PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መብጽዓን መደረን ፕረሲደንትና ካብ ሎም ዘበን ክሳብ ንዓመታ እዚ እዋንዚ’ዩ !!!
ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ | May 30, 2017
መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 19 ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ መብጽዓን መደረን ፕረሲደንትና ካብ ሎም ዘበን ክሳብ ንዓመታ እዚ እዋንዚ’ዩ !!!
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተኸታተልቲ ርሑስ መበል 26 ብዓል ናጽነት ኣሕሊፍኩም ክትኮኑ እናተመነና ንሎሚ ኣብ መደብ ሕቅን ብጋህድን ካብ ስደት ቍ. 19 ቀሪብናልኩም ዘሎና ብዛዕባቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ቀሪቡ ዝቐነየ ካበይ ኣበይ ናበይ ዝብል ካብ ቃለመጠይቕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ተወሲዱ ኣብ ሓደ ካብ ተኸታተልቲ ዘቕረቦ ጽሑፍ ዝህልወና ርእይቶ ኢዩ።
እወ መበል 26 ዓመት ብዓል ናጽነት ብሰላም ሓሊፉ። እቲ ቀንዲ ዘገድስ ከኣ ንሱ ኢዩ። ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ እውን ኣብቲ ናይ ዓሚ ኢዮቤልያዊ በዓል ናጽነት ንዘርኣዮ ዘይግባእ ዝበልናዮ ኣቀራርባ ንዝሃብናዮ ርእይቶ ወቐሳ ግዲ ተሰሚዑዎ ኮይኑ ሎሚ ዓመትሲ ንኽብረት ናይቲ ብዓል ዝበቅዕ ኣከዳድናን ኣቀራርባን’ዩ ኣርእዩ። እቲ ዝገርም ግን 26 ዓመትሲ ሰብ ተወሊዱ ሰብኣይ ዝኣኽለሉን ተመርዕዩ ዝወልደሉን ዝዝምደሉን መዋእል ምዃኑ ምዝካር ኢዩ። ኤርትራ ሃገርና ከኣ ናይቶም ሃገር ገና ናጻ ኣይወጸትን ኣብ መግዛእቲ’ያ ዘላ ዝብሉ ብቐትሩ ጽሓይ ዝዓረቦም ገዲፍካ ገዛእታን ጸላእታን ጸራሪጋ ናጻ ካብ ትወጽእ ከይተፈለጠና ክንድኡ ዕድመ ገራ ማለት’ዩ። ከይተፈለጠና ምባልና ንገለኦም ብዙሕ ከም ዘሕምሞም እርድኣና ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ህዝቢ ዝጠፍኤ ጠፊኡ፡ ዝእሰር ትኣሲሩ፡ ዝድስደድ ተሰዲዱ፡ ህዝብና ዛሕዛሕ ኢሉ ኣብ ዓለም ተበቲኑ፡ እሞ ከኣ ብደረጃ ሃገር ተዛሪብናሉን መፍትሒ ኣናዲናሉን ዘይንፈልጥ መስሓቕ ሸራፋት ኰንና ደም ጥዒሙና ከሎስ ከይተፈለጠና ትብሉ ዝብሉናን ዝቕየሙልናን እውን ኣይክስኣኑን ኢዮም። ንዓኹም እንተዘይተፈለጠኩም ንገለናስ እባ ምዓንጣና ኣሕሪሩና እዘን ዝሓለፋ ዕስራን ሽዱሽተን ዓመታት ሽሕ ዓመት ኰይነናና ዝብሉና ከም ዝህልዉ እውን ኣይጠፍኣናን ኢዩ። ብዛዕባዚ ከነረጋግጾ ንደሊ ከኣ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይጠዓመን ዘየቕሰነን ዘየደቀሰን ህሉው ምምሕዳርመንግስቲ ኤርትራ ካብ ህዝብና ንላዕሊ እንተዘይጸሊእናዮ ከም ዘይንፈትዎ ኢዩ። ንምንታይ ድኣ ከይተፈለጠና ኢልኩም ንዝብል እምበኣር ካብ ካልኦት ሕቶ ከይተጸበና ባዕልና ክንምልሶ ኣበሃህላና ፕረሲደንትና ሎሚ ዓመት ዶኾን ተጣዒሱ ኣብ ሃገር ሰላምን ቅሳነትን ዘውርድ ለውጢ ይገብር ይኸውን፡ ሎሚ ዓመትዶኾን ህዝቡ ዝእከበሉን ሓድነቱ ዘረጋግጸሉን ኣዋጅ ይእውጅ፡ ሎሚ ዓመትዶኾን ነዞም ብዘይሕግን ብዘይፍትሕን ንዓመታት ትኣሲሮም ዘለዉ ደቂ ሃገር ፍታሕ ይገብር ይኸውን፡ ሎሚ ዓመትዶኾን ነዞም መዋእሎም ብዘይ መርዓን ውላድን ዘሕልፉ ዘለዉ መንእሰይ ገለ መፍትሒ ይገብረሎም ይኸውን? ብማለት፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብተስፋ እናተጸበና ርብዒ ዘመን ምሕላ ንምግላጽ ጥራሕ ኢዩ። ይስለጥካ ኣይስለጥካ ኵሉ ዓይነት ፈተነታት ኮነ ሜላታት ወይ ትጽቢታት ምግባር ከአ ብልሒ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዝመስሎም ገበን ወይ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሕማቕ ነገር ሕጊ ዘይክተል ብናይ ሓደ ሰብ ፍቓድን ድሌትን ጥራሕ ትጽበዮ ለውጢ ክህሉ ከሎ ኢዩ።
ንገሊኦም መንግስቲ ነቲ ኣብ ሃገር ተሪፉ ዘሎ ህዝብን ሰራዊትን ሰጥ ለበጥ ኣቢሉ ብጸጥታን ብሓይሊ ብረትን ብቐለቡን ብዝሰትዮ ማይን ከይተረፈ እናተቘጻጸረ የካይዶ ንዘሎ ኵነታት ሃገር ከደናግሮም ይኽእል ኢዩ። ናይቲ ኵሉ ዝጠፍእን ዝስደድን ዝእሰርን ኣብ ባሕሪ ዝጥሕልን ንመንግስቲ ዝቃወምን ዘሎ ህዝቢ ከም ዘይሃገራዊ ኣዋሲኖምን ረሲዖምን መንግስቲ ንሃገር ሰላምን ጸጥታን ኣረጋጊኡ ህዝቢ ብሰላምን ብቕሳነትን ብሓድነትን የናብር ከም ዘሎ ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ህዝቢ ብሰላምን ብሓድነትን ይናበር ምህላዉ ዝመስሎም ዝተደናገሩ ወይ እናፈለጡ ዝደንቆሩ ከም ዘለዉ እውን ዘይንፈልጥ ኣይኮናን።
እቲ ሓቂ ግን ህዝቢ ኤርትራ ከም ሎሚ ኣቢሉ ንሓድነቱ ዝፈታተን እዋን ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን ኢዩ።
ሎሚ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣፉ እንተትዓብሰ እቲ ኣብ ደገ ዝበሃልን ዝጭደርን ዘሎ ፍልልያት ሕብረተሰብና ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ጽልዋ ክህልዎ ዘይከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ ዝተኣሳሰረ ሓቢሩ ትሓጋጊዙ ዝነብር ህዝቢ ኢዩ። ተገዲዱን ፈሪሑን እንተዘይኮይኑ ከኣ እቲ ብዙሕ ዝርኣየን ዝፈለጠን ዝተማህረን ኣብ ደገ ዘሎ ሕብረተሰብ ዘይማዕበለን ዘይጸረየን እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሓበሬታን ትምህርትን ኣፍልጦን ዝሓጽሮ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ዝማዕበለ ኰይኑ ክርከብ ኢልካ ምሕሳብ ክዉንነታዊ ኣይኮነን። ሰብ ንኽመራመርን ዝያዳ ክፈልጥን ፍሉይ ኣእምሮ ተዋሂቡዎ ዝተፈጥረ ብምዃኑ ግን ተስፋ ከይቆረጸ ተጋማጢሉ ክሓስብን ሜላታት ክቐያይርን ክሰርሕን ክዕወትን ክወድቕን ክትንስእን ብእምነት ተጸናኒዑ ኣብ ጻዕሪ ዝነብር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ነቲ እምነትን ትጽቢትን ተስፋን ምግባር ናይ ውልቀሰብ ዝዅንኑን እዚ ስርዓት እዚ ከሎ ንምንታይ ተስፋን ትጽቢትን ትገብሩ ዝብሉን ካብ ስራሕ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ተስፋ እውን ዝረሓቑን ብዘይካ ጸርፍን ወቐሳን መፍትሒ ዝኸውን ሓሳብ ዝጸንቀቑ ከም ዘለዉ ኣውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። መሬት ባዕላ ክትወግሓሎም ወይ ወያነ ሓንጊሩ ከእትዎም እሞ ኣብዚ ነርና ከምዚ ጌርና ክብሉ ብትጽቢትን ብሃንቀውታን ንስልጣን ዘምበሃቑዉ ብሕማም ወገንነትን ዓሌትነትን ዝተመራስሑ ሕልናን ኒሕን ዘጥፍኡ ፖለቲከኛታት ዝጽውዑ ወገናውያን ከም ዘለዉና እውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ፍትሕን ቅንዕናን ዘይተመስረተ ኣተሓሳስባ ግን ብምንም ትኣምር ክዕወት ተራእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ክብንብል ከሎና ግን ንሕና ኣባላት መደብ ብጋህዲ ኣብ ስደት ንባዕልና መንግስቲ ኤርትራ ሕቶን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ንኸማልእን ለውጢ ክገብርን ስለንጽበ ወይ ንኣምን ኣይኮነን። እቲ ቃልስና መንግስቲ ይስማዕ ኣይስማዕ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ርእይቶ ኮነ ሕቶ ከነቕርብ ምስ ህዝብና ክንመያየጥ ክንምህርን ክንመሃርን ዜግነታዊ መሰል ከም ዘሎና ስለ ንኣምን ጥራሕ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ሕጋዊ ይኹን ኣይኹን ነጽንሓዮ እሞ ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ህዝቢ ዜግነታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ነቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣካል ብዛዕባ ሃገሩ ርእይቶ ኮነ ሕቶ ነቐፌታ ኮነ ውቐሳ ለበዋ ኮነ ምዕዶ ምቕራብ ግን ንሃገሩ ኮነ ንህዝቡ ዝጸልእ ከገምቶ ወይ ከጸውዖ ኣይግባእን ኢዩ። እዚ ከኣ ካብቶም ምዕቡላት ዝበሃሉ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቐዳሕናዮ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ቆጽሊ ኣብ ርእሶም ኣንቢሩን መሪቑን ባሪኹን ብዝምዝዞም ለባማትን ሓለይትን ወለዲ ይመሓደር ብምንባሩ ሓደ መራሒ ንህዝቢ ክብድል ወይ ክጋገ ከሎ እውን ብግሉጽ ይንቀፍን ካብ ሓላፍነት ይወርድን ነሩ’ዩ።
ኣብዚ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ከኣ ምዕራባውያን ድኣዮም ካባና ተማሂሮም እምበር ንሕና ካብኣቶም ንመሃሮ ጕዳይ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመነ ገድሊ ጥራሕ ዘይኮነ ድሕሪ ናጽነት ርብዒ ዘመን ግን እዚ ቅዱስ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ባህሊ ኮነ ኢልካ ከም ዝድምሰስ ኰይኑ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ በብዓዱን በብምምሕዳሩን ንመዋእል ዝጸንሔ ጽቡቕ ዲሞክራስያዊ ባህሊን ሕጊ እንዳባን ትኣጊዱ ከም ገበን ዘእስርን ዘሕንቕን ኰይኑ። እወን ሕራይን ሓቅኹምን ዝብሉ ቃላት ተራዒሞም ህዝብና ካብቲ ቀደም ብሰላም ዝነባብረሉ ዝነበረ መነብብሮ ተመዛቢሉ ጥራሕ ዘይኮነ ንዕኡ ብዝትክእ ካብኡ ዝሓይሽሲ ይትረፍ ብመሰረቱ እውን ሕግን ምምሕዳርን ባህልን ዝበሃል ኣጥፊኡ ኣብ ዘሕዝን ዘመነ ሕንፍሽፍሽን ግስርጥናን ጉቦን ዝዓብለሎ ስርዓተ ኣልቦ ምምሕዳር ወዲቑ ይርከብ።
ብዝዀነ ወዮ ድኣ ኣብ ዘይሓሰብናዮ ኣግፊሕና እምበር ብመሰረቱ መበገሲ ኣርእስትና ደጋፊ ወይ ተደናጋጺ መንግስቲ ኤርትራ ዝመስል ክነሱ ነቲ ካበይ ኣበይ ናበይ ብዝብል ሰለስተ ሕቶታት ዝሓዘ ኣርእስቲ ሓው ሃብተ ገብረ ( ችፖላ) ብዕለት 18 ግንቦት 2017 ዝሃቦ ምስ ናትና መደብ ሕቅን ብጋህድን ኣብ ስደት ዝመሳሰል ርእይቶን ሃገራዊ ኣትሓሳስባን ዝሓቖፈ ኣዝዩ ጠቓምን ብስለትን ውሕልነትን ብዘለዎ ኣገባብ ኣቀራርባ ንዘበርከተልና ጽሑፍ ዘሎና ናእዳን ኣድናቖትን ንምርግጋጽ ኢዩ ነሩ። (ንምዃኑ እቲ ችፖላ ዝብል ስምሲ እቶም ናይ ጥንታዊት ሰኒታና ችፖላዶ ይኾኑ?)
መብጽዓን መደረን ክቡር ፕረሲደንትና ካብ ሎም ዘበን ክሳብ ንዓመታ እዚ እዋን’ዚ ብዝብል ኣርእስቲ መልሲ ክንህበሉ ከሎና ነቲ ካበይ ኣበይ ናበይ ዝብል ኣርእስቲ መልሲ ኰይኑ ህዝቢ ክመሃረሎምን ክመራመረሎምን ተስፋ ኣሎና። ኣብ ኣገላልጻ ሓውና ብወገንና ጌጋ ኰይና ዝተራእየትና ከይጠቐስናያ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ግን ንፕረሲደንት ኢሳያስ ክምስል ከሎ ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊኽ የለን ብምባል ጠቒሱዎ ኣሎ። ብርእይቶና ፕረሲደንት ኢሳያስ ስልጣን ይሃልዎ እምበር ሓደ ስለዝዀነ ከም ህዝቡ ሓደ ድምጺ ጥራሕዩ ክህልዎ ዝኽእል። እቲ ከም ጳጳስ ክጥቀስ ዝግብኦ ዝለዓለ ውሳነን ሓላፍነትን ስልጣንን ክህልዎ ዝግባእ ግን ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ኣበሃህላ ካብ እግሪ መልሓስ ይዕንቅፍ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ምኽንያቱ ብርእይቶናስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ጵጵስናስ ይትረፎ ንምዓርግ ዲቍና’ውን ኣይበቕዔን። ካልእ ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤሪትራውያን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንካሰስን ንምካሕን ንቅድሚትን መጻእን ብምምዕዳው ንጉዳይና ጉዳይ ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ቀሲናን ረጊእናን ብጋህዲ ሓሳባትና እንገልጸሉን ኢሂን ሚሂን እንበሃሃለሉን መድረኽ ብዓንተቦ ነጣጥሕ“ ውን ኢለ ኔረ። ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ፡5 ወርሒ ድሕሪ ዓንቀጸይ፡ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤሪትራ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 2017 ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፡ ናይ 25 ዓመታት መድረኽ ዓጺና ናብ ሓዱሽ መድረኽ ንኣቱ ኣሎና ዝብል መሰረታዊ ገምጋም ዘበገሶ፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና ከሐይልን ከትርርን፡ ሰፊሕ ሱታፌ ናይ ህዝቢ ሃልይዎ ድማ ንመጻኢ ጎደናና ከመዓራሪ ትጽቢት ዝተነብረሉን፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ኪኒኡ ዝኸይድ ካበይ:ኣበይ:ናበይ: ዘርእስቱ ዓውደ ዘተ ተዳልዩ ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ድማ ክኣልዮን ከውሃህዶን ዝሓሸ ኣማራጺ ኾይኑ ከምዝተረኽበ ሓቢሩ ይብል ሓውና ሃብተ ገብረ።
ብጣዕሚ ዝገርም ኢዩ። ንምዃኑ እቲ ህግደፍ ዝበሃል ከመይ ኣሎ? ናይ ህግደፍ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንከ መንዩ? እቲ ብሕጊ ቆይሙ ዝበሃል ህግደፍከ ኣበይ ሃገር ይነብር? ላዕለዎት ኣባላቱኸ ኣበይ ኣለዉ? ህግደፍ ካብ ዝፍጠር ኣኼባታት ህዝቢ ኣካይዱን ውሳኔታት ህዝቢ ሰሚዑን ኣብ ሃገር ዝሰርሖን ዝለወጦን እሞ ኣብ ናብራ ህዝቢ ዘርኣዮ ለውጢኸ ኣሎ ድዩ? እሞ ሎሚ ህግደፍ ካብ መቓብር ተንሲኡ ኣብ ሃገር ክሰርሕ እሞ ለውጢ ከምጽኣሉ ዝጽበ ኤርትራዊኸ ኣሎ ድዩ? ካብ ህዝቢ ዝተሓብኤ ምስጢር ስለዘየልቦ ሎሚ ዝደናገርን ዝኣምንን ህዝቢ ዘሎ ኣይመስለናን። ኣብ ዓለም ከም ንርእዮን ንዕዘቦን ዝዀነ መንግስቲ ናይ ኵሎም ዜጋታት እታ ሃገር እምበር ከምዚ ናይ መንግስትና ናይቶም ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝዛረቡ ገዲፍካ ናይቶም ብቝጽሪ ዝወሓዱ ደገፍቱን ፈተውቱን ዜጋታት ጥራሕ ክኸውን ዝመርጽ መንግስቲ የልቦን። እሞ መንግስቲ ኤርትራስ ነቶም ዘይፈትዉዎን ዘይሰማምዑዎን ተቓወምቱ ከም ዜጋታቱ ኣሚኑሎም ጸዊዑን ኣኪቡን ምስቶም ካልኦት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ዓውደ ዘተ ብምሕዋስ ብዛዕባ ጕዳይ ሃገር ከዘራርቦምን ክመያየጦምን ንዝብሃል ትጽቢት ብወገንና ካብ ባህርያት ናይቲ መንግስቲ ዘይምፍላጥ’ዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎና። ብመሰረቱኸ እቶም ዝኣምኑዎ ኣባላቱ (ህግዲፍ) ዝበሃሉ እንተዀይኖም እውን ካብ ንዝተዋህቦም መምርሒ ምቕባልን ዝተኣዘዙዎ ግብሪ ምኽፋልን ሓሊፎም ብዛዕባ ሃገር ኮነ ህዝቢ ክዛረቡሉን ክመያየጡሉን እሞ ርእይትኦም ብምቕራብ ኣብ ግብሪ ክውዕለሉ ዝኽእል ኣየናይ ብሕጊ ዝፍለጥ መሰል ኣለዎምዩ? ስለዚ ዝተባህለ እንተተባህለ ቃለመጠይቕ ኮነ መደረ ፕረሲደንትና ካብ ሎሚ ዓመት ክሳብ ንዝመጽእ ዓመት መጽንሕን መደቀስን ዝውሃብ ከኒና ጥራሕ ኢዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎና።
በዚ ኣጋጣሚ ሓው ሃብተ ገብረ ቅድሚ ሎሚ እውን ብዕለት 21/9/2016 ርእይቶይ ፈይ ከብል ተደፋፊኤ ብዝብል ኣዝዩ ጠቓምን መሃርን ዓንቀጽ ኣስፊሩ ተመያይጡና ምንባሩ ይዝከረና። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሎሚ ሓው ሃብተ ገብረ ነተን ካብ ቃለምሕትት ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝወሰደን እሞ ካብ 2017 ጀሚሩ ኵኒኡ ዝኸይድ ካበይ:ኣበይ:ናበይ:ዘርእስቱ ዓውደ ዘተ ተዳልዩ ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ድማ ክኣልዮን ከውሃህዶን ዝሓሸ ኣማራጺ ኾይኑ ከምዝተረኽበ ምሕባሩ ብምጥቃስ ኣብ 2017 ገለ ናይ ለውጢ ዓውደ ዘተ ክንጽበ ኣዘኻኺሩና ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲምና ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሰብ ብዘይ ተስፋን ትጽቢትን ሂወት ኣለዎ ክበሃል ስለዘይከኣል ተስፋን ትጽቢትን ምግባር ኣዝዩ ጠቓሚ ኢዩ። ተስፋ ክበሃል ከሎ ግን መንገዲ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ግና ኩሉ ጊዜ ብኽቡር ፕረሲደንትና ኣብ ዓመት ዓመት ንሓደ ዓመት መጽንሒን መደዓዓስን መደቀስን ይወሃበና ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ኢና ነዚ ናይ ሎሚ ካብ ሎም ዘበን ክሳብ ንዓመታ እዚ እዋንዚ ዝብል ኣርእስቲ ዝመረጽና። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንዝክርን ክንመራመርን ከሎና ከኣ ሃገርና ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ክሳብ ክንደይ ማዕቢላን ናብራ ህዝባ ኮነ ድኽነት ዜጋታታ ኣዕብያን ብሓፈሻ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘላ ንኻልኦት እንተ ሓተትና ዝይከውን ሓበሬታ ሂቦም ከየጋግዩና እቲ ፕረሲደንትና ኣብ ዓመት ዓመት ብገለ ኣጋጣሚ ብቃለመጥይቕ ኣቢሉ ዘምልቖ ሓንቲ ኣይገበርናን ሓንቲ ኣይሰራሕናን ክብል ዝህቦ ሓቀኛ መግለጺ ምዝካር ጥራሕ እኹል ጭብጢ ኢዩ ብማለት ከነዘኻኽር ንግደድ። እቲ ዝገርም ግን ፕረሲደንት ባዕሉ ሓንቲ ኣይሰራሕናን ኣይተዓወትናን እናበለ እሞ ሃገር ትሕቲ መሬት ኣትያ ጸኒታ ነቒጻ ተጸንቂቓ ብቐጣን ፈትሊ ተታሒዛ ከይትብተኽ እናተሳሕገት ሃገር ማዕቢላ ንቕድሚት ተወንጪፋ ዝብሉ ሰባት ክትሰምዕ ከሎኻ ኢዩ። ንምዃኑኸ እዚ ኣበሃህላ እዚ ክፍኣት ድዩ ዕሽነት? ጥልመት ህዝቢ ድዩ ንዕቀት? ንኣንበብቲ ንገድፎ። ካብኡ ዝኸፍኤ ከኣ ዋላ ነቲ ፕረሲደንት ሃገር ባዕሉ ዝኣመነሉን ዘረጋገጾን መንግስቲ ጽቡቕ ኣይሰርሔን፡ ሃገር ተሃስያ፡ ህዝቢ ተጐዲኡ፡ ሰብ ብዘይ ሕጊ ብዘይ ፍርዲ ትኣሲሩ፡ ቅዋም ይሃልወና፡ ሕጊ ይሃልወና፡ መሰል ዜጋታት ይረጋገጽ፡ መንእሰያትና ይህሰዩ ኣለዉ’ሞ ይትሓሰበሎም፡ ፍትሒ ጐደለ ህዝቢ ተበደለ፡ ኢልካ ምዝራብ ብገለ ወገናት ገበንን ሓጥያትን ምዃኑ ኣሚኖም ንሃገራውያን ክኸሱን ክወቕሱን ክትሰምዕን ክትርእን ከሎኻ ኢዩ።
ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይኑ ግን ኤርትራ ብዘይካ ፕረሲደንት ኢሳያስ ካልኦት ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓልዩን ዝሰርሑን ኣይወለደትን ድያ? እሞ ኣበይ ድኣ ኣለዉ? ካብዚ ሎሚ እዋን ሓሊፎምከ ንህዝቢ ኤርትራ ንምዓስዮም ክረድኡዎን ንብዓቱ ክደርዙሉን? ከምቲ ‘’ወዲ ሓውስ ሓሙኽሽቲ’’ ዝበሃል እቲ ለባም ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ነዞም ሎሚ ዘሎና ሕምስማስ ሕብረተሰብ ክወልድሲ ብርእይቶና ወለድናስ መኺኖም እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይመስለናን። ሎሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ሰለስተ ራብዓይ ናይ ወጻኢ ናይ መኸተ ዞባታት ከፋፊሉ ናይ ምምሕዳራትን ኣነባብራ ህዝብን ተመክሮን ብቕዓተ ትምህርቲ ብዘይብሎም ገዳይም እሙናት ወትሃደራቱ ገሩ ከምሓድሮ መደብ ምውጻእ ከኣ ንልምዓትን ዕቤትን ሃገር ሓልዮት ዘይኮነ፡ ህዝቢ ንምቍጽጻርን ብእምነትና ንመቐነዪ ስልጣንካ ናይ ምሕላው ዝወጸ ናይ ህዝብኻ ዘይምእማን ስልቲ ኢዩ። ብኸምዚ ዓይነት ምሕደራ ሃገር ክትምዕብልን ክትመሓየሽን ዝጽበ እንተልዩ ከኣ እንዳፈለጠ ዝዓበደ ሰብ ጥራሕ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ካብ ብዓይኖም ዝርእዩዎ ዕንወት ብእዝኖም ዝሰምዑዎ መብጽዓ ዝያዳ ዝኣምኑ ሰባት ክትርኢ ከሎኻ ኢዩ።
ከምቲ ደጋጊምና ንዛረቦ ይንዋሕ ይሕጸር እቲ ፍታሕ ተረኺቡ ተሳኢኑ ካብ ውሽጥን ካብ ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን በብወገኑ ዝሓልዩ፡ ዝዛረቡ፡ ዝእከቡ፡ ዝፍንጥሑ ዝቃለሱ፡ ዝዕሰቡ ዝሕንኩሉ፡ ዝሕንክሩ፡ ዝጽይቑ፡ ምእንቲ ህዝቢ ብቕንዕና ዝቃለሱ፡ ብዙሓት ደቂ ሃገር ኣለዉ። እሞ እቶም ድሮ ዘላገሱን ደም ኮነ ርስሓት ዝተጸየቑን ኣብ ጸላኢ ዝተዓሰቡንሲ ነጽንሓዮም። እቶም ካልኦት ፖለቲከኛታትከ ኣብ ክንዲ ንመንግስቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ክኸሱን ክወቕሱን ጥራሕ ዝውዕሉ ብፍላይ እቶም ዓቕሚ ክህልዎም ይኽእልዩ ኢልካ ትጽበዮም ምሁራት እንታይ ይጽበዩ ኣለዉ? ኣንቱም ሰባት ንጠፍእን ንጸንትን ኣሎና ወረ ናይ ሎምስ ድሓን ጽባሕከ ብድሕሪኡ እንታይ ክንከውን ኢና? ብማለት ንኹሉ ውልቃዊ ጽልኦምን ፖለቲካዊ ውድድሮምን ምቅሕሓሮምን ገዲፎም ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢሎም ንሎሚ ኮነ ንዝመጽእ ብጕዳይ ሃገር ንኽመያየጡ ዘይመኽኣሊኦም ምኽንያት እንታይ ይኸውን? ብርእይቶና ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብቕንዕናን ብሓልዮት ህዝብን ንምልዋጥ ተበጊሱ ስዓቢ ዝሰኣነ መራሒ ኣይርኣናን። ብድሌትን ፍቓድን ህዝቢ ክትመርሕ ቅንዕና ከተርእን ህዝቢ ከተእምንን ኣሎካ። ንናይ ጽባሕ ስልጣነይ ንዑ ምሳይ ተቓለሱ ወይ ወግኑ ኢልካ ከተስምዕ ምፍታን ግን ክሳራን መጥፍኢኻን ጥራሕ ኢዩ። ሎሚ ዘይተሰማማዕናን ዘይተላዘብናን ጽባሕ ኣብ ስልጣንን ኣብ ውድድርን ምስ ተኣትወ ብሰላምን ብቕሳነትን ሓድነታ ሓልያ ትቕጽል ሃገር ክንሰርሕ ግን ክከኣል ድዩ? እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ከቢድን ኣሰካፍን ኢዩ። እዚ ክንብል ከሎና ግን ነቶም ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝእሰሩን ዝቕንጸሉን ዝጠፍኡን ዘለዉ ከምኡ’ውን ኣብ ደገ ጊዜኦምን ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ዘወፍዩ ዘለዉ ዘይሕለሉ ተቓለስቲ ረሲዕና ከም ዘይኮንና ክንሕብር ሕልናና ዘይጐስዮ ኢዩ። ንምጥቕላል ዝኣክል ሎሚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ተሰማሚዑን ተሳንዩን ዝቕጽል ሕብረተሰብ ኤርትራ ከይህሉን ንመጻኢ ተቓሊሳ ዝተዓወተት እሞ ፍረ ቃልሳን መስዋእታን ትዓጽድ ሓድነታ ዘረጋገጸት ምዕብልቲ ኤርትራ ንኸይትህሉ ከም ዝወሰነ ጭብጥታት ዘቕርቡ ገባር ኮነ ተጋደልቲ ሒደት ኣይኮኑን። እቲ ክሳብ ሎሚ ክፍለጥ ዘይተኻእለ ዘሎ ግን ከምኡ ብምግባሩስ እንታዩ ክረክብ ዝብል ሕቶ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዝሰማምዑሉ ግን ፕረሲደንት ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመሓድረሉ ዘሎ ኣገባብ በቲ ካብ መጻሕፍቲ ስለያ ምዕራብን ምብራቕን ዘንበቦን ዘጽንዖን ምስ ሕዝብና ዘይቃዶን ዘይከይድን ኣገባብ ስለዝዀነዩ ብሃልቲ ኢዮም። ገለ እውን ህዝቢ እንተጣቕዓሉን እንተሳዕስዓሉን ብልቡ ትሓጕሱሉ ዘሎ ስለዝመስሎ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ። ከምኡ’ውን ሓደ ሓደ ጊዜ ብዝገብሮን ዘርእዮን ተግባራት ምስ ናይ ጥዕናኡ ጕድለት ዘተኣሳስሩዎ ኣለዉ።
እዚ ኰይኑ እቲ ግን ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን በኺኻ ጥራሕ ዘይኮነ ኣዘንቲኻን ጽሒፍካን ዘይውዳእ ሕማቕ ተረኽቦ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ መደምደምታ ከኣ ገለ ገለ ሰባት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ባህሉን መነባብሮኡን ቀይሩ ካልእ ናይ ዓሌትን ወገንን ስርቅን ዓመጽን በለጽን ምጥፍፋእን ባህሊ ስለዘማዕበለ ብፍትሔኛ ብዓል ጠበንጃ ዝዀነ ዲክታቶር እንተዘይኰይኑ ዋላ ብድሕሪ ስርዓት ኢሳያስ እውን ብፍትሕን ብዲሞክራስን ክንመሓደር ክጸግመና ኢዩ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እሞ እቲ ህዝቢ እንድሕሪ ሕጊ ዘየኽብርን ኣብ ዓመጽን በለጽን ዘይሕጋዊ ኣነባብራን ዝተዋፈረ ኮይኑ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ህዝቢ ክቐጽዖን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ከም ዝኽተል ክገብሮንሲ ኣይተጋገየን ንዝብል ርእይቶ ከኣ ንባዕሉ ሕጊ ዘይብሉ መንግስቲ ብኸመይ ንህዝቢ ሕጊ ክምህር ብማለት ነዚ ዘሎ ስርዓት ብዲክታቶርነት ጥራሕ ዘይኮነ ብግስርጥና ምምሕዳሩን ብዘይፍትሓውነቱን ብጸይቅን ብልሽውናን ጉቦን ኢዮም ዝኸሱዎ።
ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ራህዋን ሓጎስን ከምጽእ ዝኽእል ምህዞ ዝፈጥር ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ንግሆ ንግሆ ንህዝቢ ዘጕህዩን ዝሳቕዩን ውሳኔታትን ኣዋጃትን ክፍሕስ ከም ዝሓድር ይሓምዩዎ። ስለምንታይ ንዝበሃል ግን ነዚ’ውን መልሲ ኣይተረኽቦን። እሞ ብድሕሪኡ’ውን ንገበነኛታት ብበትሪ እናገረፈ ዘመሓድር ፍትሔኛ ዲክታቶርዩ ዘድልየና ካብ ተባህለ ብበትሪ ዘመሓድር ብዓል ጠበንጃ ዲክታቶርሲ’ኳ ንስእን ኣይመስለናን። እቲ ጸገም ፍትሔኛ ዝበሃል ብዓል ጠበንጃ ግን ይርከብዶ ይኸውን? ንምዃኑኸ ብዓል ጠበንጃን ፍትሕን ከመይሎም ይሰማምዑ? ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ
ሰላም ቅነ