PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ካበይ:ኣበይ:ናበይ:
ሃብተ ገብረ (ችፓላ | 18 ግንቦት 2017 | meskerem.net
“ሰፌሕ ሱታፌ ናይ ኩሉ ኤሪትራዊ ዜጋ ዘይምርግጋጽ ድማ ዊዒሉ ሓዲሩ ክሳራ ህግደፍን ኣባላቱን ጥራይ ዘይኮነ ክሳራ ሙሉእ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ ክኸውን።ዩ”
ናይ ሎሚ 9 ወርሒ፡ ብልክዕ 13 መስከረም 2016፡ ብዛዕባ “መደብ ብጋህዲ ኣብ ወጻኢ“ ቁጽሪ 4 ን 5 ከምኡ’ውን “ውልቃዊ ርእይቶ ምሕሬ ወዲ ኣባሻውል” ኣመልኪተ፡ ሓደ ዓንቀጽ ናብ መስከረም ዶት ኔት ሊኢኸ ኔረ። ናብ ናይ ሎሚ መዛተይ ኣርእስተይ ቅድሚ ምስጋረይ፡ ከም መእተዊ፡ ቁሩብ ካብታ ዓንቀጽ ክጠቅስ። ኣብታ ዓንቀጽ፡ ”ንሕና ኤሪትራውያን ብሓባር ክንርዕመሉ ዘሎና ሓደ ደረቅ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ ንፕረሲደንትና ሽሕ ግዜ ንፍትዎ ንዘልኣለም መተካእታ ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ክኸውን ኣይክእልን። ኣይግባእን’ውን።“ ኢለ ኔረ። ብምቅጻል፡ ”ነዚ ደረቅ ሓቂ ብጸጋ ምስ እንቅበልን ምድኻም ተጻባእትና ኣብ ግምት ምስ እነእቱን እምብኣር፡ ከምቲ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ፕረሲደንትና ዝበሎ ቀዳምነታትናን ኣድህቦናን ፈቲና ጸሊእና ናብ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን ከም ዝዝምብል ዘጠራጥር ኣይኮነን“ ውን ኢለ ኔረ። ኣብ መደምደምታ ኣንቀጸይ ከኣ ”ህዝቢ ኤሪትራ ኣጀንዳ ልዕልና ሕጊ ምንጋስን ቅዋማዊ መንግስቲ ምትካልን በቲ ዝመደቦ ናይ ግዜ ሴሌዳ ኣየተግበሮን። ዊዒሉ ሓዲሩ ካብ ምትግባሩ ካልእ ኣምራጺ ግን የቡሉን። ምትግባሩ ንባዕሉ፡ ዓቢ ብድሆ ምዃኑ’ውን ዝካሓድ ኣይኮነን። ካባ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤሪትራን ስውኣትናን ተጎልቢብና ጥራይ’ውን ዝብዳህ ከምዘይኮነ ንኹልና ቡሩህ ይመስለኒ። ስለዚ፡ ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤሪትራውያን ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ንካሰስን ንምካሕን ንቅድሚትን መጻእን ብምምዕዳው ንጉዳይና ጉዳይ ዜግነት ዘማእከለ ህንጸት ሃገር ልዕልና ሕግን ቅዋማዊ መንግስትን ቀሲናን ረጊእናን ብጋህዲ ሓሳባትና እንገልጸሉን ኢሂን ሚሂን እንበሃሃለሉን መድረኽ ብዓንተቦ ነጣጥሕ“ ውን ኢለ ኔረ።
ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኾይኑ፡5 ወርሒ ድሕሪ ዓንቀጸይ፡ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤሪትራ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ 2017 ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፡ ናይ 25 ዓመታት መድረኽ ዓጺና ናብ ሓዱሽ መድረኽ ንኣቱ ኣሎና ዝብል መሰረታዊ ገምጋም ዘበገሶ፡ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና ከሐይልን ከትርርን፡ ሰፊሕ ሱታፌ ናይ ህዝቢ ሃልይዎ ድማ ንመጻኢ ጎደናና ከመዓራሪ ትጽቢት ዝተነብረሉን፡ ካብ 2017 ጀሚሩ ኪኒኡ ዝኸይድ ካበይ:ኣበይ:ናበይ:ዘርእስቱ ዓውደ ዘተ ተዳልዩ ከም ዘሎ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን (ህግደፍ) ድማ ክኣልዮን ከውሃህዶን ዝሓሸ ኣማራጺ ኾይኑ ከምዝተረኽበ ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ ክቡር ፕረሲደንት፡ ንቍጠባን ብፍላይ ድማ ንኣፍራይነት ኣመልኪቱ ጃህራ ከምንፈቱ፡ ዘይንኽእሎ ንኽእሎ፡ ዘይንገብሮ ንገብር ኢና፡ ዘይኮነ ይኸውን ኢዩ ከምንብል፡ ካብ ጃህራ ምእንቲ ኽንላቐቕ ድማ ባህላዊ ለውጢ ከምዘድልየና፡ ናይ ቀደም ዝወረስናዮ፡ ናይ ቀደም ዝጸነሓና ናይ ገድሊ ባህሊ ኽንብል እውን ከምንኽእል፡ ንሱ ግን ዛንታ ምዃኑ ብዘይ ቀለዓለም ሓቢሩና ኣሎ። ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ኮተሊኽ ክኽወን ስለ ዘይከኣል፡ ንሕና ኤሪትራውያን፡ ምኽሪ ክቡር ፕረሲደንትና ኣብ ግምት የእቲናን፡ ኣብ ጃህራን ሕሉፍ ዛንታናን ጥራይ ክየተምርኮስና፡ ንክውንነትና ብውዱዕ ክንግምግም ናብ ዘኽእለና መድረኽ ንሰጋገር ኣሎና። ዮሃና ንኹልና። ሞሳን ሞጎስን ነቲ ኹሉ ሽግራት ተጻዊሩን መኪቱን ናብ’ዚ ሕጂ ንኣትዎ ዘሎና መድረኽ ዘሰጋገረና ናይ ጹኑዓት ጹኑዕ ህዝቢ ኤሪትራን ምክልኻል ሓይልታቱን። ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብዕድላት ናይ ስራሕ፡ ትምህርትን ምቹእ ናብራን ዝበሃጋ እንተ ድኣ ኾይነን፡ ናትና ዝብልዋ ብጻዕሮም ብተመሳሳሊ ዕድላት እትብሃግ ሃገር ኣብ ምህናጽ ተጸሚዶም ዘለው መንእሰያትናን ከምኡውን ትማሊ ሉኣላዊነት ሃገር ዘውሓሱ ሎሚ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ ውራይ ትምህርቶም ስርሖምን ናብርኦምን ጥራይ ከይተወሰኑ፡ ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ ከም ዝብሃል ንናይ ሰብዓታትን ሰማንያታትን መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ፈለግ ተኸቲሎም ንዝሓሸ ለውጥን ምዕባለን ከይሰልከዩ ለይትን መዓልትን ሃናጺ ጽምድኦም ዘሐይሉ ዘለው መንእሰያትናን ድማ ድርብ ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ናብቲ ቀንዲን ብዘይ ቀለዓለምን ክንዛተየሉ ይግብኣና’ዩ ዝበልክዎ እውናዊን ኣገዳስን ኣርእስቲ ከሰጋግረኩም።
ዓውደ ዘተ ካበይ:ኣበይ:ናበይ ኣልዒልና ኣብ እንዝትየሉ እዋን፡ ሓደን ቀንድን መሰረታዊን ሕቶ፡ ህግደፍ ሰፊሕ ሱታፌ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብ መኣዲ ዓወደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኸረጋግጽ ይኽእልዶ ዝብል’ዩ። ነዚ ቀሪቡ ዘሎ ሕቶ ንምምላሽ፡ 23 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስና ተመክሮ ህግደፍ ክንግምግምን፡ ክምስረት ከሎ ኣብቲ ሃገራዊ ቻርተሩ ኣስፊርዎም ዝርከብ ውድባዊ መትከላቱ ትግባሬኦም ኣብ ባይታ እንታይ ከም ዝመስል ክንድህስስን ክንግደድ ኢና። ዕማም ምግምጋም ተመክሮ ህግደፍ ንኣባላቱ ጥራይ ዝግደፍ ወይከኣ ዝምልከት ዘይኮነ ንኹሉ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ኤሪትራዊ ዜጋ ይምልከቶ ኢዩ በሃላይ’የ። ስለምንታይ፡ ህግደፍ ተሰኪምዎ ዝጸንሐን ዘሎን ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ክስከሞ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ሃገራዊ ሓላፊነት ከቢድን ንህላዌ ሉኣላዊነታ ዘውሓሰት ሃገርን መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ወሳኒ ስለዝኾነ። ህግደፍ፡ ሰፊሕ ዝሰረቱ ግንባር ክኸውን ከምዘለዎ ንምእማት፡ ኣብቲ ሃገራዊ ቻርተሩ ንውድባዊ መትከላቱ ኣመልኪቱ ነዚ ዝሰዕብ ኣስፊሩ ይርከብ። “እቲ ግንባር ንሓደ ውሱን ማሕበራዊ ቀጸላ ወይ ደርቢ ዝውክል፡ ወይ ድማ ነቶም ኣዝዮም ውፉያት ባእታታት ጥራይ ዝሓቁፍ ጸቢብ ዝሰረቱ ሰልፊ ዘይኮነስ፡ ከም ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ሰናይ ኤሪትራን ህዝባን ዝደሊ ሃገራዊ ኤሪትራዊ ዝሓቁፍ ኣዝዩ ሰፊሕ ሰረት ዘለዎ ግንባር ክኸውን ኣለዎ” ይብል። ቀጺሉ፡ “መሰል ምምስራት ሃገራዊ ሰልፍታት ዘፍቅድ፡ ሰልፍታት ምስ ዝቐውም ድማ ምስኡ ብሰላም ንምውድዳር ቅሩብ ክኸውን’ኳ እንተለዎ፡ ብፕሮግራም፡ ብኣወዳድብኡ፡ ብኣሰራርሕኡ፡ ንኹሎም’ቶም ብሓድነትን ሰላምን ራህዋን ኤሪትራ ዝግደሱ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፉ ዝደልዩ ሃገራውያን ዝስሕብን ኣብ መስርዑ ዘሳትፍን ክኸውን የድሊ።” ይብል። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን። “እቲ ግንባር ሰፊሕን ኣሳታፊን ንኹሎም ሃገራውያንን ደሞክራሲያውያንን ዝሓቁፍን ይኹን እምበር“ ይብል’ሞ ቀጺሉ ”እቲ እንኮ መልክዕ ናይ ውዳቤ ክኸውን ኣይሕልንን“ ይብል። ዝተፈላለየ ምኽንያት ንሃበሉ፡ እቲ ውድብ ኣብዞም ዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ኣብ ኣተገባብራ ናይዞም ሊዒሎም ዝተጠቅሱ ውድባዊ መትከላቱ፡ ብፍላይ ኣብዚ ንነብረሉ ኸባቢ፡ ይትረፍ ኣብ ፖለቲካ ክነጥፉ ዝደልዩ ሃገራውያን ክስሕብን ኣብ መስርዑ ከሳትፍን፡ ነቶም ምዝጕባት ኣባላቱ ብቑዕ ዝኾነ ውዳቤ ሂቡ ቁጽሮም ምስ ግዜ ክምዝስስን ክገብር ዘይምብቅዑ ባዕሉ እቲ ውድብ ደፊሩ ክዛረበሉ ጀሚሩ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ብኹሉ መለኪዒታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ወራር ማፍያዊ ስርዓት ኢትዮጲያ እቲ ውድብ እንኮ መልክዕ ናይ ውዳቤ ክኸውን ኢዩ ተቓሊሱ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። ካብቲ ናቱ መሪሕነትን ጽልዋን ወጻኢ ንዝምስረቱ ኤሪትራውያን ምትእኸኻባት ብዓይኒ ጥርጣረ ርእዩ ብግስ ከይበሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ምድኻሞም’ዩ ዝያዳ ተዋፊሩ ኔሩ።
ህግደፍ፡ ውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ህይወት ዘለዎ ኣሳታፊ ግንባር ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቱ’ውን፡ “ግንባርና ከም ንኹሎም ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝጠምሮም ግን ከኣ ኣብ በበይኑ ጉዳያትን ፖሊሲታትን ዝተፈላለየ ርእይቶታት ዘለዎም ሃገራውያን ዝጥርንፍ ውድብ ዕውት ክኸውን እንተኾይኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሕኡን ህይወቱን ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፊን ክኸውን ኣለዎ” ይብል። ብምቅጻል፡ “ኣብ ውሽጢ’ቲ ሓፈሻዊ ዕላማታትን መትከላትን ክሳብ ዝኾኑ፡ ንዝተፈላለዩ ዝምባሌታትን ኣረኣእያታትን ቦታ ክህልዎ ይግባእ። ምጽውዋር ንዝተፈላለየ ርእይቶታት፡ ቅድም ይኹን ድሕሪ ውሳኔ ድማ ሰፊሕን ቀጻልን ክትዕ ወሳኒ’ዩ። ብዝበዝሑ ዝተደገፈ ውሳኔ ክትግበር’ኳ እንተለዎ፡ ምንቃፍ ፍቁድን ዝተባባዕን ክኸውን ኣለዎ” እውን ይብል። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ “ውሽጣዊ ዲሞክራሲያዊ ህይወትን ምኹስኳስ ተሳትፎ ኣባላትን ንሓድነት ናይ’ቲ ግንባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምንጻርን ምምዕባልን ፖሊሲታቱ፡ ንምልላይን ቅልጡፍ ምእራምን ጉድለታቱ ወሳኒ’ዩ” ይብል። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ትግባረ ብኣላይነት’ቲ ውድብ ዝተወደቡ ኣነ ዝተሳተፍኵዎም ኩሎም “ናይ ህዝቢ ኣኼባታት” መንግስቲ ዝተኸተሎም ፖሊሲታትን ትግባሬኦምን ምጥባቅ እንተዘይኮይኑ ምንቃፍ ይተባባዕ ከምዘይነበር ዘካትዕ ኣይመስለንን። ምንቃፍ መንግስታዊ ፖሊሲታትን ኣተገባብሮኦምን ከም ኣካል መኸተ ኣንጻር ናይ ግዳም ይኹን ናይ ውሽጢ ተጻብኦታት ተቆጺሩ’ውን ኣይፈልጥን። ብኾምኡ’ውን ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ኩሎም ዝተወደቡ ኣኼባታት፡ ካብ ኣጻብዕቲ ሓደ ኢድ ዘይበዝሑ፡ ሓደ ቃናን ድምጽን ዘጉሉሑ ሙሁራት እንተዘይኮይኑ፡ ንሰፊሕ ሱታፊ ሙሁራት ኤሪትራውያን ዜጋታት ዝዕድሙ’ውን ኣይነበሩን።
እምበኣርከስ፡ ህግድፍ እዞም ሊዒሎም ዝተጠቕሱ ውድባዊ መትከላቱ ኣገደስቲ ክነሶም ብርዱእ ምኸንያት ንዝተወሰነ እዋን ብፍላይ ካብ እዋን ወራራት ማፍያዊ ስርዓት ኢትዮጲያን ኣብ ውሽጡ ዝተፈጥረ ምክፍፋልን ንድሓር የተግብሮም ኣይነበረን ኣብ ዝብል ርእይቶ ንርዕም ቡዙሓት ንህሉ ንኸውን። የተግብሮም ካብ ዘይነበረ፡ ሕጂ ብግስ ኢሉ ኣብዚ ተዳሊዩ ዘሎ ዓውደ ዘተ፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብ ዲያስፖራ ኸረጋግጽ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ድሩት ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማቱ ቡዙሕ ንሽገር ኣይመስለንን። ከም ኣብነት ድሩትነቱ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ሆላንድ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ህግደፍን ተቃወምቲ ኢና በሃልትን ዝተራእየ ዘሕዝን ክስተት ክጥቀስ ይክኣል። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ብኸምኡ እንተቀጺሉ፡ ንሰፊሕ ሱታፌ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ ዓውደ ዘተ ዓዳሚ ኣይክኸውንን እዩ። ሰፌሕ ሱታፌ ናይ ኩሉ ኤሪትራዊ ዜጋ ዘይምርግጋጽ ድማ ዊዒሉ ሓዲሩ ክሳራ ህግደፍን ኣባላቱን ጥራይ ዘይኮነ ክሳራ ሙሉእ ህዝቢ ኤሪትራ ኢዩ ክኸውን። ስለምንታይሲ፡ ምሕያልን ምትራርን ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርናን ምምዕራይ መጻኢ ጎደናናን ብኡ መጠን ንድሕሪት ስለዝጉተት። ንሱ ካብ ኮነ እቲ ናይ መወዳእታ ውጺኢቱ ተዳሊዩ ዘሎ ዓወደ ዘተ ዕውት ናይ ምግባሩ ሓላፊነት እምበኣር ናይ ህግደፍን ኣባላቱን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ኤሪትራዊ ዜጋ ሓላፍነት’ዩ። ንሕና ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዜጋታት ከም ቲፎዞ ናይ ሓንቲ ጋንታ ሆ ክንብል ዘይኮነስ ብዓንተቦ መኣዝን ከነትሕዞ ግዴታ ኣሎና። ኣባላት ህግደፍን ደገፍቲ መንግስትን ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ተኣኪቦም ክዝትዩ መሰሎም ክነሱ፡ ካብቶም ተቃወምቲ ኢና ንብል ንምንታይ ተቃውሞ ከም ዝገጥሞ ንዓይ ርዱእ ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ተቃወምቲ ኢና ዝብሉ፡ ተወዲቦም ክዝትዩ ይኹን ሰላማዊ ሰልፊ ኸካይዱ መሰሎም ክነሱ፡ በቶም ኣባላት ህግደፍ ወይ ከኣ ደገፍቲ መንግስቲ ኢና ንብል ተቃውሞ ይቀርቦ ምንባሩን’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ካልእ’ውን፡ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ንኣባላት ህግደፍን ደገፍቲ መንግስትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዂሉ ኤሪትራዊ ዜጋ ንኽሳተፍ ዝዕድምን ዘተባብዕን ኣኼባታት ክውድቡ ዘይምኽኣሎም ንዓይ ኩሉ ግዜ ምስ ገረመኒ’ዩ። ኣብ መደምደምታ፡ ንሕና ኤሪትራውያን ንሓድሕድና ምጽውዋርን ምድምማጽን ዘተባብዕ ባህላዊ ለውጢ ኸነታኣታቱ፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ንሓድሕድና፡ ፊት ንፊት ገጢምና ንሓድሕድና ኢሂን ሚሂን ክንብሃሃል እንኣትዎ ዘሎና መድረኽ ዝጠልቦ ግዴታ’ዩ በሃላይ’የ። ብተወሳኺ፡ ህግደፍ ብቅዓት ኣጥርዩ ከምቲ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ፡ ማለት ሰፊሕ ሱታፊ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ ዓወደ ዘተ ኸረጋግጽ እንተ ኺኢሉ ጸበቐ። ኣይከኣለን ድማ፡ ህዝቢ ኤሪትራ ነዚ ንኣትዎ ዘሎና መድረኽ ብዝበቅዕን ሰፊሕ ተሳትፎ ኤሪትራዊ ዜጋ ኣብቲ ዓውደ ዘተ ብኸረጋግጽ ዝኽእል ውድብ ኽትክኦ ኽግደድ ኢዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም ኤሪትራዊ ዜቤታዊ ውዳቤታት ከምኒ ማሕበር ሸውዓተ፡ ሓራካት፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤሪትራ፡ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤሪትራ ድሒሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራሲን ፍትሕን ካልኦት ኩሎም ንዕኦም ዝመስሉ ውዳቤታት ዋናኦም ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ። ሰላም ቅነ በዓል ነጻነት ንኹልና እንዳበልኩ ንሎሚ ገለ ካብ ለበዋ/ደዚደራታ ጠቒሰ ኽፋነወኩም።
“ብህድኣትን ብግልጽን ሓቅነትካ ኣረድእ። ዓያሹን ዘይተማህሩን’ኳ ከይተረፈ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍረ-ነገር ስለ ዘለዎም ካልኦት ሰባት ኪዛረቡ እንከሎው ጽን ኢልካ ስምዓዮም። ተጀሃርትን ዓመጽትን ሰባት ናይ መንፈስ ስቓይ ኢዮም፤ ምእንቲዚ ካብኣቶም ርሓቕ። ንርእስኻ ምስ ካልኦት እንተ ኣነጻጺርካ ኩሉ ጊዜ ካባኻ ዚበልጹን ካባኻ ዚትሕቱን ሰባት ስለ ዝርከቡ ብምስትምሳል ሰንፈላልን ሕዙንን ኣይትኹን። ብዝሃቀንካዮን ብዝፈጸምካዮን ዕዮኻ ተሓጐስ። ሥነ ሥርዓት ተኸቲልካ እርኑብን ጐይታ-ርእስኻ ኩን።” ነቶም ቛንቛ እንግሊዝኛ እነንብብ ደማ ሙሉእ ትሕዝቶ ለበዋ/ደዚደራታ ኣብ ታሕቲ ኣስፊረዮ ኣለኹ። ጽቡቕ ንባብ። ኣብ ርክብና ኩሉ ጊዜ ኢሂን ሚሂን ነቐድም። የቀንየለይ።
ሃብተ ገብረ (ችፓላ) 18 ግንቦት 2017
“Go placidly amid the noise and haste, and remember what peace there may be in silence. As far as possible, without surrender, be on good terms with all persons. Speak your truth quietly and clearly; and listen to others, even to the dull and the ignorant, they too have their story. Avoid loud and aggressive persons, they are vexations to the spirit. If you compare yourself with others, you may become vain and bitter; for always there will be greater and lesser persons than yourself. Enjoy your achievements as well as your plans. Keep interested in your own career, however humble; it is a real possession in the changing fortunes of time. Exercise caution in your business affairs, for the world is full of trickery. But let this not blind you to what virtue there is; many persons strive for high ideals, and everywhere life is full of heroism. Be yourself. Especially, do not feign affection. Neither be cynical about love, for in the face of all aridity and disenchantment it is perennial as the grass. Take kindly to the counsel of the years, gracefully surrendering the things of youth. Nurture strength of spirit to shield you in sudden misfortune. But do not distress yourself with dark imaginings. Many fears are born of fatigue and loneliness. Beyond a wholesome discipline, be gentle with yourself. You are a child of the universe, no less than the trees and the stars; you have a right to be here. And whether or not it is clear to you, no doubt the universe is unfolding as it should. Therefore be at peace with God, whatever you conceive Him to be, and whatever your labors and aspirations, in the noisy confusion of life, keep peace in your soul. With all its sham, drudgery and broken dreams, it is still a beautiful world.
Be cheerful. Strive to be happy.” Max Ehrmann c.1920