PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት)
Sacttism | Dec 8, 2017 | nselam.com
1ይ ክፋል
ቅድሚ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ምስ ሃሞናን ቀልብናን እንከለና፡ ምስ`ዞም ታሪኽ ሃገርን ሃገራዊነትን ዘመራስሑ ሒደት ማሕዮታት፡ ከም ሎም ከይተላለና፡ ከም`ቶም ካልኦት ኣብ ወረቓቕቲ ጥራይ ዝሰፈሩ ፖሊሲታት፡ ንዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “መጻኢት ሃገረ ኤርትራ” ኣመልኪቱ በቶም ሰራም ካድራት ዝተሓበረና መደረ ዝስዕብ ትሕዝቶ ነበሮ፡፡
“ወጻኢ ፖሊሲ ኤርትራ፡ ናይ ሰላምን ዘይሻርነትን ብምኻኑ፡ ኣድህቦና ኣብ ሃገራዊ ረብሓና ምሕላው፡ ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ዞባናን ዓለምናን ምስራሕ፡ ምስ ኩሎም መንግስታትን ህዝብታትን ኩሉ መደያዊ ምትሕብባር ምምዕባልን ምምስራትን እዩ፡፡” ይብል፡፡ ኣብ ናይ 1994 ቻርተር ህግደፍ’ውን፡ ነዚ ሕልሚ ዝመስል መጽብዓ ንምድራኽ፡ “ብቐዳምነት ምስ ጎረባብትናን ሃገራት ከባቢናን፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓታትን ምትሕግጋዝን ዝምርኮስ፡ ናይ ጽቡቕ ጉርብትና ሰላምን ዝምድናታትን ክንምስርት ኢና” ይብል፡፡ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን፡ ብስም “ስለ ዘይተጻዕድናን ምምሕዳር ዋሽንግተንን ላቔብኡ ወያነን” ዝቐርብ መመኽነይታ ሓዲግና፡ ነዞም ሓሳባት ተመሊሱ ንዝተዓዘቦም ሰብ፡ እታ እዚ ኹሉ ዝተብሃለላ ሃገር…ሃገረ ኤርትራ፡ “ኣበይ ኮን በጺሓ?” ኢሉ ምስ ዝሓትት፡ እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ፡ ብሓደ ሰራም ዲክታተር እትምራሕ፡ ህዝባ ዝራሕረሓ፡ ዓለም ዝረሰዓታ፡ ኣብ ተነጽሎ ዝተሸመት ሃገር ጥራይ እዩ ዝረክብ፡፡
ክቡራት ተኸታተልቲ!
ድሕሪ’ዛ ሓጻር መእተዊት፡ ቀጺለ ካብ ሎሚ ጀሚረ ብተኸታታሊ፡ ብዝተፈላለዩ ጭብጥታት ዝተሰነየ፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “ግዝያዊ ምንግስቲ ኤርትራ”፡ ዘተኮሩ ጽሑፋት ከቕርበልኩም፡፡ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትኹረት ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ዝተኸተሎም ፖሊሲታትን ዘስዓብዎ ሃሰያታትን የቕርበልኩም፡፡ ብተወሳኺ ኣብዚ ዞባ፡ ብምስምስ “ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን” ዝተሳለሰሉ፡ ጸጥታዊ ዕማማትን ፈጸምቶም የቕርበልኩም፡፡ ኣቐዲመ፡ ኣብዚ ክፉእ ዘመን፡ ኣብ ውሻጠ ህግደፍን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ኮይንኩም፡ ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኽኩምለይ ግዱሳት ዜታታትን ሓለፍትን ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡
ፈለማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ “ህግደፋዊ መግዛእቲ” ዘሕለፍናዮ ጸሊም እዋን ሓዲግና፡ ኣብ ናይ ቀረባ ዓመታት ጥራይ ምስ እነትኩር፡ ሃገርና፡ ከም ድላዮም ዘበሳብስዋ እቶም ላዕለዎት ፖለቲካዊ መሪሕነት ህግደፍ፡ ብሓጺሩ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ጣባን ዓዲሃሎን ዝተደኮኑ ማሕዮታት ኢሳይያስ ጥራይ ‘ዮም፡፡ ስለዚ ከም’ቶም ካልኦት ዓውድታት፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ክንዛረብ እንከለና ’ውን፡ እታ ኣብ ሲቲ ፓርክ ፊት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ትርከብ፡ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝሓስብ ዜጋ እንተሎ፡ ወይ ግሩህ ወይ ከኣ መስርዕ “ንኺድ ጥራይ” ኢዩ፡፡ ሓቂ እዩ! ኣብ ሕሉፍ 25 ዓመታት፡ “ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር ሃገረ ኤርትራ” ዝብል ሽመት ተሓንጊጦም ዘገልገሉ፡ ካብ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ሃይለ ድሩዕ፡ ዓሊሰይድ ዓብደላን፡ ክሳብ እቲ ዘይወግዓዊ “ሚኒስተር” መሓመድ ዑመርን ስማዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ ሪኢና ኣለና፡፡ ብዘይ ዓጃቢ ነብሱ ኪኢሉ ዝንቀሳቐስ ሚ/ር ጉዳያት ወጻኢ ካብ እንርኢ ግን ነዊሕ ገይርና ኣለና፡፡
ህግደፍ ገንጊኑ ካብ ዝወጸሉ ፈለማ 2000 ንደሓር ግን፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ ይኹን፡ ኩሎም ዕላማታትን መትከላትን ገቢቱ ዝሓዘ ጉጅለ፡ ብኣባጓይላ ኢሳይያስ ዝምራሕ ኣብ ጣባ ንዓመታት ኣብ ሓደ ፍሎር ኣብ ዝተላገባ ክፍልታት ቤ/ጽሕፈቱ ዝደኮነ፡ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)፡ የማነ ገ/ኣብ (ማንኪ)፡ ኮ/ል ተስፋልደት ሃብተስላሰ ዝርከብዎ፡ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መርሓ ኢዩ፡፡ በዓል “ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ ወጻኢ ጉዳያት ሚ/ር ክንሶም፡ ናይ በዓል የማነ ቤ/ጽ ክሳለሙ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ከም በዓል ራዲያ ሳልሕ (ጸሓፊት ቻርሊ ነበር)፡ እምነት ዘርአዝጊ (ጸሓፊት ማንኪ ነበር)፡ ሪጋ ሒዞም ክጽበዩ ምርኣይ ንዓመታት ዕለታዊ ምርኢት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኢዩ ኔሩ፡፡ ሕጂ ‘ውን ትሕዝቶኡ ዘይኮነስ ከባቢኡ ዝቐየረ ተመሳሳሊ ተርእዮ እዩ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡፡
ስለዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታት “ሃገረ ኤርትራ” ክንብል እንከለና፡ ብሓጺሩ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኢሳይያስ፡ ተስፋልደት፡ ቻርሊ፡ ማንኪን ኪሻን ማለትና ከምዝኾነ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ፡፡ እዞም ደረት ኣልቦ ጉጅለ እምበኣር፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ሸነኻት፡ ዘስዓብዎ ክሳራታት ማእለያ የብሉን፡፡ ሰላምን ምርግጋእን ብዶባት ስለ ዘይውሰን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ኩናት ዝረኸቦ ናጽነት፡ ውሕስነት ንክህልዎ፡ ማዕረ ማዕረ ዘቤታዊ ዕማማት፡ ኣብ ዞባናን ብደረጃ ዓለምን ‘ውን፡ ሰላምን ምርግጋእን ክፍጠር ብንኡስ ዓቕምና ክንጽዕት ዝፈቅድ፡ ብ1991 ምቹእ ባይታ ዋላ እንተተፈጠረ፡ ብሰንኪ ዞም ሒደት ሰባት ከሲርናዮ ኢና፡፡ ፈለማ እግሪ ከይተኸልና ምስ ሱዳንን የመንን፡ ቀጺሉ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየድናዮ ኩናት፡ ዲሒሩ’ውን ኣብ ሶማል፡ ጅቡቲን ደቡብ ሱዳንን ዝተገብረ ጠብሎቕሎቕ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተነጸሎ ኣስዒቡልና ’ዩ፡፡
ካብ ከባቢኻን ዓለምን ተነጺልካ፡ ቁጠባዊን ባህላውን ምዕባለ ከምዘይርከብ፡ እቲ እንኮ ኣብነት “ጉጅለ ኢሳይያስ እዩ” እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ ብርግጽ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ክዓምም ሓላፍነት ዝተሰከመ፡ ቤ/ጽሕፈትን ሚኒስተርን ሕጂ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ፡፡ እንተኾነ፡ ናብ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ንዝገሸ ሓደ ሰብ፡ እቲ ቤ/ጽ ብጀካ ሰድያታት ከሙቑ ዝውዕሉ መሳኪን ሙሁራትን፡ ግዜ ዝጠለሞም “ኣሕ!” ክብሉ ዝውዕሉ ገዳይም ተጋደልትን ካልእ ኣይረክብን፡፡ ንሳቶም’ውን ልቺ እንተሊኡ፡ ዝርካበን ኔትዎርክ ኣልቦ ኮምፒተራት ክጥውቑ ዝውዕሉ’ዮም፡፡ ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብኣርባዕተ ክፍልታት ዝቖመ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ እዞም ክፍልታት፡ ንማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን፡ ንዩሮ ኣመሪካ፡ ንኣህጉራውያን ውድባት፡ ንሃገራት ኤሲያ ፓስፊክ፡ ንኣህጉራዊ ውድባትን ካልኦት ክፍልታት ኣፍሪቃን ዝጥምቱ ስማውያን ዴስክታት ኣለውዎ፡፡ ብተወሳኺ ንምእካብ 2 ሚእታዊትን ኤምባሲያዊ መሳለጢያታትን ዝቖመ፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ “ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ” ዝርከብ፡ “ጨንፈር ቆንስሊያዊ ጉዳያት” ውን ኣሎ፡፡ ነዞም ቅርጽታት ጥራይ ብቆላሕታ ኣዕዋፍ ንዝተዓዘበ ሰብ፡ ሃገርና ኣብ ስሉጥ፡ ንጡፍን ህዱእን ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ እትርከብ፡ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝምራሕ መንግስትን ሚኒስትሪን ዘጥረየት ሃገር ክትመስል ትኽእል፡፡ እንተኾነ ውሽጡ ዝፈልጥን እቲ ዝወዓሎ ዝምስክሮን ግን፡ ካልእ ይትረፍ፡ ኣብተን ክፍልታትን ጨናፍርን ዝተመደቡ ሓለፍትን ኪኢላታትን እንተዝፈቀዱ፡ ብፍቕዲ ውሑዳት፡ ብተሞኩሮን ዓቕምን ትሑታት’ዮም፡፡ ባዕሉ’ቲ “ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ’ውን፡ ብየማነ ማንኪ ተተኪኡ፡ ብጀካ ብበዓል ማንኪን ኪሻን ዝተሓንጠጠ ወረቓቕቲ ኣብ ኣኼባታት ከንብብ፡ ንማሕበረ ኮማት ተዓዲሙ ክምድር፡ ከምኡ’ውን ምስ ገለ ወጻእተኛታት ንሰላምታ ኣእዳው ዘርጊሑ ክሰኣል፡ ካልእ ሰራሕን ሓላፍነትን ኣይተውሃቦን፡፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ዳይረክተራት’ኳ፡ ክኣልን ክእዝዝን ዘይክእል ብማንኪ ዝዝወር ሰብ’ዩ፡፡ ብመምርሒታት ማንኪን ኢሳይያስን ኣብ ሃገርና እቲ ዝበዝሐ ምእሳር፡ ምድስካል፡ ምቕያርን ምኹብላልን ዘጓነፎ ሚኒስትሪ እንተሎ ውን ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ‘ዩ፡፡
ብክታም ሚ/ሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ተሸይሞም ብደቂቕ ስለያዊ መጽናዕታት ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተመደቡ፡ ኣምባሳደራት፡ ዲፕሎማሲያዊ ሉኡኻትን ኣካያድቲ ቆንስላዊ ጉዳያትን ከይተረፈ፡ ሓደ ብሓደ ኣብ ዘዝገሽዎን ዝተመደብሉን ሃገር ተሪፎም’ዮም፡፡ (ዝርዝር ናይ ዝጠፍኡ ሓለፍቲ ቀጻሊ ክፋል ክቐርብ ኢዩ)፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ከም ግብራዊ ሳይንስን ፍልስፍናን፡ ሃገራት ዓለም ገጂፍ ባጀት ሰሊዐን ዝዋሳኣሉን ረቢሐን ዝርባሓሉን ኩለመደያዊ ጽላት ርክብ’ዩ፡፡ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ፡ ኪኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ዝተሓወሶ፡ ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲታት ዝሓንጸጻ ሃገራት፡ ዕውት ዝኾነ ዝምድናታት ይምስርታ፡፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ምስ ጎረባብትን ከባቢን ብምጅማር፡ ስርዓተን ብዘየግድስ ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ናጽነት ዝተሰረተ፡ ኣብ ናጽነት ናይ መሬትን ሓድነትን ዘተኮረ፡ ኣብ ምሕላው ክብሪ ሃገር፡ ዘይምውራር፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ዘይምእታው፡ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ጥቕምን ዝተመስረተ ምስዝኸውን፡ ዱልዱል ምሕዝነት ምስ ጎረባብትን ሃገራት ዓለምን ህዱእን ምትሕልላይ ዝዓሰሎ ጆኦግራፋያዊ ይፍጠር፡፡
ሃገርና ኤርትራ ነዞም ውሁድ ዲፕሎማሲያዊ ኣምራት፡ ክዓሙ ዝኽእሉ ሃገራውያን ኪኢላታትን መራሕቲ ስኢና ዘይኮነስ፡ ምንጪ ኩሉ ጸገማት ዝኾነ፡ ንሓደ ውስን ቀጻላ ምልኪ ዝውክል፡ ወይ ከኣ ንኣዚዮም ምሉኻት ባእታታት ጥራይ ዝምዝምዝ ብጸቢብ ዝሰረቱ ኢሳይያሳዊ ሰልፊን ስነ-ሓሳብን ስለ ዝተብሓተት ኢያ፡፡
ብሓፈሻ ንሃገርና ወኪሎም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተዘርግሑ ኢምባሲታት፡ ቆንስሊያታትን ወከልቲ “መንግስቲ”ን ዝውዘዑ ዜጋታት ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን፡ ደረጃ ትምህርቶም፡ ዓቕሞም፡ ተሞኩረኦም፡ ክእለቶምን ተወፋይነቶም ኣይኮነን፡፡ ነቶም ኣብ ሕርያ ዝኣትው ሰባት፡ ኣቐዲሞም ዘጽንዑን ዘሳልጡን’ውን እቶም እሙናት ላዕለዎት ናይ ፖለቲካን ናይ ጸጥታን ሓለፍቲ ጥራይ’ዮም፡፡ ካብ ሕርያ ክሳብ ምእሳርን ምድስካልን፡ ኣብ ዘሎ ዕማማት ዝዋስኡ ሓለፍቲ፡ ብር/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሰ፡ የማነ ገብረኣብ፡ የማነ ገብረመስቀልን ሓጎስ ገብረሂወት ኪሻን ጥራይ’ዮም፡፡ ብናታቶም በደላት ዝሰዓበ ዞባዊን ኣህጉራዊን ተነጽሎ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” እንዳተብሃለ ምድንጋር፡ ናይዚ ዘመን ናይ ጉጅለ ኢሳይያስ ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኮይኑ የገልግል ኣሎ፡፡
ክቡራት ተኸታተልቲ!!
ብሰንኪ ኢሳይያስን ጸቢብ መትከላቱን፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝሰዓበ ዘቤታዊን ኣህጉራዊን ተነጽሎን ክሳራታትን፡ ተገምጢልካ “ብሰንኪ ምምሕዳር ዋሽንግተንን ላቔብኡ ወያነን” ኣብ ዝበሃለሉ መድረኽ፡ ከም ሳክቲዝም፡ ነቲ ዘይ ስነ-ምግባራዊን ካብ ስነ-ሞጎት ዝረሓቐ ኢሳይያሳዊ ምኽንያታትን ደጊመ ክትንትኖ ኣይደልን፡፡ ኣህጉራውያን ውድባትን ሃገራት ዓለምን ዝተዛረብሉ፡ ጉጅለ ተቖጻጻሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብመርትዖታት ዝኸተቦ፡ ንፋስ ዝሃረሞ፡ እገዳታት ዘስዓበ፡ ጉድን ኣበርጉድን ጉጅለ ኢሳይያስ ደጊመ ደጋጊመ ክዛረበሉ’ውን ኣይደልን፡፡ ብወገነይ ነቶም ውሳነታት ዝድግፉን ነቲ ግሩህ ዘበራብሩን ተወሰኽቲ ጭብጥታት ጥራይ ኢየ ከቕርብ፡፡
ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻ ሃገራት፡ ዲፕሎማሲያዊ ርክባተን፡ ኣብ ምጥላብ ወጻኢ ወፍሪ (FDI- Foreign Direct investment)ን ምድልዳል ህዝባዊ ርክባትን ከድህብ ይግባእ፡፡ ብወገነይ ህግደፍ ዘቤታዊ ዕዮታቱ ጠንጢኑ፡ ኣብ ምንዋሕ ዕምሪ ስልጣን ምልኪ ጥራይ ምስተቐሰበ፡ ኣብ ዲፕሎማሲ’ውን ምዕያይ ንሃገር ዘርብሕ ፖሊሲታት ዘይኮነስ፡ ናይ ፖሊሲ ማርሻ ብምቕያር፡ ኣብ ሃደን ዜጋታትን፡ ምግጋይ ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ጥራይ ከም ዝተጸመደ እርዳእ፡፡ ብውጽኢቱ ከኣ ህግደፍ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ኢምባሲታትን ቆንስሊያታትን ዝምደቡ ኣባላት፡ ስሩዕ ዕማማት ሓዲጎም፡ ኣብ ውዳቤታት ክጥርነፉ፡ ብስም ሕድሪ፡ ሃማድኤ፡ መናእሰያት ህግደፍ፡ ማሕበረ ኮማት፡ ሃገራዊ ሽማግለ እንዳበሉ፡ ብጓይላን ደበላን ህዝብን ዓለምን ከጋግዩ ቀሲብዎም እዩ፡፡ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ናይ ፖሊሲ ምዝባዕ፡ ዕማማት ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት ተጨውዩ፡ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኢዱ ብምንዋሕ፡ ንኣምባሳደራት ዘጉባብዑ፡ ሰብ ግዜ ኮራኹር መዲቡ፡ ብፍላይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ጸጥታ መሓውራት ዘርጊሑ’ዩ፡፡ ብጉልባብ ሰራሕተኛ ኢምባሲታት፡ ብቀንዱ ብኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ወጻኢ ስለያ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትግበሩ ዝተሓረዩ መደባት’ውን፡ ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሶማል፡ ጅቡቲን ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ፡ ንዜጋታትና ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ክርዕዱ፡ ነተን ሃገራት ከኣ ብስለያን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ጣልቃ ምእታው ዝንቡዕ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ንምክያድ ህግደፍ ህርድግ ካብ ዝብል ነዊሕ ገይሩ ኣሎ፡፡
ኣብ ካልኣይ ክፋል ንኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጉጅለ ኢሳይያስ ንተቓወምቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ዝሃቦ ሓገዛት፡ መሓውራት ጸጥታን ዲፕሎማሲያዊ ክሳራታትን ኢሳይያስ ዝምልከት ሓበሬታ ….. ይቕጽል…
*******
2ይ ክፋል
ንተቓወምቲ ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪሉ፡ ካብ ወትሃደራዊ ስልጠናታት ጀሚሩ ክሳብ ምልዛብ፡ ምስ “ሓባራዊ ረብሓ” ዘለወን ሃገራት ክዓምም ጸኒሑ’ዩ፡፡ ብሓገዝ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራን ወጻእን ሓገዝ ዝተግበረሎም ዳርጋ ኩሎም ዕጡቋት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን የመንን’ዮም፡፡ ክሳብ ሕጂ ንወትሃደራዊ ስልጠናታት ዕጡቋት ጉጅለታት ዝተሓረያ ከባቢታት ዓጋመት፡ ጀበል ሓሚድ፡ ሓሪና፡ ዓሻጋላ፡ ሙሎቨር፡ ዊዓ፡ ዒን፡ ኪሎማ፡ ኣፋምቦን ዳህላክ ከቢርን እየን፡፡ ኣብዚ ከባቢታት ዝተወዘዐ ኩሉ ዜጋ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ ሃገርና ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ጁቡቲን የመንን ተዓሊሞም ኢዮም፡፡ ኣብ ሰነዳት ካብ ዝተረኸበ ሓበሬታ ብጭብጥታት ክድርኽ፡
ሀ) ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ብፍላይ ድሕሪ ኩናት 1998- 2000 ኣብ ሃገርና ኣትዪ ዘይተሓገዘ ተቓዋሚ ጉል ኣይነበረን፡፡ ወያነ ውን ነቲ ሓበሬታ ተጠቒሙ ናብ ኣህጉራውያን ውድባት ከብጽሖ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ብሓጺሩ ካብ ኢትዮጵያ ዲምህት፡ ኦብነግ፡ ኦነግ፡ ቤህነን፡ ጋህነን፡ ግንቦት 7፡ ኣርበኞች፡ ጉጅለታት ብሄረ ዓፋር (እጉጉሞ፡ ግንባር ሓርነት ዓፋር)፡ ደቡብ (ግንባር ሓርነት ሲዳሞ) ካልኦትን ዝተፈላለዩ ሓገዛት ተወፊሎም ኢዩ፡፡ ስለዚ ምስ ጎረበት ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ 19 ዓመታት ካብ ምትፍናንን ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ዝሓልፍ ዝኾነ ዓይነት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝበሃል የለን፡፡
ለ) ሱዳን፡ ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ መሬት ኤርትራ፡ ሓገዝ ዘይተገብረሉ ተቓዋሚ ጉጅለ መንግስቲ ሱዳን ውን ኣይነበረን፡፡ ፈለማ ኣንጻር ግበረ ሽበራ ኣብ ዝነበረ ኣህጉራዊ ጠመተ፡ ድጋፍ ንምሃብ ስርዓት ኢሳይያስ ንኣመሪካውያን ባብ ብምርሃው፡ ኣንጻር ሱዳን ተንቀሳቒሱ፡፡ ኣብ መሬት ሱዳን ውን ጅምዓተል ኣል ኢስላሚያ ንዝተብሃለ ጉጅለ፡ መጥቃዕታት ክፍንው ሓገዝ ጌሩ ፡፡ 1995 ድማ ብምስምስ ጀሃድ ኣብ መሬት ሱዳን ዝተፈላለዩ መጥቃዕታትን ቅንጸላታትን ኣካይዱ፡፡ ብ1997 ኣብ መሬት ሱዳን ከባቢታት ተዎንን ገዳማይትን ብኮር 381 ዝእዘዛ ሓይልታት ኣብ ኩናት ተሳቲፈን ኢየን፡፡
ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ዝለዋውጥ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “ሀ” ኢሉ ዝጀመረሉ እዋን፡ እምበኣር ኣብ ሱዳን እዩ ኔሩ፡፡ ብሓደ ገጽ በዓል ዶ/ር ጆን ጋራንግን ብኣሕመድ ኢብራሂም ድሬድ (ፌደራል ምፍማት) ዝምርሑ ጉጅለ ዕጡቋት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፡ ብካልእ ገጽ ከኣ፡ ብዓብደል ዓዚዝ ካልድን ዶ/ር ታይሲር መሓመድ ኣሕመድ ዓሊን ዝምርሑ ጉጅለታት ብምሕብሓብ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሱዳን ጸቕጥታት ክግበር ተፈቲኑ፡፡ ብተወሳኺ የማነ ገብረኣብን ዓብደላ ጃብርን ምስ ናፍዕ ዓሊ ናፍዕ ዝተብሃለ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ቁጠባን ጸጥታን ዘድሃበ ክውል ስምምዕ ከቲሞም፡፡ ምስ በዓል ሓለፊ ጸጥታ ሱዳን ነበር ሳላሕ ጎሽ፡ ዶ/ር ሙስጦፋን መጅበል ከሊፋን እውን ብሓደ ገጽ ከም ሓለይቲ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ተጻባእቲ ብምኻን፡ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ሱዳናውያን ከይተረፈ መርገጺ “መንግስቲ ኤርትራ” ክርድኡዎ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ በጺሖም’ዮም፡፡
ብካልእ ወገን ምስ ሱዳን ዝነበረ ርክብ ብምጥቃም፡ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት፡ ሕቡእ ግጭታት ኣሳዊርካ ሃጓፍ ንምርካብ ዝካየዱ ፈተነታት ውን ነይሮም፡፡ ከም ሓዳስ ሃገር ሰለማዊ ጉርብትና ዝስርቱ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ኣብ ክንዲ ምክያድ፡ ኣብ ጎነጽን ሽርሒታት ዘድሃበ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ነዳዲ ንምርካብ ኣብ ዝተሃንጠየሉ እዋናት ውን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ወጥሪ ብምንጋስ፡ ገለ ፖለቲካዊ መኽሰብ ንምርካብ ጽዒሩ ኢዩ፡፡ ንኣብነት ድሕሪ ፍሽለት ዝተሓሰበ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማት ንኢሳይያስ ካብ ዝተውሃብዎ ግብረ መልስታት ከምዝተሓበረ፡ ኣብ ወርሒ 7/2001 ብብ/ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ዝተኣዘዙ 5 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ብሕቡእ ተዋፊሮም፡ ኣብ ልዕሊ ሄግሊጅ ዝተብሃለት ትካል ነዳዲ፡ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዘብቅዕ መጽናዕቲ ኣካይዶም ተመሊሶም ኢዮም፡፡ በቲ እዋን ብጉልባብ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተልኣኹ ኣባላት ሜጀር ግርማይ ምስግና (ካብ ምክትታል ዶባት)፡ ሳሚኤል ተኽለማርያምን ተስፋለም ቅዱስን (ኪኢላታት FDC ኣባላት ክ/ሰ 36) ነይሮም፡፡
ንህዝቢ ኤርትራ ብምስምስ “ጀሃድ” ሃሙኡ ብምጥምዛዝ፡ ንመንግስቲ ሱዳን ከኣ ብኹሎም ጎደቦታት ብናዕብታትን ተቓዉሞን ብምስንባድ፡ ኢድ ክህብ ንምግባር ኣብ ዝተወጠነሉ እዋናት ውን፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ኢዱ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ከእቱ ተራእዩ’ዩ፡፡ ብፍላይ ኣል ዓዱ ኣልምልዋ፡ ሓራካ ኣልታሕሪር ኣል ዳርፉርያ ንዝተብሃሉ ጉጅለታት፡ ብዶ/ር ከሊልን ብዓብዱል ዋሒድ ዝጥርነፉ ጉጅለታት ዳርፉር፡ ብዓብዱል ወሃብ ዝምርሑ DFM፡ ብኣሕመድ ኢብራሂም ዝምረሑ FMSን ካልኦትን ብምሕብሓብን ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ብምሃብን፡ ንምትንታኑን ንምርድኡን ዘጸግም ግስሩጥ ጽምዶታት ይካየድ ኔሩ፡፡ ሓድጊ ናይቶም በቲ እዋን ዝነበሩ ጽምዶታት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣስመራን ኦሞሓጀርን ዝነብሩ ኣባላት ተቓወምቲ ዳርፉር ኣለው፡፡ ንኣብነት ኣብ ኦሞሓጀር ኣብ ጥቓ መስጊድ ቤ/ጽ ከፊቶም ጣሂር ዝበሃል ዝመርሖም 4 ኣባላት ተቓወምቲ ዳርፉር ክሳብ ሕጂ ኣለው፡፡
ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ዝነበሮ ስትራተጂ ነንባዕሉ ተገራጫዊ ክንሱ፡ ብሓደ ገጽ ምእዙዝ ሱሙር መንግስቲ ምቋም፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ነታ ሃገር ምብትታንን ምፍንጫልን ዝብል ኢዩ፡፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ምስ ፕረሲዳንት ሱዳን ኣል በሽር ዘሎ ርክብ፡ ካብ ህዝባዊ ርክባት ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡ ዓለም ብዓለማ ምስ ነጺገቶ፡ ናብ ክልተ ሃገራት ጥራይ ዝገይሽ እንኮ ፕረሲዳንት ምስ ኮነ፡ ኢሳይያስ ኣብ ጽንብላት በዓል ናጽነት ንበሽር ክዕድም፡ በዓል ማንኪን ኪሻን ከኣ ናብ ካርቱም ክመላለሱ ክረኣዩ ጀሚሮም፡፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ሞንጎኦም ዘሎ ርክብ ብኸውሊ ዲፕሎማሲያዊ ፍሽኽታ ድጉል ሓዊ ዝጸረ ኢዩ፡፡ በቢዓመቱ ኣብ ዝካየድ ኣኼባታት ውን፡ ብመገዲ ሱዳን ኣቢልካ ንጉዳይ ተከዘ (ኣትባራ)ን ፈለግ ኒልን ዝምልከት ዲፕሎማሲያዊ ወጥሪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክላባዕ ድሌት ከምዘሎ ይለዓል ኢዩ፡፡ ስለ’ዚ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስ ሱዳን ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ’ውን ካብ ኣብ ዶባት ዝካየድ ንግዲ፡ ምምልላስ ስደተኛታትን ብሓይሊ ብላዕ ዝካየድ ጭውያታትን ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡
ሐ) ጅቡቲ፡ ምስ ጅቡቲ ውን ብፍላይ ኣብዚ እዋን ካብ ኢሳይያስ ንላዕሊ ሑሞድ ካሪካረ ዝሓሸ ዝምድና ኣለዎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይሲ ካሪካረ ብውሑዱ ዕለታዊ ሓንቲ ፒሲ ጃልባ ሙሉእ ጫት ካብ ጅቡቲ ስለዘምጽእን ክልተ ደቁ ኣብ ጅቡቲ ስለዝነበሩን፡፡ ከም በዓል ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዕጡቋት ጉጅለታት ጅቡቲ ውን ሓገዝ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ብኣሕመድ ካዳሚን ሓሰን መቑብልን ዝእለዩ ፍሩድ ዝተብሃሉ ጉጅለታት ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ተገይርሎም ‘ዩ፡፡
ኣብ መጀመሪያ መጋቢት 2008፡ ኢሳይያስ ምስ በቲ እዋን፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 04 ነበር ሜ/ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ቻይና፡ ናብ ከባቢታት ዕዲ፡ ዋደን ራስ ዱሜራን ዑዱት ኣካይዱ ነይሩ፡፡ ኢሳይያስ በቲ ዕለትን ካብ ዑደት ዶብ ራስ ዱሜራ ምስተመለሰን፡ ብተኸታታሊ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 04 ነበር ቻይና ከይፈለጠ፡ ምስ ኣብ ትሕቲ ቻይና ዝነበረ፡ ኣዛዚ ክ/ሰ 25 ኮ/ል ሚኪኤል ወልዳይ (ወዲ ወልዳይ) ክዘራረብ ቀንዩ ኢዩ፡፡
ሃንደበት ኮ/ል ሚኪኤል ወልዳይ ክልተ ቦጦሎኒታት ናብ መሬት ጁቡቲ ተጸጊዐን ድፋዕ ክኹዕታ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ነዚ ዝተዓዘቡ ሰራዊት ጁቡቲ፡ ናብቲ ከባቢ ወትሃደራቶም ከጸግዑ ጀሚሮም፡፡ መንግስቲ ጅቡቲ ውን፡ “ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ዶብ ሰራዊት ኣስፊራ” ክትብል ናብ ዉ.ሕ.ሃ ክሲ ኣቕሪባ፡፡ ሰራዊት ጅቡቲ ከም ጉልባብ ተጠቒሞም ንዓመታት ኣብ ድፋዕ ዝኸርተቱ፡ ኣባላት ክ/ሰ 25 ካብቲ ድፋዕ ነነጢሮም ክሃድሙ ጀሚሮም፡፡ ሃንደበት ብዕለት 10 ሰነ 2008 ድሕሪ ቀትሪ ሓደ ካብቶም ዳሕረዎት ዙርያታት (ምናልባት ኣባል 19 ዙርያ ሃ/ኣ) ናብ ሰራዊት ጁቡቲ ክሃድም ፈቲኑ፡፡ ኣባላት ክ/ሰ 25 ነቲ ወትሃደር ብኣድራጋ ጠያይቲ ክትኩሱሉ ጀሚሮም፡፡ ብወገን ሰራዊት ጁቡቲ ነቲ ወትሃደር ከድሕኑ ግብረ መልሲ ሂቦም፡፡ በቲ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ብዝነበረ ምልውዋጥ ተኹሲ እቲ ወትሃደር ህይወቱ ሓለፈት፡፡ ብከምዚ መልክዕ ዝጀመረ ኩናት ምስ ጁቡቲ ሓያሎ ኪሳራ ኣስዒቡ ኢዩ፡፡ በቲ እዋን ሓደ ብሳጓኡ ታይሰን ዝበሃል መራሕ በጦሎኒ ሓዊሱ፡ ካልኦት ኣባላት ሓ/ም/ኤ ከምዝተጎድኡን ብወገን ጅቡቲ ውን ተመሳሳሊ ክሳራታት ከምዘጋጠመ እዝክር፡፡
ንዓመታት ብሰሜን ምስ የመን፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን፡ ብደቡብ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸሰርናዮም ዝምድናታት፡ ኣብ 2008 ከኣ በታ ዝተረፈት ደቡባዊ ምብራቕ ሸነኽ ጅቡቲ ከሲርናያ፡፡ ኢሳይያስ ጉዳይ ጁቡቲ ኣብ ክንዲ’ቲ ዝወጠኖ መኽሰብ፡ ተወሳኺ ዓለም ለኻዊ ጸቕጥን ኩነነን ስለ ዘስዓበሉ፡ ኣብ ቤ/ጽሕፈት ህግደፍ “ዘይምኹኑይ ተጸባኦታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ “ኣመሪካን ወያነን ውዲት ኣሊሞም ኩናት ምስ ጅቡቲ ከሳውሩ ከም ዝፈተኑ” ዝገልጽ ጽሑፍ ካብ ህዝቢ ከዊሉ ንገለ እሙናት ሓለፍትን ካድራትን ጥራይ ክዝርጋሕ ኣዚዙ፡፡
ጉዳይ ጅቡቲ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ ሶማል ዝነበሮ ኣሉታዊ ኣበርክቶ ተደማሚሩ ብምምጽኡ ድማ፡ ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓያሎ ጸቕጢ ሸፈነ ሚዲያን ዲፕሎማሲያዊ ተጽዕኖን ኣስዒቡሉ፡፡ ኣብ መወዳእታ ጉዳይ ጅቡቲ ብምስምስ “ሚዛናዊ ምርድዳእ”፡ ንመንግስቲ ቀጠር ጋቢዙ፡ ብሃታ ሃታ ወትሃደራት ቀጠር “ከም ዓቃቢ ሰላም”፡ ኣብ ጎቦ ራስዱሜራ ክሰፍሩ ተገይሩ፡፡ ንዓመታት መልሓሱ እንዳቀያየረ፡ ሓደ ግዜ ምስ ጅቡቲ “ኩናት ዝበሃል ኣይነበረን”፡ ካልእ እዋን ከኣ “ብኣመሪካ ዝተሳወረ ወጥሪ ኢዩ” እንዳበለ ነዊሕ ዝጸንሐ ኢሳይያስ፡ ኣብ 2016 ከኣ ብሞንጎኝነት ወጻእ ጉዳይ ሚ/ር ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልጣኒ፡ 4 ኣብ ውግእ ራስዱሜራ ዝተማረኹ ወትሃደራት ንመንግስቲ ጅቡቲ ከምዘረከበ ተገሊጹ፡፡ ብኣንጻሩ ብሓይልታት ጅቡቲ ዝተማረኹ ኣስታት 23 ዝኾኑ ንዓመታት ኣብ ቤት ማሕዩራት ተቐይዶም ዝጸንሑ ዜጋታትና ግን፡ ዝሓተተሎም ኣካል ኣይነበረን፡፡
በዚ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪ ድነ ህግደፍ ኣብ እንምስርታ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ኩናት ምስ ጅቡቲ፡ ካብ ኮ/ል ሚኪኤለ ወልዳይ ብተወሳኺ ደቂቕ ኣፍልጦ ዘለዎን ክሕብረና ዝኽእል፡ ከም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ንዓቃቢ ሰላም ሃገረ ቀጠር ኮይኑ ዘገልገለ ስታፍ መራኸቢታት ምብራቓዊ እዚ፡ ሜጀር ብርሃነ ተስፋማርያም (ብርሃነ ሙጋቤ) እዩ፡፡
ንዓና ንኤርትራውያን ብኹሎም መምዘኒታት፡ ምስ ጎረባብትና ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጅቡትን ሕውነታዊን ሃናጽን ዝምድና ምምስራት ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዴታና ውን ኢዩ፡፡ እንተኾነ፡ “ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተን” ከም ዝብሉዎ ኣቦታት፡ ዘራጊቶ ኢሳይያስ… ንህዝቡ ዘሪጉ…ንጎረባብቱ ዘሪጉ… ንኹሉ ምስተንከፈ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ወሳንን ኣገዳሲን ዲፕሎማሲያዊ ረብሓ ከሲርናዮ ኢና፡፡ ኣብ 3ይ ክፋል፡ ሓገዝ ንጉጅለ ዕጡቋትን ሶማልን የመንን፡ ሃሱሳት ህግደፍ አብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ርክብ ምስ ሃገራት ከልጅን ዝምለከት ሓበሬታ ክፍኑ ኢየ፡፡
….ይቕጽል
*******
3ይ ክፋል
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!
ንዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ጉጅለ ኢሳይያስ ኣመልኪተ፡ ኣብ ዘዳለኹዎ 2ይ ክፋል ጽሑፍ፡ ንሓገዝ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደ/ሱዳን፡ ጁቡቲን ዝምልከት ሓበሬታ ዘርጊሐልኩም ነይረ፡፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ ምምስራት ኤማሰ (ሕቡእ ሰልፊ) ጀሚሩ፡ ብድፊኢት ኢሳይያስ ኣብ ጽግዕተኝነት ዝተመረኮሰ ስነ-ሓሳብ ተኸቲሉ’ዩ፡፡ እዚ ሓዱሽ ስነሓሰባዊ ውድቀት፡ ንኹሉ መትከላት ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣኸቲሊሉ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገርና ኤርትራ ይትረፍ”ዶ ንህዝባ ንካልእ ዝተርፍ ጸጋታት ከምዘይተዓደለት፡ ኢሳይያስ ኣብ ዘይሕጋዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝተሰረተ ኣጀንዳታት ሰሪዑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ጥራይ ከይተወሰነ፡ ክሳብ ኮንጎን ምብራቕ ኤውሮጳን መሓውራት ዘርጊሑ ተንቀሳቒሱ’ዩ፡፡
ብፍላይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ኣብ ናይ ጽግዕተኛነት ኣጀንዳ ከፈጽም ከምዘይክእልን፡ ኣብቲ ዞባ ብጀካ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ፡ ሕጋዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ካልእ ኣማራጺ ዕጽው ምኻኑ ምስተረድአ፡ ኢሳይያስ ስነ-ሓሳባቱ ብጎነጽ ንምትግባር ብኢደ ዋኒኑ ንሃገርና ኣብ መጋርያ ኩናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክሸማ ወሰነ፡፡ ኣብ ቀጥታዊ ኩናት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስ ኣጓነፎ ከኣ፡ ተዘዋዋሪ ኣጀንዳታት ኣሊሙ፡ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ክገብርን፡ ከም ወኪሎም ኮይኑ ከገልግልን ኢዩ መረጹ፡፡ ንሎሚ ኣብ ሓገዝ ንግበረ ሽበራውወን ጉጅለታት ሶማል ዝምልከት ሓበሬታ የስዕበልኩም፡፡
ሓራካት ኣልሸባብ ኣል ሙጃሂድን (Harakat al-shabaab al-mujahideen)
ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ መንህብ ኩሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ዝኾነት ሶማል፡ ዳግማይ ንምሕራርን ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ህንዲ ውቅያኖስን ዝነበረ ምንቅስቓስ ቅርሰና ንምእላይ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ፍሉይ ጠመተ ምስ ረኸበት፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ውን ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ሶማል ሓደስቲ “ዲፕሎማሲያዊ” መደባት ከሰላስል ጀመረ፡፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ሶማል፡ ብህዝቢ ሶማልን ብኣህጉራውያን ውድባትን ተቐባልነት ዘለዎም ውድባት ምሕብሓብን ምሕጋዝን ምስ ጀመራ፡ ብወገን “መንግስቲ ኤርትራ” ግን ነቶም ንጹጋት ግበረሽበራውያን፡ “ከም ሓርነታዊ ሓይልታት” ተቐቢሉ፡ ኣስማት ኣጠሚቑ፡ ሓገዛት ክገብርን ኣንጻር ወያነን ስትራተጅካዊ ረብሓ ናይ ዘለወን ካልኦት ሃገራት ድሌት ከማልእ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን መደባት ክዓምምን ኢዩ ዝመረጸ፡፡
ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ዘይፍለጡ ኣዳኸርቲ ሰብ ግዜ “ቆጣቑጢ” ሰሪዑ፡ ክሳብ ሶማል፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጓንዳን ዝተዘርግሑ፡ መርበባት ስለያ ዘርጊሑ ዕግሽግሽ ክብል ተራእዩ፡፡ ኣብዚ እዋናት ኢዩ፡ እቶም ኣብ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ውድባት ዝተረቑሑ፡ ከም በዓል ብ/ጀ ጎይቶኦም ጠዓመ (መቐለ)፡ ኮ/ል ኣማኒኤል ኪዳነ (ወዲ ኪዳነ)፡ ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ (ሃጸይነት)ን ካልኦትን ዝኣመሰሉ እሙናት ክግብሉ ዝጀመሩ፡፡
ብጀካ እቶም ዝጸንሑ ጽሑፋት፡ ኣብ ማሕበራዊ ቤ/ት ካድር ናቕፋ ዝቐርቡ ስልጠናታት ውን፡ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣድሂቦም ንህዝቢ ከምእምን በዘኽእል መገድታት ትሕዝቶታት ከዳልው ኢሳይያስ ኣዚዙ ኔሩ፡፡ የማነ ማንኪን ዓብደላ ጃብርን ኣብ ዝህብዎ ኣስተምህሮታት “…ብወያነ ትምራሕ ኢትዮጵያ፡ ዋላ ናብ 10 ክፍልታት ትፈናጨል፡ ፋሕፋሕ ትበል! ኣየግድሰናን፡፡ ወያነ ዝዳኸመሉ ኩሉ መገድታት ክነናድን ክንሰርሓሉን ኢና፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዘምጸኣልና ስኑዕ ጸለመታት ሓዲግና፡ ሶማላውያን ኣብ ግዜ ሽግርና ሰብ ውዕለትና ስለዝነበሩ፡ ንሕና ውን ንሰናይ ዳግመ ምቋም ሶማል፡ ክንሰርሕ ኢና፡፡ ናይ ማንም ምፍርራሕን ጉትጎታን ከይዓገተና፡ ንዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ሓገዝ ካብ ምውፋይ ኣይንበኩርን፡፡ ኣብ ሶማል እንኽተሎ ፖሊሲ፡ ንሶማላውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንወያነ ዘንቀለ ‘ፖሊሲ ገረብ ብሓኽላ’ ውን ኢዩ፡፡” ዝብሉ መደረታት ይስምዑ ነይሮም፡፡ ድሕሪ’ዚ፡ ፈለማ ንኣልኢትሃድ ቀጺሉ ከኣ ንእስላማዊ መጋባእያን ኣልሸባብን ዝተብሃሉ ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ሓገዛት ክግበር ተጀሚሩ፡፡
ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሪእናዮም ዘይንፈልጥ “ጨሓማት” ኣኽረርቲ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብን መደበራት ታዕሊምን ክዕንድሩ ጀሚሮም፡፡ ምስ ኣልቃዒዳ (ደሓር ውን ምስ ዳዓሽ) ርክብ ዝነበሮም ሓሰን ዳሂር ኣዌይስ፡ ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ ሙኹታር ሮቦ፡ ዓሊ ራገ፡ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳነ ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ‘ቶም ጥሩፋት ጉጅለታት፡ ኣብ ሆቴላት ኢንተር ኮንቲኔታል፡ ኒያላ፡ ሬድሲ፡ መዕረፊ ተፈሊዩሎም፡ ምቕናይ ምሕዳሮም ኣብ መሬትና ኮነ፡፡ ሓ/ኣየር ከም ሓደ ውግዓዊ ዕማም፡ ነዞም ጥሩፋት ናብ ዓሰብን፡ ባይዶዋ (ሶማል)ን ከመላልሶም ተኣዚዙ፡፡ ወትሃደራዊ መደበር ታዕሊማት ዊዓ፡ ዒን፡ ኣፋምቦን ኪሎማን፡ ካብ ምብራቓዊ እዚን ካብ ማእከል ስልጠና ፍሉይ ሓይልታት ዊዓን፡ ዝተዋጽኡ ኣባላት ከዚኑ፡ ንዓኣቶም ክዕልሙ መደባት ተዋሂብዎም፡፡ ካብ ሩስያ ብናይ ወጻእ ሸርፊ ዝተዓደጉ ዘይሕጋውያን ወነንቲ ነፈርቲ፡ ብጸላም ናብ ዓሰብ እንዳተመላለሱ ነቶም ተዓለምቲ ናብ መቋደሾ፡ ባይደዋን ኪስማዮን የብጽሕዎም ኔሮም፡፡ ብፍላይ ኣንቶኖቭ 24/5K544 ዝብል call sign ዘለዋ ነፋሪት ብተደጋጋሚ ተዋፊራ ኢያ፡፡
ኣብ ዞባዊ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ “ብማዕረ ምጽልላው” ዝብል መርሓ ተሪፉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብሓደ ገጽ ምስ ጁቡቲ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ምስ ሶማል ዘይተኣደነ ወጻኢታት እንዳተሓለበት ብተዘዋዋሪ ኣብ መጋርያ ኩናትን ዝተሸመት ሃገርና፡ ስማ ኣብ ጸብጻባት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቆጻጻሪ ጉጅለ፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክርቋሕ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ኢሳይያስ ዝኽተሎ ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ተናኻኺፍካ፡ ዞባዊ “ጎብለል” ምኻን ዝብል ድጉል ጥሙሕ (ambition) ብጭብጥታት ተቓሊዑ፡፡
ኣቐዲመ ኣብ ትሕቲ “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቆጣቑጢ ይረኣዩ” ዝብል ኣርእስቲ፡ ብ3 ክፋላት ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፋት፡ ኣብ www.sacttisim.com ክትውከሱ እንዳሓበርኩ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ንዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል (ሒዝቡል ኢስላም-ARS፡ እስላማዊ ግንባር ሶማል፡ ኣል ኢትሃድን ኣል ሸባብን) ካብ ዝግበሩ ዝነበሩ ሓገዛትን ወትሃደራዊ ታዕሊማትን ገለ ተወሳኺ ጭብጥታት ክውስኸልኩም፡፡
• ፈለማ ጉዳይ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማል፡ ከም ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገይሩ ክጥቀመሉ ምስ ሓሰበ፡ ኣብ ሶማል ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ረብሓ ምስ ዘለወን ሃገራት ወኪል ኮይኑ ኢሳይያስ ምስ በዓል ኣሕመዲን ነጃት ክውል ልዝብ የካይድ ኔሩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ስትራተጅካዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን መስመር ነዳዲ ባቢኤል መንደብን መትረብ ስዊዝን ሃገራዊ ረብሓ ዘለወን ሃገራት ኢራን፡ ምስሪን ቀጠርን ሓሪዩ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣእዳወን ክሓውሳ ብምእማን ዘይተኣደነ ኣታዊታት ረኺቡ’ዩ፡፡
• አእግሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ምእታው፡ ኣብ ወርሒ 7/2006፡ 7 ወትሃደራዊ መኮነናት ንኣል-ሸባብ ብዝተፋለየ ወትሃደራዊ ማዳያት ከስልጥኑ፡ ናብ መቋደሾ ተላኢኾም ‘ዮም፡፡ በቲ እዋን ብቴሌግራም ናብ “ጠዊል” (ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ናይ ኢሳይያስ ናይ ሬዲዮ መጸውዒ ኮድ ስም) ተባሂሎም ዝተልኣኹ መልእኽታት ከምዝሕብርዎ፡ እቶም መኮነናት ኣብ ሶማል ንክልተ ወርሒ ናይ ስልቲ፡ ታንኪ፡ ነተጉቲ፡ ስቲንጀር፡ ካርታን ሓበሬታን ስልጠና፡ ኣፍደወ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝሰልጠኑ ብዝሒ ኣባላት 367 ከምዝነበሩን፡ ኣብ ምእላዮም በዓል መቐለን ወዲ ኪዳነን ከምዝተሳተፉ፡ ናይ ተኮስትን ተተኮስትን ሕጽረታት ከምዘጓነፎም ውን ተገሊጹ፡
• ኣብ ሓደ ናይ ሬዲዮ መልእኽቲ (ብ Data com) እቶም ጋዜጠኛታት (ተስፋልደትን ሳልሕ ጋማን) ደንጊዮም ከምዝበጽሑን፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከምዝኣተውን ይገልጽ፡፡ (ኣብ ቀረባ እዋናት እዞም ጋዜጠኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈትሑ ይሕበር ኣሎ)
• ክሳብ 2007 ወርሒ ሰለስተ 2314 ኣባላት ኣልሸባብ፡ ብፍላይ ከኣ ጉጅለ ዳሂር ኣዌይስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰልጢኖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ወርሒ 10/2008፡ ቁጽሮም 20 ዝኾኑ ፍሉያት ዕጡቋት ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ባጽዕ ናቫል ቤዝ፡ ብኣዚዩ ሚስጢራዊ ኣገባብ ሰልጢኖም ኢዮም፡፡ እዞም ዕጡቋት ናይ “ነብስኻ ምጥፋእ” (Suicide mission) ውሳነ ከምዝወሰኑ ዝተኣመነሎም ኮይኖም፡ ኣብ ሶማል ኣትዮም ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ሞቋደሾ ኣብ ዝርከቡ ትካላትን ዕደጋን፡ ነብሰ ቅትለት ብምፍጻም “ቅያ” ክሰርሑ ዝተወደቡ እዮም፡፡ እዞም ኣባላት ናይ ካርታ፡ GPS፡ ነተጉትን ንገሊኦም ድማ ናይ ፈጣን ጃላቡን ስልጠና ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ሓ/ባሕሪን ሃንደሳ ምክልኻልን ዝዓለምዎም ኣባላት 1. ሜጀር ተስፉ ስዩም- ማንጃግሮ (ሓላፊ ስለያ ሓ/ባሕሪ)፡ 2. ሌ/ኮ ሰለሙን ኢያሱ -ወዲ ኢያሱ (ካብ ሃንደሳ ምክልኻል)፡ 3. ም/ተለንተ ተስፋኣለም ባይረ- ወዲ ባይረ (ኣባል ሓ/ባሕሪ)፡ 4. ገብረሂወት ዓንደ- ወዲ ዓንደ (ኣባል ሓ/ባሕሪ ክፍሊ ካርታን ሓበሬታን)፡ 5. ሳልሕ ዓሊ (ኣባል ስለያ ሓ/ባሕሪ ከም ትርጁማን)፡ 6. ጀማል ዓሊ (ኣባል ጸረ ስለያ ሓ/ባሕሪ)ን 7. ተለንተ ኣደም ዝተብሃለ ካብ ክፍሊ ጎስጓስን ሓበሬታን እዮም፡፡ ነዚ ስውር መደብ ብሓላፍነት ክከታተልን ክመርሕን ዝተመዘ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓ/ባሕሪ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት (ወዲ መምህር) ነይሩ፡፡
• ንፍሉይ ድብያን መጥቃዕትን ዝለኣኹ ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ናብ ሶማል ብባሕሪ ካብ ደሴት ሓሌብ ይብገሱ ነይሮም፡፡ ደሴት ሓሌብ ካብ ዓሰብ ንደቡባዊ ምብራቕ፡ ኣስታት 91 ኪ/ሜ ብመሬት ርሒቓ እትርከብ፡ ኣብ 1988 ብደርግ ዝተደኮነት ምጭውቲ ደሴታዊት ከተማ ኢያ፡፡ ብኣግራብን ብጽቡቕ ቅዲ ብዝተሃንጸ ህንጻታት እተወቀበት፡ ንበጻሒ እትስሕብ ደሴት ኢያ፡፡ እዛ ደሴት ጀላቡን ማእከለዎት መራኽብን ክዕሸጋሉ ዘኽእል፡ ክልተ ጀቲ ትውንን፡፡ እቲ ሓደ ጀቲ ንኣገልግሎት ሓሬና ምህናጽ ጀላቡ፡ ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ጀቲ ኣብ ልግስ ዝበለ ቦታ ዝተደኮነ ኮይኑ፡ ንሓይልታት ሓ/ባሕሪ ዝተገዝአ ኢዩ፡፡ ምህናጽ ጀላቡ ሓሬና፡ ክንዮ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ከም መነሃርያ ሓገዝ ንኣልሸባብ ዘገልግለሉ እዋን ውን ኔሩ ኢዩ፡፡ ብትእዛዝ ሓላፊ ስለያ ምብራቓዊ እዚ ነበር ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ (ሃጸይነት)ን ብሓለፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ደ/ቀ/ባ ነበር ደብሩ ኪዳነ (ተኾሳተር)ን፡ ንተቓወምቲ ሶማል ዘገልግላ፡ ናይ ጣውላ ጀላቡ፡ ኣብ ሓሬና ከምዝጽገናን ክሳብ መደብ ስራሕ ዝወሃበን ከኣ፡ ምስ ካፒተናተን ኣብ ሓሬና ክጸንሓ ይግበር ነይሩ፡፡ ብድሕሪኡ ብበጣሕ ንብረት ምስ መጸ፡ ኣብቲ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ጀቲ ተራጊፉ፡ ብኡ ንብኡ እተን ጀላቡ፡ ብጽልማት ግዒዘን ከምዝጸዓና ይግበር፡፡ እዚ ብኣዚዩ ጥንቁቕ ሚስጢር ክተሓዝ ኢሳይያስ ይእዝዝ ኔሩ፡፡ እተን ንኣልሸባብ ዝወሃባ ጀላቡ፡ ዓቢ ናይ መጽዓኒ ሳልቬታ ዘለወን፡ ብጠዋሉ ዝተስርሓ ኮይነን፡ ብየመናውያን ካፒተናት ከኣ ይምርሓ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ኢንተርናሽናል መስመር ከም ገፈፍቲ ዓሳ የመናውያን ኣምሲልካ፡ ናብ ሶማል ንምሕላፍ ኢዩ፡፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ይግበረለን፡፡ ካብኡ ምስ ሓለፋ ከኣ፡ ናይ የመን ባንዴራ ተገይሩለን ብለይቲ ለይቲ ይጓዓዛ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ከኣ፡ ንብረት ኣብ ሶማል ኣራጊፈን ይምለሳ፡፡ እቶም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ኣባላት “ነብሰ ቅትለት”፡ ብዕለት 21 ጥቅምቲ 2008 ብዩሱፍ ኣብሳሜ ዝተብሃለ መራሕ ጋንታ ተመሪሖም፡ ብሓሌብ ኣቢሎም ናብ ሶማል ዝተልኣኹ ኢዮም፡፡
• ጉዳይ ሶማል ካብ ዞባ ሓሊፉ፡ ኣህጉራዊ ጠመተ ኣብ ዝረኸበሉ እዋናት፡ ኣብ ሞንጎ እቶም መሪሕነት ጉጅለ ዕጡቋት ኣልሸባብ፡ ምፍንጫል ተፈጢሩ፡፡ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኢንትርኮንቲኔታል ሆቴል ሸናዕ ክብል ዝጸንሐ፡ ሸኽ ሸሪፍን ብጾቱን፡ ንኢሳይያስ ራሕሪሖም፡ ንዕርቂ ናብ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣትዮም፡፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ሶማል ዝነበሮ ተስፋታተት ማህሚኑ ተሪፉ፡፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝመረጸ ኢሳይያስ፡ 3ተ ዜጋታትና ኣብ ሶማል ምስተማረኹ ውን “ኣይንፈልጦምን” ክብል ኢዩ ተሰሚዑ፡፡ ኣታ መን ክሓፍረሉ! የለኹምን ዲኹም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና? ካልእ ይትረፍ ብማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝዳሎ፡ ናይ መደብ “ዋልታ” ኣዳላዊ ዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ንጋዜጠኛ ሳልሕ ጋማ ከይተረፈ፡ “ኣይፈልጦን” ምባሉ ሃየንታ ዶ ኣይኮነን? ኩሉ ምስተፈደሖ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት እንሆ ኣንጻሮም ክዋጋእ ከምዘይጸንሐ፡ ንሓዱሽ ግዚያዊ መንግስቲ ሶማል “ከም ህጋዊ መንግስቲ ተቐቢልናዮ ኣለና” ኢሉ ብኣፈኛታቱ መግለጺታት ከውጽእን መግለጺታት ሓዘን ክልእኽን ተዓዚብናዮ ኣለና፡፡
• ኩሉ ዝመገዱ ኣባጓይላ ኢሳይያስ (A man of all destinations)፡ ሓደ ግዜ፡ ከም ብጻጸ ዝተነኽሰ ተመን፡ ካልእ ግዜ ከኣ ከም ኣንበሳ እንዳተለዋወጠ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ሃገርና፡ ካብ ዞባዊ ናብ ትሕተ ሃገራዊ፡ ካብ ምምልላእ ናብ ምጉድዳል፡ ካብ ሕብረት ናብ ምፍንጫል፡ ካብ ክልተኣዊ ናብ ጉጅላዊ ርክባት እንዳውረደ፡ ነታ ሃገር ምስ ሰሜን ኮርያ ክተመሳሰል ቀሲብዋ ኢዩ፡፡ ሕጂ ውን ሓድጊ እቶም ጉጅለታት ኣል ሸባብ ዝኾኑ፡ ከባቢ 30 ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዊዓ ብሎክ ሓልሓል ኣለው፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ኣባላት ኣልሸባብ ዝተሳተፉ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ዝስዕቡ ኢዮም፡፡ 1. ሌ/ኮ ጀማል መሓመድ (ሓላፊ ማ/ስ/ፍሉይ ሓይልታት ዊዓ፡ 2. ካፒተን ተኹሉ ወልደስላሰ (ም/ሓላፊ ማ/ስ/ፍሉይ ሓይልታት ዊዓ) 3. ካፒተን ሮሞዳን ኣሕመድ (ኣዛዚ ብሎክ ሓልሓል) 4. ካፒተን በረኸት ሃይለ (ኣዛዚ ብሎክ ዓራግ)፡ 5. ካፒተን ሳልሕ ዑሞር (ኣዛዚ ብሎክ ፈንቅል) 6. ሳልሕ ብልዖ – ወዲ ብልዖ (ኣባል ብሎክ ሓልሓል) ‘ዮም፡፡
ኣብ 4ይ ክፋል ኣብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ኣባላት ስለያን ዝተኻየዱ ስርሒታትን፡ ኣብ ታዕሊም ንየመናውያን ጥሩፋት ጉጅለታት ሑቲን ካልኦትን ዝምልከት ሓበሬታ ክፍንወልኩም ኢየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሕጂ ውን ኣብ ውሻጠ ህግደፍ ኮይንኩም በቢእዋኑ ሓበሬታ ተስንቑኒ ሓለፍትን ካልኦትን ግዱሳት ዜጋታት ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡
ወደሓንኩም ንኹሉ ንምብጻሕ ሼርን ላይክን ኣይተውሕዱ፡፡
*******
4ይ ክፋል
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ምትፍናን ኣብ ዝዛወሉ ህግደፋዊ መድረኽ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኸ ህዱእ ምሕዝነት ዝፈጥር ጽምዶ ከምዘየልቦ፡ ካብ ዝሓለፉ ጽሑፋት ምርዳእ ይከኣል፡፡ ብርግጽ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን፡ ፈታዊን ጸላኢን ዝበሃል ኣምር (ስነ-ሓሳብ) የለን፡፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክትስልልን፡ ኣብ ምሕዝነት ክትነጥፍን፡ ንቡርን ግቡእን ከምዝኾነ’ውን እኣምን፡፡ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስለያዊ ኮነ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት፡ ንሃገራዊ ረብሓናን ድሕነትናን ዝጠቅም ዘይኮነስ፡ ንዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ዘናውሕ ካብ ዝኸውን፡ ዛጊት ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድጉል ህሞት፡ ዝጠሓለ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ እታ ዝተረፈቶ እንኮ ኣማራጺ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ምህዋኽ ስለዝኾነ፡ ኩለን ውዳቤታት ወጻኢ፡ ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝድርኹ ንጥፈታት ምዕማም፡ ኣብ ጸጥታዊን ወትሃደራዊን መደባት ኣተኩረን ክዓማ ብዘኽእል ኣወዳድባ ኢዩ ዝሰርዐን፡፡
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!!
ንሎሚ ምስ ሱዳን ኣብ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣድሂበ፡ ጽሑፈይ ምስዝቕጽል፡ እታ ኢሳይያሳውያን፡ “ብሓለንጊ ሰውራ” ዘጉባዕቡዕላ፡ “ሻውዐቲ ዞባና” ዝብሉዋ ሃገረ ሱዳን ንረክብ፡፡ ሱዳን ግዳይ ስውር ህግደፋዊ ተልእኾ ካብ ትኸውን፡ ነዊሕ ኣቑጺራ ኢያ፡፡ ከም ሳክቲዝም፡ ሱዳን ምስ ጅኦ ፖለቲካዊ ረብሓታት ብምትእስሳር፡ ንኤርትራ ስትራተጅካዊ ረብሓታት ክንረኽበላ እንኽእል ሃገር ከምዝኾነት እኣምን፡፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ግን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጅኦ ፖለቲካዊ ረብሓታት ዘድህብ፡ ብኣዚዩ ደቂቕ ስለያዊ መርበባት ተሰኒዩ፡ ነታ ሃገር ክሕምስን፡ ነቲ ካብ ሃገር ተጨኒቑ ዝተሰደደ ዜጋና፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንምጭዋይን ንምቕንጻልን ብዙሕ ጽዒሩ ኢዩ፡፡ ካብ መሬት ሱዳን ወይ ብስርሒት፡ ወይ ከኣ ብብላዕ ተሓጊዝካ ሰብ ሓሓኒቕካ ምምጽእ “ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ ኢዩ” ኢልካ ብጃህራ ትጭድረሉ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ፡ ንባዕላ ሱዳን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝተሸመመት፡ ብዙሕ ብኮታት ዘለዋ ሃገር ምኻና ስለ ዝፈልጥ፡፡
ሃገረ ሱዳን ብምዕራብ ብጉዳይ ዳርፉር፡ ብደቡብ ብጉዳይ ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ሱዳን፡ ብሰሜን ብጉዳይ ምስሪን ፈለግ ኒልን፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ብቐቢላዊን ባህሪያዊን ጎንጽታት፡ እትሕመስ ሃገር ኢያ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብመንጽር ጸጥታን ሃገራዊ ሓድነትን፡ ስርዓት በሽር ዋላ ብዙሕ እንተሰጎመ፡ ሕጂ ውን ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን፡ ኣብ ማእከል ካርቱም ኣብ ሞንጎ ሰልፍታት ዝረኣዩ ፖለቲካዊ ኣፋላላያት፡ ናይታ ሃገር ቀንዲ ብደሆታት ኢዮም፡፡ ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ዘቤታዊ ጸገማት ሃገረ ሱዳን፡ ብምኽንያት ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ፕረሲዳንት ኣልበሽር፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝወጸ ናይ ምእሳር ዋረንትን፡ ብበዓል ኢሳይያስን ጫድን ዝሕብሐቡ ዕጡቋት ጉጅለታት ዘካይድዎ ስርሒታት፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ጌሩዋ ኢዩ፡፡
ስለዚ፡ ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ስርሒትን ስለያዊ መስርሕን፡ ንውሽጣዊ ቅልውላው ሃገረ ሱዳን መዝሚዝካ ዝካየድ”ምበር ኣፍልብኻ ነፊሕኻ ትጀሃረሉ መርኣያ ስለያዊ ዓቕምታት ኣይኮነን፡፡ እንዳ ኢሳይያስ ግን፡ ንዝቃወሞም ከርዕዱ፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ክብለጹ፡ ካብ ሱዳን ሰብ ክጭወዩ እንከለው “ሓለንጊ ሰውራ…” እንዳበሉ ክጉስጉሱ ጸኒሖም’ዮም፡፡ ብዝኾነ ናይ ሎሚ መደበይ ኣብ ሱዳን ብቐንዱ፡ ስለያዊ ዕማማት ዝተዓደሎ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዘካየዶም ኣንጻር ረብሓታት ሃገር ዝኾኑ ሽርሒታት ምቅላዕ ስለ ዝኾነ ናብኡ ከስግረኩም፡፡
ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ካብቶም ኢሳይያስ ብቐጥታ ዝከታተሎም፡ ዘይውግዓዊ ውዳቤታት ሓደ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ስለያዊ ንጥፈታት ዝዓምም ክፍሊ ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን፡ እዚ ክፍሊ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ዝተብሃለ፡ ገዲም ተጋዳላይ ዝመርሖ ኮይኑ፡ ዘይወግዓዊ “ሓላፊ ምውህሃድ ወፍሪታት ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን” ዝብል ሓላፍነት ኣለዎ፡፡ ኣብዚ እዋን ወዲ 78 ዓመት ወዲ በርሀ፡ ኣብ ገድሊ ኣባል ኮማንዶ 72 ዝነበረን “ኣብ ቅያ 18 ደቓይቕ” ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓደ’ዩ፡፡
ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ሃገራዊ ድሕነትን ተመዲቡ ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ጥዕና ጸገም ዝገበረ ወዲ በርሀ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ተመዲቡ፡ ብምስምስ ኣስገርቲ፡ ጀብሃ፡ ጀሃድ፡ ተቓወምቲ፡ ሃንደስቲ፡ ኣስገርቲ፡ ተሓባበርቲ…ዝእስሩ፡ ዝጭወዩን ዝቕንጸሉን ዝነበሩ ሰባት፡ ብላዕለዋይነት ዝመርሐን ዝኣዘዘን ሓላፊ ኔሩ፡፡ ወዲ በርሀ ኣልኮሊዛቶ ኮይኑ፡ ብሕማም ምንቅጥቃጥ (Parkinson`s)ን ምሕባጥ መሓውራትን ምስተጠቐዐ፡ ናብ ኣስመራ ተሳሒቡ፡ ብዘይ ስራሕ ኣብ ሆቴል ኒያለ ተቐሚጡ፡ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክመላለስ ጸኒሑ፡፡ “ስምዒታት ኣሕዲሩ” ምስ ተብሃለ፡ ኢሳይያስ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ቤት ገርግሽ፡ ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ መዲብዎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ ውን፡ ከም ሓላፊ ምውህሃድ ወፍሪታት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ ቤት ገርግሽ ነቲ ስራሕ ክዓሞ ስለ ዘይከኣለ፡ ኮ/ል ፍጹም ኢሳቕ -ሌኒን (ሓላፊ ምውህሃድን ወፍሪታትን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ)ን ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ-ሃጸይነት (ሓላፊ ስለያ ምብራቓዊ እዚ ነበር)ን ንዕኡ ተኪኦም ይዓይዎ ኣለው፡፡
ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት፡ ብስለያዊ ሽርሒታት ምስ ተተክኡ፡ ኣብ መሬት ሱዳን ነዞም ሽርሒታት ክዓዩ ካብ ዝጸንሑ ሰባት ሓደ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ወዲ በርሀ ኔሩ፡፡ ብሰንኪ ምስ ሱዳን ዝነበረ ምስሕሓብን ምትፍናንን፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ሱዳን ዝነበራ ቤ/ጽሕፈታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ምዕጻውን ምኽፋትን ጸኒሐን እየን፡፡ ብመንጽር ሃገራዊ ድሕነት፡ ነቶም ግቡእ ድሕነታዊ ዕዮታት ክዓሙ ዝጸንሑ ሓለፍትን ዜጋታትናን ሓዲገ፡ በቲ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ምጭዋይ፡ ኣብ ቅንጸላ፡ ኣብ ምድኻም ተቓምቲ ሰልፍታትን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ደቂ ሰባት ዝሳተፉ ዝነበሩ፡ ብማአክላይ ቤ/ጽ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ዝተዋፈሩ ቀንዲ ኣባላት ዝስዕቡ ኔሮም፡፡
ኮ/ል ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ፡ ካብ 1997 ጀሚሩ፡ ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ፡ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ስርሓት ዝዓመመ ተጋዳላይ’ዩ፡፡ ቅድሚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ውግዓዊ ባይታ ምርካቡ፡ ኣብ ካርቱም ብጉልባብ፡ ኣብ ኤምባሲ ንግስነት ሰዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ክነጥፍ ጸኒሑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓለፍቲ ስለ ዝተብኣሰ ናብ ኣውስትራሊያ ሃዲሙ፡፡
ሳምሶም ግርማይ፡ ትውልዲ ዓዱ ከባቢ ዓዲ ንፋስ ኮይኑ፡ ብጉልባብ ኣብ ካርቱም፡ ከም ተምሃራይ ብሪትሽ ካውንስል ዝተመደበ ኢዩ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ምስ ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ)፡ ናይ ቀረባ ዝምድና ዘለዎን ኤምባሲ ኤርትራ ምስተኸፈተ ውን ከም ግዝያዊ ቆንስል ብምኻን ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡ ኣብ መሬት ሱዳን ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ምስ ፈጸመ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ኤርትራ ብምእታው ኣብ ዓዲ ንፋስ ብሚሊዮን ዝግመት ወጻኢታት ዝተገብረሉ ኣባይቲ ሃኒጹ፡ ኣብ ከባቢ ኦሞሓጀር ናይ ሓደ ኣለም ወልደስላሰ ዝበሃል ሞዋቲ ጀርዲን ገዚኡ ይሓርስ ኣሎ፡፡ ኣብዚ እዋን ውን ኣሳሳዪ ተኽለ ማንጁስ ኮይኑ፡ ኣብ ዶባት ሓምዳይትን ኦሞሓጀርን ኣብ መሸጣ ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምስ ራሻይዳን፡ ኣብ ምሕብሓብ እቶም ዝተረፉ ዕጡቋት ዳርፉርን ተዋፊሩ ኣሎ፡፡
ዓሊ ዓብደልቃድር፡ ምስ መሓመድ ሸኽ ዝተብሃለ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ዜግነት ዝነበሮ ውልቀሰብ፡ ብጉልባብ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ወደብ ይስርሕ ኔሩ፡፡ ደሓር ኤምባሲ ምስተኸፍተ፡ ፕሮቶኮል ዝብል ጉልባብ ተዓዲልዎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ይነጥፍ ኔሩ፡፡
ተስፋይ መንግስትኣብ፡ ፈለማ ኣብ ካርቱም ኮለጅ ካምቦኒ፡ ከም ተምሃራይ ቋንቋ ዓረብ ኮይኑ ብጉልባብ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ምኽፋት ኤምባሲ ከም ኣውቲስታ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ መፋርቕ 2000 ናብ ጁባ ተቐይሩ፡ ብሰንኪ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ሶማል (ኣልሸባብ) ዝተልኣኸ ግን ዝፈሸለ ሓደ ሓደ ስውር ስርሒት፡ ናብ ኤርትራ ተሳሒቡ ተኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ሃላዋቱ ኣይፍለጥን፡፡
እዞም 4ተ ኣባላት ወጻኢ ስለያ፡ ነፍሰወከፍ ስርሖም ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወጻእ ስለያ ማለት ናብ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤልን ኮ/ል እምናይ ስሌማን (ወዲ ሻምበል) ብመልክዕ ጸብጻብ ቀጻሊ ይልእኹ ኔሮም፡፡ ካብ ትሕዝቶታት ጸብጻብ ስርሒታት ሱዳን ንሎሚ ዝስዕቡ የቕርበልኩም፡፡
ስርዓት ኢሳይያስ ህላወ ተቓዎምቲ ውድባት ብወግዒ ምስከልከለ፡ ካብ ሃገርና ናብ ስደት ዘምረሓን መዋእለን ኣብ ስደት ዝነበራን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኣቢሉ ስውር መጽናዕቲ የካይደለን ኔሩ፡፡ ብመንጽር”ዚ መደብ፡ ኣብ ሱዳን’ውን ከም ሰውራዊ ባይቶ (እንዳ ቲያር)፡ ሳግም፡ “ጀሃድ” (እንዳ ዓብደላ እድሪስ)ን ኣቡሱሄልን ኣብ ታርጌት ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኣትዮም ኔሮም፡፡ ብፍላይ ግርማይን ሃነጸን (ካብ ሰውራዊ ባይቶ እንዳቲያር)፡ ቀሺ ጴጥሮስን በየነን ዝተብሃሉ ካብ ሳግም፡ ከምኡ ውን ሃለቃ መዝገበን ዝተብሃሉ ኣባላት፡ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ምክትታላት ኔሮም፡፡ ኣብ ሱዳን ንክፍሊ ወጻእ ስለያ ብዛዕባ እተን ሰልፍታት ሓበሬታ ካብ ዘመሓላልፉ ቀንዲ ተሓበበርቲ፡ መሓመድብርሃን (ካብ እንዳ ዓብደላ እድሪስ)ን ገብሩ ዝተብሃለ (ካብ ሰውራዊ ባይቶ)ን ኔሮም፡፡ ብፍላይ መሓመድብርሃን ንዓብደላ እድሪስ ንምቕንጻል መደብ ተዋሂብዎ ኔሩ፡፡ ብጀካ እዞም ክልተ ቀንዲ ተሓባበርቲ፡ ካልኦት ተሓባበርቲ ውን ዝነበሩ ኮይኖም እዞም ክልተ ግን፡ ብዛዕባ እተን ውድባት ደቂቕ ሓበሬታ ዘመሓላልፉን ወርሓዊ ክሳብ 200 ዶላር ዝኽፈሎም ኔሮም፡፡
ኣብ ሱዳን ብወጻእ ስለያ ኣቢሉ፡ ካብ ዝትግበሩ ዝነበሩ ስውር ስለያዊ ተልእኾታት ሓደ፡ ኣኼባታት ተቓወምቲ ውድባት ብዝተፈላለየ መገዲ ክቋርጽን ኣባላትን መራሕትን ነንባዕሎም ክናቆቱ ምግባር ኔሩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ ካብ ኣጀንዳ ወጻእ ሕቶታት ብምልዓል፡ ንሓለፍቲ እተን ውድባት ዘከሻምሽ ድሕሪ ባይታ ኣብ ኣኼባ ብምልዓል፡’ቶም ብስልኳታት ዝኣተው ኣባላት ኣብ ውሽጢ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ብዙሕ ሰሪሖም’ዮም፡፡
ኣብ ሱዳን ጣይፍ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተደኮነት ቤተክርስትያን ኣንዳሚካኤል፡ ኣብ ዝነበረ ጎንጽ ተጠቒምካ፡ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ሃጓፋት ንምፍጣርን፡ ኣብ ውሽጢ’ቶም ተቓወምቲ ውን ብምስምስ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎም ምግባር መደብ ወጺኡ ኔሩ፡፡
ወርሒ 1. 2000 ኣብ ካርቱም ብውግዓዊ መገዲ ዝተሃንጸ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ፈለማ ብወጻእ ጉዳያት ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ተመሪቑ ምስተኸፈተ፡ እቶም 4ተ ወደብቲ ወግዓውያን ልኡኻት “ሃገረ ኤርትራ” ኮይኖም፡ ኣብቲ ኤምባሲ ክዓዩ ተመዲቦም፡፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ብወግዓዊ ምስተኸፈተ ድማ፡ ንተልእኾታት ወጻኢ ስለያ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ፡፡ ሓምድ ሕምድ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ሚሽን ናብ ሱዳን ተሳሒቡ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሓምድ ሕምድ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ገድሊ ኣባል እንዳ 72 ኮይኑ፡ ኣብ ስራሕውቲ ፈዳያን፡ ስውር ድብያታት፡ ቅንጸላን መርሸንትን፡ ጸሊም ታሪኽ ዘለዎ፡ ኮሎኔል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ውን፡ ብጉልባብ ሚሊታሪ ሚሽን፡ ናብ ካርቱም ኤምባሲ ተመዲቡ፡፡ ወዲ ፊውተራሪ ምስ ተመደበ፡ ኣብ ሱዳን ዝፍጸም ዝነበረ ስውር ሽርሒታት፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣበሪኽዎ ’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳን ዝኾነ ኣንጻር ኢሳይያስ ዝቖመ፡ ኣብ እዋን ደርግ ሓለፍነት ዝነበሮ፡ ምስ ደርግ ርክብ ዝገበረ ሰብ፡ ኣባላትን ሓለፍትን ተቓወምቲ ውድባት (ብፍላይ ከኣ ጅብሃ)፡ ኮታስ ኣንጻር ስነ-ሓስብ ኢሳይያስ ዝቖመ ዝኾነ ሰብ ደቂቕ መጽናዕቲ ምክያድን ሓሓኒቕካ ምሕቓቕ ኮነ፡፡ ከም ወዲ ፊተውራሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ሰባት ክኣርን ከሕቅቕን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋፈረ ድማ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ነበረ፡፡
ወዲ ፊተውራሪ፡ ናብ ሱዳን ምስተልኣኸ ብኣልማማ ዝፈጸሞም ዘስካሕክሑ ገበናትን ስርሒታትን ንምቑጻር ዳርጋ ኣይከኣልን፡፡ ብኮድ Xls/ 0015 ተሰኒዶም ኣብ ጸብጻባት ካብ ዝሰፈሩ ፍጻመታት ወዲ ፊተውራሪ፡ 11 ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት፡ 8 ኮንትሮባንዲስታ ዝብሎም፡ 6 ብጀሃድ ዝተጠርጠሩን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ዜጋታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ተዓፊኖም ክኣትው ብምግባር ስጉምቲ ኣውሲድሎም ‘ዩ፡፡
ኤምባሲ ሱዳን ተልእኾታቱ ሙሉእ ብሙሉእ ብመደባት ወዲ ፊተውራሪ ምስ ተብሓተ፡ ዕለታዊ መደባት ሱዳን ኣብ ምክትታል ዶባት፡ ምክትታል ንምቅስቓሳት መንግስቲ ሱዳን፡ ምክትታል ተቓወምቲ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን፡ ምድላው ወረቓታዊ መሳለጥያታትን መጓዓዝያን ንተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ከምኡ ውን ምስላጥ ጭውያታትን ድብያታትን ከድህብ ተገይሩ፡፡ ኩሉ ውዳቤታት ብመንጽር ዞም ዕለማታት ስለዝቖመ፡ ብቐንዱ ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ርክባት ክሰላሰልን ክሕይልን ይድለ ኔሩ፡፡
ምስ ሱዳናውያን ኣብ ዝነበረ ርክባት ውን፡ ንዓብዱራሕማን ሰረልከቲም (ምክትል ሚኒስተርን ኣማሓዳሪ ከሰላን መደኒን ነበር)፡ ቃዝ ሳላሕዲን (ፍሉጥ ጠበቓን ኣብ እዋን ገድሊ ምስ ኢሳይያስ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮን)፡ ሳላሕ ጎሽ (ሓላፊ ጸጥታ ሱዳን ነበር) ዱልዱል ርክባት ክሃንጹ ብዕቱብ ይሕበሮም ኔሩ፡፡ በቢጽፍሑ ዝርከቡ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን፡ ብልዝብን ብብላዕን ክሕዝዎም ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ መድረኻት፡ ብፍላይ ኣብ ጭውያን ዓፈናን ኣድሂቦም ክሰርሑን፡ ኣብ መሬት ሱዳን ራዕዲ ክፍጠርን ኮነ ተባሂሉ ተሰሪሒሉ’ዩ፡፡
በዓል ወዲ ፊተውራሪ ጸብጻባቶም ምስ ኣጻፈፉ፡ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ መደብ ዝተዓደሎ ድማ ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን ብጉቦ ዝተዓደጉ ሱዳናውያን ኣባላት ብሄረ ረሻይዳ ‘ዮም፡፡
ኣብ መስርሕ ምእሳርን ምጭዋይን፡ እቲ ኣብ ኣጻምእ ምድሪ ዒራዒሮ ዝተሰውአ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ባዕሉ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ናይዚ ስውር ስለያዊ መርበባት ኮይኑ ኢዩ፡፡ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ካብ ዩንቨርስቲ ዒራቕ ብኬሚስትሪ ዝተመረቐ፡ ኣብ ስደት ኣብ ሱዳን ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ዒራቕ ማሕበር ተምሃሮ ኣብ ምምስራትን ምውዳብን ሓያል ኣበርክቶ ዝገበረ፡ ውፉይ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ኔሩ፡፡ ኣብ ማሕበር ተምሃሮ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ማእከላይ ምብራቕ ብምኻን ውን ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡
ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ ድሕሪ ምስርሑ፡ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ከኣ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻእ ጉዳያት ኣብ ክፍሊ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እንዳሰርሐ፡ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ምድልዳልን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ኣብ ሽምግልና ማያዊ ዶባት፡ ኣብ ሽምግልና ኣልጀርስ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኣበርክቶ ዝገበረ መራሒ ኔሩ፡፡ ኣብ ወጻእ ዝነበሮ ተሞኩሮ ተመዝሚዙ፡ ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ሱዳን ንሓጺር እዋን ምስተልኣኸ፡ ብኡ ንብኡ፡ ኣብ ጉዳይ ጉጅለ 15 ኢድ ከም ዘለዎ ስለ ተጠርጠረ፡ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ብዘውረዶ ትእዛዝ መሰረት፡ ክፍሊ ወጻእ ሰለያ ብጉልባብ ናብ ውሽጢ ከምጽእዎ ተኣዚዞም፡፡ በቲ እዋን ንሓምድ ሕምድ ንምቕያድ፡ ሓላፍነት ዝተዓደሎ’ውን መሳርሕቱ ወዲ ፊተውራሪ ኮይኑ፡ “እቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣባላት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን (SPLA) ምእንቲ ብሓባር ክንኣልዮም ናብ ተሰነይ ንኺድ” ብምባል፡ ብህጹጽ ብመኪና ናብ ዓዲ ክኣቱ ሓበሮ፡፡ በቲ እዋን ነቶም 4ተ ኣባላት ስለያ ኢምባሲ ብስውር ተዓጢቖም፡ ናብ ተሰነይ ከእትውዎ ተኣዚዞም፡፡ ኣብ መፋርቕ መስከረም 2001፡ ብሓንቲ ላንድክሮዘር ብከሰላ ኣቢሉ ናብ ተሰነይ ምስ ኣተወ፡ ተኽለ ማንጁስ ምስ ኣባላቱ ተረኪቦምዎ፡፡
ኣብ ሆቴል ሳብሪን ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ሓዲሩ፡፡ ንጽባሒቱ ብሜጀር ብርሃነ ግርሙ (ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ክፍሊ ምክትታል ወጻእተኛታት ነበር ኣብዚ እዋን ኣባል ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን) ዝምርሑ ኣባላት ተላኢኾም፡ ተዓፊኑ ናብ እምባትካላ ተወሲዱ፡፡ ኣብ እምባትካላ ምስ ቅያር ክዳውንቱ ዝኣተወ እንኮ እሱር ዝነበረ ሓምድ ሕምድ፡ ኣብ መወዳእታ ብዕለት 07.06.2003 ኣብ ሳልሳይ ዙር ብናይ ኮ/ል ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) መኪና ናብ ዒራዒሮ ዝተዛወረ እሱር ኢዩ፡፡ ኣብ ዒራዒሮ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 31 ንኣስታት 3 ወርሒ ድሕሪ ምእሳሩ ብሕማም ሳምቡእ ብዕለት 22 መስከረም 2003 ተሰዊኡ፡፡
*******
5ይ ክፋል
ብመስዋእቲ ተጋዳላይ ሓምድ ሕምድ ዝዛዘምኩዎ 4ይ ክፋል ጽሑፍ ኣንቢብኩም: ሃናጺ ሪእይቶታት ዝሃብኩምኒ ወገናት እንዳመስገንኩ: ንሎሚ ከኣ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዝተኻየዱ ሽርሒታት ዝምልከት ሓበሬታ ይቕጽል፡፡
ከምቲ ኣብ 4ይ ክፋል ዘንበብኩምዎ፡ ሱዳን ንኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ዜጋታትና ዝተጨውዩላን፡ ዝተቐንጸሉላን፡ ሃገር እያ፡፡ ብጀካ ሓምድ፡ ካብ ኣባላት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ 2004 ውን፡ መንግስትኣብ መኮነንን ዝተብሃለ ምልክት (ኦፕሬተር) ኢምባሲ ዝነበረ ካብ ቀጽሪ’ቲ ኢምባሲ ወዲ ፊተውራሪ ብዘዋፈሮም ኣባላት ተጨዊዩ’ዩ፡፡ ኣብ 2006 ከኣ ሓደ ኣብርሃ ዝተብሃለ ኣባል ክፍሊ ሕርሻ ዝነበረ ተጨውዩ’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳን ዝተጀማመረ ምንቅስቓሳት ተቓወምቲ ውድባት ዚያዳ ንምድኻም፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ሱዳን ዝተፈላለዩ ስርሒታት ዝፈጸመ፡ ወግዓዊ መዝነት ዘይነበሮ፡ ኣባል ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝነበረ፡ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ዝተብሃለ ሓላፊ ናብ ሱዳን፡ ከም Head Of mission ተላኢኹ፡፡
ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፡ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጦ፡ ከም ኮ/ል ተስፋልደት ተስፋስላሰ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ሓያሎ ስለያዊ ዕማማት ዝዓምም፡ ኣዚዩ እሙን ኣባል ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኢዩ፡፡ ዒሳ ብ1977 ናብ ሜዳ ዝወረደ ዕባይ ኣስመራ ተጋዳላይ ኮይኑ፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ምዕራብ ሱዳን፡ ከም ሓላፊ ወጻእ ስለያ ተመዲቡ፡ ዝተፈላለዩ ቤ/ጽሕፈታት ተኻርዩ፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ግርማይካን ከሰላን፡ ብዙሕ ስለያዊ ስርሓት ዓሚሙ ኢዩ፡፡ ካብ 1994 ንደሓር ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከም ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታ፡ ደሓር ከኣ ኣብ 1998 ብጉልባብ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስተር፡ ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ሓበሬታን ምርምርን፡ ቤ/ጽ ተፈሊዩሉ፡ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ምክትታል ስለያ ወጻኢ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፉ ዘይፈልጥዎ፡ ኣብ ሜዳ ብኢሳይያስ ዝድለዩ ሰባት፡ ዶባት እንዳሰገረ ዘጥቅዕ፡ ስውር ኣባል እንዳ 72 ዝነበረ ዒሳ፡ ኣብ ፖርት ሱዳን ውን ምስ ወዲ ፊተውራሪ ብሓባር ከም ሓላፊ ስለያ ብምኻን ተመዲቡ ኔሩ፡፡
በቲ እዋን ኣጽዋራት ኣብ ምትሕልላፍ፡ ኣብ ምቕንጻል ን“ዝሃድሙ” ሓለፍቲ፡ ኣብ ምክትታልን ምልዛብን ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳን ተዋሲኡ’ዩ፡፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ሓያሎ ተሞኩሮ ዘለዎ ኮይኑ፡ ሕሩያ ዝተብሃለት ሰበይቱ ምስ ደቃ ውን ኣብ ሱዕድያ ኢያ ትነብር፡፡ ኣዚዩ ጎራሕ፡ ተጠራጣሪን ሰብ ዘይኣምንን ዒሳ፡ ብጀካ ሓጎስ ኪሻ ካልእ መቕርብ የብሉን፡፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ሱዳን ብምስርሑን ብምምልላሱን ዘኻዕበቶ ስለያዊ ተሞኩሮ መሰረት ብምግባር፡ ሱዳናውያን ከይተረፉ “መኻቦራት ኢሳይያስ” እንዳበሉ’ዮም ዝጽውዕዎ፡፡
ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ካርቱም ብውግዒ ምስ ተመደበ፡ ኣቐዲሙ ብዝሃነጾ ርክባት ተጠቒሙ፡ ንሓለፍቲ ጸጥታ ብቐጥታ ሱዳን ኣእሚኑ ኣብ ሱዳን ዝነበራ ተቓወምቲ ውዳባት ኤርትራ፡ ቤ/ጽሕታተን ክዕጾን ክስጎጓን ጌሩ፡፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ስርሒታት፡ ክከታተልን ናይ ኢሳይያስ መምርሒታት ከውርድን ዝተመደበ ሓላፊ ኮ/ል እምናይ ስሌማን (ወዲ ሻንበል) ዝተብሃለ ሰብ ኔሩ፡፡
ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ኣብ ካርቱም ብሓባር ድሕሪ ምጽንሖም፡ ወዲ ፊተውራሪ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተሳሒቡ ከም ሓላፊ “ምክትታላት ብልሽውና፡ ምክትታላት ኣታዊታት ህግደፍ ካብ ማዕዳናትን ሂንቦልን” ኮይኑ ክሰርሕ ዘይወግዓዊ ሓላፍነት ተዋህብዎ፡፡ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ከኣ ብቐጥታ ብጉልባብ “ኣካያዲ ስራሕ” ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብዚ እዋናት (2003/ 2004) ዓብደላ ኣደም ንሓጺር ግዜ ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ተመዲቡ ኔሩ ኢዩ፡፡ ብሓፈሻ ክሳብ ኣለም ነጋሽን ወዲ ማንታይን ዝምደብሉ እዋናት፡ ዒሳ ብዝተፈላለዩ ጉልባባት 3ተ ግዜ ናብ ሱዳን ተመዲቡ ሰሪሑ’ዩ፡፡
ወዲ በርሀ፡ ኣብ ትሕቲ ዒሳ ኮይኑ ናብ ሱዳን ኣብ ዝተመደበሉ እዋናት፡ ህዝብን መንግስትን ከብድን ሕቖን ኮይኖም፡ ባህርያት ኢሳይያስ ዚያዳ ዝተገሃደሉ፡ ህዝብና ስደት ከም ኣማራጺ ዝጀመረሉ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ናብ ጎነጻዊን ስለያዊን ሽርሒታት ዝተሰጋገረሉ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስውር ናይ ህውከት ስትራተጅታት ዝተሓንጸጸሉ እዋናት ኔሩ፡፡ ካብ ምስሪ ክሳብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ኬንያ ዝነበረ መስርሕ፡ ብቐንዱ ኣብ ምክትታል ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስግጋርን ምስላጥን ኢምባሲያዊ ወረቓቕቲ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ምክትታልን ምውፋርን ንኣኼባታት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘፍሽሉ ሃሱሳት፡ መሸጣን ምዝውዋርን ኣጽዋር ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት፡ ከምኡ ውን ኣብ ምጭዋይን ምቕንጻልን ዜጋታት ከድህባ ተገይረን፡፡
ውርጹጽነት ዘይብሉ ስለያዊ ኣሰላልፋን ኣሰራርሓን ምስቀጸለ፡ ኣበሳ ዘይነበሮምን ኣብ ተራ “ገበን” ዝኣተው ዜጋታት ከይተረፈ ዘሕቅቕ መስርሕ ስዒቡ፡፡ ንኣብነት ኣብ 2005 ቴድሮስ ዝተብሃለ ምስ ወዲ በርሀ ከም ተሓባባሪ ዘገልግል ዝነበረ መንእሰይ፡ ተጨዊዩ ተወሲዱ ኣብ ተሰነይ ተረሺኑ ኢዩ፡፡ ደሳለ ዝተብሃለ ሓደ ዜጋ ‘ውን ብመሸጣ ብረት ተጠርጢሩ ተጨውዩ ጠፊኡ’ዩ፡፡ ኣብ 2005 ኣብ ካርቱም ንዝተፈላለዩ ኤርትራውያን መንቀሳቐሲ ከም ዝሸይጥ ዝተጠርጠረ ግደሁን (ጋዳ) ዝተብሃለ ዜጋ፡ ብወዲ በርሀን ኣባላት ምክትታል ዶባትን ተጨውዩ ናብ ኣስመራ ተወሲዱ ኮ/ል እምናይ ስሌማን ስጉምቲ ክውሰደሉ ጌሩ’ዩ፡፡
ኣብ ማዕሰከር ሸገረኣብ ውን፡ ብዙሕ ሽርሒታት ተፈጺሙ ኢዩ፡፡ ንሓደ ሓመድ ዝተብሃለ ኣባል እንዳ ዓብደላ (ወትሃደራዊ ኣዘዚ) ዝነበረ ንምቕንጻል ክልተ ኣባላት ተላኢኾም፡ ኣብ ውሽጢ ሸገረኣብ ቦምባ ተደርቢዩሉ ኔሩ፡፡ ንሱ ከይተሃርመ ጓሉ ግን ተቐዚፋ ኢያ፡፡ ነዚ ሰብ ክቕንጽሉ ዝተለኣኹ፡ ብርሃነን ንጉሰ እንግዳን ዝተብሃሉ ኣባላት’ዮም፡፡ ንጉሰ እንግዳ ድሕሪ ስርሒታት ሱዳን፡ ኣብ ከባቢ ገርሰት ኣብ ትሕቲ ምክትታል ዶባት ተመዲቡ ኔሩ፡፡ ብርሃነ ከኣ ደሓር ብስግረ ዶብ ናብ ዓዲ ጥልያን ኬዱ፡፡
ብተመሳሳሊ ሓደ ብርሃነ (ወዲ ዛግር) ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣብ ሸግረኣብ ቤት ስእሊ ዝነበሮ ዜጋ፡ ተቓወምቲ መሲሎም ብጉልባብ ዝተልኣኹ ኣባላት ተኪሶምሉ ኔሮም፡፡ ነዚ ብኮንትሮባንድን ምስግጋርን ዝተጠርጠረ ሰብ ክቕንጽል ዝተልኣኸ ድማ፡ መሓመድ ፈጊር ዝተብሃለ ኣባል እንዳዓብደላ ዝነበረ ነባሪ ሸገረኣብ ኔሩ፡፡ መሓመድ ፈጊር፡ ቀጻሊ ብዛዕባ ኣኼባታትን ኣባላትን ሓበሬታ ንወዲ በርሀ ዘቕብል እሙን ተሓባባሪ ኮይኑ፡ ወርሓዊ ክሳብ 500 ሺሕ ጅነ ይኽፈሎ ኔሩ፡፡ ከምዚኦም ንዝኣመሰሉ ኣብ ከሰላን ሸገረኣብን ንዝውሰዱ ስጉምታት፡ ምስ ኢምባሲ ኤርትራ ብምትሕብባር ዝመርሑ ምክትታል ዶባት፡ ሌ/ኮ ንኣምንን ወዲ ዳኘውን ዝተብሃሉ ኔሮም፡፡
ብሰንኪ ዝንቡዕ ስለያዊ መስርሕን ዘይምእኩል መሪሕነትን፡ ምዕራባዊ ዶባት ኤርትራ፡ መነሃርያ ዘይሕጋውያን ነጋዶን ኣብ መሸጣን ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዝነጥፉ ኣረሜን ራሻይዳታት ክኸውን ኪኢሉ ኢዩ፡፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ፡ ብምስምስ ሃገራዊ ድሕነት ህዝቢ ዘሰክሑ፡ ሰራዊት ዘጽነቱ፡ ጎባልል ሰብ ግዜ ተራእዮም፡፡ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ሓያሎ መሓውራት ወዲቡ፡ ንህዝብና ከጽንት ኩሉ ዝከኣሎ ጌሩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ተኽለ ማንጁስ ዝተዓስከሩ በዓል ኮ/ል ዮናስ ብጹእ ኣምላክ፡ ኮ/ል ሰሎሙን በላይ (ወዲ በላይ)፡ ኮ/ል ንጉስ ሃብተጽዮን (ዱማ)፡ ሌ/ኮ መንግስትኣብ ሳሚኤል (ማርቶቭ)፡ ሌ/ኮ ዑስማን ኣቡጠዊላ፡ ኮ/ል ገረዝጊሄር ዕንቋይ፡ ኮ/ል ጸጋዝኣብ ዕቕባማርያም (ስርናይ_ባዕሉ ተኽለ ኣብ ኣደርሰር ዝሰወሮ)ን ሌ/ኮ ፍጹም ኢሳቕ (ሌኒን)ን ውን በቢዝከኣሎም ካብቲ ዞባ እጃሞም ጓሕጊሖም ‘ዮም፡፡
እዞም ሓለፍቲ፡ ምስ ኢምባሲ ኤርትራን ገለ ሓለፍቲ መንግስቲ ሱዳንን ተኣሳሲሮም፡ ሰሌዳ ብዘይብለን መካይንን ናይ ሱዳን ሰሌዳ ብዘለውን መካይንን፡ ንዝደለይዎ ዜጋ ካብ ማእከል ካርቱም ከይተረፈ፡ ሓኒቖም የምጽኡ ኔሮም፡፡ ካብ ማዕስከራት ወደል ሒለውን ሸገረኣብን ውን፡ ብዙሓት ዜጋታት ቀዚፎም’ዮም፡፡ ማዕረ ማዕረ”ቲ መስርሕ ጭውያታትን ቅንጸላን፡ በዓል ተኽለ ማንጁስ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኤርትራን፡ ብምስምስ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰባት ከራስዩ፡ ጅባታቶም ከህጥሩ፡ ኣብ ኮንትሮባንዳ ክዋፈሩ ጸኒሖም፡፡ ካብ ወደብ ባጽዕ ክሳብ ዶባት ሱዳን ዝተዘርገሐ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ መስርሕ፡ ንበዓል ተኽለ ዚያዳ ዕድላት ምስ ኣርሃወሎም፡ ምስ ኣስገርትን ሰምሰርትን ከምኡ ውን ምስ ራሻይዳ ምትእስሳር ፈጢሮም፡፡ ራሻይዳ ብናይ ምክትታል ዶባት መኻይንን መንቀሳቐሲን፡ ክሳብ ከባቢታት ሓፊር ኣትዮም ሰባት ክጨውዩ፡ ክሳብ መኻዚኖታት ተጎለል ዓሊጊደርን መኸሰራትን ኣትዮም ኣቑሑት ክዕድጉን ክሸጡን ተፈቒድሎም፡፡ ተኽለ ማንጁስ ኣብ ሓፊር ዝነብር ምስ ኣቡራሴን ዝተብሃለ ናይ ራሻይዳ ዑምዳ (ንጉስ) ምሕዝነት ፈጢሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ብሕጋዊ ወረቐት ካብን ናብን እናተንቀሳቐሱ፡ ከምድላዮም ንጹሃን ዜጋታት ዘከላብቱ፡ ጉጅለታት ኣብ ሃገርና ተፈጢሮም፡፡ ብጀካ ናብ ስልጣኑ ዝወጣወጣ ኣእዳው፡ ካልእ ዘይዓጦ ኢሳይያስ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ሃገርና ዝተዘርገሐ መሓውራት ብልሽውናን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ርኢዩ ከምዘይረኣየ ክሓልፎ ኢዩ መሪጹ፡፡
ክቡራት ተኸታተልቲ!
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ኣብ ህድኣትን ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ዝተሰረቱ ዲፕሎመሲያዊ ጽምዶታት፡ ኣብ ዘይሕሰበሉ ኢሳይያሳዊ መድረኽ፡ “ዲፕሎማሲ” ከም ኣምር ተሪፉ፡ መላገጺ በዓል ተኽለን ዕሱባቱን ኮይኑ፡፡ ሱዳን ምስ ሃገርና ዘለዋ፡ ባህሪያዊን ጂኦ ፖለቲካዊን ምትእስሳራት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ረብሓና ነውዕሎ፡ መጻወቲ ውሑዳት ጎሓሉ ካብ ዝኸውን እንሆ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ተሰነይን ባረንቱን ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ ዶባት ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት፡ ንግዲ፡ ዝምታ ጥሪትን ተኽለ ማንጁስ ኢዱ ከይሓወሰሉ ኣይፍጸምን፡፡ ተኽለ ምስ በዓል እዝራ ስብሃቱ ክጣላዕ እንዳወዓለ፡ ክንደይ ግፍዒን ስቓይን ከምዝፈጸመ ህዝቢ ጋሽባርካ ዝፈልጥ የለን፡፡
ፍጻመታት ተኽለ ማንጁስ ብመልክዕ ጸብጻብ፡ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ገለ ሓለፍትን ናብ ኢሳይያስ ምስተልኣኸ ውን ፍታሕ ስለ ዘይተረኸበ፡ ኣብ ምዕራባዊ እዚዝነበሩ ብዙሓት ሓለፍቲ ተስፋ ቆሪጾም ኢዮም፡፡ በቲ እዋን ሓለቓ ስታፍ ምዕራባዊ እዚ ዝነበረ ብር/ጀነራል ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ግን፡ ነቲ ብኮ መዝሚዙ፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ ብምትእስሳር፡ ሃብቲ ከኻዕብት መሪጹ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ተኽለን ዓፋንን፡ ካብ ማእከል ኣስመራ፡ ንሓደ ሰብ ክሳብ 3 ሺሕ ዶላር ዘኽፍላ መኻይንነ ኣስገርትን ኣዳሊዮም፡ ብኣማኢት ዝፍቀዱ ዜጋታት፡ መዓልታዊ ናብ ሱዳን (ከሰላን ካርቱምን) ኣብ ምምልላስ ጸኒሖም፡፡
ኣብ ወርሒ 4 2009፡ ኢሳይያስ ናብ ፍሊስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ኣጽዋር ከመሓላልፍ ምስ ኢራን ምስተሰማምዐ፡ ነቲ ስውር መስርሕ ከካይድ ዝሓረዮ ሓላፊ፡ ተኽለ ማንጁስ ኢዩ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን ምስ ሓደ ዓብዱ ለጢፍ ኣሽካር ዝተብሃለ ኣባል መሪሕነት ጉጅለ ሓማስ ተላዚቦም፡ ፋጅር 3 ዝተብሃለ ካብ ኢራን ብስውር ብባሕሪ ዝኣተወ ሮኬታት፡ ናብ ሓማስ ንምልኣኽ ተሰማሚዖም ኔሮም፡፡ ነቲ መስርሕ ኢሳይያስ ብዕቱብ ዝከታተሎ ዝነበረ ኮይኑ፡ ጸብጻባት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከምዘረድእዎ፡ ኣስታት 35 ብተኽለ ማንጁስ ዝተወደቡ ኣስገርቲ፡ ነቲ ኣጽዋር ብጉልባብ ምስ ስግረ ዶብ ዝኸዱ ሰባት ብሓባር ጺዒኖም፡ ካብ ሱዳን ናብ መገዲ ግብጺ ምስበጽሑ፡ ብናይ እስራኤል ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቓጸለ ይገልጽ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ሓያሎ ዜጋታትና ግዳይ እቲ ደብዳብ ከም ዝኾኑ ውን ሰፊሩ ኣሎ፡፡ ኣብ’ቲ እዋን ብዛዕባ ናብ ሓማስ ዝተልኣኸ ኣጽዋር ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብማ.ወ.ስን ስለያ ሱዳንን ስለ ዝተፈለጠ፡ ኢምባሲታት ሱዳንን ኣመሪካን’ውን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብተደጋጋሚ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ይሓታ ኔረን፡፡ ብሓፈሻ ተኽለ ማንጁስ ኢዱ ዘይሓወሰሉ፡ እኩይ ግብሪ ዳርጋ የለን፡፡ ኣብ 2014 ስደት ኤርትራውያን ብማሕበረሰብ ዓለም ኣብ መጋባእያታት መዘራረቢ ምስ ኮነ ውን፡ ን”ማዕስከራት ሱዳን ምብታን” ዝብል ውጥን ስለዝወጸ፡ ብ24 ታሕሳስ 2014 ማዓስከር ሸገረኣብ ንምፍራስ ተኽለ ማንጁስ ሃሱሳት ኣዋፊሩ ከቃጽሎ ፈቲኑ ኔሩ፡፡
ኣብ 2017ን ተወሳኺ ጽፍሒታት ዝተመጠወሉ ተኽለ ማንጁስ፡ ሕጂ ውን ምስ ወዱ (ስሙ ብዘየግድስ) ብሓባር ኣብ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተጸሚዱ ይርከብ፡፡ ምስቶም በላዕቲ ሰባት ሰምሰርቲ ራሻይዳ ዝነበሮ ርክብ ውን ዚያዳ ብምድልዳል ምስ ንጉስ (ናዝር) ራሻይዳ ሃገረ ሱዳን፡ ኣሕመድ ሑመድ ኣልባራኺ፡ ጥቡቕ ርክባት መስሪቱ ኣሎ፡፡ ስለዚ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ሃገረ ሱዳንን ኤርትራን ብዲፕሎማሲያዊ ርክባት ተኽለን ኣሳሰይቱን ተቐይሩ ኣሎ፡፡
*******
6ይ ክፋል
ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ (ሃሱሳት ኢምባሲታትን፡ ምትእትታው ኣብ 2ቲአን ሱዳንን)
ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!
ፈለማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ደጊመ፡እንቋዕ ንሓድሽ ዓመት 2018 ኣብጸሓና! ኣብጸሓኩም! እብል፡፡ ርሑስ ቅንያት ኣውደኣመት ክኾነልና እንዳተመኹ፡ 2018 ዓመተ ፍትሒን ርትዕን፡ ን27 ዓመታት ዝደገሰና ድነ ዝቕንጠጠሉ ዓመት ክኾነልና እትምነ፡፡
ንሎሚ፡ 6ይ ክፋል ዲፕሎማሲያዊ ጽሑፋት ምስ ዝቕጽል፡ ብጭብጥታት ዝተሰነዩ፡ መርኣያ ፖሊሲ ዲፕሎማሲያዊ ምንዝርና ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝኾኑ ሽርሒታትን ዝምልከት ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ከም ዝገለጽኩዎ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየዱ ፍጻመታት ዝተዋስኡ፡ ኣካላት ወጻእ ስለያ፡ ኤምባሲ ኤርትራን ምክትታል ዶባትን እዮም፡፡ እቶም ኣብ ሱዳን፡ ብጉልባብ ኣባላት ኢምባሲ ኤርትራ ተመዲቦም፡ ስለያዊ ዕማማት ዝዓሙ፡ ቀንዲ ሓለፍቲ ማለት፡ ኣምባሳደር ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ኮ/ል መልኣከ ተስፋማርያምን፡ ኣብ 2004 ናብ ሱዳን ምምልላስ ምስ ኣብዝሑ፡ ኣብ ሱዳን ዝፈጸምዎ ሽርሕታት፡ ብመንግስቲ ሱዳን ስለ ዝተፈልጠ፡ ስርዓት በሽር ብወግዓዊ መገዲ ካብ ሱዳን ክእለዩ፡ ንቤ/ጽ ፕረሲዳንት ደብዳቤ ጽሒፉ ምንባሩ ውን እዝክር፡፡ እንተኾነ፡ ዲሒሮም ብዝሰዓቡ ደፋእቲ ምኽንያታትን፡ ብሰንኪ ምትእትታው መንግስታት ግብጺን፡ ሊብያን፡ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ዞም ክልተ ሰለይቲ ብዙሕ ኣይደፋኣሉን፡፡
ብዙሓት ዜጋታትን ተንተንትን፡ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክገልጹ እንከለው፡ “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ብምባል ኢዮም ዝገልጽዎ፡፡ ብወገነይ “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ዝብል ኣምር፡ ምስ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነስ፡ ዳርጋ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ንዘሎ ርክባት ዝገልጽ ኣምር ከምዝኾነ እኣምን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ኢሳይያስ፡ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት፡ ናብ እውጅን ዘይእውጅን ኩናት ስለዝተቐሰብና፡፡ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ፡ ብህዝባዊ ርክባትን ብሚዲያን ጎሊሑ ክወጽእ ስለዝተገብረ እምበሪ፡ ብዓይኒ ሓቂ፡ ምስ በዓል ሱዳን፡ የመን፡ ጁቡቲ… ዘለና ርክብን ዝተፈጠረ ከልበትበት ውን ኣብ ናይ ድሕረ መጋረጃ ምትፍናን ዝተመርኮሰ፡ ኣካል “ኣይ ኩናት ኣይ ሰላም” ኢዩ፡፡ እንሆ ከኣ ጭብጥታት፡፡
ከምቲ ኣብ 4ይን 5ይን ክፋል ዝገለጽኩዎ፡ ንናይ ሱዳን ብኮታት መዝሚዙ፡ ኢሳይያስ ብናይ ጸጥታ መሓውራቱ፡ ኣብ ሱዳን ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጽምን፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ብክልተ ዝተሰሓለ ርክባት ክምስርትን ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ስርዓት ኣል በሽር ውን፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ሱዳንን ዝኽተሎ ፋሉላዊ ሽርሒታት ምስ ተረድአ፡ ከም’ቶም ካልኦት መራሕቲ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ነጺጉ ርክባቱ ምስ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲን የመንን ከሕይልን ምስ ኢሳይያስ ድማ ኣብ መደባት ህዝባዊ ርክባት ጥራይ ከተኩር ፖሊሲ ሓንጺጹ’ዩ፡፡ ብፍላይ ምስ የመን፡ ኢትዮጵያን ዝመስረቶ “ሰንዓ ፎሮም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር፡ ኣብ መፋርቕ 2000 ንኢሳይያስ ሓያል መንጸሮር ዝፈጠረሉ ውዳቤ ኔሩ፡፡ ኣብ ክንዲ ቀጥታዊ ጂኦ ፖሎቲካዊ ምትእስሳር ምስ ዘለና ሃገራት፡ ዝነበረ ኣፈላላያትን ምስሕሓብን ብዲፕሎማሲያዊ ብልሓት ምፍታሕ፡ ኣብቲ እዋናት ናብ ህልኽ (Obstinacy) ዘዛዘወ ፕሮግራማት ብምሕንጻጽ፡ ምስ ግብጽን ሊብያን ምሕዝነት መስሪቱ፡፡
ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ዑሞር ቃዛፊ ዝተነብረ እገዳታት ጥሒሱ፡ ንቃዛፊ ክሳለም፡ ናብ ትራብሎስ ዘምረሓሉ እዋናት’ውን ሽዑ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን፡ ቃዛፊ ኣብ ኣፍሪቃ ተቐባልነቱ ንምዕባይን፡ ኣፈኛ ኣፍሪቃ ንምኻንን፡ ካብ ዝነበሮ ክቱር ባህጊ፡ ኣቐዲሙ ሳሕል ሳህራ (ሲንሰድ) ዝበሃል ውዳቤ ብምቋሙ፡ ኢሳይያስ ውን ከይወዓለ ከይሓደረ ናይዚ ኣህጉራዊ ውዳቤ፡ ኣባል ንምኻን፡ ብወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ክታሙ ኣምቢሩ፡፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጎብለል ናይ ምኻን ሕልሚ ዝነበሮ ቃዛፊ፡ ምስ ኢሳይያስ ምሕዝነት ምስፈጠረ፡ ታም ኦይል ዝተብሃለ ኣህጉራዊ ናይ ነዳዲ ካምፓኒ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ጌሩ፡፡ ቃዛፊ፡ ናብ ኣስመራ መጺኡ ወግዓዊ ዑደት ምስ ኣካየደ’ውን፡ ብሓንቲ ሄርኩሎስ ዝተብሃለት ነፋሪትን፡ መርገብ ዝተብሃለት መርከብን፡ ማእለያ ዘይብሉ ማሽነሪታት ንኢሳይያስ ኣረኪብዎ ‘ዩ፡፡ ክሳብ ሕጂ፡ በዓል ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡ ዝሕዝወን ላንድክሮዞራት ውን ካብ ጋዳፊ ዝተመጠዋ ህያባት ኢየን፡፡
ብኡ ንብኡ፡ ኢሳይያስ ምስ ቃዛፊን፡ ሓላፊ ጸጥታ ሊብያ ነበር ዓብዱላህ ሰኑሲን ርክባት ምስ ጀመረ፡ ማዕረ ማዕረ እቲ መስርሕ፡ ዘይሓላፍነታዊ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ክምስርትን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበሮ ኢድ ምትእትታው ንምዕባይ ድማ ጸጥታዊን ወትሃደራዊን ውዳቤታት ብምትዕርራይ ሓደስቲ መደባት ክሕንጽጽ ተራኢዩ ‘ዩ፡፡ ገለ ክፋል እቶም መደባት ንናይ ኢሳይያስ “ጽግዕተኛ” ኣረኣእያ ዘንጸባርቑ ኔሮም፡፡ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጸጋታት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንምብሓት፡ ንመንግስቲ ሱዳን “ከም ሓላይን ከም ጸላኢን” ተመሲልካ ዝካየድ ዝነበረ ሽርሒታት፡ እቶም ፈጸምቱ ከይተረፈ ዝደናገርሉ ዝነበረ ውግዓዊ ፖሊሲ ኢዩ፡፡
ኢሳይያስ ጉዳይ ዳርፉር ንምፍታሕ ብዝብል፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ሱዳን ኢዱ ብምንዋሕ፡ ንክልቲኦም ጉጅለታት ብማዕረ ዘሳሲ ፖሊሲ ሓንጺጹ፡ ብሓደ ገጽ ንበዓል ፕረሲዳንት ኣልበሽር፡ ሳላሕ ጎሽን ናፍዕ ዓሊ ናፍዕን “ኣብ ዳርፉር ዘለኩም መርገጺ ቅኑዕን ቅቡልን ኢዩ” ብምባል፡ ኣብ ጎኖም ከም ዝቐውም ክገልጸሎም እንከሎ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ፡ ንበዓል ዶ/ር መስጦፋን መጅብል ከሊልን ድማ፡ “ጉዳይ ዳርፉር ብምትእትታው ስርዓት ዋሽንግተን፡ ኣልበሽር ክፈትሖ ምድላዩ፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ሱዳን ምኻኑ” ይሕብሮም ኔሩ፡፡ ኣብ ኣስመራ፡ በዓል ዓብደላ ጃብር፡ ኣብ ዘዳልውዎ ዋዕላ “ዕርቂ” ሱዳን/ዳርፉር፡ ከም ቅድመ ኩነት ዝቐረቡ 3 እማመታት’ውን፡ ምሉእ ብሙሉእ ብኢሳይያስን ማንኪን ዝተዳለው ኔሮም፡፡ እቶም እማመታት 16 ሚእታዊት ኣብ ስልጣን ምቕረሐ ክህልዎም፡ ንዞባ ዳርፉር ተወሳኺ ናይ 700 ሚሊዮን ዶላር ባጀት ክስላዕ፡ ከምኡ’ውን ግብሪ ዞባ ዳርፉር 50 ሚእታዊት ብቐጥታ ንዳርፉር ክውዕል ዝብሉ ኮይኖም ዓብደላን የማነን ኣብ ክንዲ እቶም ዳርፉር ብቐጥታ ንመንግስቲ ሱዳን ኣቕሪቦም፡፡ ድሕሪ ናይ ሰሙናት ስርሓት ህዝባዊ ርክባት፡ ክልቲኦም ወገናት ንእማመታት ኢሳይያስ ነጺጎም፡ ነናብ ዝጥዕሞም ፋሕ ኢሎም፡፡
“ጽግዕተኛ ፖሊሲታት” ኢሳይያስ፡ ከም ዘየዋጽኦም ዝተርድኡ ሓለፍቲ ዳርፉርን መንግስቲ ሱዳንን ድማ፡ ንኢሳይያስ ራሕሪሖም፡ ናብ ትራቡሉስ ግዒዞም፡፡ ምሕዝነት ቃዛፊን ኢሳይያስን’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ቂሂሙ፡፡ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቋት ጉጅለታት ዳርፉርን ድማ፡ ብቃዛፊን ሑሱኒ ሙባረኽን ጥራይ ክላዘቡ መሪጾም፡፡ ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ዘኻዕበቶ መለለዪ ባህሪ እንተሎ፡ “ኣንነትን ምዕባይ ተኽለ ስብእንኡን” (Ostentatious behavior) ኢዩ፡፡ ኣብ ጉዳይ ልዝብ ሱዳን ኩሉ ምስ ፈሸሎ’ውን፡ እቲ ልዝብ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ንምምሳልን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ናይ ዲፕሎማሲ ኣበርክቶ ኣብ ቦትኡ ከምዝኾነ ንምምሳል፡ ዓሊ ዓብዱን ካልኦት ሓለፍትን ኣርካይቭ ኤረቲቪ እንዳገላበጡ፡ ሱዳናውያን ሰላምታ ክለዋወጡን እሱ ከኣ ምስ በዓል በሽር ክዘራረብን እተርኢ ክሊፕ፡ በቢዓመቱ ኣብ መሳኹቲ ኤረ ቴቪ ክመሓላለፍ ክእዝዝ ጸኒሑ፡፡
ብዝኾነ፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዝብ ሱዳን ዘጋጠሞ ፍሽለት፡ ኣብ ከብዱ ኣሕዲሩ፡ ቀጺሉ ክልተ ክፋላት ዘለዎ መደብ ቁጠባዊን ስለያዊን ስርሓት፡ ኣብ ሱዳን ውሽጢ ውሽጢ ክዓምም ህርድግ ኢሉ፡፡ ማዕረ ማዕረኡ፡ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ቅልውላው እንዳተፈተሐ ከይዱ፡፡ እቶም ክልተ ሓለፍቲ (ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን) ኣብ መጽናዕታት ሃጓፋት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፡ ምንጪ ኣታዊታት መንግስቲ ሱዳን፡ ርክባት መንግስቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ከምኡ’ውን ሓገዝ ንዕጡቋት ሶማልን ሓርነታዊ ጉጅለታት ኦጋዴንን ተጸሚዶም፡፡
መንግስቲ ግብጺ’ውን፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝነበሮ መርገጺታት፡ ብፍላይ ኣብ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ንስርዓት ኢሳይያስ ፊናንሳዊን ማተርያላዊን ሓገዛት ጀሚሩ፡፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን’ውን ኣንጻር ኢሳይያስ ንዝቖሙ ጉጅለታት ሓገዝ ከምዝገብሩ ይፍለጥ፡፡ መስርሕ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ዋላ ንቡር እንተኾነ፡ ምስ መጽናዕትን ናይ ነዊሕ ግዜ ስትራተጅካዊ ጠመተን፡ እንተዘይሃሊይዎ ሳዕቤኑ ዝበኣሰ’ዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኢሳይያስ ንኹሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝገበሮ ሓገዝ ከይዓጠጦም፡ በቢዕለቱ እቶም ጉጅለታት’ውን ራሕሪሖምዎ ነናብ ዝጥዕሞም ይግዕዙ ኣለው፡፡ ካብ በዓል ዳሂር ኣዌስ ክሳብ ሞላ ኣስገዶም ዘለው፡ ብመንግስቲ ግብጺን ስርዓት ኢሳይያስን፡ ልዕሊ ዜጋ ተጠሚቶም ተሓብሒቦም ክንሶም፡ ኣብ ቋሕ ሰም ራሕሪሖሞ ሃዲሞም ’ዮም፡፡
ኣብ ምውዳብ ተቓወምቲ ጉጅለታት ሱዳን፡ ኢትዮጳያን ሶማልን ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን ዝነበሮም ተሳትፎ ዝለዓለ ‘ዩ፡፡ እዚ ብሃታ ሃታ ዝካየድ ዝነበረ ዘይውርጹጽ መስርሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ጽላታት ሃገርና፡ ከቢድ ሃሰያ ኣስዒቡ’ዩ፡፡ ብጀካ እቶም በቢእዋኑ ብወለንታን ብስርሒትን፡ ኣኣብ ሃገሮም ምስተተሓዙ ኣብ ሚዲያታቶም ዝገልጽዎ፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝተረኸቡ ጸብጻባት፡ ሓገዛት ንተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ካብ 2005 ንደሓር ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ 1542 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ኢትዮጵያ (ብፍላይ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኦጓዴንን)፡ 167 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል፡ 486 ኣባላት ዕጡቋት ጉጅለታት ሱዳን (ብፍላይ ደቡብ ሱዳናውያን)፡ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ወርሒ 2/2005 ድማ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምስ ጸጥታ ግብጺ ብሕቡእ ተላዚቡ፡ ኣብ ከባቢታት ሞሎቨርን ጀበል ሓሚድን ዝተዓለሙ፡ ብዳውድ ኢብሳን ትዋት ፓልን ዝተብሃሉ ዝምርሑ፡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ዕጡቋት ብኸውሊ ብነፋሪት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሉንግቹክን ፒቡርን ዝተብሃሉ ከባቢታት ኣዋፊሮም ‘ዮም፡፡
ጎኒ ንጎኒ እዞም ንዕጡቋት ጉጅለታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግበሩ ሓገዛት፡ ፕሮፖጋንዳዊ ማሽነሪታት ኢሳይያስ ድማ፡ “መኸተ፣ ስለ ዘይተጸዓትና፣ ምምሕዳር ወሽንግተን፣ ስርዓት ወያነ፣ ስርዓት በሽር፣ ዘይፍትሓዊ እገዳ…” ብዝብሉ ቃላት ዝወቀቡ፡ ሓያሎ ጎስጓሳት ብኹሉ ኣንፈት ቀጺሎም፡፡ ብሰንኪ ውሳነታት ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ዘቤታዊን ኣህጉራዊን ዕዮታትና ምስ ማህመኑ፡ ሚዲያዊ ዘመተታት ኤረ ቴቪ፡ ድምጺ ሓፋሽን መርበባትን’ውን፡ ኣብ ዘይጭበጥን ገነታዊን (utopian & fantasy) ትንታነታት ጥሒሎም፡፡ ቁጠባ ሃገርና ኣብ ዘይውድን ፖሊሲታት ኢሳይያስ ተጸሚዱ፡ ፊሲካላዊን ገንዘባዊን ፖሊሲታት ተጠንጢኑ፡ ናይ ትሪያል ኤንድ ኤረር (trial & Error) ተልመዴን ውሳነታት ምስኮነ፡ “ሕኑቕ ዓፍራ የውጽእ” ከም ዝበሃል፡ ኢሳይያስ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሃጓፋት ክመልእ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሃብቲ ህዝቢ ክምንጥል፡ ኣብ ፖሊሲታት ወጻእ ድማ ንጎረባብቲ ሃገራት ዘዕኑ ናይ ጽግዕተኛ ተግባራት ክፍጽም ተሸሚሙ፡፡
ወኪል ሃገራዊ ድሕነት መሓውራት ብምስፋሕ፡ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዕዮታት ክነጥፍ፡ ኣብ ዝተገብረሉ መድረኽ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣባላት ጸጥታ ብስም ብርኪ ንብረቶም ዝምንጠሉ ዜጋታት ከጽንዕ፡ ኣብ ወጻእ 2 ሚእታዊት ንኽምእርር እቶት ዜታታትና ከጸናጽን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ሰተፍተፍ ክብል፡ ወደባትና መዕንደሪ ግዳማውያን ክኸውን፡ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገርና ብዘይምዕሩይ ኣገባብ ክምዝመዝ፡ ተገይሩ’ዩ፡፡ ብኡ ንብኡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ከም ኣካል መንግስቲ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ረብሓን ድሕነትን ሃገርና ኣተኩሩ ዝዓዪ፡ ኣብ ተራን ዘይሓላፍነታዊን መስርሕ ተሸሚሙ፡ ኩሉ መሓውራቱ ጎቲሙ፡ ብነበር ታሪኽ ዝብለጽ፡ “ብሓለንጊ ሰውራ” ክህድድ ዝፍትን፡ ኣብ ዘቤታዊ ወደኽደኽ ዝተዋፈረ፡ ዓቕሚ ኣልቦ ትካል ኢሳይያስ ጥራይ ኮይኑ ተሪፉ፡፡
እተን ጎረባብቲ ሃገራት ከኣ፡ ነፍሰወከፍ በሰላታተን ጸብጺበን፡ ኣነዋሪ ተግባራት ኢሳይያስ ንኣህጉራዊ ትካላትን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ከፍልጣ ኪኢለን ኢየን፡፡ ኪኖ ኣፍልጦን ጸቕጥታት ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝካየዱ ሽርሒታት ግን ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ፡፡ እቲ ከም በዓል ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ዓይነት ኣረሜናት ዝተዋፈርሉ፡ ሚሽን ሱዳን’ውን፡ ቀስብቐስ ከምተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ዝጠፈሻ ሚኒስትሪታት፡ እንዳ ደስከለ፡ ኣብ ንጥፈታት ማሕበረ ኮማት፡ ምውዳብ ደቂ ኣንስትዮን፡ ምስላጥ ኢምባሲያዊ ወረቓቕቲን ጥራይ ካብ ዝሽመም ፡ እንሆ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ እንተ’ቶም ህግደፋውያን ግን፡ ይትረፍ ዶ ዶብ ሰጊሮም ከም ትማል ዜጋታት ሐሓኒቖም ከምጽኡ፡ ንዕሸላት መዕንገሊ ባኒ፡ ንህዝቢ ማይን ነዳድን ከማልኡ ኣብዘይከኣልሉ መድረኽ ኮይኖም ውን፡ ነታ ሱዳን ሕጂ’ውን፡ “ሻውዐይቲ ዞባና ….ሓለንጊ ሰውራ…” እንዳበሉ ከጉባዕቡዕላ ይፍትኑ’ዮም፡፡ ደድሕሪ በዓል ወዲ ፊተውራሪ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተመደቡ ከም ኣለም ነጋሽ፡ ስዒድ ማንታይ፡ ኢብራሂም እድሪስ፡ ግርማይ ሳንቲምን የውሃንስ ገበረሚካኤል (ጆን)ን ዝኣመሰሉ ወኪላት’ውን፡ በቢዓቕሞም መደባት ኢሳይያስ ክዓዩ ዋላ ደልዓስዓስ እንተበሉ፡ ግዜ ስለዝጠለሞም ዘምጽእዎ ለውጢ የለን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ “ዓሳ ካብ ርእሱ ኢዩ ዝጨኑ…” ከምዝብልዎ ለባማት’ዩ፡፡
ክቡራት ተኸታልቲ!
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣድሂበ፡ ብኽፋላት ዘቕረብኩዎ ጽሑፋት ሎሚ ምስ ዝዛዝም፡ ቀጺለ ኣብ ሱዳን ዝተኻየዱ ሽርሒታት ዝምልከት ገለ ካብ ሰነዳት ዝተረኸቡ ጭብጥታት በምውሳኽ’ዩ፡፡
• ደድሕሪ በዓል ዒሳ፡ ፈለማ ናብ ኢምባሲ ሱዳን ደሓር ድማ ናብ ኢምባሲ ደቡብ ሱዳን ዝተመደበ ኣምባሳደር ኣለም ነጋሽ ሰንጋል (ኮ/ል) እውን፡ ብዓቕሙ ኣብ ገለ ስርሒታት ተሳቲፉ ኔሩ፡፡ ካብ ሓፈሻዊ ኣፍልጦይ፡ ኣለም ነጋሽ ኣብ ሕሽክብ ኣብ ክፍሊ ኤምዳድ ዝነበረን ምስ በዓል ዒሳ ኣብ ግርማይካ፡ ከሰላ፡ሰዋኪንን ፖርት ሱዳንን ኣብ ስለያዊ ተግባራት ተመዲቡ ከምዝነበረ እዝክር፡፡ ኣብ 2007 ወርሒ 8 ካብ ኤርትራ ናብ ሶማል ኣብ ዝለኣኽ ኣጽዋር፡ ኣብ ምክትታል ተራ ኔርዎ፡፡ በቲ እዋን ኣለም ነጋሽ፡ ምስ ኮሎኔል መሓመድን ሌ/ኮ ኣታክን ዝተብሃሉ፡ ወትሃደራዊ መኮነናት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብምትእስሳር፡ ዝተፈላለየ ፈኮስትን ማእከለዎትን ኣጽዋራት፡ ብዩጓንዳ ኣቢሎም ናብ ኣል ሸባብ ይልእኹ ኔሮም፡፡ እቶም ክልተ መኮነናት ደሓር ብመንግስታት ሱዳን፡ ካብ መዝነቶም ተኣሊዮም’ዮም፡፡
• ኣለም ነጋሽ ኣብ ሱዳን እንከሎ፡ ኣቐዲሙ ኣካያዲ ስራሕ ኢምባሲ ኤርትራ፡ ኣብ ቻይና ምስ ዝነበረን ደሓር ግን ንኢሳይያስ ዝራሕረሐ መሓመድ ኑር መሓመድ ዝተብሃለ፡ ምስ መንግስቲ ክላዘብ ንምእማን ሰለስተ ግዜ ከምዝጸዓረን፡ ከምዝነጸጎን፡ ኣብ ሓደ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣለም ነጋሽ፡ ንኣምባሳደር ዓብደላ ኣደም ንምእማን፡ ኣብ ሱዳን ቪላ ግሪን ቢሊ ዝተብሃለ ቦታ፡ ከምዝተቋጸሩን ከምዘይመጾን ዝገልጽ ጸብጻብ’ውን ኣሎ፡፡
• ኣለም ነጋሽ፡ ካብ 2002 ክሳብ 2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ናብ ሶማል ኣስታት 8 ሻዕ ከም ዝተመላለሰ፡ ካብ ሓለፍቲ ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ምስ ሸኽ ሓሰን ሸሪፍ ርክባት ከም ዝገበረ፡ ኣብ 2005 ከኣ 3 ግዜ ምስ ተኽለ ማንጁስን ወዲ በርሀን ብምትእስሳር ምስ ኣልሸባብ ብሓባር ከምዝተራኸቡ ዝገልጹ ሰነዳት ውን ኣለው፡፡
• ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም በዓል ፍቕረ፡ ሳምሶን፡ መሓመድ ኦሞን ካልኦትን ኣብ ዘጽነተሉ ዝነበረ እዋናት፡ ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ሃብታማት ውን ደቂቕ መጽናዕቲ ተገይርሎም፡ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ኣታዊታት ንመንግስቲ ክገብሩ፡ ኣብ ዝወሰንሉ እዋናት ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ሱዳን (ጁባ)፡ ዩጓንዳ (ካምፓላ)ን ኣንጎላ (ሉዋንዳ)ን ጠመተ ተገይሩ ኔሩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኤርትራውያን ሃብታማት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘካይድዎ ወፍርታት፡ ምንጪን መጠን ካፒታልን ምስ ተቓወምትን ሱዳናውያንን ወያነን ዘለዎም ርክባትን ዝምልከት ሓበሬታ፡ ብኢምባሲታት ኣቢሉ መጽናዕቲ ይግበረሉ ኔሩ፡፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝተዋፈሩ ሃብታማት ድማ፡ ኣለም ነጋሽ መጽናዕቲ ኣዳሊዩ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሊኢኹ ኔሩ፡፡
ኣብ ጸብጻባት ኣለም ነጋሽ ካብ ዝሰፈሩ ሃብታማት
1) ተኪኤ እዝራ (ወናኒ ብርኪ ስታር ሆቴል)
2) ኣለም ወልደማርያም (ወናኒ ብርኪ ስታር ሆቴል)
3) ተኸስተ ተስፋጽዮን (ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
4) ብርሃነ ገብረሂወት (ወዲ ኣቶይ- ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
5) ሃብተ ብርሃነ (ወናኒ ብርኪ ጁባ ብርጅ ሆቴል)
6) በርሀ ኣድሓኖም (በርሀ ጀምስ- ወናኒ ብርኪ ኒዎርክ ሆቴል)
7) ጸሃየ በድሉል ( ወናኒ ብርኪ ኒዎርክ ሆቴል)
8) ኣለም ግርማይ (ወናኒት ኣለም ምግብ ቤት ጁባ)
9) ሰለሙን ኣብርሃ (ሰለሙን ሃርዋ) ኣካፋፋሊ ባቫርያ ናይ ሆላንድ ቢራን በዓል ሰመረ (እንዳዓንሰባ)፡ ዘርኣጋብርን ደሳለን (ኮስቲና ሆቴል) ይርከብዎም፡፡ ካብዞም ሃብታማት ሰለሙን ኣብርሃን ብርሃነ ገብረሂወትን፡ ምስ ኣምባሳደር ኣለም ነጋሽ ፍሉይ ርክባት ከም ዝጀመሩን፡ ሓበሬታ ከምዘስንቕዎን፡ ኣብ ጸብጻባት ሰፊሩ ይርከብ፡፡ (ከም ሳክቲዝም፡ ኣብ ጸብጻባት እዞም ሃብታማት ዝሰፈሩ ዝርዝራት ኩሉ ንምግላጽ፡ ንክብሪ ዜጋታት ኢለ ብዙሕ ከም ዝተቖጠብኩ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡)
• ካብዞም ኣብ ደቡብ ሱዳን ትካል ዝገበሩ ሃብታማት ውን ገሊኦም ምስ ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎም እዮም፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ብካልእ ሸነኽ ሱዳን ማለት፡ ብወገን ሓምዳይት ምስ ተኽለ ማንጁስ ብምትእስሳር፡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ዘኻዕበቱን፡ ምስኡ ክጣልዑ ዝውዕሉን፡ ዝተፈላለየ ሓለፋታት ካብ ዝግበረሎም ሃብታማት፡ “ብዘይዕቃበታት” ዝስዕቡ እፍንወልኩም፡፡
1. ሽመንዲ ክፍለ (ነባሪ ኦሞሓጀር፡ ምስ ተኽለ ማንጁስን ሓምድ ኣደም – ኣሞራን ብምትእስሳር ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝንቀሳቐስን ተሓባባሪ ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን)
2. መሓመድ ኣደም ዓፋ (ነባሪ ሓምዳይት ኮይኑ ምስ ተኽለ ማንጁስን ኮ/ል ንጉሰ ዱማን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎን ተሓባባሪ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን)
3. ዘርአጋብር ተስፋስላሰ ዓንዱ (ነባሪ ኦሞሓጀር ምስ ተኽለ ማንጁስን ሌኒንን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎን ተሓባባሪን ምውህሃድ ጉጅለታት ታቓወምቲ ኢትዮጵያ)
4. እድሪስ ፋኪ (ነባሪ ከሰላን ካብቶም ብናይ ሱዳንን ኤርትራን መንነት ሒዞም፡ ብናይ ተኽለ ማንጁስ መካይን ካብ ማእከል ኣስመራ ሰባት ዘውጽኡን፡ ኣብ መሬት ሱዳን ስርሓት ስለያ ዝዓሙ ሓደ’ዩ)
5. ሳልሕ ኣቡ ዓሊ (ነባሪ ከሳላን ምስ ምስ ተኽለ ማንጁስን የናስ ብጹእኣምላክን ናይ ረብሓ ምትእስሳር ዘለዎ ተሓባባሪ ክፍሊ ወጻእ ስለያን)
6. እዝራ ስብሃቱ ( ኣብ 3ይ ወራር ናይ ስርሒት 01 “ፋልኮን ኮርፕረሽን” ንብረት “ወያነ ወሲድዎ” ብምባል ምስ ፍሊጶስን ተኽለን ተመሳጢሩ፡ ብሓባር ሚሊዮናት ዝተማቐለ ኣብ ጁባ ውን ምስ ተኽለ ብሕቡእ ትካላት ዘቖመ ተሓባባሪ’ዩ፡፡ ኣብ 3ይ ወራር ረብሓ ዘተኣሳሰሮም ፍሊጶስን ማንጁስን ሕጂ ናይ ኣምላኽ ሰላምታ እኳ ዳርጋ የብሎምን)
• ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ኣለም ነጋሽ ርክብ ዝመስረቱ ተባሂሎም ዝተጸብጸቡ ዜጋታት ደ/ሱዳን ድማ፡ ጀነራል ዊያይ ዴምባ፡ ሉዊስ፡ ዲዩም፡ ኣታክን ሳይሞንን ዝትብሃሉ ኣባላት ጸጥታን፡ ሓ/ምክልኻልን’ዮም፡፡
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ካብ 2011 ንደሓር፡ ቁጠባዊ ዓቕምታቱ ባይታ ምስ ዝበጠ፡ ደቡብ ሱዳን ሪፈረንዱም ምስ ገበረት፡ ካብ ዝኣለሞም ውዲታት ሓደ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ብጉዳይ “ናይ ባጤራ ምቕያር፡ ምልውዋጥን ምምላስን” ዝተፈጥረ ምትፍናን ከም ሃጓፍ ተጠቒሙ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ሸርፊ መኽሰብ ረኺቡ’ዩ፡፡ በቲ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ 09 ምስ ወዲ በኺት ምትእስሳር ካብ ዝነበሮም ነበርቲ ከሰላን ተሓባበርትን፡ (መንሱር እድሪስ፡ ስዒድ ኢብራሂም፡ ዓምር ኣልኣሚንን ሓምድ ዓብደላን) ነጋዶ ተመሲሎም፡ ናብ ደቡብ ሱዳን ብምውፋር፡ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ፓውንድ ዓዲጎም፡ ን09 ኣታዊታት ጌሮም ‘ዮም፡፡ በዓል በሓጎስ ኪሻ፡ ወዲ በኺትን ወዲ ፊተውራሪን ድማ ነቲ ናይ ደቡብ ሱዳን ፓውንድ ተረኪቦም፡ ብመገዲ ከሰላን ካርቱምን ኣቢሎም ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምሽራፍ፡ ካብ መንግስቲ ሱዳን ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ብምዕዳግን ነቲ ባጤራ ናብ ዶላር ኣብ ምቕያርን ተዋሲኦም ኔሮም፡፡
ክቡራት ኣንበብቲ! ካብ መጽናዕታት ክሳብ ቅንጸላ፡ ካብ ክትራን ክሳብ ዘይሕጋዊ ምቕያር ባጤራታት፡ ካብ መሸጣ ኣጽዋር ክሳብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዜጋታት፡ ካብ ሓገዝ ንግብረ ሽበራውያን ጉጅለታት ክሳብ ልዝብ ምስ መንግስታት፡ ካብ ምውዳብ ሃሱሳት ክሳብ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ወፍሪ…ኮታስ፡ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ንዓመታት ዝተሰላሰለ፡ መደባት ኢሳይያስን ኣሳሰይቱን፡ ዛንታ በጋሚንዶታት ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ኮ/ል መልኣከ ወዲ ፊተውራሪ፡ ኮ/ል ዓንደብርሃን ወዲ በርሀ፡ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ኮ/ል እምናይ ስሌማን፡ ኣምባሳደራት ዒሳ ኣሕመድ ዒሳን ኣለም ነጋሽን ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፡፡
በዚ ኣጋጣሚ ድሕሪ 2000 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ዒሳን ወዲ ፊተውራሪን ተመሳጢሮም፡ ሰሚሞም ዝቐተልዋን ክሳብ ሕጂ ተሪሲዓ ዝተረፈትን፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ካርቱም ከም ተሓባባሪት ዝተጠቐሙላ፡ ሓንቲ ጸጋ እትበሃል ነባሪት ከባቢ ኣማራት ስትሪት 17 ከምዝነበረት ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡ ኣብ 7ይ ክፋል ብዛዕባ ርክባት ምስ ኬንያ፡ ዩጓንዳ፡ ግብጽን ሃገራት ካልጅን ከምኡ ውን ሓገዝ ንዕጡቋት ሑቲን ድስኩላት ኣምባሳደራትን ዝምልከት ዝምልከት ሓበሬታ ክፍንወልኩም ኢየ፡፡
ወደሓንኩም!
ከምቲ ልሙድ ንኹሉ ንምብጻሕ ኣብ ሼርን ላይክን ኣይትሕመቑ፡፡