PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መደብ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ. 5
ኣወሃሃድን ኣቕራብን (ቀለታ ኪዳነ) | 01/09/2016
ጕዳይ ኢትዮጵያ ዝጸልወና’ኳ እንተኾነ ብቐጥታ ዝምልከቶም ነቶም ሰብ ጕዳይ ኢዩ ንሕና ግን ጕዳይና ክንገብር ኣሎና
ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ቀኒኹም፡-
ብጋህዲ ማለት ነቲ ብቕሉዕን ብዘይስክፍታን ዘይንዘራረበሉ ጕዳይ ኣንቍር ኣቢልና ብግልጺ ንዘራረበሉ ማለት ኢዩ። እሞ ኣብ ሃገርናስ ንኹሉ ህዝባዊ ጕዳያትና ብጋህዲ ክትዘራረበሉ ይከኣል ድዩ ንዝብል ሕቶ ግን መብዛሕትኦም ዝህቡዎ መልሲ ኣበይ ኣቢልካ ‘’ኣብዚ ከሎና’ኳ ንጋዳ’’ ዝብልዩ። ብኣጋጣሚ ግን ነዛ ናይ ሎሚ ኣርእስትና ዝዀነት ሓሙሸይቲ ክፋል ነዳልወሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ኣብ ሃገርና ድሌትካን ርእይቶኻን ንምግላጽ ዝኽልክለካ የልቦን ብማለት ሓደ ‘’ምሕሬ’’ ዝተባህለ ወዲ ኣባሻውል ብዕለት 31 ነሓሰ 2016 ኣብ መስከረም ዶት ነት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ብምንባብና ሕጉሳት ኢና።
እቲ ምሕሬ ዝጠቐሶ ነጥብታት ብዙሕ ስለዝዀነ ኣብ እዋኑ ክንምልሰሉን መግለጺ ክንህበሉን ክንፍትን ኢና። ክሳብ ሽዑ ግን ካልኦት እውን ኣብቲ ንሕና ንህቦ ኮነ ንሱ ዝሃቦ ዘለኩም ርእይቶ ወይ’ውን ብዛዕባዚ ነቕርቦ ፕሮግራም ዘሎኩም ድጋፍ ኮነ ተቐፌታ ብግልጺ ክትጽሕፉን ከም ሃገራውያን ንናይ ሓባር ሃገራዊ ረብሓን ምቅርራብን ኵላትና በብዓቕምና ሓሳባት ክንለዋወጥን ክንዋሳእን ንዕድም።
ንሕና ከይተሰከፍናን ከይፈራሕናን ብጋህዲ ክንዛረብ ኢና ካብ በልና እቲ ዝመስለና ሓቂ ክንዛረብ ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ብጋህዲ ንዛረቦ ከኣ ንሃገርናን ህዝብናን ረብሓ’ዩ ኢልና ስለንኣምነሉ እምበር ካልእ ዝዀነ ይኹን ፍሉይ ዕላማን ሕልምን ክህልዎ ድላይ የብልናን። ነዚ ዝፈርዶ ግን ህዝቢ እምበር ንሕና ኣይኮናን። ምናልባት ርእይቶና ኮነ ትሕዝቶና ጌጋ ኰይኑ ምስ ዝርኤ ግን ንሕና ፍጹም ሓቀኛታት ኢና ኣይንብልን። እቶም ንሃገርናን ህዝብናን ክጠቅም ዝኽእል ካብ ናትና ዝሓይሽ ርእይቶን ሓሳባትን ዘለዎም ክእርሙና ኮነ ዝሓሸ ዝብሉዎ ርእይቶኦም ከካፍሉና ይምጽኡ ይዛረቡ ይጽሕፉ። እቲ ዘይጽቡቕ ንብሎ ብእምነትና ንዝምልከተካ ጕዳይ ስቕ ኢልካ ምርኣይን ምስማዕን ጥራሕ ኢዩ።
ኣብቲ ኣርእስትና ንምላስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ዓሌተኛን ግፍዔኛን ዝዀነ ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ንህዝቢ ደሙ ዝመጸየን ንብረቱ ዝሰረቐን ስርዓት ወያነ ይኣኽለካ ብማለት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ይቃለስን መስዋእቲ ይኸፍልን ከም ዘሎ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣሎና። እዚ ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዕወት እሞ ዜጋታት እታ ሃገር ሃገሮምን ክብረቶምን ንብረቶምን ባዕሎም ክቈጻጸሩን ካብቲ ግፍዒ ወያነ ናጻ ዝዀነ ህዝባዊ ምምሕዳርን ማዕርነትን ፍትሕን ዘለዎ መንግስቲ ክተኽሉን ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ትምኒትን ምዃኑ በብእዋኑ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ። ከምቲ ‘’ንስኻ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ’’ ዝበሃል ከኣ ሰላምን ፍትሕን ዘለዋ ጐረቤት ምስ ትህልወና ንሕናውን ብሰላም ክንነብር ስለንኽእል ስርዓት ወያነ ተጓሒፉ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ጽቡቕ ጕርብትናን ዝደሊ ጥዑይ ለባም ምዕቡል መንግስቲ ክትከል ንረብሓና ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እዚ ኰይኑ ግን ጕዳይ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያውያን እምበር ብቐጥታ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን።
እቲ ንዓና ብቐጥታ ዝምልከተና እቲ ጕዳይና’ዩ። ንጕዳይና ረሲዕና ብዛዕባ ጕዳዮም ጥራሕ ክንምድር ምውዓል ግን ንረብሓና ኣይኮነን። ንሕና ሎሚ ብዝያዳ ክንዛረበሉን ክንግደሰሉን ዝግብኣና እቲ ጕዳይናን ኣትሃላልዋናን ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ምምሕዳር መንግስትናን’ዩ ኢልና ንኣምን። ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ዝፈላልየና ጸገማት ፈትሽና ከነዓርዮን ኵነታት ሃገርናን ሃለዋት ህዝብናን ክንፍውሶን ንኽእለሉ መንገዲ ክንዘራረበሉ ብዝያዳ ምጠቐመና ዝብል እምነት እውን ኣሎና። እሞ ዝጐደለን ፍታሕ ትብሉዎን ብኣኹም ወገን እንታዩ ኢሉ ንዝሓተና ግን እቲ ሕቶ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ስለዝዀነ ነቶም ፖለቲከኛታት ደቂ ሃገር ገዲፍናዮ ኣሎና።
እቲ ቀንዲ ክንፈልጦ ዝግብኣና ግን ኤርትራውያን ከይተሰማማዕናን ጕዳይና ከየጽረናን ፍልልይና ፈቲሕና ከይሓየልናን እሞ እንድሕሪ ከምዚ ዘሎናዮ ተዳኺምናን ተፈላሊናን ከምቲ ናይ ቀደምና ሓድነትና ዘይተራእዩን ተረጋጊጹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዀነ ስርዓት ይተኸል ብዘየገድስ እቲ ሎሚ ዝፈትወና ዘሎ ጽባሕ ጸላኢና ከም ዝኸውንን ድኻማትና ርእዩ ክንዕቀናን ክወረናን ከም ዝኽእል እቲ ጥልመትን ድፍረትን ወያነ ንባዕሉ ክምህረና ዝግባእ ዘየጠራጥር ጭብጢ ኢዩ።
እሞ ሓቂ ክንዛረብ ሎሚ ኵነታትና ከመይ ኣሎ? እቲ መንግስትናን ምምሕዳራትናንከ ከምቲ ህዝብና ዝተቓለሰሉን መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ዝሓልሞ ዝነበረን ድዩ ዘሎ? ህዝቡ ጠርኒፉ ሃገር ብሰላም ዝመርሕ መንግስቲ ድዩኸ ዘሎና? ሕዝብናኸ ኵሉ ወይ መብዛሕትኡ በቲ መንግስቲ ሕጉስን ቅሱንን ድዩ ዘሎ? ሓድነት ህዝብናኸ ኣብ ምንታይ ደረጃሎ?
ናይ ካልእ እሞ ንግደፎ ብርእይቶና ክሳብ ክንደይ ተፈላሊና ምህላውና እቲ ብምኽንያት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቭ ዝተገብረ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ክልተ ሰላማዊ ሰልፊታትን ዝተረኽበ ብዝሒ ህዝብን ንፍልልይና ዘረጋግጽ እኹል ጭብጢ ምዃኑ ምዝካር ኣኻሊ ኢዩ።
ህዝብና ከይተሰደ ትሓቛቝፉ ኵሉ ብሰላም ኣብ ሃገሩ ከይነብር ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ሓደ ሰብኣይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ጥራሕ’ዩ ዝብሉ ደቂ ሃገር ኣለዉ። እቲ ዕንቅፋት ሓደ ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን። ከምቲ መብጽዓናን ኣርእስትናን ብጋህዲ ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ ሃገርና ሎሚ ብሲቪላዊ ዘይኮነትስ ብዘይእዉጅ ብወትሃደራዊ ምሕደራ ትመሓደር ምህላዋ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። እቶም ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ኰይኖም ንህዝቢ ከም ድላዮም ብዝመስሎም ዝደለዩዎ እናገበሩ ብዘይ ሕጊ የመሓድሩዎ ኣለዉ ዝበሃሉ ዘለዉ እቶም ስልጣኖም ገደብን ዓቐንን ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝደለዩዎ ገበናት ክፍጽሙ ዝኽልክሎም ሕጊ ዘይብሎም ንህዝቢ ከም ጥሪቶምን ንብረቶምን ገሮም ሰጥ ለበጥ ኣቢሎም ዘናብሩዎ ዘለዉ ገለ ጀነራላትን ናይ ወትሃደራት ሓለፍትን እውን ገለ ካብቶም ክንርስዖም ዘይግብኣና ሰባት ኢዮም ብማለት ጸገምና ሓደ ሰብኣይ ጥራሕ ዘይኮነ ብዙሓት ምዃኖም ዝገልጹ እውን ኣይተሳእኑን።
ከም ኣበሃህላኦም ኣብ ሃገርና ንማለቱ ምኒስተራት ኮነ ኣመሓደርቲ ኣለዉ። እዚኦም ግን ትሕቲ እቶም ወትሃደራት እምበር ናይ ባዕሎም ስልጣንን ሓላፍነትን ዘለዎም ኣይኮኑን። ንሳቶም ዋላ ስም ይሃልዎም እምበር ስልጣን ስለዘይብሎም ከምቲ ካልእ ተራ ህዝቢ በቶም ወሰንቲ ዝዀኑ ጀነራላትን ካልኦት ሓለፍቲ ወትሃደራትን እናትኣዘዙን ከም ዓለሞም ብፍርሒ ተዋሒጦም ዝነብሩ ዘለዉን ኣሳእል ኢዮም ብማለት እውን ይገልጹዎም። እዞም ነታ ሃገር ቆራሪጹ ከም ድላዮም ገሮም ንህዝቢ እናተቘጻጸሩን እናቐጽዑን ክሕልዉዋን ከካይዱዋን ስልጣን ተዋሂቦም ዘለዉ ጀነራላት ከኣ ንስልጣኖም ኮነ ሓላፍነቶም ገደብ ዘይተገብረሎም ድላዮም ክገብሩን ክሓድጉን ንሰብ ዋላ ነታ ሂወቱ ክትህሉን ከይትህሉን ንኽውስኑ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ኢዮም። መብዛሕትኦም ብዝተፈላለየ ከቢድ ገበናት ስለዝኽሰሱ ከኣ እቲ ሓለዋኦም ንፕረሲደንት ጥራሕ ዘይኮነ ንናይ ገዛእ ርእሶም ህላወን ስልጣንን ንምሕላው ምዃኖም እውን የረጋግጹ።
እቲ ብኣታቶም ኮነ ብልኡኻቶም ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዝፍጸም ዘሎ ከትርን ጭውያን ማእሰርትን ቅንጸላን ግን ካብ ህዝቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ነዚ ከኣ ይንዋሕ ይሕጸር ዝሕተቱሉ ሰባት ክህልዉ ኢዮም። ከምቲ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም በቶም መራሕቲ ናዚስት ወይ ፋሺስቲ ዝተገብረ ገበናት ናይ ዝተሳተፉ ሰበስልጣን ክሳብ ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሕትትን ዘቕጽዕን ዘሎ እቲ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍጸም ኣሎ ዝበሃል ዘስካሕክሕ ገበናት እውን ከምኡ ይንዋሕ ይሕጸር ጊዜ ምትሕታት ክርከቦ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን እውን ይብሉ። እቶም ዝሕተቱሉ ንሳቶም ድዮም ወይስ እቲ ብዘይገደብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ድላዮም ክገብሩ ስልጣን ዝሃቦም መን ክሕተተሉ ምዃኑ ግን ነቲ ሽዑ ዝህሉ ህዝብን ንፈራዲን ክጨንቆ ዝግደፍ ኢዩ ብማለት ኣብቲ ሃገር ብኣታቶም ብዙሕ ገበናት ከም ዝተገብረን ክሳብ ሎሚ ከምዚ ገበን ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ተባሂሉ ዝተኣስረ ብዓል ስልጣን ከም ዘየሎ እውን የረጋግጹ።
ናይ ዝበዝሓ ሃገራት ህዝቢ ብዛዕባ ሃገረን ባዕለን ዝሓንጸጽኦን ዝተሰማምዓሉን ዝተፈላለየ ኣገባብ ዓይነት ኣመሓዳድራ ኣለወን። ካልእ ከምዚ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ቃልሲ ኣቢሉ ድሕሪ ምዕዋት ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ እውን ኣሎ። ታሪኽ እንተርኢና ከኣ እቲ ንምቕያሩ ኮነ ንምእላዩ ዝኸፍኤን ዝሓየለን ንስልጣን ዓትዒቱ ምስ ሓዘ እምቢ ኣይለቅቕን ዝብል ከምዚ ዝኣመሰለ ብመንገዲ ቃልሲ ዝመጽእን ካብ ባዶ ዝብገስን መንግስቲ ኢዩ። ስርዓት ወያነ እውን ሓደ ካብኡ ኢዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ እውን እንተዀነ ቅዋምን ህዝባዊ ኣሰራርሓን ትሓሲሙ ብዘይ ዝዀነ ህዝባዊ ፍቓድን ባርኾትን ባዕሉ ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ዝነብር ዘሎ ምዃኑ ፈቲና ጸሊእና ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቂ ኢዩ።
ባዕልና ንደልዮን ንመርጾን መንግስቲ ክንተክል ወይ እውን ንሱ እዚ ዘሎ መንግስቲ ዝሰማምዓናን ንኣምኖን ምስ ንኸውን ንዕኡ ክቕጽል ክንመርጾ ከም ዝግብኣናን ግን ብምርጫ ዝውሰን መሰረታዊ መሰል ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ስለዝኰነ መብዛሕትና ደቂ ሃገር ንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እቲ ንፈላለየሉ ምኽንያት ኣብቲ ብኸመይ እሞ ነልግሶ ወይ ነመሓይሾ ወይ እውን ንሓግዞ ዝብል ኣገባብ ጥራሕ ኢዩ።
ኣብ ታሪኽ ካልኦት ሃገራት ምስ ንዕዘብ ከኣ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ንረብሓኡ ክዛረብን ክቃለስን ከሎ ገለ ከኣ ብረብሓ ድዮም ወይሲ ብፍርሒ ከምኡ’ውን ብዘለዎም ድሕረትን ጕድለት ትምህርትን ብዘይምስትውዓል ኣንጻር ረብሓኦምን ኣንጻር ህዝቦምን ይቃለሱ ኢዮም።
እሞ መንግስቲ ኤርትራኸ ስልጣንን መሰልን ልዕልናን ህዝቢ ኣሚኑ ንህዝቡ ክእዘዝን ከሓጕስን ከዕግብን ዝጽዕር መንግስቲ ድዩ? ንሕልና ነፍሲ ወከፍና ዝግደፍ ኢዩ።
ኣብዚ እነካይዶ ዘሎና መደብ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ናይ ሶሻል ሜድያ ዝተፈላልየ መልእኽትታትን ርእይቶታትን ንህዝቢ ወይ ንተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮነ ንሃገራዊ ሓለዋን ጸጥታን ኣብ ግምት ዘእተወ ገለ ገለ ህጹጽ ለውጢ ብፍላይ ከኣ ነቲ ገደብ ኣልቦ ዝዀነን ንኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ናይ ስደት ምኽንያት ዝገበረን መወዳእታኡ ዘይፍለጥን ሃገራዊ ኣገልግሎት መፍትሒ ክገብረሉ ንመንግስቲ ኤርትራ እውን ካብ ምትሕስሳቡን ምልማኑን ዓዲ ውዒልና ኣይንፈልጥን።
ብዛዕባ እቲ ንመንግስቲ ነትሓላልፎ መልእኽትታት ዝመጸና ርእይቶ ግን ኵሉ ኣወንታን ዘተባብዕን ዘይኮነ ዘለፋን ናይ ቀቢጸ ተስፋ ዝዀነ ርእይቶታትን ናይቶም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ እውን ይበጽሓና ኢዩ። እስከ ገለ ካብቲ ዝሓሸ ንብሎ ክንጠቅስ፡-
ዲክታቶር ብሓይሊ ክትኣልዮን ክትጸርጎን ከተባርሮን እንተዘይኰይኑ ኣብ ዓለም ተለሚኑ ሕድገታት ወይ ፍትሒ ዝገብር የልቦን። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሓደ ካብቶም ምስ ሰሜን ኮርያ ዝወዳደር ዘሎ ዝኸፍኤ ዲክታቶር ስለዝዀነ እቲ ተቕርቡሉ ዘሎኹም ልማኖ ኣምበርኪኸየን ኢሉ መግደዲኡን መሓጐሲኡን ክኸውን እንተዘይኮይኑ ካልእ ጠቕሚ የብሉን። ንኽትመሳሰሉዎን ብተዘዋዋሪ ንሕና እውን ምሳኻ ኣሎና ኢልኩም ተልእኮኹም ንኸተረጋግጹሉን እንተዘይኰይኑ ከኣ ክሰምዓኩምን ንሕቶታትኩም ብኣወንታ ክምልሰልኩም ዘይምዃኑ ዝጠፍኣኩም ኣይመስለናን። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ ካብቲ ኵሉ ንነዊሕ እዋን ዘቕረብኩሙሉ ሕቶታትኩምን ልመናኹምን ዋላ ሓንቲ እውን ዝሰምዖን ኣብ ግብሪ ዘውዓሎን የልቦን። እሞ ካብዚ ኵሉስ ከም ህዝብኹም ሓንቲ መንገዲ ጥራሕ እንተትሕዙን ምሳና ጥራሕ እንተትቃለሱን ኣብ ምልጋሱ ተራኹም እንትተበርክቱዶ ኣይምሓሸን? ዝብል ኢዩ።
ብእምነትና ኵሉ ህዝቢ ኤርትራ ተቓዋሚ ኮነ ደጋፊ መሰሉ ማዕረ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎና። ስለዝዀነ ከኣ ንሕና ንዅሉ ብሰላምን ብማዕርነትን ብፍትሕን ክነብር እምበር ተቓዋሚ ደጋፊ ኢልና ክንፈላልዮን ነቲ ሓደ ደጊፍና ነቲ ካልእ ከነጓንዮን ኣይንደልን ኢና።
ካብኡ ሓሊፉ ንፉዓት ዉፉያት መራሕቲ ረኺቡ ህዝቢ ተኣማሚኑን ተሰማሚዑን ተኸባቢሩን ኣንጻር ወጽዕኡ ምስ ዝቃለስ ከም ዝዕወት ግን ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዓወትናን ናጽነት ሃገርናን ርኡይ ጭብጢ ኢዩ።
ዉፉይን ምዕቡልን ተቓዋሚ ኣካል ክህልወካ ከም ዘድሊ ደጋጊምና ዝሓበርናዮ ኢዩ። እዚ ዋላ ሓንቲ ንጹር ዕላማን ፍሉጥ መራሕን ዘይብሉ ኣበይ ከም ዝኸይድ እንታይ ከም ዝገብር ንረብሓ መን ከም ዝሰርሕ ዘይፍለጥ ዝተፈላልየ እሞ ከኣ ገሊኡ ጸረ ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ዝዀነ ዝተበታተነ ንጹር ገለ ናይ ሃይማኖት ገለ ናይ ብሔር ገለ እውን ናይ ኣውራጃ ሕማም ኣጀንዳታት ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ ኣጸቢቕና ስለንፈልጦ ግን ክንድግፎን ክንሕወሶን ኣይንተባብዕን። ካብኡ ሓሊፉ ኣይኮነንዶ ንሕና ንፈልጦን ዝተመኮርናን ህዝብና እውን ክኣምኖን ክቕበሎን ኣይከኣለን። ስለዝዀነ ከኣ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ምዓስከራት ፓልቶካትን ፈይስ ቡካትን ኢንተርነታትን ወጺኡ ፍሕት ክብል ኣይከኣለን።
እወ ገለ ገለ ዉፉያትን ውልቃውያን ግዱሳትን ተቓለስቲ ደቂ ሃገር ብዝገብሩዎ ቃልስን ጸቕጥን ኣብ ዓለም ብዝዘርግሑዎ ሓበሬታታት ምቅላሕን ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገማት ብመጠኑ ኣብ ዓለም ክፍለጥን ንመንግስቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክዀኖን ክኢሉ ኢዩ። እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ ኵሎም ስዓብቱን ታሪኹን ትካላቱን ካብ ሱሩ ክንምንቍሶ ኢና ዝብል ፈኸራ ገለ ተቓወምቲ ግን ንኽንደይ ዓመት ዝሰማዕናዮን ኣእዛንና ዘጽመመናን ፈኸራ ጥራሕ ኢዩ ነሩ። ብዘይካ ነንሓድሕዱ ክናኸስን ክባላዕን ኣንተዘይኰይኑ ከኣ እቲ ደምበ ተቓውሞ እዚ ኵሉ ዓመታት ተዛሪቡን ለፍሊፉን ዘምጽኦ ለውጢ ኣይርኣናን።
እቲ ምኽንያት ኣብ ውሽጡ ክፍወስ ዘይክእል ዓቢ ሕማም ስለ ዘለዎ ምዃኑ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ዝዀነ ሰብ ብዛዕባ ሃገሩ ናቱ ርእይቶን እምነትን ክህልዎ መሰሉ ኢዩ። ምስ ገለ ተቓወምቲ ጽልኢ ስለዘሎካ ወይ መስቲ መንግስቲ ገለ ውልቃዊ ረብሓታት ስለዘሎካ ጥራሕ ነቲ መንግስቲ ምድጋፍ ግን ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝወርድ ወጽዓ ኣነ’ውን እሰማምዓሉ ኢየ ኢልካ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንነብስኻ ኣብቲ ገበን ምእታው ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎና።
መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ዝቃወሙዎን ቅዋማዊን ሕጋዊን ምሕደራ ክፈጥር ዝሓቱዎን ዘለዉ ደቂ ሃገር ኣይኮነንዶ ክሰምዖምሲ ከም ዜጋታቱ እውን ኣይኣምነሎምን ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን እቲ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነ ይብዝሑ ይውሓዱ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝገብሮ ናይ ምጕናይን ንደቂ ሃገር ዜግነታዊ መሰሎም ምኽላእን ኣብ ጕዳይ ሃገሮም ርእይቶ ክህቡ ከም ዘይግብኦም ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ዝኣምኑሉን ዝሰማምዑሉን ደገፍቲ መንግስቲ ምህላዎም ኢዩ።
ብዙሓት ነቲ መንግስቲ ክንምንቍሶ ክንድምስሶ ዝብሉ ተቓወምቲ ንሰምዕ ኢና። ክሳብ ዝምንቍሱዎ ግን ንሕና ብወገንና ነቲ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ መፍትሒ ክግበረሉ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ዝርኤ ጋሕማጥ ምምሕዳር እውን ለውጢ ክግበረሉ ‘’ይስምዓና ኣይስምዓና’’ ሕቶታትና ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣንተ ኣተሓሳሰብናን እንተ ለመናን ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ይጸንሕ እምበር ንማንም ዘምጽኦ ጕድኣት ዘሎ ኣይመስለናን። ኵሉ በብዓዓቕሙ ማለት እቲ ሓያል ንመንግስቲ ክድምስስየ ዝብል ናይ ምድምሳሱ ክገብር ከሎ እቲ ኣረጊት ጸሎት ይገብር እቲ ሕማቕ ክምንቍስ ዘይክእል ከምዚ ናትና ከኣ ሕመቑ ኣሚኑ በቲ ዓቕሙ እንተጽሓፈን ኣብ ክንዲ እቶም ባዕሎም ክዛረቡ ዘይክእሉ እንተተዛረበንሲ ጸገም የብሉን ብሃልቲ ኢና።
እቲ ብወገንና ንፈልጦ ሓቂ ክንዛረብ እንተዀይኑ ግን ‘’ዝገብር ነዲኡ ነይነግር’’ ከም ዝበሃል ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ክፍክሩ ዝውዕሉ መንግስቲ ኤርትራ ካባና ንላዕሊ ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦም በዞም ወግሔ ጸብሔ ክንድምስሰካ ከነጥፍኣካ ኢና ኢሎም ዘፈራርሑዎ ፈሪሑን ተሻቒሉን ርኢናዮን ሰሚዕናዮን ኣይንፈልጥን። እኳ ድኣ ‘’ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ ክህልዉኻ ዓቢ ዕድል’ዩ’’ ኢሉ ከም ዝተዛረበሎም ቅድሚ ሎሚ ዘተሓላልፍናዮ ሓበሬታ ኣሎ።
ሎሚ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ደም ከይተፋሰስና ተሰማሚዕና ሰላማዊ ዝዀነ ለውጥን ፍትሓዊ ዝዀነ ህዝባዊ ምሕደራን ክመጽእ ዘይደሊ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ዘሎ ኣይመስለናን። እቲ ፍልልይ ግን ነቲ መንግስቲ ብኸመይ ንእለዮ ወይ ነመሓይሾ ወይ እውን ሕጋውነት ነልብሶ ኣብ ዝብል ስምምዕ ስለዘይተረኸበሉ ጥራሕ ኢዩ። ብርእይቶና ከኣ እቲ መሰረታዊ እምነት ክኸውን ዝግብኦ ናተይ ጥራሕዩ ሓቂ ምባል ዘይኮነ ናይ ካልኦት ደቂ ሃገር ሓሳባትን ርእይቶታትን እውን ምኽባርን ምቕባልን ኣድላዪ ኢዩ።
ካልእ ንዓታቶም ሕቶ ኣሎና? ኣስከ ክንኣምኖም እሞ ነቲ መንግስቲ ኤርትራስ ሕራይ ብሓይሊ ደምሰስዎ ንበል። ብድሕሪኡኸ እንታይ ኢዮም ክገብሩ? ሃገር ከረጋግእን ዶባታ ክሕሉን ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝፍጠር ብዙሕ ጊዜ ክፈሽል ዝተራእየ ምምሕዳራቶም ስለንፈልጦሲ ህዝቢ ንኸምሓድረሎም ንመን ኢዮም ከምጽኡ? እስከ እቲ ጥርኑፍ ሓይልን ዝተኣማመኑሉ ዉፉይ መራሕን ይንገሩናሞ ወይ ክንቅበሎ ወይ ክንነጽጎ?
መሪሕነት ካብ ህዝቢ ኢዩ ዝፍጠር ከም ዝብሉ ንሰምዖ ኢና። እዚ ግን ብርእይቶና ንመከላኸሊ ዝወሃብ ምኽንያት ጥራሕ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣበይ ዘሎ ኣየናይ ህዝቢ? እቲ ኣብ ፓልቶካት ክዛረብ ዝውዕልዶ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ኰይኑ ንሃገር ዝከላኸል ዘሎ? ህዝቢ መራሕቱ ክመርጽን መተካእታ ከቕርብን ዝኽእል እንተዀይኑኸ ስለምንታይ እቲ ዘሎ መንግስቲ ከይተደምሰሰ ከሎ ሎሚ እቲ መተካእትኡ ዘይመጽእሞ ዘይንላለዮ? ብርእይቶና ህዝቢ ናይ መጻኢ እዋን መራሕቱ ንኽፈልጥን ከለልን ሓያል ውደባን ናይ መላለዪ ዕድላትን ክረክብ ኣለዎ ብሃልቲ ኢና። ነዚ ከኣ እዚ ንርእዮን ንፈልጦን ደምበ ተቓውሞ ክገብሮ ፈጺምካ ዘይሕለም ኢዩ።
እሞ ሓቂ እንተተዛረብና ዝዅርዩ ከይህልዉና እምበር ደምበ ተቓውሞ ኣብዚ ኣብ ናጻ ሃገራት ምስዚ ኵሉ ብቐሊል ክግበር ዝከኣል ናይ ልዝብ ዕድላት እንከሎ ምይይጥ ገሩ ኣብ ስምምዕን ምትእምማንን ክበጽሕ ኣይከኣለን።
እቶም ክንድምስስ ዝብሉ ዘለዉ እውን ነንሓድሕዶም ክደማሰሱ እናውዓሉ ንመንግስቲ ኤርትራ ክንድምስስ ኢልካ ምፍካር መንዓቒኦም ጥራሕ ኢዩ። እቲ ዕላማኦም ነቲ ኣብዚ ዲያስፖራ ኣብ ህዝቢ ኣትኣታትዮሞ ዘለዉ ሕማም ጽልእን ቅርሕንትን ካልእ ቫይረስን ንውሽጢ ሃገር ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምእታው እንተዀይኑ ግን ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኣርሒቑ ዝሓስብን መስዋእቲ ዝኸፈለን ሃገሩን ሓድነቱን ዝሕሉ ህዝቢ ስለዘለዋስ ነዚ በታንን ፈላላይን ዕላማ ሒዝካ ንዓዲ ምእታው ዝከኣል ኣይመስለናን።
እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን እቲ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝርኤ ዘሎ ናይ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን ኵነታት ኣብ ጊዜ ምምሕዳር መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ብዛዕባ ጠባይ ኤርትራውያን ዝጸሓፎ ርእይቶ ሓቅነቱ ይረጋገጽ ምህላዉ ኢዩ።
እቲ ክኢላ ኤርትራዊ ጽሓፋይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብታ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ማቴንሶ ክሳብ ተድላ 1951- 1955 ትብል መጽሓፉ ኣብ ገጽ 103 ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ይርከቦ። ሓደ ካብዞም ዳሕረዎት ማለት ወልደኣብ ወልደማርያም ሓደ ኣብ ሓማሴን፡ ሰራየን ፡ ኣከለጉዛይን ዘገልገለ እንግሊዛዊ ኤስ.ዲ.ኦ (Sinior Divitional Officer) ወይ ኣመሓዳሪ ብዛዕባ ጠባይ እቶም ኣብ ስራሕ ዘጓንፉዎ ዝነበሩ ጭቃታት፡ ምስሌነታትን፡ ፖለቲከኛታትን እተን ኣውራጃታት ንዝበሎም ብምስቍርቋር ጽሒፎም ነበሩ። ወልደኣብ ንትሕዝቶ እቲ ርእይቶ’ኳ ብምሉኡ እንተዘይተቐበሉዎ ኤርትራውያን ምእንቲ ሓድነቶምን ካብ ናብራ ባርነት ትኣዛዝነትን መታን ክወጹን ነፍሶም ንኽምርምሩ ካብ ምልባው ዓዲ ኣይወዓሉን። እዚ ድማ ኣብቲ ርእይቶ ገለ ሓቂ ከይህሉ ስለዝጠርጠሩ ነበረ። ፖለቲካን ፖለቲካዊ ጸወታን ናይቲ ጊዜ ናበይ ገጹ የምርሕ ከም ዝነበረ ቍሩብ ጩራ ስለዝህብ ንሕና’ውን ንርእይቶ ናይቲ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ዳርጋ ከምቲ ወልደኣብ ዘቕረቡዎ ንደግሞ።
ቃል ናይቲ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ ካብ ጸብጻብ ኣቶ ወልደኣብ ወደማርያም ከምዚ ዝኽተል ኢዩ።
ኤርትራውያን ጐርሓት፡ ፈላጣት፡ ክኣልቲ ኢዮም። በዚ መንገድ’ዝስ ካብቶም ካልኦት ዓሌታትን ካብ ኤውሮጳውያን ከይተረፈ ድሕር ክብሉ ኣይምኽእሉን። ግናኸ ሓደ ክሕደግ ዘይከኣል ቍንቍነ ነፍስን ስጋን ዝዀነ በደል ኣለዎም። ንሱ ከኣ ናይ ሓድሕድ ጽልእን ምንቀኝነትን ኢዩ። ኣብ ኣከለጉዛይ፡ ኣብ ስራየ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ሓማሴን ኣሎኹ። ዳርጋ ንዅሎም ምስሌነታትን ጭቃታትን ሽማግሌታትን እፈልጦም ኢየ ክብል ምኸኣልኩ። ዳርጋ ምስ ኵሎም ተዘራሪበ። ዳርጋ ንዅሎም መርሚረዮም እሞ እቶም ዓበይትን ምሁራትን ዝበሃሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መዝን ሓላፍነትን ዘለዎም ሰባትስ ክሳብ ክንድዚ ንሓድሕዶም ክጻልኡን ክትሓማመዩን ክወዳደሩን ክከፋፍኡን ምርኣይ ብዙሕ የጕህየኒ። ተስፋ ኣብ ምቕባጽ ከብጽሓኒ ድማ ቀሪቡ ነበረ። እወ ከምዚ ዝበለ ኣረጊት ጠባይን ባህርን ካብ ልቢ ኤርትራውያን ፈጺሙ እንተዘየልጊሱ ኤርትራውያን ወርትግ ብኻልኦት ክእዘዙን ክምርሑን ክነብሩ ኢዮም።
ሓደ ምስሌነ ወይ ሓደ ዓቢ ዝበሃል ሰብ ብዛዕባ ጕዳይ ርእሱ ወይስ ብዛዕባ ጕዳይ ምምሕዳር ሃገር ብጃምላ ክዛረበኒ ብዝመጽእ ብዛዕባ ሓደ ብጻዩ ወይስ ብዛዕባ ሓደ ወዲ ዓዱን ወዲ ኣውራጃኡን ክፉእ ከይተዛረበኒ ከቶ ኣይወጽእን። እቲ ሕሜቱን ነቐፌታኡን ከኣ ካብ 99 ካብ ሚእቲ ካብ ጕዳይ ርእሱ እተላዕለ ናቱ ምንቀኝነትን ጽልእን ኢዩ’ምበር ብጃምላዊ ጠቕምን ረብሓን እተላዕለ ኣይኮነን። ብማለት መግለጺኡ ይድምድም።
እዚ ዳርጋ ሰብዓ ሰማንያ ዓመት ዝገበረ ብዛዕባ ጠባይ ኤርትራውያን ብሓደ እንግሊዛዊ ኣማሓዳሪ ዝተዋህበ ርእይቶ ሎሚኸ ተቐይሩዶ ይኸውን? ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለየ ርእይቶታትን መልስታትን ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ብሓፈሻ ግን ኵነታትን ሃለዋትን ህዝብና ክትርእዮን ክትምርምሮን ከሎኻ ብርእይቶና እንተዘይገዲዱ ኣይተመሓየሸን ዝብል እምነት’ዩ ዘሎና። ካባይ ንስኻ ትዓቢ፡ ካብ ኣነ ንስኻ ዝያዳ ትፈልጥ፡ ካባይ ንስኻ ትሓይሽሞ ፡ ኣቐዲምካ ንስኻ ተዛረብ ተበሃሂልና ከይተኸባበርናን ከይተሓላለናን ከይትኣማመንናን ከኣ ንዅላትና ዝጥርንፍን ብሰላም ከነባብረና ዝኽእልን ለውጢ ንኸነምጽእ ከሸግረና ኢዩ።
በቲ ካልእ ወገን ከኣ ወዲ ሰብ ብዘይካ ክነብርየ ክመውትየ ኢሉ ንሞት ዝዳሎን ናይ ዝመጽእ ሓዳሩን ንብረቱን ምድላዋትን ምውጋናትን ለበዋታትን ኣቐዲሙ ዝገብር ኤርትራዊ ብጣዕሚ ሒደት ኢዩ።
ፕረሲደንት ኢሳያስ ንባዕሉ እውን ብርእይቶና ሓደ ካብቶም ናይ ሎሚ እምበር ናይ ጽባሕ ሓድነትን ሰላምን ኤርትራ ኣገዲሱዎ ኣቐዲሙ ሎሚ ክሰርሓሉን ክጥንቀቐሉን ህዝቡ ክእክብን ዘይርኤ ዘሎ መራሒ’ዩ ተባሂሉ ዝኽሰስን ዝውቀስን ዘሎ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ይኹንምበር ንሱ ይገደስ ኣይገደስ ፈትዩ ጸሊኡ ዝነብር ስለዘየልቦ ከም ሰብ መጠን ንሱ እውን ክሓልፍ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ንናይ ጽባሕ መጻኢኡን ሓድነቱን መንነቱን ሎሚ ኣበርቲዑ ክግደሰሉን ክሰርሓሉን ይግባእ።
ቅዋም ስለዘይብልናስ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ምስግጋር ስልጣን ጎነጽን ደም ምፍሳስን ከየስዕብ የሰክፈናዶ? ብማለት ቅድሚ ቅሩብ እዋን ንሓደ ንዅነታት ሃገርናን ኣሰራርሓ መንግስቲ ኤርትራን ኣፍልጦን ኢድን ዘለዎ ፈታውየይ ብዓል ስልጣን ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ተራኺብና ዘቕረብኩሉ ሕቶ ክምልሰለይ ከሎ ብምትእምማንን ስግጥ ብዘይምባልን’ዩ።
ንሱ ዘረብኡ ክጅምር ከሎ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝሃቦ መግለጺ ብመጀመርያ ኣብ ሂወተ መዋእልና ብዘይካ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝኽእል መንግስቲ ክትጽበ የብልካን። ቅዋም ይሃልወና ኣይሃልወና ግን ነዛ ኣሽሓት መስዋእትን ስንክልናን ከፊልና ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊስናን ተሰዊእናን ዘምጻእናያ ሃገር ከነካይድ ከሎና ኣብ ልዕሊ ህዝብና ጌጋታትን በደላትን ክግበር ምርኣይ ናይ ገዛእ ርእሱ ምኽንያታት ዘለዎ ኢዩ። እቲ ንስኻትኩም ትብሉዎ ዘሎኹም እውን ንፈልጦን ንከታተሎን ኢና። እንቶ ብድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንሓድሕዶም ተዋጢጦምን ተታዅሶምን ሃገር ከየጥፍኡዋ ንዝበሃል ግን ህዝባዊ ግምባር ናይ ከምኡ ባህልን ልምድን ኣይጸንሓናን። ድሕሪ ሕጂ እውን ኣይክህልወናን’ዩ። እቲ ዘሰክፈካ ዘሎ መጻኢ ሃገርና ከኣ ካባኻ ንላዕሊ ንሕና ተሰኪምናዮ ስለዘሎና ጽባሕ ብታሪኽን ብሓላፍነትን ንሕተተሉ ንሕና ኢና። ኵሉ ባዕልና ስለ ዘሎናዮ ከኣ ብዛዕባ ናይ መጻኢት ሃገርናን ህዝብናን ኵነታት ድቃስ ኣይትስኣን፡ ክብል ንስግኣተይ ከረጋግእ ፈቲኑ ነሩ ኢዩ። ነቲ ዝሃበኒ መልሲ እእመነሉ ኣይእመነሉ ከኣ ብወገነይ ብዘይካ ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ንዝመጽእ መን ኣብ ስልጣን ይመጽእ ስለዘይግድሰኒ ኣብ ክርክርን ካልእ ሕቶን ክኣቱ ኣይመረጽኩን።
ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገርሮምን ህዝቦምን ዝሓለፉ ጀጋኑ
ሰላም ቅነ