PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ናትና ዘቤታዊ ዋዕላኸ ንመዓስዩ?
ሎንዶን | ቀለታ ኪዳነ | 24 July 2016
ክቡራትን ክቡራንን ሎሚ እውን ከመይ ቀኒኹም?
ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ዝቐረበ ኣህጉራዊ ኤርትራዊ መጽናዕትታት ብ 22 ሓምለ 2016 ብወግዒ ከም ዝተዛዘመ ትሓቢሩ። ኤርትራ ካብቲ ተነጺላ ተባሂላ ዝዝረበላ ዝነበረ መረረ ወጺኣ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ትዋስኣሉ ኣህጉራዊ ዋዕላ ከተዳሉን ካብ ምሉእ ዓለም ዝመጹ ዝተፈላለየ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቕቲ ዘቕረቡ ምሁራትን ክኢላታትን ኣኪባ ክትመያየጥ ምብቅዓን ከኣ ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ንዜጋታታ ዘገድስን ዘሓጕስን ወረ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብቲ መደምደምታ ዋዕላ ርእይትኦም ይገልጹ ካብ ዝነበሩ ሓደ ምሁር እቶም ፓነሊስት ኵሎም ሓሙሽቲኦም ደቂ ካልእ ሃገር ከም ዝነበሩን ብዛዕባ ኤርትራ ካባና ንላዕሊ ከም ዝፈልጡዋ ብዙሕ ሓበሬታ ይህቡን ይትንትኑን ከም ዝነበሩ ሓቢሩ። ንሶም ንሃገርና ዝፈልጡዋ ብወረ ወይ ብታሪኽ ክኸውን ከሎ ንሕና ግን ሃገርና ስለዝዀነት ንፈልጣ ብኣካል ኢዩ ብማለት እውን ርእይትኡ ኣቐሚጡ። ብዛዕባ ሃገርካ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቕቲ ዘቕርቡ ሰባት ከኣ ብዙሕ ዝተፈላለየ ነገራት ስለዝድህስሱ መንግስቲ ኤርትራ ካብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዋዕላ ብዙሕ ጠቓሚ ሓበሬታን ትምህርትን ቀሲሙ ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ሃገርና እቲ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዝጸንሔን ዘሎን እቲ ካብ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝመጸ ናይ ስቱር እምበር ናይ ዘይግሉጽነት ኣሰራርሓ ህዝባዊ ግምባርን መንግስቲ ኤርትራን ኢዩ። እዚ ግን ብፍላይ ኣብዚ ሎሚ እዋን ምስ ህዝብኻ ኮነ ምስ ዓለም ከጓዕዘካን ንስራሕካ ከቀላጥፈልካን ዝኽእል ኣይኮነን። መንግስቲ ካብዚ ወጺኡ ነቲ ንህዝቢ ዝምልከት ጕዳያት ኣሉታዊ ይኹን ኣወንታዊ ብግሊጺ ክዛረበሉን ርእይቶ ህዝቢ ክቕበልን ክሰርሓሉን ከም ዝግብኦ ከኣ ውረድ ደይብ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዋዕላ ቀጻሊ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።
ኣብ ተለቭጅን ኤርትራ ሓንቲ መደብ ብጋህዲ ትብል ህዝቢ ብዛዕባ ኵነታቱ ኮነ ጸገማቱ ብመጠኑ ዝዛረበላን ዝዋስኣላን ናይ ተለቭጅን ፕሮግራም ኣላ። ኣብዛ መደብ እዚኣ ከኣ ሓደ ሓደ ጊዜ ዜጋታት ከይፈርሑ ንሽግራቶም ክጠቕሱን ንዝምልከቶ ኣካል ክወቕሱን ይስምዑ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ብዛዕባ ኣብ ውሽጦም ዘጋጥም ኵነታት እቶም ህዝቢ ንዘለዎም ጸገማትን ዕንቅፋታትን ብግልጺ ክዛረቡሉ ምስ ዝኽእሉ ከኣ ነቲ መንግስቲ እውን ጕድለታት ንኸመሓይሽን ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድን ሓጋዚ ኢዩ። እዚ ዓይነት ዋዕላታት ከኣ ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ካልእ ናይ ሜድያ ትካላትን ዘይብለን ሃገራት ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ከኣ ብተለቭጅን ጥራሕ ዘይኮነ ብኻልእ መራኸቢ ብዙሓን እውን ክዝርጋሕ እሞ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብ ደገ ዘሎና ዜጋታት እውን ነቲ ኣብ ሃገርናን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዝካየድ ኵነታት ዘሎና ርእይቶ ኮነ ናእዳ ወቐሳ ኮነ ነቐፌታ ወይ ተቓውሞ ከነቕርብ መሰልና ምዃኑ እቲ መንግስቲ ክኣምነሉን ክቕበሎን ክሰርሓሉን ዝግባእ ጕዳይ ኢዩ።
ናይ ሓደ ሃገር ህዝቢ ዋላ ካብቲ መንግስቲ ዝተፈልየ ኣርኣእያ ንዘለዎም እቲ መንግስቲ ክቕበሎን ከዋስኦምን እምበር ክንዕቆምን ከዋስኖምን ኣይግባእን ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ዓይነት ይኹን ብዘየገድስ መንግስቲ ናይ ኵሉ እቲ ዜጋ እምበር ናይ ፍሉያት ደገፍቲ ጥራሕ ክኸውን የብሉን። ንህዝቡ ከይኣከበን ከይሓቘፈን ዝነብር መንግስቲ ከኣ መወዳእታኡ ኣይስስንን ኢዩ። ስለዚ መንግስቲ ከምቲ ኣብ ኣህጉራዊ ኤርትራዊ መጽናዕትታት ንምድላው ብዙሕ ጻዕርን ናይ ገንዘብ ወጻእን ዝገበሮ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ እውን ነጻ ዝዀነ ዋዕላታት ንደገፍቲ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነ ንተቓወምቲ እውን ዝዕድም ርእይትኦም ዘቕርቡሉን ተቓውሞኦም ዘነጽሩሉን ዋዕላታት እናዳለወ ናይ ህዝቡ ሓሳባትን ድጋፍ ኮነ ተቓውሞታት ክሰምዕን መፍትሒ ዝርከበሉ ምምይያጣት ንኽግበር ጻዕርታት ከካይድን ይግብኦ። ጽልእን ቂምታን ጕድኣት እምበር ጠቕሚ ኣየምጽእን ኢዩ። መንግስቲ ከኣ ስለዝተቓወሙዎን ዘይተሰማምዑዎን ጥራሕ ምስ ሕብረተሰቡ ክቕየም እውን ግቡእ ኣይኮነን። ብሓጺሩ መንግስቲ ኣካቢ እምበር ፈላላዪ ክኸውን የብሉን።
ብዙሓት ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ነዚ ሓሳብዚ ወይ ኣበሃህላይ ክቕበሉዎስ ይትረፍ ነቲ መንግስቲ እውን ከም መንግስቲ ኣይቅበሉዎን ኢዮም። መንግስቲ ብምባልካ እውን መን ዝመረጾ መንግስቲ ብምባል ይወቕሱኻን ይዅንኑኻን ኢዮም። ኣብ ዓለም ግን ብህዝቢ ዝተመርጸ ጥራሕ ኣይኮነን መንግስቲ ዝበሃል። ዓለም ምሉእ ተቐቢሉ መንግስቲ እናበሎን ከም መንግስቲ መጠን ኣሚኑ ምስኡ እናሰርሔን ንስኻ መንግስቲ ኣይኮነን ኢልካ ካብ መንግስትነት ክትኣልዮ ኣይከኣልን ኢዩ። መንግስቲ ምዃኑ ኣሚንካሉ ኣይኣሚንካሉ እውን ተጕድሎ የልቦን።
ከምቲ ሓንቲ ኣደ ብወለዶኣ ስለዘይኰርዕ እሞ ህዝቢ ከይጽየፎ ፈሪሑ ከዋስና ምስ ሓሰበ ነቲ ወዳ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ‘’ፈቲኻ ጸሊእካ ኣነየ ኣዴኻ’’ ኢላቶ ዝበሃል ፈቲና ጸሊእና ካልእ ዘዳሎናዮ ኮነ ካብኡ ዝሓይሽ መተካእታ ስለዘይሓዝና እንተፈቒዱን ተሰማሚዑን ብዛዕባ ሃገርና ኮነ ህዝብና ምስቲ መንግስቲ ብኣካል ክንዋሳእ ብወገነይ ጸገም ኣይርእየሉን ኢየ። ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዝነቕፈንን ጌጋ ገርካ ዝብለንን ኣብ ጥቓይ ከይቀርብ ዝብል እንተዀይኑ ከኣ በቲ ንህዝብና ከነስምዓሉን ክንምህረሉን ንኽእል መንገዲ ክንዋሳእ ሎሚ መንገዲ ክፉት ኢዩ። መንገዲ እንተኸፊቱ ግን ነቲ ዘሎና መንግስቲ ክንኣምነሉን ከነመሓይሾን እሞ ምስኡን ምስቲ ዝበዝሕ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ትሓባቢርና ንዅላትና ዝጥርንፍ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምትካል ሃሰስ ምባል እንተዘይኮይኑ ከኣ ካብኡ ርሒቕካን ሸፊትካን ብማዕዶ ብማስ ሜድያ ጥራሕ ተጻሪፍካን ሰላም ዘስፍን ለውጢ ክመጽእ ኣይጽበን ኢየ።
ነዚ ዘሎ ስርዓት ብዘይካ ናብ ጕሓፍ ኣእቲኻ ሓድሽ ሱር ነቀል ዝዀነ ፍትሓዊ መንግስቲ ምትካል ንገበነኛ ስርዓት ምጽጋን ኮነ ምምሕያሽ ዝበሃል ንባዕሉ ገበንዩ ዝብሉ ደቂ ሃገር እውን ኣለዉ። በሉ ሕራይ ነዚ ዘሎ መንግስቲ ንምጕሓፍ ክንሕግዘኩምሲ ብኸመዩ ካብ ሱሩ ተመንቍሱ ዝጕሓፍ ? ኣበዩኸ እቲ እንዳጕሓፍ? እቲ ሱር ነቀል ዝኾነ ፍትሓዊ መንግስቲ ትብሉዎ ዘሎኹምከ ካበይ ብኸመዩ ክመጽእ ንገሩና ኣእምኑና እንተበልካዮም ብዘይካ እታ ንመንግስቲ ኤርትራ ክንቅይሮ ኢና ትብል ቀደም መለስ ዜናዊ ዝሃቦም ተስፋን ብስርዓት ወያነ በብጊዜኡ ክውሃቦም ዝጸንሔ ናይ ሓሶት መደናገሪት መብጽዓን ካልእ ጭቡጥ ምኽንያት ኣይትረኽበሎምን።
እቲ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቡ ንምጥርናፍ ዘካየዶ ጻዕርን ዘርኣዮ ተገዳስነትን ኣብ ርእሲ ዘይምንባሩ እተን ሓይልታት ፓልቶካትን ፈይስ ቡካትን ገለ ገለ ብሓሶተን ግኑናት ዝዀና ፍሉጣት ወብሳይታት እውን ህዝቢ ንምግጋይን ዘይከውን ሓበሬታታትን ተስፋታትን ኣብ ምሃብን ነቲ ኵነታት ንምብልሻውን ህዝቢ ንምፍልላይን ዓቢ ተራ ክጻወታ ጸኒሔን ኢየን። እዚ ማለተይ ግን ብወገን መንግስቲ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ህዝቢ ዝግበር ጌጋታትን ገበናትን ኣይነበረን ብማለት ኣብ ክንዲ መንግስቲ ንምክልኻል ዘይኮነስ እቲ ንምእራም ኮነ ንገበነኛታት ዝብሃሉ ናብ ፍርድን ፍትሕን ንምቕራብ ዝሓዝናዮ መንገዲ ቅኑዕ ከም ዘይነበረ ንምሕባር ጥራሕ ኢዩ።
እቲ ኣብ ናይ ሶሻል ሚድያ ዝቐርብ ኣእዛንና ክሳብ ዝጸምም ክንሰምዖ ንውዕልን ንሓድርን ፈኸራን ናይ ኮምፒዩተር ሓርበኝነትን እንተዘይኮይኑ ከኣ ብኸምዝን ከምዝን ናይ ውሽጢ ሃገር ህዝብና ነእምን። ብኸምዝን ብኸምዝን ከኣ ናብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብና ንጥርንፍ። ብኸምዚ ገርና ከኣ ሓንቲ ንዅላትና ደቂ ሃገር ትእክብን ትውክልን ዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ሃገር ንምስርት ዝብል ከእምን ዝኽእል ካብቲ ናይቲ መንግስቲ ዝሓይሽ ናብ ሓድነት ዘጕዕዝ ዋላ ሓንቲ ትሕዝቶ ኣይትረክብን። ነዚ ከኣ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓንቲ ብሓንቲ ኣጸቢቑ ይከታተሎን ይፈልጦን ኢዩ። ስለዚ ከኣዩ ከምዚኦም ዝኣመሰለ ተቓውምቲ ክህልዉኻ ዓቢ ዕድልዩ ክብል ቅድሚ ሎሚ ዝገለጾም። ብወገነይ ግን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ንህዝቢ ክመርሑን ከመሓድሩን ኮነ ነቲ መንግስቲ ክእርሙን ኣብ ሃገር ፍትሒ ከንግሱን ስለዘይክእሉ ምስቲ መንግስቲ ዝሃቦ ርእይቶ ኣይሰማማዕን።
እሞ ሓቂ ንምዝራብሲ ብኸመዩ ሱር ነቀል መንግስቲ ክምስረት? ንምዓስከ? ብርእይቶይ እቶም መደባትን ጽሩይ መጽናዕትን ዘይብሎም ብዘረባ ጥራሕ ንህዝቢ ዘጋግዩን ‘’ንዘይገብራ ይነግራ’’ ከም ዝበሃል መልእኽቲ ዘትሓላልፉን ምስ ነብሶም ተመራሚሮም ነቲ ሓቂ እንተዝቕበሉን ኣብ ህዝቦም እንተዝምለሱን ዝሓሸ ኢዩ። ካብ ኩሉ ከኣ ሰብ ዝመሰሎ ርእይትኡ ከቕርብ ንመንግስቲ ክድግፍ ኮነ ክቃወም ንተቓወምቲ እውን ክሕወሶም ኮነ ክነጽጎም ካብ ማንም ፍቓድ ዘይደልየሉ ናይ ተፈጥሮ መሰሉ ኢዩ። ናይ ማንም ሰብ መሰል ክኣ ባዕሉ ብድሌቱ ዝውስኖ እምበር ብኻልኦት ዝምረጸሉ ኣይኮነን። ነዚ ዘይኣምንን ዘይቅበልን ሰብ ግን ምእንቲ መሰልን ምእንቲ ፍትሕን ካልኦት እቃለስ ኣሎኹ ክብል ሓቅነት ዘይብሉ ምድንጋር ጥራሕ ኢዩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ምስ ዘጋጥም ኵነታት ምምዕባልን ኵነታትካ ምምዕርራይን እውን ልቦናን ብልሕን እምበር ስንፍና ኣይኮነን።
ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ናይ ኤርትራ መንግስትን ምምሕዳርን ምስ ተመስረተ ጥራሕ ኣብ ደገ ዝተፈጥሩ መብዛሕትኦም ብጽልእን ቅርሕንትን ዘለዎም መራሕትን ፖለቲከኛታትን ዝተተኽሉ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ነሮምን ኣለዉን። ኣብዚ ኣብ ብነጻ ክዛረቡሉን ክገሹሉን ክሰርሑሉን ዝኽእሉሉ ዕድል ዘለዎም ዲሞክራስያውያን ሃገራት እናተቐመጡ ግን ብዘይካ ነቲ መንግስቲ ኮነ ነቶም መራሕቲ ምጽራፍን ምውቃስን ምኽሳስን ነንሓድሕዶም ምንኻስን ምብላዕን ኣብ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ካብቲ ኣብ ሃገር ዝተመስረተ ምምሕዳር ዝሓይሽን ንህዝቢ ተስፋ ዝህብን ውዳበ ክገብሩ ኣይከኣሉን። እዚ ክብል ከሎኹ ከኣ ኣነ ንባዕለይ እውን ሓደ ካብኣቶም ምንባረይ ክገልጽ ኣይስከፍን ኢየ።
እቲ ናይ ሎሚ መርገጸይ ብዝያዳ ንምንጻር ከኣ ሎሚ እውን ነቲ መንግስቲ ጽቡቕ ይኸይድን ይሰርሕን ኣሎ ኢለ ኣሚነን ተቐቢለን ዘይኮነ እቲ ዝሓሸ ንዕኡ ንምዕራይ ኮነ ካብኡ ዝሓይሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡ ንረብሓ ሃገርካ እናተጣበቕካን ሃገራውነትካ ከይስሓትካን ብዝተፈላልየ መንገዲ ጌጋታቱ ንኽእርምን ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ገዲፉልና ክሓልፍ ንዕኡ ጸቕጢ ምግባርን ንህዝብኻ ምምሃርን ይሓይሽ ዝብል ምርጫ ስለዝወሰድኩ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ከኣ ሕልናይን ናይ ምምርማር ዓቕመይን ዝበጽሖ ምዕባለ ጥራሕ ኢዩ።
ዝያዳ ንምብራህ ብርእይቶይ ሎሚ እውን ነቲ ዘሎ መንግስትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዝበዝሔ ህዝብን ከየእመንካን ከየዕገብካን እሞ ብስምምዕን ብምትሕድዳግን ኢሂን ምሂን ኢልካ ከይተረዳዳእካ ብናዕቢ ወይ ብኩዴታ ክግበር ዝሕለም ለውጢ መጀመርያ ኣይመጽእንዩ ዓቕሚ የልቦን። ዓቕሚ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ስምምዕን ምትእምማንን እውን የልቦን።
ምናልባት ኣይፍለጥን ብገለ ነገር ንምምጻእ እንተተፈቲኑ ግን ንረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ዘይኮነ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ንምጽናት ዝሕግዝን ንህላወ ሃገርና ዝፈታተንን ጥራሕ’ዩ ክኸውን። ካብዚ ከምዚ ይስተረና እናበልኩ ከኣ ክሳብ ዝትከኣና ናጻ ጋዜጣ ዝፍጠር መንግስቲ ምምሕዳሩ ከምሓይሽን ኣብ ሃገርና ፍትሒ ከንግስን ህዝቢ ዝቐስነሉን ዝተኣማመነሉን ምሕደራ ክፈጥርን ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይንውዕልን።
ብርእይቶይ ከኣ ኣብ ኤርትራ እቲ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን ዘይለባም። እቲ ደምበ ተቓውሞ እውን ካብኡ ዝገደደ ኢዩ። ኣብ ሓደ ሃገር ዜጋታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ዝንባሌን ናይ ፖለቲካ እምነትን ክህልዎም ዝነበረ ኢዩ። ብዲሞክራስን ብፍትሕን ዝኣምን መንግስቲ ኮነ ተቓዋሚ ግን ካብ ዲሞክራስን ብሓባር ምክታዕን ሓሊፉ ኣብ ክንድዚ ጽኣክል ጽልእን ቅርሕንትን ዝኣትወሉ ምኽንያት ስንፍናን ዕሽነትን ጥራሕ ኢዩ። ዝዀነ ሰብ ካልኦት ይቀበሉዎ ይንጸጉዎ ብዘየገድስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝመስሎ ርእይቶ ከቕርብ ናጻ ኢዩ። ዲሞክራሲ ወይ ናይ ዝበዝሑ ሰባት ድምጺ ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ምውዓል ከኣ ኣብ ሃገርና ቀደም ቅድሚ እዞም ሎሚ ተሰዲድና ንነብረሎም ዘሎና ናይ ምዕራብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዝበሃሉ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝነብሩ ህዝቢ ባይቶ ገሮም ዝበዝሑ ብዝደልዩዎን ዝውስኑዎን እናተሰማምዑ ብዘይ ምትእትታው መንግስቲ ኮነ ሓይሊ ፖሊስ ባዕሎም ብዝነደፉዎ ሕጊ እንዳባ ክነባበሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዝወለዱና ህዝቢ ምዃንና ከኣ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ።
መንግስቲ ገበን ገሩ መንግስቲ እዚ ፈጢሩ ንዝበሃል ከኣ ነቶም ኣብ መንግስቲ ስልጣን ሒዞም ገበን ዝፈጸሙን ብስልጣኖም ዘይሕጋዊ ተግባራት ገሮም ዝበሃሉን ክትቈጻጸሮምን ከተረኻኽበሎምን ትኽእል ሕጊ ዘለዋ ሃገር ተኺልካ ብሕጊ ክትሰርሕን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምስ ዝህልወካን ጥራሕ ኢዩ። ካብኡ ዝተረፈ መንዩሞ ንመን ክፈርዶ? እቲ ኣብ ኮምፒዩተር ኮይኑ ንሰባት ብገበናት ክኸስስን ክፈርድን ዝውዕል ዘሎኸ መንዩ ንጹህ ኢኻ ኢሉ ምስክር ወረቐት ዝሃቦ። ብርእይቶይ ሕጂ እውን ልዕሊ ኹሉ መንግስቲ ክልብምን ክትዓጻጸፍን እንተዝኽእል እቲ ዝሓሸ እመስለኒ። ምኽንያቱ እቲ ዝበለጸ ንኽጥርንፍ ዓቕምን ሓይልን ዘለዎ ንሱ ብምዃኑ።
እቲ ኣብዚ ተስፋ ዝህበካን ኤርትራ መጻኢ ዕድላ ትስፉው ምዃኑ ዘረጋግጸልካን ግን እቲ ኣብ ደገ ንርእሱ ከይተሰማምዔን ከይትኣማመነን ጸረ ሰላምን ጸረ ሓድነትን ጸረ ሃገራውነትን ዓረር ክብል ዝውዕል ዘሎ ተጻባኢ ሓይልታት ኣብ ደጊኡ ክተርፍ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓድነት ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ መንእሰያት ኵለን ብሔራት ተፈጢሩ ዘሎ ምቅርራብን ምውህሃድን ምትእስሳርን ሓድነትን ግን ስጥምትን ርግእትን ምዕብልትን ሰላም ዝሰፈና ሃገረ ኤርትራ ከም ዝምስርት ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ሎሚ እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝስማዕ ፖለቲካ ኤርትራ ክሰምዑ ከለዉ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ህዝብና ክኣምኑዎ ዘይክእሉ ብዙሓት ኢዮም።
እዚ መብዛሕትኡ ስርዓት ወያነ ዘተኣታተዎ ኣብ መንጎ ብሄራት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዝሓዝካዮን ዝጨበጥካዮን ስልጣን ዘይብልካ ዝልዓል ጕዳያትን ክትዓትን ምስሓሓባትን ምውጣጥን ኤርትራውያን ከም ዘሎ ክሰምዑ ከለዉ ከኣ እምበርዶ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝብናስ ምስ ኣእምሮኡ ኣሎዩ? ኢሎም ዝግረሙ ከም ዘለዉ እውን ብዙሓት ከዘንትዉዎ ንሰምዖ ዘሎና ሓቂ ኢዩ።
እዚ ኵሉ ግን ብርእይቶይ ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝያዳ ጕድለትዩ እንተተባህለ እውን ጌጋ ይኮነን። ምኽንያቱ ዝዀነ መንግስቲ ምስ ተቓወምቱን ምስ ዘይፈትዉዎ ዜጋታቱን ይዛረብን ይመያየጥን ኢዩ። እዚ ከኣ ልቦና እምበር ስንፍና ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ግን ዝኸደ ይኺድ እቶም ዝተረፉ ይኣኽሉኒ ክብል ዘይኮነ ንዝቐረቡዎ ኮነ ዝረሓቑዎ ህዝቡ ክእክብን ምስ ኵሎም ክቀራረብን ክመያየጥን እንተዝኽእል ንጌጋታቱን ጕድለታቱን ካብ ብዙሓት ደቂ ሃገር ምኽርን መኣረምታን ምረኸበ። ንባዕሉ እውን ህዝቡ ገዲፉዎ ኣይምተሰደን። ንሱ እውን ከምዚ ሎሚ ቆሪሩዎ ዘሎ ኣይምቘረረን። ነቲ ኣብ ምንጎኡን ኣብ መንጎ ገለ ክፋል ናይ ህዝቡን ዝዀኑ ተቓወምቱ ተፈጢሩ ዘሎ ጽልእን ተቓውሞታትን እውን መፍትሒ ምረኸበሉ። ስለዝዀነ ከኣ ከምቲ ንኣህጉራዊ ኤርትራዊ መጽናዕትታት ዘዳለዎ ዋዕላ ከምኡው’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘቤታዊ ዋዕላ ብምድላው ምስ ኵሎም ህዝቡ ብቕንዕናን ብግሉጽነትን ምእንቲ ክመያየጥን ኣብ ልቡ ንኽምለስን ህዝቡ ንኽእክብን እዚ ኣብ ህዝብና ኣብ ወጻኢ ተፈጢሩ ዘሎ ምፍልላይን ጽልእን መፍትሒ ንምርካብ ክጽዕርን ናትና ናይ ኵልና ደቂ ሃገር ዘቤታዊ ዋዕላኸ ንምዓስዩ? ዝብል ሕቶ ነቕርበሉ።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ
ቀለታ ኪዳነ (ሎንዶን)