• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

“ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” – ሓዱሽ ናይ 12 ኣዋርሕ ውጥን መንግስቲ ኤርትራ

May 31, 2017 By AHN

ብተወልደብርሃን ገብረ | MAY 30, 2017 | asmara-online.com

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ቅድሚ 26 ዓመታት ብዓወት ዝደምደመሉ ማዓልቲ ናጻነቱ ኣብ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ብድምቀት ከም ዘኽበረ ይዝከር። ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከካሻምሹ ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ተዂላታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ንማዓልቲ ናጽነት ብዝደመቐ መንገዲ ምዝካር ኣገዳስነቱ ልዑል ኢዩ። ተዂላታት ንዘሎና ብልሹው ምሕደራን ዕጹው ፖለቲካውን ቁጠባውን ባይታ ተጠቂሞም ቀደምስ ኣይበልናኩምንዶ ዝዓይነቱ ፕሮፖጋንዳ ክነዝሑን ንፍናንን ሃገራውነትን ኤርትራውያን ክፈታተኑ ምርኣይ እንጽበዮ ውሕ ውሕ ኣኽላባት ደምበ ኢዩ። ህዝብና ክንዮ ብልሹው ምሕደራ ምርኣዩን ንማዓልቲ ናጽነቱ ብድሙቕ መንገዲ ምእንጋዱ ቪቫ ክባሃል ግቡእ ኢዩ። ዮውሃና!!

መቸስ ሂወት ብሓደ ወገን ፍሳሃ ክትከውን እንከላ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ትራጀዲ ኢያ። ህንጸት ሃገር (nation building) ስራሕ መሃንድስ ኢዩ። መሃንድስ ቅድሚ እምነ መሰረት ህንጻ ምቅማጡ ነታ ክሃንጻ ዝደሊ ህንጻ ቅድም ኣብ ርእሱ ዳሓር ካኣ ኣብ ወረቐት ኢዩ ዝርእያ። መሃንድስን ወናኒ ህንጻን ምስ ተሰማምዑ ካኣ ኣብ ባይታ ቅዲ መሬት ይሕንጻጽ ሽኻላት ይትከሉ መሰረት ክሳብ’ቲ ዝድለ ይኩዓትን ህንጻ ይጅምርን። ሃነጽቲ ብመሰረት ቅድን ዝርዝር ነገራትን መሃንድስ ህንጻ ይጅምሩ። ኩሎም ኪኢላታት ህንጻን ካልእን እጃሞም ይገብሩ ንጥዕና ህንጻ ዝቆጻጸር ኣካል ካኣ ይቆጻጸር ጻብጻቡ ድማ ነቲ ቅዲ ህንጻ ዘዳለወ መሃንዲስ የቅርብ። ኣብ መወዳእታ ዋና ህንጻ ህንጽኡ ይርከብ። ህንጸት ሃገር ካብዚ ዝፍለ ኣምር ወይ ሎጂክ የብሉን። ይኹን እምበር ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣገባብ ህንጸት ሃገር ብምኹዓት መሰረት ኢዩ ዝጅምር። ሓንሳብ ክሳብ’ቲ ዝድለ ከይተኳዓተ አምኒ መሰረት ይንበረሉ ከይጸንሐ ካኣ ይፈርስ። ዓኒዩ ዝብል ዜና ካኣ ይንገረና። እዚ ተረሲዑ ካልእ ጊዜ ካኣ ንመንጠሪ ዝኾነና ባይታ ኣንጽፍና ኣሎና ሕጂ ዝተርፈና ምንጣር ጥራሕ ኢዩ ዘሎና ዝብል ኢዩ። ህዝብና ነየናይ ተኣሚኑ ነየናይ ከም ዝነጽጎ ሓርቢቱዎ ኣሎ። ትማሊ ከምዚ ኢልኩም ሎሚ ድማ ምስ እዚ ዝገራጮ ትብሉ ኣለኹም ዝብል የሎን። “ሆ ይባሃል ኣሎ…ሆ ይባሃል ኣሎ” ጥራሕ ኢዩ እቲ ቃና።

ሃገራትን መንግስታትን መደባት ልምዓት ክሕንጽጹ እንከሎዉ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝላዓለ ብርኪ ንምድያብን ናብራ ህዝብታቶም ንምምሕያሽን ከም ዝኾነ እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። መንግስትና ግን ብኣንጻሩ ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ኢዩ ዝሕንጽጽ። “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ቴማ ባዓል ናጽነት ጉንበት 24, 2017 ኔሩ።

“ብርሃን” መግለጺ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ሓጎስ፣ ተስፋን ፍሕሹው ገጽን ዝገልጽ ቃል ኢዩ። “ደርማስ” ዝብል ቃል ካኣ ሱር በተኻዊ፣ ኣጠቓላሊ፣ ዝላዊ፣ ፍጹማዊ ንቅሎ፣ ወዘተ የስምዕ። “ምዕባለ”- ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለትካውን ሂወት ዜጋታት ኢዩ ዝገልጽ። ብናተይ መረዳእታ “ብርሃን” ውጽኢት ደርማስ ምዕባላ ኢዩ። ብርሃን በቲ ኣቐዲመ ዝገለጽኩዎ ትርጉም መሰረት ብዘይካ ቃላት ምድርዳር ኣብዚ ቴማ ትርጉም የብሉን። “ጉዕዞ ንደርማስ ምዕባለ” ወይ “ንቅሎ ንደርማስ ምዕባለ” እንተ ዝኸውን ውጺኢቱ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ሓጎስ፣ ጥዕና፣ ትምህርትን ብልጽግናን ኮይኑ ብብርሃን ዝብል ቃል ንምጥቅላሉ ምስ ተኻኣለ። ብልሹው መንግስታዊ ምሕደራ ዝፈጠሮ ድኽነት ሓሳብ ዘይንጽበዮ ኣይኮነን። “ብርሃን” እንተ ዝህሉ ደርማስ ምዕባለ ከም ቴማ ኣገዳስነቱ ኣምበይ ምጎለሐን። ድኽነት፣ ሕሰም ናብራን መነባብሮን ስለ ዘሎ ኢዩ ብርሃን ዘድልየና ዘሎ።

እቲ ዋና ቁምነጋር ራኢን ተልእኾን ዘየብልና ብዓመት መጸ ቴማታት ሃገር ክንሃንጽ ይትረፍ ነቲ ዝነበረና’ውን ክንዕቅብ ኣይከኣልናን። ራኢናን ተልእኾናን ንምስልሳል ሃገራዊ ውጥን የድልየና። ሃገራዊ ውጥን ክሳብ ሎሚ ጽውጽዋይ ኣካዳሚያውያን ጌሮም ዝርእይዎ ብዙሓት ባሃማት ብዘይካ ዝተነገሮም ምድጋም ደው ኢሎም ክሓስቡ ዘይክእሉ ከም ዘሎዉና ዝፍለጥ ኢዩ። ይትረፍ ብሃገር ደረጃ ብውልቀ-ሰብውን እንተ ኾነ መደባቱ ብሳዓታት፣ ብማዓልታ፣ ብኣዋርሕን ዓመታትን ሰሪዑ ክኸይድ ዘይደሊ ሰብ የሎን። ሃገር ዝኣክል ክትመርሕ ብ“ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ዝብሉ ትርጉም ዘይብሎም ሓረጋት ንህዝብን ሃገርን ኣብ ሰንፈላል ምንባር ሃየንታ ኣሎዎ። ኤርትራ ድሕሪ ሓሙሽተ (5) ዓመት እንታይ ክትመስል ኣሎዋ ኢሉ ዝሓትት ሰሚዔ ኣይፈልጥን። ነዚ ሕቶ ኽሓትት ዝኽእል ዓቕሚ ስለ ዘየሎ’ዲዩ? ኣይኮነን? ብናይ ባሃማት ቋንቋ ዝደሃል ግን ኣሎ። ባሃም እንተ ዘይሃሊዩ ዲክታቶር ክህሉ ኣክእልን። ስለዚ ብናይ ውሑዳት ባሃማት ውሕ-ውሕ ተዳሂልና ንህዝብናን ሃገርናን ካብ ምብጃው ንድሕሪት ክንብል ኣይግባኣናን። ባሃማት ዝዘረብዎን ዝጽሕፍዎን ኣይፈልጡን ኢዮም። ህዝቢ ከም ዝዕዘቦም’ውን ኣየስተብሁሉን። ሓደ ከም “ብርሃን ንደርማስ ምዕባለ” ዝኣመሰለ ትርጉም ዘይብሉ ቴማ ን12 ኣዋርሕ የገልግል ይኸውን እምበር ኣብ ህዝቢ ይኹን ኣብ ሃገር ከምጸኦ ዝኽእል ለውጢ የሎን። ኣነ ድሕሪ ዓመት “ደርማስ ብርሃን ንምዕባለ” ዝብል ቴማ ሒዞም እንተ መጹ ኣይገርመንን ኢዩ። ብሃማት ድማ ንዝተባሃለ ምድጋም ንድሕሪት ኣይክብሉን ኢዮም።

ንዓመታ ኣብ ትሕቲ “ደርማስ ብርሃን ንምዕባለ” ዝብል ቴማ የራኽበና።

 

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in