PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ.11 ካብ ሕጊ ምምሃር ሕጊ ምትግባር መልእኽትና ንኽብርቲ ምኒስተር ፍትሒ ወሮ. ፎዚያ
ኣወሃህድን ኣቕራብን መደብ ቀለታ ኪዳነ | Nov 17, 2016 | meskerem.net
ካብ ሕጊ ምምሃር ሕጊ ምትግባር መልእኽትና ንኽብርቲ ምኒስተር ፍትሒ ወሮ. ፎዚያ…መደብ ሓቅን ብጋህድን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ቍ.11
ክቡራትን ክቡራንን ደቂ ሃገር ከመይ ቀኒኹም?
ናይ ሎሚ ኣርእስትና ብዛዕባቲ ብምኒስትሪ ፍትሒ ወጺኡ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ክኸውን ኢዩ።
ሕጊ ንስኒትን ዕብየትን ብዝብል ኣርእስቲ ብምኒስትሪ ፍትሒ ዝዳሎ ስቪካዊ ኣስተምህሮ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ መበል 26 ዓመት ቍ. 62 ትምህርታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ ኣንቢብና። ምኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ ድሕሪ 25 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ሕጊ ክንምሃር ኣብ ኮለጅ ክንኣቱ ዘስምዕ መግለጺ ምውጽኡ ግን ክምስገንዶ ክውቀስ ይግብኦ ንኣንበብቲ ዝግደፍ ፍርዲ ኢዩ። እሞ እስከ ናይቶም ዝሓለፉ ዓመታትሲ በጃና ይኹኑ። እቶም ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ሕግን ፍትሕን ስኢኖም ብዓመጽ ዝተሳቐዩን ዝተበደሉን ብጌጋ ዘይግብኦም መቕጻዕቲ ዝተቐበሉን ጽሑፍትኦም ኰይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዝጥቀስ ዘሎ ፍትሒ ከየርከበሎም ዝጠፍኡ ጠፊኦም ዝተበደሉ ከኣ ንኣምላኾም ነጊሮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርትታት ተደርብዮም ሕግን ፍትሕን ይጽበዩ ምህላዎም ንዋላ ሓንቲ ደቒቕ እውን ትኹን ዘይንርስዖን ካብ ኣእምሮና ዘየልገሰን ጕዳይ ኢዩ።
መደብና ንሓቂ ብዘይቀልዓለምን ብዘይ ጥውይውይን ብጋህዲ ምግላጽዩ ስለዝበልናዮ ዘይኮነ ነቲ ነቕርቦ መደብ ወገናዊ ድዩ ሓቅነት ዝጐደሎ፡ ካብ ሻርነት ወይ ጽልኢ ዝነቐለ ድዩ ካብ ህዝባዊ ሓልዮትን ሃገራውነትን ዝተበገሰ፡ ዝፈርዶ ህዝቢ ኢዩ። በቲ ነቶም መደባትና ብምክትታል ደገፍ ኮነ ነቐፌታ ምኽሪ ኮነ ለበዋ ተቕርቡልና ደቂ ሃገር ብልቢ እናመስገንና ከኣ ንሓደ ትቐርቦ ንኻልእ ትርሕቆ ኤርትራ ስለዘየላ፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ዝብጽሑዎ ንኻልኦት ዘይቀርብዎም ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘየለዉ ዋላ’ኳ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ንሕና ንደልዮን ዝተጸበናዮን እንተዘይኮነ እታ ሃገር ኮነ እቲ ህዝቢ ንዅላትና ደቂ ሃገር ብማዕረ ከም ዝብጽሑና ግን ኵላትና ኤርትራውያን ንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ።
ዝዀነ ይኹን ኵነታት የጋጥም ብዘየገድስ ከኣ ካብ ሃገራውነትና ኮነ ህዝብና ንምርሓቕ ምንም ነቕ ክንብል ኣይግብእናን’ዩ ዝብል እምነት ኣሎና። ‘’መሬት ንርእሳ ኢላ ትወግሕ’’ ከም ዝበሃል ኵሉ ክሓልፍን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ክበጽሕ ምዃኑ ስለ ንኣምን ከኣ ክሳብ መወዳእታ መዓልቲ ራህዋኡን ሓርነቱን ብዘይ ምስልካይ ኣብ ክንድድኡ ኰንና ንመሰሉን ንረብሓኡን ምምጓት ኣይክንደክምን ኢና።
ንኹሉ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘጋጥም ዘሎ ሕማቕ ነገራት ሸፊንና ሸፋፊንና ብዛዕባ መንግስቲ ኮነ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዘሎ ህዝብና ብፍላይ ብዛዕባ ስእነት ሕግን ፍትሕን ጠጥዑሙን ጸጽቡቑን ክንዛረብ ደስ ምበለና። ኣብ ባይታ ንዘየሎ ከም ዘሎ ገርካ ሓበሬታ ምሃብን ህዝቢ ምትላልን ጥዑይ ሕልና ዘይቅበሎ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጽባሕ ምድሪ ምስ ወግሔ ትሓታትነት ከም ዘለዎ ስለንፈልጥን ንርዳእን ግን እቲ ብሱል ኮነ እቲ ጥረ ከም ዘለዎ ክንገልጾ እምበር ንርእስና ኮነ ንህዝቢ ከነታልልን ከነደናግርን ኣይንመርጽን ኢና። እዚ ማለት ኣብ ሃገርና ቆጺርካ ዘይውዳእ ሽግራትን ጸገማትን ህዝቢ ከምኡ’ውን ስእነት ሕግን ፍትሕን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ከም ዘሎ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ጕዳይ ኢዩ።
ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር እቲ ንሕና ኣዳለውቲ መደብ ሓቂ ብጋህዲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብቐዳምነት ንግደሰሉን ንስከፈሉን ጕዳይ ሃገርናን ህዝብናን እምበር መንግስቲ ኮነ ተቓወምቲ ከይጸልኡና ከይነቕፉና ዝብል ስግኣት ሓዲሩና ኣይፈልጥን። ስለዚ ከኣ ሎሚ እውን ነዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ሓቅነት ኣለዎ ኢልና ብንኣምነሉ መግለጺ ክንትንትን ክንፍትን ኢና’ሞ ከም ወትሩ ርእይቶ ህዝቢ ከይፍለየና ንምሕጸን።
እቲ ሕቶ እምበኣር ሎሚኸ እቲ ብምኒስትሪ ፍትሒ ተዳልዩ ንህዝቢ ክመሃሮ ተቐሪቡ ዝበሃል ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ንህዝቢ ኤርትራ እምነትን ፍትሕን ርትዕን ቅሳነትን ዕግበትን ዘምጽኣሉ ድዩ? ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ ዝጸንሔኸ ፍትሒ ስለዘይተጻሕፈሉ ጥራሕ ድዩ? ብርእይቶና ክኣ ካብ ሕጊ ምምሃርሲ ሕጊ ምትግባር ምሓሸ ብማለት መልእኽትና ንምኒስትሪ ፍትሒ ነተሓላልፈሉ።
ካልእ እዚ ሎሚ ዝግለጽ ዘሎ ሕጊ ተጻሒፉ ካብ ንሰምዕ ገለ ዓመታት ገሩ ኣሎ። ንምንታይ ድኣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ንዝበሃል ሕቶ ግን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ሕጊ ክፈልጦን ክለማመዶን ስለ ዘተድለየ ኢለን ወሮ. ሶፍያ ምኒስተር ፍትሒ። እታ ንምኒስትሪ ፍትሒ ኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ ከነረጋግጸሎምን ከነዘኻኽሮምን ንደሊ ግን ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ሕጊ ክመሃር ዘይኮነ ገና ንሳቶም ከይተወልዱ ከለዉ ሕጊ ዝፈልጥን ዘኽብርን ዝነበረ ህዝቢ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ዕላማ ሎሚ ህዝቢ ሕጊ ክመሃርን ክፈልጥን ኢልካ ምድንጓይ ጽባሕ ከኣ ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ ደያኑ ከነምህርን ከነሰልጥንን ኢልካ ካልእ ጊዜ ንምብላዕ ምዃኑ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ምኒስትሪ ፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነ ብመሰረቱ ኣብቲ መንግስቲ እውን እምነት ኣጥፊኡ ነቲ ሓድሽ ሕጊ ሓድሽ ሽጣራ ዝብል ስም ብምሃብ ድሮ ክዘራረበሉን ክጠራጠረሉን ጀሚሩ ዘሎ ጕዳይ ምዃኑ ምኒስትሪ ፍትሒ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ክስሕቶ ይኽእልዩ’ኳ እንተዘይበልና እንተዘኻኸርናዮም’ውን ዘኽፍእ ኣይመስለናን።
ከምቲ ‘’ርእሲ ማል ኣግማል’’ ዝበሃል ርእሲ ሕጊ ቅዋም ናይ ሓንቲ ሃገር ኢዩ።
እሞ እዚ ናይ ፍትሒ ሚኒስተር ነዞም ቅዋም ዘይብልና ህዝቢ ዝገልጾን ከምህረና ዝዳለዋሉ ዘሎን ሕጊስ ብልብና ኣሚንና ክንቅበሎ እንተዀይኑስ ውሕስነቱ እንታዩ? ናትና ክንብሎን ክንቅበሎን እንተዀይኑኸ በኸመይ ዝተዳለወን ብወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐን ሕጊ ኢዩ? ንባዕሉ እቲ ሕጊኸ ሕጋውነት ኣለዎ ድዩ? ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ንነባበረሉ ዝነበርና ሕጊኸ (እንተነሩና ማለትዩ) ሎሚ እዚ ሓድሽ ሕጊ ብምውጽኡ እንታይ ለውጢ ክገብረልና ይኽእል?
እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንህዝቢ ኤርትራ ጐይታን ጊልያን ገሩና ዝጸንሔ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ክተርፍን ሰብ ብሕጊ ጥራሕ ክመሓደርን ክእሰርን ምዃኑ ከተኣማምነና ዝኽእል ውሕስነትከ እንታይ ኣሎ?
ልዕሊ ኩሉ ግን መንግስትናን ሰበስልጣኑንከ ብሕጊ ክቕየዱ ድዮም ወይስ በትሪ ስለዝሓዙ ልዕሊ ሕጊ ክዀኑ ኢዮም? እቲ ዝበሃል ዘሎ ሕጊ ነዞም ሓያላት ሰብ ኣባትር ኣብ ሕግን ፍትሕን ከብጽሓሉ ዝኽእል ሓይሊኸ ካበዩ ክመጽእ? ነዚኦም ኣብ ሕጊ ኣቕሪቡ ከፍርዶም ዝኽእል ስልጣን ዘለዎ ኣካልከ መንዩ?
ንምዃኑኸ ከምቲ ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ዝብሉዎ ሃገርና ብሕግን ፍትሕን ትመሓደር ዘላ ህዝብና እውን ብመንግስቱን ብመራሕቱን ኣዝዩ ሕጉስ ካብ ሃለወን እሞ ህዝብና ሕጊን ፍትሕን ሓሪሙና ኢሉ ካብ ዘየእወየስ ንምንታይ ሓድሽ ሕጊ ምውጻእ ኣድለየና? እዚ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታትከ ሕጊ ኣይነበረናን ማለት ድዩ? ንህዝብኻ መነባበሪ ሕጊ ንምውጻእከ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት የድሊ ድዩ? ብርእይቶና ናይ ሃገርና ኵነታት ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ጽውጽዋይ ኢዩ። ሎሚ እውን እቲ ሓቂ ናጻ ናይ ምዝራብን ርእይቶ ኮነ ጽሕፍ ብዘይ ፍርሒ ከቕርብ ንዘይክእል ህዝቢ ፍትሓዊ ዝዀነ ሕጊ ገርናሉ ምባል ብርእይቶና ብህዝብኻ ምልጋጽ ጥራሕ ኢዩ።
ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ ሕጊ ምጽሓፍ ወይ ምምሃር ዘይኮነ ሕጊ ምትግባር ኢዩ። ሕጊ ንከኽብር ተባሂሉ ብናጽነት ዘይቀውምን ዘይሰርሕን ናጻ ዝዀኑ ትካላት ሜድያ ዘይከታተሉዎን ዘየቃልዑዎን ሕጊታት ከኣ ስለዝተጻሕፈ ጥራሕ ፍትሒ ከንግስ ኣይክእልን ኢዩ።
ከም ኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ቅዋም ኣሎ። ስቪላዊ ኮነ ገበናዊ ሕግታትን ንሕጊ ዘተግብሩ ብቑዓት ትካላትን ነሮምን ኣለዉን። ስርዓት ወያነ ግን ዋላ ቅድሚ እዚ ሎሚ ኣትዩዎ ዘሎ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ኣዋጅ ከይተረፈ ነቲ ቅዋም ኮነ ሕጊ ብምጥሓስ ነቶም ዝቃወሙዎን ዘጠራጥሩዎን ሰባት ዝተፈላልየ ሜላ ጌሩ ይኣስሮምን የጋፍዖምን የጥፍኦምን ከም ዝነበረ ግን ብዙሕ ጭብጥታት ኣሎ። እዚ ክንብል ከሎና ግን ንሕና ካብ ናቶም ዝሓይሽ ሕግን ፍትሕን ምምሕዳርን ነሩና ወይ ኣሎና ማለትና ከም ዘይኮነ እቲ ንሳቶም ዝነበሮም ጽላሎት ዝዀነ ትካላት’ውን ከም ዘይነበረናስ ንኣምኖ ጕዳይ ኢዩ። ኣበሃህላና እቲ ሓሪሙና ዘሎ ሕጊ ምጽሓፍ ወይ ምምሃር ዘይኮነ እቲ ብሕጊ ምእማንን ምትግባርን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሃገር ምኽባርን ምሕላውን ኢዩ። እዚ ከኣ ብዓቢኡ ምስ ንዕቀት ህዝቢ ወይ ዘይድሌት መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ኢዩ።
ብዛዕባ ሕጊ ካብ ተላዕለ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ብምድግጋም ዝግለጽ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ምሃነኑ ከይጠፍኦ ቅድሚ እዞም ሎሚ ማዕቢሎምን ብሕጊ ዝነባበሩ ዘለዉን ምዕቡላት ሃገራት ምዕራብ ዝበሃሉ ካብ መሬት ምንቕ ከይበሉ ከለዉ ከከም ኣቀማምጣ ቦታኡ ሕጊ እንዳባታት ሰሪዑ ናይ ባዕሉ ናይ ኣተገባብራኡ መምርሒ ሓንጺጹ ብሕጊ ዝነባበር ዝነበረ ህዝቢ ኢዩ።
መግዛእቲ ጣልያን መጺኡ ኤርትራ ትብሃል ብዶባታ ዝተፈልየት ሃገር ምስ ገበረ ከኣ እቶም ብህዝቦም ቈጽሊ ተነቢሩሎም ንዓደቦታቶም ዘመሓድሩ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓድን ኣመሓደርትን ዝዀኑ ሓለይቲ ህዝቦም ደቀባት ኤርትራ ንጣልያን ዝሓተቱዎ ነቲ ብሰላም ኣከባቢሩን ኣትሓቛቝፉን ዘካይዶም ዝነበረ ሕጊ እንዳቦኦም ከይትንክፈሎምን ሰላሞምን ባህሎምን ከይዘርገሎምን ኢዩ። ጣልያን እውን ነቲ ንጸጥታኡን ንምምሕዳሩን ንመንግስቱን ዘይትንክፍ ምዃኑ ዘረጋገጸሉ ናይ ባዕላቶም መነባበሪ ሕግታት እንዳባ ድሕሪ ምጽንዑ በብሕግታቶም ከናበሩ ፈቒዱሎም ንውሉድ ወለዶ ብሰላምን ብምክብባርን ክነባብሩ ጸኒሖም ኢዮም።
ሎሚ ነዚ ህዝቢ እዚ ሕጊ ክንምህሮ ወይ ከነለማምዶ ኢልካ ምዝራብ ከኣ ብርእይቶና ንዕቀት ህዝብን ልግጫን ጥራሕ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ዘለዎ ኣፍልጦ ክገልጽ እንተዝፍቀደሉ ነሩ ከኣ ንሱ መንግስቲ ኤርትራ ንባዕሉ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ምተማህረ’ሞ ካብዚ ኵሉ ዘጋጥሞ ዘሎ ጌጋታትን ጕድለታትን ጸገማትን ምደሓነ። እቲ ጸገም ግን እቲ መንግስቲ ንርእሱ ካብ ህዝቢ ንላዕሊ ዝፈልጥን ነቲ ህዝቢ እውን ዝገበሮ ኰይኑ ስለዝኸደን ዓቕሙ ፈሊጡ ነቲ በትሪ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ንዝበሎ ሕራይ ኢሉ ስለዝተኣዘዘን ክሳብ ክንድዚ ሸንኮለል ከብሎ ምዕዛብን ከም ቆልዓ ክጥብሮን ሕግን ስርዓትን ከም ዘይፈልጥ ክንምህሮን ከነሰልጥኖን ምባሉን ንባዕሉ መገመቲ ዓቕሙን ክእለቱን ጥራሕ ኢዩ።
ኣብ ዝዀነት ትኹን ሃገር መንግስቲ ብምሁራትን ናይ ሕጊ ክኢላታትን ዝተዳለወ ሕጊ የውጽእን ይሕንጽጽን እምበር መንግስቲ ንህዝቢ ከም ተመሃሮ ኮለጅ መስሪቱ ሕጊ ክምህር ተሰሚዑ ኣይፈልጥ’ዩ። ሕጊ ከኣ ኵልኻ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ተማሂርካ ትፈልጦ ዘይኮነ መንግስቲ ንህዝቢ ብሰላምን ብስርዓትን ከነባብር ይኽእልዩ ዝብሎ ሕጊ ይሕንጸጽ እሞ ብመጀመርያ እቶም ዝምልከቶም ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ የጽንዑዎን ይፈልጡዎን። ኣብ ጽሑፍ ስለዝሰፍር ከኣ ተገዳስነትን ድሌትን ዘለዎ ሰብ እውን ከጽንዖን ክፈልጦን ይኽእል።
ሕግታት በብእዋኑ ዝመሓየሽን ዝምዕብልን ዝልወጥን ብምዃኑ እሞ እቶም ናይ ሕጊ ክኢላታትን ምሁራትን ከይተረፈ ንዅሉ እቲ ሕግታት ክፈልጡዎን ከጽንዑዎን ስለዘይክእሉ ሕጊ ኣብ ዘተግብሩሉ እዋን ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ እናርኣዩን እናተኸታተሉን ከም ዝፈርዱ ዝፍለጥ ክነሱ መንግስትና ግን ህዝቢ ኤርትራ ኵልና ሕጊ ክንምሃር ስለዝደልየና በብጊዜኡ ብመደባት ተሌቭጅንን ጋዜጣን ሕጊ ክምህረና ምውሳኑ ካብቶም ካልኦት ህዝቢ ዓለማት ክሳብ ክንደይ ብዝያዳ ምዕቡላት ህዝቢ ክገብረና ስለዝደሊን ስለዝፈትወናን ድዩ ጊዜ ንምንዋሕ ግን ነናትና እምነትን ገምጋምን ክህልወና ናይ ግድን ኢዩ።
መንግስቲ ማለት ( ፕረሲደንት ኢሳያስ) ቅድሚ ገለ ዓመታት እቲ ብ1997 ዝተሓንጸጸ ቅዋም ሙማቱ ምስ ኣርድኣና ቅዋም ክንሕንጽጽ ኢና ኢሉ ነሩ። እቲ ክሕንጽጾ ዝበልካና ቅዋምሲ ኣበይ ኣተወ ኢሉ ዝሓትት ህዝቢ ኣይተረኽበን። ብድሕሪኡ እሞ ጽቡቕ ስለዘለዉዩ ኢሉ ይኽውን ክዝክሮ ኣይሰማዕናን። እሞ እዚ ሎሚ ዝጥቀስ ዘሎ ሕግታትሲ መተካእታ እቲ ክሕንጸጽ ዝተባሀለ ቅዋምዶ ይኸውን? ወይሲ ኣቕዲምና ሕጊ ክንፈልጥ እሞ ድሓር ቅዋም ክገበረልና ስለዝተመመርጸ ኢዩ? ናይ ብሓቂ ህዝቢ ኤርትራ ምጾታት እናበለ ክዛረበሉ ዝስማዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከጋጥሞ ከሎ ኢዩ።
ታሪኽ ናይ ቀዳሞት ኣቦታቱን ኣብሓጎታቱን ነቲ ሓቂ ብግቡእ ዝምህሮን ዝነግሮን ስለዘይረኸበ ምናልባት እዚ ሓድሽ ወለዶ በቲ ሎሚ ብዛዕባ ሕጊ ብምኒስትሪ ፍትሒ ማለት ብመንግስቲ ዝወሃብ ዘሎ መግለጽን መብርህን ክደናገር ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር ነቲ ብዓይኑ ዝርእዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ጕዳይ ከምዚ ኢዩ ኢልካ ገምጢልካ ከተእምኖ ኮነ ከተረድኦ ግን ዝከኣል ኣይመስለናን።
ካብ ክቱር ምትላልን ምድንጋርን ብዝሒ ዝኣክል ህዝብና ሎሚ ኣይኮነንዶ ነቲ ናይ ጽባሕ ነቲ ሎሚ ዘሎ ብዓይኑ ዝርእዮን ብኢዱ ዝድህሰሶን እውን ንኽኣምኖ ኣብ ዘይከኣለሉ ኵነታት በጺሑ እናሃለወ ህዝቢ ይእመን ኣይእመን ብዘየገድስ መንግስቲ ካብ ዓመት ንዓመት ከጽንሓኒ ይኽእልዩ ዝብሎ ምኽንያታት እናፈጠረ ይጕዓዝ ምህላዉ ግን ንዕዘቦን ነረጋግጾን ዘሎና ጕዳይ ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ካብ ገዝኡ ኮነ ካብ መንገዲ ብዘይ ኣገባብ ክግፈፍን ክእሰርን ገዝኡ ብዘይ ኣገባብ ክፍተሽን መንበሪኡ ገዛ ብዘይ ኣገባብ ክፈርስን ንብረቱ ብዘይ ሕጊ ክዝመትን ክሕደግን ንኸብዱ ዝበልዖ ሓርጭን ቢሑቕን ከይተረፈ ክቆጻጸሮ እናውዓለ እቲ ፍትሒ የጕድል ኣሎ ዝበሃል መንግስቲ ባዕሉ ዝሕንጽጾ ሕጊ ንጽባሕ ካብ ግፍዒ ከድሕኖ ዝኽእል ቅኑዕ ፍትሒ ክኸውን ይኽእልዩ ኢልካ ምጽባይ ከኣ የዋህነት ጥራሕ ኢዩ።
ሕጊን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ምሕላውን ጽሑፍ ይሃሉ ኣይሃሉ መሰረታዊ እምነትን መርገጽን እዚ ብመስዋእቲ ህዝቢ ዝመጸ መንግስቲ ክኸውን ዝነበሮ ጕዳይ ኢዩ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ህዝቢ ኤርትራ ኣይትዓደለን እምበር እዚ ህዝቢ እዚ ድሕሪ ናጽነት ክኸብርን ከዀርዕን ክሕጐስን ክቐስንን እምበር ማእሰርትን ሞትን ስደትን ብኽያትን ተፍትሽን ዝበሃል ክሰምዕ ዘይነበሮ ህዝቢ ኢዩ። ናይ ዝሓለፈስ ሓለፈ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውድኣሉን ራህዋን ሰላምን ቅሳነትን ክረክብ ከኣ ትምኒትና ኢዩ።
ህዝብና ተጻብኦ ናይ ሓያላትን ናይ ጐረባብትን በዚሑካ ስለዘሎ ብዘይካ መኸተን ኒሕን ዘድልየካ ካልእ የልቦን እናተባህለ ተጻብኦን መኸተን ዝበሃላ ቀለብ ሰኒቑ ካብ ኩሉ ዋላ እቲ መንግስቲ ክገብሮ ካብ ዝኽእል ቀለልቲ ነገራት ተኣጊዱ ብምስምስ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢዩ። እዚ ማለት ግን እቲ ዝበሃል ዘሎ ተጻብኦታትን ተንኰላትን ጸላእቲ የሎን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዘዛርብ ዘሎ ግን ናይ ጸላእትስ ድሓን እቲ ሕቶ ግን እቲ ናይ መንግስቲ ተጻብኦን መቕጻዕትን ኣብ ልዕሊ ህዝብስ ንምንታይ ተወሳኺ ክኸውን ተደልየ ዝብል ኢዩ።
ገለ ገለ ሰባት መንግስቲ ኤርትራ ምስ ህዝቡ ከቢድ ጽልእን ቂምን ከም ዘለዎን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወስዶ ዘሎ ስጕምቲ ህዝቢ ንምቕጻዕን ንምስካሕን ኢዩ ብማለት ከይተሰከፉ ክገልጹዎ ትሰምዕ ኢኻ። ነዚ ዘቕርቡዎ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ክንደግሞ ዘይንደልን ንሓቅነቱ ዘይንቕበሎን ምኽንያት ኢዩ። መንግስቲ ንህዝቡ ክቐጽዕን ክሳቕን ዝመርጸሉ ምኽንያት ግን ሕስብ ውዒልና ሕስብ ሓዲርና ክንበጽሖን ክንፈልጦን ዘይከኣልና ጕዳይ ኢዩ። ህዝቢ ዝበደሎ ኣለዎ ከይንብል ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኰነዶ ንደቁን ንመንግስቱን ንባዕዳውያን ገዛእቲ እውን ክሳብ ዘይተጻብኡዎን ኣብ ክብረቱን መንነቱን ባህሉን ዘይተንከፉዎን ዘይጓዳእ ገርሂ ፈቃር ሰላማዊ ህዝቢ ኢዩ ዝብል እምነት’ዩ ዘሎና።
ኣብ ገለ ገለ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ኣብ ልዕሊ ህዝብና በቲ መንግስትና ዝበሃል ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ክትሰምዕ ከሎኻ ግን እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ቂምታ ኣለዎ ዝበሃል ሓቂ ከይከውን ዘጠራጥር ኢዩ።
ንዅሉ መዛግብትናን ታሪኽናን ተመሊስና ብምምርማር ግን ህዝቢ ኤርትራ ብደቀይ ዝብሎም መንግስቱ ክቕጽዓሉ ዝግብኦ ነገራት ሃሰው ኢልና ክንረክብ ኣይክኣልናን። ሓደ ዘረጋግጽናዮ ነገር እንተሎ ግን እቲ ህዝቢ ድኣዩ ንመንግስቱን ንመራሕቱን ዝፈቱን ዝደልን እምበር ብወገን መንግስቲ እንተዘይመጺእካዮን ዘይለሚንካዮን ጠፊእካ ዝደልን ዝእክብን መንግስቲ ዘይኮነስ በዚ ተራእዩ፡ ኣይኮነን ኣይተራእየን፡ ኣብ ዓዲ እገለ ተርእዩ፡ ኣይፋሉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣገለ ተሳኢሉ፡ እናተባህለ ህዝቢ ክደሊን ክእክብንሲ ይትረፍ ህዝቢ ክደልዮን ህላዌኡ ክከታተልን ክሓትትን ዝውዕል ዘሎ ኣብ ትሕቲ መሬት (Under ground) ኰይኑ ብሪሞት ኮንትሮል ዝመርሕን ዘመሓድርን መንግስቲ ከም ዘሎና ግን ሎምስ ፈቲና ጸሊእና ዝተቐበልናዮን ዝርዓምናዮን ጕዳይ ኢዩ።
ኣብዚ ንእግሪ መንገድና ከነልዕሎ ንደሊ እዚ ሎሚ ቕነ ናይ ኣሜሪካ ፕረሲደንት ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ሓድሽ መራሒ ዶናልድ ትራምፕ ( DONALD TRUMP) ፍርቂ ህዝቢ ኣሜሪካ ይጸልኣካን ይቃወመካን ኣሎሞ እንታይ ዓይነት መራሒ ክትከውን ኢኻ? ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ኣነ ናይ ኵሎም ኣሜሪካውያን እምበር ናይ ገሊኦም ጥራሕ መራሒ ክኸውን ኣይደልን ኢየ ከም ዝበለ መራሒ መንግስቲ ኤርትራስ ሰሚዑዎዶ ይኸውን? ናይ ክንደይ ካብ ሚእቲ ዝፈትዉዎን ዝኣምኑዎን ደቂ ሃገር መራሒ ኰይኑ ከም ዘሎኸ ሓሲቡሉ ይፈልጥዶ ይኸውን? ክሓስበሉን ክሳብ እታ ዘሎ ናይ ኵሎም ህዝቢ ኤርትራ መራሒ ክኸውን ክፍትንን ከኣ ንላበዎ።
ሰብ ሓደ ጊዜ ተፈጢሩ ሓደ መዓልቲ ከኣ ይመውት። እቲ ንመጻኢ ወለዶን ስድራ ቤቱን ዝተርፍ ግን እቲ ኣብ ሂወቱን ኣብ መሪሕነቱን ዝገበሮ ታሪኽ ኢዩ። ታሪኽ መንግስትና ጥራሕ ዘይኮነ ታሪኽ ሃገርናን ህዝብናን፡ ታሪኽ ጅግንነትናን ቃልስናን፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ማንም ክፍሊ ዓለም ዘይተራእየ ትሓባቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር ዝነበረ ጽቡቕ ባህልናን ልምድናን፡ መነባብሮናን እናርኣናዮ ክብረዝን ክድምሰስን ክቕየርን ከሎ ክንዕዘብ ግን ንልቢ ዘለዎስ ዘደቅስ ኣይኮነን።
ኣብ መደምደምታ ከኣ ንምኒስትሪ ፍትሒ ኮነ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘሎና ለበዋ ብቕንዕና ዘመሓድርን ብሕግን ፍትሕን ዝፈርድን መንግስቲ ድኣዩ ጨኒቑና ዘሎ እምበር ናይ ሕጊ ምፍላጥን ዘይምፍላጥንሲ ኣይምጸገመናን እናበልና መንግስቲ ወይ ምኒስትሪ ፍትሒ ‘’ካብ ንዓና ሕጊ ምምሃር ንባዕሉ ሕጊ ምትግባር’’ ክጅምር ከም ዝምረጽ ነረጋግጸሎም።
ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ነቶም በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓልፉ ጀጋኑ
ሰላም ቅነ