PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
BACK2KCAB: ሎሚኸ ናይ ምንታይ ትግራይ ትግሪኚ
ቀለታ ኪዳነ ሎንዶን | Sep 16, 2016
ትግራዎት ካብ ኤርትራ ወይ ኤርትራውያን ዝደልዩዎ ዘለዉ እንታ’ዩ? ክሳብ ክንድቲ ዝግምግሙዎ ዘለዉ ቀሊል ድዩኸ?
ኣቶ ኣባዲ ኣባይ ቅድሚ ሎሚ ብዛዕባ ጕዳይ ኤርትራን ህዝባን ኣልዒሎም ከምኡ’ውን ምስ ህዝቢ ትግራይ ክህልወና ዝኽእል ርክብ ኣሚቶም ናብ ዓይጋ ፎርም ንዘቕረቡዎ ጽሑፍ ብዓቕመይ ብማዕከናት ዜናታት መሊሰሎም ነረ። እዞም ሰብኣይ ግን ሎሚ እውን ኣየዕረፉን። ሎሚ እውን እንደገና ካብ ዕስራን ሽዱሽተን ገጻት ዝበዝሕ ጽሑፍ ብምድላው መልእኽቶም ብመንገዲ ዓይጋ ፎርም ንህዝቢ ኤርትራን ተጋሩን ንህዝቢ ዓለምን ዘርጊሖሞ ኣለዉ። ኣብቲ ነዊሕ መልእኽቶም ኣትየ መልሲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ከኣ ነቲ ናይ ቀደም ኮነ ሎሚ ርእይትኦምን ሕቶታቶምን ህዝቢ ከንብቦን ኒሕ ዘለዎ እንተተረኽበ መልሲ ክህበሉን ሎሚ’ውን እንደገና ንህዝቢ አቕርቦ ኣሎኹ። ብሕጽር ዝበለ ናተይ ርእይቶ ዝጽበዩ እንተዀይኖም ግን ካብቲ ናይ ቀደም ዝፍለ ኣይኮነን። እንቶ ብዛዕባቲ ናይ ውሽጣዊ ሽግራትናን ጸገማትናን ግን ብቐጻሊ ዝጽሕፈሉን ዝዛረበሉን ጕዳይ ስለዝዀነ ንሎሚ ኣብዚ ከልዕሎ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይረኸብኩዎን።
ቀለታ ኪዳነ
ሎሚኸ ናይ ምንታይ ትግራይ ትግሪኚ?
ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይጸልኣኩምን ከይተላዕለኩምን እንተተቕርቡዎ’ኳ ምናልባት ዝያዳ ቍሩብ ክብደት ምሃለዎ ነሩ።
እንቶ ስለ እቲ ኤርትራውያን ሃገርና ከይትፈርስን ህዝብና ከይበታተንን መእተዊ ከይንስእንን ናባኹም ክንጽጋዕ ዘርኣኹምና ሓልዮትን ዝገበርኩምልና መጸዋዕታን ግን የቐንየልና እናበልና ነቶም ኣብ ትሕቴኹምን ኣብ ትሕቲ ስልጣንኩምን ምሕረትኩምን ዘለዉ ድኻታት ብሔራት ኣትዮጵያ ፍትሕን ሰላምን ግበሩ እምበር ንሕናስ እንተ ከፊኡ እንተ ጸቢቑ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናዮ ናትና ንብሎ ንውንኖ ሃገርን መንግስትን ኣሎና። ሎሚ እንተኸፍኤ ጽባሕ ከነዓርዮን ከነመሓይሾን ኢና’ሞ ኤርትራ ድያ ትግራይ ቅድም ክትፈርስ መን ኣብ መን ክጽጋዕ ከም ዝዀነ ጊዜ ክነግረና ኢዩ። ነዚ ሎሚ ተቕርቡዎ ዘሎኹም ርእይቶን ናይ ሕውነት መጸዋዕታን ኣቐድም ኣቢልኩም ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይጸልኣኩምን ከይተላዕለኩምን ከሎ እንተተቕርቡዎ ግን ዝያዳ ክብደት ምሃለዎ ነሩ።
ኣቶ ኣባዲ ኣባይ ዝተባህሉ ባበሃህላኦምን ኣቀራርባኦምን ለባም ዝመስሉ ትግራዋይ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ንሕብረትን ራህዋን ኤረትራውያን ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኣግኣዝያን ትግራይ ትግርኚ ንመስርት ብማለት ኣብ ዓይጋ ፎርም ብምጽሓፍ ንኤርትራውያንን ንተጋሩን ለበዋኦም ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። እቲ ዝገርም ግን ንሶም መብዛሕትኡ ጽሑፎም ንኤርትራውያን ከም ትግራዎት እምበር ከም ኤርትራውያን ከልዕልዎምን ክጽውዑዎምን ኣይስምዑን ኢዮም። ትግራዎት ይብሉ ንሶም ንዓና ንኤርትራውያን ሓዊሶም ማለትዩ ክንሕይልን ካብ ጸላእቲ ወራር ክንድሕንን ክንጠራነፍ እምበር ክንፈላለ የብልናን ብማለት መልእኽቶም የቕርቡ። ብዙሓት ሰባት ንምንታይ ወትሩ ጊዜ ብዛዕባ ስርዓት ወያነ ከም ዝጽሕፍን ነቲ ስርዓት ከም ዝጸልኦን ዝወቕሶን ይሓቱንን ገሊኦም እውን ከይንሓፉ ይጻብኡኒ ኢዮም። ንሳቶም ብዕምቆት ስለዘይርድኡዎ ሓቆም ኢዮም። ኣነ ግን ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ ኵነታት ክትህሉ ዝኸኣለት እቶም ቀንዲ ሃንደስቱን ኣሳሰይቱን ካልኦት ይኹኑ እምበር እቶም መሳርሕን ኣተግበርትን ኮይኖም ኤርትራ ሰላም ከይትረክብን ከይትምዕብልን ብግልጺ ክሰርሑን ክጽዕሩን ሚልዮናት ገንዘብ ከጥፍኡን ዝጸንሑ እዞም ኣሕዋትኩም ኢና ዝብሉና መራሕቲ ስርዓት ወያነ ምዃኖም ኣዳዕዲዔ ዝፈልጦን ዝኣምኖን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ኣፎም ዝረኸብኩዎ ጭብጥን መረጋግጽን ስለዘሎኒ እውን ኢየ።
ገለ ገለ ሰባት እቲ ቀንዲ ጸገም ባዕሉ እቲ መንግስቲ ኤረትራ ዝበሃል ንህዝቡ ዘለዎ ጭካነን ግፍዕን እከይ ምሕደራን እምበር ናይ ጐረቤት ወሳኒ ኣይኮነን ይብሉ ኢዮም። ከምኡ እነተተባህለ ብዕምቆት ንዘይፈልጥ ክእመን ዘይከኣል ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ግን ስርዓት ወያነ ንባዕሉ ጥራሕ ዘይኮነ ነተን ክልተ ጐረባብትና ሃገራት ሱዳንን የመንን ሰንዓ ፎርም ብዝብል ስምምዕ ብድሕሪኡ’ውን ንጅቡቲ ኣእሚኑን ተቘጻጺሩን እቲ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ጕዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ባዕሉ ሒዙ ንደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ከም ዝውንኖን ኣብ ኢዱ ከም ዝኣቱን ብምግባር ኤርትራውያን ተሰማሚዖም ንሃገሮም ዝኸውን ከይመያየጡን ፍታሕ ከይረኽቡን ፍሕት ከም ዘይብሉ እናተቘጻጻረ ሓሊኹ ሒዙዎም ጸኒሑን ኣሎን። ኣይሰላም ኣይኵናት ብምእዋጅ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝስደድ ብምግባር ንመንግስቲ ኤርትራ ከውድቕን ንህዝቢ ኤርትራ ክብትንን ብማለት ንህዝብና ብዙሕ ገፊዑዎን በዲሉዎን ኢዩ። ነዚ ከኣ ብሰፊሑ ታሪኽ መዝጊቡዎ ዝርከብ ዘሎ ኢዩ።
ኤርትራ ብቕዋም ትመሓደር ዲሞክራስያዊት ሃገር ምስ ኮነት ዝለዋወጥን ዝመሓየሽን ጕዳያት ከም ዝህሉ ፍሉጥ ኢዩ። ድሕሪ ልዑላዊትን ናጻ ኤርትራን ምፍጣርና ኤርትራውያን ዓፋርና ኮነ ሳሆና ትግረና ኮነ ትግርኛና ኵልና ትሽዓተ ብሄራት ከም ኤረትራውያን እምበር ከም ትግራዎት ወይ ትግርኛ ኣይንጽዋዕን ኢና። ንሕና ከኣ ሎሚ ኤርትራውያን እምበር ትግራዎት ኣይኮናን። ብኣንጻሩ ትግራዎት ዓፋር ኮነ ሳሆ ከምኡ’ውን ተዛረብቲ ትግርኛ ግን ከም ትግራዎት እምበር ከም ኢትዮጵያውያን ክጽውዑ ኣይስማዕን ኢዩ። ነቲ ኣግኣዝያን ወይ ትግራይ ዝብል ስም ንምልዓልን ንምዕባይን ከኣ ሎሚ ‘’ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ’’ ከም ዝበሃል ትግራዎት ኣይፋልኩምን ንዑ ድኣ ንስኹም ነታ ኤርትራ ትብሃል ኣቐሚጥኩም ንሕና እውን ነታ ኢትዮጵያ ንኽልቲኤን ኣብ ጐድኒ ኣጽኒሕና ነታ ንጥንታዊት ኢትዮጵያ ትመርሕን ተመሓድርን ብናይ ኵልና ተዛረብቲ ትግርኛ ኣቦ ብዝዀኑ ብሃጸይ የውሃንስ ትምራሕ ዝነበረት ትግራይና እንደገና ንፍጠራ ክትብሉ ግን እቲ ዝገርም ኢዩ። እሞ ኣይደንጎኹምንዶ?
ነዚ ሎሚ ተቕርቡዎ ዘሎኹም ርእይቶን መጸዋዕታን ኣቐድም ኣቢልኩም ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይጸልኣኩምን ከይተላዕለኩምን ከሎ ዘይዘከርኩሞኸ ስለምንታይ?
ንምዃኑኸ ነዚ ኣበሃህላኹም ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መልሲ ትጽበዩሉ?
እዚ መጸዋዕታ ኣዚኸ ናይ ኣቶ ኣባዲ ኣባይ ናቶም ናይ በይኖም ጥራሕ ድዩ መሪሕነት ስርዓት ወያነ ዝደልዮን ዝጽውዖን ዘሎ እውን ኢዩ?
ብርእይቶና ስርዓት ወያነ እውን መንግስቲ ኤርትራ ክወድቕን ህዝቢ ኤርትራ ተበታቲኑ ከምቲ (ኣስላማይ ንባሕሩ ክስታናይ ንጐንደሩ ዝበሃል) እቲ ክርስትያን ተዛራባይ ትግርኛ ኣብ ትግራዎት ስርዓት ወያነ ክምብርከኽን ክጽጋዕን፡ እቲ ኣስላማይ ከኣ ንሱዳኑ ገጹ ክስደድ ብማለት ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ሕቘኡ ተሰቢሩ ክድምሰስ ኣለዎ፡ ኢትዮጵያ ብፍላይ ትግራይና ክትምዕብል እንተዀይና ከኣ ስርዓት ሻዕብያ ጠፊኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣባና ክልምንን ክምብርከኽን ኣለዎ ብማለት ዓው ኢሎም ስርዓት ወያነ ብዘይ ሕብእብእ ክዛረቡሉን ክሰርሑሉን ዝጸንሑ ጕዳይ ኢዩ።
ኣብ ታሪኽ ከይኣቶናን ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝዀኑ ኣህዛብ ትንተና ከየቕረብናን ከኣ ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ካብ ዘሎ ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ክንጅምር እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ምናልባት ቅሩብ ቅድም ኢልና ካብ መግዛእቲ ጣልያን እንተጀመርና’ውን ነቲ ጕዳይና የራጕዶ እምበር ኣየፋዅሶን ኢዩ።
ድሕሪ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ናይ ስራሕ ዕድላት ቍጽሪ ዘይብሎም ተጋሩ ንኤርትራ ከም ዝኣተዉን ኣብ ኤርትራ ተጣይሶም ከም ወጻእተኛታት ዘይኮነስ ከም ደቂ ሃገር ሰሪሖምን ከቢሮምን ክናበሩ ጸኒሖምን ኢዮም። ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገጠራት እምበር ኣብ ከተማታት ይቕመጥ ስለዘይነበረ ከተማታት ኤርትራ ብትግራዎት ዝተወነና ምንባረን ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።
ኵለን ኣውራጃታትን ዓድታትን ኤርትራ ንመሬት ዓደን ብኸመይ ንደቂ ዓደን ደቀባት የመሓድርኦ ሕጊ ስለዝነበረን ግን ኣብ ሓንቲ ዓዲ ወጻእተኛ መጺኡ መሬት ክውሃብን ወዲ ዓዲ ክኸውንን ኣብቲ ዓዲ ክጣየስን ግን ናይ ገዛእ ርእሱ ነዊሕ ዓመታት ዝወስድ መስርሕ ዝነበሮን ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ጓና መጺኡ ኣብ ዘይዓዱ ክሰፍርን መሬት ምስ ደቂ ዓዲ ተማቒሉ ክነባበርን ዝከኣል ኣይነበረን። እቶም ኣብ ከተማታት ክቕመጡ ዘይከኣሉ ተጋሩ ኮነ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ሰሜናዊ ባሕርን ካልእ ብመንግስቲ ዝውነን መሬት ዶመንያለ መሬት ሕርሻ እናተዋህቡ ከም ዜጋታት መብዛሕትኦም ኣብቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሰፈር ተጣይሶም ካብ ደቂ ሃገር ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ዘይብሎም ብታሕጓስን ብማዕርነትን ክነብሩ ጸኒሖም ኢዮም።
ኣብ ኣርብዓታት ጕዳይ ፖለቲካ ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለሉ ከኣ ብዘይካ ሓደ ኣቶ ወልደኣብን ካልኦት ውሑዳትን ዳርጋ ብምሉኦም እቶም ዓበይትን ሃብታማትን ዝነበሩ ኤርትራውያን ተጋሩ ንኣንድነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቓሊሶምን ንናጽነት ኤርትራ ዓንቂፎምን ሓናኺሮምን ኢዮም። ኣብ ጊዜ ግዝኣት መንግስቲ እንግሊዝን ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሱፐር ኤርትራውያን ዜጋታት ብምዃን ኣብ ሽፍትነት ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ብዙሕ ግፍዒ ፈጺሞም ኢዮም። ኣብ ጸጥታን ሰራዊትን ኢትዮጵያን እውን ብምእታው ንኤርትራን ህዝባን መሬታን ጠባያን ስለዝፈልጡ ረቂቕ ሓበሬታታት ንጸላኢ እናትሓላለፉ እውን ብዙሕ ጕድኣታት ኣውሪዶም ኢዮም።
ኣቶ ኣባዲ ኣባይ ብዛዕባ ኣቶ ወደኣብ ወደማርያም ዝነበሮም ናይ ትግራይ ትግርኚ ዕላማ እውን ጠቒሶም ገሊጾም ኣለዉ። ልክዕ ኢዩ። ኣቶ ወልደኣብ ግን በቡኦም መምህር ወልደማርያም ኮነ በዲኦም ምንም ሕዋስ ዘይብሎም ጽሩይ ትግራዋይ ኢዮም። ወላዲኦም ካብ ትግራይ ንኤርትራ ዝመጹ ከኣ ከም ናይ ከኒሻ መምህር ኮይኖም ወንጌልን ካልእን ንምምሃር ኣብ ዓዲ ዛርና ሰራየ ዝተጣየሱ ኢዮም ነሮም። እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶምን ተማሂሮምን ዝዓበዩ ደቆም ከኣ ከም ኩሉ ሰብ ፍቕሪ ኤርትራን ህዝባን ስለዝሓደሮም ንኤርትራ ኣብ ጐድኒ ዘይኮነስ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ተቓሊሶምላ ኢዮም። ብዙሓት ኤርትራውያን ይዛረቡሉ ከም ዝነበረ ግን እቲ ቀንዲ ናይ ኣቶ ወልደኣብ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘቃልሶም ዝነበረ ፍቕሪ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ኣብ ዓዶም ኣብ ትግራይ ብገዛእቲ ኣምሓራ ዝግበር ዝነበረ ግፍዕን ጭፍጨፋን ኣምሓራ ኣምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ምዕቡልን ፍትሔኛን ከም ዝነበረ ግን ንኣቶ ወልደኣብ ብጠባዮምን ብፍትሓውነቶምን ብዓቕሞምን ብንኤርትራ ዘለዎም ፍቕርን እምበር ብትውልዶም ወይ ብዓሌቶም ክዋስኖምን ክጥርጥሮምን ኣይተራእየን። እዚ ማለት ግን ኣብ ናይ ሃገር ምምራሕ ስልጣን ንኸይመጹን ብዝዀነ ይኹን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ኵነታት ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ንኸይከውን ብግልጺ ዝሞጎቱዎምን ዝተኸላኸሉዎምን ኤርትራውያን እውን ምንባሮምስ ዝከሓድ ኣይኮነን። ንገዛእቲ ኢትዮጵያ (ኣምሓራ) ደጊፎም ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣንጻር ገዛእቲ ኣምሓራ ዘካይዱዎ ዝነበሩ ቃልሲ ብምጽራር ክቐትሉዎምን ክሓርዱዎምን ብዙሕ ጊዜ ፈተናታት ዘካየዱ ግን መብዛሕትኦም ኣሕዋቶም ደቂ ዓዶም ተጋሩ ኤርትራውያን ምንባሮም ዝከሓድ ኣይኮነን።
ናይ ዝሓለፈስ ሓለፈ እሞ ሕጂኸ ትግራዎት ዝጠልቡዎ ዘለዉስ እንታዩ?
ኤርትራ ኣብ ኣስጋኢ ኵነታት ኣላሞ ናባና ተጸግዑን ምሳና ሕበሩን ዝብሉዎ ዘለዉኸ ትግራይ ካብ ኤርትራ ንላዕሊ ቅስንትን ርግእትን ስለ ዘላን ከይንጠፍእ ስለ ዝሓለዩልናን ድዩ?
እቲ ኣብ መንጎ ሰውራ ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ኵነታት ብዙሕ ጊዜ ዝተገልጸን ማንም ሰብ ዝፈልጦን ስለዝዀነ ሎሚ ብዛዕባኡ ምዝራብ ብዙሕ ዘድሊ ኣይመስለንን። እቲ ንሕና እዚ ገርና ንሶም እዚ ደጊሞም ንግደፎ እሞ ኤርትራውያን ሃገሮም ነጻ ድሕሪ ምግባሮምን ትግራዎት ንኢትዮጵያ ምስ ተቘጻጸሩን ኣብ መንበረ መንግስትነት ኢትዮጵያ ኮፍ ምስ በሉን ግን ንሃብትን ንብረትን ብዝሕን ህዝቢ ኢትዮጵያ ትኣማሚኖም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወራር ንምክያድን ዓመጽ ንምፍጻምን ንህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽን ክሕንጽፁ ንትግራዎት ብዙሕ ጊዜ ኣይወሰደሎምን።
እቲ ብግሉጽ ዝተራእየን ዝተፈጸምን ሓቂ ንሱ ስለዝዀነ ከኣ ብዙሓት ሰባት ንባዱመ ዝወረረትን ኣቐዲማ ግፍዒ ዝፈጸመትን ኤርትራ ምዃና ይዛረቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብጭብጢ እውን ዝተደገፈ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን እቲ ንባድመ ምውራር ሽዑ ብሃንደበት ዝተጀመረ ኣይነበረን። ቅድሚኡ ኣብ ባድመ ኮነ ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቂ ሃገር በደላትን ግፍዕታትን ኣይተፈጸመን ድዩ? ነቲ ናይ ዓያሱ ናይ ምውራር ባድመ ስራሕ ምኽንያት ዝዀነ ብትግራዎት ምትዅታዅን ናይ ጽልኢ ምፍሕታርን ነገር ምድላይንከ ኣይተረእየን ኣይተፈጸመን ድዩ? እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ሰላምን ፍቕርን ከይርከብ ብድሕሪት ኰይኑ ዝደፋፍኦ ዝነበረኸ መንዩ? እቲ ጕዳይ ክንኵዕቶን ነቲ ሓቂ ክንፈልጦን ከድልየና ኢዩ።
ናይ ቀደም ከኣ ንግደፎ ስርዓት ወያነ ዋላ ሎሚ እውን ዕሱባት ኤርትራውያን እናዋፈረ ታሪኽን ቃልስን ኤርትራ ንምቕያርን ጅግንነትን ስብእነትን ኤርትራውያን ንምንእኣስን ሎሚ እውን ብዅሉ ዓቕሞምን ሓይሎምን ክሰርሑሉ ኣየዕረፉን። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ይግምግሞምን ይኽዕቦምን ከም ዘሎ ግን ዝርድኡዎ ኣይመስሉን።
ንሕና ኤርትራውያን መብዛሕትኡ ጊዜ ክንሓምን ክንወቅስን ከሎና ሓቂ ተመርኵስና በቲ ናትና ኢና ንጅምር። ስለዝዀነ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝገበሮም ጌጋታት ዓው ኢልና ንዛረበሎምን ንጽሕፎምን ንመንግስትና እውን ከይንቀፍ ኣይንንሕፎን ኢና። ነዚ ክኣ ብጭብጢ ጽሑፋትና ክርኤን ክፍተሽን ይኽእል ኢዩ።
ኣቶ ኣባዲ ኣባይ ግን እዚ ኵሉ ብትግራዎት ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝተፈጸመ ግፍዒ ዋላ ሓንቲ እውን ብምጥቃስ ንስርዓት ወያነ ዝወቐሱዎምን ጌጋኦም ዝሓበሩዎምን ኣይሰማዕናን ኣየንበብናን እውን። ክንሓብር ክንሰምር ኣሎና እናበሉ ዋላ ሓንቲ ቃል እውን ንስምረትን ንምቅርራብን ትዕድም ቃል ኣየውጽኡን። ፍቕርን ሕውነትን ዝደሊ ሰብ ብመጀመርያ ኣብዝን ኣብዝን ተጋግየ’ሞ እቕሬታ እሓትት ብማለት ልቢ ኣሕዋቱ ምስ ኣዝሓለን ኣረስረሰን ጥራሕዩ ንዝያዳ ፍቕርን ሕውነትን ዝሓትት።
እቲ ብቐንዲ ክንጠቕሶ ንደሊ ግን ህዝቢ ኤርትራ ጽልኡን ቂሙን ቅርሕንቱን ምስቲ ስርዓት እምበር ምስቲ ጭቁን ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይሲ ወሪዱዎ እቶም መራሕቱ በላሶታት እንተሰርሑን ንግድታት እንተማዕበሉን ንህዝቢ ትግራይ ቅጫ ክዀኖ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዘይካ ኒሕ ከኣ ብስልጣን ወያነ ዝረኸቦ ሓለፋን ምዕባሌን ኣይተራእየን። ሎሚ ከኣ ነቲ መራሕቲ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጸሙዎ ግፍዒ እቲ መስኪን ህዝቢ ትግራይ ክኸፍሎ ንርኢ ኣሎና።
እሞ ኤርትራ ከይተበታተነትን ከይጠፍኤትን ከላ ንዑ ናባና ተጸግዑ ከነድሕነኩም ዝብል ምኽሪ ኣቶ ኣባዲ ግን ሎሚ ኤርትራ ድያ ትግራይ ከይትበታተንን ከይትጠፍእን ዝፍራሕ ዘሎ ኣብ መጻኢ ጊዜ ኵነታት ክነግረና ኢዩ። ንምዃኑ እቲ ኽጥዕሞ ከሎ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኢየ ዝብል ገለ ክትጽግሞ ከላ ከኣ ኣነ ትግራዋይ ኢየ ምስ ኤርትራ ኣሕዋት ኢና ዝብል ስርዓት ወያነ ሓርነት ትግራይ ንባዕሉ ነቶም ህዝበይ ዝብሎም ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ብሄሊኮፕተር እናደብደቦም ከሎስ በየናይ ኣእምሮና ክንዓግብዩ ሎሚ ኣብ ትግራዎት ክንጽጋዕን ንትግራይ ትግርኚ ክንርዕምን ኣቶ ኣባዲ ዝምሕጸኑና ዘለዉ? እቲ ኣዝዩ ዝገርም ኮይኑ ኵነታት ኢትዮጵያን ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝዘንግዑዎ ይመስለና።
ልክዕዩ ንሕና ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሽግራትን ጸገማት ምሕደራ ከም ዘሎና ዓው ኢልና ምስቲ መንግስትና ንዛረበሉን ንወቓቐሰሉን ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ካብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገማትን ሽግራትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ህዝቢ ይበዝሕ እሞ ኤርትራ ንኸይትፈርሰኩምን ጽባሕ መእተዊ ከይትስእኑን ንዑ ናባና ንዝበሃል ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣፍልጦ ፖለቲካ ጥራሕ ኢዩ።
ኤርትራውያን ናይ መንግስቶም ጸገማት ምሕደራ ምስ ኣጋጠሞም ንሓገዝን ንሓልዮትን ንዑቕባን ዝተጸግዑ ናብቶም ናይ ትማሊ መቓልስትናን ኣሕዋትናን ዝበሉዎም ተጋሩ ኢዩ። ስርዓት ወያነ ግን ኣይኮነንዶ ክሕግዙናን ክጥርንፉናን ኤርትራውያን ከይንሰማማዕን ኣብ ኢትዮጵያ ከይንሕይልን እሞ ንዓድና ከይንምለስ ብዘይካቲ ኣይሰላም ኣይኵናት ገርና ንኤርትራውያን ነውድቆምን ንፍርሶምን ዝብል ጨካን ፖሊሲኦም ንምብታንና ካብ ዕስራ ዓመታት ንላዕሊ ብልቢ ሰሪሖሙሉን ደኺሞምሉን ሚልዮናት ገንዘብ ኣጥፊኦሙሉን ኢዮም።
ኣብ እዋን ኵናት ባዱመ ነቶም ካብ ሰማንያ ሽሕ ንላዕሊ ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ኣርባዕተ ወለዶኦም ዘሕለፉን ንኢትዮያ ካብ ኢትዮጵያውያን ንላዕሊ ዝሰርሑን ዘገልገሉን ኤርትራውያን ቅድሚ ሎሚ ኣይኮነንዶ ናብ ሓወይ ትብሎ ንጸላኢኻ እውን ዘይግበር ገንዘቦምን ሃብቶምን ዘሪፍካ ዝባን ክዳኖም ዘይብሎም ካብ ሃገር ብግፍዒ ኣባሪርካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተገብረ ግፍዒ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ‘’ዝሃረመ እንተረስዔ ዝተሃርመ ኣይርስዕን’’ ዝበሃል ምስላ ንኽርስዕዖ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።
ሎሚ እቲ ኵሉ ንብረትን ሃብትን ኤርትራውያን ወሪሶም ከምቲ ሓደ ትግራዋይ ዝበሉዎ ዘይርሃጹሉ ገንዘብ ኤርትራውያን ወሪሶምን ብናይ ዝምታን ዓመጽን ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ምፍጻሞም ከይኣክል ንብረትኩም ክንመልሰልኩም ኤርትራውያን ንዑ ተመለሱ ብማለት ገንዘቦም ምውራስ ከይእኽሎም ሎሚ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጠበቓታትን ብሰርቕቲ መደናገርቲ ስበስልጣናት ወያነን ገንዘቦምን ጕልበቶምን ዝባኽን ዘለዉ ኤርትራውያን ሒደት ኣይኮኑን። እሞ እዚኦም ድዮም እቶም ኣሕዋትና ኢልና ክንምለሶምን ክንቀርቦምን ዝድለ ዘሎ ኣቶ ኣባዲ? ኖ ኖ ኖ ኣይትሕለሙዎኳ።
ምናልባት ዘይበጻሕኩሞ ከይትዀኑ ዋላኳ ባዕልና ንኽእሎ ውሽጣዊ ጸገም ምሕደራ እንተሎና ኵልና ትሽዓተ ብሔራት ኤርትራውያን ሰላሳ ዓመት ተቓሊስና ብኣሽሓት መስዋእቲ ከፊልና ኤርትራ ትበሃል ካብ ኣምሓራ ኮነ ካብ ትግራዎት ወይ ካብ ኦሮሞ ብሓፈሻ ካብ ኢትዮጵያ ናጻ ዝኰነት ንዀርዓላን ንሕበነላን ናትና ንብላን ሃገር መስሪትና ኢና። ሎሚ ዋላ ውሽጣዊ ቃልሲ እንተሃለወናን እንተተሰደድናን ከኣ እቲ ዝኸፍኤን ዝዓበየን ሽግራት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓሊፍናዮ ኢና። ነቲ ተሪፉና ዘሎ ናይ ውሽጥና ጸገማት ከኣ ብቓልስናን ብሓድነትናን ከም ነማልኦን ንዕወተሉን ርግጸኛታት ኢና።
እንቶ ስለ እቲ ኤርትራውያን ሃገርና ከይትፈርስን ህዝብና ከይበታተንን መእተዊ ከይንስእንን ናባኹም ክንጽጋዕ ዘርኣኹምና ሓልዮትን ዝገበርኩምልና መጸዋዕታን ግን የቐንየልና እናበልና ነቶም ኣብ ትሕቴኹምን ኣብ ትሕቲ ስልጣንኩምን ምሕረትኩምን ዘለዉ ድኻታት ብሔራት ኣትዮጵያ ፍትሕን ሰላምን ግበሩ እምበር ንሕናስ እንተ ከፊኡ እንተ ጸቢቑ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናዮ ናትና ንብሎ ንውንኖ ሃገርን መንግስትን ኣሎና። ሎሚ እንተኸፍኤ ጽባሕ ከነዓርዮን ከነመሓይሾን ኢና’ሞ ኤርትራ ድያ ትግራይ ቅድም ክትፈርስ መን ኣብ መን ከም ዝጽጋዕ ከኣ ጊዜ ክነግረና ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ብኣናስ ኣይትሸገሩ የቐንየልና እናበልና ንሰናበተኩም።
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን
………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………………….
ኣባዱ ኣባይ | 03/01/2009 ዒ/ም [Ethiopian calendar]
ሓዯ ስጉምቲ ንቕዴሚት ንሕብረትን ራህዋን ኤርትራውያን ኢትዮዽያውያን ተጋሩ