PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ብጉልባብ ኢዮቤላዊ ናጽነት ኣይንተሃመል!
መልእኽቲ ወጋሕታ | መጋቢት 26 ዓመተ 2016 | ኢዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና
ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ንምጽምባል ዳንኬራን ጎይላን ከዳምቕ ላዕሊ ታሕቲ ይብል’ሎ። ሃገራዊ ናጽነት ክብሃል ከሎ መሬታዊ ናጽነት ማለት ድዩ? ዝብል ሕቶ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ዝልዓል ሕቶ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ንምምጻእ ደም ከፊሉ ዝረኸባ ሃገር ኣብ መሬቱ ከይነብር ክጻወሮ ዘይክእል ሕሰምን ኣደራዕን ክወርዶ ስለዝተገበረ ነታ ህይወት ከፊሉ ዘምጽኣ ናጽነት ብባርነት ስለዝተተክአት ሃገር ከምዘይብሉ ስደት ክውሕዝን ክበርስን ተገዲዱ። ብዋጋ ህይወቱ ዝተረጋገጸት ናጽነት መዐንደሪት ጉሒላታት ኮይና።
ብጥልመት ውሑዳት ጉጅለ ኤርትራዊ ኣብታ ናጻ ሃገረይ ዝበላ ብባርነት ተቐይዱ ደም ይጎስዕን ጊላን ከዳምን ኮይኑ ኣብ ገዛእ መሬቱ ይከላበትን’ሎ። ብጉልባብ ኢዮቤላዊ ናጽነት ሽግ ናጽነት ንኤርትራ ክትዘውር ጎይላን ዳንኬራን ክግበር ወዘኽዘኽ ክብሃል ንዕዘብ ኣሎና።
ንምዃኑ ትርጉም ናጽነት እንታይ ድዩ? ማእሰርቲ፡ መጭወይቲ፡ ቅትለት፡ ጥምየት፡ ዓጸቦ፡ ድኽነት ድንቁርና፡ ሽቑርራ፡ ፍርሕን ራዕድን ነዚ ናጽነት ዝብል ትርጉም ይወሃቦ እንተሃልዩ ናጽነትን ባርነትን ምፍላይ ተጸጊምና ኣለና ማለት’ዩ።
ትርጉም ናጽነት ሰላም፡ ፍትሒ፡ ብልጽግና፡ ዕብየት ልምዓት፡ ቅሳነት ራህዋን ከምዝኾነ ንስሕቶ ኣይኮነን። ትርጉም ናጽነት እዚ ካብ ኮነ እዚ ኣብ ሃገርና ካብ ዘይሃለወ ናጽነት እናበልካ ሽግ ሒዝካ ምድባል፡ ምዕንዳርን ምጉያልን ድኣ እንታይ ዝብልዎ ናጽነት’ዩ? እዚ ንባርነት ኣሜን ኢልካ ተቐቢልካ ኣብ ሬሳ ኣሕዋትካ ዳንኬራ ምድሳቕ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊምካ ብደም ንጹሃን ጠላዕ ምጽዋት ከምዝኾነ ኣይንዘንግዕ።
ኤርትራውያን ባህግናን ድሌታትናን ብውሑዳት ከዳዓት ጉጅለ ተጨውዩ ናጽነትና ኣንፈቱ ስሒቱ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት መቓብር ተደቢና ብባርነት እንሳቐ ዘለና ህዝቢ ክንሰና ብሩራዊ ኢዮብኤል ናጽነት ኢልና ክነዳኽር ኣየጥዕመልናን። ናብ ዝኸፍአ መገዲ ጥፍኣት ዝወሰደና ጭርጭር ብዋጋ ህይወትናን ሃገርናን ንጻወት ከምዘለና ኣይንጠራጠር።
ኢሳይያስ ምስ ጉጅልኡ ከኽብሮ ዝሸባሸብ ዘሎ ኢዮቤላዊ ጽምብል ብዋጋ ዙፋኑን ኣኽሊሉን ምዃኑ ክስወጠና ኣለዎ። ኣብዚ ዳንኬራን ጎይላን እነጣቕዕን ከበሮ ንድስቕን ድማ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋትና ኣሓትና ኴንና ንዘልልን ንጭድርን ምህላውና ክንስሕቶ የብልናን። ብሽም ልኡላውነትን ናጽነትን ኣይንደናገር።
ብጉልባብ ኢዮቤላዊ ናጽነት ኣይንተሃመል። ናጽነትና ብሓርነት ከይተደበሰት ናጻ ህዝቢ ናጻ ሃገር ክንብል ኣየጥዕመልናን። ኣብ ባርነት እናሃለና ብሽም ናጽነት ኣይንዳህለል።