• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

ውሳነታት መበል 12 ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ

April 2, 2016 By Africa Horn Now

 Wednesday, 30 March 2016 | alenalki.com

መበል 12 ዋዕላ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳ፡ ካብ 24 – 28 ሚያዝያ 2016፡ ”ውሁድ መኸተ ንልምዓትን ውዱን ሽርክነትን!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ሪፓብሊክ ኢጣልያ ተቓኒዑ። ኣብ ዋዕላና ካብ ውሽጢ ኤርትራን 15 ሃገራት፡ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣሜሪካን ካናዳን ዝመጻእና 500 መንእሰያትን ዕዱማትን ተሳቲፍና።

ኣብ ዋዕላና፡ ብጻይ የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ብጻይ ሳልሕ ኣሕመዲን ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ፡ ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ወጻኢ ብጻይ ሚኪኤል ተፈሪ፣ ሓለፍቲ ሚሽናትን ዲፕሎማትን ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤስያ፡ ሰሜን-ኣሜሪካ፡ ወከልቲ ሃገራውያን ውዳቤታት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኢጣልያውያን መሓዙትን ኣብ መንጎና ተረኺቦም።

ዋዕላ፡ ንወዳቢት ኮሚተ (COC)፡ YPFDJ Italy፡ ሚሽናን ሃገራውያውን ውዳቤታትን ልዑል ምስጋና የቕርብ።

መበል 12 ዋዕላ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ዓለምን፡ ኣብ ቀዳምነትታት መኸተን ልምዓትን፡ ሰፊሕ ዘተን ገምጋምን ብምግባር፡

  1. ንገስጋስን ብድሆታትን ጉዕዞ ርብዒ ዘበን ናጽነት ተረዲኡ። ከም ቅያ ሓርነታዊ ቃልሲ ናጽነት፡ ከም ሃገርን ህዝብን ህላወናን ቀጻልነትናን ምውሓስና፡ ቀዳማይ ዓወት ርብዒ ዘበን ናጽነትና ምዃኑ ብምእማን፡ ኩሉ መዳያዊ ፈተነታት ገጢምና፡ ድሉዱል ሰረታት ሃገርን መንጸፍ ቁጠባዊ ልምዓትን ከነንብር ምብቃዕና ንሕበነሉ ተኣምር ህንጸት-ሃገር ዝሓለፈ 25 ዓመታት ምዃኑ ግንዛበ ደሪዑ።
  2. ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት፡ ዚሙገስን ንሕበነሉን ሰረት ሃገርነትን ሃገራዊ ልምዓትን ኣንቢርና ምህልዋና ብምእማን፡ ራኢናን ጥሙሕናን ተጨባጢ ኪኸውን፡ ራህዋ ዜጋታትና ዘረጋግጽ ሃገራዊ ቁጠባን ፖለቲካዊ ስርዓትን ንምህናጽ፡ ዝነውሐ ጉዕዞን ዝዓበየ ግድልን ስራሕን ከምዝጽበየና ነቒሑሉ።        
  3. ታሪኻውያን ጸላእትና ኣንጻር ህላወና ከም ሃገርን ህዝብን ዘንቀዱ ምዃኖም፡ ልኡላውነትና ካብ ምሕካኽ ዚትሕት ዕላማ ከመይዝብሎም መረዳእታ ኣስፊሑ።
  4. ዕላማና ንምርግጋጽ ይኹን ተጻብኦታት ብምልኣት ንምስዓር ወሳኒ ዓውደ ጥምጥም ቁጠባ ምዃኑ፡ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት መኸተና እምበኣር፡ ክብረት ዜጋታትና፡ ሃገራዊ ስኒትን ጸጥታን ዘውሕስ ሃገራዊ ቁጠባ ምህናጽ ምዃኑ ዳግም ኣስሚሩሉ።
  5. ከም ትማሊ ሎሚ፡ ሰረተ-እምነት ህግ ኣብ ወሳኒ-ተረ ሰብ ዚምርኮስ ምዃኑ፡ ምምዕባል ዓቅሚ ሰብ፡ ሞያውን ቁጠባውን ዕብየት ብቐጻሊ ምርግጋጽ፡ ኣብ ረብሓ ሃገር ምኽታቱን፡ ወሳኒ እምነ ኩርናዕ ስትራተጂ ልምዓትና ከም ዝኾነ ተረዲኡ፡
  6. ድሕሪ እቲ ዘየባተኸ ዜናዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፓለቲካውን ተጻብኦታት፡ ካብ መድርኽ ምርብራብን ምክልኻልን፡ ናብ ደረጃ ንጥፉ-ተበግሶ ተሰጋጊርና ምህላውና ብምግንዛብ፡ ቅኒትን ኣቃውማን ኣእምሮና ክንድርዕ፡ ኣንፈትና ብምምዕርራይ መኸተና ከነሕንን ዕግበት ኣሕዲሩ። 
  7. ሱታፌ ኣብ ሰውራ፡ ቀንዲ ረቛሒ ዓወት ምዃኑ ዳግም ብምርኣይ፡ ምርግጋጽ ሰፊሕ ሱታፊ ሓፋሽ ኣብ ኩሉ መዳያት መስርሕ ህንጸት ሃገርን መኸተን ኪዓቢ፡ ብሓያል ውዳበ ኪድራዕ፡ ውህደትን ምምልላእን ዘሰስን ተልእኾ ሃገራዊ ሽማግለ ብዝለዓለ ኪስርሓሉ ከምዝግባእ ተሰማሚዑ።      

መበል 12 ዋዕላ፡ ሕቶ ጉዳይ መኸተ-ሜድያ፡ ጥብቅናን፡ ስትራተጂካዊ ሽርክነትን ኣመልኪቱ፡

  1. ከም ኣካል ንጡፍ ተበግሶ፡ መኸተ ጥብቅናን ሕግን ኪብርኽ ከምዝግባእ ተሰማሚዑ፡
  2. ኣብ መኸተ ሜድያ፡ ዓቅሚ ደሊብና ብሓይልና ኪንገጥምን ግርማና ከነጉልሕን ከም ዝግባእ ኣስሚሩ፡
  3. ምህናጽ ስትራተጂካዊ ኪዳናት ኣብ ሰውራና ኣገዳሲ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ዳግም ብምርኣይ፡ ሕጂ’ውን ብፕራግማቲካዊ ትሕዞ፡ ኣብ ረብሓ መኸተናንን ልምዓትናን ዚኸትት ሽርክነት ንምዕባይ ኪንሰርሕ ተረዳዲኡ። 

መበል 12 ዋዕላ፡ ኣብ ቴማ ውድባዊ ድልዳለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፣

  1. ካብ መበል 11 ክሳብ መበል 12 ዋዕላ፡ ዝተወጠኑ መደባትን ትግባረኦምን፡ ዘለዉ ብልጫታትን ድኻማትን ዝተመዝገቡ ኣሳልጦን ገምጊሙ።
  2. ብድሆታት ገጢሞም ካብ ምብጋስ ክሳብ ሎሚ ሽግ ቃልሲ ጨቢጦም ዘለዉን ከምእ’ውን ኣብ ኣሰር ስዒቦም ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባልት YPFDJ ኤውሮጳ፡ ፍሉይ መጎሱ ኣቕሪቡ።
  3. YPFDJ ኤውሮጳ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ውሽጢን ግዳምን ዘሎ ናይ ህግ ተቓላሲ ውዳበ መንእሰያት ኤርትራ ምዃኑ ሕጂ’ውን ኣስሚሩሉ።
  4. YPFDJ ኤውሮጳ ከም ኣካል’ዚ ዋዕላ፡ 2ይ ጉባኤኡ ብምክያድ፡
    1. ትካላዊ ዓቅምን ኣወዳድባን ኣገባባትን ብዕቱብ ኪስርሓሉ ዳግማይ ብምስማር፡ ንዝቐረበ ንድፊ ሰነድ ”ውሽጣዊ መምርሒ” ምንቅስቓስ ብደረጃ ኤውሮጳ፡ ኣጽዲቑ። 
    2. ውድባዊ ድልዳለን ምትርጓም ዕላማን ሸቶታን ቀጻሊ ግድል ምዃኑ ብምእማን፡ ስትራተጂካዊ ውጥን 2016-2019 ከም ኣገዳሲ መርሓ ትግባረን፡ መደብ ስራሕ 2016\17 ኣጽዲቑ።
    3. መደባት ፖለቲካዊ ትምህርቲን ንቕሓትን ብዝለዓለ ኪድፍኣሉ ወሲኑ፡
    4. ንኽልተ ዓመት ተገልግል፡ 5 ዝኣባላታ መሪሕነት (ማእከላይ ኮሚተ)፡ መሪጹ! 

መበል 12 ዋዕላ፡

  1. ወያነ ወሪሩ ሒዝዎ ካብ ዘሎ መሬትና ብዘይቅድመ ኩነት ኪለቅቕ፡ ቃልስና ብጽንዓት ከምዝቅጽል የረጋግጽ!
  2. ተቓጢኑ ዘሎ ኢፍትሓዊ እገዳ ባይቶ-ጸጥታ ብምልኣት ንምፍሻል መኸትኡ ብዝሓየለ ክቅጽል ወሲኑ፡
  3. መቐጸልታ ተጻባኢ ውጥን ዝኾነ፡ ውዲት ሰብኣዊ-መሰል (COI ን Special rapporteur)፡  ፍጹም ንምስዓር ብዝሓየለ ከምዘሰርሕ ዳግማይ ኣረጋጊጹ፡

ኣብ መደምደምታ፡ መበል 12 ዋዕላና፡ ነቲ ኩሉ መዳያዊ ተጻብኦታት ገጢሙ እንዳሰዓረ፡ ብዝመጸ ማዕበላት ከይተገፍዐ፡ ንቕሎን መዓልቦን ተልእኾኡን መብጽዓ ሰውራን ኣጽኒዑ፡ ንርብዒ ዘመን ኣብ መኸተን ልምዓትን ተረማሪሙ ንዝረትዐ፡ ህዝቢ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ህግን መሪሕነትናን ሞጎሱ ይገልጽ።

 ዮሃና ብሩራዊ ኢዮቤል ናጽነት!
ሰማእታትና ብግብሪ ይደበሱ!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ

27 መጋቢት 2016 – ኢጣልያ

 

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in