• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ

March 19, 2016 By Africa Horn Now

ኣብራሃም ብርሃነ | 11 March 2016 | Asmarino.com

ደቂ ኣንስትዮ ግቡእ ቆላሕታ ተተዋሂብወን ታሪኽ ክሰርሓ ከምዝኽእላ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዘመን ሕርሕራይ ገቢረን ኣርእየናን እየን።ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኸኣ፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ደርማስ ኣበርኽቶ ከምዝነበረ ማህደራት ታሪኽ ይሕብሩ እዮም።ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ን’ኣድማ ገረሞ ዘብል ምንባሩ ተማራመርቲ፡ጸሓፍትን ኣብቲ ቓልሲ ዝነበሩ ዝህብዎ ምስኽርነት እኩል መርትዖ እዩ።

FeruzGebremeskel
ፌሩዝ ገብረመስቀል (Feruz Gebremeskel)

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ቦታ ይ’ኣትዋ፣ ዝተውሃበን ዕማም ብዘይ ነግፈረግ ብዕቱብን ብልዑል ወንን ከምዝፍጽማ ብቐሊሉ ክንዕዘቦ እንኽል ፍጻሜ እዩ።ደቂ-ኣንስትዮ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ሕይወተ ከምዝከፈላ ዝስሕቶ ከቶ የልቦን።ምናልባት ደቂ ኣንስትዮ ኣይ’ኣተው’ኦን ክበሃል ዝኽእል ነገር ተሃሊዩ ዓውዲ ፍልስፍና እዩ።እዚ ማለት ኣይተምሃረ’ኦን ወይ ኣየስተምህራሉን ማለት ኣይኮነን።

እንታይ ደኣ ኣብ ሓደ እዋን ብርኽት ዝበልና መንእሰያት ምስ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ዕላል፡ደቒ-ኣንስትዮ ኣይ’ኣትው’ኦን ትብሎ ዓውዲ ወይ ኸኣ ኣዚየን ዘየድምዓሉ ጽላት ይህልወካ’ዶ ቢልና ምስ ሓተትናዮ፡ “ኣብ ፍልስፍና ዓለም ሱታፌ ደቂ ኣንስትዮ ኣይረ’ኣኩን፣ኣየንበኩን ኣለኩ።” ክብል ምስ ተዛረበና ሰጋእ መጋእ ከምዝበልና ናይ ዓመታት ተዘኽሮይ ይቕጀለኒ ኣሎ።

እስከ እዚ ነቢብኩም እንታይ ትብሉና እንዲዒ!? ገለ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብዙሕ ሞያታት ኣትየን ዘድምዓን ታሪኽ ዝሰርሓን ኣለዋ እየን።

ኣብነት፡ድምጻዊት ኣብረሀት ብርሃነ፡ ኣበባ ሃይለ፡ፍረወይኒ፡ሳባ ኣለም፡ኣስቴር ዮሓንስ፡ኣስቴር ፍሰሓጽዮን፡ካል’ኦትን ክጥቐሳ ዝኽእላ ብዙሓት ኣለዋ እየን። ኮታ ኩለን በጃ ሕዝቢ ዝተሰወ’ኣን ኣካለን ዝኸፈላን ሓዊስካ ልዑል እጃመን ሰሪሐን ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ንዘንተ-እለት ክነብር እዩ።

እዚ ኩሉ ኮለል ናብ መንእሰይ፡ፌሩዝ ገብረመስቀል’ዩ ንሎሚ ከም ኣብነት ክጽሕፍ ዝደረኸኒ፣ ምስ 8 መጋቢት ኣተሓሒዘ ገለ ዝብሎ ስለዘለኒ እዩ።ኣጋጣሚ ኸኣ፡ንኣማኑኤል ሳህለ መልዓልየይ ጉዳይ ኣለኒ እዩ።ሓደው እዛ ሃብሮም መንእሰይ ንጽሑፋቱ ከምትፈትዎን ኣዚያ ከም ትከታተሎ ምንባራን ካብ ምቐርባ ክፈልጥ ክ’ኢለ እየ።ብተወሳኺ’ውን፡መንእሰይ ፌሩዝ ኣብ ብርኽት ዝበሉ ሞያታትን ዓውድታት ትነጥፍ ኣብነታዊት ጓል-ኣንስተይቲ ምስ ምዃና ይተሓሓዝ ይከውን እዩ ዝብል እምነት ብምሕዳር እዩ።

ኣብ 2010 ምስ ኣማኑኤል ሓቢርና ኮፍ ኢልና ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ፡ደርፊ ናይዛ ኣብነታዊት መንእሰይ ሰሚዔ ሓሳባይ ኣብ ማእከል ወግዒ ይስረቕ እሞ ኣማኑኤል ኸኣ፡ነታ ደርፊ ገለ ክፋላ ምስ ሰምዓ፡ “ሓቅካ እንዲካ ሓሳብካ ደኣ ክትስረቕ።” ኢሉ ከምዘስሓቀና ይዝኸረኒ እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ገለ ኣፋፍኖትን ፍናን ተረኺበን እዚየን ዕውታት ከምዝኮና ብዙሕ ኣብነታት ኣለና እዩ።ኣብ ሓይሊ ኣየር ከም እኒ ራሕዋ ግብረክርስቶስ፣ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ከም እኒ ራሄል ወልደ’ኣብ፡ኣበባ፡ኣርያም ወልደ’ኣብን ካል’ኦትን፣ ኣብ ሞያ ምሕንድስና ከም እኒ ሚለን የማነ ዝክረብ’ኦ፣ ኣብ ምውሳእ ከም እኒ መረብ እስቲፋኖስ፡ሶሊያና ገብረሃንስ፡ሲዶና ረድ’ኢ፡ሓረገወይኒ ሃይለ ወዘተ፣ኣብ ጽላት ድማጻውነት ከም እኒ ሔለን መለስ፡ኣብርሀት ኣንከረ፡ጻሃይቱ በራኺ፡ተበርህ ተስፋሁነኝ፡ኣምለሰት ኣባይ፡ተግባሩ ተኽላይ፡ቢሻት ገብረስላሴ፡ኣበባ ኣጽብሃ፡ኣበባ ሃይለ፡ፌቨን ጸጋይ፡ብስራት ኣረጋይ ወዘተ፣ኣብ ብረታዊ ቃልሲ እልቢ ዘይብለን ጀጋኑ ፈርየን እየን።ኣብ ግዜ ናጽነት’ውን ኣብ ጎኒ ደለይቲ ለውጥን ኣብ ቀጽሪ እቲ መንግስቲ ኮይነን ንሪመን ተረማሪመን፣ንወዲ ኣዳም ኣገሪመን እየን።

ኣብ ካልእ ዓውድታት ተኮነ ብተመሳሳሊ መንገዲ ቁጽሪ ዘይብለን ሃባርም ክርከባ ከምዝተል’ኣለ ፍሉጥ ነገር እዩ።ኣብነታውያን ኣብ ኩሉ ጽላታት ከወጻ ክ’ኢለን እየን፣እዚ ከማን ምስ እዚ ኩሉ መስገደላትን ማሐነቖታት እዩ ክሕፈስ ክ’ኢሉ።

ኣብ መዳይ ሕግን ካል’ኦት ተዛመድቲ ሞያታት ተኮነ ብርኽት ዝበላ ዕዙዝ ተራ ዝገብራ ኣለዋ እየን።ሓንቲ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሕጊ ብደረጃ ድግሪ ዝተመረቓ፡ኣብ ደርፊ ብወኒ ትደርፍ፡ኣብ ምውዝዋዝ ተወዛዊዛ ተወዛውዝ፣እንተላይ ኣብ እስፖርታዊ ንጥፈታት ንጥፍቲ ዝኮነት መንእሰይ

ሰሃሮ ገልገል መስቀል፡ፌሩዝ ገብረመስቀል ንሎሚ ብኸፊሉ ከላልየኩም ክፍትን እየ።

ፌሩዝ ገብረመስቀል፡ኣብ 1982 ኣብ ዓራርብ ኣውራጃ ሳሕል ተወሊዳ።ገለ ኣድነቅታ ፌሩዝ ኣብ ዝተወለድትሉ እዋን ህቡብ ደራሲ በ’ኣሉ ግርማ ናብ ሳሕል መጺሉ ዝነበረ ግዜ እዩ ዝብሉ ኣለዉ እዮም።ፌሩዝ፡ቀዳማይን ካል’ኣይን ክፍሊ ኣብ ሳሕል ምስ ተማህረት ናጽነት ኤርትራ ስለዝተረኽበ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ከምዝመጸት ዝዛረቡ ኣለዉ።

ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ናጽነት ’ቃኘው’፡ቤት ትምህርቲ ሓርበኛታት ‘ኣርበኞች’ ኮነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካል’ኣይ ደረጃ ኣብ ሰማእታት ‘ሳንታ ኣና’ ከምዝተምሃረት መሓዙታ የዕልላ እየን።

ኣብ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካል’ኣይ ብርኺ ትምህርታ ስለዝዛዘመት፡ ኣብ 2000 ናብ ቤት ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ክትጽንበር ምኽ’ኣላ፣ ኮነ ኣብ ዓውዲ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ከምዝተምሃረት መማህርታ ይገልጹ።ፌሩዝ ሓንቲ መሓዝ’ኣን መማህርታን ዝነበረት ኣብ ሰማእታት ከላ ዓውዲ ትምህርቲ ስነ ሕይወት ኣመና ትፈቱ ምንባራ፡ እንተኮነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወት ግና ናብ ሕጊ ከምዝዘንበለት ትዝክሮ እያ።

ፈሩዝ፡ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ኣተወት፡ንሕጊ ዝትንክፉ መጽሓፍቲ ኣዘውቲራ ትነበብ ነይራ።ካብ’ኡ ናብ’ኡ ኸኣ ናይ ገበን መጽሓፍቲ እምብዛ ይማርካን ይስሕባን ነይሩ።በዚ እያ’ውን ነቲ ዓውዲ ክትመርጾ ዝተቐሰበት ትብል ሓንቲ ካልእ መሓዝ’ኣን መማህርታን ነበር።

ፌሩዝ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዚያ ትምህርት እንቀጸለትን እናፈለጠትን ኣብ ዝከደትሉ እዋን፡ዓውዲ ስነ ሕጊ ሚሒር ክስሕባ ከምዝከ’ኣለ ኣብ ዕላላ ተዘውትሮ እያ ዝብሉ ኣለዉ።

“ትምህርቲ ሕጊ ብቐንዱ ሓላፍነታዊ ሰብ’ዩ ዝገበርካ።ኣብ ዝኮነ ዛዕባታት ኸኣ፡ኣጸቢቕካ ክተመዛዝን፡ህውክ ስጉምቲ ዘይትወስድ ሰብ እዩ ዝገበራካ።” ትብል መንእሰይ ፈሩዝ።

ፈሩዝ፡ ኣብ ቀዳማይ ቤት ፍርዲ ዞባ ማእከል ከም ተሓጋጋዚት ዳኛ ኮይና ሰሪሓ እያ።ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ኣኽባሪ ሕጊ፡ከም ኣኽባሪት ሕጊ ኮይና’ውን ሰሪሓ እያ።

ኣብዚ ሞያን ስራሕን ኣብ ትሰርሓሉ ዝነበረት፡ “ብሓፈሻ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ገበን ደሓን እዮም ክንብል ንኽእል።ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ተራ ሕብረተሰብ ዓቢ ምዃኑ ድማ ዘይኽሓድ እዩ።እንተኮነ፡ብእ’ኦም ዝፍጸም ገበን የለን ማለት ኣይኮነን።ዝበዝሕ ካብ’ቲ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ገበናት’ውን ብመንእሰያት እዩ ዝፍጸም።

ካብ’ቶም ገኒኖም ዝረ’ኣዩ ገበናት ኸኣ ስርቂ፡ምትላል፡ከትሪ ክጥቀሱ ይእኽሉ።እዚ ኸኣ ክፍታሕ ዝኽለሉ መንገዲ፡ መብዛሕት’ኦም እቶም ገበን ዝፈጽሙ መንእሰያት ካብ ሽግር እዮም ዝብገሱ።

ሽግሮም ቑጠባዊ ጸገም ክከውን፡ወይ’ውን ብእተፈላለየ ዉልቃዊ ጉዳያቶም ዝሰዓበ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክኸውን ይኽእል።እንተኾነ፡ እዚ ሽግር እዚ በቲ ግቡእ መገዲ፡ብምስራሕ ዲዩ ብካልእ ሓገዛት እዩ ክፍታሕ ዝግባእ።እምበር ጸገምካ ንምፍታሕ፡ ኣብ ገበን እንተ’ኣቲኻ፡ካብ ሓደ ሽግር ናብ ካልእ ዝዓበየ ሽግር ኢኻ ት’ኣቱ ዘለኻ ማለት እዩ።

ካልእ፡ናይ ባህሪ ለውጢ ክህሉ ኣሎዎ።መብዛሕት’ኦም እቶም ገበ ዝፍጽሙ ሓደስቲ ኣይኾኑን።ብተደጋጋሚ  ገበን ፈጺሞም ተ’ኣሲሮም ዝነበሩ እዮም።ስለዚ፡ኣብ ክንዲ ማእሰርቶም ወዲ’ኦም ጥራይ ከም ዝወጹ ዝግበር፡ኣብ ዉሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዳግም ዝሕደስሉን ዝመሃርሉን፡ብሓፈሻ ድማ ተለዊጦም ኣፍረይቲ ኮይኖም ዝወጽሉ ኣገባብ ክፍጠር ኣሎዎ።

እዚ ብዉሑድ መጠን ይግበር ይኸውን።ግና እቲ ቐንዲ ዕማም ናይ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንሱ ኾይኑ፡ዝያዳ ክድፋ’ኣሉ ይግባእ።”

ዝብል መርገጽን ሓሳባትን ፌሩዝ ትህብ ምንባራ መቕርባ ይዝኽሩ እዮም።

ፈሩዝ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትነብር ከምዘላ ይፍለጥ።ናይ ላዕለዋይ ክፋል ትምህርታ ንምቕጻል ዕድል ረኪባ ኣብ ኣመሪካ ከምዝመጸት፣ፊልምታት ብምር’ኣይ፡ናይ ሕግን ስነ ልቦናን መጽሓፍትን ብምንባብ ኮነ ደርፍታት ብምስማዕን ብምድራፍን ከምትዘናጋዕ ደጋጊማ ትዛረብ እያ።

እዛ ሃብሮም መንእሰይ ከምቲ ኣብዝሓ ስነ ጥበባውያን መንከሽከሽ፡ሓጽነ-መጺን፡ ኮነ ፋርኔሎን ወዘተን ሒዞም ፍቕሪ ምድራፍ ከምዝጅምርዎ፣ንሳ’ውን ማንካ ከም መጉልሒ-ድምጺ ብምሕሳብ፡ ኣብ ግዜ ቁልዕነታ ትፈታትን ምንባራ ኮነ፡ ኣብ 1998 ኣብ ጽንብል በዓል 24 ግንቦት፡ከም ተምሃሪት ካል’ኣይ ብርኺ ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ምር’ኢት ኤሮቢክስ ከተርእይ ዕድል ረኺባ ነይራ።በዚ ኸኣ፡

እቲ ምር’ኢት ምስ ተዛዘመ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ነይሩ ናብ ማይ ሓባር ምስ ከዱ፡ሓንቲ ጉጅለ ሙዚቃ ምር’ኢት ኣብ ተቕርበሉ እዋን፡ደርፊ ኣዚያ ከምትፈቱ ዝፈልጣ ዝነበራ መቕርባ ንክድትደርፍ ምስ ተዃተኹ’ኣ፡ንሳ’ውን ሚሒር ባህግን ድሌትን ስለዚነብራ ብዙሕ ከየትሰከፍት፡ነቲ ዕድል ብምጥቃም ናይ ምድራፍ በሪ ተራሕዩላ እዩ።

ሽዑ፡ ኣብቲ መድረኽ ብዘር’ኣየቶ ናይ ምድራፍ ክእለት ዝተመሰጡ ፍናን ከምዝሃብዋ፡እዚ ዝረከበቶ መተባብዒ፡ፍናን ኮይኑዋ፡ ክትደርፍ ከም ትኽእል ንርእሳ ከተእምን ግዜ ኣይወሰደላን።

እዛ ሃብሮም መንእሰይ፡ ብድሕሪኡ ተምሃሪት ዩኒቨርስቲ ከላ፡ ኣብ 2004 ኣብ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝርከብ ኣደራሽ ናይ እንግሊሽ ደርፍታት ደጊማ ክትደርፍ ጀሚራ፣ብዙሓት ኸኣ ተስፋ ከምዘለዋ ብቕልጡፍ ክግንዘቡ ግዜ ኣይወሰደሎምን።ብርኽት ዝበሉ ስነ ጥበባውያን ኣድናቅትን ነዚ ምስኽርነቶም ሂቦሙሉ እዮም።

ኣብ 2006 ከኣ ምስ ኮኮብ ኮዋኽብቲ ስነ ጥበባዊ ኣብራሃም ኣፈወርቒ  ኣብ ዕዮ ጥበብ ተላፊና፡ ኣብታ ሰማይ ትብል ኣልበሙ ከም ሓጋዚት ድምጻዊት ወይ ከኣ ዓጃቢት ኮይና ኣብ 4 ደርፍታቱ እቲ ሓዋዝ ድምጻ ሓዊሳትሉ እያ።

ድምጻዊትን በዓልቲ ሞያ ሕግን ቋንቋ ጥልያንን ፈረንሳን ተማሂራ ምንባራ ማዕረ ኽንደይ ዕትብትን ኣብ ኩሉ ግዜኣ ኣመራቒሓ ትጓዓዝ ኣብነታዊት ጓል-ኣንስተይቲ ምዃና ኣድነቕታ ይገልጹ እዮም።

እዛ መንእሰይ ናይ ትምህርቲ ጽም’ኢ ኩቱር ስለዘለዋ፡ኣብ ዩኒቨሲቲ ቑዱስ ቶማስ ላዕለዋይ ትምሕርቲ ሕጊ ተማሂራ እያ።

ኣብ 2006 ብደረጃ ድግሪ ኣብ ዓውዲ ሕጊ ኣብ ዝተመረቐትሉ ዓመት፡ ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምዕጻዉ ፍሉይ ተዘኽሮ ከምዝገብሮ፡ሓደ ብሕጊ ዶክትሬት ዘጽንዕ ዘሎ፡ቕድሚ’ኣ ተመሃራይ ሕጊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣሥመራ ነበር ብዕምቖት ኣስተንቲኑ ይዛረብ እዩ።

ኣብ ታርኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዙሓት ብሉጻት ተምሃሮ ዘፍረየ ምስ ምዃኑ፣ክዕጸው ኢሉ ዝሓስብን ዝሓልምን ከቶ ስለዘይነበረ ዳርጋ ኩሉ ተመሃራይ ነበር፡ካብ ልቡ ሓዚኑ እዩ።ፌሩዝ’ውን ከም ሰባ ሕዝምቲ ምንባራ ቐረባኣ ዝኮኑ ይዕሉኡ እዮም።

መምህር ስነ ጥበብ ኣብራሃም፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ምስ ተፈለየ ተኮነ፡ በቲ ቦቕባቕ ሓዛኒ ልባ ከም ሓዘነት፡ሽዑ ዝነበረቶ ኩነታታ ዝዝኽሩ፡ ኣብ ስነ ጥበብ ዝተዋፈሩ ሞያውያን ዝዝኽርዎ ሕማቕ ተጓንፎ እዩ።

ኣብ 2007 ወዲ ትዃቦ ንስራሕ ንደገ ከይዱስ ተሪፉ’ዩ፡ ኣብ ዝተብሃለሉ ኮነ ጋዜጠኛን መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ሽወድን ዑቅባ ኣብ ዝሓተትሉ ዓመትን፡ፈሩዝ ንመጀመርታ ምስ ሕዝቢ ዘላለየታ፡ “ወርቂ መሶብ” ብወዲ የማነ እተገጥመት ደርፊ ብዕሊ ተፋሊጣ።

ንምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዘተኮረ ደርፊ ወ ንሓድነት ሶማሊያ ትገልጽ ምስ  ቴድሮስ ‘እሩሩ’ ክትደርፍ ተታሒዛቶ ንሞያ ስነ-ጥበብ።ብድሕሪ’ኡውን ‘ሑሩይ ፈጣሪ’፡ ‘ሃብታም ኢካ’፡’ንብዓት ተሳዒሩ’ን ገለ ካብተን ደፍትታታ ናብ ሕዝቢ ዝቐረባ እየን።

“ኣብቲ ዝደበለ ገጸይ፡
ኣብቲ እኳ ማዳ ዝተከድነ
ኣሎ ጽባቐይ!”

 

ኣብ ትብል ደርፋ ብዙሕ ርእይቶ ዊሕዙላ ኣሎ።ብፍላይ ኣብ ዘለዋ ርእሰ ምትእምማን ኮነ ኣብ መልእኽቲ ትሕዝቶ እታ ደርፊ ዝበዝሑ ዕግበተኦም ኣድናቆቶም ከምዝገለጽሉላ ክትዕዘብ ግዜ ኣይወስደልካን እዩ።እስከ ባዕልኩም ነታ ደርፋ ኣብ ‘You tube’ ክትርእይዋ ትኽእሉ እኩም።እንጋለ መልስኹም ከኣ ተስፍሩላ ከም ባህታ ልብኩም ዝተሰማዓኩም እብል።

ምኽንሻብ ደቀ ኣንስትዮ ካብቶም ክውገዱ ኣለዎም ኢላ ት’ኣምነሎም፡ ካብቶም ብዙሓት ኣሉታዊ ልምድታት ሓደ እዩ።ብሓቂ ኸኣ ክውገድ ዘለዎ ግናይ ግብሪ እዩ።ነዚ ኣድሂባ ዘለዋ ርእይቶን ርድ’ኢትን ካልእል ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዋ ኣመለካኽታን ምኽርን ኣብ ዝቕጽል ሒዘልኹም ክመጽእ እየ።

“ደቂንስትዮ ባይታ ተረኺበን ንሪመን ይረማረማ፣ንኣዳም የገርማ!”

ካል’ኣይን ናይ መወዳእታን ኽፋሉ ኣብ ዝቕጽል…

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in