ቀለታ ኪዳነ | 09/09/2017 | meskerem.net
ወያነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምዕባሌን ኣገዲሱዎም ኣይፈልጥን’ዩ!
ንሰላምን ንዕርቅን ዝጸልእ ሰይጣን ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ብወገነይ ደላይ ሰላምን ደላይ ፍቕርን እምበር ጸረ ሰላምን ፍቕርን ክልቲኡ ኣህዛብ ማለት ህዝቢ ትግራይ( ኢትዮጵያ) ን ህዝቢ ኤርትራን ዘይምዃነይ ኣቐዲመ እሕብር።
ናይ ወያነ ዕላማን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝነበሮምን ዘለዎምን ክፉእ ሕልናን መደባትን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝተገልጸን ዝተረጋገጸን ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ክቱር ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘለዎም ንዕቀት ብተደጋጋሚ ብቓሎም ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሮም ዘረጋገጹዎ ሓቂ ኢዩ። እንደገና ምግላጹን ምዝርዛሩን ከኣ ዘድሊ ኣይመስለንን። ሎሚ እቲ ጽልእን ተቓውሞን ህዝቢ ኢትዮጵያ እናበርትዖምን ናይ መጻኢ ዕድሎም እናተሓሳሰቦምን ናይ ስልጣኖም መወዳእታ እናተቓረበን ይኸይድ ምህላዉ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንርእዮን ንዕዘቦን ኣሎና።
ስለዝዀነ ከኣ ብዙሓት ዕሱባት ገሊኦም ጥዑያት ገለ ሕሙማት ገለ ጽሉላት ገለ ከኣ ከድዓት ኤርትራውያን ኣዋፊሮም ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሩዎ ገበናት ኣሚኖም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ዕርቅን ፍቕርን ከምጽኡ ዝጽዕሩ ክንደይ ተዋስኦታትን ምድንጋራትን ክሰርሑ ንርኢ ኣሎና። ካልእ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ከምበርክኹ ኢሎም ዝገመቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኵሉ መደባቶም ተፈቲኑ ስለዘይተዓወተን ስለዝፈሸሉን ከኣ ሎሚ ‘’የሰላም መዝሙር ለኢትዮጵያና ለኤርትራ ህዝቦች’’ ናይ ወያነ ኢድ ዘይብሉ ናይ ህዝቢ ነጻ ምንቅስቓስ ዝብል ሓድሽ ዝመስል ግና ከኣ ንሱ’ውን ብቕንዕናን ብሓቅን ዝተበገሰ ስለዘይኮነ ብዙሕ ጊዜ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ኣረጊት ፍሹል መደብን ‘’ባንዴራ ሰላምን’’ ሒዞም ንግሩሃት ከጋግዩ ፈተናታት ኣብ ምክያድ ክጓየዩ ንርእዮም ኣሎና።
ብዘይካቲ ብመሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከም ዝተፈጸመ ዝትረኸሉ ናይ ቀደም ዘመነ መሳፍንቲ እዋን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪሑ ክበልዕን እንጌራ በሊዑ ክጸግብን ዝትምነ ድኻ ህዝቢ እምበር ናይ ነገርን ህውከትን ናዕብን ህዝቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም እምበኣር እቲ ህዝቢ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነታት ኢዩ። ብዘይ ቃልዓለም ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ እዚ ክልቲኡ ሓደ መጽሓፍ ኣጽኒዑን ሓደ ትምህርቲ ቀሲሙን ዝመጸ ጸረ ህዝቢ መሪሕነታት ክልቲኡ ሃገራት ሎሚ ንህዝብታቶም ለኪሞም ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዮም ምህላዎም ዘካትዕ ኣይኮነን።
ገለ ገለ ሰባት ናይ ኤርትራ እምበር ናይ ትግራይ መንግስትስ ድላይካ ክትዛረብ፡ ድላይካ ክትጽሕፍ፡ ድላይካ ርእይቶ ከተቕርብ ፡ ዝፈቅድ ምዕቡል ዲሞክራስያዊ ኢዩ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ነቶም ከምኡ ዝመስሎም ናይ ካልኦት ብሔራትሲ ይትረፍ ብዛዕባዚ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይብል? ንህዝቢ ትግራይ ሕተቱዎ ንብሎም።
ነቶም ሎሚ ብኢድ ኣዙር ‘’የሰላም መዝሙር ለኢትዮጵያና ለኤርትራ ህዝቦች’’ ብማለት ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ወያነ ከኣ ንኽልቲኡ ህዝብታት ሰላም ከሊእኩም ዘሎኹም ንስኹም እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ኣይነበሮን ሎሚ እውን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጽልኢ ከም ዘይብሉ ንሕብሮም። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጡ ሽግራት ከም ዘለዎ ፈሊጥኩም ነቲ ህዝቢ ሎሚ ክንከስቦ ንኽእል ኢና ዝብል ሕልሚ እንተዀይኑ ግን ‘’ ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ’’ ኢዩ’ሞ ነዚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበለኩም ኣይመስለንን። እወ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጡ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ሽግር ኣለዎ። ሎሚ ዘምጽኣኒ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ስለዘይኮነ
ግን ኣብ ቲ ዘንቀለኒ ጕዳይ ጥራሕ ከተኵር ኢየ።
እቲ ሎሚ ንሰበስልጣን ወያነ ከረጋግጸሎም ዝደሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጢ ሽግሩ ባዕሉ እምበር ወያነ ክፈትሑሉ ዝጽበ ከም ዘይኮነ ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ሽግሩ ባዕሉ ከም ዝፈትሖ እውን ኣይጠራጠርን ኢየ።
ወያነ ዝሓስብ ኣእምሮ እንተልዩዎም ከኣ ምስ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ሽግር ክፈትሑ ዝሓሸን ዝቕለለን ምዃኑ ንመኽሮም። ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንሓይሎይ ዓመታት ዘውረድዎ በደልን ተንኮልን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክዕረቑ ምስ ዝደልዩን ንሕውነትን ንፍቕርን ዝሓስቡ ምስ ዝዀኑን ግን ሰላምን ፍቕርን ብግብሪ እምበር ብዘረባ ጥራሕ ከም ዘይመጽእ ብምርዳእ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላምን ፍቕርን ዝዀነ ጭብጢ ከርእዩዎ ከም ዝግባእ
ነዘኻኽሮም።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ
ሰላም ቅነ