• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

BACK2KCAB – ትፈልጡ’ዶ ሃገርና ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዓመት ከም ትሕሰም? ካብ መንን ስለምንታይን? | ሂወት ደቂ ሃገር ዘየገደሶ መራሒ፡ ገንዘብን ሃብትን ሃገርን ህዝብን ከገድሶ ኣይንጽበን

March 12, 2017 By AHN

ተወልደብርሃን ገብረ | 10 Mar 2017 | asmara-online.com

ሎሚ ቅነ ሓደ ሰብ ኢመይል ሊኡኹለይ ነይሩ። ንሱ – “መንግስቲ ኤርትራ ወፍሪ ኣየተባብዕን ኢዩ ትብል’ሲ እዘን ኣብ ዕደና ዘውፍራ ዘሎዋ’ኸ ኣይሰማዕካን ዲኻ?” ኢሉ ይሓተኒ። መልሲ ስለ ዘይሃብኩዎ “እንታይ ዳኣ ኣጽቂጥካ መልሲ’ባ ሃበኒ?” ክብል ደጊሙ ጽሒፉለይ። ካብ ምስኡ ምሳኹም ክዛተየሉ ስለ ዝመረጽኩ ግና ተጸበየኒ ኢለ መሊሰሉ ይብለኩም። ብሕትኡ ኣይተገረምኩን። ምኽንያቱ ሰይጣን ስርሑ ናብ ጎይታ ምኽሳስ ኢዩ። ደርሆ ፋሕጢራ ትረኽቦ ሕቶ ሒዝካ ምምጻእ ልሙድ ናይ ካድር ስራሕ ምዃኑ ከይረሳዕኩም።

ተጸበየኒ ስለ ዝበልኩዎ ግን መልሰይ እንሆ። ብቐዳምነት ወፍሪ ዕደና ወፍሪ ናይ መንግስቲ ምስ ናይ ግዳም መሻርኽቱ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ነይሩ እንተ ዝኸውን ሸረኻታት ኣምሳያ ወፍረን ኣብ 3 ኣዋርሕ ክረኽባ እንከለዋ ህዝብና ዋላ ኣይርከቦ ክንደይ ኣታዊ ካብ ዕደና ተረኺቡ ምፍላጡ እውን ኣኻሊኢዩ ነይሩ። ምናልባት እዚ ሓውና ዘይተረደኦ ብርኪ ሸረኻታት ዕደና እቲ መንግስቲ ባዕሉ ክገብሮ ስለ ዘይክእል እምበር ክገብሮ ዝኽእል ነይሩ እንተ ዝኸውን ከምታ ንኤርትራውያን ሰብ ርእሰ-ማል ኢዶም ንድሕሪት ጠውዩ ገንዘቦም ዘሪፉ ገለን ንኣንጎላ ገለን ንጁባ ዘፋነዎም ነዘን ሸረኻታት’ውን ኣይ ምሓደገንን ነይሩ። ካብዚ ንላዕሊ ክህቦ ዝኽእል መልሲ ዘሎ ኮይኑ ኣይስማዓንን።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።

ሕቶይ “ትፈልጡ’ዶ ሃገርና ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዓመት ከም ትሕሰም? ካብ መንን-ስለምንታይን?” ዝብሉ ኢዮም። መቸስ ህውኽ ኢልኩም ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ? ካብ መንግስታት ኤሮጳ? ካብ ካናዳ? ወዘ ተረፈ ትብሉ ኣይትሳኣኑን ትኾኑ። ብዝኾነ ግን ንመብዛሕትኹም ይጠፍኣኩም ኢዩ ኢለ ስለ ዘይኣምን ኣድርሩኒ ኣይብለኩምን። በቲ ካብ መን? ዝብል ሕቶ ክጅምር። ካብ ኤርትራውያን ብዝብል መልሲ ነዚ ሕቶ ተመሊሰ ክሳብ ዝመጾ፡ ናብ ሳልሳይ ሕቶይ ክስግር። ስለ ምንታይ? ንዝብል ንኽትምልሶ ኣዚዩ ከቢድ ኢዩ። ንኽምልሶ’ውን ስልጣን የብለይን። ኣገዳስነት እዛ ሕቶ እንተ ተራኢኩም ግን ተሌፎናትኩም ኣልዒኩም ናብ ኣስመራ ክትድዉሉ ይምሕጸነኩም። ይምሕጸነኩም ምኽንያቱ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ሕሰም መነባብሮ ይሳቐዩ ስለ ዘሎዉ። ንመብዛሕትና ሕሰም ህዝብና ድቃስ ዝኸልእ ጉዳይ ኢዩ። ዋላ ውሑዳት ይኹኑ’ምበር ዘይዓጦም ወገናት ከም ዘለዉ ግን ረሲዔ ኣይኮንኩን። ጎረቤቶም እንተ ጠመየ ዝራሃዎም ዝመስሎም ‘ለባማት’ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ብዝኾነ ምድዋል ኣይትረስዑ!

ናብ መቦቆል ሕቶይ ክምለስ- “ትፈልጡ’ዶ ሃገርና ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዓመት ከም ትሕሰም?

ሃገር’ዶ ትሕሰም ኢያ ሰብ’ምበር ኣይትበሉ። ሕቶ ‘ለባማት’ ክገብሮ ደልየ’ምበር ኣነስ መዓስ ጠፊኡኒ። ዝሕሰም ዘሎ መንግስቲ እምበር ሃገር ከም ዘይኮነት’ዳኣ ከማኹም ይርዳኣኒ። ኣጆና ኣይንፍራሕ። ኮራይን ተዓባይን መሪሕነት ኢዩ ዘሎና። ስለ ምንታይ ቢሊዮናት ዶላራት ይሕሰም ኣሎ ግን ሃብቲ ዜጋታት ከም ናሃቱ ወይ ሃብቲ ሃገር ገይሩ ስለ ዘይርእዮ ኢዩ። እምበር ናብ ኢዱ ትኽ ኢሉ ዝኣቱ ዳኣ 2% ትኾቡላይ ክብል’ዶ ኣብ ጎደናንታ ይረአ ኣየሎን’ዩ? ህዝብና ሳላ ገዛእትን ሳላ ሕማቅ ምሕደራን መሪሕነቱን እንተ ዋሓደ ¼ ወይ ልዕሊኡ ዝኸውን ኣብ ሃገራት ዓረብን ምዕራብን ፋሕ ኢሉ ኣሎ። ኣብ ሃገሩ ንብረት ክገብር፡ ገንዘቡ ከቐምጥን እናሳዕ ናብ ሃገሩ ክገይሽን እንዳ ደለየ ኣብቲ ዘሎ ስርዓት እምነት ስለ ዘይብሉ ግን ኣይገበሮን። በዚ ምኽንያት ሃገር ቢሊዮናት ዶላራት ትኸስር፡ ህዝባ ድማ ብሕሰም መነባብሮ ይሳቐ ኣሎ። ስርዓትና ግን እዘን ዝባሃላ ዶላራት ከም ቆልዓ ኣብ ኢዳይ እንተ ዘይተረኪበየን ሃገርን ህዝብን ክሓልፉ ይሕሸኒ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ካድር እንተ ዘይኮይኑ ነዚ ርኹስ ሰነ-ሓሳብ ለኒናውያን መን ይቕበሎ?

ሎሚ ካብ ፍርቂ ሚሊዮን ንላዕሊ ኣብ ዓረብን ምዕራብን ዝነብር ዜጋ ኣሎ። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ገለ ነገር ክገብር ዝደልን ዝሕልንን ኢዩ። ብዓቢዪ ደረጃ ክውፍር ዝደሊ’ውን ብ10ታት ኣሽሓት ኢዩ። ካብ ፍርቂ ሚሊዮን ንላዕሊ ዝኸውን ህዝቢ እዛ ሃገር እንተ ዋሓደ 2-4 ቢሊዮን ዶላር – ይዕበ ይንኣስ ብወፍሪ፡ ብሓወላ፡ ብምቕማጥ ገንዘብ ኣብ ሃገርን ብብዝሒ መገሻን ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይነበረን። መራሕትና ግን ጸላእትና ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ክህሉ ኣይደልዩን ኢዮም ጥራሕ ዘይኮነስ ንኸይህሉ ኣንጻርና ክሰርሑ ጸኒሖምን ኣለውን ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግን ጸላእቲ ኤርትራ እንተ ደልዮም ንሶም ይግደፍዎ’ምበር ህዝቢ ኤርትራ ባይታ እንተ ዝረኽብ ናይ ደገ ወፍሪ ብዙሕ ኣይመሻቐለናን ነይሩ።

ናይ ደገ ወፍሪ ጽቡቕ’ኳ እንተ ኾነ ቀጻልነት ግን የብሉን። እዚ መራሕትና ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ከይህሉ ኣሜርካን ሳዓብታን ዕቅፋት ኮይነና ዝብሉዎ እምባኣር ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ሕራይ ኣሜሪካን ሳዓብታን ከምኡ ገይረን ኢልና ንቀበሎ። ስለምንታይ እቲ መንግስትና ንብሎ ንሃገራውያን ኣውፈርቲ ኣባሪሩን ይነጽግ ኣሎን ኢልና ክንሓትት’ከ ግቡእና ዲዩ? ቀንዲ ስክፍታ መሪሕነት ኤርትራ ወፍሪ ንሃገራውያን እንተ ኣፍቂድና ህዝቢ ክርህዎ ኢዩ። እንተ ሪሂዎ ካኣ ክንቆጻጸሮ ኣይንኽእል ኢና ካብ ዝብል ስንኩፍ ፍልስፍና ኢዩ። ሎሚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ህዝቢ ተሰሪዑ ብኹፐን ክሽምት ክትርእዮ ኣየሕፍርን?

ካልእ ምኽንያት ዘሎዎ ሰብ ኣሎ? ዋላስ መንግስቲ ኣገዳስነት ወፍሪ ዜጋታት ስለ ዘይፈልጥ ኢዩ?

ስለዚ ሃገርን ህዝብን ክጠምዩ ይሕሾም ካብ ቢሊዮናት ዶላራት ሃገራውያን ኣውፈርትን ንሶም ዝፈጥርዎ ስራሕን ሃገራዊ ሃብትን። ወይ ድማ ከም ቆልዓ ኣብ ኢዶም ክህቦም ኣለዎ። ኣብ ምንታይ ኣውዒልኩሞ ኢልካ ክትሓቶም’ውን ኣየፍቅዱልካን ኢዮም። ዝሓትት’ውን ውሑድ ኢዩ። ኣብዚ እቲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ኣሎ። ቅድም ቀዳድም ዜጋታታ ተስፋ ቆሪጾም ፋሕ ይብሉ ኣሎው ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፋሕ ምስ በሉውን ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም ገለ ነገር ንኽገብሩ ባይታ የብሎምን። ስለዚ ኤርትራዊ ሃገራውነት ይቕህም ኣሎ። ሎሚ ኣብ ሚዲያታት መንእሰያትና ጥራሕ ዘይኮኑስ እንተላይ እቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰንከሉ ዘሕፍር ዘረባታት ክዛረቡ ምስማዕ ንቡር ኮይኑ ኣሎ። ካብዚ ዝዓቢ ሓደጋ ኤርትራዊ ሃገርነት ኣሎ? ሃገር ንዜጋኣ ኮስኲሳ እንተ ዘይ ሓዘቶ ካብዚ ዝዓቢ ሃገራዊ ሓደጋ ኢንታይ ኣሎ?’


 

 ሂወት ደቂ ሃገር ዘየገደሶ መራሒ፡ ገንዘብን ሃብትን ሃገርን ህዝብን ከገድሶ ኣይንጽበን

ቅሉዕ መልእኽቲ ንኣቶ ተወልደብርሃን ገብረ | ቀለታ ኪዳነ |  12 Mar 2017 | asmara-online.com

Photo: YouTube

ሃገር  ገንዘባ ጥራሕ ዘይኮነ ህዝባ  እውን ዝስደድ ተሰዲዱ ዝእሰር ትኣሲሩ  ተጸንቂቑ ብዘይካቶም  ነንሓድሕዶም እናትሓላልዉ ንዓኡ ክሕልዉዎ ባዕሉ ኣብ ሰራዊት ሒዙዎም  ዘሎ እቲ  ካልእ ኣብ ሃገር ተሪፉ ዘሎ ኣረጊትን ቆልዓ ሰበይትን ኣዝዩ ውሑድን ኢዩ። ንሱ ከኣ ዶባት ጥሒሱ ክሃድም ዓቕሚ ዘይብሉ ከምኡ’ውን ብሊብያን ስሃራን ገሩ ክስደድ  ንርእሱ ዝመዘናን  ክእለት ዘይብሉን  ጥራሕ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ እቶም ትማሊ ንሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከውጽኡዎ ዕድመ ንእስነቶም ብምኽፋል ዝተጋደሉን ነዚ ሰብኣይ ተሰኪሞም ዝኣተዉን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር  ከይተረፈ ሎሚ ኣብቶም  ጸላእትና ዝብሉዎም ዝነበሩ   ስርዓት ወያነ ትዓቝቦም ምስጢራትን ሃለዋትን ሃገርን ሓይልታት ምክልኻላን ብዘሕፍር ኵነታት ብማዕከን ዜናታት ወያነ  ክግለጹ  ክንሰምዖም ንውዕል ኣሎና።

ብርእይቶይ  ከኣ ኣብ ሂወተይ ካብዚ ዝኸፍእ ሰሚዔ ኣይፈልጥን።

ኣቶ ተወልደብርሃን  ‘’ትፈልጡ’ዶ ሃገርና ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዓመት ከም ትሕሰም? ካብ መንን ስለምንታይን?  ብዝብል ኣርእስቲ ዝሃብካዮ  ዘሕዝን ዓንቀጽ ከኣ እቲ መንግስቲ ቢልዮናት ገንዘብን ሃብትን  ደቂ ሃገር ንኸይኣቱ  ይነጽግን ሃገር ይሕምስን ምህላዉ ንዓይ ብዙሕ ኣይገረመንን። ምኽንያቱ ካብ ገንዘብ ሂወት ሰብ ይዓቢ። ሂወት ሰብ ዘየገደሶ መራሒ ከኣ ገንዘብን ንብረትን   ደቂ ሃገር ከገድሶ ማለት ዘይሕሰብ ኢዩ።

በል ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተደለኻስ እቲ ዝገርም ናቱ ዘይኮነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።

ንሃገርናን  ስዉኣትናን   ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ኢሳያስ  ጥራሕ ኣይኮነን ጠሊሙዎም።  ኵሉ ነዛ ሃገር ክሰርሓላ ዝግብኦ፡ ኵሉ ክቃለሰላ ዝግብኦ፡ ኵሉ ክበኽየላ ዝግብኦ፡  ኵሉ ክስውኣላ ዝግብኦ፡ ብዘስደምም ፍጥነት ክትጠፍእ እናርኣየ መብዛሕትኡ ህዝቢ  ስቕ ኢሉ’ዩ ዝዕዝብ ዝሎ ። ወረ ገሊኦምስ  ነዚ ጥፍኣትን ስደትን ደቂ ሃገር ዝድግፉን ስቕ በሉ ሃገር ባዕሉ ዘምጽኣ’ያ ዝደለየ ይግበራ ዝብሉ እውን ኣለዉ።

ብሓጺሩ ብርእይቶይ  ንወልቃዊ ጠቕምናን  ረብሓናን ብምቕዳም  ንርእሰይ ጥራሕ  ኣብዛ ዘሎኹዋ ኣይምጽኡኒ እምበር  ናይ ካልኦትስ እንታይ ገደሰኒ ብምባል ንሃገርናን ህዝብናን  ዳርጋ መብዛሕትና   ጠሊምናዮም ኢና።

መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ብዜና ማዕከናቱ  ዝብለናን ነቶም ብዘይ ገደብ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝጽዋዕ ሃገራዊ ባርነት ሒዙዎም ዘሎ  ጸላእቲ ኣለዉኒ እሞ ከይደፍሩንን ሃገር ከይትውረርን ‘የ ሒዘዮም ዘሎኹ   ዝብሎ ምኽንያት  ሓቂ  ከምዘይኮነ እውን  ባዕሉ ብግብሪ የረጋግጾ  ኣሎ።

ጸላኢ ዘፍርሖን ዘስግኦምን መንግስቲ  ሰራዊቱ ኣይብትንን ባዕሉ ሓይሉ ኣየዳኽምን ህዝቡ ኣየጥፍእን ኢዩ። እቲ ዝህቦ ምኽንያት ሓቂ  እንተዝኸውን እሞ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሃገር መከልላኸሊ ሓይላ ከይዳኸም  ዝሓልን ዝስከፍን እንተዝኸውን ንምንታይ ሰራዊቱ ስኣን ምሕደራን  ስኣን ጽቡቕ ኣትሓሕዛን ብጥሜትን ብዕርቃንን ብስድራቤታዊ  ጸገማትን ተጨኒቑ ሃገር ገዲፉ ብኣማኢት ክስደድ ይውዕል ኣሎ? መፍትሒ ክረኽበሉ ምተገደደ።

በዚ ክመራመርን  ነዚ ክርዳእን ዘይክእልን መስዋእቲ ክኸፍል ድሉው ዘይከውን ህዝብን ግን ብምንም ዓይነት ሽግር ክሓልፈሉን ኣብ ራህዋ ክበጽሕን ኣይክእልን ኢዩ።

ንምዃኑ ስለምንታዩ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንቓልሲ ህዝባዊ ግምባርን ህዝቢ ኤርትራን መሪሑ ንነጽናት ኤርትራ ከም ዘየምጽኤ ሃገር ኣብ ከምዚ ዘላቶ ንኽትወድቕ እሞ ህዝቢ ጸጊቡ ንኸይሓድር ሕሩጭን ቢሑቕን ከይተረፈ ዝቆጻጸር ዘሎ? ዝብል ሕቶ ብዙሓት ዝሓቱዎ  ዘለዉን መልሲ ዘይተረኽቦን ኢዩ።

እወ ነዚ ሕቶዚ ዝተፈላለየ ትንተናታት ይወሃቦ ኢዩ። ከዕግብን ከእምንን ዝኽእል መልሲ ግን ክሳብ ሎሚ ኣይተረኽበን።  እቲ ክሳብ ሎሚ ብጭቡጥ ተረጋጊጹ ዘሎ ሓቂ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሃገር ኣብ ከምዚ ዘላቶ ትሕቲ መሬት ኣእትዩዋ ዘሎ ስኣን ዓቕሙን ክእለት ምምሕዳርን ዘይኮነ ሓደ ክብጻሕ ዘለዎ ዕላማ ከም ዘሎን እቲ ጕዳይ ኮነ ኢልካ ይግበር ምህላዉን ኢዩ።

እቲ ዝኸፍኤን ኣዝዩ ዘሕዝንን ግን ነዚ እከይ ተግባራትን ዕላማን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ገለ ደቂ ሃገር ክድግፉዎን ክትሓባበሩዎን  ይርከቡ ምህላዎም ኢዩ።

እዚ ማለት ግን ሃገር ዝቃለሰላን ዝስውኣላን ኵሉ ተጸንቂቑ እቲ ዝሕሰባላ ዘሎ እከይ ዕላማ ክብጻሕዩ ዝብል ዘይኮነ ዋላ ሓደ ጅግና ብገለ ቦሎኽ ኢሉ ንህዝቢ መሪሑ ሃገር ከድሕንን ንለበዋ ስዉኣት ከተግብርን ዝኽእል ሰብ ኣይክርከብንዩ ዝብል እምነት የብለይን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓለሙ ዝበዝሔ ሓጥያት ስለዘይብሉ ሓንቲ መዓልቲ ክርህዎን ካብዚ ሎሚ ኣጋጢሙዎ  ዘሎ ሕሰምን ጭቆናን ግፍዕን ዝመልኦ ምምሕዳር ክላቐቕን  ከም ዝኾነ’ውን እኣምን።

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን  ዝሓለፉ ጀጋኑ!!

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in