PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንጥቕሚ ህዝቢ ኤርትራ ይሰርሕ የለን፣
ኣቶ መስፍን ሓጎስ | በየነ ሰመረ – ኤስ.
ቃለመሕትት ምስ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡
Interview with Veteran Mesfin Hagos
(Radio SBS: on 19 and 21 July 2018
& Radio Erena: on 26 July 2018)
ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርና፡ ኩነታት ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ምስ ሕሉፍ ተመኩሮኡ ብምዝማድ ንተኻታተልቲ ኣካፊሉ ኣሎ። ብጠለብ ናይ ዝተፈላለዩ ተኻታተልቲ፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሓደ ጠሚርና ኣቕሪብናዮ ኣሎና። ኩሉ ኣብዚ ቃለመጠይቓት እዚ ቀሪቡ ዘሎ፡ ካብ መደባት ናይ ራድዮ ኤስቢኤስ (ትግርኛ) ከምኡ’ውን ራድዮ ኤረና ዝተወስደ ምዃኑን ከምዘለዎ ንምስናድ ክጥዕም ተባሂሉ ጥራይ ከምዝተጠርነፈን ንተኻታተልቲ ንሕብር። ንኣዳለውቲ መደብ ራድዮ ኤስቢኤስ ከምኡውን ራድዮ ኤረና፡ ስለ’ቲ ኣበርክቶኦም፡ ክብ ዝበለ ምስጋና ይብጻሓዮም።
ኣብዚ ተጠርኒፉ ዘሎ፡ ቃለመሕትት ምስ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ፡ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ሓጎስ መስፍን ምስ ረዲዮ ኤስ.ቢ.ኤስ. ትግርኛ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብክልተ ክፋላት ከምዝቐረበን ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰማዕቲ ዝሰምዕዎን ርእይቶ ዝሃብሉን ትሕዝቶ ቀሪቡ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ብተክኒካዊ ጸገማት ተሪፎም ዘይቀረቡ ኣካል ናይቲ ቃለ መሕትት ዝኾኑ ሕቶታትን መልስታትን እንሆ ቀሪቡ ኣሎ።