PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ 10
ቀለታ ኪዳነ | Nov 4, 2016 | meskerem.net
ሰላማዊ ሰልፍታት ጀነቫን ኒዮርክን
ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ቀኒኹም?
ናይ ሎሚ ኣርእስቲ ከምቲ ልሙድ ብጕጅለ መደብ ሓቅን ብጋህድን ዝተዳለወ ዘይኮነስ ናተይ ናይ ውልቀይ ርእይቶ ጥራሕ ምዃኑ ኣቐዲመ እሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብጕዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን ንዝሃብኩዎ ርእይቶ ብዙሓት ብጾተይን ፈተውተይን ከይተረፉ ከም ዘይትሓጐሱለይን ዝወቐሱኒ ከም ዝነበሩን ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን ኢየ። እቲ ቀንዲ ዘይመሓጐሲኦም ከኣ ነዚ ክሳብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሽሕ ዝኣክል ህዝቢ ዝተኻፈሎን መንእሰይ ኤርትራ ቍጥዓኡ ኣንጻር ስርዓት ኤርትራ ዝገለጸሉን ጕዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ኣብ ክንዲ ምትብባዕን እጆኹም ምባልን ዓቕምኻ ምውፋይን ተጻራሪ ዝዀነ ርእይቶ ምቕራብ ግቡእ ኣይነበረን ዝብል ኢዩ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናይ ህግደፍ ስዉር ኣባልን ደጋፍን ዝሾሙኒ ገለ ምስትውዓል ዝጐድሎም ናይ ኢንተርነትን ፓልቶክን ጀጋኑ ምዃኖም ንነብሶም ዘእመኑን ዝተፈላለዩ ናይ ቅንእን ጽልእን ጽሑፋት ጥራሕ ክሓናጥጡ ዝውዕሉ ንፈልጦም ሰባት ንዓይ’ውን ከም ሰበይ ከም ዝተናኸፉኒ እውን ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን።
እቲ ኣዝዩ ዝገርም ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ዕሽነት ግን ህግደፍ ከም ጸርፊ ገሮም ክወስዱዎ ከለዉ ምስማዕ ኢዩ። ናይ ብሓቂ ከኣ ህግደፍ እንታይ ይሰርሕ ወይ ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ ኰይኑ ክሳብ ክንደይ ትኣማንነት ህዝቢ ኣለዎ ብዘየገስ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ወጻኢ እውን እቲ ዝዓበየን ዝበዝሔ ህዝቢ ሓቝፉ ዘሎ መንግስታዊ ውደባ ኢዩ። እቶም ሓመይቲ ወይ ተጻረፍቲ ደቂ ሃገር ህግደፋዊ ምዃን ዘዅርዖምን ዘሓብኖምን ደቂ ሃገር ከም ዘለዉ ዘይምርድኦም ከኣ ንድሕረቶምን ዕሽነቶምን ዘረጋግጽ ኢዩ።
ብመሰረቱ ኣብዚ እዋን እዚ ንዘይትፈትዎ ወይ ምስ ርእይቶኻ ንዘይሰማማዕ ሰብ ደጋፊ መንግስቲ እንተዀንካ ወያነ ወይ ጸረ ሃገር ክትብሎ ዘሰክፍ ኣይኮነን። ተቓዋሚ ኢየ ትብል እንተዀንካ ከኣ ሰላዪ መንግስቲ ወይ ህግደፍ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ስም ከተጠምቖ ብጣዕሚ ቀሊል ኢዩ። ምኽንያቱ ንጊዜኡ ሎሚ ክትሕተተሉን ብሓሶትካ ክትቅጽዓሉን ትኽእል ሕጊ ደምበ ተቓውሞ ስለዘየልቦ። እዚ ማለት ግን ማንም ሰብ ሎሚ ብዝገበሮ በደልን ጸለመን ጽባሕ ክሕተተሉ ዝኽእል ጊዜን ኵነታትን ኣይመጽእን ኢዩ ዝብል እምነት የብለይን። ከመይሲ ናጽነት ኤርትራ ዝርከብን ዝመጽእን ስለዘይመሰሎም ብዙሓት ዝተጋገዩን ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝበደሉን ከምኡ’ውን ዝወግሕ ስለዘይመሰሎም ንውልቀ ሰባት ክጸርፉን ክዝልፉን ኣሕሊፎም ብሓሶት ከጸልሙን ከእስሩን ዝጸንሑ ሰባት ድሕሪ ናጽነት ዋጋ ሞያኦም ብመንግስቲ ኮነ ብውልቂ ከሰስቲ ከም ዝረኸቡ ስለንፈልጥ።
ኣነ ብምኽንያት ኣብ ኤርትራ ኣሎ ዝበሃል ዘይሰብኣዊ ኣሰራርሓን ጕድለት ፍትሕን ስርዓትን ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር እጸልእ ዘይኮነስ ኣብ ሃገር ሕግን ፍትሕን ክርከብ፡ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሃገር ክሕሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብመሰሉ ኰሪዑን ቀሲኑን ካብ ማንም ከይፈርሔን ስግጥ ከይበለን ክነብር፡ ዝበደለ እውን ብሕግን ስርዓትን ፍርዱ ክረክብ፡ እሱር እውን ብሰብኣዊ ክብርን ኣትኣላልያን ክትሓዝ ብዙሕ ጊዜ ብምድግጋም ዝጸሓፍኩሉን ዝመደርኩሉን ስለዝዀነን እሞ ብኸአምኡ ስለዝፍለጥን ጽሑፋተይ ስለዘረጋግጾን በዞም ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ሃሱሳት ህግደፋዊ ስለዝተብሃልኩ ብዙሕ ኣየሰክፈንን ኢዩ።
ብዛዕባ ንህግደፍ ምድጋፍ ከኣ ኣብ ሃገርና ዝሕጐሰሉን ዝድግፈሉን ህግደፋዊ ሕግን ስርዓትን ስለዘይርእኹ እምበር ትሓቢኤ ዘይኮነስ ንህግደፍ ዓው ኢለ ንኽድግፍን ምስኡ ጠጠው ኢለ ንጸላእቱ ክብድህን ድሕር ኣይምበልኩን። እሞ ናይቶም ብዛዕባ ካልኦት ብዙሕ ሃጠው ቀጠው ክጽሕፉን ክዛረቡን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ግዕዙያት ከም ዝዘይግደስን ዘይስከፈሉን ከረጋግጸሎም እፈቱ።
ኣብቲ ጕዳይ ንምእታው ግን ሓደ ሰላማዊ ሰልፊ ንምንታይ ይግበር?
ብርእይቶይ ሰላማዊ ሰልፊ ዝግበር በቲ ትገብሮ ሰልፍን ተስምዖ ጭርሖታትን ነቲ ክሰምዕ ትደልዮ ብዓል ስልጣን ህዝቢ ወይ ኣካል ንምስማዕ ኢዩ። ብርእይቶይ ከኣ ኣብ ጀነቫ ኮነ ኣብ ኒዮርክ ኣብ ዝተገብረ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼባታት እቲ ዝግበር ውሳነ በቶም ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ክውሰንን ክፍጸምን ዝደልዩዎ ሓያላት ትሓንጺጹን ተወሲኑን ዝመጽእ እምበር በቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ዝቐርብ ሕቶታት ወይ ጭርሖታት ህዝቢ ዝቕየር ወይ ዝውሰን ውሳነ ነሩ ኢለ ኣይኣምንን ኢየ። ከምቲ ዝኣምኖ ከኣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ጀነቭ ኮነ ኒዮርክ ዝተረኽበ ህዝቢ ኮነ ዝተገብረ ጭርሖታት ዝቐየሮ ወይ ዘዓወቶ ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ነሩ ዝብል እምነት የብለይን።
ካልእ ኣብ ዝዀነ ሃገር ወይ ከተማ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ነቲ ሰልፊ ዝርእን ዝሰምዕን ህዝቢ እውን ኵነታትካ ንምሕባርን ንምፍላጥን እሞ ንሕቶታትካ በብመንገዱ ብዝኽእሎ ዓቕሚ ክሕግዘካን ከቃልዓልካን ጕዳይካ ኣብ ዓለም ክፍለጠልካ ስለዝድለ እውን ኢዩ። ብዓቢኡ ከኣ ብርእይቶይ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓደ ዝስለፍ ህዝቢ ክዕወት ዝኽእል ሓደ ዕላማን ስምምዕን ምክብባርን ምትሕልላይን ክህልዎ ከሎ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን ብዛዕባ እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝቐርብ ዝነበረ ርእይቶታት ይኹን ፈኸራታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ድሌታትን ተልእኮታትን ጐስጐስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ነናቶም ናይ ውሽጦም ኣጀንዳታት ብዘለዎም ሰባትን ጕጅለታትን ፓልቶካትን ዝተዓብለለ ስለዝነበረ ብርእይቶይ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ምስቲ ዝተጠቕሰ ጕድለት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝሳነ ወይ ዘራኽብ ኣይነበሮን ብሃላይ ኢየ። እዚ ማለት ግን ገለ ካልእ ውሽጣዊ ተንኮላትን ተልእኮታትን ዘይነበሮም ንሃገሮምን ህዝቦምን ብምሕላይ ጥራሕ ዝተኻፈሉ ንጹሃት ደቂ ሃገር ኣይነበሩን ክብል ግን ኣይደፍርን ኢየ።
ብዝዀነ እቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት ነቶም ገበነኛታት ዝበሃሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብን ንምቕጻዕን ዝብል ይኹን እምበር እቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክፋል ዝጕስጕሱ ዝነበሩ ግን ኵሎም ኣይኹኑ እምበር ነናቶም ካልእ ዕላማታትን ተልእኮታትን ተንኮላትን ጭርሖታትን ዝነበሮም ምዃኑስ ስዉር ኣይነበረን። ብፍላይ ከኣ ሰላማዊ ሰልፊ ኒዩዮርክ ብዛዕባ ባንዴራ ይኹን ካልእ ንኽትሳተፎ ዘይኮነስ ናይቶም ዝኸሰሩን ዝተሳዕሩን እሞ ሎሚ ናይ ጸላኢ መሳርሒ ኰይኖም ንኽትሰምዖ ዘጽልእ ሃገራዊ ክሕደትን ጥልመትን ብወግዒ ዝኣወጁ ብዙሕ ዘየድሊ ቅድመ ኵነትን ፈኸራታትን ምፍርራሕን ዝነበሮ ጥራሕ ዘይኮነ ንብዙሓት ግዱሳት ሰባት ኣብቲ ስለማዊ ሰልፊ ንኽይከዱን ንኸይሳተፉን ዓንቂፉ ኢዩ ዝብል እምነት ከም ዘሎኒ እውን ክሓብኦ ኣይደልን።
ብሓጺሩኸ እቲ ስለማዊ ሰልፍታት ዝበርከቶ ዓወትን ረብሓን ኣሎዶ? ንዝበሃል ግን እቶም ውሽጡን ውሻጠኡን ብዝያዳ ዝፈልጡዎ ጥራሕ ሕቡእ ቍምነገር እንተዘይሃልዩ ብወገነይ ከም ዝተኸታተልኩዎ ብፍላይ እቲ ናይ ንዩዮርክ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ብኸመይ ኣብ ኣጀንዳ ከም ዝኣተወን እቶም መንግስታት ዋላ እቶም ኣብ ጀነቫ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ተሪር መርገጽን ርእይቶን ዝነበሮም ከይተረፈ ርእይትኦም ከም ዝቐየሩን ዘፍኰሱን’የ ተረዲኤዮ። እዚ ግን ምናልባት ካብ ኣረዳድኣይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይክሕድን ኢየ’ሞ ተርድኦይ ጌጋ እንተዀይኑ እቲ ሓቅን ክንፈልጦ ዝግብኣናን ረብሓ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፍን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘይሰብኣዊ ገበናት ዝሓገዘሉ ረብሓ እንተነሩ ክሰምዕን ክምሃርን እውን ቅሩብ ኢየ።
ካብዚ ብምብጋስ ከኣ ብገምጋመይ እቲ ኵሉ ዝተጻዕረሉን ዝተደኽመሉን ዝተጨርሓሉን ናይቶም ገበነኛታት ዝበሃሉ ሰበስልጣን ኤርትራ ጕዳይ ኣብ ኣባላት ሲኩሪቲ ካንስል (Security Cauncil) ወይ ኣብ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ዓለም ክቕርብ ኢዩ ዝብል ትጽቢት የብለይን። እዚ ማለት ግን ዋላ እንተዝቐርብ ነሩ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ዘምጽኦ ለውጥን ራህዋን ሰላምን ምነበረ ነሩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን። ብርእይቶይ እቲ ንሃገርናን ህዝብናን ዝጠቅም ለውጢ እቲ ምስ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ክሰማማዕ ዝኽእል እቲ ዘሎ ስርዓት ወይ ንሕና ባዕልና ብሰላማዊ ቃልሲ ወይ ብስምምዕ ከነምጽኦ ንኽእል ለውጢ ጥራሕ ኢዩ።
እሞ እዚ ዘይከውን እንተዀይኑስ እዚ ኵሉ ድኻምን ገንዛባዊ ክሳራን ድኣ እንታይ ተጠቐምናሉ ንዝብል ሕቶ ብርእይቶይ መንግስቲ ኤርትራ ይቀበሎ ይንጸጎ ዳሕራይ ንርእዮን ንፈልጦን ኰይኑ ነቶም ንመንግስቲ ኤርትራ ድሌቶም ጸቕጢ ክገብሩሉ ዝደልዩ ገለ ኣካላት ምኽንያትን መንገድን ንምርካብ ክሕግዞም ይኽእል ይኸውን ዝብል እምነትዩ ዘሎኒ። ካብኡ ሓሊፉ እንተዀነ ብሕቡራት ሃገራት ዝመጽእ ንህዝቢ ዘርብሕ ውሳነ ተሰሚዑን ተረኺቡን ኣይፈልጥን ኢዩ። ምናልባት ከምቲ ናይ ካልኦት ሃገራት መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ እውን ክኽሰሱን ክእሰሩን እንተዝውሰን ነሩ ካብ ዓዲ ሃሎ ከይዱ ዘምጽኦም ኣካል ስለዘየልቦ ከምቲ ናይ ብዓል ዑመር ኣል በሽር ኣብ ዓዶም ክነብሩን ስቓይ ህዝቦም ንክቕጽሉን ዝኽልክሎም ሓይሊ የልቦን።
እቶም ሎሚ ንዓለምና ብሓይሎም ከም ዝደለዩ ገሮም ዝገዝኡዋን ዝምዝምዙዋን ዘለዉ ሓያላት ካብ ተመክሮናን ኣብ ዓለም ንርእዮ ከም ዘሎናን እቲ ንዓታቶም ዝግድሶም ናቶም ረብሓን ጠቕምን እምበር ናይ ካልእ ሰብኣዊ መሰላት ይጕደል ይደምሰስ ከም ዘይዓጦም እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ድኻ መንግስቲ የመን ብነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝግበር ዘሎ ደብዳብን ህልቀት ህዝቢ የመንን ከገድሶም ዘይኮነ ነቲ ድኻ ህዝቢ መጥፍኢ ዝኸውን መሳርያታቶም ኣብ ምሻጥ ተዋፊሮም ንርእዮም ምህላውና ኢዩ። ካብኡ ሓሊፉ እውን እቲ ንመንግስቲ ስዑዲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰላት ትሓላቒት ገርካ ሓላፍነት ምሃብ ንባዕሉ ብዘይካ ረብሓኦም ህልቀት ህዝቢ ኮነ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይግድሶም ሓደ ዓቢ ጭብጢ ኢዩ።
ኤርትራዊ ሕልናን ኒሕን ድዩ ካልእ ምኽንያት ኣለዎም ብዘይፈልጦ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወረደን ዝወርድ ዘሎን በደል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛታት ዝዀኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ንኽረኽቡ ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ዝጽዕሩን ዝደኽሙን ደቂ ሃገር ምህላዎም እፈልጥ ኢየ። ብልቢ ከኣ ኣድንቖምን አመስግኖምን። እዚ ማለት ግን እቲ ዝተኸተሉዎ ኣገባብን ዝሓዙዎ መርገጽን ብፍላይ ከኣ እቶም ፍሉጣት ልኡኻት ወያነ ዝዀኑ ጅቡትን ሶማልን ኣብዚ ጕዳይዚ ዘርኣዩዎ ተገዳስነትን ምትሕብባርን ብምንም ትኣምር ካብ ሓልዮትን ተገዳስነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝነቐለ’ዩ ኢለ ንኽትቅበሎ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ።
ከምቲ ኣቐዲመ እውን ዝገለጽኩዎ መንግስቲ ኤርትራ ብሕጊ ዝመርሕን ዘመሓድርን ገበን ዘይፍጽም ቅኑዕን ንጹህን መንግስቲ ኢዩ ኢለ ኣይፈልጥን ኢየ። ከምኡ ዝበለ እምነት እውን የብለይን። ርእይቶይ እቲ ንሕና ከም ደቂ ሃገር ክንብሎን ክንቃለሶን ዝግብኣና ካልኦት ሓሊፎም ክቃለሱልናን መሰልና ከረጋግጹልናን ምጽባይ ግን ብወገነይ ዘይጽበዮ ሕልሚ ጥራሕ ኢዩ። ሺላ ኪታሩት ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኰይና ንመንግስቲ ኤርትራ ቅዋም ክገብርን ትእዛዛ ክፍጽምን ክትሓቶ ከላ ከኣ ኣይኰነንዶ ንመንግስቲ ኤርትራ ንማንም ዜጋ እውን ክውሓጠሉ ዘይክእል ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ መልእኽቲ እምበር ጕዳይ መሰል ሰብኣዊ ሕቶን ንዓኣን ንስርሓን ዝምልከት ኣይመስለንን።
ማንም ሰብ ንናይ ካልኦት ክብርን መሰልን ከይተንከፈ ብዛዕባ ሃገሩን ህዝቡን መንግስቱን ዝመስሎ ኣሉታዊ ኮነ ኣወንታዊ ርእይትኡ ክህብ መሰሉ ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ብሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሓልን ዝግደስን ሰብ ብመጀምርያ ክፈልጦን ከኽብሮን ዝግባእ ግን ብርእይቶይ ኣቐዲሙ ንሱ ንባዕሉ ናይ ካልኦት መሰልን ክብርን ክሕሉን ከኽብርን ምስ ዝኽእል ኢዩ። ንዘይትፈልጦም ደቂ ሃገር ኣብ ድሕሪ ኮምፒዩተር ትሓቢእካ እናኽፋእካን እናኣጸለምካን ንርእስኻ ደላይ ፍትሒ ወይ ኣኽባሪ ሰብኣዊ መሰላት ስለዝጸዋዕካ ጥራሕ ግን ፍትሓውነትካን ሓቅነትካን ዘናእስ እምበር ዘረጋግጽ ኣይኮነን።
ብዙሓት ሰባት ዋላ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ዘይምስምማዕን ዘይምክብባርን ካብ ህግደፍ ዝወጸ መምርሕን ትእዛዝን ከም ዝዀነ ክገልጹ ክትሰምዕ ከሎኻ ኣዝዩ ዘደንጹ ኢዩ። ስለዚ ከኣዩ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ደገ ኣብ መንግስቲ ኮነ ኣብ ተቓውሞ ቅኑዕ መራሒ ስኢኑ ኣይደጋፊ ኣይተቓዋሚ ትዓዛቢ ጥራሕ ኰይኑ ብኣምላኽ ዝወርድ ለውጢ ክጽበ ዝርከብ ዘሎ።
እቲ ብዝያዳ ኣገራምን ኣስደማምን ግን ናይ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ።
ብዙሓት ሰባት ነቲ ዘሎ ስርዓት ኣስመራ መንግስቲ ኢልካ ክትጽውዖ ከሎኻ ይገርሞም ኢዩ። ኣነ ንባዕለይ ንበይነይ ኰይነ ክሓስቦን ክምርምሮን ከሎኹ እንተዀነ እውን ምስኣቶም ከም ዝሰማማዕ ብዙሕ ጊዜ ብቓለይ ኮነ ብጽሑፈይ ዘረጋገጽኩዎ ስለዝዀነ ኣሉ ኣይብሎን ኢየ። እስከ ንሕልናና ክንዛረብ ናይ ብሓቂ ድዩ መንግስቲ ተባሂሉ ሽግር ሃገሩን ህዝቡን ብግሉጽ ከይተዛረበሉን ከይሰርሓሉን ክፍታሕ ወይ ከምዚ ዘለዎ ምስ ህዝቡ ከይተዛረበን ከይተመያየጠን ሰላምን ርግእትን ዘለዋ ሃገር ክፈጥር ከኣ ካብቲ ኣዝዩ ዝገርም ጕዳይ ኢዩ። ክሳብ ምዓስዩ መንግስቲ ኤርትራ መንግስቲ ኢየ ኢሉ ንድሌት ህዝቡን ሕቶታቱን ነጺጉ ቅዋም ኮነ ህዝቢ ተዘራሪቡን ተኻቲዑን ብዘየጽደቖ ስርዓተ በጋቢንዶታት ክሕምሶ ክነብር? ክሳብ ምዓስዩኸ እዚ ገረ እዚ ፈጢረ ከምዚ ሰሪሔ ከምዚ ኣመሓይሸ እናበለ ንበይኖም በጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ወሰንትን ገበርትን ሓደግትን ኰይኖም ክነብሩ?
እዚ እቶም መራሕቲ ክሳብ ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ርሒቖም ጥራሕ ዘይኮነ ንኽውንነት ነጺጎም ኣብ ብዓቲ ጸላም ይነብሩ ምህላዎም ዘረጋግጽ ኢዩ። መንግስቲ ምስ ህዝቡ ብግሉጽ ከይተዛረበን ሕቶታት ህዝቡ ብቕንዕና ክሰምዕን ክፍጽምን ክሳብ ዘይደለየን ከኣ ንሱ ኮነ ህዝቡ ብሰላምን ብቕሳነትን ክነብር ከም ዘይክእል ዝተማህረ ኣይመስልን። ኣብ ክንዲ ንኽውንነት ምግጣምን ንጌጋኻ ኣሚንካ ህዝቢ ዝደልዮን ዝዓገብሉን ለውጢ ምግባር ከኣ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኰነ ጋሕቴላይ ትሓቢእካ ዝፍታሕ ጸገማት ኣይክህሉን ኢዩ።
እቶም ንምክሓሎምን ንንዕቆምን ጐረባብትና ከይተረፈ ነቲ ከቢድ ዝዀነ ሽግራቶም ንምፍታሕ ብበትርን ብሓይልን ፈቲኖም ስለዘይሰለጦም ክቐንዖም ድዩ ክፈሽሉ ብዘየገድስ ጌጋታቶም ብምእማን ምስ ህዝቦም ምምይያጣትን ኣብ ቀጻሊ ኣኼባታትን ተመሊሶም ንጸገማቶም ብግልጺ ክዛረቡሉን ንጕድለታቶም ክርዕሙዎን ምርኣይ ንመንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ ክዀኖ ምተገብኤ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነቲ ቀሊል ሽግር ህዝቡ ንምፍታሕ ጻዕርታት ከካይድ ምሓገዞ ነሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዘይካ ብሓይልን ብበትርን ክፈትሕ እምበር ሓንቲ ምዓልቲ እውን ትኹን እዚ ተጋጊና ነርና ብኸምዚ እንተኣመሓየሽናዮስ ከመይ ይመስለኩም ኢሉ ንህዝቡ ሓቲቱን ክሓትት ተገዲሱን ኣይፈልጥን ኢዩ። ስለዚ ከኣዩ ኣብ ሃገር ጸላእቱ እናበዝሑን እናወሰኹን ዝኸዱ ዘለዉ። ክሳብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ዕርበቱ ብሓይሉን ብቕልጽሙን ጥራሕ ክነብር ምውሳኑ ከኣ ዘጕሂን ዘተሓሳስብን ኢዩ።
ገለ ገለ ኣባላትን ደገፍትን እቲ ስርዓት ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ከም ዘሎ ክገልጹን ክዛረቡን ትሰምዕ። ኣብ ሃገር ድምጺ ጥይትን መድፍዕን ስለዘየሎ ጥራሕ ህዝቢ ትሓጕሱን ቀሲኑን ይነብር ኣሎ ክብሉ ንኽትሰዖም ከኣ ዝገርም ኣበሃህላ ጥልመት ህዝቢ ኢዩ።
ገለ ገለ ካብቶም ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝብሉ ኣብ ዘይፈልጡዎን ዘይውዓሉዎን ንርእሶም ኣብ ገበናት ሰበስልጣን መንግስቲ ዘእተዉ ዘይኮነስ እወ መንግስቲ ጌጋታትን ጕድለታትን ገሩን ይገብር ኣሎን። እንተዀነ ግን ካብኡ ዝሓይሽ ስለዘየጥረናን መተካእታኡ እውን ስለዘይሓዝናን ክሳብ መተካእታ ንረኽበሉ እታ ብኽንደይ ደምን መስዋእትን ጀጋኑ ዝመጸት ሃገር ከይትጠፍኣና ንጸመም፡ ጸላእትና ብሓደ ኰንና ንከላኸል፡ ብድሕሪኡ ከኣ ናይ ውሽጥና ጕዳይ ንገብር ዝብሉ ኣዝዮም ዝግደሱ ግን ከኣ ለውጢ ንኸምጽኡ መንገዲ ኮነ ዓቕሚ ዝሰኣኑ ሎሚ ድኣ በብሓደ ይኸዱ ኣለዉ እምበር ዓበይትን በላሕትን ሓለይትን ኣብ ጸይቅን ግፍዕን ህዝቢ ኢዶም ዘይሓወሱን ዘይተጨማለቑን ሰበስልጣን ምንባሮም ከኣ ጽባሕ ንጕሆ መሬት ምስ ወግሔ ታሪኽ ነቕኒቑ ካብ መቓብሮም ከተንስኦም ኢዩ።
ናይ ብሓቂ ክንዛረብ እንተዀይኑ ከኣ መንግስቲ ኣሎና እንድሕሪ ክንብል ኰንና መንግስቲ ኣበይ ከም ዘሎ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ንሕና ህዝቡ ኣበይ ከም ንረኽቦ ብኸመይ ክንዛረቦን ምስኡ ክንዋሳእን ከም ንኽእል ክዛረብን ምስ ህዝቡ ክመያየጥን እምበር ከምዞም ትሓቢኦም ዓለም ብፓልቶክ ከመሓድሩ ዝውዕሉ መውዓሊኡን መሕደሪኡን ዘይፍለጥ ሕቡእ ውዲ ሕድርትና ዝዀነ መንግስቲ እንተዀይኑስ መንግስቲ ኣሎና ንኽትብሎ ዘሰክፍ ኢዩ። እቶም ነቲ መንግስቲ ብምሕላይ ጥዑይ ዉፉይ ፍትሓዊ መንግስቲ ከም ዘሎና ንጕድለታቱ ክንሓብኣሉን ከነመኽንየሉን ንፍትን ከኣ ንሱ ከይሓገዘን ባዕሉ ብዘይካ ክኣስርን ክቐጽዕን ኣሎኹ ብማለት ቅሩብ ናይ ህዝቡ ሓልዮትን ተገዳስነትን ምልክት መንግስቲ ከየርኣየን ዝገበርካ እንተገበርካ ክዕረ ወይ ክሕባእ ዝኽእል ነገራት ኣይክህሉን ኢዩ።
መንግስቲ ኤርትራ እታ ቀንዲ ዝፈርሓ ህዝቢ ኤርትራ ከይዛረብ ምዃና ንዕዘቦን ንፈልጦን ዘሎና ጕዳይ ኢዩ። ብርእይቶይ እቲ መንግስቲ ህዝቢ እንተተዛሪቡ ክጥፍእየ ኢሉ ፍርሒ ክሕዞን ክርዕድን ኣይምተገብኤን። ሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱ ከም ዝበሃል መንግስቲ ኤርትራ ስለዝሓብኦን ዝኸወሎን ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣይትሓብኤን። ህዝቢ ኤርትራ ክዛረብ እንተዝፍቀደሉ ከኣ ንሰላምን ንዕርቅን ዝኸውን መፍትሒ መምጽኤ እምበር ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈርሖ ህውከትን ዕግርግርን ዘምጽእ ሓሳብ ኣይመቕረበን። ስለዚ መንግስቲ ካብ ፍርሒ ወጺኡ ህዝቡ ክኣምንን መፍትሒ ምስ ህዝቡ ክደልን ንላበዎ።
ኤርትራውያን ብቓልስናን ብስረናን ብዘምጻእናዮ ሃገርናን መንግስትናን ክንሕበንን ክንኰርዕን ንስማዕ ኢና። ንሃገርናን ህዝብናን ዘዅርዕን ዘሓብንን ጅግንነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ከም ዘካየድናን ዝተዓወትናን እውን ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ኣብ ሚዛንን ግምትን ዘእትወና ግን እዚ ኵሉ ተቓሊስናን መስዋእቲ ከፊልናን ዝጥረናዮ መንግስቲ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ? ዝፈልጥን ዝፈርድን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ መነባብሮን ስደትን ደቂ ሃገር ዝምልከትን ዝዕዘብን ህዝቢ ዓለም እምበር ንሕና ስለዝነኣድናዮን ብውሽጥና እናተሳቐና ንጸላእትና ባህ ከይብሎም ከይፈቶና ስለ ዘመስገናዮን ኣይኮነን።
ኣብ መደምደምታ እቶም ብ27 ጥቅምቲ 2016 ንክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ኣብ ኒዮርክ ዝሰምዑ መንግስታት ዳርጋ ብሙሉኦም መንግስት ኤርትራ ንሰብኣዊ መሰላት ህዝቡ ንኸምሓይሽ ዕድል ክወሃቦን ምትሕብባር ክግበረሉን ተላብዮም መንግስቲ ኤርትራ እውን ንዝቐረቡሉ ለበዋታት ክሰምዕ መብጽዓ ከም ዝኣተወን ሰሚዕና። ክሳብ ክንደይ ይቕበሎን ኣብ ግብሪ የውዕሎን ግን ካብኣቶም ንላዕሊ ከገድሶ ዝግብኦ ንዓኡ ኢዩ። እንታይ ለውጥን ከመይ ዝኣመሰለ ፍትሒ ኣብ ሃገር ከም ዘንግስን ነቲ ኣብ ሃገር ተረኺቡ ዘሎ ከቢድ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዘይኮነ ክፍታሕ ዝኽእል ጸገማት ሃገርን ህዝብን ምስ ህዝቡ ተመያይጡ ብኸመይ ይፈትሖን ከኣ ኣብ ጕዕዞ ዝርኤ ኢዩ።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ሃገር ዝሃለፉ ጀጋኑ
ቀለታ ኪዳነ
ሰላም ቅነ