PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ካብ ጸባ ዘይተረኸበስ ካብ ማይጨባ
ተወልደብርሃን ገብረ | erigazette.org
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ብተደጋጋሚ ዝምሰል ናይ ኣቦታት ወይ ኣዴታት ገላጺ ምስላ እዩ። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሰማዐይ ወይ ኣንባባይ መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ ዝብል ሕቶ እዩ ። ሓጺር መልሰይ ካባና ዘይተረኽበስ ካብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ማለተይ እዩ። ቅድሚ ናብቲ ዘምጽኣኒ ጕዳይ ምእታወይ ግን ብዛዕባ ፖለቲካዊ እምነተይ ገለ ክብል።
ፖለቲካዊ እምነተይ ኣብ ኤርትራ፥
- ዘይሰልፋዊ ወይ ዘይሻራዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት
- ርእሰ‐ምርኮሳ
- ነጻ ዕዳጋ ብፍላይ ድማ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ
- ህሉዋት ማዕከናት ዜና ኤርትራ ካብ ቁጽጽር ፈጻሚ ኣካል ነጻ ምዃን
- ነጻ ሃገራውያን ማሕበራት ከምኡውን ነጻነት ላዕለዋይ ትምህርቲ
ተቓውሞይ ኣብ ልዕሊ ኣሰራርሓ መንግስቲ አርትራ
- ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት (ኩሉ ጕዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ሃገር ምክልኻል ምትእስሳር ግቡእ ኣይኮነን) ክሳርኡ ከም ዝዓቢ ከኣ ግልጺ እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ፤
- . ብዘይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ንሰብ ምቕያድን ምእሳርን ኣብዚ ዘመን እዚ ኣይኮነን ክግበር ክሕሰብ እኳ ኣምበይምስተገበአን፤
- ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዋንነት ወፍሪ ብግምባርን ብመንግስትን ሒዝካ ቁጠባ ኣሎና ምባል መስሓቕ ኢዩ። ስለዚመንግስቲ ኣፍደገ ብሕታዊ ወፍሪ ብዘይ ምኽፋቱ ንሽቅለት ኣልቦነትን ድኽነትን ተቓሊዕና ንርከብ፤
- ዋላ’ኳ መንግስቲ ኣብ ጥዕና፣ ኣብ ትምህርቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ማይን ሓመድን ምዕቃብን ካልእን ዝንኣድ ስራሕ እንተገበረ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ግን ወሎዶታት’ውን ዝርስዖ ኣይመስልን።ሃገርዊ ድሕነት መሰረት ሰላምን ዲሞክራስያን ኢዩ!
ኣብ ቀዳማይ ክፋል መእተዊ ጽሑፈይ ጌጋታት መንግስቲ ብልዝብ ወይ ብጸቕጢ ምእራም ናይ ግድን ተቓዋማይ ወይ ደጋፊ ምዃን ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ተቒሰ ነይረ፡፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብምዝማድ ኣብ ኤርትራ ኩላትና ንሰማማዓሉ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከይህሉ ይኽእል ይኸውን፡፡ ኩላትና ንሰማማዓሉ ጌጋ ግን ኣሎ፡፡ ብውሕዱ እዚ ሓደ ክገብረና ይግባእ ነይሩ፡፡ ምኽንያቱ ኣወንታዊ ምዕባለታት ከከም ዝንባሌናን መረዳእታናን ክንገልጾ ንኽእል ኢና፡፡ ካልእ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ይኹን ንተቓወምቲ ዝድግፍ ክፈልጦ ዘለዎ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት (national security) ኢዩ። ሃገራዊ ድሕነት ንኹሉ ብማዕረ ዝምልከትን ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ሓደጋ ከይወድቅ ኩሉ ዜጋ ብንቕሓትን ብሓላፍነታዊ መንገዲ ክጥመት ዘለዎ ዓቢዪ ጉዳይ ሃገር ኢዩ፡፡ ነዚ ጎሲዩ ዝኸይድ ተቓዋማይ ይኹን ደጋፋይ ሓደገኛ ሰዓብየን ከምዘለዎ ነዊሕ መብርሂ ዝሓትት ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ንምንታይ ንዝብል ሕቶ ቅድም ቀዳድም ሃገራዊ ድሕነት መሰረት ሰላም፡ ርግኣት፡ ልምዓት፡ ደሞክራሲያን ምኽባር መባእታዊ ሰብ-ኣዊ መሰላትን ስለዝኾነ፡፡ ድሕንነት ሃገር ኣብ ሕቶ እንተ ኣትዩ ነዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ኣገደስቲ ነገራት ባይታ የልቦን ማለት ኢዩ።
ንጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ብዝምልከት ምስ ፖለቲካ ዲያስፖራ ብምትእስሳር ሰለስተ ኣገደስቲ ነገራት ክጠቅስ እደሊ፡-
- ናብራ ስደት ንሃገራዊ ድሕነትና ይፈታተን ኣሎ፦
እዚ ማለት ኣብ ስደት ኮይና ደጋፋይን ተቓዋማይን ብዝብል ስነ-ሓሳብ ኣብ ዝሑል ኲናት ምህላውናን ዘይሩ ዘይሩ ንሃገራዊ ድሕነትና ብኣሉታ ዝጸሉ ኢዩ። መንግስቲ ናይ ደገፍቱን ናይ ተቓወምቱን ምኳኑ ከም ርዱእ ዝውሰድ መባእታዊ ኣምር ፖለቲካ’ ኳ እንተኾነ ብግብሪ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ደገፍቱ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣይኮነን። ብወገን ተቓወምቲ ጉጂለታት’ውን እንተኾነ ካብኡ ብዘይፍለ “ምሳና ዘይኮነ ካባና ይፈለ” ብዝመስል ኣገባብ ዝኸይድ ኢዩ። መንግስትን ተቓወምትን ንዜጋታት ብሓደ ዓይኒ ዝርእዩን ዘገልግሉን እምበር ሓደ ዜግነት ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ መቒልካ ፖለቲካ ምምስራሕ ጸረ-ሃገራውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ኢዩ። እዚ ነገር’ዚ ደው እንተዘይይሉ ከኣ ውዒሉ ሓዲሩ ቀስ እንዳበለ ናብ ሃገር ምእታዉ ዘይተርፍ ነገር ኢዩ። ህዝቢ ብፍላይ ድማ እቲ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ክሓስበሉ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ነገር’ዚ ንምቕያር ብግብሪ ክንቀሳቐስ ኣለዎ። ኣብዚ ብኸመይ ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡርን ግቡእን ኢዩ። ቀዳማይ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝቢ ብስም ናይ ተቓወምቲ ወይ ደገፍቲ ወይውን ብሽም ካልእ ኣቍሙዎ ዘሎ ማሕበረ-ኮማት ብኤርትራውነት ስም ተቐይሩ ካብ መጋበርያ ፖለቲካ ናይ ዝኾነ ወገን ነጻ ክኸውን ኣሎዎ። ስለዚ ሓደን ሓያልን ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮም ይፍጠርን ንሃገርዊ ድሕነትን ልኣላውነትን ብዝለዓለ ደው ክብል ይኽእል። እዚ ማለት ብዘየገድስ ፖለቲካዊ እምነትናን ዝምባሌናን ከም ዜጋታተ ሓንቲ ሃገር ንጥርነፍን ንሕይልን ኣለና ማለት ኢዩ። ምድጋፍን ዘይምድጋፍን ነንውልቅና ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ።
ክንግንዘቦ ዝግባእ ነገር እንተ’ዩ እዚ ሓሳብ’ዚ ብሸነኽ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ሓይልታት ተቐባልነት የብሉን ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ኮይኑ ሓደ ድምጺ ከስምዕ ኣይድለን ኢዩ። ካብ ተሞኩሮና እዚ ትምህርቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ተመኩሮ ገድላዊ ቃልስና ዝምህረና ነገር እንተሊዩ “ወይ ንሕና ወይ ንሶም” ኢዩ። ግን ንሕና ከም ህዝቢ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ተቓወምቲ ጥሪት ወይ ውልቃዊ ሃብቲ ኣይኮናን። መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ሃገራውያን ንህዝብን ንሃገርን ከገልግሉ’ምበር ክግልገሉ ኣይኮኑን ኣብ ስልጣን ዝመጹ። ከም ኤርትራውያን ብሓደ ደው እንተዘይልና ብውሽጥን ግዳምን ክንድራዕ ምኳና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ስለዚ ክንግንዘቦ ዝግባኣና ኩነታት በዚ ዘለዎ እንተ ቐጺሉ ፈኸም እንዳበለ ኣስመራ ይኣቱ’ሞ ምስ ኣብ ዝተናውሐ ጊዜን እዋንን ንሃገራዊ ድሕነትና ይኹን ንማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታትና ብቐሊሉ ዝሃሲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣየናይ ኢዩ ንሃገርና ይኹን ንህዝብና ዝሓይሽ መንገዲ ንዝብል ሕቶ ብዘይ ምጥርጣር እዚ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝቢ ውልቃዊ ትሕጃ ፖለቲከኛታት ክኸውን ኣይግባእን ኢዩ። መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ጌጋ ምስ ዝፍጽሙ እቲ ዝተረደኦ ሰብ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ክእርም ተሓተቲ ክሕተቱ ክገብር ይግባእ’ምበር ጌጋ እንዳረአኻ “ድሓን መንግስቲ ኢዩ ወይ ድማ ድሓን ናትና ተቓወምቲ ኢዮም ህግደፍ ደስ ከይብሎም” ምባል ድኽመት ኢዩ።
- ተቓወምቲ ኤርትራ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ኣሰራርሓን ዝተገንዘቡ ኣይመስሉን፦
ተቓወምቲ ይኹኑ ደገፍቲ (ደገፍቲ ዝብሎም ዘለኹ በቲ ባዕሎም ዝብልዎ-“ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና” ዝብል ጭርሖ ስለ ዘዘውትሩ ኢየ – ንሱ ማለት ፕረዚደንት ኢሳያስ ማለት ኢዩ) ክልቲኦም ኣብ ጀኔቫ ኣብ በበይኑ ማዓልታት ጓይላ ነይሩዎም። ክልቲኡ ጓይላታት መንፈሱን ዕላማኡን ትሕዝትኡን በበይኑ ኢዩ ዝነበረ። እቲ ናይ ደገፍቲ ሃገራውነት ነይሩዎ ኢዩ። ብሽነኽ ተቓወምቲ ካኣ ዋላኳ ሃገራውነቶም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይንበር’ምበር እቲ ጓይላስ ብዛዕባ ሰብ-ኣዊ መሰል ኢዩ ዝነበረ። ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ነቲ ባዕሎም ከይዶም ክገብሩዎ ዘይከኣሉ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ (ኣ.ገ.ቤ.ፍ) ንፕረሲደንት ኢሳያስን ብጾቱን ካብ ኣስመራ ናብ ሄግ ኣምጽኡልና ኢዩ ዝነበረ። ብሓቂ ዘደንጹ ጓይላ ኢዩ። እንተ ዘምጽእዎ’ከ ኤርትራ ሰላም ወይ ራህዋ ይሰፍና ማለት ዲዩ? ብሓቂ ድዮም’ከ ዕላማ መርማሪት ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ኤርትራ (COIE) ጉዳያ ምርጋጽ ሰብ-ኣዊ መሰል ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ? ኣነ ነዚ ሕቶታት እዚ ክምልስ ኣይኮንኩን ምኽንያቱ ክምልስዎ ዝግበኦም ንሶም እቶም ንመርሕቲ ኤርትራ ኣምጽኡልና ዝብሉ ዘለዉ ባዕሎም ኢዮም።
ኣነ ከም ሰብ ወይ’ውን ከም ኤርትራዊ ወልቀ-ሰብ መልሰይ መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይዚ ጻውዒት ኣመት ፖለቲካ የብሎምን ባሃሊ ኢየ። ምኽንያቱ ብዛዕባ እታ ዝዛረቡላ ሃገር (ኤርትራ) ዝኾነ ይኹን ራኢ የብሎምን ወይ ድማ ዝተደናገሩ ኢዮም ክብል ይደፍር። መብዝሕትኡ ሰብ ካብ ሕሉፍ ተመኩሮ ይማሃር ኢዩ። ውሑዳት ግና ኣይማሃሩን ኢዮም። ኣብ ዝርዝራት ከይኣተኹ COI መጋበሪያ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ እምበር ጉዳይ ሰብ-ኣዊ መሰላት ጉዳዩ ከም ዘይኮነ ክፈልጡ ይግባእ ነይሩ። ዋላውን ንመራሕቲ ኤርትራ ኣብ ሄግ ኣምጺኦም እንተሃብዎም ንሽግርና መፍትሒ ከም ዘይኮነ እቶም ዝተገርሁ ክፈልጡ እቶም ብቶንኮል ኮለል ዘብሉ ካኣ ዘሕትት ተግባር ምኳኑ ምርዳእ ጽቡቅ ኢዩ ባሃላይ ኢየ። ዝጠፈሹ ምኳኖም ዘረዳኣና ግን ነቲ ዓርሞሸሽ ጸላኢ በዲሁ ሃገር ዝፈጠረ ህዝብን ተጋዳላይን ሎሚ ለውጢ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ፖለቲካዊ ህውተታ ተቓወምቲ ኢዩ። ብኣቋራጭ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ኢየ ምበል ብደውካ ሙማትውን ኢዩ። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ብደዉ ሞይቱ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
መርማሪት ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ኤርትራ (COIE) ሓደን ብዝላዓለ ዝደኸምትሉን ጉዳይ ንክስታታ ዘረጋግጽ ነዃል ምእካብ ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ኣየጋነንኩን። እዚ ከኣ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ሓቂ ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ምርምራ ሚዛንዊ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ ሳይንሳዊ ኣገባብ ዝሓዘውን ኣይነበረን። ብቐንዱ ግን ንድሌታት ተቓወምቲ ባሃልቲ ዘንጸባረቐን ብአኦም ዝተቐለሰ ዝመስልን ኢዩ። ስለዚ ንCOIE ደጊፎም ናብ ጀኔቫ እንተኸዱ እቲ ብCOIE ዝተባህለ ኩሉ ናቶም ስለዝኾነ’ዩ ምባል ዘድፍርውን ኢዩ። ሓደ ካብ ሽግር ተቓውሞ ወገናት ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ሕማቅ ጽቡቕ ነገር የለን ካብ ዝብል ጉጉይ መረዳእታ ስለ ዝብገስ ኢዩ። እኹል ኣይኮነን፡ ክንዩኡ ክግበር ይኽእል ነይሩ ምባል ኩሉ ዝሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ። ካብ 30-40 ዓመታት ተቓሊሱ ካብ ዘለዎ ፈንተት ክብል ዘይበለ ደምበ ተቓውሞ መንግስቲ ኤርትራ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኣይሰረሐን ክብል ሞራላዊ ይኹን ሕጋዊ ባይታ የብሉን።
- ደገፍቲ መንግስትን መሰረታዊ ሽግሮምን፦
ደገፍቲ መንግስቲ ምባል ምናልባት ገላጺ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ግን ከምቲ ኣብ ቁ. 2 ዝበልኩዎ ኢዩ። ባዕሎም ዝብልዎ ኢዩ። ቁጽሪ ሓደ ሽግር ደገፍቲ መንግስቲ ነጻነት የብሎምን። ብልጫታት ኣለዎም ግን ኣይጥቀምሉን ኢዮም። እንተዝጥቀሙሉ ኔሮም መሰረታዊ ኣይኹን እምበር ጸቕጢ ብምግባር እቲ መንግስቲ ለውጢ ክገብር ምኻኣለ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ነዚ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ኣይንዕቖን ኢዩ። ሕጂ’ሞ ካኣ ዜናታት
ዲስፖራ ብደረጃ ዜናዊ ሪፖርታጅ ክንበብ እንከሎ ብምሩጻት ኣንበብትን ኣብ ትሕቲ “ህዝባዊ ዲፕሎማሲ” ዝብል ኣርእስትን ኢዩ። እዚ ማለት ተራ ዲያስፖራ ምስ ህልውንኡ ዝተሓሓዝ’ውን ኢዩ።
ስለዚ ተቀማጦ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ደገፍቲ ባሃልቲ ድማ ብፍላይ ዓቢዪ ተራ ኣለዎም። ግን ድፍረትን ቆራጽነትን ይሓትት። ኣብ ክንዲ ኣብ ምክልኻል ጊዜኦም ተሕልፉ ኣቐዲሞም ዕዮ ገዛ እንተዝሰርሑ ምሓሸ። ካብ ንጉሆ ንጉሆ ናብ ጀኔቫ ምኻድውን ምድሓኑ። ካልእ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ እቲ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ክተዓረቅን ብፍላይ ድማ ጉዳይ መንእሰያት ብዕቱብ ክተሓዝን ምብትታን ዝድራቤታት ደው ዝብለሉ መንገዲ ክፈጥር ጸቕጢ ክግበረሉ ምተገበአ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ንሶም’ውን ካብቶም ጉዳይ ሃገራውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ዘይዓጦም ገለ ተቓወምቲ ዝሕሽሉ ምኽንያት የብሎምን። ንምንታይሲ ሃገራዊ ድሕነት ዘገድሶም እንተኹይኑ ስደትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ከገድሶም ኣለዎ። ህዝቢ እንተ ደኺሙ መንእሰያት እንድሕር ተሰዲዶም፡ ሃገራውነት እንተተዳኺሙ መን’ዩ ሃገር ክከላኸል? ብፍላይ እቶም “ንሱ ንሕና ንሕና ንሱ” ዝብሉ ንትፈትዎ ክጋገ እንከሎ ብዘየናሕሲ መንገዲ ኢኻ ትእርሞ።
ንውሑዳት ገዲፍካ ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ቁጠባዊ ቅልውላው ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ክለተ ምኽንያታት ምጥቃስ ይከኣል። ቀዳማይ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ቁጠባዊ ኩነታት ስድራቤታት ቐጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ። ንኣብነት ኣፍራዪ ሓይሊ ጸንቂቅካ ካብ ገጠር እንተወሲድካዮ ስድራቤታት መን ይኣልየን? እቲ ዝወሃብ ምኽንያት ምክልኻል ሃገር ኢዩ። እዚ ብኸፊል ተቐባልነት ኣለዎ። ኩሉ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ምክልኻል ሃገር ክተኣሳሰር ግን ተቐባልነት የብሉን። ኣብ ዝርዝር ከይኣተና ክመሓየሽ ዝግብኦ ብዙሕ ጉዳያት ኣሎ ኢዩ። ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ መንግስቲ ክሳብ ሎሚ ተበግሶ ኣይወሰደን።
ፖሊሲ ርእሰ-ምርኮሳ ኤርትራዊ ፖሊሲ ኢዩ። ዋላ ከም ኣምር ቁጠባዊ ፖሊሲ ሓዱሽ እንተመሰለ ንዘመናት ህዝቢ ኤርትራ ዝተለማመዶ ተግባር ኢዩ። ርእሰ-ምርኮሳ ማለት ግን ዜጋታት ኣብ ዝደለዩዎን ብዝደለዩዎን መንገዲ ርእሰ-ማሎም ኣዋፊሮም ንገዛእ ርእሶም ኮይኖም ንህዝቦምን ንሃገሮም ካብ ተጸባይነት ነጻ ምግባርን ባይታ ምጥጣሕን ማለት እምበር ብምኽንያትን ብዘይ ምኽንያትን ኣብ መዓስከረት ምዱጓን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ መንግስቲ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ባይታ ጥራሕ ዘይኮነ ንቁጠባዊ ባይታውን ዓፊኑዎ ኢዩ ዝርከብ። በዚ ከኣ ኣይኮነን ናይ ደገ ወፍሪ ሃገራውያን ኣውፈርቲ’ውን እንተኾኑ ኣደዳ ስደት ኮይኖም ኢዮም። ብኡ መጠን ካኣ ኣበርክት ኦም ንኻለኦት ኣፍሪቃውያን ይኸውን ኣሎ። ንኣብነት ሎሚ ከተማ ደቡብ ሱዳን (ጁባ) ናይ ኤርትራውያን ከተማ ኢያ እንተተብህለ ኣየጋነንኩን። መግስቲ ኤርትራ ከይተረፈ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢንሹራንስ ወፍሪ ኣለዎ። ሕማቕ ኣይኮነን ግን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢንሹራንስ ከውፍር እንተዝደሊ ምስተፈቀዶ’ዶ ይመስለኩም?
ኣብዚ ክንጸር ዝግበኦ ጉዳይ ሃገርዊ ድሕነት ኢዩ። ብሓፈሻ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ኤርትራ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ምስ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱ ኩሉ ጊዜ ኣሻቓሊ ኢዩ። ኣሜሪካ እትመርሐን ውሑዳት ዝማዕበላ ሃገራት ምዕባሌአን ደው ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ዘመን ንኻለኦት እንዳዕነውካ ረብሓኻ ምቅጻል ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ። ዋላውን ምስአን ተሓባቢርካ ምስራሕ ካብዚ ተንኮለኛ መንገዲ ክዕገታ ይኽእላ ኢየን ኢልካ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ እንኮ ምርጫና ሓድነትና ኢዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ መንግስቲ ኤርትራ ምስ እዞም ሓይልታት ዘለዎ ዝምድና ሓርፋፍ ኢዩ። እቲ ዝበኣሰ ግን ሓርፋፍ ዝምድና ምስ ህዝባኻ ኢዩ። እዚ ኢዩ ካኣ እቲ ኣሻቃሊ ጉዳይ። ምዕራባዊ ዓለም ውሽጥካ ስጡም እንተኾይኑ ዋላ’ኳ ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር እንተዘይሰኣኑ ድሩት ኢዩ።
መንግስቲ ምድጋፍ ይኹን ምቁዋም ዘሎን ዝነበረን ኢዩ። ነቲ ትድግፎ ሰብ ይኹን መንግስቲ ኣብ ዝተጋገየሉ ተጋጊኻ ተኣረም ወይ ኣማሓይሽ እንተዘይኮይኑ ኣይክድግፈካን ኢየ ምባል ግን ሃገራዊ ጉቡእና ኢዩ።
ብሓቂ ወፍሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ትርጉም ኔርዎ`ዲዩ?
ሕጂ ናብቲ ኣርእስተይ ክምለስ (ካብ ጸባ ዘይተረኸበስ ካብ ማይጨባ)። ክልቲኦም ወገናት ማለት ደገፍትን ተቓወምትን ሰልፈኛታት ጀኔቫ በብወገኖም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ክነግሩና ጸኒሖምን ኣለዉን። እዚ ኩሉ ሰብ ዝጽበዮ ግብረ-መልሲ ደገፍትን ተቓወምትን ኢዩ። ክንሓቶ ዘለና ሕቶ ግን ብሓቂ ወፍሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ትርጉም ኔርዎ`ዲዩ? ዝብል ኢዩ። ብወገነይ ትርጉም ኔርዎ ዝብል መረዳእታ የብለይን። እዚ ማለት ደገፍ ወይ ተቓውሞ ከስምዑ“ኣይነበሮምን ማለተይ ኣይኮንኩን። ጸብጻብ ሽማግለ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝወለደቶ ብሶማልያን ጂቡትን ተኣልዩ ዝባሃል እማመ (resolution) ምስ እንዕዘብ ግና ክልቲኡ ዓወት ጨቢጠ ዝብል ወገን ንዓወቱ ምኽንያት ዝኸውን መልሲ ኣይረኸብኩሉን። ትጽቢት ደገፍቲ ንጸብጻብ ሽማግለ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዘለዎ ክነጽጎን ብዛዕብኡ ውሳነ ከየሕልፍን ኢዩ ዝነበረ። ብወገን ሰልፈኛታት ተቓውሞ ድማ ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንጸብጻብን እማመታትን ሽማግለ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከም ዘለዎ ተቐቢሉ ብመንገዲ ባይቶ ጸጽታ ናብ ኣህጉራዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ (ICC) ከሕልፎ ዝብል ኢዩ። ነቲ እማመ (resolution) ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምርኣይ ጥራሕ ብዝተወሰነ ደረጃ ክልቲኦም ሸነኻት ማለት ደገፍትን ተቓወምትን ዝዓግብሉ ነገር ይህሉ ይኸውን።ይኹን እምበር ነቲ እማመ ብኸምዚ ዘለዎ ማይ ንኽጅላሕን ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ትርጉም ኣልቦ ዝገበረስ መንግስቲ ኤርትራ ብዘርኣዮ ዲፕሎማሲያዊ ምትዕጽጻፍ ከይኮነ ኣይተርፍን።ብዙሓት በዚ ርእይቶ ኣይሰማምዑን ይኾኑ ግን ኣይገርመንን ኢዩ። ምኽንያቱ ንነገራት ብድሌታትና ጥራሕ ክንርድኦም እንተ ደሊና መደምደምታ ሓሳባትና ድሌትና እምበር ወድዓዊ (objective) ኩነታት ኣየማላኽትን ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝግበር ገዲፍና መንግስቲ ኤርትራ ምትዕጽጻፍ ጌሩ ኢዩ። ብድሕሪ መጋረጃ ምስቶም ሃንደስትን መወልትን ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካን መሻርኽታ ሃገራት ኤሮፓን ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ነቲ እማመ ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት በዚ ዘለዎ ማይ ተጀሊሑ ክሓልፍ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ነሩ ምባል ይከኣል። እቲ ካልእ ምልክት ምትዕጽጻፍ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሱ እማመ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዘይ ምዝንጋዕ። እዚ ድማ ዲፕሎማሲያዊ ምትዕጽጻፍ ከም ዘርኣየ ምልክት ጥራሕ ዘይኮነስ መቐጸልታ ናይቲ ድሕሪ መጋረጃ ዝተበጽሐ ምርድዳእውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ምርድዳእ እዘን ዝተጠቕሳ ሃገራትን መንግስቲ ኤርትራን ነዚ ናይ ኤርትራ እማመ ወሊዱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኮይኑ ግን እማመ መንግስቲ ኤርትራን እማመ መንግስቲ ሶማሊያን ጂቡትን ብዘይካ ኣብ ዝርዝራቱ ብትሕዝትኡ ሓደ ኢዩ። ትርጉሙ በቲ ይኹን በዚ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሰበስልጣን ኤርትራ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዘኽስስ ትርጉም ዘለዎ ክስታት ከተቕርብ ኣይክኣለትን ማለት ኢዩ። ኣሜሪካ ከም መዋሊትን ሃንዳሲትን ንጸብጻብ እዛ ኮሚሽን ብመንገዲ ዲፕሎማታ ብኽልተ ቃላት ኢያ ገሊጻቶ – Inacurate and unsophisticated። ብዛዕባ ትርጉም እዘን ክልተ ቃላት ብዙሕ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ኣርእስቲ ትርጉሙ ዘይ ቁኑዕን ተራ ጸብጻብን ንምባል ኢዩ። እቲ inacurate ዝብል ገዲፍና ነታ unsophisticated እትብል ቃል እንተወሲድናውን ነታ ኮሚሽን ዘቆናጽብ ኢዩ። ብኻልእ መንገዲ ንብቕዓት እቶም ሰለስተ ኣባላት እዛ ሽማግለ ዘነኣእስ እውን ኢዩ። ኣመሪካ ጸብጻብ እዛ ኮሚሽን ዘይቁኑዕን ናይ ተልሜደን ጸብጻብን ኮይኑ ስለ ዝተሰመዖም ግን ኣይኮነን። ካብ መጀመርታ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምኡ ከም ዝኸውን ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም። ግን ሕጂ እቲ ዝደልዩዎ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዝረኸቡ በቲ ሓደ ምቅዪያር ኩነታት ቀርኒ-እፍሪቃ በቲ ካልእ 360 ዲግሪ ክዕጸፉ ከም ዝገበሮም ግን ዘይሳሓት ሓቂ ኢዩ። እቲ ሓቂ ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ሰብ-ኣዊ መሰላት ከም ዘይግደሱን እቲ ዘገድሶም ረብሓ ሃገሮም ምኳኑ ጥራሕ ኢዩ።
መገሻታት ዝተፈላለዩ ሉኡኻት መንግስታት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ ድማ ልእኽቲ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዘረዳኣና ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳርጋ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እንዳኾኖም ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ። ሕብረት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተፈላለየ መርገጽታት ኢዩ ጸኒሑዎም። ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ምንጻል ብኣሉታዊ መንገዲ ከምዝጥምቶ በንጻሩ ከኣ ኣሜሪካ ንኤርትራ ምንጻልን መንግስቲ ምቅያርን ኢዩ ጸኒሑ።ኣብዚ ክንርድኦ ዘየጸግም ጸቕጢ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሃንደስቲ ፖሊሲ ኣሜሪካ ክህሉ ከም ዝኽእል ኢዩ። ስለዚ ኣሜሪካ መንግስቲ ምቕያር ዝብል ኣጀንዳኣ ሕጂ ኣብ ስፍርኡ ክህሉ ከም ዘይክእል ርዱእ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ኣመሪካ ብዘይካ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ጽምዶ ዲፕሎማሲ ካልእ ምርጫ ዝከኣልኣይኮነን።
ሎሚ ኣሜሪካ ምስ ዝኾነት ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲ ፈሺሉ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ባዕልና ንፈልጦን ብዙሓት ተመራመርትን ተንተንትን እዚ ዞባ ዘርጋገጽዎን ዘለዉ ሓቂ ኢዩ። መደምደምታ ተመራመርትን ተንተንትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ኣሜሪካ ፖሊሲኣ ክትቅይር እንተ ዘይኪኢላ ረብሓኣ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ከተረጋግጽ ከጸግማ ምዃኑ ዘመላኽት ኢዩ። ብዙሓት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ወሲኽካ ማለት ኢዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክትክተሎ ዝጸንሔት ፖሊሲ ቀጻልነት ከም ዘይብሉ፤ ምስ ጂቡቲ ዝኣተወቶ ወትሃደራዊ ውዑል ጂቡቲ ምስ ቻይና ድሒራ ብዝገበረቶ ተመሳሳሊ ዉዑል ንኽልቲአን ሓያላት ሃገራት ኣብ ምፍጣጥ ዘምጸአ ምስ ምዃኑ፤ ምስ ኣብ ሶማል ዘሎዋ ዘይቀጥታዊ ምትእትታው ብዓይኒ ሶማላውያን ከም ተጻብኦ ስለ ዝቑጸር፤ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላው ንኣሜርካ ዘየቕስን ምዃኑ፤ ምስ ዩጋንዳ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምሕርፋፍ ምኻዱ፤ ምስ ሱዳን ዘለዋ ናይ ነዊሕ ዘይ ምቅዳውን ካልእን ምጥቃስ ይከኣል።
ኩለን እዘን ዝጠቐስኩወን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብውሽጣዊ ዘይ ምርግጋእ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት እውን ኢየን። ስለዚ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ኣብ ዲፕሎማሲ ምጽማዳ ፍታው ዘይኮነስ ተገዲዳ እትገብሮ ጽምዶ ኢዩ ክባሃል ይከኣል። ብቐረባ ንዝከታተሉ ሰባት እዚ ምዕባለታት እዚ ንምርኣይ ኣየጸግሞምን ኢዩ።
ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ናይ መጀምርታ ግምት ጉጉይ ኢዩ ነይሩ። መጀመርታ ኤርትራ ብወትሃደራዊ መንገዲ ንኢትዮጵያ ኣይትኽእላን ኢያ ዝብል ግምት ኢዩ ነይሩዋ። ጌጋ ግምት! ድሒሩ ንኤርትራ ብቑጠባዊ መንገዲ ምድኻም ኢዩ ነይሩ። ሕጂውን ጌጋ ግምት! ድሒሩ ምንጪ ሓይሊ ኤርትራ ኣብ መራሕታ ኢዩ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ጌጋ! ምንጪ ሓይሊ ኤርትራ ኣብ ህዝባ እምበር ኣብ መራሕታ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ነዛ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ዲሒሮም ከም ዝተረዱኡዋ ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ንሱ ከኣ ንኤርትራውያን ምግምማዕ ኢዩ። ይኹን እምበር ሓድነትን ሃገራውነትን ኤርትራውያን ብዝኾነ ኩነታትን ኣብ ዝኾነ ጊዜን ከም ዘይናወጽ ዲሒሩ ኢዩ በሪሂሎም ብሃላይ ኢየ። መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ዋላኳ ኣወንታዊ ጎንታት እንተ ሃለዎ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ኣብ ምህናጽን መባእታዊ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ምርግጋጽ ግን ትሕቲ ዜሮ ኢዩ ምባል ይከኣል።
ጉዳይ ግህሰት ሰብ-ኣዊ መሰላት ኤርትራ ንዓና ንኤርትራውያን እምበር ንኻልኦት ዝግደፍን ዝምልከትን ዛዕባ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዋላኳ ምርግጋጽ ሰብ-ኣዊ መሰላት ኣብ ሃገሩ ክመሓየሽን ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ክትከል ዝብህግ እንተኾነ ለውጢ ብዝኾነ ዋጋ ዝብል ናይ ድሑራት ኣተሓሳሰባ ግን ከም ዝነጽጎ ሎሚ እቶም ብዝኾነ ዋጋ ስርዓት ኢሳያስ ክኸይድ ኣሎዎ ዝብሉ ወገናትውን ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ለውጢ ንምምጻእ ዋጋ ዘኽፍል ይኹን እምበር ብዋጋ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ኣይግባእን። በቲ ይኹን በዚ ወፍሪ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ትርጉም ዘይነበሮ ኣብ መወዳእታ ድማ ንቀበሎ ኣይንቀበሎ እቲ ጉዳይ ናብ ICC ዘይ ምምርሑ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምትዕጽጻፍ እምበር ናይ ክልቲኡ ወፈራ ውጽኢት ዘይ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጀኔቫ ሰላማዊ ሰልፊ ምውዳቡ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ከም ዘይነበረ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኔሩ ኢዩ። ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ደገፍቲውን ኣለዉኒ ንምባል ዝተገብረ ሃልኪ እውን ኢዩ። ብቐንዱ ኣብ ሃገሩ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ዘይፍቀደሉ ህዝቢ ኣብ ደገ መንግስቲ ዝዝዉሮ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ግን መስደመም ኢዩ።
ንመንግስቲ ኤርትራ እንኮ ኣማራጺ ብምስጡር ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትካ ምስተን ዝጻብኣኻ ሃገራትን መንግስታትን ምምሕያሽ ኢዩ። በዚ ኢዩ ካኣ ነቲ ኩነታት መዚኑ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ዝኻኣለ። ስለዚ እቲ ዓወት ናይ መንግስቲ ኤርትራ እምበር ናይ ሰልፈኛታት ጀነቫ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። እዚ ግን ኣብ ኤርትራ ሰብ-ኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ክገብር ኢዩ ማለት ኣይኮነን ምኽንያቱ እቶም ዘደርዑዎ ዘለዉ መንግስታት ጉዳዮም ምርጋጽ ሰብ-ኣዊ መሰላት ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጥ። ሕጂ ክንፈርሕ ዘለና ምግሃስ ሰብ-ኣዊ መሰላት ከይገድድ ኢዩ። ምኽንያቱ ግዳማዊ ጸቕጢ ኣብ ዝተኣለየሉ መንግስቲ ኩሉ ምግሃስ ሰብ-ኣዊ መሰላት ክገብር ዝዓግቶ ዋላ ሓንቲ የልቦን። ስለዝኾነ ኣብ መወዳእታ ቃልሲ ንሰብ-ኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ኩሉ ኢርትራዊ ምዃኑ ተገንዚብና ኣብ ልዕሊ ነቲ መንግስቲ ዝመርሑ ዘለዉ ኣካላት ጸቕጢ ከነሕይል ይግባእ።
ንሕና ዘይጻዓርናሉ ጉዳይ ለውጥን ሕቶ ሰብ-ኣዊ መሰላትን ካለኦት ሓላፍነት ክወስድሉ ክንጽበ ኣይግባእን።ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!
ተፈጸመ!!