ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራPublished: May 6, 2021 PBS: Escaping Eritrea … [Read More...] about ካብ ውሽጢ ቤት ማእሰርታት ኤርትራ
ኲናት የለን፣ 3% ካብ ህዝባ ግን ተሰዲዱ ኣሎ ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ August 17, 2015 By Africa Horn Now Patrick Kingsley, Monday 17 August 2015, The Guardian ኣዳም ብቘልዓኡ ወተሃደር ክኸውን ዝተዓስከረ’ዩ–ኣብዚ ሓጺር ዕድመኡ ዝሓለፎ መገዲ ግን ንዛንታ መሳቱኡ ኤርትራውያን ዝውክልን ዝገልጽን’ዩ። The Tigrinya alphabet may not be supported on some devices. If you are having trouble viewing the text, please click here Read this article in English ኣዳም ወዲ 16 ዓመት’ዩ። ኣብዚ ሓጺር ዕድመኡ ዝሓለፎ መገዲ ግን ንዛንታ መሳቱኡ ኤርትራውያን ዝውክልን ዝገልጽን’ዩ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ፡ ዓበይቲ ኣሕዋቱ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና ስለ ዝኸዱ፡ ኣብቲ ገዛ እንኮ ተጸዋዒ ሰብኣይ ኰይኑ። ነቶም ንኣሽቱ ኣሕዋቱ ዝጥውር ኣቦን ዓበይቲ ኣሕዋትን ስለ ዘይብሉ ከኣ ሓላፍነት እታ ቤት ኣብ እንግድዓኡ ተሰኪሙ። ኣመት ማሕረስ ክገብር ትምህርቱ ከቋርጽ ነይሩዎ። ትምህርቲ ምቍራጽ ማለት ከኣ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘይምህላው ማለት ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ተገፊፉ። መብራህቱ ካብ ግዱድ ዕስክርና ዝሃደመ ኤርትራዊ ኰይኑ ክሰኣል ግን ኣይመረጸን። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽወደን ዝተላዕለ ስእሊ። Photograph: Cathal Mcnaughton/Reuters ገና ወዲ 14 ዓመት እንከሎ እምበኣር ዕጫ ናይቲ ንብዙሓት ኤርትራያውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ዝጽበዮምን መወዳእታ ዘይብሉን ህይወት ውትህድርና ተጸንቢሩ። ኣብ ሻድሻይ ወርሑ ግን እቲ ናብ ጊላነት ዝቀራረብ ኣገልግሎትን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ዓመጽን ወጽዓን ክጅምር ከሎ ሃዲሙ። ካብቲ ዝሃደሞ ተታሒዙ ድማ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ድሕሪ ምእሳሩ ናብቲ ዝሃደመሉ ውትህድርና ተመሊሱ። እንደገና ሃዲሙ፡ ካልኣይ እዋን ተታሒዙ ከም ብሓድሽ ዙርያ መቕጻዕቲ’ውን ናብ ውትህድርና ተመሊሱ። ንመጨረሽታ እዋን፡ ኣብ መበል 15 ዓመቱ፡ ንሱዳን ክሃድም ከሎ ድማ ክልተ ግዜ ተኣሲሩን ሰለስተ እብረ ትሕቲ-ዕድመ ወተሃደር ኰይኑ ኣገልጊሉን። ድሕሪኡ ብሊብያውያን ኣሰጋገርቲ ተጨውዩ ድሕሪ ምቕጥቃጡ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ብጃልባ ኣቢሉ ንዓዲ-ጣልያን ኣትዩ። “ኣብዚኣ ዝኣተኹላ ዕለት መዓልቲ ልደተይ ማለት’ያ፡” ይብል ኣዳም ኣብ ሲሲሊ ኣብ ገበሮ ቃለ-መጠየቕ፤ “ቅድሚ ሕጂ ዝነበርኩዎም 16 ዓመታት ዝቝጸሩ ኣይኰኑን። ኣብ ኤርትራ ሕልሚ ኣይነበረንን፣ ብዛዕባ መጻኢ’ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን። ሕጂ ግን ዳግማይ ከም ዝተወለድኩን ብዛዕባ መጻኢ’ውን ክሓስብ ጀሚረ።” ካብቶም ብተመሳሳሊ ናይ ሞትን ህይወትን መጻብቦ ሓሊፎም ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር እዋን ኤውሮጳ ዝኣተዉ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣዳም ናይ ቀረባን ብዙሓት ዝውክልን መንእሰይ’ዩ። ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኤውሮጳ ብዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ኤርትራ፡ ንሶርያን ኣፍጋኒስታንን ስዒባ፡ ሳልሳይ ደረጃ ትሕዝ። እዚ ግን ብኸመይ’ዩ ኰይኑ? ካብታ ኣብ ቀረባ ዓመታ ናጽነታ ዝረኸበት ንእሽቶ ሃገር ቀርኒ-ኣፍሪቃ፡ ከምቲ ብገለ ዝቐርብ ኣሃዝ ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ ዘለዋ ሃገር ኣስታት 3% ናይ ህዝባ ከምዚ ብሓደገኛ መገዲ ክስደድ፡ ስለምንታይ? ሓያሎ ከም ኣዳም ዝመስሉ ኤርትራውያን ብጋዜጣ ጋርዲያን ተሓቲቶም ተመሳሳሊ መልሲ’ዮም ሂቦም። መወዳእታ ዘይብሉ–ናብ ጊላነት ዝጸጋጋዕ ናብራ ውትህድርና፣ ብምልኪ ዝገዝእ መንግስቲ፣ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰቲ ዝተቐየረት ሃገር፣ ንጎረቤትካ ምዝራብ’ውን ዘየድፍር ፍርሒን ካብ ስድራን ገዛን ወጻኢ ምትእኽኻብ ዘየፍቅድ ስርዓትን ገለ ካብቲ ዝጠቕሱዎ ምኽንያታት’ዩ። ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኲናት የላን። እቲ ሓንሳብ ምስ ደየበ ዘይወረደ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ግን እታ ሃገር ምስ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ሓደጋ ኲናት የንጸላሉዋ ምህላዉ’ዩ ዝገልጽ። እዚ ብባድመ ተበጊሱ ህይወት ኣሽሓት ዝወሰደ ኲናት ድማ ጠንቂ ቅዋም ዘይምትግባር፣ ዕንወት ፈራዲ ኣካል፣ ናብ ጊላነት ዝተቐየረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምእታውን ብእኡ ኣቢልካ ድማ ንመዋእሎም ግዙኣት ኰይኖም ከም ዝቕጽሉ ምግባርን ኰይኑ ኣሎ። ኣከራኻሪ ዘይብሉ ቀዳማይ ጠንቂ’ዚ ፍልሰት እቲ ንምሉእ ዕምሪ ዝኸይድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ። ብዝተፈላለየ መሓውራት ኣቢሉ ድማ መንግስቲ ንዜጋታቱ ካብ 16-17 ንዝዕደመኦም — ተብዓታይን ኣንስታይን — ኣትሒዙ ይቈጻጸሮም። ንስድራኻ መዓስ ትርኢ፡ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ከመይ ይመስል ብመንግስቲ–ብመገዲ መሓውራት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቢሉ–ዝቈጸጸሮ’ዩ። “ኵሉ ሰብ ጊላ ናታቶም’ዩ ዝቕየር፡” ይብል ቅድሚ ምህዳሙ ምሉእ ናይ ዓቕሚ-ኣዳም ዕድመኡ ኣብ ውትህድርና ዘሕለፈ ወዲ 24 ዓመት ክብሮም። “ካብዚ ከኣ ኢና ንህድም ዘለና፣ እታ ሃገር ዓባይ ቤት-ማእሰርቲ’ያ፡” የስዕብ። ዝተፈለላየ ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ፡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ደሞዝተኛታት’ዮም። እቲ ደሞዝ ግን ካብ 500-750 ናቕፋ ዝበጽሕ ኰይኑ ክሽረፍ እንከሎ ካብ 20 ክሳብ 30 ፓውንድ ስተርሊንግ ንወርሒ ዝበጽሕ ምዃኑ’ዩ። እዚ መጠን’ዚ ግን ኣዝዩ ብምውሓዱ ንናብራ ዘካይድ ዘይምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ። “እዚ ገንዘብ’ዚ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ’ዩ ዘካይድ፣ ስለዚ እተን ዝተረፋ 27 መዓልታት ጠምየ አሕልፈን፡” ይብል ክብሮም። “ዋጋ ደርሆ 600 ናቕፋ’ዩ፣ ስለዚ ከመይ ኣቢለ በዘን ገንዘብ እዚአን ስድራይ ክመርሕ እኽእል? ከመይ ኢለ ክምርዖን ውላድ ክናቢን እኽእል በዘን ገንዘብ’ዚአን?” ይውስኽ ክብሮም። ኣምሳያ እዘን ቍንጣሮ ገንዘብ’ዚአን፡ መንግስቲ ኵሉ ውልቃዊ ሓርነት ዜጋታቱ’ዩ ዝወስዶ። ኤርትራውያን ወተሃደራት ኰይኖም መንግስቲ ኣብ ዝመደቦም ቦታታት ንኣዋርሕ ክጸንሑ፣ አረ ኣብ ዝኸፍአ እዋን’ሲ ህጻናት ደቆም ምልላይ ክሳዕ ዝስእኑዎም ገዛኦም ከይመጽኡ ክጸንሑ ልሙድ’ዩ። ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት–እንኮላይ ካብተን ብዂናትን ውሽጣዊ ቅልቅላውን ዝሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ከም ሶርያ፡ ሊብያን ኤርትራን–ቴንዳታት ዘጊሖም ንብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሊያስ ይጽበዩ። Photograph: Philippe Huguen/AFP/Getty Images “ኣቦኦም ንፈለማ እዋን ክርእዩዎ እንከለዉ ምልላይ ስኢኖም ክርሕቀሎም ዝጽውዑን ዘንጸርጽሩን ህጻናት ብዙሓት’ዮም፡” ትብል ኣብ መፋርቕ 40ታት እትርከብ ኣሕላም። ኣሕላም በዓልቲ ሓዳር ኰይና ዝሓለፈ ክረምቲ ናብ ግብጺ ዝሰገረት’ያ። “ከምዚ ዝመስል ኣጋጣሚ ንወደይን ካልእ ዘመደይን ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ኣጋጢሙና ነይሩ። ኣቦኦም ምስ ረኣዩ፡ ‘መን ኢኻ? ካብ ገዛና ውጻእ!’ ኢሎም ንኣቦታቶም ክሰጕ ፈቲኖም፡” ተዘንቱ ኣሕላም። ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ፡ ኣምባሳድር ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ገለ እዋን ድማ ፕረሲደንት ናይታ እንኮ ናይ ኤርትራ ዩኒቨርስቲ ነበር፡ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ከም ዝገልጾ ብመሰረቱ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ናይ ስዊዘርላንድ መስርሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 90ታት ኤርትራ ብነዊሕ ደማዊ ኲናት ካብ ኢትዮጵያ ናጽነታ ክትጓናጸፍ ከላ፡ ኣብ መንጎ ካልኦት ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዘበገሶ ሓሳብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ክኸውን ዝብል’ዩ። ዕላማኡ ድማ ነታ ሃገር ውሕስነት ምፍጣርን ዝዓነወ ቍጠባን ትሕተ-ቅርጺን ዳግም ንምህናጽን’ዩ ዝነበረ። “ሃገራዊ ኣገልግሎት ንወተሃደራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቍጠባውን ባህላውን ወገናት ዝትንክፍን ኣብ ግምት ዘእተወን’ዩ ነይሩ፡” ይብል ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ–ቅድም ምስ ፕረሲደንት እታ ሃገር ደሓን ዝምድና ዝነበሮን ኣብ 2006 ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ሃገሩ እትትርኽ መጽሓፍ ዘሕተመን። “እቲ ኣገልግሎት መወዳእታ ዘይብሉ ምስ ኰነ ግን እቲ መሰረቱ ዓንዩ። ፈለማ ኣብ 1994 ክጅመር እንከሎ ሽዑ ኣብ ፈላማ 20ታትን ዝንእሱን ዝነበሩ ሕጂ 40ታት ኰይኖም ገና ኣብ ሰራዊት ኣለዉ። ከምዚ ኢሎም ከመይ’ሎም ህይወት ክመርሑን ስድራ ክጥውሩን ይኽእሉ? እታ መሰረታዊት ስድራቤት ዓንያ’ያ፣ ዝዓነወ ስድራ ዝፈጥሮ ኮም ከኣ የሎን፣ ሕብረተሰብ ከኣ፡ እቲ መሰረቱ ኮም ምስ ዝዓኑ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። እዚ ብሓጺሩ ዘመናዊ ጊልያነት’ዩ፡” ይብል ዓንደብርሃን። ውትህድርና ኤርትራ ብምግሃስ መሰል ሰብን መለሳ ኣልቦ ህይወትን’ዩ ዝልለ። “ምግልጋል ጥራይ ዘይኰነስ ብቐንዱ መቕጻዕቲ ምጽዋር ማለት’ዩ፡” ትብል ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ውትህድርና ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ንግብጺ መጺኣ ዘላ ሶፊያ። ብዙሓት ዝገልጹዎ መቕጻዕቲ ብድሕሪት ኵርንኵሪት ኣእጋርን ኣእዳውን ዝቕፍድ “ኦቶ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእሰርቲ’ዩ። ሓደ ግዳይ ብኸምዚ ዝመስል ማእሰርቲ፡ ምስ ካልኣዩ፡ ንመዓልታት፡ ተኣሲሩ ምንባሩ ይሕብር። ዳሕራይ ምስ ተፈትሐ፡ ቍጽጽር ነብሲ ምኽኣል ስለ ዘጸገሞ ንሰሙናት ከም ዝሓንከሰን ሰንደልደል ኢሉ ይኸይድ ምንባሩን ይገልጽ። ሶፊያ ከም ትዝክሮ፡ እቲ ካልእ ኣገባብ መቕጻዕቲ ማይ-ሽኮር ብቐጠፍ በጽቢጾም ኣብ ገጽካ ምስ ከዓዉልካ፡ ብሃመማ ንኽትውረር ኣሲሮኦም ዝገድፉኻ’ዩ። እቲ ኣካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሕሰብ ውትህድርና ናጻ ጕልበት መንእሰያት ዝሓትት’ዩ። ‘ካብ ጎቦ ኣእማን ምእካብ፣ ካብ በረኻታት ዕንጸይቲ ምእራይን ምቝራጽን ጐደናታት ምጽራይን ‘ብቐንዱ ግን መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ ከም ጊላታት ምእዛዝ’ ልሙድ መስርሕ ምዃኑ 27 ዝዕድመኡ መንእሰይ ዑመር ይገልጽ። እቲ ስራሕ መብዛሕትኡ እዋን ትርጕም ዝወሃቦን ገለ ዕላማ ዝሃርምን ኣይመስልን። “ፍሉይ ትሰርሖ ስራሕ እኳ የለን። ገለ እዋን ኮስትሞ ናይ ሓለፍቲ’ውን ክትሓጽብ ትግደድ፣ ክትኣቢ ከኣ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ይብል ክብሮም። ክብሮም ከም ዝገልጾ ሓደ እዋን’ውን ኣሃዱኡ ኣብ ዝዓስከረትሉ ከባቢ ወርቂ ክዅዕቱ ዝፈተኑ ራሻይዳ ክሃድን ከም ዝወፈረ ይሕብር። “ትርጕም ዝነበሮ ኣይኰነን፣ እንተ ንሕዞም’ውን ብገመል ጌርና ናብቲ ቦታና ከነብጽሖም መዓልታት ምወሰደ። ኣብኡ በጺሖም ከኣ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኰነን። ኣብ መዓስከርና ምስ ኣተና ኣዝማዶም ብመኪና መጺኦም ገንዘብ ከፊሎም ከውጽኡዎም ምዃኖም ርዱእ’ዩ። እቶም ሓለፍቲ ግን ጉቦ ስለ ዝቕበሉ ክንሃድኖም ይነግሩና፣ ብሓጺሩስ ጸወታ’ዩ፡” ይብል ክብሮም። ካብ ኤርትራ እንተ ዘይወጺኦም፡ መብዛትኦም ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዮም ዕምሮም ዝውድኡ። ውሑዳት ዕድል ዝገበሩ ግን ኣገልግሎቶም ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ከሕልፉዎ ይኽእሉ’ዮም። እታ ቀዳመይቲ ወተሃደራዊ ታዓሊምን ትምህርቲ ኣካዳምን ዘዋሰበት ዓመት ምስ ወድኡ ሃገራዊ ፈተና’ዮም ዝገብሩ። ኣብቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ጽቡቕ ዝሰርሑ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ ከም መምህራን፡ ሓካይም፡ ምናልባት’ውን ክሳብ ጋዜጠኛታት ኣብታ ብትሑት ብቕዓት እትፍኖ ሃገራዊት ቴለቪዥን ኤርትራ (ኤረ-ቲቪ) ክሰርሑ ይኽእሉ። ክፍሊቱ ግን ካብቶም ኣብ ውትህድርና ዝተመደቡ ዝፍለ ኣይኰነን። እቶም በዚ መስርሕ’ዚ ዝመጽኡ ከም ዘዛራረብናዮም፡ ኣበይ ክሰርሑ ከም ዝደልዩ ንኽመርጹ’ውን ዕድል ተዋሂቡዎም ኣይፈልጥን’ዩ። ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ብግዴታ ከም ምክትታልን ተርጓሚትን ካብ ቋንቋ ዓረብ ትሰርሕ ዝነበረት እዚ ክረምቲ’ዚ ዝሃደመትን ኣልማዝ ከም ትገልጾ፤ “ብዘይካ ዝበሉኒ ምግባር ዝዀነ ምርጫ ተዋሂቡኒ ኣይፈልጥን’ዩ: ኣብ ዘለኻዮ ክትድኽድኽ እምበር ክትምዕብል ኣይደልዩኻን’ዮም፡” ትብል ኣልማዝ። ገለ ዕጡቓት ከም ዝገልጹዎ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምዱብ ስራሓቶም፡ ለይቲ ወተሃደራዊ ዕዮ ክፍጽሙ ይግደዱ። እዚ ክረምቲ’ዚ ናብ ኢጣልያ ዝመጸ 22 ዝዕደመኡ መሓሪ ኣብ መባእታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ኰይኑ ደኣ ይመደብ እምበር፡ ካብቲ ተራ ውትህድርናስ ኣይተገላገለን። “መምህር ክብል እንከለኹ ግን ቀትሪ እምህር ስለ ዝነበርኩ ጥራይ’የ፣ እምበር ምሸት’ሲ ወተሃደራዊ ዕዮ ክፍጽም መምርሒ ካብቶም ወተሃደራውያን ሓለፍተይ’የ ዝጽበ። ኣብ ዝዀነ እዋን ጸዊዖም ከም ህንጻታት ክትሕሉ ይሕብሩኻ። ኣዝዩ ኣድካሚን ኣሰልቻውን ስራሕ’ዩ። ምሉእ ለይቲ ምስ ብረትካ ከይትድቅስ ክትቃለስን መበራበሪ ገጽካ ማይ ክትግጭብን ኢኻ እተሕልፎ፣ ምኽንያቱ ደቂስካ እንተ ተታሒዝካ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ፡” ይብል መሓሪ። መሓሪ ኣብ ቤት-ትምህርቱ ዝነበረ ተርእዮ ዝተበታተነ ስርዓት ኢሉ ይገልጾ። እቶም ገዳይም፡ ምኵራትን ዓበይትን መምህራን ገዲፎሞ ስለ ዝኸዱ፡ እቲ ቤት-ትምህርቲ ንኣሽቱ ዕስኩራት ኣገልግሎት ጥራይ ሒዙ ተሪፉ። እቶም መምህራን ካብቶም ተመሃሮ ኣዝዮም ስለ ዘይዓብዩ ከኣ ክብሪ ከም ዘይነበሮም ይገልጽ። “ተመሃሮ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ዝመጽኡ ንኸተማ ንምኻድ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ንምርካብ ጥራይ’ዮም። ክመሃር ወይ ክጸንሕ ዝደሊ የሎን። ኣብ መጨረሽታ ናብ ውትህድርና ምዃኖም ስለ ዝፈልጡ መጻኢ ኣይረኣዮምን፣ እቶም መምህራን’ውን ክምህሩ ኣይደልዩን፡” ይብል መሓሪ። መሓሪ ዝጠቕሶ መንቀሳቐዲ ፍቓድ፡ ኵሎም ብዕድመ ዝኣኸሉ ዜጋታት ዘድልዮም’ዩ። ብዘይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ክኸዱ ምስ ዝርከቡ–ከምቲ ንኣዳም ዝገጠሞ–ተገፊፎም ናብ ውትህድርና ይውሰዱ። ስለዚ እቶም ተመሃሮ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ካብ ቤት-ትምህርቶም ክረኽቡ ኣለዎም። ልዕሊ ክልተ ሰባት ምእካብ ክልኩልን ኣቓልቦ ጸጥታ ወይ ፖሊስ ምጽዋዕን’ዩ። ገለ ሰባት ከኣ’ሞ ኣብ ገዛኦም ክራኸቡ ከለዉ’ውን ኣቓልቦ ከይስሕቡ ተጠንቂቖም’ዮም ዝገብሩዎ። ቃለ-መጠየቕ ዝገበርናሎም ግን ብዛዕባ’ዚ ዝተፈለለየ ርእይቶ’ዩ ዘለዎም። ብሕልፊ እኳ እቶም ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዝነብሩ ኣብ ዝዀነ እዋን ብፖሊስ ከይእሰሩ ወትሩ ተሸቝሪሮም ከም ዝነብሩን ክተኣኻኸቡ ከም ዝርዕዱን ይገልጹ። ኣሕላም ከም ትገልጾ ካብ ገዛ ክወጽኡ እንከለዉ ብፍርሒ ግልጽልጽ እናበሉ ይጕዓዙ ምንባሮም ትሕብር። ካልእ ቃለ-መጠይቕ ዝገብርናሉ’ውን ብፍርሒ ጸጥታ ዝኣክል ናብ እንዳ ኣዕሩኽ ንምእታው’ውን መታን ምትእኽኻብ ከይሕሰብ ክሳብ ብመንደቕ ዘሊልካ ከም ምእታው ከም ዘሎ ይገልጽ። ካልኦት ኤርትራውያን ግን እዚ ዝተጠቕሰ ኣብነታት ዝተጋነነ፡ አረ ብሕልፊ እኳ ብመንደቕ ምዝላል መስሓቕ ምዃን ይገልጹ። ኣብ 2012 ካብታ ሃገር ዝወጸ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ከም ዝገልጾ፡ ምስ ኣዕሩኽቱ ልዕሊ 12 ክእከቡ፡ ካብኡ ሓሊፎም’ውን ብጕጅለ ክሳብ ባጽዕ ክዛወሩን ብእኩብ ክረኣዩን ዝዀነ ናይ ጸጥታ ምጕስቓል ገጢሙዎም ከም ዘይፈልጥ ይሕብር። ብሓፈሻኡ ኤርትራውያን፡ ዋላ ምስ ቀረባኦም’ውን ይዅን፡ ብመርበብ ጸጥታ ከይርከቡ ስለ ዝፈርሑ፡ ልቦም ኣውዲቖም ክዛረቡ ኣይክእሉን። “ሓውኻ’ውን ኣባል ጸጥታ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ እቲ ዘይምትእምማን ኣዝዩ ዓቢ’ዩ” የስምር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ። ዳርጋ ኵላቶም ብጋዜጣ ጋርዲያን ቃለ-መጠየቕ ዝተገብረሎም’ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ዝደግሙ’ዮም። “ምስ ዝዀነ ሰብ ክትዛረብ ኢኻ ትፈርሕ–ዋላ ምስ ስድራኻ። እቲ መንግስቲ ብዙሓት ሓሰውቲ ስለ ዝቘጽር ተኣማሚንካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ትብል ኣሕላም። ካልኦት ግን እቲ ፍርሒ ክሳብ ክንድኡ ዝጋነን ከም ዘይኰነ ይሕብሩ። ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ጋዜጠኛ ከም ዝገልጾ፡ ብሕልፊ’ኳ ምስ ወጻእተኛታት ምዝራብ ኣመና ከም ዘፍርሕ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ቀረብቲ ኣባላት ስድራ ዝርአ ፍርሒ ግን ከም ዘየጋጥም ይዛረብ። በንጻሩ፡ “ዋላ ምስ ስድራኻ ክትዛረብ ኢኻ ትፈርሕ፡” ትብል ኣብ ካይሮ ዘላ ሶፊያ። “ምኽንያቱ፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣብ ጎንኻ ዘሎ’ውን ሰላዪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ሃንደበት ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ቍጽሪ የብሎምን፡” ትውስኽ ሶፊያ። ኣብቲ ፈለማ ዓመተ-2000 ኣቢሉ፡ ኤርትራ እተን ሰለስተ ኣዕኑድ መንግስቲ–ሓጋጊ፡ ፈራዲን ፈጻሚን ኣካላት–ከም ዝነበሩዋ ይግለጽ። ድሕሪኡ ግን ኣባላት ጸጥታ ንዝረኸቡዎን ዝጠርጠሩዎን ከም ድላዮም ክኣስሩ ልሙድ መስርሕ ኰይኑ። ዑመር ከም ዝገልጾ፡ ሕጂ ንዓዲ-ጣልያን ክሳብ ዝኣቱ ጠበቓ ዝብል ኣምር’ውን ፈጺሙ ከም ዘይልፈጦ ይገልጽ። ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ከም ዝገልጾ፤ “ናብ ቤት-ፍርዲ ኣይትቐርብን ኢኻ። ነብስኻ ክትከላኸል ኣይፍቀደልካን፣ ስድራኻ’ውን ብዛዕባ ህላወኻን ኩነታት ጥዕናኻን ኣይፈልጡን። ሓንሳብ ምስ ጠፋእካ ሓደ ሰብ’ዩ ከም ከሳሲ፡ ዳኛን ኣሳርን ኰይኑ ዝውስነልካ።” ኤርትራያውን ሃንደበት ተታሒዞም ስለ ዝእሰሩ፡ ከይግፈፉ ወትሩ ነብሶም እናሓለዉ’ዮም ዝኸዱ። ብኣገላልጻ ሳሙኤል፤ “ኣብ ዘይኣትዉዎ የለን፣ ንኣብነት ንዓይ ምስ በዓልቲ-ቤተይ ደቂሰ ከለኹ ንገዛይ ኣትዮምኒ። ድሕሪኡ ምሉእ ገዛ፡ ትሕቲ ዓራት ከይተረፈ ፈቲሾሞ። እዚ ልሙድ መስርሕ ኣገባብ ግፋ’ዩ።” ብዙሓት ክሕዙዎ ኣይፈቐዶም ደኣ’ምበር ርክብ ቴለፎን ከም ዝጭወ ቃለ-መጠየቕ ዝገበሩ ዜጋታት ይገልጹ። ከም ሓበሬታኦም ኣባላት ሰራዊት ሞባይል ቴለፎን ክሕዙ ኣይፍቀዶምን። እቶም መስመር ከውጽኡ ዝፍቀዶም’ውን ብደቂቕን ኣድካሚን ምምሕዳራዊ መስርሕ ኣቢሎም’ዮም መስመር ዘውጽኡ። ኵላቶም ቃለ-መጠየቕ ዝተገብረሎም ዝደግሙዎ፡ ህይወት መለሳ ዘይብሉ ጽልሙት ምዃኑ’ዩ። ናጻ ሜድያ የለን። እቲ እንኮ ዝጽዋዕ ህዝባዊ ኣኼባ ብኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ፖለቲካዊ ኣኼባ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ። ኢንተርነት ዳርጋ ዘየለ’ዩ፣ ብዙሓት ከኣ ፈይስቡክ ዝብሃል ኣብ ኤርትራ ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ ይገልጹ። ኤለትሪክ ደጋጊማ ክተቋርጽ እንከላ ብኻልእ ኣዘራርባ እታ ተኣማንነት ዘይብላ መደበር ቴለቪዥን ምቍራጽ ማለት’ዩ። ሓደ ኤርትራዊ ጸሓፊ ከም ዘስፈሮ ግን እታ ወግዓዊት ቴለቪዥን ብዙሕ ዝርእያ ሰብ ከም ዘየለን ብቐንዱ ህዝቢ ብመገዲ ሳትላይት ናይ ቱርኪ ቪድዮ ድራማታትን ናይ ኮርያ መዘናግዒ መደበር ቴለቪዥንን ከም ዝከታትል ይገልጽ። ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ወጻኢ ብቤተ-ሰብ ዝስደዶም ገንዘብ ንገለ መንእሰያት ግቡዝ ህይወት ከሕልፉ ከም ዘኽእሎም ይዝረብ። ካብታ ከተማ ውጽእ ኢልካ ግን ኣብ ካልእ ዓድታትን ንኣሽቱ ከተማታትን ጐደናታተን ብጽምዋ ዝሳቐን ህይወት ዘይብለንን ምዃነን ይንገር። ኣብ ደገ ክንቀሳቐሱ ዝረኣዩ ድማ ቈልዑ፡ ኣንስቲን ኣረገውቲ ሰብኡትን ጥራይ ምዃኖም ብዙሓት ይምስክሩ። ኣብተን ናይ መንግስቲ ዘይኰና ውልቃውያን ትካላት ዝረኣዩ ቈልዑ ከኣ ንውትህድርና ክኸዱ ዝቀራረቡ’ዮም። እቶም ብቐጥታ ውትህድርና ዘይምልከቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ትካላት ክኸፍቱ ኣብ ዝፍትንሉ’ውን ኣይፍቀዶምን። ሳራ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ምዱብ ናይ መንግስቲ ዕዮኣ፡ ብውልቂ ኣብ ውልቃዊ ክሊንኪክ ስኒ ትሰርሕ ነይራ። እዚ ግን ድሒሩ’ውን ስለ ዝተኸልከለ ኣይቀጸለትን። ድሕሪ 2010 መንግስቲ ነተን ብውልቂ ዝውነና ክሊኒካት ስለ ዝዓጸወን፡ “ድሕሪ 2010 ኵሉ ብመንግስቲ ጥራይ’ዩ ኰይኑ፡” ትብል ሳራ። ንኣሽቱ ድኳናት ምኽፋት እቲ እንኮ ዝፍቀድ ትካል ደኣ ይዅን እምበአር፡ ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እኹል ስለ ዘይኰነ ካብኡ መኽሰብ ክትገብር’ውን ቀሊል ኣይኰነን። መሰረታዊ ቀረባት መግቢ መንግስቲ ባዕሉ’ዩ ብመገዲ ኩፖን ስድራቤታት ዝዕድሎ። እዚ ግን ካልእ መቈጻጸሪ ብልሓት ምዃኑ’ዩ። ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ከም ዝገልጾ፡ “ምስቲ ስርዓት ዝምድናኻ ጽቡቕ እንተ ዘየሎ ኩፖን ኣይትረክብን ኢኻ፣ ኩፖን እንተ ዘይረኺብካ ከኣ ትበልዖ’ውን የለን።” መብዛሕትኦም ኣብ ደገ ዝቕመጡ ዜጋታት በቲ ኵነታት ፍጹም ዘይዕጉባት’ዮም። ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመት ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፈ ዳን ኮነል ከም ዝገልጾ ስርዓት ኢሳይያስ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ እዋን ተዳኺሙ ኣሎ። ከም ኣገላልጻኡ፡ ሓደ መርኣያ ናይዚ ብዝሒ ነታ ሃገር ገዲፎማ ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታት’ዩ። ዘሰክፍ ግን ድሕሪ ምእላይ ናይቲ ስርዓት ዝህሉ ጋግ ምዃኑ ዳን ኮነል ይገልጽ። “እቶም ዘለዉ ተቓወምቲ ዝተወደቡ ኣይኰኑን፣ ከምዚ ዝመስል ውዱብ ምንቅስቓስ ሓደ እዋን ጥራይ ኣብ ጥሪ 2013 ርኢና ኔርና። ንሱ ከኣ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ተወዳዲቦም ዝፈተኑዎ’ዩ፣ ቀልጢፉ ግን ፈሺሉ፡” ይብል ዳን ኮነል። ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ንኤርትራ ኣብ 2006 ክገድፋ እንከሎ ናይ ለውጢ ተስፋ ስለ ዘይረኣየ’ዩ። ከም ኣገላልጻኡ፤ “ሎሚ ሓደ ኤርትራዊ ሓጋዚ ዘይብሉ ግዳይ’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዮም ብዙሓት ብሞትን ህይወትን ዝጣልዑ ዘለዉ። ብዙሓት ብጽምኢ ማይ ኣብ ሳህራ ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ከኣ ማእከላይ ባሕሪ ይውሕጦም ኣሎ። ግዳይ ከተርቲ ኰይኖም ኣካላቶም ዝተሸጠ ከኣ መሊኦም’ዮም። ዝግደሰሎም ኣካል ግን የሎን፣ ኤርትራ ሎሚ ምድረ-ሲኦል ተቐይራ ኣላ። ስለዚ ከኣ’ዮም ንሞት ከይፈርሑ’ውን ካብታ ሃገር ዝሃድሙ ዘለዉ። ብሓጺሩስ፡ ኤርትራ፡ ንምንባራ ፍጹም ዘይትከኣል ሃገር’ያ ዘላ።” ተወሳኺ ጸብብጻ ብማኑ ኣብዶ ከምኡ’ውን ዓብደል-ፈታሕ መሓመድ *ብምትሕብባር ፐን ኤርትራ ካብ እንግሊዘኛ ዝተተረጐመ