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ መንእሰያት እሞ ከኣ መብዛሕትኦም ብዛዕባ ቃልሲ ሃገር ክትዛረቦም ንእሽቶ ዕድል እውን ኣይህቡኻን ኢዮም። ጠንጢኖምኻዮም ዝሃድሙ። ነቲ ዘሕለፉዎ ስቓይን ዝሰገሩዎ ምዓትን ክትዝክር ከሎኻ ግን ሓቆም ኢዮም ዘየብል ኣይኮነን።
እቲ ህዝቢ ከምዚ ንክኸውን እቲ ስርዓት ንዓመታት ብዙሕ ዝጸዓረሉን ዝደኸመሉን ብዙሕ ገንዘብን ጕልበትን ዘፍሰሰሉን እሞ ንጊዜኡ ከም ዝትዓወተሉን ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እሞ እንታይ ድኣዩ ዝግበሮ? ህዝቢ ከይሓገዘን ከይተሓባበረን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ዘይድግፉዎን ዘይካፈሉዎን ቃልሲ ድኣሞ ኣበይ ክበጽሕ ኢዩ? ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብዘይካቲ ኣብ ድፍዓትን ቤት ማእሰርትታትን ተታሒዙ ዘሎ ዋላ ከይተዛረበን ከይተንቀሳቐሰን ክእሰርን ክግፋዕን ይውዕል ኣሎ።
ዝጠፍኤ እውን ሒደት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ነጻን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን እሞ ከኣ ኵሉ ምቾታትን መሳለጥያታትን ዘለዎ ከኣ ኣብ ውልቃውነት ረብሓ ጥራሕ ኣድሂቡ ራህዋ ካብ ሰማይ ባዕላ ጥብ ኢላ ክትወርዶ ትዓዛባይ ኮይኑ ይጽበ ኣሎ። ምስቲ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ናብ ውሽጢ ሃገር ንዝገደፉዎ ዜጋታቶም ዝገብሩዎ ቃልስን መስዋእትን ከተወዳድሮ ከሎኻ ከኣ ህዝብና ጠባይ ቀይሩን ንብድሕሪት ዝገደፎም ሃገሩን ህዝቡን ረሲዑ ኣሎ ንኽትብሎ ዘድፍር ኢዩ። ንህዝብና ካብ ብገንዘብ ምሕጋዙ ካብቲ ዘለዎ መከራ ከነውጽኦ ዝሓሸ ምዀነ ዝብል ኣረኣእያ ግን ናይ ውሑዳት ኣይኮነን።
ገለ ገለ ሰባት ኤርትራውያን ክትዕወት ከሎኻ ጥራሕዮም ዝፈትዉኻን ዝጐዩኻን ዝብሉ ኣለዉ።
እሞ እቲ ስርዓት ወይ እቲ ተቓውሞ ጥራሕ ኣይኰነን ሕማቕ ብዓቢኡ እቲ ህዝብዩ እቲ ሕማቕ ብማለት ብገሊኦም ክዝረብን ክጽሓፍን ዝጸንሔ ሓቂ ከይከውን ከኣ የጠራጥረካ ኢዩ። ጥዑይን ንፉዕን መሪሕነት ዘይረኸበ ህዝቢ ዋላ እንተነፍዔ ክዕወት ዘይሕሰብ ኢዩ። መሪሕነት ክበሃል ከሎ ግን ሰባት ዘይኮነስ እቲ ቅርጻዊ ኣሰራርሓኦምን ምትእምማኖምን ኢዩ።
ርሑቕ ከይከድና ህዝባዊ ግምባር ክዕወት ዝኸኣለ ብቑዓትን ዉፉያትን ጥርኑፋትን ኣብ ዕላምኡ ዝትኣማመን መሪሕነት ስለዝነበሮም ኢዩ። ሎሚ ድኣ ኣበይ ከይዱ ንዝብል ሕቶ ግን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝፈልጦስ ምዝርዛሩ ኣድላዪ ኣይመስለናን።
ንምዃኑ እቲ መንፍዓትከ ብምንታዩ ዝምዘን? እቲ ካልእሲ ሓመቐ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስከ ንፉዕ ድዩ ሕማቕ? ንዝብል ሕቶ ከኣ እቲ ንዝቕተል ቀቲሉ ንዝጠፍእ ኣጥፊኡ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝብል ንፉዕ ዝጽዋዕ እንተዀይኑ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንፉዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ንፉዓት ንፉዕ ኢዩ። እቲ መንፍዓት ሓደ ሰብ ወይ ጕጅለ ብንሃገሮምን ህዝቦምን ዘበርክቱዎ ራህዋን ሰላምን ጽፉፍን ጽሩይን ምምሕዳርን ብህዝባዊ ሓልዮትን ኣገልግሎትን ዝፍረድ እንተዀይኑ ግን ንድሕሪ ሕጂ ድኣ ይፍጠረልና እምበር ቅድሚ ሎሚስ ምልክት መንፍዓት ዘለዎ ጠርናፊ ኤርትራዊ መራሒ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ኣይተራእየን።
ገለ ገለ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣጸቢቖም ዝቐርብዎን ዝፈልጡዎን ግን ንኽፍኣትን ንገበናትን ንስልጣኑን ጥራሕ ዘገልግል ጸረ ህዝቢ ድኣ ኰይኑምበር ንመንፍዓትን ስራሕን ኢሳያስ ብልቢ የድንቑዎ ኢዮም። ብዝያዳ ከብርሁዎ ከለዉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብዚ በጺሑ ዘሎ ብዘይ ስራሕን መንፍዓትን ኣይኰነን። ካብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ብዙሓት ጸላእቲ ነሮሞ ሎሚውን ብዙሓት ናይ ውሽጥን ወጻእን ጸላእቲ ኣለዉዎ። ገሊኦም ልዕሊኡ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን ብቕዓትን ሜላታትን ከምኡውን ዘደንቕ ተመክሮታት ሜዳ ዝነበሮም ጀጋኑ ኢዮም። ከምቲ ናቱ ግን ኣይትዓወቱን። ኣብታ ዝሓለማን ዝተጸበያን ኵርሲ ከኣ ኮፍ ኢሉ።
ድሕሪ ኣብ ኵርሲ ኮፍ ምባሉ ግን ነቶም ዝፈልጦም ምስኡ ዝኣተዉ ጥራሕ ዘይኮነ ንዓና ነቶም ዘይፈልጠና ህዝቢ እውን እውን ኣረኻኺቡልና። እሞ ንምዃኑ ምስ ካልእ ህዝቢ ዓለም ኣነጻጺርካ ህዝብና በሊሕን ንመሰሉን ንሓርነቱን ተቓላሳይ ህዝቢ ድዩ?
ዝሓለፈ ተመክሮታትን ዓወታትን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ርእዮም ‘’እወ ክንደይኳ ጅግና!!! ንታንኪ ብካልሽን ዝማርኸ፡ ንምብራቖም ኮነ ንምዕራቦም ኣላሽ ዘበለ፡ ነቶም ብዕስራ ጊዜ ዝበዝሕዎን ጀጋኑ ዝጽውዑን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ዘሰክሔ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፍሉይ ዝዀነ ታሪኽ ዝሰርሔ፡ ሓደ ንዓሰርተ ጥራሕ ዘይኮነ ሓደ ንሚእቲ ከተሰልፎ ድሕር ከይበልካ ከተወዳድሮ ትኽእል፡ ዝተረጋገጸን ዝተጨበጠን ልሉይ ታሪኽ ዘለዎ ጅግና ህዝቢ እምበር ዝብሉ ብብዝሒ ኢዮም። እሞ በዚ ጠምባስ ስርዓት ኤርትራ ክቕጥቀጥን ክጸንትን ድኣ እቲ ህዝቢ እንታይ ወረዶ? እቶም ጀጋኑኡን ሰራሕቲ ቅያን ዝበሃሉኸ ኣበይ ኣተዉ? ሓደ ከይተረፎም ኵሎም ሓሊፎም ማለት ድዩ? እንድዒ!! ደጋጊምካ ሓቲትካሉ መልሲ ዘይተረኽቦ ሕቶ ኢዩ።
ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ስርዓት ፕረሲደንት ኢሳያስ ፈትዩ ዝናበርን ዝእዘዝን ዝግብርን ህዝቢ እቲ ዝወሓደ ኢዩ። እሞ ብኸመይ ድኣ ነዚ ኵሉ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኮፍ ኢሉ ዝደለዮ ክገብርን ሃገር ከካይድን ይኽእል ኣሎ? ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይበጽሖን ምስጢር ኣሎ ስለ ዝበሃል ምምርማሩ ከድሊ ኢዩ። ገለ ገለ ሰባት ከም ዝብሉዎ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉ ዝከላኸል ንፉዕ ህዝቢ ኣይኰነን። እኳ ድኣ ፍጹም ምሉኽን ትኣዛዝን ኢዩ። ኣብ ኵናት ንፉዕ ክንሱ ንመሰሉን ንሓርነቱን ዋላ ንውልቃዊ ሂወቱ ከይተረፈ ንኽከላኸልን ክስዋእን ዘይደፍር ጀጃዊ ህዝቢ’ዩ ዝብሉ እውን የጋጥሙ ኢዮም።
እዋእ! ኣንታ እንታይ ትብሉ? እዚ ኵሉ ቅያ ዝሰርሔ ህዝብስ ጀጃዊ? ንዑ ድኣ ካልእ ምኽንያትን ዘረባን ኣምጽኡ ኢልካ ምስ ትከራኸሮም ከኣ እቲ ንፋዕን ጅግናን ዝበሃል እቲ ንመሰሉ ክቃለስ ኢሉ ክሳብ መስዋእቲ ድሕር ከይበለ ብድሌቱን ብተበግሶኡን ዝለዓል ህዝቢ ጥራሕዩ። ብዛዕባ ኣብ ኵናትን ኣብ ቃልስን ዝርኤ መንፍዓት ግን ኣብ ኵናት ዝኣቱን ዝዋጋእን ካልኦት መራሕቲ ብዝህቡዎ ትእዛዝን ምግዳድን ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ሶማልያ ከምኡውን ሊብያ ኣብ ኵናት ንሰብ ዘገረመ ጅግንነት ዘመስከሩ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። እሞ እዚኦምሲ ንፉዓት ነሮም ማለት ድዩ? ብማለት ከኣ መሊሶም ይሓቱኻ።
ቀጺሎም ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ እውን እንተዀነ ብዙሓት ኮማንድስ ኰነ ፖሊስ ኣብ ዓውደ ኵናት ብዙሕ ጅግንነት ዘመስከሩ ወትሃደራት ነሮም እዮም። ሓደ ሰብ ኣብ ወትሃደር ወይ ገድሊ ምስ ተሰለፈ ኣብ ዓውዲ ኵናት ብዘርእዮ ወትሃደራዊ መንፍዓት ጥራሕ ነቲ ሰብ ንፉዕ ከጸውዖ ይኽእልዶ? ምኽንያቱ ብተመክሮ ኤርትራዊ ሓደ ጊዜ ወትሃደር ምስ ተኸትበ ወይ ኣብ ሰውራ ምስ ተሰለፈ ብሓንጎሉን ብእምነቱን ዘይኮነ ብናይ ካልኦት ትእዛዝን መምርሕን’ዩ ሓንጎልን ኢዩ ዝካየድ። እቶ እንተበልዎ ይኣቱ ውጻእ እንተበሉዎ ከኣ ይወጽእ። ከም ኣቕሓ ዝጥቀምሉ ተንቀሳቓሲ ፍጥረት እምበር ባዕሉ ሓሲቡ ብድሌቱ ዝሰርሕን መንፍዓት ዝፍጽምን ኣይኰነን። ወትሃደራዊ ሜላን ጅግንነትን ከኣ ካብ ህዝባዊ መንፍዓት ይፍለዩ’ዮም እውን ይብሉ። ብወትሃደራዊ ስራሕን ብኵናትን ጅግና ንዝዀነ ሕብረተሰብ ንፉዕ ህዝብዩ ክትብሎ ዘይከኣል እንተዀይኑ ኣብ ምንታይ ዝነፍዔ ድኣዩ ንፉዕ ህዝቢዩ ዝበሃል ኢልካ ንተቕርበሎም ሕቶ ወትሃደራዊ መንፍዓትን ህዝባዊ መንፍዓትን ከም ዝፈላለ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ዘይቀራረቡ የእምኑኻ።
ብኣበሃህላ ገሊኣቶም ንፉዕ ዝበሃል ህዝቢ ኣይኰነንዶ ኣብ ነብሱ ንዝወርድ ግፍዕታት ክስከም ካልእ ክግፋዕን ክብደልን ክርኢ ከሎ እንተዀነ እውን ምእንቲ ውጹዕን ግፉዕን ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ዝቃለስን ዝስዋእን ኢዩ ይብሉ። ህዝብና ግን እዚ ኵሉ ወሪዱዎ ዘሎ ብስንፍንኡን ስቕ ብምባሉንዩ። መንግስቲ ኤርትራ ብብሓደ በብቕሩብ እናገበረ ነቲ ኵሉ ህዝብን ሰራዊትን ጀጃዊ ጠባያቱ ስለዘለለዮን ዝቐበጾን ከኣ ሎም ሕፍር ከይበለ እዛ ሃገር ብዘይካይ ሰብ የብላን። ተቓሊሰ ነጻነት ዘምጻእኩ ባዕለይ፡ ሃገር ከም ሃገር ክትፍለጥ ዝገበርኩዋ ባዕለይ፡ ነቲ ህዝቢ ሓደ ህዝቢ ዝገበርኩዎ ባዕለይ ስለዝዀንኩ ከምቲ ሰብ ንፈጣሪኡ ክወቕሶን ክደፍሮን ዘይግብኦ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣነ ብዝገበርኩሉን ዝወሰንኩሉን ጥራሕ ክነብር ኣለዎ።
ነዚ ዘይደልን ዘይቅበልን ከኣ ማዕጾ ክፉትዩ ኣብ ድላዩ ዋላ ናብ ወርሒ ይኺድ ክብል ብድፍረት ዝተዛረበሉስ ሒደት ጊዜ ኣይኮነን።
መንእሰያት ሃገር ገዲፎም ክጠፍኡ ፈሪዱዎም ክነሱ ዶብ ጥሒሱ ንኽስደድ ዝረኸቦ ከኣ ብጥይት የጥፍኦ ኣሎ። ነጋዳይ ከይነግድ፡ ሓረስታይ ከይሓርስ፡ ተመሃራይ ከይመሃር፡ ስድራቤታት ከይእከቡን ከይምዕቡሉን በሊዖም ከይጸግቡን ከይተረፈ ከረው ኣቢሉ ሒዙዎም ይርከብ። እዚ ኵሉ ገሩ ህዝቢ ሓንቂቑ ክብል ብንዕቀትን ብትዕቢትን ክገልጽ እውን ድሕር ኣይበለን። ነዚ እኩይ ተግባራት ዝቃወሙን ዝእሰሩን ዝተሰዉኡን ደቂ ሃገር ኣይነበሩን ወይ የለዉን ማለት ኣይኰነን። እዚ ግን መንፍዓት ናይ ውልቀሰባት እምበር መንፍዓት ህዝቢ ከጸውዕ ዝኽእል ኣይኮነን ዝብሉዎ ከኣ ብዙሓት ኢዮም።
ብመሰረኡኸ መንግስቲ ኤርትራ ድዩ ሕማቕ ወይሲ እቲ ህዝቢ? ንዝብል ሕቶ ህዝብና ምሉኽ፡ ፈታው ንብሱ፡ ተመሳሲሉ ዝሓድር፡ ንርእሰይ ጥራሕ ይጥዓመኒ በሃላይ፡ ቀናእ፡ ሓሳዊ፡ ንጠቕሚ ክብል ንሓዉ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ነንሓድሕዱ ልዝብ ዘይብሉ፡ ካብ ሓዉ ክዓብን ክሓልፈሉን ምስ ሓዉ ተለኻኺሙ ክደክን ክጠፍእን ዝመርጽ፡ ንሓድሕዱ ዘይትኣማመን፡ ካብ ብሓዉ ብባዕዲ ክግዛእን ክመሓደርን ዝመርጽ፡ ኣብቲ ደሞዝን ረብሓን ዘይብሉ ሽመት ጭቕነት ዓዲ ከይተረፈ ነንሓድሕዱ ዝባላዕን ዝተሓራረድን፡ ሓዉን ሓብቱን ብጥሜት እናተሳቐዩ ንበይኑ ዝበልዕን ጸጊቡ ዝሓድርን፡ ንሓዉ ክስእንን ካብኡ ክልምንን እምበር ክሓልፈሉን ማዕሪኡ ክኸውንን ዘይምነ፡ ብሓጺሩ ካብ ተለኻኺምና ንማዕብል ተለኻኺምና ንጥፋእ ዝብል ሕማቕ ፍጥረት’ዩ ዝብሉኻ ክትሰምዕ ከሎኻ ከኣ ትስምብድ። ነብስኻውን ምቕባል ይኣብዮ።
ኣይ! ኣይ! ወዮ ድኣ ኣይሰልጦን እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ንመሰሉን ሓርነቱን ንምምጻእ ቃልሲ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ማእሰርቲ ኣሎ። ክንዲ ምንታይ ህዝቢ ድዩኸ ገና ኣብ ቃልሲ ዘሎ? እሞ እዚ ኵሉ ንመሰሉን ሓርነቱን ንምርካብ ትኣሲሩ ወይ ተሰዊኡ ዝበሃል ዘሎስ ሕማቕዩ ክንብሎ ዲና? ሂወቱ ንምኽፋል ድሕር ዘይብል ህዝብስ ሕማቕ ፈራሕ ፈታው ነብሱ ክንብሎ? ሕማቕ ህዝቢ ክንብሎ? ኣይፋልኩምን ንዑ ድኣ ካልእ ዘረባ ቀይሩ ምስ ትብሎም ከኣ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ እሞ ነዚ ኵሉ ትኣሲሩ ወይ ሂወቱ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኣሕሊፉ ዝሃበ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ እንታይ ገበረሉ? ክሳብ ኣብታ ነብሱ ትመጾ እንተኽኣለ ይሕባእ ወይ ኣፉ ዓቢሱ ትኣዚዙን ተመሊኹን ይኸይድ። ፡ እንተዘይከኣለ ከኣ ሃገር ገዲፉ’ዩ ይሃድም’ዩ ዘሎ። እሞ ኣየናይ ድኣዩ እቲ ጅግንነት ዝበሃል? ኢሎም ግትር ዘብሉኻን ቃል ከም ዘይትምልስ መልሓስካ ዘልትቱኻን ክትረክብ ከሎኻ ከኣ ኣይውረድ ኢዩ።
ገለ ገለ ሰባት ነዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ክርእዩን ክዕዘቡን ከለዉ ቀደም እWን እንተኾነ ብረታዊ ቃልሲ ምጅማርና ቅኑዕ ኣይነበረን። ካብ ኢትዮጵያ ክንፍለ ቃልሲ እንተዘይንምስርትን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኵናት እንተዘይንኣቱን ሃገርና ሎሚ ኣበይ በጺሓ ምዀነት። ኤርትራ ምስቲ ኵሉ ኣብ ሃገርና ዝከየድ ዝነበረ ሰውራ ኣዝያ ዝማዕበለትን ህዝባ ብትምህርቲ ኮነ ብቝጠባ ዝዓበየን ዝሰልጠነን ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተጸምበረትን ህዝብና ናብ ምሉእ ኢትዮጵያ ከይዱ ክመሃርን ክነግድን ክሰርሕን ምስ ጀመረ ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ወረ ናይ ሽዑስ ንግደፎ ሎሚ ከይተረፈ ድሕሪ እዚ ኵሉ ጥፍኣትን መስዋእትን ከፊልና ዝተረኽበ ናጽነትን ዝመስረትናዮ ናትና ናይ ባዕልና ንብሎ መንግስትን ገና ኣብ መግዛእቲ ኢትዮጵያን ኣብ ወያነን ክምለሱ ሃንቀው ዝብሉን ከይሓፈሩ ዝምድሩን እውን ኣለዉ።
ነዚ ኵሉ ዝፈጠረ ከኣ እቲ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ኣቃውማ መንግስቲ ኢዩ።
ብርእይቶና ግን ሰብ ጥዒሙዎ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር። ንኽትነብር ትዕግስቲ፡ ኒሕ፡ ሓቦ፡ ተስፋ ኣድለይቲ ኢዮም። እሞ ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝሓሰመካ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምምናይ ኤርትራዊ መንፈስን ሕልናን ዝቕበሎ ኣይኮነን። ነዛ ጀጋኑ ደቃ ዝኸፈለት ሃገር ከኣ ፍትሕን ዲሞክራስን ክሳብ ትጭብጥ ከድሕኑዋ ዝኽእሉ ዝተረፉ ጀጋኑ ደቂ ከም ዘይስኣኑዋ ንትኣማመን ኢና።
ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ።
ሰላም ቅነ
Since you’re here …
The Anatomy of dictorship
Authoritarian breakdown — how dictators fall
Appeal from the AHN editor: Please dear someone translate into Tigrinja/Amarinja and summarize the main contents of the above three videos. The Great Challenge is in the knowing and understanding the nature of the current Eritrean & Ethiopian regimes!