PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መደብ ብጋህድን ሓቅን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ.8 – መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ንኽንደይናኸ ይውክል?
ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ | Oct 10, 2016 | meskerem.net
መደብ ብጋህድን ሓቅን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ.8 ኣወሃሃድን ኣቕራብን ቀለታ ኪዳነ መንግስቲ ኤርትራ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ንኽንደይናኸ ይውክል?
ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር ከመይ ቀኒኹም
መደብና ብጋህዲ ሓቂ ክንዛረብ እሞ ሰማዒ ጥራሕ ዘይኮነ መፍትሒ ሽግርና ዝኸውን ገለ መንገዲ ክንረክብ ሃሰስ ክንብል ምዃኑ ብዙሕ ጊዜ ስለ ዝገለጽናዮ ሎሚ ብዙሕ ትንተና ዘድልዮ ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ጊዜ ንሓስቦን ነስተንትኖን ከኣ ብዛዕባ ህዝቢን መንግስትን ኤርትራ ኢዩ። እዚ ከኣ ሃገርናን ህዝብናን ስለንፈቱ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ሎሚ ሃገሩን ህዝቡን ከም ዝጸልእን ዝርስዕን ኰይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘሎ እውን ዝጠፍኣና ኣይኮነን። እሞ እስከ ብግልጽ ዝበለ ብጋህዲ ክንዛረብሲ መንግስቲ ኤርትራስ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ንኽንደይናኸ ይውክል? ኣብዚ እዋን’ዚኸ ነቲ እውክሎ ኢየ ዝብል ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ሒዙዎን የመሕድሮን ኣሎ? ስለምንታዩ መንግስቲ ኤርትራ ብናይ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቡ ተኸሲሱ ኣብ መጋብኣያታት ሕቡራት ሃገራት ኰለል ክብል ዝርኤ ዘሎ? ንምዃኑኸ እዚ ኵሉስ እንታይ ኣምጽኦ? መንግስቲ ነቲ ሓንቲ ሓጥያት ዘይብሉ ህዝቡ ብምብዳልን ብምግፋዕን ብምስቓይን ዝረኽቦ ረብሓን ጠቕምንከ ኣሎ ድዩ? እቲ ቀንዲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽሰሰሉን ዝውቀሰሉን ዘሎ ምኽንያትከ ንህዝቡ ስለዝበደለን ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝጠሓሰን ጥራሕ ድዩ ወይሲ ካልእ ናይ ወጻኢ ኣእዳው ዝኣተዎ ፖለቲካዊ ምኽንያታትን ጠንቅታትን ኣለዎ?
ናይ መንግስቲ ከኣ እስከ ነጽንሓዮ። እቲ ህዝቢኸ ኣብ ውሽጢ ኮነ ወጻኢ እንታይ ይብል ኣሎ? ነቲ መንግስቲ ዘፍቅሮን ዝኣምኖን ዝቕበሎንዶ ይበዝሕከ ዝጸልኦን ዝወቕሶን ክወድቕ ዝቃለሶን ዝደልዮን ዘሎ? እቲ መንግስቲኸ ህዝቡ ይፈትዎ ድዩ ይጸልኦኸ ይፈልጦን ይግድሶን ድዩ ወይሲ ዝፈተወ ይቕረብ ዝጸልኤ ከኣ ይጥፋእ ብሃላይ ኢዩ? ዝዀነ መንግስቲ ንዅሉ ከሓጕስን ከዕግብን ከም ዘይክእል ፍሉጥ ኢዩ። ንምዃኑ መንግስቲ ኤርትራኸ ድሌትን ስምዒትን ህዝቡ ክፈልጠሉ ዝኽእል መንገዲ ብኸመዩ? ነዚ ኵሉ ዝቃወሞን ዝምክቶን ዘሎ ህዝቢ ንዒቑን ትሃላሊኹንከ ኣበዩ ክበጽሕ? ህዝቢ ኤርትራኸ ይውሓድ ይብዛሕ ነቲ መንግስቲ ክቃወሞን ክብድሆን ከሎ እቲ ድሌቱን ሕቶታቱን ንጹር ድዩ? ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ንሓድነትን ዘቐደመ ድዩኸ? እቲ ብወገንና ንከታተሎን ብጋህዲ ክንዘራረበሉን ንደልዮ ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።
እቲ ዝገርም ግን እቲ መንግስትን እቲ ፍትሒ ጐደለ ድኻ ተበደለ እናበለ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ህዝብን ክልቲኦም ኣብ ክንዲ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ብምቕዳም ተቐራሪቦም ክዘራረቡን መፍትሒ ክደልዩን ዝሓስቡ ክልቲኦም ሓደ ነቲ ካልእ ኣዋሲኑን ስዒሩን ክዕወቱ ምድላዮም ጥራሕ ኢዩ።
እቲ ሓቂ ግን እቲ መንግስቲ ብዘለዎ ዓቕምን ገንዘብን ነቶም ዝቃወሙዎ ንምጥፋእን ኣፎም ንምዕባስን ዝገበረ ይግበር ምስ ህዝቡ ብግልጺ ከይትዓርቀ ከቐንዮ ይኽእል ይኸውን ብርእይቶና ከናብሮን ከቐጽሎን ከዓውቶን ግን ዘይሕሰብ ኢዩ። እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ እውን ነቲ መንግስቲ ኮነ ስዓብቱ ንዅሎም ስዒሮምን ኣምበርኪኾምን ንሳቶም ጥራሕ ዝውንኑዎ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ መንግስቲ ተቓወምቲ ክምስርቱ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ብርእይቶና ኵላትና ረብሓ ሃገርን ህዝብን ብምቕዳም ሓደ ሃገራዊ ፍታሕ ክንረክብ ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎና።
ብዛዕባዚ ሃገራዊ ፍታሕ ኣብ ነልዕለሉ እዋን ካብ ገለ ገለ ደቂ ሃገር ዝበጽሓና ርእይቶን ነቐፌታን ክንሓብኦ ኣይንደልን ኢና። ንሱ ከኣ ከመይ ገርኩም ምስዚ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ስምምዕን ፍታሕን ክርከብ ትደልዩ ወይ ትጽበዩ? ዝብል ኢዩ። እሞ እቲ ፍታሕ ብልዝብን ሃገራዊን ህዝባውን ረብሓ ብምቕዳም ብሰላማዊ መንገዲ ክንፈትሖ ዘይንደልን ዘይንግደስን ኰንናኸ እቲ ካልእ ምርጫ እንታዩ ንዝብል ሕቶ ግን ብዘይካ ተቓሊስና ክነልቅቖን ክንድምስሶን ኣሎና ዝብል ከዕግብን ከእምንን ዝኽእል መልሲ ኣይርከቦን ኢዩ።
ኣብዚ ነካይዶ ዘሎና ሃገራዊ ቃልስን ጕዕዞን ዋላ ሓንቲ ኣበርክቶ ዘይብሎም ክንሶም ንመግስቲ ኤርትራ ከምቲ ንሳቶም ብናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ኣውራጃ፡ ናይ ብሔርን ካልእን ሕማማትን ጽልእን ቅርሕንትን ተመሪዞም ዝጸርፉዎን ዝንዕቁዎን ዝጸልኡዎን ብዘይምግባርና ዝወቕሱናን ዘጸልሙናን ሰባት ከም ዘለዉ ግን በብእዋኑ ንከታተሎን ንፍልጦን ጕዳይ ኢዩ። ንሕና ግን ብዘይካ ፍታሕ ረኺብና ሃገርናን ህዝብናን ዝቐስኑሉ ኵነታት ንኽርከብ ብዓቕምና ብምዝራብን መፍትሒ ንምርካብ ምጽዓርን እንተዘይኮይኑ ኣብ ስልጣን መን ይመጽእ ብዙሕ ዝገድሰና ወይ ምስ ማንም ንመሳሰለሉን ከንሓጕሶ ንጽዕረሉን ጕዳይ ኣይኮነን። እዚ ክንብል ከሎና ግን ነቶም ብግሉጽ ኮነ ብሕቡእ ዝመኽሩናን ዘተባብዑናን ደገፍቲ ኮነ ተቓወምቲ ሃገራውያን ከየመስገናዮም ክንሓልፍ ኣይንደልን ኢና።
ከምቲ ደጋጊምና ዝገለጽናዮ ዕላማና ብዘይካ ሰላምን ቅሳነትን ህዝብናን ሃገርናን ከኣ ፖለቲካዊ መደብ የብልናን። ካብ ባህሊ ኤርትራና ብምብጋስ እቲ ከምዚ ናይ ሎሚ ብቖሎ ጥጥቖ ነንሓድሕድካ ምንኻስን ምትንኻፍን ዘይነበሮ ጽሩይ ባህልና ንምዝካርን እቲ ብቐዳሞት ወለድና ዝግበር ዝነበረ ምዕቡል ባህሊ ናብዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ንምትሕልላፍን እውን ኢዩ። ኣብ ጊዜ ኣቦታትናን ኣብሓጎታትናን ዝግበር ዝነበረ ምክብባርን ብምትሕልላይን ስልጡን ናይ ፍልልይ ርእይቶ ምሃብን ምቕባልን ዝነበሮ ኰይኑ ዋላ ብርእይቶ እናተፈላለዩ ኣብ መንጎኦም ጽልእን ቅርሕንትን ዝበሃል ይፍጠር ኣይነበረን። ብሕጊ ክማጐቱ ውዒሎም ብድሕሪኡ ከም ኣሕዋት ብሓደ ይበልዑን ይሰትዩን ከም ዝነበሩ ሎሚ ንደቅናን ደቂ ደቅናን ምንጋርን ምምሃርን ከኣ ወለድና ክሳብ ክንደይ ምዕቡላትን ስልጡናትን ከም ዝነበሩ ሓቀኛ ታሪኾም ንምትሕልላፍ ኢዩ።
ከምቲ ኣርእስትና ብጋህዲ ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን እቲ ሎሚ ቀንዲ ሃስዩና ዘሎ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ዝራኸበሉ ድልድል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ ሰብ ንኽዛረብን ጸገሙ ክገልጽን ናይ ብሓቂ ስለ ዝፈርሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብዘይካ ዝተብሃልካዮን ዝተነግረካን ምፍጻም እንተዘይኰይኑ ከኣ ኣብ ጕዳይ ሃገርን ህዝብን ክትዛረብ ወይ ክትቃወም ኣይግባእንዩ ዝብል ባህሊ ሰውራናን መንግስትናን ንምልኪ ከም ንርዕምን ንቕበልን ስለዝገበረና እውን ኢዩ።
ብኻልእ ወገን ከኣ እቶም ንበዝሕ ብፍላይ ከኣ እቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ነጻ ሃገራት ዘሎና ሰባት ክንምህርን ንዝሓሸ ለውጢ ክንቃለስን ዝግብኣና ክነሱ መብዛሕትና ኣብ ናይ መጻኢት ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ተስፋ ብምቝራጽ ኣብ እንታይ ገደሰና ምርጫ ምውዳቕና’ሞ ነቲ ብድሕሪት ዝገደፍናዮ ሃገርናን ህዝብናን ብምርሳዕ ውራይ ስራሕናን ገንዘብናን ደቅናን ጥራሕ ክንገብር ምውሳንና ኢዩ። እዚ ሰላም እንተተረኽበ ምስ ህዝብና ንርእዮ እንተዘይተረኽበ ክኣ ንሕና ዘበን ብጥዑሙ ተሰዲድና መነባብሮና ኣጣይስና ኣሎና ብማለት ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ንዘጋጥም ዘሎ ኵነታት መብዛሕትኦም ደቂ ሃገር ትዓዘብቲ ወይ ወቐስቲ ጥራሕ ኰይኖም ስቕ ኢሎም ምራይን ምስማዕን ከኣ ካብቲ ብቐዳሞት ወለድና ዘይነበረ ዘስክፍ መቕይሮ ባህልና ኰይኑ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ።
ንሕና ኣዳለውትን ጽሓፍትን መደብ ብጋህድን ሓቅን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ግን ከምቲ ኵሉ ጊዜ ንገልጾ ንብዅሉ ወገን ዝቐርብ ደገፍ ይኹን ተቓውሞ መንግስቲ ከነኣንግድን ነቲ ኣብ ህዝብና ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልያት ከነጽብብን ተቓወምቲ ኮነ ደገፍቲ ኵሎም ከም ደቂ ሃገር መጠን ብሃገራዊ ኣትሓሳስባ ክሓስቡን ፍልልያቶም ብዘየገድስ ሃገራዊ ረብሓን ጠቕምን ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገር ከቐድሙን እቲ መንግስቲ እውን ፈትዩ ጸሊኡ ሕቶታት ህዝቡ ንምስማዕ እዝኑ ክኸፍትን ሰሚዑ እውን ዝምልሰሉን ሓላፍነት ዝወስደሉን ኵነታት ንምፍጣር ብዓቕምና መደብ ኣውጺእና ንሰርሓሉ ኣሎና። ካብ ደገፍቲ ኮነ ተቓወምቲ ገለ ገለ ደቂ ሃገር ክሕወሱናን ኣብቲ ዘሎ ኵነታት ሃገርና ንገብሮ ምይይጥ ብግሉጽ ኮነ ብስቱር ርእይትኦም ፈይ ከብሉን ምጅማሮም ከኣ ተስፋ ዝህብ ኢዩ።
እቲ ዝገርም ግን ነዚ ንሕና ጀሚርናዮ ዘሎና መደብ እቲ ህዝቢ እምበር እቲ መንግስቲ ኮነ እቶም መብዛሕትኦም መራሕቲ ውድባት ዝበሃሉ ደምበ ተቓውሞ ክልቲኦም ወገን ዘይደልዩዎን ዘይድግፉዎን ምዃኖም ክንፈልጥ ምኽኣልና ኢዩ።
ብወገን እቲ መንግስቲ ዘይድግፈሉ ምኽንያት እዚ ኹሉ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከይተረፈ ቀሪቦም እናተጻብኡዎን እናበድሁዎን ክሳብ ሎሚ ተቓወምቲ ኣለዉኒ ኢሉ ኣሚኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ስለዝዀነ ከኣ ንጕዳይ ሃገሩን ህዝቡን ንምፍታሕ ምስ ተቓወምቱ ንምምይያጥ ሓሲቡሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ንሃገርናን ህዝብናን ዝጎድእ ዘሎ ከኣ እቲ መንግስቲ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝግበረሉ ዘሎ ተቓውሞን ዝቐርበሉ ዘሎ ሕቶታትን ኣሚኑ ምስ ህዝቡ ክዘራረበሉን መፍትሒ ክረኽበሉን ዘይምድላዩ ኢዩ። እዚ ከኣ ንኵላትና ደቂ ሃገር እምበር ንተቓወምቲ ጥራሕ ዝጐድእ ኣይኮነን።
መንግስቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝኸደ ጌጋታትን በደላትን ስለዘለዎ ለውጢ ክገብር ከም ዘሰክፎን ዘፍርሖን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ካብ ገበን ኣብ ልዕሊ ገበን ምውሳኽ ግን መንግስቲ እንተደልዩዎን ጽዒሩሉን ክፍታሕ ዘይክእል ጸገም የልቦን። ስለዚ መንግስቲ ነቲ ዓይኑ ዓሚቱዎ ዘሎ ጸልማት ብምቕንጣጥ ብርሃን ዝርእየሉ መንገዲ ክደሊ ኣለዎ። በዚ ከኣ መንግስቲ ኣሰራርሓኡን ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ኣቀራርባን ከመሓይሽ ኣለዎ ዝብል ርእይቶና ኣሎና።
ብወገን ተቓወምቲ እውን እንተዀነ እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እምበር መንግስቲ ኣይኮነን። (ወረ ገሊኦምስ ሕሉፍ ሓሊፎም ሽፍታ ዝብሉዎ ኣለዉ) እዚ ስርዓት ህዝባዊ ግምባር ቀደም ኮነ ሎሚ ሽፍታ ስለዝዀነ ከኣ ብዘይካ ካብ ሱሩ ምምንቋሱ ከም መንግስቲ ኣሚንካ ምስኡ ምዝራብን ካብኡ መፍትሒ ምጽባይን ቅኑዕ ኣይኰነን። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ዋላ ሓንቲ ዓቕምን ሓይልን ዘይብልካ ክነስኻ እቶም ንዕኡ ( ንመንግስቲ ኤርትራ) ዝድግፉን ዝሕብሕቡን ምስኡ ጠጠው ኢሎም ዘለዉ ደቂ ሃገር እውን ምስኡ ክጠፍኡን ክድምሰሱን ኣለዎም ኢልካ ምፍካርን ምውጣጥን ብርእይቶና ዘየዓውትን ስጉምቲ ዘይወስድን ጌጋ ርእይቶ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነመጻኢት ኵልና ደቂ ሃገር ብማዕርነትን ብሓድነትን ብሰላምን ክንነብረላ ንኽእል ሃገር ንምምስራት ስለዘይሕግዝ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ምንባብን ሰላማዊን ዘላቕን መፍትሒ ዝርከበሉ መንገዲ ሃሰስ ምባልን ኣድላዪ ይመስለና።
እዚ ናብ ክልተ ጫፋት ዘሎ ርእይቶታት ከኣ ንህዝብና ክጎድኦ እንተዘይኰይኑ ዝጠቕሞ የብሉን።
መንግስቲ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን መሰልን ህዝቢ ከይተቐበለን ከየኽበረን ነዚ ብኣሽሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን መሰሉ ዝሓቶን ንበደላቱ ዝቃወሞን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣሕሚቑን ደምሲሱን ክንዲ ዝሃለወ ሓይሊ ጸጥታ ይሃልዎ ክንዲ ዝበዝሔ ገንዘብን ጕልበትን የጥፍእ ሰላም ዘለዋ ሃገር ኮነ ንባዕሉ እውን ቅሳነት ዘለዎ ምምሕዳር ክፈጥር’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ጥራሕ ኢዩ።
ደምበ ተቓውሞ እውን ዝተወደበ ይኹን ዘይተወደብ ነቲ መንግስቲ ኮነ ስዓብቱ ብፍትሕን ብልዙብ ኣቀራርባን ብሃገራዊ ኣትሓሳስባን ትሓዲሱ ንሰላምን ንጥርናፈን እንተዘይሰሪሑ ንመንግስቲ ኤርትራ ኮነ ከምቲ ዝብሎ ንዅሎም ስዓብትን ኣባላትን ህዝባዊ ግምባር ነበርን ደምሲሱን ኣጥፊኡን ክምስርቶ ዝኽእል ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ሓድሽ መንግስቲ ተቓወምቲ ክህሉ ይኽእልዩ ኢልካ ምሕሳብ ናይ ፖለቲካ ቍልዕነት ጥራሕ ኢዩ። በዚ ኰይኑ በቲ ክኣ እቲ ሎሚ ዘሎ ፍልልይና ንጽባሕ ኣብ ዝገደደን ዝኸፍኤን ዝዓበየን ፍልልያት ከይብጽሓና ዘስክፍ ኢዩ።
ከም ሰብ መጠን ስለዘይተርፎ ከኣ ሓደ መዓልቲ ናይ ኤርትራ መራሒ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብሕማም ወይ ብድንገት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ዝብል መርድእ ክስማዕ ምዃኑ ዘይተርፍ ኢዩ። እቲ ዘሰክፍ ከኣ እቲ ብድሕሪኡ ናይታ ብዘይ ቅዋምን ብዘይ መንግስታዊ መነባበሪ ሕግን ብዘይ ምክትል መራሕን ህዝብን ሰራዊትን ብዘይፈልጦ ብምስጢራዊ ኣገባብ ትሰርሕ ኣብ ሃዋሁው ትነብር ዘላ ሃገርና ጕዳይ ኢዩ። ሎሚ ዘይተወገነን መንገዱ ዘይሓዘን መንግስትን ህዝብን ሽዑ ክሰማማዕን ክጥርነፍን ይኽእልዩ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ግን ብርእይቶና ዓቢ ጌጋ ይጋገ ኣሎ ንብል።
ንምዃኑ እስከ ሓቂ ክንዛረብ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝበሃል ዘሎስ መንዩ? ብኸመይ ዝቖመን ዝሰርሕን ዘሎን መንግስቲ ኢዩኸ? ብኸመይከ ንህዝቢ ዝውክል ሃገራዊ መንግስቲ’ዩ ኢልና ክንኣምኖን ክንቅበሎን ንኽእል? ወዮ ግዳ ምሉእ መዋእልና ኣብ መግዛእቲ ስለዝነበርናን ናይ ገዛእ ርእስና መንግስቲ ወኒንና ስለዘይንፈልጥን እምበር ኣቃውማ መንግስቲ ኤርትራ ክትሓስቦን ክትምርምሮን ከሎኻ እኮ ኣይኮነንዶ መንግስቲ ክትብሎስ ቅድሚ ሎሚ ከምኡ ዝኣመሰለ ተፈጢሩ ርኢናን ሰሚዕናን ስለዘይንፈልጥ ንዕኡ ዝምልከት ስም ክንረኽበሉ እውን ኣጸጋሚ ኢዩ። ከምኡ ምዃኑ እናርኣናን እናፈለጥናን ከኣ ኢና እቲ ዝቐለለን ዝሓሸን ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዝደልን ዝሰርሓሉን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ንገልጾ። እዚ ማለት ግን እቲ ሓቂ ንሱ ምዃኑ ስለንፈልጥ እምበር መንግስቲ ክገብሮን ክቕበሎን ይኽእልዩ ኢልና ስለንኣምን ኣይኮነን።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነዚ ኣብ መደብ ብጋህድን ሓቅን ነቕርቦ ዘሎና መደብ ኣቶ ሃብተ ገብረ ዝተባህለ ሃገራዊ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ርእይቶ ኣቕሪቡልና ነሩ። ርእይቶኡ ንመምሃርን መዛረብን ክኾነና ብማለት ከኣ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ከነቕርቦ መዲብና ኣሎና። ንርእይቶ ኣቶ ሃብተ ገብረ ኮነ ካልኦት ከምኡ ዝኣመሰሉ ክንምልሰሉን ጊዜናን ጕልበትናን ከንጥፍእሉ ከሎና ከኣ ንዓታቶም ጥራሕ ዘይኮነ ምምይያጥና ንህዝብና ትምህርን ኣፍልጦን ክውስኸሉ ይኽእል ኢዩ ኢልና ስለንእምን ኢዩ። ኣብቲ ርእይቶ ንምምላስ፡-
ዝኸበርካ ሓው ኣቶ ሃብተ ገብረ
ነቲ ዘቕረብካዮ ርእይቶታት ሓደ ብሓደ ርእይቶታት ክንህበሉን ክንምለሰሉን’ኳ እንተዘይከኣልና ሕልፍ ሕልፍ ኢልና ንዘስተብሃልናሎም ነጥብታት ክንምልሰሎምን እሞ ህዝቢ ከኣ ብዝያዳ ክመሃረሎምን ተስፋና ኢዩ። ንተሳታፍነትካ ምስጋናና እናቕረብና ከኣ ንኻልኦት’ውን ኣብነት ክትኮኖም ተስፋ ንገብር።
1ይ.ፕረሲደንት ግዚያዊ መንግስቲ ሃገረኤርትራ ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዕለት 21 ግንቦት 1994 ኣብ ዝተጋብአ ፈላሚ ኣኼባ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኣብ ዝስምዖመደረ “መጻኢ ዕድል ሃገርና ዘተኣማምን ምእንቲ ክኸውን ሕጊ ከምዝነግስ ምግባር ቅዋማዊ መንግስቲ ምምስራት ንደሞክራስን ደሞክራሲያዊ ትካላትን ውሕስነት ስለዝኾነልዕሊ ዝኾነ ጉዳይ ንሰርሓሉ ሕቶ ኢዩ” ኢሉ ኔሩ። (ወራር ማፍያዊ ስርዓት ኢትዮጲያን ተሓባበርቱን) ልዕሊ ዅሎም ካልኦት ኣገደስቲሃገራዊ ጉዳያት ተሰሪዑ ከምዝተሰርሓሉ ዘካትዕ ኣይመስለንንምኽንያቱ ንዕኡ ዘረጋግጹ ቡዙሓት ጭብጥታት ስለዘለዉ። ክትብል ጠቒስካ ኣሎኻ።
መንግስቲ ኤርትራ ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ጊዜዊ ይጽዋዕ ኣሎ? ባዕልኻ ክትምልሶ ንገድፎ። ካብኡ ድሕር ኢልና ከኣ ናይቶም ካልኦት ዘይንፈልጦም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ ሃገር እሞ ነጽንሓዮ እቶም ኣብ ዝሓለፈ መደብና መደብ ብጋህዲ ቍጽሪ 7 ዝዘከርናዮም ጕጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኮነ ካልኦት ጋዜጠኛታት ስለምንታይ ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ጸልማትን ኣብ ጕድጓድን ትኣሲሮም ብዘይ ፍርዲ ይሓቁ ኣለዉ? እቲ ንሳቶም ዘቕረቡዎ ሕቶታትን ርእይቶታትንከ ብዘይካ ንሃገር ጠቕሚ ንሃገር ዝጐድእ እንታይ ነሩዎ? እዚ’ውን እቲ ፍርዲ ንዓኻን ንኻልኦት ተኸታተልትን ንገድፎ።
ኣይኮነንዶ ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት ኮፍ ኢልካን ናይ ባይቶ ኮነ ናይ ፈጻሚት ሽማገለ ኣባል ኮንካ ዋላ ተራ ሰብ እውን ንዘልዓሎ ሕቶታትን ርእይቶታትን ተቐቢልካ ኣብ ክንዲ ብዓቕምካ መፍትሒ ክትረክብ ምፍታን ከይነተግብሮ ወያነ ዕንቅፋት ኰይኑና ነሩ ክትብል ግን ሓቅነት ዘለዎ ኣይመስለናን። እዚ’ውን ንዓኻ ኮነ ንካልኦት ኣንበብቲ ዝግደፍ ፍርዲ ኢዩ። ንምዃኑ ፕረሲደንት ኢሳያስ ቅዋም ዝብሃል የለን መይቱዩ ከም ዝበለኸ ሰሚዕካዮዶ?
2ይ. ኣብዚ ኣጸቢቁ ክንጸር ዘለዎ ዓቢ ጉዳይን ንሕና ኤርትራውያን ብሓባር ክንርዕመሉን ክንሕበነሉን ዝግበአና ህዝቢ ኤርትራ ፈትዩ ንኽቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ከም መራሒኡ ክሸሞን ኣይፈተዎን ድማ ካልእ ክሸይም ስልጣኑ’ምበር ስልጣን ሓያል እየ ዝበለ ጎረቤት ሃገር መንግስትን ኣሳሰይቱን ዘይምዃኑ በቲ ድሩት ዓቅሙ መኪቱ ልኡላውነቱ ብግብሪ ምርግጋጹ’ዩ። እውን ኢልካ ኣሎኻ።
ኣብዚ እውን ምሳኻ ንሰማማዕ። ብርእይቶና ስርዓት ወያነ ንኤረትራን ህዝባን ንምጥፋእን ሓይላ ንምድኻምን ንምምብርካኻን እምበር ብምድግጋም ውግእ ዘካየዱ ንፕረሲደትን ኢሳያስ ንምቕታል ወይ ንምልጋስ ኣይነበረን። ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያት ከጥፍእን ንሓይሉ ባዕሉ ከዳኽምን ርእዮም ብልቢ ከምዝሰርሑሉን ዝድግፉዎን ዝተዛረቡ ገለ መራሕቲ ወያነ ኣለዉ። እሞ ጽልኢ ስርዓት ወያነ ምስ ሃገርናን ህዝብናን እምበር ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣይነበረን።። ድሕሪ ኵናት ብዱመ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንብጾቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትዩ ንሱ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ግን ንህዝቢ ኤረትራ ጠቒሙዎ ድዩ ጐዲኡዎ ሃገርና ኣብ ምንታይ ኵነታት ኣላ? ህዝብናኸ ብኸመይ ኣብ ስደትን ኣብ ምብታንን በቒዑ ኣሎ ነናትና ፍርድን ትንተናን ክህልወና ስለዝኽእል ነዚ እውን ህዝቢ ንኽፈርዶ ክንገድፎ ኢና።
3ይ. ህዝቢ ንውልቀ-ምልካዊ መሪሕነት (Autocratic Leadership) ፕረሲደንት ሃገረ-ኤርትራ ርዒምዎ ከምዘሎ’ውን ቡዙሕ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ንዝተባህለ ከኣ፡-
ህዝቢ ኤርትራ ንሕግን ፍትሕን ዘኽብርን ዝፈቱን ህዝቢ ኢዩ። ብተፈጥሮኡ ከኣ ናይ ሰላም እምበር ናይ ህውከትን ዕግርግርን ህዝቢ ስለዘይኮነ ኣይኮነንዶ ንደቁ ንባዕዳዊ ገዛእቲ እውን ብዙሕ ዝቃወምን ዝጻባእን ኣይነበረን። ብታሪኽ ከም እንፈልጦ እቲ ዝበዝሕ ቃልሱ ብሕጊ ተቓሊሱን ተማጕቱን ወይ ድማ ተመሳሲሉ ፍትሒ ንምርካብ ዝጽዕርን ዝቃለስን ዝነበረ ህዝቢ ኰይኑ ኣብ ሓይልን ዓመጻን ቃልሲ ዝኣቱ ዝሰምዖ ምስ ሰኣነን ፍትሒ ምስ ጨነቖን ጥራሕ ኢዩ።
ብዛዕባ ፕረሲደንት ኢሳያስ እንተዀነ እውን ብርእይቶና ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ ገሩ ዝኸበረን ዝተፈትወን መራሒ ኣይነበረን። እቲ ተፈታውነቱን ክብሩን ሎሚ ብዘይካቶም ኣብ ትሕቲ ስልጣኑን ምሕረቱን ዘለዉ ደቂ ሃገር ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ኣሎ ግን ንኣንበብትን ተኸታተልትን ዝግደፍ ኢዩ። እዚ ኵሉ ከኣ ብርእይቶና ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ብጊዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከይተረፈ ዝረኽቦ ዝነበረ ፍትሕን ስርዓትን ኣተሓሕዛን ስለዘጥፍኣሉ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ነቲ ምምሕዳሩ ርዒሙዎን ተቐቢሉዎን ኣሎ ዝብል ሰብ እንተልዩ ከኣ ( ከምቲ ህዝብና ንጣልያን ከይፈቶና ቦኖ Bono) ማለት ከይፈቶና ጽቡቕ ዝበሎ ህዝብና’ውን ንኽነብር ከይፈተወ ጽቡቕ ኣሎና ክብል ከም ዝግደድ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
4ይ.መሪሕነት ፕረሲደንት ካብ ናብ ደሞክራሲያዊ ዝያዳ ናብ ወልቀ-ምልካዊ ዝዘንበለ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንዕኡ ዘረጋግጹ ጭብጥታት ስለ ዘለዉ። ካብቶም ጭብጥታት ፈጻሚ ኣካል ብዘይ ቀይዲ ሓጋጊ ኣካል (ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ደስኪሉ ስለዘሎ) ንልዕሊ 15 ዓመት ይሰርሕ ምህላዉ ህግደፍ (ፓለቲካዊ ስልጣን ጨቢጠ እመርሕ ኣሎኹ ዝብል ውድብ) ካብ ዝምስረት ንልዕሊ 22 ዓመት ጉባኤ ዘይምክያዱ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንልዕሊ ፍርቂ ኣባላት ማእከላይን ብቀሊል ዘይግመት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለኡን ክሳብ ሎሚ ክትክእ ዘይምኽኣሉን ምጥቃስ እኹል መረጋገጺ ይመስለኒ። ብማለት እውን ኣንቢብና ኣሎና።
ኣይትብከን ድዩ ዘብክየኒ ዘሎ ከም ዝበሃል ደይ ንሕናስ ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ዘዛርበና ዘሎ። ወረ ሕጋውነቱስ ከኣ ይጽናሕ ስለምንታይ ንባዕሉ ሕጋውነት ዘይብሉ ክነሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሕጊ ምጥሓስ ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣዊ ሕልና ዘየፍቅዶ ግፍዒ ክፍጽም ይርከብ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልክት ወይ መሰረት ናይ መንግስቲ ዘይብሉ ክነሱኸ ስለምንታይ ሕቶታትን ርእይቶታትን ህዝቢ ዘይምልስን መሰል ዜጋታት ዘይሕሉን? ብርእይቶና ከምቲ ጸላእቲ ዝብሉዎ ከነኽፍኦን ክንጻረፍን’ኳ እንተዘይደለና መንግስቲ ኤርትራ ናይ መንግስትነት ኣሰራርሓን ሕግን ንእሽቶ ምልክት ከም ዘይብሉ ግን ንሕና እውን ንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ።
ምቸም ብምስላ ምግላጽን ምዝራብን ብቐሊሉ ንኸረድእን ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ክኣቱን ጽቡቕ እንድዩ ነዚ ዝመሳሰል ቅድሚ ሎሚ ዘጋጠመ ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ሓደ እዋን ኣብ ኢንተርነት ኣስፊረዮ ዝነበርኩ ዕላል ከዕለኩም። እቲ ታሪኽ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ቤት ፍርዲ ዘጋጠመ ኢዩ። ፖሊስ ትራፊክ ንሓንቲ መኪና ኵነታታ ይምርምራ እሞ እንተርኣያ ጎማታታ ዝኣረገን ስልክታቱ ዝወጸን ዝተቐዳደደን፡ ቦሎ የብላ ታርጋ እውን ኣይነበራን። ፍሬኖ እንተርኣየ ብዘይካ ቅሩብ ዘይሕዝ። ነቲ ኣውቲስታ ባቴንቲ ( መዘወሪ ፍቓድ) ኢሉ እንተሓተት ባቴንቲ የልቦ ገለ የልቦ። ዋንነት ዘረጋጽ ደብተር (ሊብረቶ) እሞ ከኣ ንባዕሉ እቲ ኣውቲስታ እንታይ ምዃሙ እውን ኣይፈለጦን ኢዩ። ብዝዀነ ፖሊስ ነቲ ዘዋሪ ከሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቦ። ፈራዳይ እዚ ኵሉ ካብ ዓሰርተ ዘይውሕድ ጕድለታት ዝሓዘ ክሲ ምስ ርኣየ በል ሕራይ እስከ ነዚኣ ትኸሳ ዘሎኻ መኪና ኢያ ካብ በልካ ክንኣምነካን ክንቅበለካን መኪና ዘብላኸ እንታይ ኣለዋ ንገረኒ ይብሎ። ፖሊስ ዋላ ሓንቲ የብለይን ይብል። ፈራዳይ እሞ እዚ ኵሉ ዝበልካዮ ካብ ዘይሃለዋ እዚኣ መኪና ኣይኮነትን። ስም ክሳብ ንሓተላን ንረኽበላን ትጕሓፍ እንተዀይና ክሳብ ንጕሕፋን ከኣ ሕዙዋ ብማለት ክትትሓዝ ይእዝዝ።
ነቲ ኣውቲስታ ከኣ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዓድኻ ከድካ ሊቸንሳ ዘየድልያ ገመል ወይ ኣድጊ ትዝውር። ከምዚኣ ዝኣመሰለት ሓጺን ድሕሪ ሕጂ ከይትሕዝ ከኣ ትፍርም ብማለት ብነጻ ከም ዘሰናበቶ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ጋዜጣ ስለ ዝወጸ ንህዝቢ ኤርትራ መዛረብን መዕለልን ኰይኑ ከም ዝነበረ ይዝከረና። ኤርትራውያን ኣይኰነንዶ ንናትናስ ንናይ እንዳማትና መንግስቲ ንቕበልን ነኽብርን ሰላማውያንን ኣኽበርቲ ሕግን ዝዀንና ህዝቢ ኢና። ናትናን ናይ ደቅናን መንግስቲ እሞ ከኣ ኣብ ርእስና ተሰኪምናዮ ከም ንኸይድ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ጂሚሩዎ እውን ነሩ ኢዩ። እቲ መንግስቲ ግን ብርእይቶና ባዕሉ ምስ ህዝቡ ኣብ ኵናት ክኣቱ መሪጹ ኣብዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኵነታት ንርከብ ኣሎና።
ዋላ ደቅና ይኹኑን ካብ ማህጸንና ይውጽኡን እምበር ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ክወስዱ ዘይክእሉ ብዘይካ ንክፉእ ንጽቡቕ ዘይሓስቡን ዘይሰርሑን እንተዀይኖም ግን ደቅና ብምዃኖም ጥራሕ ንጥቀመሉ ጕዳይ የልቦን። ከምቲ ርጉም ውላድ ንገዛ ኣቡኡ ዘጥፍእ እዞም ደቅና ኢዮም ብማለት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓንገሮምን ዝዓለለሎምን ዘሓንቀቖምን ደቁ ከኣ ሎሚ ነንሓድሕዶም ምጭኽኻንን ምትእስሳርን ምጥፋእን ጥራሕ ዘይኮነ ቅዋምን መነባበሪ ሕግን ከሊኦም ባህሉን ኣነባብራኡን ሕጊ እንዳቦኡን ደምሲሶም ብዘይካ ንኸድክሙዎን ከጥፍኡዎን ከድክዩዎን እምበር ንኽሕጎስን ቀሲኑ ክሓድርን ሓልዮሙሉ ኣይፈልጡን እናተባህለ ክዕለልን ክዝረብን ክትሰምዕ ከኣ ዘሕዝን ኢዩ። ካልእ ኩሉ እሞ ንግደፎ እዞም ብገዛእ ገንዘቡ ካብ ባንክ ዓቂኑ ከውጽእን ዓቂኑ ክበልዕን ኣብ ድላዩ ከይንቀሳቐስን ኣብ ሃገሩ ቀሲኑ ከይሓድርን ዝዕንቅፉዎ ዘለዉ ደቁስ ብኽመዩ ክፈትዎምን ክጽመሞምን ክቕበሎምን ዝኽእል ከኣ ዘይበጽሖ ይፈትኖም ዘብል ጥራሕ ኢዩ። ንባዕልኻ ኣብ ዝሕሸካ ሰላም ትረኽበሉ ሃገራት ተሰዲድካ ብሰላም እናነበርካ ሃገርናን ህዝብናን ጽቡቕ ኣሎ ምባል ግን ኣብ ዝተናውሔ ብሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ብፈጣሪ እውን ዘሕትት ኢዩ።
5ይ.ብወገነይ ንወልቀ-ምልካዊ መሪሕነት ፕረሲደንት ኣብ ሞንጎ’ቲ ክስገር ዘለዎ መድርኽ ኣቐሚጠ ብውዱዕ ክመዝኖ እንተድኣ ኾይነ ካብ ኣሉታ ኣወንታ ከምዝዓቢ ህልዊ ኩነታትናን ተጻባእትናን ዓቢ ምስክር’ዩ በሃላይ’የ። ይኹንድኣ’ምበር ንሱ ዘስዓቦ ኣሉታ ከምዘሎውን ክንክሕዶ ግቡእ ኣይኮነን። እውን ተባሂሉ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ጽቡቕ እንታይ ምዃኑ ዝተሓተተ ሓደ ሰብ ከምቲ ገለ ገለ ፍርሓት ኣምላኽን ፍትሕን ዘይፈልጡ ሰባት ዝብሉዎ ዘይኮነ እቶም ቅኑዓት ሃገራውያን እዚ ስርዓትዚ ሃይማኖት የብሉ፡ ወገን የብሉ፡ ኣውራጃ ኣይግድሶ፡ ፍቕሪ ኣይዓጦ፡ ሕውነት ኣይሰክፎ ንማንም ዝጠርጠሮ ጥራሕ ዘይኮነ ዘይፈትዎን ዘይኣምኖን ወሰን ኢሉ ዝኣስርን ብጭካነ ዝቐጽዕን ምዃኑዩ ክብሉ’ዮም ዝገልጹዎ። እሞ እቲ ውላድናን ናትናን ምዃኑ ነጽንሓዮሞ ከም መንግስቲ መጠን ክምስገነሉን ክንኣደሉን ዝግባእሲ ካብ ሰብኣዊ መሰል ሰብ ምኽባርን ምግሃስን ዝዓቢ እንታይ ኣሎ? ብዘይካ ኣሉታኸ እቲ ክበዝሕ ይኽእልዩ ዝበሃል መሰላት ደቂ ሰብ ኣብ ሃገርና ኣበይ ኣሎ? መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባዚ ክዛረቡ ከለዉ ጽሩይ ማይ፡ ጽርግያ፡ ሕክምና፡ ቤት ትምህርቲ ወዘተ ኢዮም ዝጠቕሱ። ብዛዕባዚ ኵሉ ብጥሜት ይኹን ብጽምኢ ኣብ በረኻታት ስሃራ ዝጠፍኤ መንእሰይን፡ ብዛዕባ እቲ ንኢትዮጵያን ንሱዳንን ኣብ መዓልቲ ክስደድ ዝውዕል ዘሎ ኣሽሓት ህዝብን፡ ኣብ ርእሲ ምውሓድና እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ስደትን ብጥሜትን ብጽምእን ብሸፋቱን ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብናን ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ግን ክጠቕሱ ኣይደልዩን ኢዮም። ነዚ ዝምጽኤ ሳዕቤናት ኵሉ ንኻልኦት ከተላግበሎም ከኣ ብወገንና ኣይናምኖን ኣይንቕበሎን።
ንሕና ኤርትራውያን ዝዀነ ይኹን ወያነ ይኹን ካልኦት ጐይተቱ ዝገበሩልና ዕንቅፋታት ብዘየገድስ ጥዑይ ምስ ህዝቡ ዝዛረብን ዝመያየጥን ብህዝቡ ዝኣምንን መንግስቲ እንተዝህልወና ነሩ ናይ ጸላኢ ዕንቅፋታት ብዘየገድስ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ሎሚ ኣብ ዝሓሸን ዝበለጸን ዝማዕበለን ኵነታት ምሃሎና። ንወያነ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸገማት ከኣ ብናቱ ጕድለትን ዝንቡዕ ወገናዊ ኣመሓድራን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ብዝገበሮ ቃልስን ብዘርኣዮ መንፍዓትን ኣይኮነን። ምናልባት ብመንፍዓት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወረደ ጕድኣት እንተልዩ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ንሃገሩን ህዝቡን ዘይጠርነፈን ዘየቕሰነን ንጐረባብቱ ኣብ ህውከት ከም ዝኣትዉ ገሩ ዝብሃል እንተዀይኑ ብርእይቶና ከውቅሶ እምበር ከንእዶ ዝግባኣ ኣይኰነን።
6ይ.ማፍያዊ ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብ ባይታ ድሌቱ ከተግብር ኣይኽኣል ድኣምበር ወራራቱ ተርእዮ ተንበርካኽነት ንኽንጸባረቅ ከምዝደረኸን ሕቶ ምርግጋጽ ሰላምን ልኡላውነትን ድማ ልዕሊ ዝኾነ ሃገራዊ ጕዳያት ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስርሓሉ ከምዝደረኸን’ውን ሚስጢር ኣይኮነን። እውን ተባሂሉ ኣሎ።
ኣብዚ ብግሉጽ’ኳ እንተዘይትሓበረ እቲ ኣበሃህላ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ንገለ ሓለፍቲ ዝነበሩ ተንበርኪኾም ዝብል ዘቕረቦ ክሲ ዝምልከት ከይከውን ተስፋ ንገብር። ብርእይቶና መንግስቲ ኤረትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዝኣምኑሉ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ትርጉም ዘይብሉ ዝበሉዎ ኵናት ተኻይዱ ኢዩ። ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝወረረና እስከ ንእመኖን ንቀበሎን። እሞ መንግስቲ ኤርትራኸ ኣብ ክንዲ ነቲ ውሑድ ህዝቡ ብዅናት ዘጥፍእ ካልእ መዋጽኢ መንገድታትን ሜላታትን ኣይነበሮን ድዩ? ልቦም ዝልቦምከ ኣሜሪካ ኮነ ሩዋምዳ ኣይለመኑዎን ድዮም? ዝጨበጥካዮ ሓይልን ዓቕምን ዘይብልካ ብዛዕባ ናይ ጽሓይ ምብራቕን ምዕራብንከ አይተዘርበን ድዩ? ደንጕዮምና ከነኣንግዶም ትሃዊኽና ኣሎናኸ ኣይተባህለን ድዩ? በቲ ዝተገብረ ኵናት ሃገርና ምድፋር ጥራሕ ዘይኮነ ህዝብና ኣይተበሳበሰን ድዩ? ንሕና ኵልና ከይጠፋእና ሃገርና ብጸላኢ ኣይትውረስን ብማለት ጀጋኑ ሰራዊት ኤርትራ እንተዘይምክቱኸ ንሳሕል ንምምላስ ኣብ ኣቑሑትካ ምጥርናፍ ኣይተበጽሔን ነሩ ድዩ? ኣብ መወዳእታ ዝረኸብናዮ መኽሰብከ እንታዩ? ህዝቢ ባዕሉ ክግምግሞን ክመዝኖን ንገድፎ።
7ይ. ስለዚ ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤሪትራውያን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንካሰስን ንምካሕን ንቅድሚትን መጻእን ብምምዕዳው ንጉዳይና ጉዳይ ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ቀሲናን ረጊኢናን ብጋሀዲ ሓሳባትና እንገልጸሉን ኢሂን ሚሂን እንባሃሃለሉን መድረኽ ብዓንተቦ ነጣጥሕ። መንግስትና ክንውድስን ክንቃወምን መባእታ ዜግነታዊ መሰልና’ዩ። ኮይኑ ግን ኣብኡ ጥራይ ከይተሓጸርና ብዓቅምና ብኽጥዕመና ዝኽእል መንገድን ኣገባብን ኣብ ከነድምዓሉ እንኽል ቦታ መሪጽና ንፕሮጀክት ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ንልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን እጃምና ነበርክት። ንዝተባህለ ከኣ፡-
እዚ እቲ ናይ ለባማትን ንጹሃት ሓለይቲ ሃገርን ህዝብን ኣበሃህላ ኢዩ። ንሕናውን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ንሰማምዓሉ። ብሃገራውን ጠርናፍን ዕላማን ኣተሓሳስባት እንተዘይተበጊስናን ኣርሒቕና ብምሕሳብ ኣብ መንጎና ሕድገታት ብምግባር ምቅርራብን ምዝርራብን ክህሉ እንተዘይገርናን ከኣ መንግስቲ ኮነ ተቓወምቱ ነንበይኖም ሰሪሖምን ተቓሊሶምን ዘምጽኡዋ ሰላምን ቅሳነትን ዘለዋ ሃገር ክንምስርት ዘይሕሰብ ኢዩ’ሞ ሕጂውን እቶም ግዱሳት ሃገራውያን መፍትሒ ሽግርና ዝኸውን መንገዲ ክንረክብ ኵልና በብዓቕምና ክንሰርሕ ብሃገርናን ህዝብናን ንሕተት ከም ዘሎና ንኣምን።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ