• Skip to main content
  • Skip to primary sidebar

Africa Horn Now

"We don't take sides; we help you see more sides."

Africa Horn Now

ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

Published: May 6, 2021

PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ

ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ!

September 9, 2017 By AHN

ቀለታ ኪዳነ | 09/09/2017 | meskerem.net

ወያነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ምዕባሌን ኣገዲሱዎም ኣይፈልጥን’ዩ!

Image result for keleta kidaneንሰላምን ንዕርቅን ዝጸልእ ሰይጣን ጥራሕ ኢዩ። ስለዚ ብወገነይ ደላይ ሰላምን ደላይ ፍቕርን እምበር ጸረ ሰላምን ፍቕርን ክልቲኡ ኣህዛብ ማለት ህዝቢ ትግራይ( ኢትዮጵያ) ን ህዝቢ ኤርትራን ዘይምዃነይ ኣቐዲመ እሕብር።

ናይ ወያነ ዕላማን ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝነበሮምን ዘለዎምን ክፉእ ሕልናን መደባትን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝተገልጸን ዝተረጋገጸን ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ክቱር ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዘለዎም ንዕቀት ብተደጋጋሚ ብቓሎም ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሮም ዘረጋገጹዎ ሓቂ ኢዩ። እንደገና ምግላጹን ምዝርዛሩን ከኣ ዘድሊ ኣይመስለንን። ሎሚ እቲ ጽልእን ተቓውሞን ህዝቢ ኢትዮጵያ እናበርትዖምን ናይ መጻኢ ዕድሎም እናተሓሳሰቦምን ናይ ስልጣኖም መወዳእታ እናተቓረበን ይኸይድ ምህላዉ ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንርእዮን ንዕዘቦን ኣሎና።

ስለዝዀነ ከኣ ብዙሓት ዕሱባት ገሊኦም ጥዑያት ገለ ሕሙማት ገለ ጽሉላት ገለ ከኣ ከድዓት ኤርትራውያን ኣዋፊሮም ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሩዎ ገበናት ኣሚኖም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ዕርቅን ፍቕርን ከምጽኡ ዝጽዕሩ ክንደይ ተዋስኦታትን ምድንጋራትን ክሰርሑ ንርኢ ኣሎና። ካልእ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ከምበርክኹ ኢሎም ዝገመቱዎን ዝሓንጸጹዎን ኵሉ መደባቶም ተፈቲኑ ስለዘይተዓወተን ስለዝፈሸሉን ከኣ ሎሚ ‘’የሰላም መዝሙር ለኢትዮጵያና ለኤርትራ ህዝቦች’’ ናይ ወያነ ኢድ ዘይብሉ ናይ ህዝቢ ነጻ ምንቅስቓስ ዝብል ሓድሽ ዝመስል ግና ከኣ ንሱ’ውን ብቕንዕናን ብሓቅን ዝተበገሰ ስለዘይኮነ ብዙሕ ጊዜ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ኣረጊት ፍሹል መደብን ‘’ባንዴራ ሰላምን’’ ሒዞም ንግሩሃት ከጋግዩ ፈተናታት ኣብ ምክያድ ክጓየዩ ንርእዮም ኣሎና።

ብዘይካቲ ብመሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከም ዝተፈጸመ ዝትረኸሉ ናይ ቀደም ዘመነ መሳፍንቲ እዋን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪሑ ክበልዕን እንጌራ በሊዑ ክጸግብን ዝትምነ ድኻ ህዝቢ እምበር ናይ ነገርን ህውከትን ናዕብን ህዝቢ ኣይኮነን። እቲ ጸገም እምበኣር እቲ ህዝቢ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነታት ኢዩ። ብዘይ ቃልዓለም ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ እዚ ክልቲኡ ሓደ መጽሓፍ ኣጽኒዑን ሓደ ትምህርቲ ቀሲሙን ዝመጸ ጸረ ህዝቢ መሪሕነታት ክልቲኡ ሃገራት ሎሚ ንህዝብታቶም ለኪሞም ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዮም ምህላዎም ዘካትዕ ኣይኮነን።

ገለ ገለ ሰባት ናይ ኤርትራ እምበር ናይ ትግራይ መንግስትስ ድላይካ ክትዛረብ፡ ድላይካ ክትጽሕፍ፡ ድላይካ ርእይቶ ከተቕርብ ፡ ዝፈቅድ ምዕቡል ዲሞክራስያዊ ኢዩ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። ነቶም ከምኡ ዝመስሎም ናይ ካልኦት ብሔራትሲ ይትረፍ ብዛዕባዚ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ይብል? ንህዝቢ ትግራይ ሕተቱዎ ንብሎም።

ነቶም ሎሚ ብኢድ ኣዙር ‘’የሰላም መዝሙር ለኢትዮጵያና ለኤርትራ ህዝቦች’’ ብማለት ምንቅስቓስ ጀሚሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ወያነ ከኣ ንኽልቲኡ ህዝብታት ሰላም ከሊእኩም ዘሎኹም ንስኹም እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ኣይነበሮን ሎሚ እውን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ጽልኢ ከም ዘይብሉ ንሕብሮም። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጡ ሽግራት ከም ዘለዎ ፈሊጥኩም ነቲ ህዝቢ ሎሚ ክንከስቦ ንኽእል ኢና ዝብል ሕልሚ እንተዀይኑ ግን ‘’ ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ ክመልሰለይ ነይኣምኖ’’ ኢዩ’ሞ ነዚ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበለኩም ኣይመስለንን። እወ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጡ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ሽግር ኣለዎ። ሎሚ ዘምጽኣኒ ብዛዕብኡ ንምዝራብ ስለዘይኮነ
ግን ኣብ ቲ ዘንቀለኒ ጕዳይ ጥራሕ ከተኵር ኢየ።

እቲ ሎሚ ንሰበስልጣን ወያነ ከረጋግጸሎም ዝደሊ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ውሽጢ ሽግሩ ባዕሉ እምበር ወያነ ክፈትሑሉ ዝጽበ ከም ዘይኮነ ኢዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ሽግሩ ባዕሉ ከም ዝፈትሖ እውን ኣይጠራጠርን ኢየ።

ወያነ ዝሓስብ ኣእምሮ እንተልዩዎም ከኣ ምስ ኢትዮጵያውያን ዘለዎም ሽግር ክፈትሑ ዝሓሸን ዝቕለለን ምዃኑ ንመኽሮም። ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንሓይሎይ ዓመታት ዘውረድዎ በደልን ተንኮልን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ክዕረቑ ምስ ዝደልዩን ንሕውነትን ንፍቕርን ዝሓስቡ ምስ ዝዀኑን ግን ሰላምን ፍቕርን ብግብሪ እምበር ብዘረባ ጥራሕ ከም ዘይመጽእ ብምርዳእ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ሰላምን ፍቕርን ዝዀነ ጭብጢ ከርእዩዎ ከም ዝግባእ
ነዘኻኽሮም።

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ

ሰላም ቅነ

Filed Under: TIGRINJA

Primary Sidebar

A New Administration Won’t Heal American Democracy

Published: November 6, 2020

The Rot in U.S. Political Institutions Runs Deeper Than Donald Trump Larry Diamond | November 5, 2020 | Foreign … [Read More...] about A New Administration Won’t Heal American Democracy

Archives

  • May 2021
  • November 2020
  • October 2020
  • September 2020
  • August 2020
  • July 2020
  • June 2020
  • May 2020
  • April 2020
  • March 2020
  • June 2019
  • October 2018
  • September 2018
  • August 2018
  • July 2018
  • April 2018
  • March 2018
  • February 2018
  • January 2018
  • December 2017
  • November 2017
  • September 2017
  • August 2017
  • July 2017
  • June 2017
  • May 2017
  • April 2017
  • March 2017
  • February 2017
  • January 2017
  • December 2016
  • November 2016
  • October 2016
  • September 2016
  • August 2016
  • July 2016
  • June 2016
  • May 2016
  • April 2016
  • March 2016
  • February 2016
  • January 2016
  • December 2015
  • September 2015
  • August 2015
  • July 2015
  • June 2015
  • May 2015
  • April 2015
  • March 2015
  • February 2015
  • January 2015
  • November 2014
  • September 2014
  • August 2014
  • July 2014
  • May 2014
  • March 2014

Log In

Copyright © 2025 Africa Horn Now · WordPress · Log in