• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

ቃልስናን ታሪኽናን በርኔንተ ኮይኑ ከይተርፍ (Lest Our Labour Come to Naught)

August 28, 2018 By AHN

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣቦታትና ቀደም፡ ኩሉ እቲ ዝጸዓሩሉን ዝደኸሙሉን ተስፋ ዘንበሩሉን ዕማም ይኹን ዕላማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከም ትኪ ኪበንን ከሎ ኪርእዩ ከለዉ፡ ዓሕ! በርኔንተ፡ ማለት ንብላሽ ደኺመ ይብሉ ነይሮም። እዛ በርኔንተ እትብል ቃል፡ ሽሕኳ ናይ ጣልያን ቃል እንተ ነበረት፡ በርኔንተ! ኪብሉ ኸለዉ ግን፡ እቲ ኣበሃህላ ነቲ ንብላሽ! ዚብል ቃል፡ ፍሉይ ሓይልን ስፍሓትን ትርጉምን ይህቦ ነይሩ አዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን፡ ማለት ሃገርና፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታውን ደማውን ቃልሲ፡ ናብቲ ቅድመ-ገድሊ ዝነበረ ግዜ ክትምለስ ቀሪባ ኣብ ዘላትሉ ኩነታት፡ ነቲ ኣሕ በርኔንተ ዚብል ናይ ብርቱዕ ጓህን ቅብጸትን ቃል ክንደግሞ ንግደድ ኣሎና። ነቶም ነዚ ቃልዚ ከይደገሙ ዝሓለፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ሰላም ይኹኖም!!

ኣብቲ ግዜቲ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ብዘይኮነ መገዲ ክትጽምበር ዝኸኣለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓሚቝ ምትእስሳር ኣለዎ ብዚብል ርድኢትን፡ ኤርትራ ብቑጠባውን ፖለቲካውን መዳይ ርእሳ ከተመሓድር ኣይትኽእል እያ ብዚብል ግጉይ ግንዛበን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜዚ ድማ እቲ ፊልም ከም ብሓድሽ ብፍሉያት ተዋነይትን ሰብ ድራማን ኦርከስትራን ኣብ ናይ ህግደፍ ስቱድዮ ተሰሪሑን ተሰኒዑን ቀሪቡስ ርኢናዮ ድማ። ህዝቢ ንደመር ዚብል መዝሙር ከም ዚዝምር ተገይሩ፡ እታ ብመደብ ናብ ዑና እተቐየረት ኤርትራ ድማ ብቑጠባ ርእሳ ባዕላ ከተመሓድር ከም ዘይትኽእል ኮይና ቀሪባ። ካብዚ ዚዓብን ዝደምቕን ናይ ዕዳጋ ረክላም የልቦን!!
ሓደ እዋን፡ ብግዜ ጣልያን፡ ሓደ ኤርትራዊ ኣቦ፡ ብዕራዩን ካልእ ጥሪቱን ሸይጡ ንወዱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ንኺምሃር ይሰዶ። እቲ ውላድ፡ ድሕሪ ገለ ዓመታት ኣብ ዓዲ ጣልያን ኮይኑ ትምህርቱ ምስ ኣጠናቐቐ፡ ናብ ኣቦኡ ደብዳበ ይጽሕፍ፡ ከምዚ ዚብል፥ ከመይ ኣሎኻ ኣቦይ መዓረይ፡ ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ ወዘተ ወዘተ። ድሕሪ ገለ ናይ ሰላምታን ናፍቖትን ቃላት፡ እቲ ጽሑፍ ይቕጽል፥ ከምዚ ዚብል፥ ኣታ’ቦ፡ ኣነ ካብ ኩሉ ዝገረመንስ፡ እዛ ወርሒ ናይ ዓዲ ጣልያን እባ ልክዕ ነታ ወርሒ ናይ ዓድና እያ እትመስል። ሽዑ ኣቦኡ ነዚ ምስ ኣንበበ፥ ኣሕ በርኔንተ! ቅርሸይ ንብላሽ፡ በለ ይብሃል።
ሓደ መራሒ፡ ናብቲ ንሰላሳ ዓመት እተቓለሶን ሃገሩ ዘብረሶን ምኩሕ ጸላኢን ደመኛን ዝቕመጠሉ ሃገር ብምኻድ፡ ኣብቲ ኣደራሽ መራሕቲ ብምእታው፥ ኣንቱም! ብርሑቕ ኢኹም ጸላእትና ትመስሉ ኔርኩም እምበር፡ ብቐረባስ እባ ከማና ኢኹም፡ ኢሉ ኪዛረብ ከሎ፡ ቀዳማይ ነዚ ዝንቡዕ ትዕዝብቲ ንኽርዳእ ሰላሳ ዓመታት ስለ ዝወሰደሉ፡ ካልኣይ ድማ ደም ኣማኢት ኣሽሓትን ብርሰት ሃገርን ሰለ ዘይገደሶ፡ ገለ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ለባማት ሰዓብቱ ብልቦም፡ ኣሕ! በርኔንተ ኢሎም ይኾኑ እዮም። ከምቲ እቲ ኣብ ላዕሊ

እተጠቕሰ ኣቦ፡ ቅርሸይ ንብላሽ ዝበለ፡ ኣብዚ ግዜዚ ድማ፡ እቶም ለባማትን መስተውዓልትን ሓለይቲ ህዝቦምን ፈተውቲ ሃገሮምን፡ ቃልስናን ደምናን ደም ደቅናን ንብላሽ ከይዱ ከይበሉ ዚተርፉ ኣይመስለንን።
ኤርትራ፡ ናጻ ንኸውጽኣን ዶባታ ንኸረጋግጸላን ብማለት ደቃን ንብረታን ስድራቤታን ንመስዋእቲ ኣዳልያ ዝለኣኸቶ “ውላዳ”፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ቃልስን መስዋእትን ተመሊሱ፡ ”ወዮ ዶብ ደኣ ኣብ ካርታ እዩ ዚረኣየካ እምበር ለካ ኣብ ምድርስ ኩሉ ሓደ እዩ፡ ደሓር ከኣ ኩልና እባ ሓደ ኢና ወዘተ” ዚብል ዘስደምም ሓበሬታ ከቃልሕ ከሎ፡ ኤርትራ፡ ሓንቲ ክትብሎ እንተሎዋ ” በርኔንተ! መስዋእተይ ንብላሽ” ጥራይ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ እትብሎ የብላን። ግን ከኣ፡ እዚ ጉዳይዚ በርኔንተ ኢልካ ጥራይ ዚሕለፍ ኣይኮነን። ነቲ ከቢድ መሰዋእትን ብርሰት ሃገርን እተኸፍሎ ቃልሲ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ናይ ሞት ሞት እዩ። ሳዕቤኑ ድማ ንዕቀትን ሕስራንን፡ መጸናንዒ ዘይርከቦ ታሪኻዊ ውርደትን እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ንህልውና ሃገሩ ብዘለዎ ዓቕሚ ኪቃለስ ይግባእ።

እቲ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ፡ እቲ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ንኤርትራ ዘድመየን ዘብረሰን ግን ከኣ ብዓወት እተዛዘመ ህዝባዊ ሰውራ፡ ተዋስኦ ወይ ድራማ ድዩ ነይሩ? ኣብ ምባል ትበጽሕ። ዕላማኡ ደኣ እንታይ እዩ ነይሩ? ህዝቢ ድዩ ተዓሽዩ ወይ ተገሪሁ? እዚ ኹሉ ”ሽገይ ሃቡኒ” እዚ ኹሉ ”እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ” ”ወደባት ዓደይ ይረኣየኒሎ” ”እዛ ጉማየ …… ትመጽእ ኣላ ብለይቶ ከም ቀደማ”፡ እዚ ኹሉ ስደት፡ እዚ ኹሉ መስዋእቲ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ምድረበዳታት ምንክርታትን ኣብ ባሕርታት ምጥሓልን ወዘተ ኪርሳዕ ድዩ ተደልዩ? ህግደፍ ኩሉ ዚከኣሎ ስለ ዚመስሎ፡ ናይ ህዝባዊ ምርሳዕ ወይ ሓባራዊ ምርሳዕ (cultural or colletive dementia) መደብ ከይሃለዎ ኣይተርፍን እዩ።
ናይ ይሁዳ ምስዓም ብዚመስል ኣገባብ (kiss of death)፡ መራሒና ብምስዓምን ክምስምስ ብምባልን ኣፍልቡ ብምህራምን ነታ ደማ ዝጸንቀቐላን ዘብረሳን ሃገር ናብ ዕዳጋ ከውርዳ ዚዋገ ዘሎ ይመስል ኣሎ። ኤርትራ ነዚ መዓልት’ዚ ክትርእይ ኢላ ተፈጢራ እንተ ነይራ፡ ከይተፈጥረት ተሪፋ እንተ ትኸውን ምሓሻ ነይሩ!! ወድሰብ ንነብሱ ባዕሉ ናጻ እንተ ዘይኣውጺኡዋ፡ ካልእ ሰብ ናጻ ከውጽኣ ኪጽበ የብሉን፡ ከመይሲ እቲ ናጻ ዘውጽእ ባዕሉ ናጻ ስለ ዘይወጸ፡ ናጽነት እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን እዩ። ንርእሱ ናጻ ዘይወጸ ”ተቓላሳይ” ድማ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተ ዘይሃሊዩዎ ንናጽነት ኪቃለስ ኢሉ ኣይብገስን እዩ። ሕሙም ሓኪም ኣብ መጥባሕቲ ኪቐትለካ ዘሎዎ ተኽእሎታት ብዙሕ እዩ። ንርእሱ ዘይሓወየ ሓኪም፡ ከመይ ገይሩ ንኻልእ ከሕዊ ይኽእል?

ሽሕኳ እቶም ሃንደስቲ ሻዕብያ ብሓፈሻ ጥዑያት እንተ ነበሩ፡ ኣብ መንጎኦም ተንኮለኛ ተሓቢኡ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ግን ብኣጋኡ ኪፈልጡ ኣይከኣሉን። ዕላማኦም ናጽነትን ራህዋን ሃገሮም ንምርግጋጽ ብምንባሩ፡ ነቲ ፍልይ ዝበለን ብርቅን ሕቡእን ባህርያት ሰባት ከስተብህሉሉን ኪጥንቀቑሉን እዋኑ ኾይኑ ኣይተሰመዖምን። ሌባ ሌባ እናበልካ ንሓደ ሰራቒ ክትጎዮ ከሎኻ፡ ሓድ ሓደ ግዜ እቲ ሰራቒ ባዕሉ ብኻልእ መገዲ ተጠውዩ ወይ ኣሽኪዑ፡ ምሳኻ ተሓዊሱ፡ ሌባ ሌባ እናበለ ምሳኻ ይጎዪ እዩ። በቲ ጫውጫውታን ዕግርግርን ከተስተብህለሉ ስለ ዘይትኽእል ድማ፡ ሌባ ሌባ እናበለ ብምጭዳር ጥዑይ መሲሉ ምሳኻ ተጎዝጒዙ ከም ዘይተለልዮ ይገብር። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሰራቒ ኣበይ ከም ዝኣተወ ይጠፍኣካሞ፡ ነንሕድሕድካ ትጠማመት። እቲ ተንኮለኛ ሰራቒ ግን ኣብ መንጎኻ እዩ ዘሎ። ኪሰርቀካን ከጋግየካን ናብ ገደል ኪመርሓካን ድማ ስርሑን ሞያኡን እዩ።

ሓደሓደ ሰብ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደገኛ ተርእዮ ኣቕሊሉ ይርእዮ እዩ። ኣብ ታሪኽና ምልስ ኢልና ምስ እንርእይ ግን፡ ሃገርና ኤርትራ ዋና ከም ዘይብሉ ንብረት ካብ ገዛእቲ ናብ ገዛእቲ ክትሰጋገር ዘመናት ሓሊፉ እዩ። ቱርኪ ቅር እናበሎ ንጣልያን የቐብሎ፡ መነሊክ ንጣልያን ባሪኹ የቐብሎ፡ ጣልያን ደስ ከይበሎ ንእንግሊዝ የቐብሎ፡ እንግሊዝ ተቐቢሉ ብሽጣራ ንሃይለስላሴ የቐብሎ፡ ሃይለስላሴ ንደርጊ ገዲፉሉ ይኸይድ፡ ደርጊ ንህግደፍ ገዲፉሉ ይሃድም፡ ህግደፍ ድማ ተቐቢሉ ቲሮ ብምውቃዕ ነዛ መከረኛ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ጎል ከእትዋ ይፈታትን ኣሎ። ከምዚ ክትርእይ ከሎኻ፡ ስምዒት ሃገራውነትካ ብሓደ መዳይ ይመክኽ፡ በቲ ሓደ መዳይ ድማ ይፈልሕን ይግንፍልን።
ስለዚ ንሃገርና ካብቶም ከም ኵዕሶ እተጻወቱላን፡ ኪጻወቱላ ዚደልዩን ጎረባብቲ ሃገራትን ባዕዳውያን ገዛእትን ከነድሕና እንተ ኾንና፡ ክንበራበር ይግበኣና። ነቲ ናብ ጀነቫ ምኻድ ተበግሶ፡ ከምቲ ኣብ 60ታት ናብ ሜዳ ዝኽየድ ዝነበረ ጌርና ክንቆጽሮ ይግበኣና። ሃገርና ካብ ጸወታ ቁማር ማፍያታትን ጠለምትን እነድሕነላ ግዜ ሕጂ እዩ (It is now or never)!!

ኣማኒኤል ሳህለ  (ድ,ሰ,ደ,ኤ, 24-08-2018)

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in