PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ሚኒስተራትና ምምሕዳራ’ውን ባጀታ’ውን ስልጣን የብሎምን፡- መልሲ ንመስከረም
ተወልደብርሃን ገብረ | | asmara-online.com
ሀ) መእተዊ
መጀመርያ ብዛዕባ ፍልልያት መንግስትን ሃገርን (ማለት ደውላ) ከብርህ ባህ ይብለኒ። ምኽንያቱ ንብዙሓት ዜጋታት ካብ ዘጋጊ ነገር ፍልልያት እዞም ሓደ ዝመስሉ ግን ካኣ በበይኖም ቃላት ስለ ዝኾኑ። እቲ ሃገር ወይ ደውላ ዝብል ኣምር (1) ብኣህጉራዊ ዉዑላት ዝፍለጥ መሬታዊ ግዝኣት ወይ ሓድነት (2) ህዝቢ (3) ልኣላውነትን (4) መንግስትን ዝብሉ ቃላትን ኣምራትን ኣለዉዎ። ስለዚ መንግስቲ ዝብል ኣምር ሓደ ክፋል ናይ ሃገር ኮይኑ ትካል ኢዩ። ከም ኣካል ሃገር መንግስቲ መሳርሒ ሓደ ሃገር ኢዩ። ብመንገዲ መንግስቲ ሕግታት፡ ፖሊሲታትን መምርሕታትን ይሕንጸጹን ይትግበሩን። መንግስቲ ዝብል ኣምር ኣብ ዉሽጡ ሰለስተ ኣገደስቲ ኣካላት ኣለዉዎ ማለት፡- (1) ሓጋጊ (2) ፈጻሚ (3) ፍርዳዊ ኣካላት። ኣብ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ብፍላይ ድማ ንድሕሪት ተመሊስና ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ እንተ ተዓዚብና እዞም ሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ብጭቡጥ ንረኽቦም ኢና። ሓጋጊ ኣሎ። ፈራዲ ኣሎ። ፈጻሚ’ውን ከምኡ። ምናልባት ናይ ቃላት ፍልልያት ከደናግረና ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓጋጊ ዝብል ቃል ብመጋባእያ፡ ነቲ ፈራዲ ዝብል ቃል ብሽማግለታት፡ ነቲ ፈጻሚ ዝብል ቃል ካኣ ብምምሕዳር ወይ ኣማሓደርቲ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። እዚ ኣገባብ ምሕደራዚ ሕብረተሰብና ቅድሚ ዘመናዊት ሃገር ዝብል ኣምር ነይሩ ማለት’ውን ኢዩ።
እቲ ዝገርም ንዘመናዊት ሃገር (modern state) ዝፈጠረ ውዑል፡ ዉዑል ዌስትፈሊያ ኢዩ። እዚ ዉዑል’ዚ ኣብ 1648 ዓ/ም ንደማዊ ውግእ ሰሜናዊ ክፋል ኤሮጳ መኸተምታ ዝገበረ ስምምዕ ኢዩ። ቅድሚ 1648 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ኤሮጳ (ንብርጣንያ ወሲኽካ ማለት’ዩ)፡ ዝለዓለ ስልጣን ዝነበራ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ኢያ። እተን ተኸተልቲ እምነት ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ዝነበራ ሃገራት ካብቲ ደማዊ ኲናት ንምውጻእ ተሓድሶ ዝብል ኣምር ብምትእትታው ንስልጣን’ታ ቤተ-ክርስቲያን ብወግዒ ከም ዘይፈልጠኦ ይእውጃ። ዋላኳ ክርስትና ናብ ኤሮጳ ዝኣተወሉ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ምዃኑ ዝእመነሉ እንተ ኾነ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኤሮጳ ክስፋሕፋሕ ዝጀመረ ግን ኣብ 8ይን 12ን ዘመናት ምዃኑ ኢዩ ዝሕበር። ኣብ ሃገርና ክርስትና ካብ 3-4ይ ክፍለ ዘመናት፡ ምስልምና ድማ ኣብ መጀመርታ 7ይ ክፍለ ዘመን ከም ዝኣተዉ ተደጋጊሙ ዝግለጽ ሓቂ ኢዩ። ዘይከም ኣብ ኤሮጳ ግን ህዝብና ብሲቪላዊ ሕግን ስርዓትን ኢዩ ዝማሓደር ዝነበረ። ልክዕ ኢዩ፡ ህዝብና ኣብ እምነቱ ዓቃባዊ ኢዩ። ኮይኑ ግን ሃይማኖት ብዘይካ ንእምነት ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት፡ ቤተ-ክርስቲያን ትኹን መስጊድ ኣብ ሲቪላዊ ይኹን ገበናዊ ጉዳያት ኣቴን ከማሓድራ ተራኤን ኣይፈልጣን ኢየን።
እዚ ሎሚ ምዕራባውያን ዝምክሕሉ ስርዓተ መንግስትን ስርዓተ ዲሞክራስን እምባኣር መሰረቱ ናትና ኢዩ ነይሩ። እቲ ፍልልይ ቀዳሞት ዳሕሮዎት፡ ዳሕሮዎት ካኣ ቀዳሞት ምዃን ጥራሕ ኢዩ። እዚ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ስርዓተ-ዲሞክራሲ ኣባና ኣይሰርሕን’ዩ እንዳ ተባሃለ ዝንገረሉ እምባኣር መሰረት የብሉን። ብቐንዱ እዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ሰለስተ (3) ኣካላት መንግስቲ በቲ ሓደ ናይ ስራሕ ክፍፍል ኮይኑ በቲ ካልእ ካኣ ትሓታትነትን ግሉጽነትን ብምሕያል ንጽጋታት ሃገር ብማዕረ ተጠቃምነት ንምርግጋጽ ዘገልግል ኣገባብ’ውን ኢዩ። ሓደ ኣካል ባዕሉ ሕጊ ዘውጽእ፡ ባዕሉ ዝፈርድን ባዕሉ ዘፈጽምን እንተ ኾይኑ ተሓታትነትን ግሉጽነትን የሎን ማለት ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፈጻሚ ወይ ተግባሪ ኣካል ዝባሃል ካብ ተራ ኣካላት እቲ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ንላዕሊ ታራ ውልቀ-ሰብ ዝዓዝዝ እንተ’ዳኣ ኮይኑ እቲ ፈጻሚ ኣካል’ውን ሽግር ኣሎዎ ማለት ኢዩ።
“መሳርሕቲ ስኢኑ እምበር ፕረሲደንት ኢሰያስሲ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ።”
ዝብል ኣበሃህላ ሓቅነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ? www.meskerem.net
ሃገራዊ ባይቶ የብልናን። ነጻ-ፍራዳዊ ኣካል’ውን ከምኡ። እቲ ፈጻሚ ዝባሃል’ውን ብውልቀ-ሰብ ወይ ሰባት ዝተባሕተ ኢዩ። ኩልና ከም ንፈልጦ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ዝባሃል ነገር ኣሎ። እዚ ኣካል’ዚ ኣካላት ኣለዉዎ። ንሶም እቶም ኣካላት፡- ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ ክፍላትን ምምሕዳራትን ኢዮም። እዞም ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሕጊ ዝተገደበ ስልጣንን ሓላፍነትን ሃሊዩዎም ተሓታትነቶም ንፕረዚደንት ኢዩ። ብሕጊ ዝተዋሃቦም ስልጣንን ሓላፍነትን መሰረት ስረሖምን ሓላፍነቶምን እንተ ዘይ ዓሚሞም ካኣ እቲ ፕረዚደንት ካብ ሓላፍነቶም ክውግዶም ስልጣን ኣሎዎ። ምኽንያቱ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ስለ ዝኾነን ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ፕረዚደንት ብእኩብ ናይቲ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ርእሲ ስለ ዝኾነ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን ኢዩ። እቲ ሕቶ’ባኣር እቲ ዝሸሞም ፕረዚደንት ክሳብ ክንደይ ዝ ኣክል ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን ሂብዎም ዝብል ኢዩ። ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን እንተ ዘይሂብዎም ሓላፍነቶም ብግቡእ ከሰላስሉ ኣይክእሉን ኢዮም። መልሰይ ንመስከረም እምባኣር ካብዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ ዝብገስ።
ለ) ኣካላት መንግስትን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስትን ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ክኾና ይግባእ
- ሕጋዊ ሰብነት ኣካላት መንግስቲ ብሓፈሻ
ስልጣንን ሓላፍነትን ኣካላት መንግስቲ ብቁዋም ኢዩ ዝውሰን። ንኣብነት ንቁዋም 1997 እንተ ወሲድና ስልጣንን ሓላፍነትን ሃገራዊ ባይቶ፡ ፈጻምን ፍርዳውን ኣካላት ተገዲቡ ንርእዮ። እዚ ስልጣንን ገደብ ሓላፍነትን ሰለስተ ኣገደስቲ ኣካላት መንግስቲ ካብ 31 ክሳብ 53 ኣብ ዘለዉ ዓንቀጻት ክንረኽቦ ንኽእል። ኣብ ባይታ ግን ብዘይካ እቲ ፈጻኢ ኣካል መንግስቲ ዝባሃል እቶም ሃገራዊ ባይቶን ፍርዳዊ ኣካላትን ዝባሃሉ ኣካላት የሎውን። ስለዚ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሓፈሻ ንመንም ተሓታቲ ኣይኮነን ማለት ኢዩ።
- ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብፍላይ
ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ማለት ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ ክፍልታትን ካላኦትን ብሕጊ ዝቖማን ሕጋዊ ሰብነት ዘለወን ኣካላት ኢየን። እዚ ሕጋዊ ሰብነት ዝብል ቃል ብሕጊ ስረሐን የካይዳ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝኸዳ ድማ ብሕጊ ይኽሰሳን ይሕተታን ማለት ኢዩ። እዚ ግን ኣብ ነጻ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘሎዎ ባይታ ጥራሕ ኢዩ። እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኩለን ተሓታትነተን ናብቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ኢዩ። መራሕቲ እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብሕርያ ፕረዚደንት ባይቶ የጽድቐሉ። እዚ ኣብ ንቡር ኣሰራርሓ መንግስቲ ማለት ኢዩ። በዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ግን ትርጉም የብሉን። ነዚ ከይኮነ ኣይተርፍን ሚኒስተር ክሽየም ይኹን ክእለ ዘይንሰምዕ።
ሐ) ሕጋዊ ስልጣን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኽልሰ-ሓሳብን ግብርን ካባይ ኢዩ?
ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኽልሰ-ሓሳብ ደረጃ ካብ ቁዋምን ሃገራዊ ባይቶን ኢዩ። ምኽንያቱ ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ብኣዋጃት ይቑማ’ምበር ዘይሩ ዘይሩስ ስልጣነንን ሓላፍነተንን ከም ግቡእ ካብ ቁዋም ኢዩ። እዚ ህላወ’ዚ ኣብ ሃገርና ከም ዘየሎ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብግብሪ ስልጣንን ሓላፍነትን እዘን ኣካላት ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ካብ ፕረዚደንት ኢዩ። ፕረዚደንት ክሸይም ይኹን ከባርር ዘይተገደበ ስልጣን ኣሎዎ። ክህልዎ’ውን ዘይግባእ ኣይኮነን። ስለዚ ባዕሉ ንዝሸሞ ሚኒስተር ይኹን ካልእ ኣብ ስራሕ ይኹን ኣብ ኣሰራርሓ ጌጋ ወይ ጉድለት ምስ ዝፍጸም ዝሕተተሉ ባዕሉ እቲ ፕረሲደንት እምበር እቲ ሽሞኛ ኣይኮነን። እቲ ሽሞኛ ብዓቕሚ ጉድለት ዝሕተት እንተ ኾይኑ ስለምንታይ እቲ ፕረዚደንት ዓቕሚ ዘሎዎ ሰብ ኣብቲ ቦታ ዘየቐመጠ ኢልና ክንሓትት እምበር ፕረዚደንት መሳርሕቲ ሲኢኑ ኢልና ንፕረዚደንት ሓራ ከነውጽእ ሓላፍነታውን ሰብ-ኣውን ኣይመስለንን። ሓደ ብዓል ስልጣን ካብ ካልእ ባዓል ስልጣን ብዓቅሚ ይኹን ክእለት ክፍለ ይኽእል ይኸውን። ንስለ ሓቂ ግን ካብዞም ሚኒስተራት ኣዚዮም ብቅዓት ዘሎዎምን ወረ ብስትራተጂካዊ ዓይኒ ኣዚዮም ብሉጻት ሰባት ኣለዉዎም እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ሽግር ውልቃዊ ብቅዓትን ወይ ዓቅምን ትካልዊ ኣዓቅምን ዝተፈላለዩ ምዃኖም ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ኢዩ ባሃላይ ኢየ።
መ) ፍልልያት ውልቃውን ትካልውን ዓቕምታት
ሚኒሰተራት ኤርትራ ውልቃዊ ዓቅሚ ይጎድሎም ኢዩ ዝብል ግምት የብለይን። እኳ’ዳኣ ባኣንጻሩ ኢዩ። ሓደ ሚኒስትሪ ይኹን ኮሚሽን ወይ ክፍሊ ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ክቐውም እንከሎ ምስኡ ጉዳይ ዕላማ፡ ስልጣንን ሓልፍነትን እዞም ካላት ፈጻሚት ኣካል መንግስቲ ሓቢሩ ዝለዓል ኣርእስቲ ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ዕላማ፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ሓደ ሚኒስሪ እንታይ ኢዩ? ስልጣን፡ ሓላፍነትን ግቡኣትን ሚኒስተር’ከ? ኢልና ክንሓትት ዘሎና ኮይኑ ይስማዓኒ። ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ሓላፍነቶም ብስርዓት ንኸሰላስሉ’ኸ ብስብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት ክድርዑ ኣይግባእን ዲዩ? ስልጣንን ሓላፍነትን ንሚኒስትሪታትን ሚኒስተራትን ብወግዒ ሂብካ ኣብ ኣባይታ በዞም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ሰብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ስልጣን ብምምሕዳራ’ውን ባጀታውን እንተ ዘይተሰኒዩ እቲ ሚኒስተር ድላዩ ዓቕሚ ይሃልዎ ከተግብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። ሚኒስትሪታት ሰብ-ኣዊ፡ ንዋታውን ባጀታውን ጸጋታት ስለ ዘይብለን ዓቕመን ዝተለመሰ ኢዩ። ንዓመታ ክትሳኣ ኢየን ኢልካ’ውን ዝሕሰብ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሃገር ብቑጠባ ስለ ዝለመሰት እዘን ሚኒስትሪታት ይኹና ምምሕዳራት ባጀታዊ ስርዓት ስለ ዘይብለን።
ፕረሲደንትና [ፕረሲደንት ኢሰያስሲ]መሳርሕቲ ድዪ ስኢኑስ ወይስ ምስራሕ እዩ ከሊኡ? www.meskerem.net
ስለዚ እቲ ሚኒስትሪ ክንዮ ስም ዝኸይድ ትርጉም የብሉን። እቲ ሚኒስተር’ውን ከምኡ። ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ኣብቲ ሃገር ሕሉፍ ድኽነት ኣሎ። ቁጠባዊ ዕቤት ሃገርና ክዳሃኽን ክምሽምሽን ኢዩ ጸኒሑን ዘሎን። በዚ ምኽንያት ጸጋታት ሃገር ብፍላይ ኪኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን እቲ ብርጂዋ (ባዓል ጸጋ) ዝባሃል ተባሕጒጉ ስለ ዝኾነ ኣታውታት መንግስቲ ድማ ምስኡ። ስለዚ መንግስቲ ኣታውታት ስለ ዘይብሉ በጀታዊ ስርዓት ክህልዎ ኣይኮነን። ንምንታይ ስሩዕ በጀታዊ ስርዓት ዘየሎ ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ክሳብ ሎሚ ክዋሃብ ዝጸንሐ ምኽንያት “ንሃገራዊ ድሕንነት ተባሂሉ ኢዩ’ምበር ስርዓተ ባጀት ኣሎና ኢዩ” ዝብል። ካብ ሓቂ ዝረሓቐ መልሲ ኢዩ። ንወትሃደራውን ጸጥታውን እትስለዖ በጀት ብዝተወሰነ ደረጃ ቅሉዕ ዘይምግባር ይምረጽ ይኸውን። ንሱውን እንተ ኾነ ካብ ዓይኒ ጸላኢ ዝኽወል ኣይኮነን። ስለዚ ሚኒስትሪታት ይኹና ሚኒስተራት ዝግባእ ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ዕጥቂ ሒዘን ክንቀሳቐስሉ ዝኽእልሉ ባይታ የልቦን። ነዚ ንምፍዋስ ተባሂሉ ንሃገራዊ ጉዳይ ኣጽቢብካ ጉዳይ ምምሕዳራ’ውን ባጀታውን ስልጣን ተጠቓሊሉ ኣብቲ ግንባር ንኽወድቕ ግድነት ኢዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሃብቲ ሃገር በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ውልቀ-ሰባት የማሓድርዎ ኣሎዉ።
ሰ) እቲ ኣገዳሲ ሕቶ እምባኣር ክሳብ መዓስ ብኸምዚ መንገዲ?
ከምቲ ኣብ ሕብረተ-ስብና ወዳ ነዲኡ “ኣደ ኣበይ ኢና ክንድቅስ” ኢሉ ምስ ሓተታ “ኣቦኻ ኣብ ዘደቀሱና” ኢላቶ ዝባሃል፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ክሳብ ንዜጋታቱ ኩሉ ዓቕሞም ተጠቂሞም ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ዘየፍቀደ ንሱ ሰላም ኣይረክብ፡ ህዝብን ሃገርን ድማ ኣይክርህዎምን ኢዩ። ኣጉል ምኽንያት ትርጉም የብሉን። ሎሚ ሓቂ ጠፊኡ ካብ ብምስልና ብምስሊ ካለኦት ክንምድር ይቐለና። ዓዲ ብዓቕምና ትምዕብልን ትውንጨፍን ኣላ ክብሃል ንሰምዕ ኢና። ነቲ ስርናይ ካብ ሓሰር ከይነፈዩ ንሕና ሓገዝ ናይ ካሎኦት ኣይንጽበን ኢና ንሰርሖ ዘሎና ብውሽጣዊ ዓቅምና ኢዩ ክብሉ’ውን ንሰምዕ ኢና። እዚ ብምፍላጥ ወይ ብዘይ ምፍላጥ ክኸውን ይኽእል። ነቶም እንዳ ፈለጡ ንህዝብን ሃገርን ዝብድሉ ይኣክል ምባል ግን ጊዚኡ ይመስለኒ።
ሃገር ብውሽጣዊ ዓቕሚ ለውጢ ክትገብር መን ይጸልኦ? እቲ ሓቂ ግን ባኣንጻሩ ኢዩ። ከም ኤርትራዊ ብሓሶትን ብእንታይ ገደሰንን ንመንግስቲ የሐጉስ ኢዩ ዝበልናዮ ቃላት ክንመርጽን ምስልና ገዲፍና ምስሊ ዘይ ንኣምነሉ ክንጉልበብ ንረአ’ውን ዉሑዳት ኣይኮናን። ብፍላይ እቶም ሕብርታት ቀለም ንፈልጥ ኢና እንብል ዜጋታት ካሎኦት ዝብሉዎ ክንደግም ንርአ ኣሎና። ንመንግስቲ ዝድግፉ ወይ ዝሕግዙ ዘሎዉ ይመስሎም ይኸውን። መንግስቲ ምድጋፍን ምሕጋዝን ኣምበይ ምስ ተጸለአን። ንመንግስቲ እንዳ ደገፍካን እንዳ ሓገዝካን ንመንግስቲ ኣይትንቀፍ ዝብል ስነ-ሞጎት ግን ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ከይኮውን ዘጠራጥር ኢዩ።
ንምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ስለ ዘይጋገ’ዲዩ? ብእምነተይ እዚ መንግስቲ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነስ ስትራተጂካውያን ጌጋታት ኢዩ ክገብር ጸኒሑን ዘሎን። ንሃገርን ህዝብን ብቑጠባ ረሚስካ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ጸጥታ ኢዩ ክቅጸል ዝድለ ዘሎ? ኤርትራ ሃገራዊ ጸጥታኣ ክዋሓስ እንተ ኾይኑ፡ ጸጥታኣ ዘውሕስ ስትራተጂካዊ ኣጽዋር የድልያ። ቁጠባኣ እንተ ዘይዓቢዩ ብኸመይ ኢያ ነዞም ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት ክትሽምቶም? ነዚ ሕቶ ዝህቡኻ መልሲ “ኤርትራ ኣብ ህዝባ’ምበር ኣብ ኣጽዋር ኣይትኣምንን ኢያ” ዝብል ድሑር መልሲ ኢዩ። ካብ ዒራቕ ንዝትኮሰልና’ኸ? ኢልካ ምስ እትሓቶም ካኣ “ከምኡስ ኣይንጽበን ኢና” ዝብል ስንኩፍ መልሲ ይደግሙኻ። እታ ሃገር ቅድም ቀዳድም ሃገራዊ ድሕነታ ከተረጋግጽ ኣሎዋ ዝብሉ ሕጽረት መረዳእታ ሃገራዊ ጸጥታ ዘሎዎም ምሁራት’ውን ኣይተሳኣኑን። ብኸመይ ኢልካ ምስ እትሓቶም መልሲ የብሎምን። እዚ መልስታቶም መንግስቲ ከምኡ ስለ ዝብል ንመንግስቲ የሕጉስ ይኸውን ኢሎም ዝደግሙዎ መልሲ እምበር ካብ ልቦም ኣይመስለንን። ሃገራዊ ጸጥታና ዝዕቀብ ሃገርና ብምሉእ ተሳታፍነት ህዝባ ብቁጠባ ምስ እትምዕብልን ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት ክትውንን ምስ እትኽእል ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ እዞም ብሽም ሃገር ዝማጻደቑ ዜጋታት ክንዮ ጸቢብነት ካልእ መግለጺ የብሎምን። ንፍተዎ ንጽላኣዮ ስትራተጂካውያን ኣጽዋራት የድልዩና ኢዮም። ንዐዖም ክሽምት ዝኽእል ቁጠባ ሃገር ከነማዕብል ግን ግድነታዊ ኢዩ።
ግቡእ ስሩሑ ዘይ ዘርሕ ውልቀ-ሰብ ይኹን መንግስቲ ነቐፌታ ከም ኣሳሒታ ከም ዝፈርሕ ትንተና ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ውልቀ-ሰብ እንተ ኾይኑ፡ ንድኽመቱ ንምሽፋን ዝጥቀመሉ ሜላ ምቅብጣር፡ መጉባዕባዕን ምልምማጽን ኢዮም። መንግስቲ እንተ ኾይኑ ድማ ፕሮፖጋንዳ መተካእታ ድኽመቱ ገይሩ ኢዩ ዝሰርሓሉ። ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ዝረአ እንተ ዘይ ሰሪሑ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ክደፍእ ኣሎዎ። ሃገር ብቁጠባ እንዳ ተረመሰት ተኣምራት ይስራሕ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንህዝብን ንዓለምን ምጽማም ክንዮ ፕሮፖጋንዳ ካልእ ትርጉም የብሉን። ንኣብነት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ዝፍንወኦ ዜናታት እንተ ሪኢና ብዘይ ምግናን ልዕሊ 90% ኣብ ኣናእሽቱ ነገራት ኢዩ። ዓዲ እገለ ናይ ጽሬት ወፈራ ኣካይዳ ዓዲ እገለ ደጊማ ዝብል ኢኩም ትሰምዑ። ኣገደስቲ ሃገራውያን ፖሊሲታትን ትግባረኦምን ኣልዒልካ ምዝታይን ጉድለታት ኣለሊኻ ተሓታትነት ብዘለዎ መንገዲ ምትግባር ዝባሃል ነገር የሎን። ብዛዕባ 80% ጽሩይ ኣገልግሎት ማይ ዘይረኸባ ዓድታት ገዲፈን ብዛዕባ እተን 20% ጽሩይ ማይ ዝረኸባ ዓድታት ይልፍልፋ። ሽግርን ጸገምን ከም ጸብጻብ ኣይንሰማዕን ኢዩ። ነታ ዘላ ሽግር ወይ ጸገም (ንኣብነት-ሽግር ጽሩይ ማይ) ብጸብጻብ መልክዕ ኣይጽብጽባን ኢየን። ሓንቲ ዓዲ ማይ እንተ ኣቲላ ግን “ኣብ ዓዲ እገለ ሽግር ጽሩይ ዝስተ ማይ ተፈቲሑ። ነበርቲ ንመንግስቲ ኣመስጊኖም” ዝብሉ ጸብጻባት ግን ኩሉ ጊዜ ንሰምዕ ኢና። ህዝቢ ጽሩይ ማይ ሲኢኑ ኣማሪሩ ዝብሉ ዜናታት ኣይስምዑን ኢዮም። ምኽንያቱ እታ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሶፍት-ዌር ንሽግር ህዝቢ ዝኸውን መጽሓፊ ቦታ የብላን።
ረ) መልሲ ንመስከረም
መስከረም ህዝቢ ዝሓቶም ሕቶታት ወይ ዝብሎም ዛዕባታት ኢዩ ዘልዕል ዘሎ። መስከረም “መሳርሕቲ ሲኢኑ’ምበር ፕረዚደንት ኢሳያስ’ሲ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ” ዝብል ኣባሃሃላ መስከረም ዝፈጠሮ ኣባሃሃላ ኣይኮነን። ህዝቢ ከምኡ ይብል ኣሎ’ዲዩ ኣይብልን ሓቢርና ንመልሶ። ምናልባት ክንደየናይ ናይ ህዝብና ኢዩ፡ በዚ ኣባሃሃላ ዝርዕም ኣይፈልጥን። ብርግጸኛነት ንምዝራብ እቲ ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝቢ ናይ ሽግሩ ጠንቂ መሪሕነት ፕረዚደንት ኢሳያስ ምዃኑ ኢዩ ዝፈልጥ። ሓለፍቲ መንግስቲ ብዘይ ሰናይ ድልየት ፕረዚደንት ኢሳያስ ቢሮ ኣልዒሎም ክታሞም ከንብሩ ዝኽእሉ ምምሕዳራዊ ይኹን ባጀታዊ ስልጣን ከም ዘይብሎም ንመብዛሕቱ ካብ ህዝብና ዝተሰወረ ኣይኮነን። ንኣብነት-ህዝቢ ብጉዳይ ቪዛ ከማርር ይስማዕ ኢዩ። ሕጊ ኢሚግረሽን ከም ነፋሒቶ ካብ ንጉሆ ናብ ምሸት ኢዩ ዝቕየር። ምድኑጓያት ንቡር ኢዩ። ምኽንያቱ ሕቶ ቪዛ ቅድም ናብ ቤት-ጽሕፈት-ፕረዚደንት ክኸይድ ስለ ዘሎዎ ኢዩ። ሓላፊ ኢሚግረሽን ዝርዝር ኣስማት ሓተቲ ቪዛ ካብ ቤት-ጽሕፈት ፕርረዚደንት ከይመጸሉ ኣይፍርምን ኢዩ። ስለዚ ህዝቢ ዘማርር ዘሎ በቲ ፕረዚደንት እምበር ብሓላፊ ወይ ሰራሕተኛታት ኢሚግረሽን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጠንቂ እዚ ምድኑጓያት ፕረዚደንት ባዕሉ ምዃኑ ህዝብና ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ንምጥቅላል፡-
- ዓቅሚ ሚንስተራት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ኣይኮነ። ግን ምምሕዳራውን ባጀታውን ስልጣን የብሎምን። ምምሕዳራ’ውን ባጀታ’ውን ስልጣን ዘይብሉ ሓላፊ ብከመይ መንገዲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ከም ዝኽእል ንዓይ ክርዳኣኒ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ብወገነይ ንሚኒስተራት ይኹን ካሎኦት ኣማሓደርቲ ተሓተቲ ክገብሮም የጸግመኒ ኢዩ። ምኽንያት’ውን የብለይን።
- ሚንስተራት ይኹኑ ኣማሓደርቲ ስልጣን የብሎምን። ንህዝባዊ ርክባትን ንኣህጉራዊ ዲፕሎምስን ተባሂለን ዝተዶኮና ሚኒስትሪታት እምበር ንሃገራዊ – ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዕማማት ንምስልሳል ተባሂለን ዝቖማ ኣይኮናን። ኣብ ኤርትራ እኩብ መሪሕነት (collective leadership) ዝባሃል ነገር የሎን። ነንሓንሳብ መንን እንታይን ይምልከቶን እንታይ’ከ ኣይምልከቶን ዝፍለጥ ነገር የሎን። ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣብ ዝኸድናዮ ቤት-ጽሕፈት “ንኹስቶ በሎ ወይ በላ” ዝብል ኣሰልቻዊ መልስታት’ዶ ኣይኮነን ኢዩ ዝንገረና። በዚ መልስታት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን።
- ንምዃኑ ክንዮ ወርሓዊ ደሞዝን ድሩት ናይ ቤት ጽሕፈት መሳርሕታትን እንታይ ባጀት ስለ ዘለዎን ኢየን ሚኒስትሪታት ኣድማዒ ስራሕን ኣገልግሎታትን ክህባ ዝድለ ዘሎ። ዝእከብ ግብሪ መንግስቲ የሎን። ካብ ምንታይ ክእከብ? ኤርትራውያን ንመንግስታት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኣንጎላን ካለኦትን ግብሪ ይኸፍሉ ኣሎዉ። ስለምንታይ? ሃገሮም ናይ ወፍሪ ሃገር ስለ ዘይኮነት ኢዩ። ሓደ ዝተማህረ ዜጋ ኣብ ሓደ ማዕከን ራዲዮ “ኤርትራ መንእሰያታት ገዲፎማ እንተ ወጺኦም ብኸመይ ኢያ ክትዓቢ?” ኢሉ ምስ እተሓተ፡- “ኤርትራውያን ንፉዓት ስለ ዝኾኑ ካብ ሃገሮም ምስ ወጽኡ ዓዶም ስለ ዘይርስዑ ነታ ሃገር ጽቡቕ ኢዩ” ኢሉ ከይሓፈረ ክምልስ ሰሚዔ ኣለኹ። ብኣባሃህልኡ ካብ ሃገሮም እንተ ወጽኡ ይሓይሽ ኢዩ ዝብለና ዘሎ። ብሓቂ ሰብ ዲዩ እንስሳ ኣይፈልጥን። ንፉዓት ኮይኖም ንሱዳናትን ዩጋንዳታትን እንተ ኾኑ ንኤርትራ እንታይ ይብጻሓ?። ሓደ ዜጋ ንስድርኡ $100 ወይ $200 ኣብ ርብዒ ዓመት ስለ ዝለኣኸ ኤርትራ ተጠቃሚት ኢያ ምባል ብዘይካ ድንቁርና ካልእ መግለጺ እንተ ሃሊዩዎ ካባኹም ክሰምዕ’ሞ መአረምታ ክሰደልኩም።
ስለዚ ዝኸበርካ መስከረም፡- ሚኒስተራት ኤርትራ ምምሕዳራዊ ይኹን ባጀታዊ ስልጣን ስለ ዘይብሎም ተሓተቲ ክንገብሮም ብሕልና ኾነ ብሞራል ጽቡቕ ኣይኮነን። እንተ ብዓቅሚ ይኹን ብተወፋይነት ግን ሰናፋት ኣይኮኑን። ስለምንታይ ንፕረዚደንት ከማሓይሽ ጸቕጢ ዘይገብርሉ ክባሃል’ውን ንሰምዕ ኢና። ኮይኑ ግን እቶም ካብ መጀመርታ ጸቕጢ ክገብሩሉ ዝፈተኑ ሓርበኛታት ሎሚ ኣበይ ኣሎዉ? እቲ ዝሕዝን ከም ህዝቢ ጠሊምናዮም ኢና። ብዛዕብኦም ዝተነገረና ከም ሓቂ ወሲድና ኣብ ዘይንፈልጦ ጉዳይ ኣቲና ጽቡቕ ገበሮም ዝበልና’ውን ንህሉ ኢና። ስለዚ ፍትሒ ከም ቃል እንተ ዘይኮይኑ ብግብሪ ሪሒቓ ዘላ ኮይኑ ይስማዓኒ።
የቐንየለይ!